ነዊሕ ካብ ዚዕጾ፡
ነዊሕ ካብ እንቐብጾ፤
መእሰሪኡ ስልኪ’ኳ መሪቱ፥
ብሓይሊ ንፋስ፡ ማይ…
ባዕሉ ተኸፊቱ።
ጽቡቕ ፋል’ዩ ኢልና፡
ተኻረይቲ ጐረቤት፤
ልቢ ዝልብና።
ክልተ ናቕፋ መጺኡ፡
“ኣዋጽኡ ቅድም”፤
ቴኖ ሒዝካ ዘብዘብ፡
የለን ድሕሪ ደጊም።
“ንመጽረጊ’ዩ” ወዳእናዮ፤
ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም።
ግዳ…!
ነገራትዶ ይመጹ ’ልናዮም፡
እንትርፎ እናኸፍኡ፤
ወዮ ዘዋጻእናዮስ፡
ሉኬቶ ተገዚኡ።
መምህር ተኽለ ተኸስተ