ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 14 ክፋል
ሶር ካተሪና ንገለ ካልኢታት ኣብ ዘላቶ ቀዚዛ ተረፈት። ገጻ ብትእምርተ መስቀል ዓቲባ፡ “ኦ እምላኽ! ኣብ መንግስትኻ ተቐቢልካ ነፍሳ ኣድሕን፡ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ከኣ ሃባ፡” ብምባል ተንበርኪኻ ናይ ሕልና ጸሎት ድሕሪ ምዕራግ፡ ነታ ዕሸል ሸፊኑ ዝነበረ ጨርቂ ገንጺላ ኣብ ግንባራ ሰዓመታ። ብጕዳይ’ታ ዕሸል መታን ክተዘራርቦ ንሓኪም፡ “ዶቶረ” ኢላ ኣድሃየቶ። ዝማም ብዘይካ ማሪያ ካልእ ዘመድ ኣይነበራን። ግንከ፡ ምቅይያመን ከይኣክል ማሪያ ብሕማም ደሓር ትሳቐ ስለ ዝነበረት ክትገብሮ ትኽእል ነገር ከም ዘየሎ ርዱእ ነይሩ። ብዘይ ንሱ ንሰለስተ ዓመታት ብህይወታ ዘሽካዕለለት ሰብ ድሕሪ ሞታ ጓላ ክተዕብየላ ዝሕሰብ ኣይኮነንነ። በዝን ክንድዝን ጾር ናይታ ዕሸል ናብ ሶር ካተሪና ወደቐ። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ መዕበያ ዘኽታማት ክትውግና እዩ ነይሩ መደባ። እንተኾነ፡ በቲ ሓደ ኣብቲ ቦታ ሕማም ቈልዑ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ካልእ ድማ ነታ መልኣኽ ትመስል ቈልዓ ካብ ነፍሳ ክትፈልያ ሕልናኣ ምግባር ስለ ዝኣበያ ባዕላ ክተዕብያ ቍርጺ ሓሳብ ገይራ። ብኸምዚ፡ ሓዘንን ሓጐስን እናተፈራረቓ ነታ ዕሸል ሓቝፋታ ናብ ገዳም ኮምቦኒ ተበገሰት።
ገዳም ኮምቦኒ፡ ዝመነና ደናግል ጥራይ ስለ ዝነብርኦ ነታ ዕሸል እተጥቡ ኣደ ክትርከብ ከም ዘይትኽእል ርዱእ ነገር ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ብጸባ ከብቲ ክትዓቢ ግድነት ነይሩ። ዕምባባ ትመስል ቀልዓ ስለ ዝነበረት ድማ ሮዛ ዝብል ስም ተዋሂቡዋ ብደናግልን ተመሃሮን ናይቲ ገዳም ኣሎ ዝብሃል ክንክን እናተገብረላ ዕዅኽቲ ሕጻን ኮነት። ክትስሕቕን ድምጺ ክትህብን ምስ ጀመረት’ሞ ኸኣ ኩላተን ክስዕማኣን ክሓቝፋኣን ክቀዳደማ ጀመራ። ኣብ ልዕል’ታ ሕጻን ካብ ዝነበረን ክቱር ፍቕሪ ዝተበገሰ ኣትየን ወጺአን፡ “ሮዛ!” ክብላን ክመናጠላላን ልሙድ ተርእዮ ኮነ።
ኣዋርሕ ብዓመታት እናተተክአ ብዝኸደ መጠን፡ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኮይና ቀዳማይ ክፍሊ ብምጅማር፡ ፊደላት ጣልያንኛን ኣሎ ዝብሃል ሃይማኖታዊ መዛሙርን ስነምግባራዊ ጽውጽዋያትን ኣጽንዐት። ምጭውትን ውርጽጽትን ቈልዓ ድማ ኮነት። ኣብ መበል ሻሙናይ ዓመታ እኽልቲ ጓል ኮይና ብመሰረት ሕጊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዓቢ ዓጀባ ቅዱስ ቍርባን ተቐበለት።
* * *
ገዳም ኮምቦኒ፡ ዳኒኤል ኮምቦኒ ብዝብሃሉ ኢጣልያዊ ሚስዮናዊ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንዓለም ቶባ ኢለን ንጐይታና እየሱስ ክርስቶስ ከገልግላ ዝመረጻ ደቂኣንስትዮ ንድንግልና ዝምልመላሉ ገዳም እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ወይ ጐስጓስ፡ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ተወፋይነት ንኣምላኽን መንፈሳዊ ንጽህናን ዘተኰረ ኮይኑ፡ ምስኡ ጐድኒ ንጐድኒ ዝኸይድ ምጡን ኣካዳምያዊ ትምህርትን ከም ቅዲ ክዳን ዝኣመሰለ ሞያዊ ስልጠናን የጠቓልል። ናብዚ ገዳም’ዚ ክትጽንበር ዝወሰነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንዅሉ ስጋዊ ነገራት ጠንጢና ብምሉእ ሕልናኣ ንኣምላኽ ዝተወፈየትን ድንግልናኣ ዝዓቀበትን ክትከውን ኣለዋ። ስለዚ፡ ንዅሉቲ ቀይድታት ገዳም እትጻወር፡ ንጹህ ሕልና ዘለዋ፡ ኣካል ናይቲ ገዳም ንዝኾነ መወዳእታ ዘይብሉ ጸሎትን ኣድካሚ ስራሕን ብፍጹም ድሌት እትቕበል ክትከውን ይግብኣ። እዚ ግን ብቓላት ክተዛረበሉ’ምበር ብግብሪ ክትፍጽሞ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ዳርጋ ናብዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝጽንበራ ብዙሓት መንእሰያት፡ ጸዋዕታ ረኺበን ንድንግልና ዝበቕዓ ኣመና ውሑዳት’የን።
ሮዛ፡ ጓል ዓሰርተሽዱሽተ ዓመት ክሳብ ትመልእ ብሕጕስ ህይወትን ፍሱህ መንፈስን ክትጐዓዝ ጸኒሓ፡ ኣብ ቅንያት ፋሲካ ናይ ሰብዓን ሓደን ዓመተምህረት፡ እታ ከም ወላዲታ ብምዃን ብሓልዪትን ፍቕርን ዘዕበየታ ሶር ካተሪና ሳልስቲ ሓሚማ ዓረፈት። እዚ ነታ ሕማቕ ርእያን ሰሚዓን ዘይትፈልጥ ሮዛ ዓቢ ረጽሚ ስለ ዝፈጠረላ፡ ህይወት ትርጕም ስኢናትሉ እኽለ ማይ ምልካፍ ኣብያ ካብ ሰብ ክትንጸል ጀመረት። እቲ ዅሉ ናይ ንእስነት ዋዕን ጸወታን፡ ሓጐስን ሰሓቕን ብሓዘንን ጓህን ተተኪኡ ንያታ ናብ ዘዕረበት ሰብ ተቐየረት። ሽግራ ግን በዚ ኣየኽተመን። ዝቐደመ ሓዘን ከይረስዐት ከላ እታ ካብ ጐድና ከይተፈልየት ትኣልያ ዝነበረት መሓዛኣ ላውራ ሃንደበት ስለ ዝሞተት፡ ኵሉ ነገር ተደራሪቡዋ ኣይትብላዕ ኣይትስተ ኮነት። ናብራ ገዳም ከም ሓሞት መሪሩዋ ሓጺር ሓጺር ክትሓስብ ጀመረት። ነቲ ብስነስርዓት ተመልሚላ፡ ብፍቕሪ ተሓብሒባ ዝዓበየትሉ ገዳም ምስ ሞት ናይተን ኣብ ህይወታ ምሒር እተፍቅረን ዝነበረት ክልተ ሰባት ስለ ዘተኣሳሰረቶ ድማ ናይ ሓንጐል ዕረፍቲ ተሓርማ። ካብ ህይወት ገዳም ወጻኢ ትፈልጦ ዓለም ስለ ዘይነበራ ግን ናብ ተብሎ ሓርበታ። ኣሰር መሓዛኣ ከይትስዕብ ተፈሪሓ ከኣ ብመማህርታ ክትሕለው ቀነየት።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከላ ሓደ ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ ምስታ ሳሕቲ ክራኸባ ከለዋ፡ “እሂ’ቲ ጓል ሓውተይ!” ትብላ ዝነበረት ማሪያ ብማዕዶ ተጠማመታ። ካብ ዘይረኣኣያ ዳርጋ ኣዋርሕ ሓሊፋ ነይሩ። ዝጸለመትን ዕብርብር ዝበለትን ኮይና ስለ ዝተሰምዓታ፡ ካብተን ምስኣ ዝነበራ ኣንስቲ ፍልይ ኢላ ናብኣ ገጻ ብምስጓም፡ “ዋይ ኣነ ጉዳም! እንታይ ረኺቡኪ’ቲ ጓል ሓውተይ? ተጸሊኡኪ ድዩ?” ክትብል ተወከሰታ፡ በተን ገበታ ኵሕሊ ዝተደፍደፋ ፍሩያት ኣዒንታ ኣፍጢጣ እናጠመተታ።
ንማሪያ በቲ ኵሉ ግዜ ድሕሪ ቅዳሴ ተርእዮ ዝነበረት ሸኸርከር ትፈትዋ ኣይነበረትን። ብዙሕ ኣይኮነን’ምበር ብዛዕባ ተንኰላን እከይ ተግባራታን’ውን ብመጠኑ ትሰምዕ ብምንባራ፡ “ደሓን’የ ቍሩብ’ዩ ተጸሊኡኒ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበታ።
ማሪያ ግን ኣብ ገጽ ሮዛ ክንዮ ምጽላእ ዝኸይድ ምስሊ ተዓዚባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ቅጽበት ሓደ ሕሳብ ቅጅል ስለ ዝበላ፡ ብጕምቦ ኢዳ ሒዛታ ናብ ጸግዒ መንደቕ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣፈንትት ኣቢላ፡ “ኣነስ ዘይረኽቦ’ባ የብለይን! እንታይ ወሪዱኪ ኢኺ ከምዚ ኢልኪ ተባላሺኺ? ጸማልያ’ንዲኺ መስሊልኪ! ከመይ እዩኸ ዝገብረኪ?” ዝብል ሕቶታት ብምዝናብ ኣብ ዘይሓሰበቶ ወጥሪ ኣእተወታ።
ሮዛ በቲ ዘይተጸበየቶ ፍሉይ ኣቀራርባ ማሪያ ከይገተገረመት ኣይተረፈትን። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ክንድኡ ተገዲሳትላ ኣይትፈልጥን ነይራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ኣጋጣሚ ክራኸባ ከለዋ፡ “እሂ’ቲ ጓል ሓውተይ፡ ደሓንዶ ውዒልኪ?” ካብ ምባል ሓሊፋ ቀሪባ ኣዕሊላታ ወይ ኵነታታ ክትፈልጥ ተገዲሳ ኣይትፈልጥን ነይራ። ሮዛ ዘጋጠማ ነገር ክትገልጸላ’ኳ እንተ ዘይፈተወት፡ ክትሕስው ስለ ዘይደፈረትን መጸግዒ እንተኾነታ ስለ ዝሓሰበትን፡ ሕስይስይ እናበለትን ሓንሳብ ናብኣ ሓንሳብ ናብ መሬት እናጠመተትን ናብራ ገዳም ከም ዘይጠዓማ ኣሕጽር ኣቢላ ገለጸትላ።
ገጽ ማሪያ ከም ጸሓይ ቀትሪ በርሀ። “እዚ ቀሊል ነገር’ዩ ክንድዚ ነፍሰስጋኺ ወዲኡኪ ዘሎ! እዋይ እዚ ዘይምፍላጥ ክሓስም! ስለምንታይ ብኣጋኡ ዘይነገርክኒ?” ክትብል በቲ ለማጽ መልሓሳ ተመጻደቐትላ።
ሮዛ እቲ ሃንደበታዊ ሓልዮት ዝመልኦ ዘረባ ማሪያ ተስፋ ኮይኑዋ፡ “በጋጣሚ ኣይተራኸብናን፡ ገዛኺ ከኣ ዘይፈልጦ ኮይነ፡” ክትብል መለሰትላ ርእሳ ከየቕንዐት።
“ምዃን ኣነ’የ በዲለ፡ ደሓን ግን ኣጆኺ። ኣነ ከለኹ ትኾንዮ የብልክን፡” ድሕሪ ምባል ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ፡ “በሊ ነዘን ደቂ ማሕበረይ ክሳብ ዝፋነወን ንስኺ ናብ እንዳ ሓትኖይ በጺሐ ክመጽእ ደልየ ኢልኪ ኣፍቅዲ’ሞ፡ ተተሓሒዝና ናብ ገዛ መታን ክንከይድ ኣብ ኣፍደገ ክጽበየኪ እየ፡” ኢላታ ናብተን ክለየቃለባላ ወጃዕ ዝብላ ዝነበራ መሓዙታ ተሓወሰት።
ኣብ ኣፍደገ ተራኺበን መንገደን እናቐጸላ ከለዋ፡ “ስምዕኒ’ስኪ፡ ከምዚ ኢልኪ ሳዕሪ ክሳብ ትመስሊ እንታይ ትጽበዪ ኔርኪ? ቍሩብ ኣይትሃስብን ዲኺ? ወዲሰብ’ኮ ፕሪማ ዲ ቱቶ ጥዕናኡ እዩ ክሕልው ዘለዎ፡ ኵሉ ድሕሪ ህይወትካ’ዩ ዝስራዕ መዓረይ!” በለታ ኣብ ኣዒንታ ዝርአ ዝነበረ ስምዒት ክተንብብ ብስያፍ እናጠመተታ።
ሮዛ ጕድለት ዝፈጸመት ኮይኑ እናተሰምዓ ብሕፍረት ድንን ብምባል፡ “እንታይ ዘይገበርኩ’ሞ ኣነ፡ ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ደቂሰ እውዕል፡ ደቂሰ እሓድር። ከም ገለ ንበይነይ ክኸውን ከለኹ ከኣ ጽምዋ ይወርሰኒ’ሞ ኮቦርታ ተሸፊነ ክበኪ እውዕል ነይረ፡” ክትብል ብምስትምሳል መለሰትላ።
“በጃኺ ይድፍኣኒ መዓረይ! እንቋዕ ጥራይ ካብኡ ኣይሓለፈ። ኣብ መወዳእታ ዕድለይ ጸቢቑ’ምበር ከይፈለጥኩ ብደወይ ተዘሚተ ነይረ! ሕጂ ግን ኣምላኽ ጥዑም’ዩ ኣብ ጽቡቕ ተወዲኡ ኣሎ። ኣጆኺ! ድሕሪ ሕጂ ጸገም ዝብሃል የሎን።”
ዘረባ ማሪያ ንፍናን ሮዛ ኣዝዩ ክብ ኣበሎ። “ለካ ኣነ’የ ዝርሕቃ ነይረ’ምበር ክንድዚ ካብ ተገደሰትለይ ናይ ብሓቂ ሓትኖይ ክትከውን ኣለዋ፡” ኣብ ዝብል ስምዒት ድማ ወደቐት። ብርግጽ ምስቲ ሽዑ ዝነበረቶ ናይ ጽምዋን ተነጽሎን ህይወት ዝሓቝፋን ዝሕብሕባን ሰብ ክትደሊ ባህርያዊ ነይሩ።
ክንዮ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ዘሎ ቪላታት ሓሊፈን፡ ብፊያት ታሌሮ መጺኡ ናብ ቃኘው ስተሽን ዝወስድ ጐደና ድሕሪ ምቝራጽ፡ ኣብቲ ናብ ጐደና ኣንድነት (ጐደና ዋርሳይ) ዝጥምት ግሮሰሪ በጽሓ። ንየማን ብምጥዋይ ድማ ብሸነኽ ድሕሪት ኣተዋ። እቲ ገዛ ብዘይካ’ቲ ናብ ጐደና ኣንድነት ዝጥምት ግሮሰሪ፡ ብሓደ ሳሎን፡ ክልተ ማእከሎት ክፍልታት፡ መጠነኛ ክሽነን ጽብብ ኢሉ ቀጽርን ዝቘመ ኮይኑ፡ ብምሩጽ ጥንታዊ ኣቕሑ ዝማዕረገ ነይሩ።
ኣብ ሳሎን ኣትየን ኮፍ ምስ በላ፡ ሮዛ ነቲ ኣብ መናድቕ ናይ’ታ ክፍሊ ዝነበረ ኣሳእል ኣዒንታ ክነጥር ክሳብ ዝደሊ ሃነን ኢላ ብተምሳጥ ክትጥምቶ ካልኢታት ሓለፈ። ብተፈጥሮኣ ፈታዊት ስእሊ’ያ ነይራ። ካብ ገዳም ኮምቦኒ ወጻኢ ካልእ ቦታ ርእያ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ካብ ገዳም ኮምቦኒ ዝበልጽ ቦታ ክህሉ ኣይክእልን ዝብል ግምት’ዩ ነይሩዋ። ኣብ እንዳ ማሪያ ምስ ኣተወት ግን፡ “ለካ! ካልእ ዓለም ኣሎ እዩ’ባ!” ብምባል ብዕሽነታ ተገረመት። እቲ ገዛ ብዅሉ ሸነኹ ቀልባ ስለ ዝሰረቓ ካብ ገዳም ኮምቦኒ ተገላጊላ ኣብ እንዳ ማሪያ ክትጽጋዕ ብዘይ ነግፈረግ ወሰነት።
. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 15 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 5 ጥቅምቲ