ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
2ይ ምዕራፍ መበል 11 ክፋል
ምዕራፍ 2
ኣፈጻጽማ ፍትሒ ማዕርነትን ሕግን ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ፡
ንሓደ ዝተገብረሉ ነቲ ካልእ ክንፈጐ የብሉን።
ቶማስ ጀፈርሰን
ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ተነፊጉ፡ ጕዳዩ እተን ዓበይቲ ዝብሃላ መንግስታት ይጣልዓሉ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ኣብ ከባቢ መረብ፡ ጉንደት ኣብ ዝብሃል ፍሉይ ቦታ፡ ህይወት ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ከም ተራ ኣቕሓ መሸጣ ተቘጺሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩ። ክልተ ጋመ ዝፈለየት ዝማም ዝተባህለት ካብ ጽጉማት ስድራቤት እትውለድ ጓል ዓሰርተ ክልተ ዓመት ናብ ሓደ ከብቲ ስድራኡ ዝጓሲ ዝነበረ ጸባ ጸገብ መንእሰይ ብሓደራ ተመርዕያ። ንሱ ግን ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንዓቕሚ ሄዋን ከይኣኸለት ከላ ብጐነጽን ብጭካኔን ተጋሲሱዋ። ንሳልስቲ ስቓይ በርቲዑዋ ብንብዓት ክትሕጸብ ቀንያ። ሕማቕ ዝረኣዩ ደቂ ዓዲ፡ ሰብኡቶም ኣንስቶም፡ “እዝስ እምበርዶ ፍጥረት ሰብ ኣለዎ? ኤህ! ኣምላኽ ማስጣኣ የውርደልካ፡ በጃኣ ተሓረድ!” ኢሎም ረጊሞሞ። መዛኑኡ ብወገኖም፡ ለይቲ ለይቲ እናተጸናጸኑ ቅሳነት ብምኽላእ ርእሰተኣማንነት ከም ዘጥፍእ ገይሮሞ።
ኣብ ሰሙኑ እታ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝወረዳ ዝማም እኽሊ ኣብዩዋ ኣዝያ ስለ ዝተዳኸመት፡ ኣቦኣ ካብ ፈተውቶም ኣብ ዝለመኑዋ በቕሊ ኣወጢሖም ንሕክምናዊ ረዲአት ናብ ዓዲዃላ ወሲዶማ። ኣብ እንዳ ሓትኖኣ ተዓቝባ ንክልተ ቕነ ምስ ተሓከመት ድማ ሽንቲማያ ባዕላ ክትደፍእን ደገ ክትወጽእን ጀሚራ። ሰብነታ’ውን በብቝሩብ ናብ ንቡር ተመሊሱ።
ኣቦኣ እዋን ትኸል ንቐል ኮይኑዎም ውራይ ማሕረሶም ክገብሩ ቀንዮም ኣብ ወርሖም ደሃይ ጓሎም ክገብሩ ናብ ዓዲዃላ ተመልሱ። “ዝማም ጓለይ ኣምላኽ ካብ መሓረኪ ንኺድ ንዓድና፡” ምስ በሉዋ ግን ናብቲ ድያብሎስ ኮይኑ ዝተራእያ እከይ በዓልቤታ ክትምለስ ስለ ዘይደለየት፡ ብስዉር ምትብባዕ ናይ ሓትኖኣ ዕጭ ሓንፊፋ ኣቕበጸቶም። ገርሀኛን ውዲዝግሄርን ስለ ዝነበሩ ድማ ከይፈተዉ ገፈፍ እናበሉ ጥራይ ኢዶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ተገደዱ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ እቲ ብተባዕታዊ ትምክሕቲ ልቡ ዝሓበጠ ጨካን በዓልቤታ፡ መዛኑኡ ክጨርቁሉ፡ ኣዋልድ ጉንደት ከኣ ከም ሕሱም እናደረፋ ምሕላፍ መንገዲ ክኸልኦኦ ምስ ጀመራ ንሓሙኡ፡ “ንዝማም እንተ ዘየምጺእኩማ ህድሞኹም ሓዊ ክርኵዓሉ እየ፡ ነዞም ጽምዲ ኣብዑርኩም ድማ ክቕንጅሖም’የ፡” እናበለ ከፈራርሖም ጀሚሩ። መስኪናይ ኣቦ ኣጆኹም ዝብሎም ሓው ወይ ወዲሓወቦ ስለ ዘይነበሮም ከም ዝሃቦም ገፈፍ እናበሉ ናብ ዓዲዃላ ክብገሱ ተገዲዶም። ኣብ እንዳ ሓውቶም ምስ በጽሑ ንጓሎም፡ “እንጌራ’ዝጊ ብልዒ’ዛጓለይ፡ ማርያም ሕራይ ትበልኪ ሕራይ በልኒ፡” ብምባል ናብ ሰብኣያ ክትምለስ ኣብ እግራ ወዲቖም ለሚኖማ። ዝማም እንተ ናይ ቈልዓ ነገር ኮይኑዋ ፈሪሓ፡ እንተ ትፈትዎም ኣቦኣ ኣደንጊጾማ ኣይምኣበየትን ምተመልሰት ነይራ ትኸውን። ክትናብያ ዝወርሐት ሓትኖኣ ግን ናብራ ገጠር ዓንዴል ጥዒሙዋ ምስ ሰብኣያ ተፋቲሓ ክድምና ድሕሪ ምጅማር፡ ብኡንብኡ ናብ ሸቐጥ ስዋ ዝተሰጋገረት ፍልጥቲ ኰማሪት ስለ ዝነበረት፡ ንጓልሓውታ ናብ ዓዲ ንኸይትምለስ ሓባቢላታ። ሽማግለ ሰብኣይ ወጋሕታ ሰንበት ቤትክርስትያን ክሳለሙ ምስ ከዱ ድማ ምስ ሓደ ናብ ኣስመራ ዝብገስ ዝነበረ ኣማኒኣ ናብ ለተማርያም እትብሃል መሓዛኣ ሰዲዳታ።
ማሪያ ብክድምና ዝለመደቶ በዓልቤታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ንሱ ዝውንኖ ዝነበረ ግሮሰርን መንበሪ ኣባይትን ዝወረሰት፡ ብመልክዓ ንብዙሓት ወረጃታት ኢና በሃልትን ሰበስልጣንን ዛንዛን ዘእተወት፡ ኣኺሉ ዝተርፍ ሃብቲ ዝነበራ ኵሕለን’ያ። ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ምስቲ ግሮሰሪ ለጊቡ ኣብ ዘሎ መንበሪ ገዛኣ፡ ንፍሉያት ዓማዊል ከም ሰግሬቶ ክትጥቀመሉ ጀሚራ ጥራይ ዘይኮነ ለይለይ ዝብላ ጭልቅዓት መንእሰያት’ውን ተባዕልገሉ ነይራ። ማሪያ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንበይና ዘይኮነት፡ ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ከም ዝብሃል፡ ብዘይካ ገንዘብ ካልእ ሃይማኖት ዘይነበራ ኣስካሉ ትብሃል ነርስ በዓልቲ ምስጢራ ነይራ። ቀንዲ ስራሕ ኣስካሉ ኣብ ትርፊ ግዜኣ ነተን ግዳያት ጥንሲ ዝኾና ገርሀኛታት ደቂሄዋን፡ ኣብ ኣልፋ ሮመዮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኣ ኣዕቍባ ጥንሰን ብምስጢር ኣብ ምስዳድ ምትሕብባር ነይሩ።
ዝማም ካብ ዓዲዃላ ክተፋኖ ከላ፡ ካብ ዓለባ ኣቡጀዲድ ዝተሰፍየት ኣብ ኵርዅሮኣ እትበጽሕ ጀለብያ ተኸዲና፡ ርእሳ ብሓንቲ ርስሕ ዝበለት ሓሪር ዝዓይነታ መንዲላ ሸፊና፡ ሓትኖኣ ዝዓደገትላ ቍሩብ ሕዝ ዘብላ ሕቱም ኮንጎ ወዲያ እያ ተበጊሳ። ኣብቲ ብኣዝዩ ዘንጸባርቕ ኣቕሑ ዝወቀበን ምድሪቤቱ ብክቡር ምንጻፍ ዝተሸፈነን ገዛ ምስ ኣተወት ኣመና ደንጸዋ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሳሎን ንዝነበረ ሕብራዊ ናይ ቅብኣ ስእልታት ምስ ተዓዘበት ንቤተክርስትያን ዓዶም ብምዝካር፡ “ወይ ጉድ! እዚ ዅሉ ሓሊፍናዮ ዝመጻእና ገዛውቲ’ውን ውሽጡ ከምዚ እዩ ማለት ድዩ?” በለት ብልባ። እቲ ዝተቐረበላ ምኡዝ ምግቢ ይኹን ሻሂ ብወገኑ ተደራቢ ባህታ ስለ ዝፈጠረላ ኣብ ፍሉይ ዓለም ዝኣተወት ኮይኑ ተሰምዓ። መሬት ምስ መሰየ ኣብ መንደቕ ዝጠበቐት ጸፋሕ ነገር እንተ ጠወቕካ፡ ካብ ናሕሲ ብገመድ ዝተንጠልጠለት ንእሽቶ ብልቃጥ ትመስል ከባብ ነገር ድሙቕ ብርሃን ክትህብ፡ ንሓደ ከም ጸባ ዝምጽዕዳዉ ኣብ ልዕለኡ ጉልሻ መሳሊ ነገር ዘለዎ፡ ኣርባዕተ ዝጥርዙ ሓጺን ድማ ክርቢት ሸርጢጥካ እንተ ኣቕሪብካሉ፡ ብዘይ ዕንጨይቲ ሰማያዊ ዝመስል ፍሉይ ሃልሃልታ ክፈጥር ተዓዘበት። ሽዑ ኣብ እንዳ ሰብ ዘይኮነ ኣብ እንዳ ዛርቲ ዝኣተወት ኮይኑ ተሰምዓ። ብኸምዚ ቀዳመይቲ ለይቲ ፈጺማ ሰለም ከየበለት ሓደረት።
ዝማም ብሰሪ ድሕረታ መነባብሮ ከተማ ክሳብ ትለምዶ ኵሉ ነገር ጋን ኮይኑዋ ካብ ትሰርሖ ተባላሽዎ ይበዝሕ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ትኵርቲ ቈልዓ ስለ ዝነበረት ግን ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ሕጽቦን ሓፈሻዊ ጽሬት ገዛን፡ ቍሩብ ጽንሕ ኢላ ድማ ምስትራር ክዳውንትን ውሱን ዓይነታት ምግቢ ምኽሻንን መለኸት። ብኸምዚ ድማ ኣይከም ጓል ገዛ፡ ኣይከም ከዳሚት ትንፋስ ኣብ ዘይህብ ስራሕ ተቘሪና ድከታ ሰተየት። ኣብ ዓመታ ደሃይ ዓዲ ክትገብር እናሓሰበት ከላ ግን ኣብ ዓዲዃላ ዝነበረት ሓትኖኣ ናብ እንዳ ጊዮርጊስ ቀብሪ እናኸደት ከላ ብሓደጋ መኪና ዓረፈት።
ድሕሪ ሞት ሓትኖኣ ናብ ተብሎ ስለ ዘይነበራ፡ ይሕሰማ ይጥዓማ ኣብ እንዳ ማሪያ ክትሽመም ግድነት ኮይኑዋ። ህይወት ኣብ እንዳ ማሪያ ግን ብዅሉ መዕቀኒ ኣይግድን ኮይኑዋ። ሓቂ ንምዝራብ ብጭካኔን ስስዐን ዝመጽአ ንማሪያ ዝወዳደር የሎን እንተ ተባህለ ምግናን ወይ ምጽላም ኣይኮነን። ዘይስንኻ ጸጸር ቈርጥመሉ ከም ዝብሃል፡ ንዝማም ብዘይ ንሕስያ ካብ ምግዛኣ ሓሊፋ ዘርኣየታ ሓልዮት ይኹን ክንክን ኣይነበረን። መስኪነይቲ ዝማም ምሉእ መዓልቲ ሕቘኣ ከየቕንዐት ትንፋስ ኣብ ዘይህብ ስራሕ ገዛ ድፍእ ክትብል ምውዓል ከይኣኽላ፡ ዓማዊል ማሪያ ሓሳቦም ዓጽዮም ክሳብ ዝፋነዉ ፍግም ክትብል ድሕሪ ምምሳይ፡ ነቲ ጋሕሚጡ ዘምሰየ ሳሎን ከተጻራሪ፡ ኣ. .ላ. .ህ. .! ወኣክበ. . . ር! ሰሚዓ ክሳብ ትበራበር ሩፍ ኢላ ትድቅስ።
* * *
ብኸምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ህይወት፡ ዓመት ብዓመት እናተተክአ ብዝኸደ መጠን ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመታ ዝማም ምስ ከባቢኣ ክትላለን ዓይና ክተንቍሕን ጀመረት። ማሪያ ምስቲ ዅሉ ኣሉታዊ ባህርያታ፡ “እየሱስ ንሓጥኣን ንምድሓን’የ መጺአ፡” ከም ዝበለ ስለ እትፈልጥ ግዲ ኾይና፡ ሰንበት ሰንበት ካብ ቤተክርስትያን በዅራ ኣይትፈልጥን ነይራ። ንዝማም’ውን፡ “መስቀል ክትሳለሚ” እናበለት ናብቲ ኣዘውቲራ ትመላለሶ፡ ኣብ ኮምቦኒ ዝነበረ ቤተክርስትያን ትማልኣ ስለ ዝነበረት ምስ ገለ መዛኑኣ ዝኾና መንእሰያት ክትላለ ዕድል ረኺባ። ነዊሕ ከይጸንሐት ብዕላል ዕላል፡ እቲ ማሪያ ደንጕያ ዝጀመረትላ ደሞዝ ዘይጠቅም ቍንጣሮ ምንባሩ ተጋህደላ። ደሞዝ ወስኽኒ ክትብላ እናሓሰበት ከላ ግን ብሓደ ዘይተጸበየቶ ኵርናዕ ሓደ ደቦላ ኣጋጠማ።
ዝማም ናብ እንዳ ማሪያ ዝመጽኣትሉ እዋን ገና ጡብ ዘየቐልቀለት ጭልቅዕ ቈልዓ’ያ ነይራ ክብሃል ይከኣል። ምስ ቀረብ ጽቡቕ ምግብን ምውሳኽ ዕድመን ግን ቅርጺ ኣካላት ክትፈልን ከክንዲ ድቕቕ ዝበላ ብርትኳን ዝኣኽላ ኣጡባት ክተቐልቅልን ጀሚራ። ኣብ እንዳ ማሪያ ዘሕለፈቶ ህይወት ምስቲ ኵሉ ጣጣኡ ብዅሉ መዳይ እዩ ቀዪሩዋ። እቲ ጋመ ዝቝነን ዝነበረ ጸጕራ እናመልኣላ ብዝኸደ መጠን፡ መጀመርያ ድፍን ክትቍነኖ ጀሚራ። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ሓምባርጭቃ እናቐብአት ስለ ዝተኸናኸነቶ፡ ካብ ቍኖ ተገላጊላ ከም ዓለማ ናብ ዘበን ኣምጽኦ ምሻጦ ተሰጋጊራ።
ሰብነታ ቀልጢፉ ይውስኽ ስለ ዝነበረ ዘዝጸበባ ክዳውንቲ እናደርበየት ካብ ኣቡጀዲድ ናብ ሓሪር፡ ካብ ሓሪር ናብ ናይሎንን በዘቕዘቕን ክትሰጋገር ዕድል ረኺባ። ኣብ መበል ሳልሳይ ዓመታ ድማ ጠሚትካ ዘይትጽገብ ምጭውቲ ጐርዞ ኮነት። ከም ሳዕቤን ድማ እቶም ቍሊሕ ኢሎማ ዘይፈልጡ፡ ገለ ካብኣቶም ስቤት ዘር ዘበሉ ዓማዊል ማሪያ፡ እናኽርእዩዋ ተባዕታዊ ስምዒቶም ክጻወሩዎ ስለ ዘይከኣኣሉ ክተናኽፉዋን ንስጋዊ ርክብ ክፈታተኑዋን ጀሚሮም። ኣብቲ ፈለማ፡ ብሰንክ’ቲ ምስኣቶም ዝነበራ ነዊሕ ምልምማድ ንቐንጠብጠቦም ብተንኰል ኣይረኣየቶን። እቲ ጕዳይ ግን ኣብኡ ክዕገት ኣይከኣለን። ሓደ ምሸት ተደቢራ ናብ ዓይኒ ምድሪ ዝወስድ መተሓላለፊ እናወልወለት ከላ፡ ሓደ ርጕድ ዝበሉ በራሕ ሰብኣይ ሽንቲማዮም ክደፍኡ ናብ ዓይኒምድሪ ተበገሱ። ነቲ ዳርጋ ክሳብ ሰለፋ ተቐሊዑ ዝነበረ ዳናጉኣ ምስ ረኣዩ ከም በዓል ደሓን ናብ ዓይኒምድሪ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ምስ ዝነበሮም ሓይሊ መስተ ተባዕታዊ ስምዒቶም ክቈጻጸሩዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ብኡንብኡ ሓደ ሜላ መሃዙ። ናብ ዓይኒምድሪ ከእትዉዋ ብምሕሳብ ድማ ከም ብሓድሽ ናብኣ ተመሊሶም፡ “ዝማም፡ እዚ ሽቓቕ ረሲሑ ስለ ዘሎ ንዒ ማይ ክዓውሉ፡” በሉዋ ብትሑት ድምጺ።
ክረስሕ ከም ዘይክእል ርዱእ’ኳ እንተ ነበረ ግርህ ኢላ ተበገሰት። ኣብ ዓይኒ ምድሪ እትው ክትብልን ደድሕሪኣ ስዒቦም ብቅልጽማ ሒዞም ወጠጥ ክብሉዋን ሓደ ነይሩ። እኵይ ፈተንኦም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕለኣ ንዝተፈጸመ ኣራዊታዊ ግፍዒ ገብረወልዲ ስለ ዘዘኻኸራ ከም ቅጽበት ናብ ነብሪ ተቐየረት። ኣሎ ዝብሃል ሓይላ ተጠቒማ ፈንጺጋቶም ብምኻድ ድማ ኣብ ክሽነ ኣትያ ብውሽጢ ምስ ሰገጠቶ ኮፍ ኢላ ብሓሳብን ጭንቀትን ተዋሕጠት። ማሪያ፡ “ዝማም!” ኢላ ክሳብ ትጽውዓ ኣእምሮኣ ኣጨነቐት። በቲ ፍጻሜ ሓንጐላ ተናዊጹ ምሉእ ለይቲ ሕስብ ሓደረት። ኣብ መወዳእታ ድማ ጕልበታ ሸይጣ እትነብረሉ ቦታ ከም ዘይትስእን ብምትእምማን ሕሳባ ተቐቢላ ካብታ በዓቲ ኣጋንንቲ ኮይና ዝተራእየታ እንዳ ማሪያ ሓንሳብ ንሓዋሩን ክትገላገል ቍርጺ ሓሳብ ገበረት።
. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 12 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 24 መስከረም