ብኽያተይ ሰሚዑ
ሰማይ ነቢዑ
ነዊሕ ተገዚአ ትንፋሰይ ሞሊቑ
ቈርበተይ ተናዒቑ
ስጋይ ተዓሚጹ ዓጽመይ ደቒቑ
መንነተይ ተጓዕጺጹ ታሪኸይ ተሰሪቑ
ቋንቋይ ተናዒቑ ናብ መሬት ወዲቑ
ተዋሪደ
ተሓሪደ
ተሰዲደ
ኣብ ገዛእ ቤተይ ተዓሚጸ
ኣብ ገዛእ መሬተይ ተረጊጸ
ተዃዒተ ተፋሒረ ተበሲዐ
እወ፡ ተመዝሚዘ ለፊዐ
ሽንቲ ርሂጸ ደም ነቢዐ
እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ በልኩ
ሓመድ በሊዐ
ንሱ ከኣ ሓለፈ
እንክሓልፍ ብዙሕ ትንፋስ ኣሕለፈ
እንትኾነ ሓለፈ
ሓሊፉ ግን ኣይሓለፈን
ደጊሙ ተመልሰ
ከም’ቲ ወርትግ ካብ’ቲ ዝጸንሐ ዝበኣሰ
ረቒቑ፡ በሊሑ፡ ነዲሩ፡ ሓሲሙ
እቲ ምረት ተመልሰ ደጊሙ
ገዛእ ወደይ ሓረደኒ፡ ኣሰረኒ
ገዛእ ወደይ ኣሕሰረኒ፡ ዓመጸኒ
ሽንቲ ኣርሂጹ ደም ኣንባዓኒ
ኣሳደደኒ፡ ካብ ገዛይ ሰጎጔኒ
ምድረ በዳታት ሰንጠቕኩ ናብ ስደት
ኣብ ባዕዲ ሃገር ‘ተሐሸ’ቲ ምረት
ኣብ ባዕዲ ሃገር ‘ተሐሸ’ቲ ቅትለት
እንተኾነ ኣይሓሸን ኣይሓሸን ዋይ ኣነ
ኣብ ፈቐዶ ባሕርታት ምሳሕ ዓሳ ኴይነ
ሰብነተይ ተሰሪዙ ናብ ኣቕሓ ተለዊጠ
ብህይወተይ ተሰጥዬ ተጎዝዬ
ልበይ ኵሊተይ
እዝነይ ዓይነይ
ንዕዳጋ ቀሪቡ
ተሓረጀ ንዝበዝሐ ዝሃቡ
ኣውያተይ ሰሚዑ
ሰማይ’ውን ነቢዑ
ጸሓይ’ውን ሓዚና
ጸሊም ካባ ደመና ተኸዲና
ኣንታ ወደዬ ውጻእ ማሕጸነዬ
ኣይሰማዕካን ብኽያተይ ኣውያተዬ
ሰማይ’ዶ ቀሪቡኒ ካባኻ?
ጸሓይ’ዶ ቀሪባትኒ ካባኻ?
ተንስእ ኣልዕል በትርኻ
በትሪ ኢድካ በትሪ ልሳንካ
በትሪ ልብኻ በትሪ ነፍስኻ
እዚ’ውን ይሓልፍ
ክሳብ ዝሓልፍ ግን …
ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ
ጀርመን
8.12.2011
1 Comment
ኣዝዩ መሳጥን እዋናውን ግጥሚ። ሓው ዳኒኤል ኣይትጋደፈና ወስ በለና ደኣ ደሃይ ኣይተጥፍእ።