ብርሃነ ገብረሂወት
“ጽቡቕ ጌረ እኮ’የ ዝፈልጠካ”
“ንኽትፈልጠኒ ግን ክንደይ ግዜ ወሲዱልካ ይኸውን?”
“ማዕረ እቲ ዝፈለጥኩኻ፡፡”
“ካብ ንፋለጥ ክንደይ ኰይኑ ኣሎ? ምልላይን ምፍላጥን ከ ሓደ ዲዮም?”
“ዘይከውን’ንዶ ኣይትሕተት። ንሰብ ንኽትመዝኖ ሓንቲ ደቒቕ እያ ትኣክል፡፡ ኩሉ ከማኻ ኣይትውሰዶ፡፡ ግዜ መለክዒ ኣይኰነን፡፡ ደሓር ንሰብ ካብ ጽፍሩ ክሳብ ጸጉሩ ናይ ምንባብ ክእለት’ዩ ዘሎኒ፡፡ ንሰብ በራግጻኡ ኢና ንፈልጥ፡፡”
“ተዓዲልካ። ካብዚ ብቕዓት እዚ ደኣ ዘይተማቕለኒ ወደይ።”
“ንዓኻ!?”
“ንመን ደኣ! መን ዲዩ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ? ብዘይካይ መን ኣሎ ዲዩ? ኣነ’ንድየ ምቐለኒ ዝብለካ ዘለኹ፡፡”
“ክመቕለካ ከኣ! ንዓኻስ ክመቕለካ? ደሓን ክንረአአ ኢና፡፡ እንቋዕ ጥራይ ተፋለጥና፡፡”
“ርእስኻ ኣይትነቕንቕ፡፡ ኣይትሓንሕነለይ ከኣ፡፡ ሓቂ ይሓይሽ ንፋለጥ ኣይመስለንን፡፡ ኣበይ ተራኺብና እሞ ቅድሚ ሎሚ? ብዘይቀልዓለም’የ ዝብለካ፡፡ ኣብ ደስታ ይኹን ሓዘን ዝተሓዋወስናሉ እዋን ኣይዝክርን። ሓቢርና ኣይሰሓቕናን ኣይበኸናን ውን፡፡ ብስም ኢና ንጸዋዋዕ ኔርና፡፡ ብስም ምፍላጥ ወይ ምጽውዋዕ ከኣ ምፍላጥ ኣይመስለንን፡፡ ምልላይ እዩ፡፡ ብሕጂ ኢና ክንፋለጥ ዝብል ግምት ኣለኒ። እዚ ውን ፍቓደኛ እንተኴንካ’ዩ። ብዛዕባኡ ሐራይ ደሓን ንግደፎ። እቲ ምምቃል ውን ይጽነሓልና፡፡ እቲ ብዛዕባይ ትፈልጦ ግዳ ንገረኒ፡፡”
“ካባይ ዝተሰወረ ነገር እኮ የብልካን።”
“ገለ ካብኡ. . .”
“እንታይ ገለ ደኣ፡ ኩልምልኻ’ምበር።”
“እሞ መቓብር ኴንካ ስተረኒ ክብለካ ዲኻ ትጽበ ዘለኻ? ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ትፈልጦ ከም ዘይብልካ ስለ ዝፈልጥ ኣይብለካን’የ።”
“ኣይፈልጥን? ኣነስ ኣይፈልጥን’የ?”
“ብዛዕባይዶ?”
“ብዛዕባኻ እወ!”
“እወ ኣይትፈልጥን።”
“ግደፍ!”
“ኣይተፈራርሓኒ፡፡ ክትድሕደሖ ትኽእል ኢኻ። ቀጠልያ መብራህቲ ተወሊዑ’ዩ ዘሎ፡፡ እነሆ ፈረስ እነሆ ሜዳ!”
“ደሓር ከይትሓፍር።”
“ተመሊሱ ደኣ ከየሕፍረካ?”
“ኣነ ክሓፍር?”
“ኣነ ደኣ ዘሕፍር ከም ዘይብለይ ስለ ዝፈልጥ ኣይክሓፍርን’የ፡፡ ዛንታ ውድቀተይን ትንሳአይን ይዂን ዋዛይን ቁም ነገረይን እኮ ኣፈይ መሊአ’የ ዝዛረበሎም። ካብቶም ካብ ውድቀተይ ንኽትስእ ዝደገፉንን ኣብ ቃንዛይ ዝተቐንዘዉን ዘይምዃንካ ግን ኣይትዘንግዕ፡፡ ማለት ከይተሓዋወሰካ፡፡ ብዛንታ ዝሰማዕካዮ ከም ዝወዓልካዮን ዝተዋሳእካዮን ኰይኑ ከይስመዓካ፡፡”
“ንትዕቢትካ ደኣ እኮ ጽቡቕ ጌረ እየ ዝፈልጦ። ንነብስኻ ብዓይኒ ካልኦት ክትርእያ ፈትን፡፡ ሽዑ፡ ዕርቃንካ ጽቡቕ ጌሩ ክረኣየካ እዩ፡፡ ወላ ሓንቲ እኳ ኢኻ ዘይኰንካ! ወላ ሓንቲ!”
“ምዃነይን ዘይምዃነይ ይጽናሓልና። ትእዛዝ ኣይተብዝሓለይ፡፡ ንዕርቃነይ ልዕለይ ክፈልጦ ዝኽእል የሎን፡፡ ብዓይኒ ካልኦት ንነብሰይ ዝርእየሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን፡፡ ንነብስና በቢዝመስለና ንርኣያ፡፡ በብዝመስለና ንምዘና፡፡ ከከም ምርጫና ንኺድ፡፡ ኣርእስቲ ናይዚ ጒዳይ ብምዃነይ፥ ንኽትፈልጠኒ ዝደረኸካ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ምደለኹ፡፡”
“ንሱ ንዓይ ጥራይ’ዩ ዝምልከት።”
“ንዓይ ምፍላጥ ኣብ ኣጀንዳኻ መእተዊኡ ምኽንያት ክፈልጥ ዝምልከተኒ ኣይመስለካን?”
“ኣይምልከተካን እዩ።”
“እዚ ውን ሐራይ ይጽናሕ።”
“ካልእ ከ ደኣ እንታይ ክትብል?”
“ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ’ዩ፡፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ጐደና ንነብርን ንመላለስን ኔርና ንኸውን ኢና፡፡ እዚ ውን ንውሱን ግዜ፡፡ መሳትይቲ ሻሂ፡ መቁርስ ወይ መኻፍልቲ ወግዒ ግን ኣይነበርናን መስለኒ፡፡ እንተዘይተጋግየ፡ ቀሪብና ሎሚ ኢና ንፈለማ ግዜ ነዕልል ዘሎና።”
“እሞኸ?”
“ክትፈልጠኒ ዘኽኣለካ ምንጪ ሓበሬታ ክፈልጥ ምደለኹ፡፡ ክሳብ ክንድዚ ጽቡቕ ጌርካ ከም እትፈልጠኒ ዘመክሓካ ዘሎስ እንታይ’ዩ? ምፍላጠይ ዘገድሰካ እንተ ኔሩ፡ ክንቀራረብ ዝነበረና ኰይኑ ይስመዓኒ፡፡ ብወገነይ ውን ክፈልጠካ ምኽኣልኩ ኢለ እሓስብ።”
“ኣብ ላዕሊ እኮ ነጊረካ’የ።”
“ብልክዕ ነጊርካኒ። መብርሂ ንዝደልየሉ ክሓትት የብለይን ማለትካ ዲዩ’ሞ?”
“ፈቲኻ ጸሊእካ እፈልጠካ’የ፡፡ ሕጂ ውን ጽቡቕ ጌረ እኳ ደኣ!”
“ምፍላጥካ ጽቡቕ። ግን . . . ኣይትሓዘለይ፡፡ ብዝፈጠርካዮ ስእሊ ኣእምሮ ኢኻ ትፈልጠኒ መስለኒ፡፡”
“ብስእሊ ኣእምሮ ይኹን ስእሊ መንብሮ ይፈልጠካ እየ ይብለካ ኣለኹ፡፡ ይፈልጠካ’የ ይፈልጠካ’የ። ተዓዚበካ’የ። ንነዊሕሕሕ ግዜ እኳ ደኣ፡፡”
“እዚ ትብሎ ዘለኻ ነዊሕ ግዜ ግን ንነብስኻ ንምዕዛብ እንተ ተጥፈኦዶ ኣይምሓሸካን? ከም ርእይቶ እየ፡፡”
“ንዓኻ ንምዕዛብ ከ ዘየጥፈኦ!? ብዛዕባ ነብሰይ ንስኻ ክትነግረኒ? ኣብ ዘይምልከተካ እስከ ኣይትእቶ፡፡ ሱቕ ከኣል፡፡ ተፈሊጠ ኢልካ ጉድካ ክትሽፍን እኮ ኢኻ ህርዲግ ትብል ዘለኻ፡፡”
“ብዛዕባ ነብሰይ ኣይምልከተካንዶ በልካ!? ንምዃኑ መን እዩ ኣብ ዘይምልከቶ ኣትዩ ዝዛረብ ዘሎ?”
“ንስኻ’ምበር መን ደኣ! ኣብ ዝምልከተካን ዘይምልከተካን ከም እትኣቱ ዘይፈልጠካ ዲዩ ዝመስለካ! ይ ፈ ል ጠ ካ እየ!!”
“ይቕረታ፥ ስለቲ ንዓይ ንምፍላጥ ዘጥፋእካዮ ግዜኻ፡፡ ክኽሕሰካ’የ ኣይብለካን፡፡ ብምርጫኻ ዝኣተኻዮ ክሳራ እዩ፡፡”
“ንዓኻ ምፍላጠይ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብለይን፡፡”
“ከም ትብሎ ይግበረልካ፡፡ ግዜይ ኣብ ጭቕጭቕ ከጥፍእ ኣይደልን። ክገድፈካ፡፡”
“ኪድ ጥራሕ ኪድ። እንቋዕ ተፋለጥና፡፡ ክንረአአ ኢና ድማ!”
“ሕጂ ውን ኣነ ኣይፈልጠካን’የ፡፡ መን ይፍክረለይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ግን ካብ ሎሚ ክጅምር’የ። ኣይትርሓቐኒ ኢኻ፡፡”
“ፍለጠኒ ኣይትፍለጠኒ ኣነ እፈልጠካ እየ!!”
“ትፈልጠኒ? ? ? . . . በል ኣበይ ከም ትፈልጠኒ ፈሊጠ፡፡ ርግጸኛ’የ፡ ካብዚ ወጻኢ ክትፈልጠኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ ኣብ መኣዲ ሕሜታ ከም እትፈልጠኒ ሕጂ ተረዲኡኒ፡፡ ካብዚ ንላዕልስ ይኣኽለና። ደሓን ሕደር፡፡”
“ንዓ እባ! ከም ዝሕመ ዝፈልጥ እኮ ዘሕሚ ዝሰርሕ እዩ፡፡”
“ንድርሰት ሕሜታ ዝኸውን ዓቕሊ የብለይን በጃኻ፡፡”
“ክትፈልጥ፡ እቲ ድርሰት እትብሎ ኩሉ ሓቂ’ዩ በል፡፡”
“ከይደ ከይደ፡፡ እቲ ሓቂ እትብሎ ይጥቀምካ፡፡ መኣዲ ሕሜታ ተላዒሉ ኣብ መኣዲ ወግዒ ምስ ተቐረብና ጽቡቕ ጌርና ክንፋለጥ ኢና፡፡ ሽዑ ንራኸብ፡፡ እታ ትዕቢተይ ከኣ እባ ክጥቀመላ፡፡ ሓደራ፡ ሰላምታ ግን ከይንከላላእ፡፡”
“ምሳኻስ ሰላምታ ከኣ ከድልየኒ!? ምይተ ዲየ!”
“ከም ምርጫኻ፡፡ ኣነስ ‘ሕማቕ ክጸልእ ከመዓልካ ይኸልእ’ ኢሎም ለባማት ስለዝመሰሉስ፥ ሰላምታ ምንፍፋግ መግለጺ ሕመቕና ከይከውን ኢለ’የ፡፡”
“መልሓስካ ደኣ ይፈልጣ’ንድየ! ሓሳዊ፡፡”
“ሓቂ ንኸድምጽ ዘይተዓደለ ሰብ ሓሳዊ ኢሉ ንኽዝልፍ መን ይዓግቶ! ዝተዓደሎ ዓሻ ድፍረት ትብዓት እንተመሰሎ ኣይተሓዞን’ዩ፡፡ መምዘኒኡ ካብ ምዃን ዝሓልፍ’ዩ ኣይብልን፡፡ ሰላም ለይቲ ደኣ፡፡ ኣየሰኣእነና፡፡”
“ምሳኻስ የሰኣእነና፡፡”
“ተትምኒትና ኣይኽልኣና፡፡ ቻው!”