ዓባየይ ጥዕምቲ
መላግቦ ጥንቲ
ኩላሶኣ ፍቕሪ
ምርቓኣ ብርሃን
ከምዛ ቀትሪ
< ቅድሜኻ ይስጥሓኒ
ንዓሞ ዓይኖመ
ንዕኒ ጽብቕቲ>
ስምና ዘይትጠቕስ
ብጻልጣ
ከየቀባጠረት
ከየውጻትሉ ጣቋ
ጽንሖት ዓባየይ
ህያብዩ ንዓይ
ህያብ ፈጣሪ
ሒፍ ኣቢላትኒ ያ
ዛራ ፍቕሪ
ሃንዛ ገሚዓ
ብራሕ ከካፍየላ
ኣጎዛ ኣጎዝጉዛ
ተጎምጉምና ማሙቕ ጋቢኣ
‘ ቆልዑ ከለና’ ዝጀመረ ዕላላ
ጻውቲ ሓንዳይ ሻኹ ቓርሳይ
ጻውቲ ኣያታት
ገበጣ. . . ኣደራራስ. . .
ዳእላ ቤት መርዑ. . .
ዕልልታ ኣዴታት ናይ ኣቦታታ ዝላ
ጽንጽዋይ ደቂ ሕድርታና
ፍርሒ ስርአል ዓድና
ዛንታ ላሜ ቦራ
ጽንጽዋይ በርሀ ወደይ
መሽረፈቶ መንበድበዶ
ናይ ሚለኑ ውዕሎ
ኮታ
ዓባየይ ዝጸወየቶ
ብሂል ክነናን ምነናን
ማይ ቤት ግጥምታት ማመት
ዛንታ ዳስ ሓውያ
ፈላሲት ዑናጉዶ
ጽባቐ ውባ ጓለቦይ ወረደ
‘’ታኳ እቦይ አዝጊ ክሪኣ ዝወረደ
ድፍረት ሃስ ዘሞ
ትዕቢት ንጉሰ እልፉ
‘ታይእሞ ሓደገት
ተገምጅወና
ናብ ቀደም ኣዕዚራ
ቢጥ ዘለትሉ ረኻታት
ዝኣረየቶ ኹዕንቲ. . . ሽንጦ . . . ሓንዳይ
ዝተማልኣቶ ዒላም ወካርያ
ሽብጢ. . . ልሕቲት . .
ታህሰስ ንድብኦ ማያ
ገለገለ መስቀለ ንወለባኣ
ክሳብ ዝርፎታ!
እወ ዝርፎታ
ክሳብ ሕጂ ፈግ ተብላ
ካብ ዘይጸገበቶ ቁልዕነት
ዘይመነወተን ሳናዱ
ክላ. . .
ሕንቅንቕ በላ
ዓባየይ ወለላ
ሻቡ ዝተሃነኑ ቆልዑ
ካብቲ ማሙቕ ሕቁፎኣ
ናብቲ መሳኹቲ ኣስናና
እንዳኣቋመቱ
ጓለይ በለት
‘ክትዝረፊ ከሎኺ
ዓባያይ ክንደይ ክፍሊ ኔርኪ?”
እዋኑ ከም ዘይነበረ
እዋን ቀለም ክትነግሮም
እንተተሃርደገት
ደቀይ እሞ ኣበይ
ይስቆሮም
ሃረር ደኣ ኣበሉለይ
ንዓባየይ ቅጭን
ሕርሕራይ ጌሮም
‘ እዋይ ዓባየይ ብኻ
ኣቦኺ ኮይነ ቀልጢፈ
መዋእለ ህጻናት መእተኹኺ ኔረ”
ምስ በላ
‘ ክላ
ናትካ ገደደ’
ክርትም!!
ርእሶም እንዳራረዘት
ሳባ ኪዳነ 2006 ዓዲ ሳህላይ