እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ )
ድሕረባይታ፡
ወኪል ትካል ሩባቲኖ ጁሰፐ ሳፔቶ፡ “ንመንግስትና ናይ ንግድ ነቝጣ ክትከውን” ብዝብዝል ምስምስኣብ ዓሰብ ንእሽቶ መሬት ዓደገ። ብዙሕ ከይደንጐዩ ወተሃደራት መንግስቲ ጥልያን ብመራክብ እናተጓረቱ ቅድም ኣብ ኣብ ዓሰብ ድሒሮም ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን መርገጺ ረኸቡ። ሰራዊት መንግስቲ ጥልያን ኣብ ኵናት ንኡድ ስለ ዘይኮነ ግን ኣብ ዶጋሊ ምስ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ገጢሙ ከም ሕሱም ተደሰቐ። ኣደዳ ምርኮን ሞትን ብምዃን ድማ ኣብ ሮማ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ኣለዓዓለ። ሰራዊት ጥልያን ዳግማይ ተወዳዲቡን ምዕቡል ኣጽዋር ዓጢቑን ውግእ ገጠመ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ከኣ ንዝበዝሕ ክፋል ኤርትራ ኣብ ቍጽጽሩ ኣእተወ። ንኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምቍጽጻር ንኢትዮጵያ ክወርር ኣብ ምሽብሻብ ኣተወ። ሰራዊት ጥልያን ግን ኣብቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሳተፉዎ ውግእ ዓድዋ ካብ ናይ ዶጋሊ ዝዓቢ ሕፍረት ገጠሞ። ኣብቲ ኵናት ዝተማረኹ ኢጣልያውያን ንመንግስቲ ጥልያን ክርከቡ ከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ግን ብትእዛዝ ሃጸይ ምኒሊክ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ድሕሪ ምቝራጾም ናብ ኤርትራ ተመልሱ። ስዕረት ሰራዊት ጥልያን ኣብ መንግስቲ ጥልያን ነውጺ ክፈጥር ከሎ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ድማ፡ “ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከመይ ኢላ ንሓንቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ትስዕራ?” ዝብል ሕቶን ሕኒንታን ኣለዓዓለ። መንግስቲ ጥልያን እዚ ከይኣኽሎ ኣብ ክንደይ ዓቕሙ ኣብ ሶማልን ሊብያን ግዝኣት መስሪቱ ከም ዝነበረ ምዝካር’ውን ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ኣብ ሊብያ እቲ ኵናት ምስላጥ ስለ ዝኣበዮ፡ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ሜላ ብምጥቃም ኣብ ኤርትራን ሶማልን መንእሰያት ምዕስካር ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ብፍላይ ኣብ ሊብያ፡ እቲ ብዑመር ሙኽታር ዝምራሕ ተቓውሞ ህዝቢ ሊብያ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ። ጅግና ዑመር ሙኽታር ናይ ደባይ ውግእ እናተጠቕመ ነቲ ብኤርትራውያን ዝድገፍ ሰራዊት ጥልያን መሃነኑ ኣጥፊኡሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እዩ ናይ ገረዝግሄርን ብጾቱን ዛንታ ዝጅምር።
በረምበራስ ኣርዓዶም ነቲ ነዊሕ ጭሕሞም እናወጠጡ፡ “ወደሺ እንታይ ስኢንካ ኢኻ ፈጨው ፈጨው ትብልዘለኻ? በስምኣብ ኢልካ ጸባ ናይዘን ብሩኻት ከብትኻ እናሰተኻ ዘይትነብር! ጸላኢና ዓዲ የርሕቕ! ከም ሎምዘበን’ኳ እኽሊ ዘየእተና፡ ብሓደ ኣፊቱ!” ክብሉ ነቲ ጸባ ጸገብ ወዶም ክገንሑዎ ጀመሩ። እቲ ከብቲ እናሓለወ ዝዓበየ ጕብዝና ክፈታተኖ ጀሚሩ ዝነበረ ወዶም ግን ንዘረባኦም ትርጕም ኣይሃቦን። ኣብ ኣእምሮኡ እቶም ቅድሞ ዓመት ተዓስኪሮም ሊብያ ድሕሪ ምብጻሕ ንመርዑቶም ባልያ ዝሰደዱለን ደቂ ዓዱን መዛኑኡን ጥራይ ይረኣዩዎ ነበሩ። ስለዝኾነ፡ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ በጻብዕቲ እግሩ ነቲ ተሪር መሬት እናሓኸኸ፡ “ኣቱም ኣቦ፡ መሪቕኩም ግዳ ዘይተፋንዉኒ። ነዘን ከብትና ኸኣ ሞሳዝጊ ሓወይን ንጽህቲ ሓውተን እናተባራረዩ ክሕልዉወን ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ኣንቂለ እየ። መርቑኒ ግዳ፡” በሎም ርእሱ ከየቕንዐ። ኣቦኡ ዓዲ ምሉእ ዝምስክረሎም ሕያዋይ ሰብኣይ ኮይኖም፡ ኣብ ልግሲ መጺእካ ኢዶም ቈሪጾም ዝህቡ፡ ፈታው ሓቅን፡ ኣብ መትከሎም ዝሞቱ ኳዕናን ሰብኣይ እዮም ነይሮም። ካብቲ ረዚን ጠባዮምን ኣብ መሬት ዘይወድቕ ዘረባኦምን ዝተላዕለ ድማ ዝኾነ ንዓዲ ዝምልከት ጕዳይ ንሶም ከይተሓወሱዎ ክሰልጥ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። በረምበራስ ዘረባ ወዶም ብዙሕ ኣይገረሞምን። መንቀሊ ናይቲ ነገር እቲ ምስ ምምጻእ ጥልያን ንመንእሰያት ካብ ገዛእ ደመበኦም ከንፍጾም ዝጀመረ ንፋስ ከም ዝኾነ ድሮ ተገንዚቦሞ ነይሮም’ዮም። ካብዚ ዝተበገሰ፡ ወላ’ኳ እቲ ካብ ዝምርዖ ራብዓይ ዓመቱ ዝሓዘ ወዶም ሳልሳይ ቈልዓ ክደግመሎም ይጽበዩ እንተ ነበሩ፡ ኣንጻር’ቲ ሕማቕ ግዜ ዝፈጠሮ ሰይጣናዊ ሓሳብ ደው ክብሉ ከም ዘይክእሉ ስለ ዝተሰቈሮም፡ “ኣነ ኣብ ምእራገይ በዅሪ ወደይ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ኬድካ ንጣልያን ክትዘርየሎም ምብጋስካ ብሱሩ ኣይቅበሎን። ጥልያን እንታይ ምስ ኮነ ክትዕስከሩ ከም ዝፈቐደልኩም ቍሩብ ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ ወደሺ? እቶም ሊብያ፡ እምቢ! መሬትና ኣይንህብን ኢሎም፡ እንሄልካ ደኣሲ ኣብ በረኻታት ዓዶም ምስ ገጠሙ፡ ጥልያን ስለ ዘይከኣለ ዘራይ ደልዩ። እንሃለ ኸኣ ንበዓል ንዓኻ ዓያሹ ረኺቡ ጠበንጃ ዓዲሉ የዋግኣኩም ኣሎ። ዋይ ኣነ በረምበራስ ኣነ! እቲ ዅሉ ጻዕረይ ከንቱ ኮይኑ!” ኢሎም ነቲ ኣሻዅ ጭሕሞም ድሕሪ ምውጣጥ፡ “ሕጂ ግን ካብ ኣንቀልካ፡ “ጻዕዳ ይጽናሕካ፡ ሚካኤል ሊቀመላእክቲ ይሓሉኻ” ካብ ምባል ሓሊፈ ከም በዓል ዓርከይ እንድርያስ ኣብ እንጽርጽሮትን ኣብ መርገምን ኣይኣቱን እየ። ምዃን ከኣ ንሱስ ሓልፋይ የብሉን፡ ሓቁ እዩ ከንጸርጽርን ክራገምን።”
ወዶም እቲ ዅሉ ክዛረቡ ኣይመለሰሎምን። ትም ኢሉ ናብ መሬት ክጥምት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ እተን ጻዕዳ ይጽናሕካ ዝብላ ቃላት ምስ ሰምዐ፡ ጸልሚቱ ዝነበረ ገጹ በሪሁ ርእሱ ኣቕኒዑ ጠመቶም። ንሶም ግን ኣይተገደሱሉን ዘረባኦም ቀጸሉ። “ሕጂ ንመዓስ ኢኻ ትነቅል ዘለኻ? በዓል መንከ እዮም መኻይድትኻ?” ክብሉ ተወከሱዎ። ንሱ ድማ፡ “የዓየ ተኻሊን ወደቦይ ባሻይ ኣስገዶምን ኣለዉ፡” ክብል መለሰሎም ቅልጥፍ ኢሉ። “ወዲ ባሻይ ኣስገዶም ከኣ ኣሎ ምሳኻትኩም? አረ እንታይ ዝበለ ግዜ በጻሕና! ዓሚ እንኮ ሓዉ ኣብ ጓይላ ብዝተላዕለ እምባጓሮ ሞይቱስ ሕጂ ኸኣ ንሱ ናብ ዓዲ ሞት ይብገስ ኣሎ? ኣደይ ማርያም ጽላሉ ትሃቦ እዩ ዝብሃል። በል ዘረባ ከንውሕ ኣይደልን እየ፡ ቅድሚ ምኻድካ እዘን ኣብ ገደና ዘለዋ ቅሚጦታት ሓሰር ምስ ኣንገሶም ሓውካ ተሓጋጊዝኩም ጕነኹወን። ነደኻ ድማ ዝኣኽላ ዕንጨይቲ ኣክቡላ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣስመራ ምስ በጻሕካ ኣበይ ከም ትዕስከር ፈሊጥካ ኣለኻ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓቡሉ።
“እወ፡ ተኻሊ ዓሚ ንእሽቶ ኢኻ ኢሎም ስለ ዝመለሱዎ ሽዑ ርእዩዎ ነይሩ እዩ።”
“ደቦዚቶ ዝብሃል ቦታ ኣበይ እዩ ኢልኩም ሕተቱ። ኣብ ጥቓኡ ናብ ባጽዕ ዝኸዳ ባቡርምድሪን ሎተሪናታትን ኣለዋ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ዓብዱ ዝብሃል ከታባይ ክጸንሓኩም እዩ። ገባራይን ሓዳጋይን ንሱ እዩ ኢሎሞ። ሓቃቶም እንተኾይኖም ጕንዖ እንተ ረኺቡ ብኣጋ ይኸትበካ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ። ደጊም ጽኑዕ የርግጽካ፡ ዝበልኩኻ ጥራይ ግበር፡” ኢሎም ዘረባኦም ደምደሙ።
በረምበራስ ከምኡ ኢሎም ምፍቃዶም ንልቦናኦም ዘመልክት ነይሩ። ካልኦት ንደቆም እንተ ኼድኩም ክንረግመኩም ኢና ስለ ዝብሉዎም መመሊቖም ነስመራ ክኸዱ፡ ዝወረዶም ስድራ ድማ ናብ ኣስመራ ገፈፍ እናበሉ ብምኻድ ንዘይኮነሎም ንደቆም ይልምኑ ከም ዝነበሩ ዛንታ ኣሎ። ወዶም ድማ ልቦም ስለ ዝፈልጥ እዩ ክሓቶም ድፍረት ዝረኸበ።
ደፖዚቶ
ገረዝጊሄር ንጽባሒቱ ምስ ብጾቱ ኣስመራ ኣተወ። ደፖዚቶ ብኣሽሓት መንእሰያት ኣዕለቕሊቓ ጸንሓቶም። ኣብ ሰሙኑ ምስ ክልተ ኣዕሩኽቱ ድሕሪ ምዕስካር ኣብ ንጡፍ ታዕሊም ኣተወ። ድሕሪ ናይ ውሱን ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ብካፒታኖ ባንዲኒ ፓኔታ እትምራሕ በጦሎኒ ተመዲቡ ከም ሕልሙ ናብ ሊብያ ክብገስ ምዃኑ ተነግሮ። ተኻሊ ዓርኩን ወዲ ባሻይ ኣስገዶምን ግን ከም ትምኒቶም ዘይኮነ፡ መዓንጣ ከብዶም ሕርር እናበለ ኣብ ቤትጽሕፈት ኮሎኔሎ ፍራንኪኒ ፒየትሮ ከም ሓላው ማዕጾን ጶስጠኛን ተመደቡ። ገረዝግሄር ብሓንቲ ቬንቲኡኖ ናይ ጽዕነት መኪና ናብ ባጽዕ ተበገሰ። መኪና ክድይብ ናይ ፈለማ ግዜኡ ስለ ዝነበረ፡ እታ ብርቱዕ ድምጺ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መኪና ብቝልቍለት ድርፎ ሸለውለው ክትብል ምስ ጀመረት ተምላስ ጥራይ ኮነ። ጽንሕ ኢሉ ነቲ ሃው ዝበለ ገደል ዓርበረቡዕ ምስ ተዓዘበ ብራዕዲ ተዋሕጠ። ከም ቅጽበት ካብታ መኪና ተኻዕዮም ዝሞቱ ጥራይ ስለ ዝመሰሎ ምስ ነብሱ ተፋረደ። ፈሪሑ ከይብሃል ግን ነጸላኡ ተሸፊኑ ኮፍ ክብል መረጸ። እቲ ጕዳይ ዘመክሕ ስለ ዘይኮነ ዳርጋ ኩላቶም ኣብ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ኣትዮም ነይሮም። መኪና ነፋሲት፡ እምባትካላ፡ ጊንዳዕ፡ ደንጐሎ ሓሊፋ ኣብ ከባቢ ጋሕተላይ ክትበጽሕ ከላ ሙቐት ምጽዋር ስኢኖሞ ጥራይ ነብሶም ክኾኑ ቍሩብ ተረፎም። ኣብ በረኻታት ሊብያ ዝጽበዮም ዘሎ ኣብ ሓዊ ከም ዝተሰኽተተ ሓምሊ ኣሽልቝ ዘብለካ ናይ ምድረበዳ ሙቐት ክግምቱዎ ከቶ ዝሕሰብ ኣይነበረን። እታ ኢጣልያዊ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ኣብ ሰዓት 30 ኪሜ እናኸደት ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓት ኣቢላ ኣብ ባጽዕ በጽሐት። ካፒታኖ ባንዲኒ ብመንገዲ ኣስተርጓሚ ዝነበረ ሹምባሽ ኣብ ከተማ ከይዶም ክምስሑ ሓበሮም። ገረዝግሄር ዝፈልጦ ሰብ ስለ ዘይነበሮ ምስ ሓደ ዓንደ ዝብሃል ሽዑ ዝተላለዮ መንእሰይ ናብ ውሽጢ ባጽዕ ተበገሰ። ነቲ ብቱርካውያን ዝተሰርሐ ጻዕዳ ዝሕብሩ ገዛውቲ ምስ ተዓዘበ ኣመና ተገረመ። ካብ ናይ ኣስመራ ብዘይፍለ ገዛ ኣብ ርእሲ ገዛ ዝተዀደመ ኣባይቲ ምስ ረኣየ ምሒር ደንጸዎ። ኣብቲ ስፍሕ ዝበለ ጐልጎል ኣብ ንእስ ኢሉ ገዛውቲ ምግብን ሻህን ዝሸጡን ሰብ ንኣሽቱ ድኳናትን ነይሮም። ምስቲ ሓድሽ ብጻዩ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ምስ ኣተዉ እቶም ኣሳሰይቲ ብዓውታ ክጭድሩ ሰምዑዎም። እናተሰከፉን በቲ ኵነታት እናተገረሙን ኣብቲ ርቦ ኮፍ በሉ። ሸሓኒ ፉል በሊዖም ሻሂ ድሕሪ ምስታይ ድማ ናብ ቦታኦም ተመልሱ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ዕለት 15/05/1926፡ እታ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ብዓበይቲ ኣግማድ ተኣሲራ ዝነበረት ባቡር ቀላይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓሳክር ኤርትራውያን ሒዛ ናብ ሊብያ ተበገሰት። ገረዝግሄር ነቲ ጻሕ ዝበለ መወዳእታ ዘይብሉ ባሕሪ ምስ ረኣየ ነዒንቱ ምእማን ሰኣነን። ካብ ዓዱ ካብ ዝወጽእ ምብራቕን ምዕራብን ተሓዋውሱዎ ክነሱ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ሓንቲ ኣዝያ ዓባይ ጥስቲ ዝዓይነታ ተንሳፋፊት ምስ ደየበ ኵሉ ነገር ተሓዋወሶ። ኣብ ገምገም ናይታ ባቡር ኮይኑ ንነዊሕ ግዜ ናብቲ ባሕሪ ብምጥማት ነቶም ጸጸኒሖም ንላዕሊ ዝነጥሩ ዝነበሩ ዓሳታት ክዕዘብ ነዊሕ ግዜ ሓለፈ። ኣዒንቱ ምስ ደኸማ ናብ ቅድሚት ሸነኽ ናይታ መርከብ ብምኻድ ነቲ ባሕሪ ክትጨዶ ከላ ተዓዘበ። ጸኒሑ ናብ ድሕሪት ሸነኽ ናይታ መርከብ ብምስጓም ነቲ ዝተኻኻእ ዝነበረ መወዳእታ ዘይነበሮ ዓፍራ ተዓዘበ። መሬት ክመሲ ምስ ቀረበ ከም ሰቡ ኣብ ትሕቲ በረንዳ ናይታ መርከብ ኮፍ ኢሉ ምስ ብጻዩ ዕላል ጀመረ። በጋጣሚ ካብ ኳዜን (ካርነሽም) ዝተዓስከረ ኮይኑ ካብ ሓንቲ ርኽብቲ ፍርቂ ደርዘን ኣባላት ዘለዋ ስድራቤት መበል ሳልሳይ ነይሩ። ገረዝግሄር ድማ ብተመሳሳሊ ካብ ኣኽሩር (ጽንዓደግለ) ዝነቐለ ነይሩ። ዓይኒ ምስ ሓዘ ንድሩይን ሓመርን ብዕራዮም ሓሰር ክቕርበሎም ከሎ ትዝ በሎ። ጽንሕ ኢለን እተን ኣዝየን ፈቃር ዝነበራ ኣዲኡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኵድም በላ። ናብ ኣስመራ ክብገስ ከሎ መታን ብሰንኪ ምስአን ዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ካብ መሳቱኡ ከይተርፍ ከይተፋነወን እዩ ተበጊሱ። ነዝን ወድዝን ዘኪሩ ድማ ንብዓት ኰረር ኣበለ። ዓይኒ ሒዙ ስለ ዝነበረ ግን ብጾቱ ኣየስተውዓሉሉን።
መርከብ ኣብ መበል ሳልሳይ ሰሙና መትረብ ስዌጽ ሓሊፋ ብእስክንድርያ ንጸጋም ተዓጺፋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተጸንበረት። ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ጕዕዞ ድማ ኣብ ወደብ ቤንቓዚ መልሕቕ ደርበየት። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ናብ ውሽጢ ወደብ ኣትያ ጽዕነታ ኣራገፈት። እታ ብካፒታኖ ባንዲኒ እትእዘዝ በጦሎኒ ኣብ ቤንቓዚ ከይወዓለት ከይሓደረት ናብ ውግእ ከም ትኣቱ ተገብረ። ኣብቲ ፈላሚ ውግእ፡ እቲ ውሩይ መራሒ ሊብያውያን ዝነበረ ዑመር ሙኽታር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይፍንወሎም ስለ ዝነበረ ኣብ ሰራዊት ጥልያን ሞትን መቝሰልትን ኣመና በዚሑ። ዝበዝሑ ግዳያት ግን ኤርትራውያን ነይሮም። ኢጣልያውያን ከም መራሕቲ ውግእ ብድሕሪት ኮይኖም እቶ ይብሉ ጥራይ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ በጦሎኒ ካፒታኖ ባንዲኒ ንገረዝግሄር ዝርከቦም ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ቍሱላት፡ ልዕሊ ሰብዓ ድማ ምዉታት ኮነት። ገረዝግሄር እግሩ ተወጊኡ ናብ ሕክምና ክለኣኽ ከሎ፡ መውጋእቱ ቀሊል ስለ ዝነበረ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ሓውዩ ናብታ ኣሃዱኡ ተመልሰ። ኣብ ምላሹ ግን እቲ ዝፈትዎ ብጻዩ ዓንደ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ሃንደበታዊ ውግእ ከም ዝሞተ ፈለጠ። ኣብቲ ውግእ ዝወዓሉ ዘዕለሉዎ እዚ ዝስዕብ ነይሩ።
“መዓልቱ ሓሙስ ኮይኑ ብርቱዕ ጸሓይ ዝነበረሉ እዋን እዩ። በጦሎኒና ኣብ ሰለስተ ተመቒላ ዑመር ሙኽታር ዓሪዱሉ ኣሎ ናብ ዝብሃል ጐቦታት ተበጊሳ። ምሉእ መዓልቲ ክንጐዓዝ ድሕሪ ምውዓል ዝነበረና ማይ ወዲእና ጽምኢ ልሕስ ኢልና። ኣብራኽና ወለል ክሳብ ዝብለና ክንከይድ ስለ ዝወዓልና ድማ ክነዕርፍ ኣለና ንብል በዚሕና። ኣበየናይ ጽላል ኢናሞ ክነዕርፍ። ኵሉ ሓደ ስለ ዝኾነ ኣብ ሌጣ ጐልጎል ብጸሓይ ካብ ንመክኽ ማይ ክሳብ ንረክብ ምቕጻል ይሕሸና ኢልና። ኣጋ ግዜ ምስ ኮነ ሓንቲ ቀላይ ረኺብና። እንተኾነ ኵሉ እቲ ብጽምኢ ማይ ኣይብላዕ ኣይስተ ኮይኑ ዝነበረ ሰብ ብሜላ ክሰቲ ኣብ ክንዲ ዝፍትን ዘዘሊሉ ናብቲ ቀላይ ክኣቱ ጀሚሩ። እቶም ዝኣተዉ ከይወጽኡ ከለዉ ድማ ካልኦት ዘዘሊሎም ምእታው ተተሓሒዞሞ። ካፒታኖ ባንዲኒ ምስ ክልተ ቴለንተታት ጥይት ንላዕሊ እንተ ተኰሱ መን እዩ ክሰምዖም። ብኸምዚ ድማ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ጠፊኦምና። ነገር ምስ ሃድአ ዝነበረና ኣግማድ ኣላጊብና ብምግላል በብተራ ክንሰቲ ክኢልና። ድሕርዚ ጕዕዞና ክንቅጽል ብግስ ምስ በልና ግን ነዊሕ ከይተጐዓዝና ወተሃደራት ዑመር ሙኽታር ኣብ ሓመድ ተደብዮም ጸኒሖም ሓደጋ ወዲቖምና። ዝብዝሕ ሰብ ከኣ ዝመውትን ዝቘስልን ኮይኑ። ዓንደ ብጫይካ ሽዑ ክመወት ከሎ ካብ ደቂ ዓድኹም ድማ በዓል እከለን እከለን . . . ሞይቶም።”
ገረዝግሄር ነቲ ዘሕዝን ወረ ምስ ሰምዐ ብጓሂ ኵምትር በለ። ካብ ዓዶም ካብ ዝተሰለፉ ልዕሊ ዕስራ ዝኣኽሉ መንእሰያት ንነብሱ ደሚሩ ሓሙሽተ ጥራይ ከም ዝተረፉ ተጋህደሉ። ሽዑ ከይተደናጐየ ናብ ዓዲ ደብዳቤ ክጽሕፍ ወሰነ። ነቲ ድሕሪ ዓንደ መማኽርቱ ዝነበረ ፊደል ዝተማህረ ብጻዩ ክጽሕፈሉ ብምሕታት ድማ ከምዚ ዝብል ጥበብ ዝመልኦ ደብዳቤ ጸሓፈ። ኣብቲ ግዜ’ቲ መራሕቲ ውግእ ጥልያን ደብዳቤ ምጽሓፍ የፍቅዱ ነይሮም ክነሶም፡ እከለ ሞይቱ ወይ ቈሲሉ ዝብል ቃላት ክጸሓፍ ግን ይኽልክሉ ነይሮም። ሕጊ ጥሒሱ ዝጸሓፈ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ይስዕቦ ነይሩ። እቲ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነይሩዎ።
ይድረስ ናብ ክቡር ኣቦይ በረምበራስ ኣርዓዶም ገብረክርስቶስ፡
ካባኻትኩም ካብ ዝፍለ ናፍቖትኩም ከም ማይ ይጸምኣኒ ከም እንጌራ ይጠምየኒ። ኣነ ታቦት ዓድና ይመስገን ምሒር ጽቡቕ ኣለኹ። ነደይ ብዙሕ ሰላም፡ ንሓውተይ ዝማም ብዙሕ ሰላም፡ ንሓወይ ዘርኣብሩኽ ብዙሕ ሰላም። ምሳይ ዘለዉ ደቂ ዓድና ኩላቶም ጽቡቕ ኣለዉ። ተኻሊ ዓርከይ ምስ የዓየ ተስፉ ባይራይ (ኣብ ዓዲ ዝሞተ ዓርኩ) ጽቡቕ ኣሎ። የዓየ ሃብተማርያም ክፍላይ ድማ ሹምባሽ ኮይኑ ምስ ወዲሓወቦይ ሸቃ ዘርኣይ (ኣብ ዓዲ ዝሞተ) ጽቡቕ ኣሎ፡ ኣብርሃም ጊደ ምስ ወልደገብርኤል ወደቦይ ብላታ ነጋሲ (ሰሙን ቅድሚ ምብጋሶም ዝሞተ ቈልዓ) ጽቡቕ ኣሎ። ኣቦይን ኣደይን ጸሎትኩም ኣይትተሓደጉኒ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ማሃያ ምስ ወሰድኩ ባልያ ክሰደልኩም እየ። ኣምላኽ ብህይወት እንተ መሊሱኒ ንታቦት ዓድና ጽላል ተመባጺዐ ኣለኹ።
ብሰላም የራኽበና።
ካብ ወድኹም ገረዝግሄር በረምብራስ ኣርዓዶም
ዝብል ደብዳቤ ብምጽሓፍ ኣስማት ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝሞቱ ብጾቱ ምስ ኣስማት ናይቶም ኣብ ዓዲ ሞይቶምስ ቀደም ዝተቐብሩ ሰባት ብምልጋብ ሞቶም ከም ዝርድኡ ገይሩ። ስድራቤት እቶም ደቆም ኣብ ሊብያ ዝሞቱ ድማ ብግቡእ ተረዲኦም ካልኣይ ቀብሪ ክገብሩ ዕድል ረኺቦም።
እዚ ዛንታ’ዚ ካብ ሓንቲ በዓልቤተን ኣብ ሊብያ ዘሚቶም ዝነበሩ ሚእቲ ዓመት ዝመልአን ሰበይቲ ብኣካል ዝሰማዕኩዎ ኮይኑ፡ ስነጽሑፋዊ ምትዕርራይ ጥራይ ከም ዝገበርኩሉ ክሕብር እፈቱ።