እንታይ`ዩ እዚ ሰብ መዋቲ ዝፍጠር
ሓደው ከይተወልደ ምስ ግኡዝ ዘይጽንበር
ሓደው ስለ ግብሩ ኣብ ክልተ ዘይምቀል
ምንባርዶ ዘይምንባር ብርትዒ ዘይምለስ
ፍትሒ ዘየውጽእ እዚ መግዛእቲ ትንፋስ።
እዚ ወዲ ኣዳል ወዲ ደንደን ምማት
ለካ ንበዓል ሩሕ መቑነን`ያ እዛ ሕልፈት
ተራ ከም ማይ ኮይኑ ንኹሉ ዘዐንግል
ሓባእ ጅግና ከኣ`ዩ ገሊኡ መቓብር
እንታይ`ሞ ኣሎ`ዩ ክበሃል ካብ ሓቂ ዝጭክን።
ገለን እናነበረ <ዓወት ንዓይ> ዳዊቱ
ገለን እናሓለፈ < ዓወት ንሓፍሽ> ማህሌቱ
እንታይ`ዩ እዚ ባህሪ ገለ መለ ኣሕባሩ
ገመዳ`ንዶ ኩኑ ሓንገርቲ መትከሉ
ገዳመይ ክስፍር ክኸወል ካብ ዝኽሩ።
ዓጽመ ደሙ ኣብ ኣዒንተይ እናሰረበ
መልኣክ ጽላለቱ ናብ ህላወ እናቐረበ
ጨናግር ተግባራቱ መቓልሕ እናሃበ
ቅሳነት መንፈሱ`ሞ ውርሻንዲዩ ምስጢሩ
ገዳም ዘስፍረኒ ዝኽውለኒ ካብ ሱሩ።
ዓጽመ ደሙ ኣብ ኣዒንተይ እናሰረበ
መልኣክ ጽላሎቱ ናብ ህላወ እናቐረበ
ጨናግር ተግባራቱ መቓልሕ እናሃበ
ቅሳነት መንፈሱ`ሞ ውርሻንድዩ ምስጢሩ
ገዳም ዝስፍረኒ ዝኽውለኒ ካብ ሱሩ።
መሬት ተመጉታ ባህረይ`ዩ ካብ በለት
<ጽንዓት> ካብ መለሰ ልመና ስማያት
ዕድሉ`ኮ ኣይነበረን ብስለቱ`ዩ እቲ ሞት
ኣነ መን ኮይነ`የ መትበሩ ዘይቅነት
ቀልቢ መን ዓዲገ ዓለመይ ከቃምት።
ከምኡ እንተበዚሖም ልቢ ዝልቦም
ከምኡ እንተበዚሖም ስራሕ ዝጣኣቶም
ከምኡ እንተበዚሖም ኤርትራ ዝሃሞም
ባዕለይ ደፊነዮ ስለምንታይ እነብር
ዓለም ሕቖይ ሂበ ገዳመይ ዘይስፍር።
ዓሚቑ ፍቕሩ ከም ዝናብ እንተወረደ
ለምለም ደሃዩ ኣብ ነግሕታት እንተዓሪዱ
ህይወት ሃገሩ ብሞቱ እንተሰሚሩ
ሞቱ ብህይወት ህዝቡ እንተቑጸልጸለ
ገዳም ኣብጽሑኒ ክእለ ካብ ዝኽሩ።
ንሱ ኣብ ኩሉ`ዩ ዘሎ ዘይድህስስን ዘይጭበጥን
ሓይሊ መንፈስ ሓይሉ ህሉዉን መዋትን
ኪንዩ ከዋኽብቲ ርሒቑ ነዒንተይ ይቐርበን
እንታይ ከበሃልየ ዝርእን ዘይርእን
ገዳመይ ሰፊረ ክልቲኡ ዘይስእን።
ንሱ ድምጺ ኣዕዋፍ ኣይስምዐን
መኣዛ ዕምባባታት ኣይሽተተን
ዓልመት እናሓየኸ ሃገር`ዩ ዘሚሩ
ክስጣሕ እንተርእየ ንሞት ገጽ ከሊኡ
ገዳም እንተሰፈርኹ ቀረባንዲየ ናብኡ።
ንዘየሎ ካብ ዘልዕል
ምስ ዘይህወሶ ካብ ዝነብር
ብዝኽሩ ካብ ዝልሎ
ተካእቲ ብዝሑለይ ሕልምታት ትፈትሑ
ገዳመይ ክስፍር መሓልሉይ ብኡ።
ኢሳይያስ ጸጋይ
1995