ኣነን ዓርከይን
ናይ እምነት ጸጸር ውሒጥና
ሰላማዊት ዓዲ ንምህናጽ
ከምዘይተሰማማዕና
ንሱ ግና ንኸብዱ
ብቑራስ ተሰኒፉ::
ነዛ ነፍሰይን
ነታ ብጸጸር ዝቖመት ዕርክነትናን
ከም ቡቕቡቕ ዓውዲ ንንፋስ ሂቡ
ምስ ምሕባል’ዩ ኪዳን ኣትዩ::
ሎሚ ከኣ’ሞ . !!!
“ኣታ ተ ዓ ጣ ቒ
ዒቃ ጸ ኒ ቱ
ጽሕጎ ዒቃ ተሳኢኑ..!”
እዚ ድምጺ’ዚ ድምጺ ሊቀ-መንበር
እንተዝንገሮ እንታይ ከምዝግበር
እንከይተማጎተ ምስ ሕልናኡ
ከም ትእዛዝ ኣብ ልቡ ኣቐሚጡ
ንወሃቢ ቁራስ ንምሕጓስ
መሐለዊ ግራት መሸላ ክገብሮ
ኩሉ መዓንጣ..ይ ኣውጺኡ
ወንጭፍ ም ሰ ር ሖ ።
ዘፌ 2014