ጥዕሙዝጊ ተስፋይ
መቸም ተንተንቲ ዓውደ ግጥሚ፡ ግጥሚ እንከልዕሉ ህጻን’ውን ኣይርስዕዎን’ዮም። “ግጥሚ ብቋንቋ ህጻን’ዩ ዝጸሓፍ” እትብል ዘረባ ድማ መውጽኢት ኣፎም’ያ። ህጻን ደኣ ዓረፍተ ነገር ከቕውም’ኳ ዘይከኣለ፡ መኣስ ደኣ ናይ ግጥሚ ወሓለ ኮይኑ! ግጥሚ ንህጻን ዝቐርብ እንተ ኾይኑ ከም ባምቡላ መጻወቲ ቆልዑ’ዩ ማለት’ዩ። ኢሉ ዝምልስከ ኣበይ ከይሰኣን ኢልኩሞ። እንታይ ንምባል ደኣሎም ግጥሚ ናይ ህጻን’ዩ ዝብሉ?
ኣብ ቅንያት ዕለተ ናጽነት ካብ ዝካተቱ ናይ ምዝንጋዕ መደባት፡ ብሳንድያጎ እትቐርብ “ላዛ ቆልዑ” ተፈታዊት እያ። መብዛሕትና ከም መስሓቕ ጥራይ ከም እንወስዳ እምነት እለኒ። ገለ ገለ ሰባት ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ መልሲ ናይ’ቶም ቆልዑ “ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ወይ ኢላ?” እናበልና ንመራመር ንኸውን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እዋን ንሕና እንሓስቦን እቶም ቆልዑ ዝምልስዎን በበይኑ (ዘይራኸብ) ኮይኑ’ዩ ዝጸንሓና። ንነገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለ እንጥምቶም በብዓይነቱ መልሲ ድማ ይህልወና። ናእሽቱ ንነገራት ብስእሊ’ዮም ዝጥምትዎም። ዓበይቲ ግን ድሮ ኣእምሮና ንነብሲ ወከፍ ነገር (ፍጻመ) ናይ ቃል ትርጉም ሂቡዎም ስለ ዝጸንሕ፡ ሕቶ እንክስዕብ ካብ ከብሕታቱ ሃሰው ብምባል’ዩ መልሲ ዘዳሉ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ናይ ቃል ብቓል መልሲ (Literal) ይነግረና። “ከብዲ ንምንታይ ይጠቕመና?” ተባሂላ ምስ ተሓተተት “ክንጠንሰሉ” ኢላ ዝመለሰት ህጻን ኣይንርስዓን ንኸውን። ጻዕዳ ኣእምሮ። ዘርኢ ሰብ ኣብ ማህጸን ከም ዝዓኩኽ፡ ክሳብ እንምህራ፡ ዝመስላ’ያ ትኣምን። “ኣጻብዕ ንምንታይ ይጠቅም?” ተባሂሉ ዝተሓተተ ህጻን “ንቆልዑት መቐንጠዊ” እንተ በለ ደይ ዝተራእዮ’ዩ ዝብል። ግጥሚ ድማ “ዝተራእየኩም ጽሓፉ፡ ካልኦት ዝበሉዎ ብወረጦ እናኣረኹም ንቃላት ግጥሚ ኩኑልና ኣይትበልዎም፡ ውሽጥኹም ናይ ገዛእ ርእሱ እበሃህላ ስለ ዘለዎ ተነቚትኩም በርብሩዎ” እዩ ዝብል።
ሓደ ግዜ ሓንቲ መምህር “ኮኾብ እንታይ’ዩ?” ኢላ ሓተተቶም ንካልኣይ ክፍሊ ተመሃሮኣ። ኣቀዲማ ምሂራቶም ስለ ዝነበረት ኣእዳዎም ዊጥ እናበሉ ሓደ ዓይነት መልሲ መለሱ። “ኮኾብ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጸሓይ’ዩ፡ መብራህቲ ዝህበና ተፈጥሮኣዊ ነገር’ዩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ዘለዎ ኣካል’ዩ. . . “ እናበሉ ነቲ መምህሮም ዝነገረቶም ደገሙ። ሲሞና ግን ኢዳ ዊጥ ኣበለት’ሞ “a star is a flower without stem” (ኮኾብ ጉንዲ ዘይብሉ ዕምበባ’ዩ) ክትብል መልሲ ሃበት። ተማሃሮ ሰሓቑዋ። ምኽንያቱ ከምኡ ኣይተማህሩን። ብዛዕባ ኮኾብ ዝኾነ ሰብ እንተ ዘይምህሮም ነይሩ፡ ነናቶም መልሲ ምሃለዎም። ምናልባት ኮኾብ ውላድ ጸሓይ’ያ፡ ኣብ ሰማይ ዘላ ኣልማዝ’ያ፡ ካብ ጸሓይ ዝነጠረ ጓህሪ’ዩ. . .” ዝብሉ’ውን ኣይምተሳእኑን። ህጻን ሲሞና፡ ንኮኾብ ከም’ቲ ዝተራእያ ብስእሊ’ያ ገሊጻቶ። ንዓኣ ኮኾብ ብዘይ መደገፊ ዘንሰላሉ ዕምበባ’ዩ። ኣብ ኣእምሮኣ ዝተወቕረ ምስሊ ከምኡ’ዩ። ግጥሚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላ’ዩ ዝደሊ። እስከ ብዛዕባ ኮኾብ ሓጺር ግጥሚ ንግጠም። እቲ ንግጥሚ ዝኸውን ኣበሃህላኸ፡ ናይ ሲሞና ድዩ ወይስ ናይ’ቶም ካልኦት?
ብገዛእ ርእስኻ ትበርህ
ብርሃን ዘይትልቃሕ
ጸሓይ ክነስኻ
ኣመና ርሒቕካ. . .
ኣዛ ማይ ቤት ብኣበሃህላ ናይ’ቶም ዝበዝሑ መለስቲ ዝተገጥመት’ያ። ኣብ ናይ ሲሞና ስእላዊ ኣገላልጻ ተሞርኲስና ድማ ክንገጥም ንፈትን።
ውቅብቲ ዕምበባ
ብዘይ ጉንዲ
እናንሰላለኺ
ብርሃን ትዕድሊ. . .
እታ ናይ መጀመርታ ማይ ቤት ንቡር ብዝኾነ ኣበሃህላ ዝተነድቀት’ያ። ኣብ መባእታ እንመሃሮን፡ ኩሉ ሰብ ክብሎ ዝኽእልን’ዩ። ስእሊ ኣእምሮ ክፈጥር ዘይክእል ኣበሃህላ። ኣብ ካልኣይቲ ማይ ቤት ግን ገጣማይ (ሲሞና) ንኮኾብ ከም’ቲ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ዘይኮነስ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ስእለ ሓሳብ ኢላቶ ኣላ። እስከ ኣየነይተን ማይ ቤት ባህ ከም እትብለና ነናትና መልሲ ንሃብ! እምበኣርከስ ግጥሚ ስእለ ሓሳብ ደኣ’ምበር ቃላት ኣይኮነን። ብኻልእ ኣበሃህላ እንክድገም፡ ቃላት ግጥሚ ይነግሩ እምበር ግጥሚ ኣይሰርሑን’ዮም። ግጥሚ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ኣለዉ። ኣብ ዓለሙ ዘይኣተወ ሰብ እንታይነቱ ክፈልጦ ኣይክእልን’ዩ። ግጥሚ ናይ ኩሎም ህዋሳት ስምዒትና ስራሕ’ዩ። ገጣማይ ብግጥሙ ኣቢሉ ይሽትት፡ ይድህስስ፡ የስተማቕር፡ ይርኢን ይሰምዕን። ንሰማዕቱ እውን ብስእሊ የርእዮም። ብዙሓት ሰባት ግጥሚ ምጽሓፍ ማለት ብርዕን ወረቐትን ኣራኺብካ ብቃላት ምዝራብ ይመስለና’ዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ፡ ማንም ሰብ ግጥሚ ክጽሕፍ ምኸኣለ። ወይ’ውን ግጥሚ ዝበሃል ነገር ኣይምሃለወን። ኣብ’ቲ ምቁር ዓለሙ ከይጠሓልካ ክትጽሕፍ እንተ ፈተንካ፡ “ዕለታዊ ጸብጻብ (report writing) ኢኻ ጽሒፍካ” እዮም ዝብልዎ ናይ ግጥሚ ተንተንቲ።
ሓደ ካብ ፍሉጣት ገጠምቲ “ክጽሕፍ ከለኹ ኣብ’ቲ ዘለኹዎ ቦታ የለኹን፡ እቶም ኣብ ጥቓይ ዘለዉ’ውን የለዉን፡ ናብ ካልእ ዓለም ከይደ’የ ዝጽሕፍ” ኢሉ ነይሩ። ኬድካ ጽሓፍ፡ ሸቲትካ ንገር፡ ርኢኻ ኣርኢ. . . ። ንሰባት ብቃላት ክተስተምህሮም ኣይትህለኽ። ግጥሚ ንኣስተምህሮ ኣይተፈጥረን። ናብ’ቲ ንስኻ ዝረኣኻዮ ሒዝካዮም ኪድ። ብሓቂ ባህ እንተ በለካ ባህ ክብሎም’ዩ፡ እንተ ሓዘንካ ክሓዝኑ’ዮም። ውሽጥኻ ዝበለካ ጽሓፍ። ካባኻ ዝበቖሉ ሓሳባት ምጽሓፍ (Natural writing) ልመድ።
ልቢ ወለድ ይኹኑ ሓቀኛ ግጥምታትና፡ ነዋሕትን ሓጸርትን ዛንታትና በዚ መዳይ’ዚ እንክምዘኑ የሐጉሱ ደኾን ይኾኑ? ፍርያትና ናብ ናትና ዶ ይዝንብሉ ናብ ናይ ካልኦት? ጽሑፋትና ኩሉመዳያዊ ሂወት ዘልዕሉ ድዮም ወይስ ኣብ ዝተወሰነ ዓንኬል ዝዞሩ? ኣብ ዝቕጽል ሕታማት ገለገለ ንሕትመት ዝበቕዑ ግጥምታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና።