ቂም. . ቂም. . ቂም. . .
ቂም. . ቂም . . . .
ሓድነትካን ሕብረትካን
ምስ ዙረት ዓለም፡
ከም ንሽጉርቲ ብኻራ
ዕድመ ወዲ ሰብ ክትክርትፎ
ንሞት ከኣ ተቐብሎ።
ንሱ፡ ባዕሉ ወዲ ሰብ ግን
“ግዜ ዘይፈትሖ ሽግር የለን”
ብምባሉ !
ኣብ ውሽጢ ዕድሚኡ
ተሓቢኡ ዘሎ ተስፋ
ብህርመት ሓንቲ ደቒቕ
እናኸሰሮ ከምዛ ዋዛ
“ለውጢ ብግብሪ’ዩ!! . . . . .”
ሕሹኽ ዝብሎ ግዲ ስኢኑ
ያኢ ሰዓት ክትኣኽለሉ
ከበሮ ዓይኑ ከይከደነ
ኮፍ . . . ኢሉ ይጽበ።
ዘፌ
2007
ቤት ማእሰርቲ ማይ ዕዳጋ