ካብ ልምዲ ኦፌኮ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫታት ብምብጋስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓድሽ ውልቀመላኺ ስርዓት ንምምስራት ከም ዝወሰነ ብምርዳእና ምርጫ ክቐርብ እንከሎ ንምንቅስቓስና ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ምርጫ’ውን ክእግደና ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኔርና።ኣቐዲምና ጎስጓስ ምግባርና ካብቲ ምርጫ ዋላ የውጽኣና ዘለና ደገፍ ህዝቢ ንምርኣይን እምቢታ ህዝቢ ኦሮሞ ንምብራዕ ይጠቅም’ዩ ዝብል እምነት ሓደረና።ነቲ ጎስጓስ ብሃረርጌ ኢና ጀሚርናዮ፡ ኣብ ፈለማ 4 ከተማታት ንምብጻሕ ዋላ’ኳ እንተተለምና ብሕቶ ህዝቢ ናብ 8 ከተማታት ብምኻድ ዓበይቲ ሰልፍታት ተጌሮም ሰፋሕቲ ኣኼባታት ገበርና፡ ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዙሕ ሰብ ዘይምርካቡን ኣብቲ እዋን እቲ ግን ብዙሕ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ምውጽኡ ኣዝዩ ኣሐጎሶ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ማሕበረሰብ ሃረርጌ ካብ ዘልዓሎም ዓበይቲ ጉዳያት ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ኣብ መሪሕነት ሰልፊ ፖለቲካን ኣብ ቦታታት ሓላፍነት መንግስቲ ብእኹል ኩነታት ዘይምውካሎም’ዩ፡ ኣይኮነን ዶ ብደረጃ ሃገር ንዞባታትና’ውን ዘመሓድሩወን ካብ ካልኦት ቦታታት ብፖስታ ዝተለኣኹልና ኢዮም ብምባል ቅሬታኦም ኣቕረቡ።
ኦፌኮ ንብዙሑነት እቲ ህዝቢ ዘንጸባርቕ መሪሕነት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንምውቓር ከም ዝተለመ ገለጸሎም።ኣብ ዝስዕብ ምርጫ ብህዝቢ ተሰማዕነትን ክብርን ዘለዎም ከምኡ’ውን ዓቕሞም ዝተመስከረሎም ሕጹያት ከም እነቕርብ ቃል ብምእታው ነፍሲ ወከፍ ሕጹይ ብቦርድ ምርጫ ቅድሚ ምምዝጋቡ ናብቲ ህዝቢ ኣቕሪብና ክግምገም ከም እንገብር እቲ ሕብረተሰብ እንተደኣ ዘይተቐቢልዎ ካብ ሕጹይነት ከም እንስርዞ ኣፍለጥና።ድሕሪ ሃረርጌ ናብ ኣርሲን ባሌን ኣምራሕና፡ ኣብ ዝኸድናዮ ቦታታት ኩሉ ታሪኻዊ ቦታታት የብጽሓና ኔሩ፡ ናብ ዞባ ምብራቕ ኣርሲ ሮቤ ዲደኣ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ሃሮ ቄሮ ዝተበሃላ ክልተ ጎኒ ንጎኒ ዘለዋ ክልተ ነኣሽቱ ቀላያት ረኣና ፡ ቄሮ ነጌሳ ንወራር ሚኒሊክ ብጅግንነት ተፋሊሙ ድሕሪ ዓቢ ተጋድሎ ድሕሪ ምትሓዙ ዝተቐጥቀጠ ማለት ከም ዘይወልድ ዝተገበረ ሰብ ከም ዝነበረ ሽማግለታት ናይቲ ከባቢ ገለጹልና።ህዝቢ እቲ ከባቢ ነቲ ቀላይ ከም ቅርሲ ዝኽሪ ቄሮ ኔጌሳ ተኸናኺኑ’ዩ ክሳብ ሕጂ ኣጽኒሕዎ፡ ንእስ ዝበለ ሙዝየም’ውን ሃነጽሉ፡፡
የኒሶ ዲጋ ኣብ ዝተወለደሉ ቦታ ቀደም ንሱ ዝዋግኣሉ ዝነበረ ዝመስል ፈረስ ሸለሙና፡ የኒሶ ሓደ ካብ ጥንታውያን ጀጋኑ ህዝቢ ኦሮሞ ኮይኑ ንህዝቢ ኣርሲ ብምውዳብ ዘመናዊ ኣጽዋር ንዝዓጠቐ ሰራዊት ሚኒሊክ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግእት ብባህላዊ ኣጽዋር ጥራይ ደጋጊሙ ብምዓዋቱ ህዝቢ ኦሮማ ክሳብ ሕጂ ዝምከሓሉ ጅግና’ዩ።ኣብ ሃሳሳ ፡ሲርካ፡ ዶዶላን ኣዳቦን ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ዝወጸ ብዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ’ዩ ዘፍርሕ ኔሩ፡ ፖሊስ ኣብ ሓለዋ ንክሕግዘና ዋላ’ኳ እንተተኸልከለ እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ህዝቢ ብሰላም ነናብ ገዝኡ ኣተወ።ኣብ ዴራ በዓል ጀነራል ታደሰ ብሩ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ከም ዝገበርዎ ኣስላማይን ክርስትያንን ከይበልና ሓደ ዝራብዕ ብሓባር ሓሪድና ነቲ ህዝቢ ብሓባር ኣብላዕናዮ፡፡ድሕሪ ኣርሲ ናብ ባሌ ኣብ ዘበልናሉ ግዜ መድረኽ ህዝቢ ካብ ዝተዳለወለን ከተማታት ብተወሳኺ ኣብ መንገድና ኣብ ዝነበረ ቁሸታት ገጠር ህዝቢ ደው እናበለናን እናተዛተናን ጉዕዞና ቀጸልና።ኣብ ታሪኻዊት “ወደወላቡ” ከም ናይ በዓል ዋቆ ጉቱ ናይ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ መቓብር በጻሕና፡ ብሰንኪ ግጭት ወሰን ንዝተፈናቐሉ ወገናት’ውን ሒዝናዮ ዝነበርና ሓገዝ ኣብጻሕና፡ ንበዓቲ ሶፍኡመር ድሕሪ ምብጻሕና ጊኒር ምስ በጻሕና ንምቑጻሩ ዘጸግም ህዝቢ ጸንሓና፡ ቀደም ኣብ ጥሙጋ መተዓብይቲ ዝነበሩ ንስርሓት ሕርሻ ናብ በረኻታት ደሎን ጊኒርን ዝሰፈሩ ሰባት ረኸብኩ፡ ኣብ ጎቦታት ባሌ ኣብዘሎ በሪኽ ቦታ ሳኔቴ ምስ ደየብና ከምቲ ቦታ እቲ ዝኣመሰለ መሀነን መሬት ኣብ ውሽጢ ኦሮምያ ከም ዘሎ ክሳብ ሕጂ ዘይምፍላጠይ ተሰመዓኒ፡ ድሕሪ ባሌ ናብ ምዕራብ ኣርሲ ቅልቅል ኢልና ኣብ ሻሸመኔን ከባቢኣን ምስ ዘለዉ ነበርቲ ከተማታት ኮፈሌ፡ ኣጄ፡ ኣርሲ ነገሌ፡ ሙኔሳን ባቱን ተዛቲና ናብ ፊንፊኔ ተመለስና።
ቀጺልና ናብ ሰላሌ ኣቕናዕና፡ ክሳብ እታ ዕለት እቲኣ መንግስቲ ምሳና ዋላ ኣይተሓባበር ዕንቅፋት ግን ኣይኮነናን፡ ናብ ሰላሌ ንምኻድ ኣብ ምድላው እንከለና ንኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦፌኮ ጉርሜሳ ኣያኖ ወሲኽካ ካልኦት ቅድሜና ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወከልትና ኣብ ከተማ ኩዪ ተኣሰሩ።ንዓና’ውን ኣብ መንገድና ዶሽካ ዝዓጠቐ ሰራዊት ጸንሓና፡ ንመስትያት መኪና ኣትሕት ኣቢለ “ነዚ መሳርያ እዚ ንዓና ክትዋግኡሉ ዲኹም ኣምጺእኩሞ? ” ብምባል ብዋዛ ምስ ሓተትኩዎም ሓደ ኮማንደር ከም ሕፍር ኢሉ ” ኣይ ንዓኹም ንምሕላው እምበር” በለኒ፡ ኣብ ኩዪ ኣኼባ እናገበርና እንከለና ብዙሓት መሰናኽላት ኣጋጠሙና፡ ናብቲ ኣዳራሽ ዝወስድ መንገዲ ሑጻ ብመኪና ኣምጺኦም ብምርጋፍ ዓጸውዎ፡ ኣኼባ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ስለ ዝተገንዘብና ንሓድሽ ቤት ጽሕፈት እቲ ሰልፊ መሪቕና ክንምለስ ወሰንና።ነቲ ቤት ጽሕፈት መሪቕና ምስ ወጻእና ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ብምውጻእ ነቲ ንባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ መንገዲ ስለ ዝመልኦ ኣብ ልዕሊ መኪና ብምድያብ ሓጺር መደረ ገበርና።ፕሮፌሰር መራራ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫታት ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ህዝቢ ሰላሌ ደርፊ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ተዛረበ፡ እቲ ደርፊ ክትርጎም እንከሎ “መንገዲ ዲቻ በል ዝበሃሌ ፡መለስ ዜናዊ ይተኣለ ፡ድቓላ መጻእኩ ከይብሌ” ከም ዝነበረ ኣዘኻኸረ፡ ኣስዒቡ’ውን ስድራ መለስ ዜናዊ ናብ መረበቶም መቐለ ኣትዮም ንሱ ዝፈጠሮም እኩያት ግን ኣብዚ ተሪፎም የጸግሙና ኣለዉ በለ።ኣነ’ውን ትቕብል ኣቢለ ” እዚ ናይ ለብዘመን ምርጫ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ መለስን ኣብ መንጎና እቶም ደቂ ታደሰን’ዩ ክኸውን፡ ንቆራጽነት ታደሰ ተሓንጊጥና ንሸርሒ ደቂ መለስ ከነበርዕኖ ኢና” በልኩ ብመልክዕ ጭርሖ።
ካብ ሰላሌ ምስ ተመለስና ሰበስልጣን መንግስቲ ንመደረና ኣዛቢዖም ጸንሑና፡ ሓደ ሰብ ደዊሉ “ንቀ/ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድቓላ ኢልካዮ” ምስ በለኒ ፕሮፌሰር መራራ ይኹን ኣነ ድቓላ ዝብል ቃል ዝተጠቐምና ንኦሆዴድ ዝፈጠሮ ህወሓት ስለ ዝኾነ ድቓላ ዝኾነ ውድብ’ዩ ንምባል እምበር ኣብ መንነት ውልቀሰብ ዘነጻጸረ ኣይኮነን ኢለ ኣብራህኩሉ።ድሕሪ ሰላሌ ስጉምቲ መንግስቲ ተጠናኺሩ ቀጸለ፡ ፈለማ ምሳና ንምውድዳር ንቀ/ሚኒስተር ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ውሑዳት ከተማታት ዋላ’ኳ እንተ ኣዳለዉ ንዕዖም ብምድጋፍ ዝወጸ ህዝቢ ምስ ናትና ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ኔሩ።ብሰልፊ ምሳና ክወዳደሩ ከም ዘይክእሉ ምስ ተገንዘቡ ንጎስጓስትና ኣብ ምትዕንቓፍን ኣብ ምእጋድን ጸቐጡ።ቦርድ ምርጫ ወፍሪ ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ንክእግድ ዋላ’ኳ እንተ ሓተቱ እቲ ቦርድ ንዓና ንክእግድ ዘኽእል ሕጋዊ ምኽንያት ሰኣነ ።ድሕሪኡ በወገን ሓይልታት ጸጥታ ኣቢሎም ስጉምቲ ምውሳድ ጀመሩ።ድሕሪ ሰላሌ ብዙሕ ህዝቢ ንድጋፍ ናብ ኣደባባይ ምውጻእ ንመንግስቲ ስለ ዘሰምብዶ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ብዝግበር ኣኼባ ምምይያት ይሓይሽ ኣብ ዝብል ሓሳብ መኸርና።በዚ መሰረት ምስ በቀለ ገርባ ኣኼባ ንምግባር ናብ ሰበታ ኣብ ዘቕናዕናሉ ግዜ ፖሊስ ናብቲ ኣዳራሽ ኣብ ምእታው ንዝነበረ ህዝቢ የከላብት ነበረ፡ በዚ ተግባሮም እዚ ድሕሪ ሕጂ ህዝባዊ ኣኼባ ምግባር ከም ዘይፍቀድ ስለ ዝበርሃለይ ትርር ዝበለ መልእኽቲ ዘለዎ መደረ ገበርኩ።
ኣብቲ መደረ ገዛኢ ሰልፊ ንንእሽቶ ብርሃን ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ብምጥፋእ ውልቀመላኺ ስርዓት ንምምስራት ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎ ነዚ’ውን ንህዝቢ ኦሮሞ ብሓይሊ ብምዕፋን ብምክፍፋልን ንቄሮ ብምድኻም ንምዕዋት ከም ዝሓሰበ ገለጽኩ።ነዚ ንምብርዓን ሕብረተሰብ ሓድነቱ ሓልዩ ምስ መሪሕነት እናተናበበ ክኸይድ ኣተሓሳሰብኩ፡፡ካብ ሰበታ ክንምለስ ከለና ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ቡራዩ ኮሚሽነር ሰለሞን ከም ዝተቐተለ ሰማዕና፡፡ቅድሚ መዓልታት ኣብ ከተማ ቡራዩ ኣኼባ ክንገብር ምስ ሓተትና ምምሕዳር እታ ከተማ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ ኮማንደር ሰለሞን’ዩ ፍቓድ ሂብና።ንቅትለት እቲ ኮማንደር ጉልባብ ብምግባር ንመንእሰያት ብጅምላ ገፊፎም ኣሰሩ።ንካልኦት’ውን ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ረሸኑ፡፡
ድሕሪ መዓልታት ካውንስል መሪሕነት ኦሮምያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኦሮምያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ዝተቐተለ ፖሊስ ኣልዒለ ነገራት ናብ ፖለቲካዊ ቅትለት ገጾም የምርሑ ስለ ዘለዉ ክንዘራረበሎም ከም ዝግባእ ሓሳብ ኣቕረብኩ።ቀ/ሚኒስተር ኣብዪ ግን መንግስቲ ንፍልልያት ፖለቲካዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሖም ዝገበሮ ጻዕሪ ስለ ዘይሰርሐ ንገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ’ዩ በለ።ናብ ሽመልስ እናጠመተ ድማ ንቀተልቲ እቲ ፖሊስ ሃዲኑ ከጥፍኦም ሓበሮ።ቀ/ሚኒስተር ኣብዪ ካብ ዝተጠቐመሎም ቃላትን መልእኽቲ ካብ ዘመሓላለፈሉ ስምዒት ብምብጋስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፖሊስ ንመንእሰያት ብጅምላ ምቕታል ብሕርቃን ዝፈጸሞ ዘይኮነስ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ፖከቲካዊ ውሳነ ክኸውን ከም ዝኽእል ገመትኩ።ምስ ቅትለት ኮማንደር ሰለሞን ተተሓሒዙ ዝተጀመረ ንዝተተሓዙ ሰባት ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ምቕታል ድሕሪኡ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ኦሮሚያ መዓልታዊ ዝወስድዎ ተመራጽን ተቐባልነት ዘለዎን ኣካይዳ ኮነ።
ብመሰረት ዘውጻእናዮ ትልሚ ጎስጓስ ድሕሪ ሰላሌ ቀጺልና ናብ ጅማ ክንከይድ ኔርና፡ኪንዮ እቲ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላትና ዝበጽሕ ዝነበረ ምክልባትን ማእርውትን ሓደገኛ ዝኾነ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ብምኽፋቱ ክንተርፍ ወሰንና።ፕሮፌሰር መራራ ኣብ ጅማ መሬት እምበር ሰብ የብልናን ኢሉ’ዩ ዝብል ወገናዊነት ዝተሓወሶ ኣነዋሪ ስም ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ተኸፍተና።ጂማ መበቆልን ትውልዲ ቦታን ቀ/ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስለ ዝኾነ ጉዕዞና ኣዝዩ ከም ዘፍርሖም በርሃልና።መንግስቲ ናብ ጅማ ብምኻድ ክንገብሮ ዝሓሰብና ወፍሪ ኣምሪሩ ምቅዋሙ ሓደ ነገር ኣዘኻኸረኒ።ንሱ’ውን ኣብ ሓደ ኣኼባ መማኽርቲ ብዛዕባ ምርጫ እናተዘራረብና እንከለና ፕሮፌሰር መራራ ኣብ በሻሻ’ውን እንተደኣ ተወዳዲርና ክንስዕረኩም ኢና ብምባል ምስ ተዋዘየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ሕርቃን ብዝዓብለሎ ድምጺ ሕራይ ፈትኖ እሞ ክንረአአ ኢና ኢልዎ ኔሩ።ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝተወለደሉ ዓዲ ምስዓር ከም ዓቢ ክሳራ ስለ ዝቖጸሮ’ዩ።ኣብ ጅማ ጎስጓስ ንምግባር ኣብ ዝተበግስናሉ ግዜ ዝተፈጠረ ምስንባድን ቁጠዐን ምስ ረኣና ነቲ ጉዳይ ናብ ግጭት ሕድሕድ ከሰጋግሮ ይኽእል’ዩ ኢልና ስለ ዝሰጋእና ጉዕዞና ንምስራዝ ወሰንና።ናብ ካልኦት ዞባታት ንምኻድ ተሰሪዑ ዝነበረ መደባት’ውን ኣቋረጽናዮ።ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገለጸ ነቲ ወፍሪ ጎስጓስ እንገብር ዝነበርና ናይ ብሓቂ ነጻን ሰላማዊን ምርጫ ክግበር’ዩ ብምባል ደገፍ ንምርካብ ኢልና ኣይነበረን።እቲ ገዛኢ ሰልፊ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነን ውልቀመላኺ ስርዓት ዳግም ንምምስራት ከም ዝወሰነ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብቀረባ ንከታተሎ ስለ ዝነበርና ጽቡቕ ጌርና ፈሊጥናዮ ኢና።ካልእ ብተወሳኺ ንፌደራሊዝም ንምፍራስ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘሎን ተመሳሳሊ ኣሃዳዊ ኣረኣእያ ዘለወን ጉጅለታት ናብኡ እናሰሓበ ምትሕብባሩ የደልድል ከም ዝነበረ ተገንዚብና ኢና።ተቓወምቲ ሰልፍታት ኦሮማ ካብቲ ምርጫ ናይ ምውጻእ ዕድለን ሰፊሕ ከም ዝኾነ ንምግማት ኪኢልና ኢና።ንዕላማ ወፍርና ንምድኻም ዝፍትኑ ዘለዉ ንብሄራውነት ኦሮሞ ብምጉስጓስን ኣብ ኦሮምያ ድጋፍ ከም ዘይብሎምን ብምርኣይ ንፌደራሊዝም ብምፍራስ ንዘለዎም ትልሚ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኢዩ ኔሩ።በዚ መሰረት ኣብ ዝኸድናየን ከተማታት ኩለን ብሄራውነት ኣልዒልና ነቲ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ዝመልስ መደረታት ገበርና። እቲ ስርዓት ንናይ ቀደም ውልቀመላኺ ስርዓት ንምምላስ ኣብ ምፍታን ከም ዘሎ እቲ ህዝቢ ከም ክስወጦ ኣብ ምግባር ጸቐጥና።ህዝቢ ብብዝሒን ብልዑል ስምዒትን ይሳተፍ ስለ ዝነበረ ንብሄራውነት ኦሮሞ ኣዳኺሞም ፌደራሊዝም ንምፍራስ ዕላማ ንዝነበሮም ጉጅለታት ኣሰንበዶም።ካብዚ ስንባደ እዚ ብምብጋስ ንካልኦት ተቓወምቲ ንምድኻም ዘኽእሎም ስልትታት ምንዳፍ ጀመሩ።ሓደ ካብዚ ስልትታት እዚ ጉዳይ ዜግነተይ’ዩ፡
ቦርድ ምርጫ ዜግነቱ ኢትዮጵያዊ ንዘይኮነ ሰብ ኣባል ምግባር ሕጊ ምጥሓስ’ዩ ብምባል ንኦፌኮ ደብዳቤ ጸሓፈ፡ ንፓስፖርት ኣሜሪካ ክመልሶ’ዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይነበሮም በቲ ቦርድን ብመራኸቢ ብዙሃንን ጎስጓስ ጀመሩ፡ ንፓስፖርት ኣሜሪካ ንምምላስ ዝወሰንኩ ገና ኣብ 2018 ናብ ሃገር ንምእታው ኣብ ዝወሰንኩሉ ግዜ’ዩ ኔሩ።ናብ ሃገር ምስ ኣተኹ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ሓንቲ መዓልቲ ምስ ቀ/ሚኒስተር ኣብዩ ብዛዕባ ጉዳይ ዜግነተይ ኣልዒልለይ ተመያየጥና።ብፖለቲካዊ ኣረኣእያይን ተሳትፎይን ዝጸልኡኒ ሰባት ጸቕጢ ይፈጥሩሉ ከም ዘለዉ ምስ ነገረኒ ፡ ንሱ ጸገም የብሉን ንዜግነት ኣሜሪካ መሊሴ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ከውጽእ’የ በልኩዎ።ንሱ ግን ዘለናዮ ኩነታት ዘተኣማምን ስለ ዘይኮነ ምናልባት ሓደጋ ምስ ዘጋጥመና ደገ ወጺእካ ነዚ ቃልሲ ክትቅጽሎ ስለ ዘለካ ፓስፖርት ኣሜሪካ ሒዝካዮ ጽናሕ፡ ሕጊ ድርብ ዜግነት ( dual citizenship) ከነውጽእ ስለ ዝኾንና ንክልቲኡ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ በለኒ።ኣነ’ውን ፓስፖርት ኣሜሪካ ሒዘ ጸናሕኩ፡ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ሓሳብ ከም ዘለኒ ምስኡ ኣብ ዝተዘራረብናሉ ግዜ ብዛዕባ ፓስፖርት ምስ ኣልዓልኩሉ ርግጸኛ ኴንካ ኣብ ዝወስንካሉ ግዜ ንገረኒ’ሞ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክንህበካ ኢና ኢልኒ ኔሩ’ዩ።
ምስ ኦፌኮ ምስ ተጸንበርኩ ግን ንፓስፖርት ኣሜሪካ ክመልስ ዘይደለኹ ብዝመስል መልክዕ ትርር ዝበለ ወፍሪ ኣብ ልዕለይ ተኸፈተ።ፓስፖርት ናይ ካልእ ሃገር ሒዙ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝሳተፍ ሰብ ኣነ ጥራይ ኣይነበርኩን፡ ካብ እዋን ለውጢ ጀሚሩ ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ምምሕዳራት ክልላትን ዜግነት ካልእ ሃገር ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ስራሕ ኔሮም’ዮም።ኣብ ደገ ዝነበሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኩሎም ንምባል ብዘኽእል ደረጃ ብፓስፖርት ካልኦት ሃገራት ይንቀሳቐሱ’ዮም፡ ገሊኦም ናብ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም ናይ ካልእ ሃገር ዜግነቶም ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ከይመለሱ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ክወሃቦም እንከሎ መብዛሕትኦም ድማ ብፓስፖርት ናይ ካልኦት ሃገራት ምንቅስቓስ ቀጺሎም’ዮም።ፓስፖርት ኣሜሪካ ከም ዘለንን ንዕዑ መሊሰ ዜግነት ኢትዮጵያ ክወስድ ከም ዝደሊ ፈለማ ብቀጥታ ንቀ/ሚኒስተር ኣብዩ ድሒረ ድማ ንሚድያ ብወግዒ ዝገለጽኩ ሓደን እንኮን ፖለቲከኛ ኣነ ጥራይ’የ ኔረ።እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ቦርድ ምርጫ ኣብ ልዕለይ ጥራይ ኣተኮረ።ኣብ ደገ ኣብ ዝገበርኩዎ ምብጻሕ ኣብ ምርጫ ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጤ ምስ ተመለስኩ መስርሕ ምምላስ ዜግነት ኣሜሪካ ጀመርኩ።ፈለማ ምስ ሓተትኩዎም ኣብ ሂወተይ ልዑል ጽልዋ ክፈጥር ዝኽእል ውሳነ ስለ ዝኾነ ግዜ ወሲደ ክሓስበሉ ብምምካር ዜግነት ናይ ምምላስ መስርሕ ንምፍጻም ጎተትዎ፡ ኣነ ግን ወሲነ ስለ ዝነበርኩ ናብ ኤምባሲ ከይደ ፓስፖርት ብምእታው ዜግነተይ ብድሌተይ ከም ዝቐየርኩ ዘርኢ ሰርተፊኬት ተቐቢለ’የ፡ ዜግነት ኢትዮጵያ ዳግማይ ንክወሃበኒ’ውን ዜግነት ኣሜሪካ ከም ዝመለስኩ ዘርኢ መረዳእታ ብምትሕሓዝ ኣመልከትኩ።ቅጥዕታት ምርጫ ንምምላእ ጥራይ ኣይኮንኩን ፓስፖርት ኣሜሪካ መሊሰ፡ ናብ ሃገር ምስ ኣተኹ ምስ ህዝበይ ጽቡቕን ሕማቕን ንምቕባል ቃል ኣትየ ስለ ዝነበርኩ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ነቲ ቃል እቲ በሊዔ ንከይከይድ ኩሉ ዕድላት ዕጹው ክኸውን ንምግባር’ውን ኢዩ ኔሩ።እዚ ስጉምተይ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ’ዩ ዘኹርዓኒ፡ ቦርድ ምርጫ ግን ዜግነት ኣሜሪካ መሊሰ ዜግነት ኢትዮጵያ ንምርካብ ከም ዘመልከትኩ ዘረጋግጽ ጭብጢ ዋላ እንተ ኣቕረብኩ እቲ ሰልፊ ካብ ኣባልነት ንክስርዘኒ ድፍኢት ምግባር ቀጸለ፡፡ናይ ሽዑ እዋን ኣደ መንበር እቲ ቦርድ ወ/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ዜግነት ኢትዮጵያ ከም ዝረኸብኩ ዘርኢ ሓበሬታ ከቕርብ ከም ዘለኒ ነቲ ሰልፊ ኣፍለጠት፡ ካልኦት ኣባላት እቲ ቦርድ ኣካይዳኣ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዋላ’ኳ እንተተማሕጸንዋ ክትስምዖም ከም ዘይደለየት ይነግሩኒ ኔሮም’ዮም።ብሓደ ወገን ቦርድ ምርጫ ዜግነት ኢትዮጵያ ዝረኸብካሉ መርትዖ ኣምጽእ ኢሉ ክህውኸኒ እንከሎ ብካልእ ወገን ድማ ዜግነት ንክወሃበኒ ዝመልከትኩሉ ትካል ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ነቲ መስርሕ ኣጓተቶ።ብመሰረት ሕጊ ኣቐድም ኣቢሉ ዜጋ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሰብ ድሒሩ ዝወሰዶ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜግነት እንተደኣ መሊሱ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ዜግነት ኢትዮጵያ ዝወሃቦ፡ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ግን ሓንሳባ ብኮሚቴ ክረአ ከም ዘለዎን ኣብ ቆጸራታት እቶም ኣባላት ብሙሉኦም ከም ዘይተረኸቡ ብምግላጽ ኣብ ካልእ እዋን ሪጋ ዝጽበዩ ብዙሓት ተገልገልቲ ስለ ዘለዉ ተጸበ እናበሉ ነቲ መስርሕ ኣናውሕዎ።ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ዜግነት ከይህቡኒ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ብቀጥታ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቡ ስለ ዝሰማዕና ነቱ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንምውሳድ ወሰንና።በዚ መልክዕ እዚ ንኣሜሪካዊ ዜግነተይ መሊሰ ናይ ኢትዮጵያ ከይረኸብኩ ሃገር ኣልቦ (Stateless) ኮይነ ኣብ ዝነበርኩሉ ህሞት ንዓለምና ዘይተጸበየቶ ሓደጋ ኣጓነፋ’ሞ እቲ ምርጫ ተናውሐ።ኣነ’ውን ተኣሰርኩ፡፡
ኦፌኮ ዝገብሮ ጎስጓስ ምርጫ ነታ ሃገር ናብ ድባብ ምርጫ ኣእትዩዋ እናሃለወ ንዓለምና ዘይተጸበየቶ ሓደጋ ኣጋጠማ።እዚ ሓደጋ እዚ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ’ዩ ኔሩ፡ ካብ ቻይና ተበጊሱ ብልዑል ፍጥነት ንመላእ ዓለም ይብጸሕ ንዝነበረ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ መንጎ ሃገራት ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝግበር ምንቅስቓስ ህዝቢ ምግዳብ ከም መፍትሒ ተቐመጠ።በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ግንቦት 2019 ዓ ም ንክግበር መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ምርጫ ኢትዮጵያ ምንውሑ ግድን ኮነ።ቅዋም ሃገር ምንዋሕ ምርጫ ስለ ዘየፍቅድ ኣገዳዲ ብዝኾነ ምኽንያት ክናውሓሉ ብዛዕባ ዝኽእል ኩነታት ዘይምቅዳው ተፈጠረ።ብወገን ኦፌኮ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ምንዋሕ ምርጫ ቅኑዕ ምዃኑ ዋላ’ ኳ እንተተኣመነ ኣብ ቅዋም ምርጫ ዝናውሓሉ መንገዲ ብግልጺ ስለ ዘይተቐመጠ ከመይን ክሳብ መዓስን’ዩ ዝናዋሕ ኣብ ዝብል መራሕቲ ገዛኢ ሰልፍን ተቓወምትን ተዘራሪቦም ክውስኑ ኣለዎም ዝብል መርገጺ ተተሓዘ።ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ግን ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታታት ክዘራረብ ኣይደልን’የ ፡ኣብ ክንድኡ ቅዋማዊ ትርጉም ብዝብል ኣሰራርሓ ብዝቆጻጸሮም ኣብያተ ፍርድን ቤት ምኽርታትን ብምጥቃም ነቲ ምርጫ ብጉልቡቡ ምንውሑ መረጸ።ኦፌኮ ገዛኢ ሰልፊ ነቲ ምርጫ ንምንዋሕ ዝተኸተሎ መንገዲ ዘይቅዋማዊ ከም ዝኾነን ኣብ ክንዲ ኣሳታፊ ዝኾነ ዝርርብ ነቲ ምርጫ ንበይኑ ከነውሖ ምውሳኑ እቲ ሃገር ኣትያቶ ንዘላ ቅልውላው ፖለቲካ ዘብእስ ከም ዝኾነ ኣተሓሳሰበ።
ከይተሓሰበ ብዘጋጠመና ሓደጋ ምርጫ ምንዋሑ ከም ዕድል ተጠቒምና ሃገራዊ ስኒት ንምስፋን ምስራሕ ከም ዝሓይሽ ዋላ’ኳ እንተ ሓበርና ብልጽግና ግን ክሰማማዕ ፍቓደኛ ኣይኮነን።ከምቲ ዝፈራሕናዮ ድማ ክልል ትግራይ ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ክናዋሕ ምውሳኑ ብምቅዋም ብደረጃ ክልል ምርጫ ከም ዘካይድ ኣፍለጠ።ምርጫ ቦርድ ብወገኑ ነቲ ውሳነ ኣይቅበሎን’የ ዋላ’ኳ እንተበለ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን ኣብ ውሳነኡ ጸንዐ።ዘይምቅዳው ምርጫ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ክጎሃሃር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደንደስ ንዝበጽሐ ርክብ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ከም ዝቋረጽ ገበረ።ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ናብ ውግእ ኣምረሐ።ምርጫ ዝተናውሓሉ ኣሰራርሓ ብጽሑፍን ብመራኸቢ ብዙሃንን ኣጥቢቐ ተቓዊመዮ’የ፡ ምስ ልደቱ ኣያሌው ኣብ OMN ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝገበርናሉ ግዜ ገዛኢ ሰልፊ ነቲ ምርጫ ንምንዋሕ ሕጋዊ ኣሳታፍን ኣሰራርሓ እንተደኣ ዘይተኸቲሉ ዘመነ ፓርላማ ናይቲ ዓመት ድሕሪ 10 መስከረም ስለ ዘብቅዕ ሃገር ንከመሓድር ዘኽእል ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገለጽና።እዚ ድማ ብዜጋታትን ሓይልታት ጸጥታን ዓመጽ ከጎሃህር ከም ዝኽእል ኣተሓሳሰብና ።ብሰንኪ እዚ ተቓውሞይ እዚ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝነበረኒ ሓርፋፍ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ተበተኸ፡ ምፍርራሕ ብቃላትን ተግባርን ዛየደ፡ ኣብ መንበሪ ገዛይ ብየማነ ጸጋም ዝነበራ ክልተ ኣባይቲ’ውን ሃንደበት ፈረሳ።ስለምንታይ ከም ዝፈረሳ ኣብ ዘጣየቕናሉ ግዜ ብሰብ ሃብቲ ልዑል ብዝኾነ ገንዘብ ተገዚኤን ከም ዝፈረሳ ፈለጥና፡ ቅድሚ ሕጂ ፈተነ መጥቃዕቲ ክግበረና እንከሎ ሓለውተይ ነተን ኣባይቲ ከም ጉልባብ ብምጥቃም ናብ ቀጽሪ ቤተይ ንምእታው ንዝተገበረ ፈተነ ስለ ዘበርዓንዎ ምፍራስ ናይተን ኣባይቲ ንገዛይ ነጺልካ ንምጥቃዕ ከም ዝኾነ ብምጥርጣር ብንቕሓት ምሕላው ጀመርና።ሓንቲ መዓልቲ ፍርዙን በዓል ስልጣን ኦህዴድ ዝኾነ ሰብ ቆጺርኒ እናዕለልና እንከለና ዕድል እንተደኣ ረኺበ ካብ ሃገር ክወጽእ መኸረኒ፡ ኣይኮነን ግን ዕድለኛ እንተደኣ ኴንካ ክትእሰር ኢኻ ወይ ድማ ዝበኣሰ ነገር ከጋጥመካ ይኽእል’ዩ ምስ በለኒ ድሕሪ ሕጂ ዝመጸ ይምጻእ እምበር ኣነ ንሃገረይ ገዲፈ ናብ ዝኾነ ኣይከይድን’የ ብምባል መለስኩሉ፡ ኣነ ካብ ርእሰይ ኣውሪደ ኣለኹ ኢልኒ ከደ፡ ኣነ ድማ ንክኣስሩኒ ወይ ድማ ክቐትሉኒ ምድላዋቶም ከም ዘጻፈፉ ስለ ዝተረድኣኒ ንክልቲኡ ነብሰይ ድልውቲ ገብርኩዋ፡ ኣብ ሓንቲ ቦርሳ ዝቕበረላ ጻዕዳ ኣቡጀዲድ ኣብ ካልእ ድማ ንቤት ማእሰርቲ ዝኾነኒ ቱታን ጫማን ኣብ መደቀሲየይ ኣቐመጥኩ።ንዝበጻሕኩዎ መደምደምታ ስድራቤተይን ኣዕርኹተይን ፈሊጦሞ ንከይሻቐሉን ከይርዕዱን ሰሓቐይን ዕላለይን ካብ ናይ ወትሩ ንላዕሊ ወሰኸ።ኣብ ከምዚ እናሃለና ኣብ ሓንቲ ዝተረገመት ምሸት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተቐተለ፡ ኣነ ድማ ተኣሰርኩ፡ ፖለቲካ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ኣብ ከቢድ ምትሕልላኽ ኣተወ፡፡
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሞዛይክ ባህሊ ካብ መጽሓፍ ጀዋር መሓመድ ንኡስ ኣርእስቲ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ” ኣብ 4 ክፋላት መቒልና ዘቕረብናዮ ጽሑፍ ተዛዚሞ ኣሎ።ሰሰናዩ ንኩላትና።