ስውእ’ዩ ጠበቓይ
ንስጋኡ ቀዲሙ መንፈሱ እተደብየ
ብዝናቀ ለሙ ንሞቱ ዘእወየ
እናሰምዐ . . . . እናርአየ
ስጋኡ ከርክብ ብቀስታ ዝጓየ፡
ኣርዳእቲ ዘይሰምዐ፡ቀበርቲ ዝናፍቕ
ከመይ ትጽበዮ ንስለይ ክጣበቕ፧
ካብ ዘየስተብሃልካ ግን ክነግረካ ባዕለይ
ድሕሪ‘ቲ ሳሃራ፡ምድረ በዳ ሲናይ
ድሕሪ ላምባዱዛ፡ሞት ድሕሪ ስቓይ
ትንፋሰይ ዓሪጋ ምስጠሓለት ስጋይ፡
ኣብዚ ጸኒሑኒ ብለውሃት ተረብሹ
ምውታን ክቕበል፡ብሞት ከይጋየሹ።
ኣንታ ውጻእ ምዓት ካባይ ዝተረፍካ
ስጋኡ ትጥምት፡ህያው መሲሉካ
ኣይተማዕድዎ‘ባ ብሞተይ ክጣበቕ
መንፈሱ‘ኮ ኣብዚ‘ሎ ንሂወት ይናፍቕ፡
ንሱስ ቀደም ሞይቱ ስጋ ምስ ደረበ
ካብ መንፈስ ኣልቦ‘ዶ ሕልና ትጽበ !
ግዳ ከውክአልካ መንፈስካ ዘርግእ . . . .
እቲ፡ዝሞተ መሲልዎም ዝስምይዎ ስውእ
ንሸፈጥ‘ዩ ነይሩ ብስሙ ምዝዋን
ኣይጸንሓን ኣብዚ የለን ምስ ምውታን፡
ስጋኡ እተደብየ፡ካን ምውት ዝመስሎም
ድሕሪ ካዕቦ ንብዓት ይርስዖ ልቦም
ኣብ ዓንኬልካ‘ዩ ዘሎ ጽላሉ ከስፍሕ
ብስጋ ገዲፍካ‘ሞ፡ብመንፈስካ ንቓሕ
ንሱ‘ዩ’ውን ዝበቕዖ እዚ ናተይ ጉዳይ
ንዕኡ ግደፈሉ ስውእ‘ዩ ጠበቃይ . . .፡
ምንጋር ኣይደልን‘ዩ ይሪኦ‘ሎዚ ስቓይ
ናብኡ እስከ ግደፎ፡ ንሱ‘ዩ ጠበቓይ።
ማይኮ ተኽለ
ሰነ 2014