ብርሃነ ገብረሂወት
‘ንስኻ መን ኢኻ?’ ንዝብል ሕቶ፣ ሃንደፍ ኢለ ብጥረኡ፣ “ኣነ ደኣ ኣነ” ብምባል ሓጺር መልሲ እንተ ዝህበሉ፣ መልሰይ ወይ ኣመላልሳይ ንብዙሓት ከሳሕዮም ምኸኣለ መስለኒ። ላዛ ንቡር ኣዘራርባ ስለ ዝጐድሎ እዩ እቲ ምኽንያት። እቲ ሕቶ ንከምዚ ዝበለ ኣመላልሳ ስለ ዝደፋፍእ ግን፣ ጽቡቕ ገይሩ ንዝፈልጠኒ ሰብ፣ ከም መልሲ ብወገነይ ኣይምጸላኣክዎን። ፈጺሙ ንዘይፈልጠኒ ሰብ ውን ተወሳኺ መብርሂ ንኽውከሰኒ ዝድርኽ ደኣ ይዅን’ምበር፣ ብዛዕባ ‘ስግንጢርነተይ’ ከፊላዊ ስእሊ ዝህብ ከይኰነ ኣይተርፍን ምበልኩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቋራጭ መልሲ፣ ከም መእተዊ ክጥቀመሉ ምሕራየይ፣ ኣንፈት ሕቶ ተሰዊሩኒ ኣይኰነን። ድብዝዝ ስለ ዝበለኒ እሞ መብርሂ ስለ ዝደለኹሉ ውን ኣይኰንኩን። ‘ደንጐላ ሕልሙ ዝጸቐጦ ፍጡር እየ’ እንተ ኢለ፣ ሕልመይ ንዘይፈልጥ መልሲ ኣይኰኖን እዩ። ‘መድሃኒት ሕዱር ሕማመይ ንክምህዝ ዝቃለስ ዘለኹ እየ’ እንተበልኩ፣ ሕማመይ ንዘይፈልጥ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይኰነን። ‘ብጋህሚ ድንቁርና ድምቀት ራኢኡ ዝደብዘዞ ነቢ እየ’ እንተ በልኩስ፣ ብዛዕባ ራኢየይ ፈሊጡ ዝዛረብ መን ኣሎ? ሓልዮት ሓደ ካብ ሕልምታተይ ምዃኑ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቀላጽም ምሉእ ሓሳባተይ ብዘይውልውል ይምስክረለይ እዩ። ‘ኣነ ደኣ ኣነ’ ከም መልሲ’ምበኣር፣ ላህመቱ ‘ስግንጢርነት’ ክኸውን እንከሎ፣ ውሽጡ ገለ ትሕዝቶ ኣይሰኣኖን እዩ። ነቲ ንቡር ብዘይንቡር፣ ነቲ ዘይንቡር ድማ ብንቡር ክገልጾ ባህ ስለ ዝብለኒ እየ ነቲ ‘ስግንጢርነት’ ኣቐዲመ ንግዳም ኣውጺአዮ ዘለኹ። ክፈሓር ዘሎዎ ዓሚቝ ምስጢር ኣብ ውሽጠይ ተቐቢሩ ከም ዘሎ ከዘኻኽረኒ ዝገስገሰ ሕቶ ምዃኑ ከም ጸሓይ ደሚቑለይ እዩ። ‘እንቋዕ ደሓን መጻእካ፣ ቀዳዊየይ ከኣ ኩን።’ ኢለዮ ኣለኹ። ‘ኣነ መን እየ?’ ናብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ቀዪረ ድማ ናብ ነብሰይ ከቕንዖ መሪጸ። ግዳ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኸብክዎን። ደረት ሓይለይ ብልክዕ እኳ እንተ ዘይፈለጥክዎ፣ ነዚ ሕቶ እዚ ክምልስ ናይ ሓይለይ እየ ተቓሊሰ። “ኣነ መን እየ? መን ክኸውን እኽእል? ብዘይዝዀነ ይዅን ኩሕለምሕሊ፣ እቲ ናይ ብሓቂ ኣነ ማለተይ እየ!” ተገሪመስ ደጋጊመ ኣድሚጸዮ። ሕቶ መንነት ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣሚነ። በየናይ መኣዝን ከም ዝሕዞ ጠፊኡኒ። ልምጽምጽ እናበለ ምስ ኣሸገረኒ ከም ገጹ ከም ዘየዋጽእ ገምጊመ። ስለ ዝዀነ፣ ሕርፍፍ ኢለ ንክቐርቦ እየ ወሲነ። ብባህረይ ፈታዊ ጽምዋ እኳ እንተ ዀንኩ፣ ዝያዳ ጽምው ኢለ ምስ ነብሰይ ንኽዝቲ፣ ግዜን ቦታን መሪጸሉ። ብውሑዱ፣ ምሉእ ስመይ ነጊረ ደው ክብል ከም ዘይብለይ ብኣጋኡ ተረዲኡኒ። ተራ መልሲ ዘየድልዮ ተራ መደርጓሕ ሕቶ ከም ዝወደቐኒ ኣስተብሂለ። ቅድሚ ሎሚ ዘይመለስክዎ’ምበር ዘይተሓተትክዎ ኣይኰነን። ምሉእ ስመይን ዕድመይን ነጊረ ዝሓልፎ ዝነበርኩ ሕቶ፣ ጕልቡት መልሲ ደልዩ እዩ መጺኡኒ። ለካ ብመልሲ ዘይዓገቡ ሕቶታት ቀልጢፎም እግሪ ኣየሕጽሩን እዮም! ሎሚ ውን፣ በቲ ዝሓሸ መልክዑን ሓታቲ ብዝደልዮ መገዲን ክምልሶ ድየ ኣይምልሶን ገና ኣይተኣማመንኩን ዘለኹ። ፈውሲ ይርከበሉ ኣይርከበሉ ብዘየገድስ፣ ብረኽሲ ንዝተመጅረጠ ውሽጣዊ ቁስለይ ክሓብኦ ኣይደልን እየ። ንፋስ ሰኣን ምውቃዕ ተዓብዒቡ ዝምሽምሽ ነድሪ ኣቝሳል ውሑድ ስለ ዘይኰነ ብጥዕና ሃብታም ንምዃን ዝኣክል ዘይምሽፋኑ ይሓይሽ። ሓቢእካ ሓባቢቢእካ ዝኸውን የሎን። ጠንቅታት ዘይመተኣማመኒየይ ብዝሖም መለክዒ ቁጽሪ የብሉን። ንነብሰይ ይፈልጣ ዲየ ኣይፈልጣን ድማ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ እዩ። ነዛ ነብሰይ፣ ዘየሎ ሕብሪ መንነት ቀቢአ ከየቕርባ እሞ፣ ንሰባት ከየጋግዮም ምሒር ተሰኪፈ። ብናይ ጃህራ ደብዳብ ዓቕሎም እንተ ኣጽቢበሎም ጽባሕ ከይክዕቡኒ ስቡሕ ስግኣት ኣሎኒ። ‘ሰብ ግብሩ ወይ ቃላቱ እዮም መንነቱ።’ ዝብል ኣበሃህላ ስለ ዘሎ፣ ምስቶም ብቃላተይ ወይ ግብረይ ንነብሰይ ዝፈልጥዋ ከይገራጮ ፈሪሐ። ከትከት ዘብል ቀዝሒ ፍርሒ ናብ ኣዕጽምተይ ዘሪቑ ናብ በረድ ተቐዪሩ። ንነብሰይ ንሳቶም እንተ ዝገልጽዋ ዶኾን ምሓሸ? ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ከየግድዑኒ ሰገጥ ኢለ። ግድን ብዛዕባ እዛ ነብሰይ ገለ ክብል ስለ ዘሎኒ ግን ነዞም ስክፍታታት እዚኣቶም ከወንዝፎም መሪጸ ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ፣ ‘ንኹለንትናይ ኣነጺሩ ከርእየኒ ይኽእል እዩ’ ዝበልክዎ መስትያት ኣቐሚጠ፣ ንነብሰይ ክዕዘባ ጀሚረ ኣለኹ። ኣብ መስትያት ምስ ዘሎ ምስለይ ተፋጢጠ ክዘራረብ ፈለማየይ እዩ። ውጽኢታውነቱ ከመይ ክኸውን እዩ ኣቐዲመ ገምጋም ኣይክህበሉን እየ። ባህገይ፣ ነቲ ኩሉ ዝርእዮ ቅርጺ ኣካላተይ ላዕሊ ላዕሊ ንኸርእየኒ ኣይኰነን። ካብ ግዳማዊ ትርኢተይ ሓሊፉ፣ ነቲ ክዳን ዝሸፈኖ ሕፍረተይ ኣጕሊሑ ንኸርእየኒ ውን ኣይመረጽክዎን። ዕብራንን ህጥራንን መንፈሰይ፣ ጥልቀት ሓሳባተይ፣ እምነተይን ክሕደተይን፣ ፍርሐይን ድፍረተይን፣ ስግኣተይን ርግኣተይን፣ ብቀይን ልግሰይን፣ ለውሃተይን ጭካነይን፣ ድምቀተይን ህሰተይን፣ ትምኒተይን ትጽቢተይን፣ ተስፋይን ሃንቀውታይን፣ ሓይለይን ድኽመተይን ኣድሚቑ፣ ኣዕኑድ መንነተይ ከርእየኒ እዩ ትጽቢተይ። ውዱን ቅርጺ መንነት ግዲ ዘይጸንሓኒ ኰይኑ፣ ደፊረ ንክዛረብ ትብዓት ዝጐደለኒ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ልምሰት ትብዓተይ ካበይ ከም ዝምንጩ፣ ካብቲ ተሓቢኡዎ ዝነበረ በዓቲ ወጺኡ ዝጋለጽ ዘሎ ይመስል። እዚ ሕቶ እዚ እንተ ዘይቀርበለይ ነዚ ዕርቃን እዚ ከለልዮ ኣይምኽኣልኩን። በቲ ልሙድ ኣበሃህላ፣ ‘ምስ ነብሱ ዝዛረብ ጽሉል እዩ’ ስለ ዝበሃል፣ ተጸሊለ ከይህሉ እጠራጠር። ባህሪ ናይቲ ዘዕበየኒ ሕብረተ ሰብ ቀይድታት ዝበዝሖ ከም ዝዀነ ኣይዘንጋዕኩን። ሕጂ ውን ካብ ጽላሎቱ ገና ኣየምለጥኩን። ንውልቃዊ ናጽነተይ ብምልኣት ተጋሲስዎ እዩ ኢለ ክድምድም እደፍር። ፈትዩ ዲዩ ከይፈተወ፣ ሕብረተ ሰብ ኣብ ልዕለይ ብዝፈጸሞ ዓመጽ፣ ነቲ ዝዓበኹሉ ኣከባቢ መሲለ ንኽኸይድ ተገዲደ ከም ዘለኹ፣ ኣብዚ ኣብ ቅድመይ ዘሎ መስትያት አንብብ ኣለኹ። ‘ንስኻ መን ኢኻ? ካበይ መጺእካ? ናበይ ኣንፈትካ? እንታይ ኣበርክቶኻ? መራሒ ዲኻ ተመራሒ? ሃናጺ ወላ ኣዕናዊ?’ ተባሂለ ተሓቲተ ደፊረ ከም ዘይምልስ ጌሩኒ። ውጹእ ዕርቃነይ ይኹን ግርማ ኣነነተይ ንኸየንጸባርቕ ከም ጀሆ ሒዙኒ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ክቕጽል ዲዩ ከኽትም ኣብ ሓይለይ ከም ዝምርኰስ እናተረዳኣኒ ይኸይድ ኣሎ። እንታይ ኰይነ ኢደይ ከም ዝሃብኩ ኣይፈልጥን። ‘ቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ’ እናበልኩ የመኻኒ ምህላወይ ኣይክሕዶን እየ። ‘ኣብ ደመይ ሰረት ስለ ዘንበረዶ ይኸውን?’ ኢለ ንሕልናይ ዘቕረብኩሉ ሕቶ፣ ቅቡል ኰይኑ ኣይተረኽበን። ባእሰይ ምስቲ ሓቚፉኒ ዘሎ ባህሊ እዩ። ሓይለይዶ ሓይሊ ባህሊ ይትርንዕ ከየለለኽዎ ምጽንሐይ ግዜኡ ሓልዩ ተጋሂዱ ዘሎ ይመስል። ሓይሊ ጸላኢኻ ምፍላጥ ንዓወትካ ወሳኒ ኰይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ባህሊ ንከኽብር ድየ ብባህሊ ንክኸብር እየ ተፈጢረ? ምርዳእ ኣብዩኒ። ሰብ ዲዩ ንባህሊ ዝፈጥሮ ወይስ ባህሊ እዩ ንሰብ ዝፈጥሮ? ተሓዋዊሱኒ። ክንፍታት ድሌተይ ዘርጊሐ ክበርር እንተ መረጽኩ መን ይኽልክለኒ! ነጻ ኣተሓሳስባ እዩ ንነጻ ዓለም ዝፈጥር ኢለ እንተ ኣወጅኩ መን ይቃወመኒ!? ባህሊ ቀቲለ ባህሊ ክፈጥር እየ እንተ በልኩስ መን ክዓግተኒ ዲዩ! ብርሃነይ ክመርሕ እናኸኣለ ንድምቀት ብርሃነይ ኣብ ዘጓድል ባህላዊ ጽላሎት ንምንታይ አስክእ? ምስ ነብሰይ ከላልየኒ ዝኽእል ሕቶ ክቐርበለይ ምኽኣሉ ድራር ደስታ ጌሩኒ ኣሎ። ሓደ ስጒምቲ ንቕድሚት ወይ ንድሕሪት ኪጐዓዝ ክኽእል እየ። ተዘኪራ ንዘይትፈልጥ ነብሰይ ግዜ ሂበ ንከዋግዓ ዕድል ረኺበ። ብዛዕባ ተዛሪበሉ ዘይፈልጥ ንኽዛረብ ስለ ዘኽኣለኒ ባህታ ከም ሓሽሽ ገዚኡኒ ኣሎ ኢለ እየ ዝድምድም። እዚ ሕቶ እዚ ዓቕመይ ንኽፍትሽ ድፍኢት ክገብረለይ ጀሚሩ ኣሎ። ኪኖ ኣካላዊ ቅጺ ንዘሎ ረቂቕነት ነብሰይ፣ ንጐድና፣ ዕምቈታን ስፍሓታን ክድህስሳ እየ። ብውሕዱ፣ ስብሒ ሕልመይን ዕብራን ጋህደይን ክፈላልዮም ክኽእል ምዃነይ ክፈልጥ ተቓሪበ ኣለኹ። ብዛዕባ ነብሰይ ብትብዓት ክዛረብ ትብዓት ክሰንቕ ጀሚረ እየ ክብል እደፍር። ከመይሲ፣ ኣብዚ ህሞት እዚ፣ ውሽጣውን ግዳማውን ግርጭታተይ ፍታሕ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል መድረኽ ዘደይበኒ መሳልል ዝሓዝኩ እመስለኒ ኣሎ። ለካ መንነተይ ከይፈለጥኩ እየ ደርገፍገፍ ክብል ጸኒሐ! ከም ኩሉ ዘርኢ ኣዳም፣ ኣፈጣጥራይ ካብ ውጽኢት ጾታዊ ዝምድና ወለደይ እዩ ዝጅምር። ንዓለም ብሓሙሽተ ህዋሳተይ ክህውሳ ካብ ዝጅምር ሰላሳ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ንመላእ ስርዓተ ኣካላተይ ብሓፈሻ፣ ብዝያዳ ከኣ፣ ነቲ ምስ ብርሃን ዝቃዶ ዓይኒ፣ምስ ድምጺ ዝዋሰብ እዝኒ፣ ምስ ሽታ ዝረዳዳእ ኣፍንጫ፣ ምስ መቐረት እተዋግዕ መልሓስ፣ምስ ዳህሳስ ዝመሓዞ ቈርበት ዝፈጠረ ኣድኒቕ ኣይጸግቦን። ካብዘን ዳሕረዎት ዓሰርተ ዓመታት ናይ ሂወተይ ጀሚረ ብውህደት ናይዞም ሓሙሽተ ህዋሳት ሓደ ሻዱሻይ ህዋስ ከቕውም ኣብ ገድሊ ዘለኹ እየ። እንተ ዘይጽሒፈ ጽቡቕ ከም ዘይስመዓኒ’ምበር ንምንታይ እጽሕፍ ክሳዕ ሎሚ ዝዀነ ይዅን ኣምር የብለይን። እቲ ኣብ ውሽጠይ ምስ ነብሰይ ዘካይዶ ወግዒ ዝጠቅም እንተ ዀነስ ብምባልዶ ይኸውን ዝጽሕፍ? ኣነ ኣብ ዓንኬል ጌጋ ዘኹድድ ዘለኹ እየ እሞ ከማይ ኣብ ዓንኬል ጌጋ ከይተኹድዱስ ተመኩሮይ መለበሚ ክኾነኩም ይኽእል እዩ ንምባልዶ ይኸውን ዝጽሕፍ? መምርሒ ሂወትኩም ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ንምስግዳድ ዶኾን ይኸውን ዝጽሕፍ? ከሕጉስ ወይ ከጉሂ ኢለ ደኾን እጽሕፍ እኸውን? ንምንታይ ከም ዝጽሕፍ ክሳብ ዘይፈለጥኩ መልሲ ዘይርከበሎም ክመጹ ዝኽእሉ ሕቶታት መዕገቲ የብሎምን። ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ንጥፈታተይ፣ ራኢ ሃልዩኒ ብመምርሒ ተጓዒዘ ኣይፈልጥን እንተ ኢለ መግለጺ ቅንዕናይ እዩ። ስለምንታይ ከም ዝጽሕፍ ኩሉ ግዜ ኣይፈልጥን እየ። ኣበየናይ ወቕቲ ክጽሕፍ ኢለ ተበጊሰዶ እፈልጥ እየ! ከም ሓረስታይ ዓድና፣ ዝጸግኣሉ፣ ዝኣይመሉ ወይ ዝዘርኣሉ ፍሉጥ ወቕቲ ከም ዘይብለይ እንተ ሓበርኩ ተቐባሊ ክረክብ እዩ ዘሎኒ። ክጽሕፍ ኢለ ኣብ ዝተበገስኩሉ ሰሊጡኒ ኣይፈልጥን እዩ። ሸውሃት ጽሑፍ ልክት እዩ ዝብለኒ። ‘ኣይጽሕፍን እየ’ ኣብ ዝበልኩሉ ውን ኢደይን እግረይን ተጣሚሩ ሱቕ ኣይብለለይን። መደብ ዘይትሰርዓሉ ዝምባለ ምሓዘይ ብመደብ ከም ዘይጐዓዝ ጌሩኒ ኣሎ። ካብ መኣዲ ዕላል መዛኑ ብተደጋጋሚ ከንፍጸኒ እንከሎ ንብዙሓት ኣዀርየ እየ። ‘ንምንታይ እጽሕፍ ስለ ዘይርደኣኒ ክሳዕ ዝርደኣኒ ይጽንሓለይ’ እንተ ኢለ ነቲ ዝጽሕፎ ውን ‘ይጽንሓለይ’ ይብሎ ከይህሉ ፈሪሐ። ዕሽነተይ ንምግላጽ፣ ግርህነተይ ንምንጽብራቕ፣ ንጽህናይ ንምርኣይ፣ እምነተይ ንምስባኽ፣ ትብዓተይ ንምልላይ፣ ፈጠራይ ንምስራጽን ካልእን ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብዞም ኩሎም ንከምዚ ዕላማ እየ ዝጽሕፍ ክብል የሸግረኒ እዩ። ብወዝቢ እምበር ብመደብ ዝተላለኽዎ ዓውዲ ኣይኰነን። ‘ናይ ወዝቢ ኢኻ እሞ ኣይሕዘካን እየ’ ግን ኣይበልክዎን። ከም ነቢት እናመቀረኒ ምስ ከደ ንኩሉ ኣወንዚፈ ዝሓቘፍክዎ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ እዩ ኰይኑ። ተመስጦን ስሕበትን ኣብ ፍቕሪ ይኹን ፍቕሪ ሞያ ኩሉ ወዝቢ እንደኣሉ! ሂወት፣ ሓጻርን ዘይተመናዊትን ምዃና እዩ እምነተይ። ወላ ናይ ቋሕ-ሰም ደኣ ትዅን’ምበር፣ ንሕሉፍ ብዝኽሪ፣ ንህሉው ብቀሓር፣ ንመጻኢ ድማ ብድርዳር ተስፋ ተጀኒነ ዝነብሮ ዘለኹ ሓላፍ መገዲ ምዃነይ ኣይሰሓትክዎን። ‘ተመኩሮይ ከካፍል እየ ዝጽሕፍ’ እንተ ደኣ ኢለ ዝጋነን ተመኩሮ የብለይን። እተን ኣለዋኒ ዝብለን ምስ ጸንቀቕክወንከ ካበይ ኣምጺአ እየ ክጽሕፍ? ኣብዚ ዓለም እዚ ነዛ ማይ ክሰቲ ኣዕሪፈ ከም ዘለኹ ኣይክሕዶን እየ። ሓላፍ መገዲ ንእግረ መገዱ እናኣከበን እናዘረወን እዩ ዝኸይድ። ‘ካብቶም ኣብ መገደይ ዝጓነፉኒ ዝልክሞ ሸዊት ሓሳባት ናብቶም ኣብ ቅድመይ ዝጸንሑኒ ዘበጻጽሕ መልእኽተኛ እየ’ ክብል እደፍር። ኩሉ መልእኽተኛ መልእኽቱ ብንጹር ዘመሓላልፈሉ ጥበብ የድልዮ። ደረት ዕምቆት ጥበበይ ንተሰማዕነተይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኣዳዕዲዐ እግንዘቦ እየ። ሽያኽ ጥበብን ውቅያኖስ ጥበብን ብሓደ መለክዒ ኣይረኣዩን እዮም በሃላይ እየ። ቀላይ ጥበብን ባሕሪ ጥበብን ውን ከምኡ። ኣብ ሽያኽ ጥበብ እንከለኹ ኣብ ውቅያኖስ ጥበብ ኣለኹ እንተ በልኩ መን ክኣምነኒ ይኽእል!? ዓቕመይን ዘይዓቕመይን ጾር ኣልዒለ፣ ቃንዛይን ዘይቃንዛይ ካብ ዘቐንዝወኒ ነዊሕ ኰይኑ። እቲ ዝጠመየ ስጋን እቲ ዝዓረቐ መንፈስን ሕብረተ-ሰብ ይዘራረዩለይ ኣለዉ። ጅማት ስጋ ሕብረተ-ሰብ ገለ ከይኣበስኩ እናገረፈኒ፣ ረዳኢ ንምርካብ ኣየልቀስኩን። ንቋንቋ መልቀስ ዓድና ክመልኮ ኢለ ዘካየድክዎ ፈተነ ዛጊት ኣይተዓወተን። ብከላ መንፈስ ሕብረተ-ሰብ ቃሬት ቃሬት እናሸተተኒ ከም ጥሽ እወብኦ ኣለኹ። ምስ ወረደኒ ግን ንኹሉ እኽእሎ እየ። ፈውሲ ክደልየሉ፣ ሓድሽ መገዲ ንምርካብ፣ ሓድሽ ሂወት ኣብ ሓድሽ ዓለም ንምፍጣር፣ ሓድሽ ሓሳብ ክጅልብ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ጥሒለ እየ ዝሳግም ዘለኹ። ምስቲ ክዳንስ ይትረፍ ሰኣን ድራር እለት ክዳን ኣዕጽምቱ ዝኸውን ስጋ ዝሰኣነ ጸማልያ፣ ምስቲ በብዓይነቱ መግቢ ኣማሪጹ ናብ ከብዱ ክውትፍ እናወዓለ፣ ኣዕጽምቱ ዘይጸሮ፣ ቀጸላ ኣብ ልዕሊ ቀጸላ ስጋ ዝደርደረ ከራሽ፣ ምስቲ ተመስገን ዝረሓቖን ተመስገን ማህሌቱን፣ ምስቲ መኣዲ ሕልምታቱ ዝተመንጠለን ዘይመኣዲ ሕልምታቱ ዝመንጠለን፣ ምስ ኩሉ ኣባል ሕብረተ-ሰብ ኣብ ባሕሪ ሕብረተ-ሰብ እነብር ኣለኹ። ካብቶም ከራሻት ወይ ውን ካብቶም ጸማልያታት ኣይኰንኩን። ካብቶም መኣዲ ሕልምታቶም ዝተመንጠሉ ከይኰንኩ ኣይተርፍን እየ። መኣዲ ሕልምታቶም ዝመንዛዕክውም ውን ኣይክሰኣኑን እዮም። ዓለም ከምኡ እንደኣላ! ኣድሚዐ ዲየ ኣየድማዕኩን ብሕጂ እየ ክግምግሞ። “ዝረኣኹዎ ረኣዩ! ዝሰማዕኩዎ ስምዑ! ኣእዛንኩም ሃቡኒ! ሓዲሽ ወረ ኣሎኒ! ብርሃን ሓድሽ ዓለም ተኸሲቱለይ ኣሎ! ንሂወት ዘመቅር ጥበብ ኣሎኒ! ዕግበት ኣብ መኣዲ ጥበብ እዩ ዘሎ! ሃየ ሸዊት ጥበብ ተቛደሱ!” እናበልኩ፣ ድምጸይ ከስምዕ ክውጭጭ ካብ ዝጅምር ግን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ግዳ ዝስማዕ ትሕዞ ኣሎኒዶ ይኸውን? ብባዶነተይ ንባዶነት ክመልእ ኣብ ፈንጠዝያ አኹድድ ከይህሉ እጠራጠር። ከምቲ ሓደ ዓቢ ኤርትራዊ ደራሲ፣ “እቶም ዘይብሎም እዮም ክህቡ ዝኽእሉ መሲሉዎም ዘይተሓዝ ድምጽታት ዘስምዑ ዘለዉ፣” 1 ዝበሎ፣ ካብቶም ዘይብሎም ከይከውን እሰግእ። ብዘይቀልዓለም ካብ ዘይብልካ ከም ዘይወሃብ ክፈልጥ በቒዐ ኣለኹ። ዛጊት፣ ዘይብለይ እንተ ዀይነ ንክህልወኒ ኣብ ቃልሲ ምህላወይ ብምትእምማን ዝዛረበሉ እዩ። ብሕጊ ዘይግዛእ ዓለም ወኒነ፣ ነቲ ብድልየት ጥራሕ ዝጀመርክዎ ዓውደ ግጥሚ ገና ካብ ላህመቱ ሓሊፈ ኣብ ምድሪ ቤት ዕምቆቱ ከይዓለብኩ ‘ገጣሚ’ ተባሂለ ይጥቀስ እየ። ክብሪ ነቶም ኣብ ታተ እንከለኹ ክንዲ ኣድማስ ዝኣክል ሞያዊ ስም ዘጠመቑኒ ይኹን! ንዕጹው ሸውሃት ምስትምቓሮም ክጥብር ብምኽኣለይ እዮም ዝዀኑ። ብዓቢኡ፣ ‘ኣብ ዓዲ ዕዉራት በዓል ሓደ ዓይኒ ስለ ዝነግስ እዩ’ እየ ዝብል። ብልክዕ ገጣሚ ዲየ ኣይኰንኩን ንግዚኡ ሸፈፍ ኢለ ክሓልፎ እየ። ገጣሚ ከመይ ዝበለ ሞያዊ እዩ? እንታይ ከማልእ ወይ ከጉድል ከም ዘለዎ እንተ ዝፈልጥ ንኣይ ምሓሸኒ። ምሓገዘኒ ማለት’ምበር፣ ስምዒትን ረቂቕ ትዕዝብቲን ምስ ውሕልነት ኣገላልጻ ተደማሚሮም፣ ጽባቐ ፈጢሮም ንሰባት ከም ዝምስጡ ዝውንኖ ርድኢት እዩ። ‘ሓያል ተዓዛባይዶ ይኸውን? ውሕልነት ኣገላልጻኸ ይህልወኒዶ? ነቲ ክብሎ ዝደለኹ ብኸመይ ኢለዮ ወይ እብሎ? ንነብሰይ ክጥብር ዲየ ዝጽሕፍ ዘለኹ ወይስ ንካልኦት? ጽሑፋተይ እዓግበሎምዶ ኣይዓግበሎምን? ነቲ ዝሓስቦ ብግቡእ ኢለዮዶ ኣይበልክዎን? ግጥሚ፣ ምስራዕ ቃላት ዲዩ ሃብቲ ሓሳብ? …’ እናበልኩ ንውሕጅ ሕቶታት መልሲ ክረኽበሉ ወትሩ ኣብ ቃልሲ ምስ ተጸመድኩ እየ። ክኢላታት ስነ-ሕጊ፣ ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ነጻ ከም ዘይገብር እዮም ዝዛረቡ። ኣብ ስነ-ጥበብ ውን ክሳዕ ሕጂ ደኣ ኣይፈለጥክዎን ዘለኹ’ምበር ሕጊ ኣሎ ይበሃል። ነቲ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ሕጊ ከተኽብር እንተ ዘይክኢልካ መፍቶ ሃየስቲ ከም ትኸውን ምስ ሰማዕኩ ከይተገረምኩ ኣይተረፍኩን። ንግጥሚ ዘቝሙ ባእታታት ከም ዘለዉ ምስ ተነግረኒ እሞ ምግራመይ ሰንቀ ሰማይ እዩ ተንኪፉ። ብወገነይ፣ ካብ ተዛማዲ ሓቂ ደኣ እሃድም ከይህሉ’ምበር፣ (ኣብ ህላወን ተጨባጥነትን ፍጹም ሓቂ ዕቃበታት ስለ ዘሎኒ እየ። ፍጹም ሓቂ ዝበሃል ውን የሎን ክብል እደፍር።) ሕጊ ምፍላጥ ሕጊ ንኸይትፈጥር ስለ ዝዕንቅጽ ዘይምፍላጡ ከም ኣማራጺ እየ ዝወስዶ። እዞም ኣለዉ ዝበሃሉ ባእታታት ግጥሚ ኣብቶም ዝጽሕፎም ማለት ዝሓናጥጦም ግጥምታት ጐፍ ምስ በሉኒ፣ ካበይ ከም ዘምጻእኩዎም ኣይፈለጥኩን። ድርሰት ዲዩ ዝቕድም ሕጊ ድርሰት ምንጻር ኣብዩኒ። ዝቐደመ ይቐድም፣ ኣብ ፈጠራዊ ሰውራ፣ ብሕጊን ቀይድታትን ዘይግዛእ ዓለም ክውንን ምኽኣል፣ ከም ምርግጋጽ ምሉእ ናጽነተይ አምልኾ። ሕግን ሕጋጋትን ዝበዝሖ ዓለም ክርሕቀለይ እየ ዝደሊ። ሕጊ ከም ባህሊ ኣብ ደመይ እንተ ሰሪጹ፣ ካብቲ ዓቃባዊ ባህሊ ብምንታይ ክፍለ ይኽእል? ኣብቲ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ሕግታት ስነ-ጥበብ ዘለዉ ዓንቀጻትከ ብመን ዝተነድፉ እዮም? መን ከም ዘጽደቖምን ኣብ ግብሪ ከም ዘውዓሎምንከ ዝፍለጥ ኣሎዶ? ንተቓዋሚ ባህረይ ከርትዕ ዘይኰንኩ፣ ደቂ ሰብ ንፈጠራ ሓደ ደራሲ ንደጋግም ከይንህሉ ምሉእ ስግኣት ኣሎኒ። ስምዒተይ ንምግላጽ ቀይዲ ክህልወኒ ኣይደልን እየ። ቀይዲ ክሳብ ክንደይ ሃስያ ከም ዘለዎ ነቲ ካብ ድሌታቱ ብሰንኪ ቀይዲ ዝኹለፍ ሰጋር ፈረስ ሓቲትካ ምፍላጡ ኣኻሊ እዩ። ከም ቅዩድ ሰጋር ክኸውን ምርጫይ ኣይኰነን። ነቲ ዝርእዮ ዘለኹ ንሰባት ከርኢ ቀምታ ርሒቑኒ ኣብ ህዋ ፈጠራ ከም ቢተይ ክዕንድር እዩ ባህገይ። ቋንቋ ፈጠራይ መን ክርደኦ ይኽእል ኣይፈልጥን እየ። ‘ውሻጠና ብብርሃን ውሽጥና ንምለኣዮ! ንርጉእ ዶሮና ድንቁርና ብትንፋስ ፍልጠትና ንበትኖ! ናብ እምባ ፈጠራ ንደይብ! ምስ ከዋኽብቲ ሰማይ ቃል ኪዳን ንእሰር! ካብ በዓቲ ባህሊ ንውጻእ፣ ኣብ ሜዳ ሓርነት ንጨድር! ኣብ ጽፍሒ ውቅያኖስ ጓይላ ተኺልና ንሳዕስዕ! ንመትኒታትና ብቅኒት ሰብኣውነት ነቓንዮ፣ ብድምጺ ፍቕሪ ንኣድማስ ንምለኣዮ!’ ኣብ ዝብለሉ ወቕቲ፣ ዓቢዱ እየ ዝበሃል። ካብ ዕብዳነይ ንኽገላገል ክንደይ ክልተ-ሳብዕቲ ኣብ ማይ-ጸሎታት ዓድና ዘይተኣዘዘለይ! ፍቓድ ባህላውያን ሓካይም ዓድና ክፍጽም ኣነ ውን ክንደይ ግዜ ዘይተሓጸብኩ! ጥዕናይ ተመሓይሹዶ ኣንቈንልቊሉ? ከምቲ ዝሓሰብዎ ኰይነሎምዶ ኣይኰንኩሎምን? ንሳቶም ጥራይ እዮም ዝፈልጡ። ሓደ ክሕባእ ዘይክእል ተዛማዲ ሓቂ ግን ኣሎ። ማይ-ጸሎታት ዓድና እናተበራረዩ ንርስሓት ቆርበተይ ከም ዘንጽሁዎ ባዕለይ እምስክር እየ። ዕብዳን ይኹን ጽላለ ግን ፍጹም የብለይን። ናብራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግርጭት ዝተሰበነ እዩ። ካብዚ ተሰቢነዮ ዘለኹ ግርጭት እዚ ክወጽእ ዲየ ኣይወጽእን ዝፈልጦ ይብለይን። ወዝቢ ብዝወድቆን ዝወድቀንን ግርጭታት ተገዚአ እየ ዝነብር ዘለኹ። ይኹን’ምበር፣ ግርጭት ክፈጥር ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ። መኣስከ ከርክበሉ? ኣብ ሂወተይ ዘሎ ግርጭት ይኣኽለኒ እዩ በሃላይ እየ። እቲ ብፈጠራይ ዘይኰነ ብባህሪ፣ ኣብ ከባቢየይ ምስ ዘለዉ ፍጡራት ዘካይዶ ቁርቍስ ውን ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢ ግርጭት እዩ። ሰባት፣ ናብቲ ዝርእዮ ግን ከኣ ዘይርእይዎ ከማእዝኖም ኣብ ዝፍትነሉ ዕንይንይ እዮም ዘብዝሑ። ነቲ ዝርእይዎን ዝነብርዎን ደጊመ ከርእዮም እንከለኹ ግን ብባህታ ይሰራሰሩ። ኣነ ከኣ ብኣንጻሩ ዶብ ኣብ ዝሰገረ ሕሱም ጓሂ እልሎ። በዝን ወዲ ከምዝን ምስ ሰባት ምርድዳእ ካብ ዝስእን ኣይወሓደን። ግርጭተይ፣ ምስ ሰባት፣ ካብኡ ሓሊፉ ውን ምስ ነብሰይ እናዓበየ ካብ ዝመጽእ ማዕረ እቲ ሕማም ጥበብ ዝሓመምኩሉ እዋን ኰይኑ ኣሎ። ካብ ብመደብ ዝተላለኹዎም ሰባት ብመደብ ዝተላለኹዎም ገጸ ባህርያት ይበዝሑ። ትዕዝብቲ እዩ መኻይድተይ። ብወዝቢ ዝተላለኹዎም ውን ነቲ ኣሃዝ ኣህጢሮሞ እዮም። እቶም ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ዘጥረኹዎም ደማሚርካ ምዃኖም እዩ። ካብ ሃዲአ ዘዋገዖም ሰባት ውን ሃዲአ ዘዋገዖም ገጸ ባህርያት ይበዝሑ። ካብ ንመልክዕ ሰባት ንመልክዕ ገጸ ባህርያተይ ዝያዳ እዝክር። ኣብ ኣስማት ውን ከምኡ። ምስ ሰባት እንከለኹ ሃጽ ኢለ ናብ ገጸ ባህርያት ኣቢለ ብዙሕ እዋናት እየ ዝኹብልል። ንጽህና ናይቶም ዝፈልጦም ገጸ ባህርያት እዩ ካብ ተንኮል ሰባት ከም ዝሃድም ዝገብረኒ። ብፍላይ ናይ ሕሜት መኣዲ እንተ ደኣ ተቐሪቡ ሓንቲ ወስታ ከየልዓልኩሉ ናብቲ ዘይተርፍ መገሻይ እምርሽ። እዚ ሓደ ካብቲ ከይፈተኹ ዝኣተኹዎን ዝነብሮ ዘለኹን ግርጭት ምዃኑ እዩ። መን እዩ በደለኛ ንፈራዲ ክገድፈሉ። ዝተባህለ ይበሃል፣ ኣነ ንኰነ ተገብረ ዘንጸባርቕ መስትያት ክኸውን ምርጫይ ኣይኰነን። ንመዓልታዊ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ከንጸባርቕ ኣይሕልንን እየ። ኣብ ጥበበይ ዋዛን ቃንዛን ኣራርየ ከስሕቕ ወይ ከብኪ ምስ ዝዕጠቕ ‘ዓይኒ ፈጠራ ይተዓጸወኒ፣ ብርኪ ጥበብ ውን ይጥለመኒ’ ኢለ እየ ዝምሕል። ሰሓቒ ባህሪ የብለይን። እቶም ከም መስሓቒ ተባሂሎም ዝመጹ ቅንጥብጣብ ጥማዕ ዕላላት፣ ዝዃሕኩሑ እንተ ዃሕኩሑ ንልዳት ኣስናነይ ኣይከፍትዎን እዮም። ሰሓቐይን ዕላለይን ምስ ኣድማስ እዩ። ዓቕሚ ፈጠራይ እንተ ዘይደሪቱኒ ካብ እሾክ ሓሸውየ ወጺኦም ኣብ ለሰታት ዓለመይ ኣዒሞም ዝነብሩ ፍጡራት ክርኢ ወርትግ እብህግ። ባህገይ ክዉን ንምግባር እየ’ምበኣር ኣብ ግርጭት ተጸሚደ ዝነብር ዘለኹ። ሓንቲ ወይዘሪት ንሳ ከተጽንዖ ብእትደሊ ጉዳይ ‘ንነብስኻ ተፍቅራዶ?’ ክትብል ተወኪሳትኒስ ምስ ነብሰይ ኣገራጭያትኒ። ሕቶኣ ሃንደበት ከይኰነኒ ኣይተረፈን። ከመይ ዝሕብሩ መልሲ ካባይ ትጽበ ከም ዝነብረት ንሳ ጥራሕ እያ ትፈልጦ። ነቲ ኣብ ልባ ዘሎ መልሲ ኵዒተ ክረኽቦ እንተ ዝኽእል ልዕሊ ዕደና ኣልማዝ ምረኣኹዎ። እቲ ሕቶ ንምንታይ ተሓቲተዮ? ዕላምኡ እንታይ እዩ? ወላ ክጥርጥር ውን ኣይክእልን። እቲ ንነብሱ ዘየፍቅር ንኻልኦት ከፍቅር ከም ዘይክእል ዝወሃብ መደምደምታ ኣሎ። እዚ ኣባሃህላ እዚ ክሳብ ክንደይ ናብ ደረት ተዛማዲ ሓቂ ይቐርብ ወይ ይርሕቕ ክግምት ኣይክእልን እየ እንተበልኩ መልሰይ ዓቕሚ ነብሰይ እዩ። እንተ ኣነ ንነብሰይ አፍቅራ’ምበር ኣይፈትዋን እየ። ረብሓ ዘየስደዖ ፈቃር ልቢ እየ ዝውንን። ‘ንነብሶም ዘይፈትዉ ንፍቕሪ ዘይተዓደሉ እዮም’ በሃልቲ ኣብ ፊተይ እናተገተሩ ምስ ረበሹኒ ኣላጊሰ ክሓልፎም ኣይመርጽን። ንነብሰይ ከም ዘፍቅራ’ምበር ከም ዘይፈትዋ አረጋግጸሎም። በጃ ካልኦት ክትሓልፍ ድሉው ክትከውን እንተ ዘይክኢልካ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ፍቕሪ? ፈታዊ ነብሱ ደኣ ከመይ ኣቢሉ ከፍቅር!? ከመይ ኣቢሉኸ በጃ ካልኦት ክሓልፍ? ኣብ መንጎ ነብሰ-ፍትወትን ነብሰ-ፍቕርን ዘሎ ረቂቕ ፍልልይ ካብ ዘይምርዳእ ዶኾን ይዀኑ? ብወገነይ፣ ነብሰ-ፍትወት ግዝኣት ረሳሕ ሕልና ክኸውን እንከሎ፣ ነብሰ-ፍቕሪ ግን ከም ዓይኒ ሰብኣውነት እየ ዝገልጾ ። ኣብ ነብሰ-ፍቕሪ ስለ ዝነብር እየ እቲ ዘሎኒ ፍቕሪ ከም ህያብ ንኩሎም ፍጡራት ዝምነየሎም። ኣብ ፍልስፍና ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ክትህብ ድሉው ምዃን እቲ ቀዳማይ ክማላእ ዘለዎ ቅጥዒ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ፍቕረይ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ከኣ እየ ዝዘርእ። እዛ ኣብ ቅድመይ ዘላ መስትያት ካብ ተርእየኒ ዘላ መንነተይ ብኸፊል እዚ እዩ። ‘ነቲ ዝተረፈ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክድሕደሖ እየ’ እንተ በልኩ ‘ክትሃድም ደሊኻ’ ዘየብለኒ ኣይኰነን። ካብ ሎሚ ንደሓር ‘ከይበሃል’ ክብል ዝኸፍሎ ዋጋ የልቦን። ካብ ጸላም ፍርሒ መንነት ተገላጊለ ኣብ ብርሃን ነብሰይ ዕቝባ ምስ ሓተትኩ፣ ንስመይ ትርጕም ረኺበሉ ኣለኹ። ንሕጂ ምስዚ ሕቶ እዚ ከካይዶ ዝጸናሕኩ ቅልስ ዝተሓወሶ ግርጭት ፍታሕ ምእንቲ ክረክብ (ፍታሕ ረኺቡዶ ኣይረኸበን ባዕሉ ይፈልጥ)፣ ኣብዚ መደምደምታ ክገብረሉ እየ።