ኣብ ቀብርኹም ውዒለ
ኣማዕድየ ናርኣኹ
ናብ’ቲ ትቕበሩሉ ቦታ
ብድሕረይ ፍሰት ንብዓት ሰሚዐ
ዘለዎ መንጫዕጫዕታ።
ስርቕ ኣቢለ
ግልጽ ተበልኩ
ኣዴኻ ርእየየን ኣደ ሓደ
በቃ ሓደ
ትኩር’ለ ርእየየን
ንሰን ካባኻ ብምንታይ ይፍለያ᎒
ኣነጻጺረ
ብዝማሕምሐ ቆርበት ተጠሚረን
ጠጠው ስለዝበላ’ዩ
ፍልልይኩም ዝነበረ።
ሕሰም ባሕጒጉዎ
ናፍቖት ባሕጒጉዎ
ገጸን ዝዓጠረ
ለካ’ቲ ዝውሕዝ ዝነበረ
ንብዓተን መንጫዕጫዕታ ዝፈጠረ
ብእምባን ኩርባን ስለዝፈሰሰ ነበረ።
ነቲ ንብዓት ዝቋጸረ ጎዳጉዲ ገጸን
ጩራ ጸሓይ ምስ ሰንጠቖ
ርኣኹኻ ምስቲ ዘይቕምስል ሰሓቕካ
ብሸውዓቲኡ ሕብሪ
ደሚቕካ።
ሽዑ ኣነ’ውን ኣይከኣልኩን
ኣይከኣልኩን ደርጒሐዮ።
ለ
ጸኒሑ ብጸጋመይ
መሪር ናፍቖት ገንፈለ
ሽምኪ ናጸወዐት
ሓፍትኺ ንብዓት ከዓወት
ይልብልብ ዋዒኡ
ሃፈጽ ኣቢሉኒ
ናብኣ ግልጽ በልኩ
ብፊቕታ ተሰንያ ካልኣይ ጸውዐት
እቲ መሪር ፊቕታ ተዘይዓብሳ
ዝጸውዐት መስለኒ
ሳልሳይ ዝወሰኸት
ዋሕዚ ንብዓታ ርእየ
ብቑጽሪ ዘየለዉ ኣሕዋታ
ሰንቢደ
ሕጂውን ኣይክኣልኩን
ክዕየዮ ዝገደደ።
ሐ
ነቲ ንቐብርኹም ዝቁዝም ዝነበረ
ጥሩንባ ዓብሊሉ
መደራጒሕ ሰማዕኹ
ጸኒሑ ጠምቦላሕ ዝብል ድምጺ
ብገለ ኣቢሉ
የማነ ጸጋመይ ርእየ
ሰኣንኩዎ ኣሊሸ
ተደገመ
ተጸበኹ እዝነይ ጸልየ
ደገመ
መንእስ’ዩ ንውሽጢ ኺዕይዎ
እቲ መደራጒሕ ዝፈጠረ ንብዓቱ
ሽዑ
ሽዑ ኣነ’ውን ክገብር
ደልየ ከምናቱ
ውሽጠይ መሊኡ ብምስኣነይ ቦታ
ደርጓሕኩዎ ንደገ
ኣውሓዝኩዎ ንደገ
ኣጠልቀኹ ባይታ።
መ
እንተኾነ ስዉእ
ስለዝገበርኩዎ ልቓሕ በሰሮ
እምባ ወርቂ ንዝሃበ
ሓመድ ብዕትሮ
ማይ ኣንጢበ
ደሙ ንዘፍሰሰልይ
ድሕሪ ሓመድ ድበ
ደኒነ
ሰለይ ናበልኩ
ተመለስኩ
ነብሰይ ኮኒነ።
ሃይለ ቢዘን
ዕስራ ሰነ 1995 ጊንዳዕ
*ካብ መጽሓፍ ግጥሚ ብድሕሪ ማዕጾ