ደራሲ፡ ኣኸደር ኣሕመዲን
ቤት ማሕተም፡ ናለት
ዕለተ ሕትመት፡2014
መጽሓፍ “ተረፍ” ካብ ግዜ ቚልዕነት ክሳብ ግዜ ንእስነት ንዘሎ መቃን ዕድመ ብስፍሓት ብምውካእ፣ ከምኡ እውን ንትርጕም ህይወት ደቂ ሃገሩ ብጥበባዊ እለሻ ጽሓፊ እተርእየና መጽሓፍ ኢያ። ጥምር ኣቢልካ ክትርአ እንከላ፡ ኣብ ግዜ ቊልዕነቱ፡ ግዜ ትምህርቱ፡ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግለቱ፡ ግዜ ክተትን ኲናትን ከምኡ’ውን ድሕሪ ኲናት ንዝነበረ ኵነታትን ከምኡ እውን ኣብ ንቡር ህይወት እንከሎ ንድሕረ ታሪኽ ህይወት ብጹቱ ተረፍ ኵናትን ክድህስስ ፈቲኑ ኣሎ።
ንኣብነት ዛንታ “ተረፍ” ነታ ተረፍ ኩናት ውጻእ መዓት ዝኮነት ጐርዞ፡ ዝኣክል ምስሊ ብምሃብ፡ ምስሊ እቲ ኸባቢ ድማ፡ ብዝግባእ ብምንጽብራቕ፡ ኵናት ዝገደፎ በሰላ እና ኣርአየ፡ ድሕረ ባይታ ናቱ ድማ የሪአና። ነዲኡ ኪሎ ቡን ኢሉዋ ከም ዘይፈልጥ፡ እንታይ መሲሉን እንታይ ሒዙን ነዲኡ ንኽሪኣ ከም ዘጸግሞ ኣብ ፈለማ እቲ ዛንታ የተንብሃልና ኢዩ። ደራሲ ንቐንዲ ጠባይ ድሕረባይታኡ ብምምጻእ፡ ስድራቤታት ኤርትራ እንታይ ይመስላ፡ እቲ ኣብ ኣጐልግሎት ኣበየናይ ደረጃ ጸቕጢ ሓሳብ ከም ዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ብምንጻፍ፡ ናብቲ ዛንታ የምርሕ። ክንደይ ስድራታት ሕብረተ ሰቡ፡ ልክዕ ከም ኣደኡ ዘጋጠመን ዕጫ ኣለዋ? ከምታ ጐርዞ ተረፍ ኵናት ከ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሰማን ዝተዓንዳን ይህልዋ? ኢልካ ምስትንታን ይከኣል ኢዩ።
ካልእ ዛንታ ምብራቕ፡ ዛንታ ምብራቕ ዝያዳ ኣትኵሮ ሂቡ ዝሰርሓሉ ዝመስል ደራሲ፡ ነታ ምብራቕ ትብሃል ጐርዞ፡ ካብ ስደት ናብ ዓዳ ብምእታው፡ ነቲ ናፍቖት ናይ ምስዳድ ዘለዎ መንእሰይ ክትገትኦ ምፍታን ኢዩ። ኣብዚ ጻልጣ ዛንታ ዝመስለ፡ ተዛማድነት ናይ ስማን ካልእን ብምምጻእ ዝገብርዎ ክትዕ፡ ኣብ ኵሉ ክትብድሆ’ያ ትርአ። ነቲ ምሁር ዝበሃል ከኣ፡ ንኽወርስ ትደፋፍኦ። ኣይንስታይን ዝባሃል ኣብ ማእኸል ጫካታት ዝርከብ ስሕት ኢሉ ዝመጽኣ፡ ጾር ከም ዘለዎን ከውርስ ከም ዝብህግን፡ ንዕኡ ዘድልይዎ ሰባት ድማ ከምኡ ምሁራት ሰባት ምኳኖምን እናነገረቶ ትርአ፡ ንወጅሂ ገጹን ዘረባኡን ርእያ ግን፡ ምኳን ንስኻ ትሰርሕ ኣይትመስልን ኢኻ ኢላ ድማ ተስፋ ከምዘይ ብሉ በዓላ መደምደምታ ትህበሉ። በዚ ድማ እዛ ዛንታ፡ ነቲ ዘሎ ምስሊ መንእሰይ ብመንእሰይ እናተመከተ ተራኢ። ኣብታ ንእሽቶይ ዓዲ ሰንከት ክናብ ሕብረ ብዙሓን ሕብረተ ሰብ ከም ዝርከብዋ እውን ኣሪኡና እዩ። ስተል ከም ባህላዊት ሕክምና፡ ዓብዱ ከም ዶክተር ኮይኑ፡ ነቲ ባህላዊ ሕክምና ዝመራመር፡ ኣይኒስታይን ኣብቲ ርሑቕ በረኻታት ከም ዝርከብ። ምብራቕ ድማ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እናቐረበት እትመጽእ ጐርዞ ኢያ። እንዳ ከቢድ ብረት ኢላ ዝነገረቶ እውን፡ እቲ ካልእ ስእሊን ምስልን ዘርኢ ኢዩ። ዛንታ ምብራቕ ድልዱል መበቆላውነት ዝሓለወት፡ ትንፋስ ዘለዎም ጠባያትን ኢና ንዕዘብ።
“ዝፈለሰ ፍቕሪ” እውን፡ ራህዋ ድሕሪ መስዋእቲ ዓርካ መርዓ ይዅን ዕርክነት ከም ዝኣበየት ብኸፊል እተርእየና ዛንታ እያ። በሰላ ኵናት ዝፈጠሮ፡ ‘ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኾን ይዀና፡ መኒነን ጸሓየን ዘዕረባ ይህልዋ?’ ብምባል ናብ መሪር ሓሳብ እተጥሕል ዛንታ ኢያ።
መጽሓፍ ተረፍ፡ እንከተንብብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ነናቱ ጦብላሓታን ዝኽርን ዝገድፍ ዕዮ ዝሓቆፈት ኰይና፡ ኣስካላ ህይወት ናይ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ እና’ንጸባረኸት ተርኢ ኢያ። ነዛ መጽሓፍ ዝያዳ ተነባቢትን ተዘካሪትን ዘግብራ ድማ፡ ሓደ ደራሲ ብዝተፈላለየ ኣፈጻጽማ ቅዲታት ዛንታ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ኣካቲቱ ከቕርብ ምኽኣሉ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ብጥምዛዜኣዊ ዛንታ (twisted end) ወይ እውን ዘደንቕ ሃንደበታዊ ዛንታ (surprise ending)፡ ትልሚ ኣልቦ (plotless story)፡ ዜላኣዊ ተመኵሮ (initiational story)ን ካልኦትን ኢዮም። [ኣስተዕል፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኢኒሸሽናል ስቶሪ (ሌላኣዊ ዛንታ) እኳ እንተዘይ ኣጠቓለለት “መልሲ ጐደና” እትብል ዛንትኡ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ምውካስ ይከኣል።] ብ ቾኮቭያን ሞድ ዝፍለጥ ምስ መንፈሳዊን ስጋዊን ስምዒታትካ ብምዝራብ ዝዕየ ወይ ዝፍጠር ፈጠራዊ ዛንታ እውን ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቱ ኣሎ። ብሓፈሻ ነዛ መጽሓፍ እናኸተንብብ፡ ብዙሓት ካብ ልሉያት ደረስቲ ዓለምናንን ዛንታታቶምን ከተዘኻኽረካ ትኽእል።
ነዛ መጽሓፍ ንዅለን ዛንታታት ንክድህስሰን’ኳ እንተዘይ ክኣልኩ፡ ናብተን ዝያዳ ዝዓጀባኒ ክድህስስ ግን፡ ክፍትን እየ።
ዛንታ ተረፍ በቲ ዝውቱር ዘይጽቡይ ሃንደበታዊ ኣወዳድኣ ( Surprise ending) እናተባህለ ዝግለጽ ቅዲ፡ ዝተዓየት ዛንታ ትዅን እምበር፡ ሓንቲ ካብተን እኑናት ዕዮ ናይዛ መጽሓፍ ኢያ።
ትልሚ ዛንታ ተረፍ፡ ሓንቲ ጐርዞ፡ ብሰንኪ ደሕረዋይ ውግእ፡ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ትነብረሉ ዓዲ ብጸላኢ ስለ ዝተትሓዘ፡ ንሳን ኣደኣን ድማ፡ ኣብቲ ዓዲ ስለ ዝጸንሓ፡ ከም ዝተዓመጻ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዛንታ ድማ፡ ዘገርም ሓዘኔታዊ ፍጻመ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ዅሉ ዛንታን ፍጻመን፡ በቲ ቀንዲ ጠባይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ መንእሰይ እዩ ዝዝንቶ። እቲ መንእሰይ ምስ ኣሃድኡ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሩ፡ ነታ ጓል ወትሩ ጸሓይ ክትጽሎ ብማዕዶ ዪሪኣ ስለ ዝነበረ፡ ፍቕሪ ምስኣ ስለ ዝሓደሮ ድማ፡ ከም ዘፍቕራ ክገልጸላ እሞ፡ እንተሰለጦ ከኣ፡ ነታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዘላ ወላዲቱ፡ ካልኣይቲ እንተዀነታ ብምባል ባህጊ ናይ ምውናን ኣሕዲሩስ ክሓታ ምስ ከደ ግን፡ ዘይከምቲ ዝበሃጋ ዘይኰነትስ፡ ተዓኒዳን ፍጹም ዘይትዛተብን ዕብስቲ ኰይና እያ ትጸንሖ።
ዋና ጠባይ፡ ካብቲ ኲናት ካብ መስዋእቲ ድሒኑ ብምውጽኡ፡ ነታ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለያ ወላዲቱ፡ እንታይ መሲሉን ሒዙን ከም ዝኸዳ ዝሓርበቶ እንክመስል ኣብሓሳብ ጥሒሉ እንከሎ’ዩ እቲ ዛንታ ዝፍልም። (ጥቕሲ ክጥቀም)
“እቲ ዲቕ ዝበለ መሪር ኵናት ዝግ ምስ በለ፡ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለዅዋ ኣደይ፡ ‘እንታይ መሲለን፡ እንታይ ሒዘን ክኣትዋ እየ?’ዝብል ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀመረ።” ኢሉ ንዝጀመሮ ዛንታ፡ ጌና እውን እቲ ኲናት ክቕጽል ድዩ፡ ክዛዘም ኣብ ዘይ ንጹር ኵነት ከም ዘሎ እና ኣእንፈተ፡ ናብቲ ቀንዲ ዛንታ እዩ ዘእትወና። ግን፡ እዚ ወዲ ነቲ፥ “… መሲለን ሒዘን…” ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ፡ እንታይ እዩ ኢልካ ንኽትመራመርን ኣብ ሓሳብ ምስኡ ከም እትጥሕልን እውን ይገብረካ ኢዩ። እቲ ‘ሒዘ?’ ዝበሎስ ገለ ነዛ ቡና ዝኸውን ገንዘብ ወይ እውን ኣስቤዛ ንገጽ ወላዲቱ ንምርኣይ ዝዀኖ ዶ ሓሲቡ ይኸውን? ትብል እሞ? እቲ “መሲለ?” ዝብሎ ከ ‘ንዓ ነቡኻ ምሰል እዚ ወደይ!’ እናበለትዶ ዀን ተሸግሮ ኰይና’ያ? እናበልካ ድማ ኣብ ካልእ ሓሳባት ከም እትሽመም እገብረካ።
ኣዘንታዊ፡ ነታ ጐርዞ ብሓንቲ ወስታ ከም ዝፈተዋን፡ ብዝያዳ’ኳ ጦፍ ሓዲሮም ንጕሆ ንጕሆ ብኣፍ-ደገ ገዛኣ ክሓልፉ እንከለዉ፡፥ ወትሩ ብምርኣይ መመሊሱ ከም ዝፈተዋን ኣብ ልቡ ከም ዝሓደረን ኣብዚ ዛንታ ይንበብ። ብሰንኪ ፍቕራ ድማ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ሓለፍቱ ከም ዝኣተወ። ብሕማቕ ገምጋም ሃዳምነት ከም ዝተጠርጠረን ካብ ትዕዝብቶም ከም ዝተረደአን እውን የዘንትወልና ኢዩ። ብፍቕሪ እታ ጐርዞ፡ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ፡ ብውሽጡ ክምጕሳን ንበይኑ ምስ ነብሱ፡ ብዛዕብኣ ከዕልል ከም ዝጀመረን ድማ ይረአ። ንኣብነት ‘ንምንታይ ተሪፋ ንበይና ኣብዚ ዓዲ’ ኢሉ ምስ ነብሱ ክመላለስ እንከሎ፡ ምስ ደጋዊ ጽባቐኣ እናዛመደ ክገልጻ እዩ ዝስማዕ።
“‘እዚኣ ደኣ ግርማን ቅርስን ናይዚ ዓዲ ትዅን ኢሎም እዮም ገዲፎማ ዝዀኑ እምበር! ዓዲ ብዓዳ ነዛ ጽብቕቲ ከተትርፍ ኢላ እንተትዋጋእ’ውን መጸበቐላ። ውግእ እንታ’ዲኡ ትርጕምዶ ኣለዎ ኢዩ ካልእ? ንምንታይ ግዲ ኢና ንዋጋእ? ዶራን ሓመድ ከተኽብር ኢልካ ጥራይ ካብ ምውጋእ፡ ንኸምዚኣተን ጽቡቓት ከተትርፍን ከተኽብርን ኢልካ ምውጋእ ዝያዳ ሽም እንተ ዝወሃቦ ምሓሸ. . .'” እናበለ ምስ ሕልንኡ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ ክማጐት እርአ። (እዚ ኵሉ ሓሳብ ዋርድያ ወጺሉ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኢዩ።)
እዚ ዋና ጠባይ ኣዘንታዊ፡ ብፍቕራ ኣዝዩ ከም ዝተስዓረ፡ ካብ ወትሃደራዊ ድስፕሊን ወጻኢ ሰዓታት ዋርድያኡ ኣእኺሉስ ንብጸቱ ከየተስኦም ብኣኣ ክሓስብ ብድሕሪኡ ዝነበሩ ተረኛታት ከም ዘየተስኦም እዩ ዘዘንቱ።
ኣብ መወድኣታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብቲ ጦፍ ወጺኦምሉ ዝሓደሩ ክምለስ እንከሎ፡ ተሓቢኡ ብምትራፍ ክሪኣን እንተ ውሓደ እውን ነዛ ገጻ ቀሪቡ ብምርኣይ ‘ገለ ድሃይ ድምጻ’ኳ እንተሰማዕኹ፥’ ብምባል ኢዩ ክተርፍ ወሲኑ። ንውሳኔኡ ከም ዘተግበሮ እውን ንዕዘብ። (ሕጂ እውን ካብ ጥቕሱ ክውከስ ኢየ)
“ከመይ ሓዲርኪ ናተይ ጽብቕቲ?” . . . በላ ኣይመለሰትሉን። ንዅሉ ኣካላታ ክጥምታ ዓቕሚ ምስ ረኸበ ከኣ እንትርፎ መናድቕ ጽባቐኣ፡ እምበር ኣካላ ከራፊሑ፡ ጸጉሪ ርእሳ ብፎሮፎር ከም ዝፋእፍአ፡ ኣጻብዕታ ብርስሓት ከም ዝተመልአ፡ ኣልባሳታ እውን ካብ ኣካላ ከይወጸ ነዊሕ ከም ዝገበረ እየ ተዓዚበ፡ ብምባል እዩ ዘዘንትወልና።
ኣዘንታዊ ዋላ እዚ ይተዓዘብ እምበር፡ ጐስዩዋ ክኸይድ ወይ ክምለስ ግን ኣይመረጸን። ዘይምምላሳ ስለ ዝገረሞ፡ ምስ ነብሱ ክካታዕ ኢና ንዕዘቦ። ‘ክዳነይን ዕጥቀይን ዶ ተፍኒግዋ እኸውን ወይስ ነቶም ድሃዮም ዘጥፍኡ ኣሕዋታን ደቂ ዓዳን ኣናፊቕዋ እዩ ዝኸውን’ ኢለ ገመትኩ። ይብለና እሞ፡ ከምዚ ክብል ድማ እስማዕ፡
“ናይ ኣደታትኪ’ባ ውሰዲ በጃኺ…! ጋሻ ተቐቢልኪ ኣይትኽእልን ዲኺ ኣቲ ድራር ዓይኒ…! ማይ በሊ ኣስትይና!” ከምዘይ መለሰትሉ ይሕብረና።
ቀጺሉ፡
“ክሳብ ክንድኡ እባ ደረቕ ልቢ ኣይሃልኺ፡… ንዓኺ ክብል እኳ’የ ካብ መስርዐይ ተሪፈ!…” ብምባል ብሰንኪ ስቕትኣ ዝነበሮ ቅልውላው ናይ ማዕዶ ቆላሕታዊ ፍቕሪ ክድሕድሓላ ብዝመስል ቃና፡ ነዛ ድምጻ ንኽሰምዕ ከዛርባ እናፈተነ፡ ብውሽጢ ዝመጸት ኣዲኣ፡
“ተረፍ እያ ‘ወ እንታይ ዝዀንካ ኢኻ ተረፈ… ዝተረፈ ትብል ዘለኻ?” እናበልኦ፡ ምስ ረኣየዮን ምስ ኣለለይኦን ግን፡
“ኣዲኻ ትደፋእልካ! ወድና ኢኻ ከኣ!” ከም ዝበልኦ የዘንትወልና።
እሞ እዚ ርህራሀ ኣደ ንተስፋን ተርባጽን እዚ ደላይ ጓለን ትምልሰሉዶ ትኸውን? ንሱኸ ተቢዑ ጓልክን ፈቴያስ ትህባኒዶ እብላ እኸውን? ወይስ ሓፊሩ እዩ ሕስይስይ ክብል? ብምባል መሊስካ ነታ ዛንታ ከተንብባ ትቕሰብ። ንሱ ጌና ከይተዛረበ ግን ድምጺ እታ ኣደ ጓል ይስማዕ፡
“ዘለና የብልናን እምበር ብርክኻ ስበር… ዝወደይ!”
ንሱ ድማ፡ ናብታ ጎርዞ እናጠመተ፡
“ቡን ተስትይና ዲኺ እሞ ንማማ ክንሰምዐን…?” ከም ዝበላ የዘንትወልና። ኣብ መንጎ ድማ፡ ነታ ካብ ልቡ ዘየግልላ ኣደኡ እናዘከረ፡ ‘ናይ ልበይ ኣፍቂረኪ፡ ናተይ ክትዀኒ፡ ብወግዒ ብኽብሪ፡ ናብ ኣደይ… ንገዛና ክወስደኪ’የ…ንስኺ ኢኺ በቃ ንስኺ ኢኺ መረስረሲተይ…’ ክብላ እንከለኹ ብኸመይ ዝምቅር ቃና ክትምልሰለይ ትኸውን…? እየ ዝሓስብ ነይረ።” ኢሉ ኣብ ሓሳብ ከም ዝኣተወ የሪኤና፡
“እህም! ኣይትሰምዓካን እያ ወደሺ! ኣይትሰምዕንያ… ኣይትምልስን እያ… መድፍዕን ሓሶትን እንታይዶ ገዲፉልና እዩ። ኣጽሚሙዋ እዩ። ካልእ እውን ኣሎ ካልእ… ልባ ኣበይ ከም ዝተሸርበኳ ኣዲኣየ… ዋይ ኣነ ጓለይ…!”
“ኣንትን ማማ እዚኣ ትመስል’ሲ… እሞ ገለ ዘይትገብራ…?”
“እንታይ እየ እሞ ክገብር ኣዴኻ?”
“ሕክምና… ዋላ ማይጨሎት ገለ ዘይትፍትናላ?
“እህም! ማይጨሎትዶ በልካ…! ኣይ ዓሚጾማ እንድዮም… እንታይዶ ገዲፎምላ እዮም… ርጉማት ዓመጽቲ…! ንዕምጽቲ ጓል ሄዋን ዝኸውን ፈውሲ እንተ’ለካ ደኣ ሓብር እምበር… ድሕሪታ ናይ ሽዓ ኣውያታ’ኳ ኣፋ ኣይተኸፍተን… ዋይ ኣነ ጓለይ፡” ምስ በለኦ ንምዓቱ ብምግታእ ንምስሊ ኣደን ጓልን ክሳብ ከለልዮ ዝጽገም ከይወሰነ ድማ ብሓይሊ ዝባኑ ሂብወን ናብ ኣሃዱኡ ከም ዘምርሐ ብምንጋር እዩ ዝዛዝማ።
ዛንታ “ተረፍ” ኣበሳ ኵናት ከቢድ ምኳኑ፡ ብምስሊ እዘን ኣደን ጓልን ንምርድኡ ይከኣል ኢዩ። ኣዘንታዊ ድማ ነዲኡ ካልኣይታ ክትዀና ዝተመነያ ጐርዞ ብዘይ ምስማሩ፡ ልቡ ከም ዝተጐዘ ንርኢ። ኣዲኡ ድማ በቲ ካልእ ህይወት ብጽምዋ ከም ዝተውሓጠት፡ ብሻቕላ ወላዲኣ ከመይ ከም ትህሉ ንምግማቱ፡ ካብዛ ዛንታ ንምግንዛቡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብዛ ዛንታ ዘሎ ቦታ ምከና ድማ ካብ ጻት ንጻት ወሰናስን ዶባት ዘለዋ ዓድታት እዚ ከምዚታት ታሪኽ ይጸልወንን ዝጸለወንን ብምኳነን ኣብ ተትፈልጦ ቦታ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ኣብ ስእለ ኣእምሮኡ ክቐርጾ ኣይጽገምን።
በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓዩ ሓጸርቲ ዛንታታት ሃገርና ዳርጋ ኵሎም ኢዮም። ይዅን እምበር ከምዛ ዛንታ መንፈስ ዘለዋ ግን ኣይረኸብኩን። ነዚኣ እትመስል ዛንታ ድማ፡ “ሕብእቲ መልኣኽ” ናይ ቢንያም ፍሳሃጼን ኢያ። እታ ብዓይኒ ማዕዶ ዘፍቅራ ሄዋን ምስ ራእያ ግን ስንክልቲ ዀይና ትጸንሖ።
ዓራዪ ሰዓት፡ ብስፍሓት ሓሳባታን ኣነዳድቃን በቲ ሓደ ወገን፡ ብወሓዚ ሓሳባታን በቲ ስዲ ንባባዊ ግጥማን ድማ በቲ ካልእ፡ እትህቦ ወይ እተስምዖ ኣመት ዝያዳ ከም እትሓስብን እተስተንትንን ትገብር ዛንታ ኢያ።
ዛንታ ዓራዪ ሰዓት፡ ብትሕዝቶን ቅድን ዝተፈልየት ኰይና፡ ብትልሚ-ኣልቦ (Plotless story) ዝተዓየት ስራሕ ኢያ። ንስእሊ’ዚ ወለዶ ድማ፡ ምስቲ ናይ ቀደም ወለዶ ብምዝማድ፡ ‘ሓወልቲ ንእስነት ይህልዎዶ ይኸውን?’ ብምባል ክድህስሶ ኢዩ ዝፍትን። ዋላ’ኳ ኣብቲ ዝርርብ ‘ሰዓት’ዚ ወለዶን ሰዓት እቲ ሕሉፍ ወለዶን’ እናበለ፡ ብዛዕባ ብሉጽነት ወይ ነባርነት ሰዓታት እንተተዛረበ፡ ንወለዶ ሎሚን ንወለዶ ቐደምን፡ ካብ ምግንዛብን ምውድዳርን ግን ኣይተዓግተን።
ሓደ ዓራዪ ሰዓት፡ ዕድመ ድፍእ ዘበለ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዘዘውትር ፈጠራዊ ገጸ ባህሪ ኢዩ። ንሓደ መንእሰይ ናይ ስራሕ መንፈስ፡ ርኣይን ጠመተአን ኣብ ግዜ ብምልካዕ ደው ክብል ከም ዘይብሉ፡ ንሕማቕ ኣመል ባህሊ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ክጠፍእ ከም ዘለዎ፡ ተግሳጻዊ ማዕዳ እናኣመሓላለፈሉ ይርእ።
“ሰዓተይ ፡ ግዜ ምፍቃድ ምስ ኣበየት፡ ‘ሕራይ’ እንተ በለቶ ኢለ’የ፡ ናብኡ ዝወሰድኩዋ።”
ይብል እሞ፡ ግን ከኣ፡ ግዜ ከም ዝበልዕ ዘረባ ከም ዘብዝሕ፡ ትርጕም ሰዓትዶ ፍልስፍናዶ እና’ምጸአ ከየዋጥረኻ እምበር ገንዘብ’ኳ ድሓን’ዩ፡ ከም ዝበልዎ፡ ኣቐዲሙ ብምዝንታዉ፡ ናብቲ ኣራዪ ሰዓት ክኸይድ ከም ዝወሰነ፡ ኣስዒቡ የዘንይወልና።
“‘ናብኡ ይሕሸኒ…፡ ቅድሚ ሕጂ ሰዓተይ ዝኸፈተ ዓራዪ ሰዓት፡ ሰዓተይ ኣዘንቢሉለይ እዩ፡’ ምስ በልክዎ፡ ምሓሽን ዘይምሓሽን ዘይኰነስ፡ ዘረብኡ ከይከብደካ፡ ‘ሰዓት ንምንታይ እያ ተድልየካ…? ብዘይ ሰዓት ክትነብር ትኽእልዶ…? ሰዓት ዘይብሉ መንገዲ…?’እናበለ ብሰዓት እናተፈላሰፈ፡ ከዋጥረካ እዩ…’ ክብል ብወረ’ቲ ዓራዪ ሰዓት ዝሃጠረ ዓርከይ ነገረኒ።”
እቲ ኣዘንታዊ ከምዚ ቢሉ ምስ ኣዘንተዎ፡ ዓራዪ-ሰዓት ደኣ፡ ከመይ ዝበለ ፍልስፍና ወይ ስውጠተ-ሓሳባት ኢዩ ክሓትት? ዝስትንተን ትንፋስ ዘለዎ፡ ኣባህላ ንሰዓት ብመገዲ ህይወት ብምትስፋር ክዛረብ ዝሕእል? ኪንዮ ‘ፈንጣሕኹ፡ ኣዕረኹ?’
ኣዘንታዊ ብዕላል ዓርኩ ከይተሰከፈ፡ ዝያዳ እኳ ደኣ ፍልስፍና ዝዛረብ እንተዀይኑስ ‘ዘረብኡ ይንዋሕ ይብዛሕ’ ብምባል ናብ እንዳ ዓራዪ-ሰዓት ክኸይድ ተደፋፊኡ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ካብ ካልኦት ዕላላት ዝሰምዖ ኣብቲ ዝኽሩ ብኸምዚ ተጻሒፉ ኣሎ።
“. . . ንሱ. . . ክዛረብን ክሰምዕን እዩ ዝደሊ. . . ”
ኣንባቢ ኣቃልቦኡ ዝያዳ ደፋእ ኢሉ ከንብባን ንነብሱ ድማ፡ ‘ኣነ ኸ ክዛረብ ጥራይ ድየ ዝደሊ፡ ወይ እውን ክሰምዕ እውን እደሊ ኢየ?’ ንኽብል ትደፋፍእ። ካብቲ ድሑር ኣተሓሳስባ ብምግላል፡ ምስ ሰብ ግዜን ኣብ ሰብ ግዜን ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምሃብን ምቕባልን ክፉት ጌሩ ዝሃነጾ ጠባይ፡ ብሞያኡ ኣቢሉ ንኹሉ መገዲታት ህይወት ኣብ ናይ ሰዓት ግዜ እናእተወ ክእልዮን ከማእዝኖን እረአ።
ንፍልስፍናኡን ሕልሙን እተብርህን እትመስል ድማ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይቲ ዝሰርሓሉ ገዛ ከምዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ይንበብ!
“ብሰዓቱ ዝበርህ መዓልቲ፡ ብሰዓቱ ዝሽፈን ለይቲ፡
ብሰዓቱ ዝምራሕ ህዝቢ፡ ግርማ ኵሉ ሕብርታት ሕጊ።”
ንሕጊ-ተፈጥሮ ኣብ መቓን ሰዓት ብምእታዉ፡ ንእብረታት ምድሪ ብሰዓታት ተማእኺሎም ከም ዝፍጸሙ እናኣመተ፡ ነቲ ፈጣሪ ሰዓት ዝኾነ ህዝቢ ድማ፡ ብስዓቱ ከም ዝምራሕ ኢዩ ዘብርህ። ንትልሚ ግዜኡ፡ ንመጻኢ ራኢኡ፡ ንተልእዀ ዕምሩ፡ ንሕሰመ-ጣዕሙ፡ ንምምራሑ ይኹን ምግራሑ እናኣማእዘነ፡ ናብታ ‘ግርማ ኵሉ’ ኢሉ ዝኣምነላ ዓለሙ ድማ፡ ‘ሕብርታት ሕጊ’ ዝያዳ ምኳኑ ይእምት።
(. . . )
“ናይ ቀደም ሰዓት ጽብቕቲ እያ።”
‘እወ ናይ ቀደም እያ. . . ‘
“ከምዚኣተን ሎሚ… ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ፡ ርግጸኛ እየ እዚኣ ብውሑዱ ካብ ኣቦሓጐኻ ዝወረስካያ መዘከርታ እያ…”
‘በቃ ናይ መዘከርታ ጥራይ እየን…፡ ኣሰርዶ ኣለወን እዩ?. . .’
“‘ሓርማዝ እናርኣዩስ ኣሰራ እደልዩ!’ ንዝብል ምስላ ዋናኡ ኢኻ ‘መስለኒ’ ካብ ኣሰሩ ሱሩ ዘሳፍሐ እንከሎስ፡ ኣሰርን መእሰርን ትሓትት…!”
ዓራዪ-ሰዓት፥ ኵሉ ዘረባኡን ኣጋውልኡን፡ ነቲ ዝሓለፈ ወለዶ ምስ’ዚ ዘሎ ወለዶ፡ ኣብ ቅማረ ሰዓት ብምእታዉ ገለ ክብል ዝደለየ እመስል። ስለምንታይ ግን ነቲ ገዲም ጽሩይ፡ ነቲ ዘመናዊ ዝራግ ጌሩ ዝቖጽሮ? ናይቲ ዝሓለፈ ወለዶ ዝነበራ ሰዓት ምጽራየን፡ ናይዚ ወለዶ ዘለዋ ሰዓት ድማ ዘይ ምጽራየን ከ ከመይ ኢዩ? ስዓታትን ወለዶታትን ከ ብኸመይ ኢዩ ክመሳሰል?
“ኵሉ’ኮ ነንግዜኡ እዩ ዝመስል። ናይዚ ወለዶ ሰዓት እንተ ርኢና ሕጂ ኣብቲ ወለዶ እየን ጠፊአን ዝተርፋ። . . . እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ዝሓልፍ መዘከርታ የብሉን፡ እንተ ደለየ እውን ጠፋሽ እዩ።”
ውህደት ተመስጦ ሓሳባት እናስምዐ፡ ገለ ምልክት (Symbolism) ኣብ ኣእምሮ ዝገድፍ ወሓዚ ድማ ኣለዎ። ሓሳቡ ኣይወድአን፡ ካብ መዘከርታ ኣልቦ እዚ ወለዶ ድማ፡ ሓወልቲ ዝኽሪ ኣለዎዶ የብሉን፥ ንምርግጋጽ ሃሰስ ክብል እርአ። ግን ነቲ ጠፋሽ ወለዶ ዝብሎ? ጠፋሽ ሓወልቲ ጥራይ’ዩ ክሃንጽ ዝኽእል ዝብሎ ከ ኣበየናይ መድረኽ ዘሎ ወለዶ’ዩ?
“ሎሚ. . . ንመዘከርታ ተባሂሉ ዝስራሕ ሓወልቲ ርኢኻ ትፈልጥ ዲኻ? . . . ሓወልቲ ቀደም ተሰሪሑ ተወዲኡ ኢዩ። ብግመን ዛዕዛዕታን ተነዲቑ፡ ክሳዕ ረፍዲ ዝሰትር እንተ ዘይ ኮይኑ፡ ዝነብር፡ ናብ ወለዶታት ዝሰግር ማለት ግን ፍጹም ሓሶት እዩ። ሓመድን ሓጺንን ጥራይ ተዀሚሩ እኮ ኣይኰነን ሓወልቲ ዘስርሕ። ብኸምዚ ዝርድኦም እቶም ዕቡያት እዮም። ብትዕቢት ዝተነድቀት ሓወልቲ ከኣ ኣብ ዛንታ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ሓወልቲ’ኮ . . .፡ መልክዑ፡ ጽባቐኡን ትርጕሙን ንቕድም ኣብ ውሽጥኻ እዩ ክህነጽ ዘለዎ። ንዓይ ሕጂ ሓወልቲ ሰዓት ኣሎ ኣብ ውሽጠይ፡ ገሊኡ ሰብ ሓወልቲ ሰልዲ ይህልዎ፡ ገሊኡ ሓወልቲ ኮረሻ፡ ገሊኡ ከኣ ቀበጥበጡ ዝዝክረሉ ሓወልቲ ይህልዎ እኸውን። እቲ ዝበዝሕ ግን ዓቕሚ ዝኽርን ውርሻን ስለ ዝሓጽሮ ሓወልቲ ውሽጢ የብሉን። ሎሚ. . .፡ ኣብ ኣደባባይ ወጺእኻ ‘ትርጕም ሓወልቲ?’ ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ ባቢሎን ጥራይ ዝርኣዮም ብዙሓት እዮም።”
ወግዒ ዓራዪ ሰዓትን በዓል ሰዓትን ካብ መስርሕ ሰዓትን ዙርያ ሰዓትን ኣይውጹኡ ደኣ እምበር፡ እቲ ጥልቀትን ዕምቆት እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ግን፡ ብንባብ ምስቶም ጠባያት ትረስን፡ ተሓወሶም እመጸካ። ንሓወልቲ ደገን ንሓወልቲ ውሽጢን ብምርኣይ ከኣ፡ ሓወልቲ ውሽጢ ይኹን ሓወልቲ ግዳም ብትዒቢት ከም ዘይህነጽን ከምዘይ ደምቕን ብምግላጽ፡ ትርጕም ሓወልቲ ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ብምትንባህ፡ ዓራዪ-ሰዓት ንነብሱ ሓዊሱ ክሳብ እቶም ናፈቕቲ ወምበርን ገበትቲ ወምበርን ዘለዎም ሓወልቲ ውሽጢ ብምጥቃስ ኣብዚ ሕጂ ‘ትርጕም ሓወልቲ’ ንምግላጽ፡ሓወልቲ ንምትካልን ጠፋሽ እምበር ትርጕም ዘለዎ ነባሪ ሓወልቲ ከም ዘይክኣል ኢዩ ዘእምት። ትርጕም ሓወልቲ እኒ ባቢሎን ዝጭበጥ ጥራይ ከም ዘይኰነ ከኣ የብርሃልና።
“. . . ናይ ሕጂ ሰብ፡ ዝዝከር ክሓድግስ ይትረፍ ንምንታይ ከም እተፈጥረ ዝገልጽ መዝገብ’ውን የብሉን። ንታሪኽ ምምጽኡ ኣብ ኣፍ-ደገ ልቡ’ውን ኣይሓደረሉን…! ታሪኽ ዘፍርሕ ግዲ ኰይኑስ፡ ታሪኽ ክሰርሕ ዝብገስ ይትረፍ ታሪኽ ዘንብብ’ውን ኣይሰማዕናን። . . . ”
“. . . ብጅምላ’ሞ ከመይ ኢልና፡ ‘ኣብዚ ወለዶ. . .፡ ሓይሊ ዝኽርን ሓወልትን ባዶ እዩ!’ ኢልና ክንደፍር ንኽእል?. . . ”
“ምፍራሕን ምድፋርን’ኮ ኣይኰነን. . . ፡ ዕርቃን ትሕዝቶ እነውጽኣሉ ትሕዝቶ’ምበር። ዓመጽ፥ ግብረ-እከይ፥ ስስዕቲ፡ ሸብዳዕዳዕ፡ ርኽሰት፡ ግብዝነት፡. . . እንታይ ዓይነት ሓወልቲ ኣለዎ ኢልና ኢና’ሞ ክንደፍር. . .? ካልእ’ሞ ግደፎ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ክስዋእ ዝብህግ ሰብ ኣሎ?”
ነቲ ዳሕረዋይ ወለዶ እናረፋተተ ነቲ ኣሰጋጋሪ ወለዶ እውን፥ ግብዝነቱ፡ ስስዐኡ፡ ሃርጐምጐሙ ብዘይ ምሕባእ ምስቲ መንእሰይ ክመላለስ ይርአይ። ገለ ነገር ኣብ ውሽጡ ዘሳጽዮ ከም ዘሎ ድማ፡ ኣብ ገለ ገለ በጨቕ ዝብሉ ሓሳባቱ እረኣዩ። ነቲ ዘሎ መንእሰይ ድማ ክስዋእ ክቃለስ ናይ ምባል ባህሊ ከምዘይብሉ ‘ዝጠፈሸ ወለዶ’ ምዃኑ አብርህ።
“… ትሰምዕ ኣለኻ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ሰዓት እንዳ ሰዓት ሰሪሐ፡ ገዛኢ ግዜ ዝበሃል ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን እየ። . . . ዘሰክፈኒ ግን እዞም ከምዚኦም ዓውደ-ዓመትን ዓውደ-ኣዋርሕን ጥራይ እምበር ዓውደ- ሰዓት ስለ ዘይፈልጡ እዩ። . . . ምዃን ኣብ ክሳዶም እውን መስቀሊ ሰዓት የብሎምን። ኣብ ምንታይ ክንሰቕለሎም ወሪዱና. . .! ቀደም’ኮ ንመዓተብካ ኢልካ ሓቀኛ ኩን! ቅኑዕ ኩን! ኣይትጥለም…! ተባሂሉ ማሕላ ይጽናዕ ነይሩ። ሎሚ. . . ከምኡ ትብሎም፡ ክላ . . . ማዕተብ ኣይንፈልጥ መዕተብ! እናበሉ እዮም ዘባጭዉልካ። . . . መጽንዒ ማሕላ ዝኸውን ማዕተብ ቀደም ተበቲኹስ፡ መስቀሊ ሰዓት ክርከብ ምጽባይ ሎሚ ጽሉል’ዩ ዘጸውዕ። ግድን እንተ ኢሎም ግን መስማር ሸኺልካ ምተፈተነ፡ ምፍታን መዓስ ነውሪ ኰይኑ፡ የግዳስ ይትረፍ’ቲ ልቦም፡ እቲ ኣፍ-ልቦም’ውን ጸዋር ኣይኮነን።”
ዓራዪ-ሰዓት ንጕዕዞ ስራሕ ዓለሙ ኣብ ክንዲ ብዓውደ ኣዋርሕ ወይ ዓውደ ዓመታት ዝድምሮ፡ ብዓውደ ሰዓት ተርጕሙ ከዘንቱ እስማዕ! እዚ ወለዶ እዚ ድማ፡ ኣብ ጕዕዞኡ፡ ኣብ ናብራኡ፡ ኣብ ንጥፈታቱ ንግዜኡ ብሰዓት ከማዕትቦን ኣዕቲቡ ክሕዞን ክሃንጾን ከም ዘለዎ እናኣመተ፡ ቃንዛኡ ግን ብዘይ ምህባእ ክድርጉሖ እርአ።
“ዝተወለድካሉ ሰዓት ትብሎም ኣይነግሩኻን እዮም። ከይሓቱ እውን ከፍርሖም መዓት እዩ። ሰዓት-ልደት፡ ደቒቕ-ልደት፡ ካልኢት-ልደት ኣብ መዛግብቶም ኣየስፍርዎን እዮም። . . . ዕድሚኡ ብሰዓት ክነግር ዝኽእል ሰብ ርኢኻ ትፈልጥ…?
“ካብ ዝውለድ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሰዓት ጌረ ኣለኹ እንተ ዝብለካ፡ ኣበይ ከም እተሽርፎ መሓርበተካ። ብግምተይ ናይ ሓደ ርብዒ ሚልዮን ሰዓት ዝኸውን ዕድመ ኣለካ፡ እንተ ዝብለካ እውን ኣይምሓሰብካሉን። ካብዚ ወጺእኻ ምስ ከማኻ ማሕቢርካ ግን ጽሉል መውጻእኻለይ ትኸውን. . . ሓቀይዶ. . .?”
እዛ ብትልሚ ኣልቦ ዝተዓየት ዛንታ፡ ነቲ ዛዕባን ጥልቀትን ዓራዪ ሰዓት እናኸተንብብ፡ ንስነ ጥበብ ምስ ሳይንስ ኣተሓናፊጹ ውቃበ ዘለዎ ዕዮ ከርኢ ይፍትን። ዓራዪ ሰዓት ዕድሚኡ ብሰዓታት ክነግረና ኣፍትም በዚ ድማ ኣብ ሓምሳታት (57) ከም ዘሎ፡ እቲ መናሰይ ድማ ኣብ ዕስራታት ከም ዘሎ እናግረና። ከምዚ ቢሉ ዓራዪ ሰዓት ንድሚኡ ምንጋሩ ግን ከም ጽላለ ከም ዝውሰድ ኣይሓበአን። እሞ ብልክዕ ጽላለዶ እኸውን ወይስ ልክዕለት?
“መንእሰያት እንከለና ‘ኣዝማሪኖ ሰዓት ኣይኣስርን እዩ!’ እናበልና ኢና ንፍክር ነይርና። ናይ ገለና ድኽነት ክኸውን እኽእል እዩ። ኵሉ ዓይነት ድኽነት። እቲ መብዛሕትኡ ወደ’ስመራ ግን ንካቴድራል ተኣማሚኑ እዩ ከም ፋሽን ወሲድዎ ከምኡ ዝብል ዝነበረ። ሎሚ፡ እቶም ቅኒት ደወል ካቴድራል ዘይውስተማቕሩ’ውን ከምኡ ክብል ትሰምዕ’ሞ ትሓፍር። ደቅና ከኣ ይወኣዮም እቲ ኵሉ ከይፈለጡስ ፈኸራ ጀሚሮም. . .፡ እንታይ ጌርካን ሰሚዕኻን ኢኻ በል ክትፍክር፡. . .”
“ኣነ ግን ተረዲአዮዶ. . .? ሓይሊ ማዕበል ሓሳባቱ ኣህዲአ ከንሳፍፍ፡ ገፈጥ መፈጥ ንዝመልአ ውሽጠይ ዘጽሪ መዀስተር ክሓስብን ፋሕ-ብትን ንዘበሎ ጣቛ ገፋጊፈ ቀለበይ ክገብርን ክብል. . . ፡ ዕግርግር በለኒ።”
ብምባል ዋና ኣዘንታዊ ዛንታ ዓራዪ ሰዓት። ነቲ ዛንታ እድምድም!
ብትልሚ ኣልቦ ዝተዓያ ሓጸርቲ ዛንታታት ብዙሓት ዝጥቀሳ’ኳ እንተ ዘይሃለዋ፡ “ጽሓፍ” እትብል ሓጻር ዛንታ መለስ ንጉሰ ግን፡ በዚ ቅዲ’ዚ ዝተዓየት ግርም ስራሕ ኢያ። ኣብ ኣቃውማን ዋሕዝን ምስቲ ስዲ ንባባዊ ግጥሚ ድማ ኣዝዩ ከብ ዘመሳስለን ኢዩ። (ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ተወከስ፥)
ዛንታ ዓራዪ ሰዓት ምስ ዛንታ “ዓራዪ ሰዓት ደንቤንፉ” ብዙሕ ዘመሳስል ኣለወን፡ ነናተን ጽባቐን ርቀትን ሒዘን ብምምጻእ፡ ከምኡ እውን ነናተን ባህልን ልምድን ስለ ዘንጸባርቓ እቲ ዘመሳስለን ብዙሕ ኣይከውንን!
ኣብ ዛንታ ኣኸደር ኣሕመዲን ጽልዋ ናይ በየነ ሃይለ ግን ተዓዚበ። ቍንቝኛን ቋንቋን ኣሰፋፍያ ሓሳባትን ኣጸቢቑ ናብ በየነ ዝቐረበ ኢዩ። ብፍላይ እኳ ንመጽሓፍ ‘ድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን’ ኣብቲ ቴክኒካዊ ኣተሃናንጻ ነዘን መጽሓፍቲ ዝቐረበት ኢያ።
ኣብ ብቸኮቭያን ቅዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ብምትኳር ኢየ፡ ነዛ “ዕርቂ” እትብል ሓጸር ዛንታ ክድህስስ። ቅድሚኡ ግን እዚ ቸኮቭያን ቅዲ ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ መዓቢሉ? እንታይ ጽልዋ ኸ ኣሕዲሩ? ካበይ ኢዩ ኸ ዝብገስ? ስለምንታይ ከ ብስም ሓደ ደራሲ ክፍለጥ ኪኢሉ? ብሓጺሩ፡ ሩስያዊ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ጽሓፍቲ ዓለምና ድማ ኢዩ። ምስ ብዓል እኒ ሞፑሳንት፡ ኣላንፖን ካልኦትን ማዕረ ማዕሪኦም ከጸውዖ ዝኽእል ኣብ ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ሓጺር ዛንታ ዝኽኣለ እምበኣር፡ በቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡ ብ ‘ስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ’ ዝፍለጥ፡ ስምዒታትን ምጥርጣራትን ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠሩ ጠባያት፡ እቲ ዝገብርዎ ዝርርብ ድማ ነጸብራቕ ናይቲ ምስ ነብሶም ዝመላለስዎ ምጕት ኢዩ። እዚ ብኣእምሮ ዝሰላሰል ዛንታ፡ ምስ ነብስኻን ስጋኻን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጕት ብምእታው ግቡቕ ግርጭትን መፍትሒታቱን ዘለዎ ዋሓዚ ሓሳባት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ሎሚ ብ “ቸኮቭያን ሞድ” ኢዩ ዝጽዋዕ። ምኽንያቱ እዚ ቅዲ እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሖ ዝኽኣለ ቸኮቭ ስለ ዝኮነ ኢዩ።
እሞ ዛንታ “ዕርቂ” በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓየት ስራሕ ድያ? ጽሓፊ እዛ ዛንታ ኸ ነቲ ቅዲ ጥራይ ድዩ ርዒምዎ ወይስ ነቲ ባህልን ልምዲን እውን ከም ዘለዎ እዩ ኮፍ ኣቢልዎ? ትርጕምን ምስጢር ጥበብን ከ ኣንጸባሪቑዶ እኸውን?
ሰናይ ንባብ!
“ነብሰይ፡ እምብለይ ኣይቀውምን እየ!’ ኢላ ኣብያትኒ። እምባ-ሕልና ወሪድካ ውሽጥኻ ይረአ’ሎ። . . . ” ስለ ዝተሰምዐ፡ ‘ መዋእለይ መዓቡጥ ጸላም ኰይኑ፡’ ትብል ዝነበረት ነብሲ ካብ ስጋይ ተፈልያ ክትኸይድ እያ ወዲኣቶ።” ይብል:
እቲ ኣነ እናበለ ዝትርኽ። ‘ኣነ ምስ ነብሰይ ምስ ስጋይ እናበለ ነቲ ዛንታ ክቕልሶን ክትርዀን ዝርአ፡ በዓል ኣነነት ‘ኣነ!’፡ ነብሲ ክትግስጾን ክትሽድዶን ትርአ። ካብ እምባ-ሕልና ብምርሓቝ፡ ስጋኡ ንኸስብሕ፡ ነታ ናይ ብሓቂ ዓለሙ ብምኽሓድ ኣብ ማዓሙቕ ጸላም ከም ዘስፈራ ንነብሲ፡ እታ ‘ነብሲ!’ ትበሃል እና ተዛረበቶ ትረአ። ደጋጊማ ድማ ንኻልኦት ክትምስጥ ኢልካ፡ ምስ ስጋ ደርቢኻኒ፡ ኣይንረአአ ኣይንሰማማዕ. . . ኰይንና ደርቢኻኒ ድሕሪ ደጊም ኣነ ምስ ስጋ ኣይነብርን እየ። ክኸይድ እየ ናብ እምባ-ሕልና ብምባል ልቡ ክትምልሖን ከተፍርሖን ትርአ። ድሓር ንሱ ንስጋኡ ብምምእኻል ንሓንሳብ ድማ ምስ ስጋ ብምውጋንን ምስኣ ብምስምማዕን ከኣ ክግስጥዋ ወይ እውን ክሸድዋ እፍትኑ እሞ ስጋ ድማ ክትፈርሕን ከተንፈጥፍጥን ድማ ትርአ።
“ስጋይ . . . ንባዕሉ ብፍርሒ እዩ ከንፈጥፍጥ ጀሚሩ። ኣነ ግን ብሓይሊ፡ ‘እንታይ ኰይነ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ’ሞ ሕጂ’ ” ምስ በላ
“ውሽጥኻ ኣይትርእን ኢኻ… እወ ምሳኻ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጽቡቕ ዓለም ቍሊሕ ኢልካዮ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ናይ ብልጭልጭ ግዳማዊ ዓለም ፡ ሓሶትን ሓሰርን ተተርኢስካ እናደቀስካ… ናይ ባዕልኻ ሕልሚ ገዲፍካዮ። ምሕላም ኣቢኻ። ካብ ውሽጣዊ ንስነትካ ነቒሉ ንጽባቐ ርሑቕ እዋናት ዘተምኒ ራእይ ምርኣይ ፈሪሕኻ፡ ኣንታ ፈራሕ… ኣብ ዓለምና ናይ ክልቴና ጸሓይ ፈጢርና ሓቢርና ንሙቕ፡ ሓቢርና ንወነስ፡ ንሳዕስዕ ንቆጻጸ እንተ በልኩኻ እዝኒ ከሊእኻኒ ምሽ! ኣብ ጸላም ደኣ እሞ ክሳብ መዓስ ይንበር…? ስለዚ ኣነ ገዲፈካ ክኸይድ እየ ወሲነ። ኣብኡ ድማ ንዓይ ዝኸውን ዝስእን ኣይመስለንን።” ምስ በለቶ ነብሲ፡
“እዛ ትርኣየና ዘላ ጸሓይ ከ እንታይ ኰይናትኪ…?” ክብል እዩ ምላሽ ዝህባ።
ነብሲ ግን፡ ናይ በዓልኻ ጸሓይ ፍጠር፡ ናይ በዓልኻ ዓለም ፍጠር፡ ንውሽጥኻ ጥሓል ምስ ውሽጥኻ ንበር፡ ጽሓይ ውሽጥኻ ፍጠር፡ ጸሓይ ውሽጥኻ ኣብርህ ካብ ደርገፍገፍ ተገላገል፡ ክትብሎ ትርአ።
እዝን ካልእን ምስ በለቶ፡ ሰብ ምስ ነብሱ ክሰማማዕ ዝደለየ እንክመስል ከምዚ ክብላ እስማዕ፡
“ከተፍርሕኒ እምበር ጀሚርኪ፡ በሊ’ሞ ኣብኡ እንታይ ኢና ክንገብር… ቅድም ንላዘብ።”
“ኣብኡ ካብ ብዘላ ኵርናዕ ምስ ዝመጹ መሳቱ ንራኸብ’ሞ ነዋግዕ፡ መራሕቲ መገዲ ኣለዉ ክቕበሉና እዮም። …”
ከምኡ እውን ፈላልዮም ጥዋፍ ከም ዝዕደሉ ኣይሓባእትሉን። ነታ ንእሽቶ ብርሃን ጥዋፍ ብኸመይ የዕብያን ብኸመይ ዓለሙ የማእዝናን ናቱ ብልሕን ራእን ከም ዘገድስ እውን ነጊራቶ ኣላ። ሽዑ እውን ነቲ ንስጋኡ ከሕጉስ ኢሉ ዝገበሮ እልቢ ዘይብሉ ጌጋታት በብሓደ እናመጸ ክሪኦ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ናይ በሓቂ ንሱ ክረኽቦ ከም ዝኽእል እውን ኣይሓባእትሉን።
እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ሰብ፡ ስጋን ነብስን እናዕ አየ ክኸይድ እረአ እሞ፡ እቲ ዛንታ እናተፈጸመ ክኸይድ እንከሎ ከኣ፡ ሰብን ስጋን ንናይ ነብሲ መትከል ክርዕምዎን ክረድይዎን እስምዑ። ኣዘንታዊ ሰብ ድማ ከምዚ ክብል ነቲ ዛንታ እቕጽሎ።
“…ኣብ ምግምጋም እምባ-ሕልና ምስ በጻሕና ስጋ፡ ‘እዋይ እቲ ጉደይ ሎም መዓልቲ…! ኣንቲ ነብሲ ሓብተይ እቲ ርጉም ሰብ እንድዩ ፈላልዩና እምበር ክሳብ ክንድዚ ዘባጽሕ እኳ ዘይነበረና… ዘይ ክልቴና እንተሰሚርና ኢና ሰብ ንሰርሕ… እንታይዶ ኣለዎ እዩ ክልቴና ዘይ ንሰማማዕ ግዳ…” ምስ በላ፡ “ሕጂ ኣይኮነን ነብሲ ሓብተይ ዝበሃል ፡ በይንኻ ክትዕንድር እንከለኻ ክትዝክረኒ ነይሩካ… ዘርባዕባዕ ግዜኡ ኣይኮነን…” ኢላ ገጽ ከልኣቶ። ኣነ’ውን ኣየናሕሰኹሉን፡ “ሃዝራጥ ጨናዊ ስጋ! በይንኻ ክትሰብሕ እንከለኻ ደኣ ንነብሲ ኸ ዘይትብለኒ… ይኣኽለካ ሕጂ ኣይተዕገርግረኒ…” በልክዎ።” ከም ዝተባሃህሉ የዘንትወልና።
ቅድሚ ናብቲ በሪሕ ሕልና ምድያቦም ግን ንነብሲ ዝተፈላለየ ሕቶታት ከውርድ ይርአ። ምስ ደየብኩ እንታይ እየ ክገብር? ዕግርግር ደኣ ከይብለኒ?. . . ዝብሉ ሃለውለው እኳ ከውሕዝ እንተተርኣየ። ነብሲ ግን ንኹሉ ብትብዓት ክትምልሶ ትርአ።
“ብድሕሪ እዚ ስጋ ዘበለ ብጸጋም፡ ነብሲ ዝዀነ ድማ ብየማን ክኸውን፥ ‘ስጋ… ታኼላ ድንቍርናኡ ምስ ደረቐ፡ ጩራታት ብርሃን ነቲ ድቕድቕ ጸላም ውሻጠኡ ክሰናጥቑ ምስ ጀመሩ ባዕሉ ከለልን ክረክብን ክጅምር ኢዩ. . . ”
“. . . ቀስ ብቐስ ስጋን ነብሲን ኣብ ዋላ እናተሰቕሉ ውሽጦም ከለልዩን ክርእዩን ትብዓት ረኸቡ. . . ።”
“እቲ ብፍርሒ ንእምባ-ሕልና ዝወረደ ስጋዊ ኣካል ቁሩብተይ ከለልያን ብማዕዶ ክርእያን ምስ ጀመረስ ስሒቑ። . . . ”
ዕርቂ ብስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ ዝተሃንጸት ዛንታ ኰይና፡ ብሰለስተ ኵርናዕ እናተቐለሰት ናይ ንጥርጣር መንፈስን ስምዒትን እናርእየት ድማ ትዝንቶ። ንሰብኣዊ ኣነይንነትን ስጋን ድማ ነብሲ ክትስዕሮምን ከተስግዶምን ትርአ። ኣብ እምባ ሕልና ክነብሩ ከም ዘለዎም ድማ ብምርኣይ ኣብ እምባ ሕልና ሰቒላ ብሞራላዊ ወይ እውን በቶ ኣድናቖታዊ ዛንታ ብምውዳእ ከኣ እታ ዛንታ ትዛዘም።
ኣብ ዝመጽእ ክፋል ራብዓይን ናይ መወድኣታን መጽሓፍ ተረፍ፡ ንዘለዋ ድኹም ጎድኒታት ብምድህሳስ ክዛዝም እየ።
***
መጽሓፍ ተረፍ ንዅሉ መዳይ ህይወት ማለት ካብ ግዜ ቝልዕነት ክሳብ ግዜ ንእስነትን ኣብ ምልላይን ምድህሳስን ትርጉም ህይወትን እተርኢ መጽሓፍ ኮይና፡ ኣብ ኣሰራርዓ ዛንታታት ድማ መስርዖም ሒዞም እናዓበዩ ዝኸዱ ዛንታታት እዮም።
እቲ ዘገርም ጽባቐ ናይዛ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ቅዲታት ዝተዓዩ ኰይኖም፡ ኵሎም ድማ ነጸብራቕ ናይ ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ሕብረተ ሰቡ ዘንጸባርቖን ዘለዎ ግደን ብምርኣይ እዩ እቲ ዛንታታት ተዓዩ። ይዀን እምበር፡ ብዝተፈላለዩ ቅዲታት እዞም ዛንታታት ምዕያዮም ንደራሲ ሓደ ካብቲ ሓያል ጎድንታቱ ዘብሎ ይኽእል እኳ እንተኰነ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ሓደ ካብቲ ድኹም ጐድንታቱ ከብሎ ዝኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ዝዀነ ጽሓፊ ናቱ መለለዪን መንነትን ቅዲን ባህልን ልምድን ክህልዎ ስለ ዘለዎ። ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጽሓፍቲ ዓለምና፡ ነናቶም ቅዲ ብምሓዝ ንቡዙሓት ጽሓፍቲ ክጸልዉን ተዘካሪ ዕዮ ክገድፉን ኪኢሎም ኢዮም። ደራሲ መጽሓፍ ‘ተረፍ’ እዛ መጽሓፉ ብዅልንትንኣ ተዘካሪትን ነባሪት ስራሕን ከብላ ዝኽእል ብዙሕ እኳ እንተሃለወ። ብናይ ብዙሓት ጸሓፍቲ ጽልዋ ድርሳኑ ከሪኤና ይኽእል እምበር፡ ፍሉጥ መለለዪ ክገድፈልና ግን ኣይከኣለን። ንኣብነት “መልሲ ጐደና” ብ ኢኒሸሽናል ስቶሪ ዝተዓየት ስራሕ ኢያ። “ዓራዪ ሰዓት” ብ ፕሎትለስ(ትልሚ ኣልቦ) ዝተዓየት ኢያ። “ዕርቂ” ብቾኮቭያን ሞድ ዝተሰርሐት ኢያ። ብጥምዙዝ ዛንታ ዝውድኡ እውን ኣለዉ። ብኸምዚ ምጽሓፉ ማዕረ እቲ ኣድናቖታዊ መልሰ ዕንጋለ፡ ነቐፌታዊ መልሰ ዕንጋለ ክዘንቦ ከም ዝኽእል ግን ፍሉጥ እመስል። ዋላ’ኳ ጽሓፍቲ ሃገርና ብሓደ ቅዲ ብጥምዙዝ ወይ ድማ ብኣደናቂ ኣፈጻጽማ (twisted end/ surprise ending) ጥራይ ዝፍለጡ እንተዀኑ፡ ቅዲታቶም ግን ከነለልዮ ኪኢልና ኢና። ዋላ’ኳ እቲ ትሕዝቶ ዛንታ ኣሰልካዪን ተደጋጋሚን እንተዀነ። ደራሲ መጽሓፍ ተረፍ ግን ዋላ’ኳ እዚ ዝተጠቕሰ ከም ድኹም ጐድኒ ክዝረበሉ ይከኣል እንተዀነ፡ ሓንቲ ካብተን መወከሲታት መጽሓፍቲ ሃገርና ከይዀነት ግን ኣይክትተርፍን ኢያ።
ብዘይካ እዚ ልዒለ ዝጠቐስክዎ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ብዙሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሓንቲ ዛንታ ግን፡ ናይ ኣሰራርዓ ድኽመት ተንጸባሪቑ ይረአ። ኣብ ዛንታ “ጻማኣ” ዘሎ ምስ እንምልከት ድማ ብኸምዚ ተሰሪዑ ይርከብ። ንቐደም ኣምር ናይቲ ዛንታ ንምትሓዝ ዝኣክል።
ጻማኣ፡ ንገጻት ህይወት ፍቝራት እተዘንቱ ኰይና፡ ማክዳ እትባሃል ፍቅርቲ ቀንዲ ጠባይ፡ ንዕኡ ብምግዳፍ ንሓደ ኣብ ደገ ዝነብር ብፈይስቡክ ዝተላለየቶ ክትምርዖ ትውስን። ወሲና እውን፡ ኣይኰነላን እምበር። እቲ ብፈይስቡክ ዝተላለየቶ ሰብ ካብ ደገ (ወጻኢ) መጺኡ ኣስመራ ምስ ኣተወ እንተርኣየቶ፡ ዝሸምገለ ካብ ንዘለዎ ምንባር ንሞት ከም ዝቐርብ ምስ ረኣየቶ፡ ምምርዓው ከም ዘቋረጸቶ ኣብ እቲ ዛንታ ኣሎ።
“ኡፍ!. . . ዘረባ ደኣ መን ክኽእለካ፡በጃኻ ኢለካ ሕጂ ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና. . . ፈይስቡክ ከኣ ከፊተ ኣለኹ።”
“እንታይ እዩ ፈይስቡክ ከ?”
“. . . ድሒርካ ኢኻ ኮ ዘለኻ. . . ! ዘየለኻ. . . ! ኣብ ዓመት ሓንሳብ እናመጻኻ ደኣ፡ ተስፋኻ ኣይኰነን ርእስኻ እውን ክኣርግ እዩ. . . !”
ኣብ በረኻ ምሕዳር፡ ኣብ ስንጭሮታት ምንባር፡ ተስፋኻ ከም ዝሃፍፍ፡ ዕድመ ንእስነትካ ከም ዝረግፍ ኢያ ኣመታ እናሃበት ትርአ። እቲ ዝዓበየ ነገር ድማ ካብ ምዕባለ ዓለም ተገሊሉን ተቐይዱን ከም ዘሎ እናውካእትሉ ይንበብ።
ፈይስቡክ ምኽፋታ እውን፡ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ቀንዲ ዋና ነገር፡ ብፈይስቡክ ሓደ ሰብ ተላልያ ከም ዘላ ክትነግሮ ስለ ዝደለየት ኢያ። ነጊራቶ ድማ። ዕድመ ንእስነታ ብዘይ ውዳእ ተስፋ ጥራይ ምስ ኰና፡ ከም ዝወሰነት ከኣ ትነግሮ።
እሞ እቲ ድኹም ጐድኒ ናይዛ ዛንታ ደኣ ኣበይ ኢዩ? ኣብ ኣዘናትዋ? ኣብ ፈሓዚ ሓሳባት? ኣብ መቓን ግዜ? ወይስ ኣብ ኣፈጻጽማ? መወከሲ ብምውሳድ ክድህሰስ ይሓይሽ።
ኣዘንታዊን ማክዳን መዓስ ኢዩ ሌላኦም? ኣበይ?
“ኣብ ሓደ ዓመት ክረምታዊ ማእቶት ተማሃሮ፡ከካብ ቤት ትምህርትና ምስ ወፈርና ኢና ፈለማ ተላሊና። ሽዑ ኣነ ናይ ካልኣይ ዓመት ተማሃራይ ቤት ትምህርቲ ስነ ኪነት፡ ንሳ ድማ ናይ 10ይ ክፍሊ ተማሃሪት ቤት ትምህርቲ ሰማእታት እያ ዝነበረት።” (105) እዚ ኢዩ መበገሲ ሌላኦም።
ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ገጻት ህይወት ክልተ ፍቝራን ግን ኣብ ምውኃድ ዛንታ ዘለቕለቕ ክብል እርአ። ኣብነት ንምውካስ ኣብ ገጽ 108 ከምዚ ይንበብ።
“ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወፍር እንከለኹ፡ ንሳ ግን ስፖርተኛ ተባሂላ፡ በቲ ዓውዲ – ኵዕሶ ሰኪዐት ኣጐልጉሎታ ክትፍጽም ምስ ተገብረ፡ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣይበለትን።”
እዚ ግዜ ብመቓን ዓመተ ትምህርቲ 1992/93 ምንባሩ ሌላኦም የብርህ። ዓመተ ትምህርቲ 993/94 ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ሳዋ ከም ዝወረደ ከኣ የረድእ። በዚ ግንዛበ እዚ ድማ፡ ክረምታዊ ማእቶት ቅድሚ ሳዋ ድዩ ኔሩ? ብምባል ኣብ ሕቶ ኰለል ክትብል ትግደድ። በዚ ከኣ እዛ ዛንታ ናይ ምውህሃድ (Arrangement) ጸገም ከም ዘለዋ ተንጸባሪቑ ኣሎ።
ካብዛ ዛንታ ብውልቀይ ዝተማሃርክዎ ወይ ዝተዓዘብክዎ እንተሎ፡ ኣብ ተኣኒንካ ዝሰርሓኻዮ ዕዮ እውን ጌጋ ክርከብ ከም ዝኽእል ኢየ ኣእሚነያ ንነብሰይ።
***
ተስፊት ኣብርሃም