ዓደየ ዓደይየ!
ከመይ ኮን’ዩ ነይሩ እቲ ባህጋ?
እንታይኮን’ዩ ነይሩ ሕልሚ ደቃ?
እንታይ ሒዙ’ሎኸ እቲ ውሽጣ?
እንተተተንፍስ ደኾን ምፈኾሳ?
ፈውሲ ብኻ! ፈውሲ ጣዕሳ!
ልበይ ሓቚና’ሞ ንኸብደይ ትበልዖ
ውሽጠይ ረብሻ ኣዒንተይ ተንብዖ
ክላዘባ ይብገስ ከዕልላ
ንሳ ግና. . .
ቀቢጻትኒ ግዲ ኾይና
ጠሚታትኒ ትም ትብል ደኒና!
ቅጭዶ’ታ ኣምጺኤላ
በቲ ሓደ ክጎድእ፡
በቲ ካልእ ክኽውል ንቁስላ
ክስሓግ ርእያትኒ ከቀናጁ ስእላ!
እዛ ዓደይ ሽኮሪና
ምእማነይ ግዲ ስኢና
ትርኣየኒ ደኒና
ከም ጉህይቲ መርዓት
በቲ ስልማት በቲ ንብዓት!!
ይርጋኣለም ፍስሃ
2011