መኮነን ተስፋይ ( ኣሜሪካ)
ንሲምፖዝየም ስነጽሑፍ ኤርትራ ሳንታ ክላራ ዝቐረበ ጽሑፍ ( 10 መጋቢት 2018)
ዝኸበርኩምን ዝኽበርኩም ዕዱማትን ተሳተፍትን
ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ እዚ ሲምፓዝየም
፩ይ ክፋል
ኣቐዲመ ነዚ ዕድመ ንዘቕረብኩምለይ ኣዳለውቲ እዚ ዋዕላ ደረት ኣልቦ ምስጋናይ ኣቐርብ። ኣዳለውቲ ኮሚቴ ኣብዚ ህዝብና ጠርናፊ ስኢኑ በብዝወጾ ነንፋንጥኡ ፋሕ ኢሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንምዕባለ ስነጽሑፍ ሃገርና ሓሲብኩም ነዚ ኣህላኺ ዝኾነ ዘይተኣደነ ግዜን ጉልበትን ዝሓትት ሲምፓዝየም ከተዳልው ምኽኣልኩም ሞሳኹም ካብ ውጽኢት እዚ ዋዕላ’ዩሞ ከም ሓሳብኩም ተበግሶኹም እዚ ዋዕላ ዕውት ክኸውን ዘለኒ ትምኒተይ እገልጽ። ኣብዚ ዋዕላ ዘቕርቦ ጽሑፍ መባእታዊ ሌላ ማሰን መልቀስን ትግርኛ ኮይኑ ተሳታፊ ዘይፈልጦ ሓድሽ ነገር ሒዘ ይቐርብ ኣለኹ ኢለ’ኳ ኣይኣምንን እንተኾነ ሓደ ጥርኑፍ ንተገዳስነትና ዘዕቢ ጽሑፍ’ዩ ክብል ግን እኽል።
ማሰን መልቀስን መኣስን ብኸመይ ጀሚሩ ፍሉጣት ማሰኛታትና ኸ በዓል መን ኔሮም? ሕጂኸ በዓል መን ኣለው። ማሰን መልቀስን ፍልልዮም እንታይ’ዩ? ኣውሎን ማሰን ብምንታይ ይፈላለዩ? ወራዲ መርዓም ማሰኛን ዕዱም ማሰኛን ዝበሃሉ ከመይ ዝበሉ’ዮም? መላቐስቲ ኣብ ቀብሪ ዝኽተልዎ ኣገባብ እንታይ ይመስል? ዝብሉ ሕቶታት ምስ መለስኩ ገለ ፍሉጣት ማሰን መልቀስን ትግርኛ ጋቢዘ ሕቶታት እንተልይኩም ድማ ሕቶታትኩም መሊሰ ክፋነወኩም’የ።
ቅድሚ ማሰን መልቀስን ብኸመይ ጀሚሩ ንዝብል ሕቶ ምምላሰይ ብዓቢዩ ባህሊ እንታ’ዩ ባህልን ልምድን ከ እንታይ’ዩ ፍልልዮም ያታኸ ኣብ ትሕቲ ምንታይ ይምደብ ዝብል ገለ መብርሂ ክህብ ክፍትን። ያታ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ እናተመሓላለፈ ዝጸንሐ ናይ ጥንቲ ዛንታ፡ ኣፈ ታሪኽ፡ ብሂል ጽዋ ኢዩ። ባህሊ ትርጉሙ ብመሰረት ተኪኤ ተስፋይ ዘዳለዎ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ትግርኛ ባህሊ ሓሳብ፡ንግግር፡ንጥፈት፡ስርሓተ-ኢድ ዘጠቓለለ፡ ሰብ ንኺመሃርን ንመጻኢ ወለዶ ዝኸውን ፍልጠት ድማ ንምውራስ ኣብ ዘሎዎ ድሌት እተመርኮሰ ተወሃሂዱ ዝቖመ ጠባይ ደቅ-ሰብ፡ትውፊት ኢዩ ይብል። ልማድ ንዝብል ቃል ድማ መርጌታ መርሃጽዮን መብራህቱ ኣብ ዘዳለውዎ ልሳን ኣግኣዚ ዘእም ግርማ ዘርእስቱ መዘገበ ቃላት ትግርኛ ትግርኛ ካብ ቀዳሞት ወለዲ ዚውረስ ባህሊ፡ ወግዒ፡ ኣገባብ ወዘተ ኢዩ ይብሉ።
ማሰ ኣፋዊ ስነግጥሚ ኮይኑ ብኣፍ ጥራሕ ዝግጠም ኣብ ግዜ ሓጎስ ማለት ኣብ መርዓ፡ ከብካብ፡ ናይ መዘናግዒ ቦታታት እንዳስዋ ወይ ከኣ እንዳሜስ ወይ’ውን ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ዝእከበሉ ባይቶ ወይ’ውን ኣኼባን ካልእ ካብ ሓዘን ወጻኢን ዝቐርብ ኣፋዊ ግጥሚ’ዩ። ማሰን ኣውሎን ተወራራሲ ስም’ዩ ዘለዎ። ብሓፈሻ ግን ኣውሎ ብዝያዳ ንሕጽር ዝበለ ማሰ ወይ ግጥሚ መግለጺ እንጥቀመሉ ቃል’ዩ። መልቀስ ኩልና ከም እንፈልጦ ካብ ምልቃስ ወይ ምባካይ ዝወጸ ቃል ኮይኑ ኣብ ግዜ ሓዘን ንመዋቲ ንምንኣድን ታሪኹ ንምዝካርን ከምኡ ድማ ንሓዘንተኛ ንምጽጽናዕን ዝግበር ኣፋዊ ግጥሚ’ዩ። ንመልቀስ ዝገበሩ ሞያውያን መላቐስቲ ክንብሎም እንከለና ንማሰ ዝገበሩ ድማ ማሰኛታት ንብሎም። ማሰኛ ኮይኑ መላቓሳይ ክኸውን ይኽእል በዚ ድማ ማሰኛን መላቓሳይን ባሻይ እከለ ወይ ኣቶ እከለ ንብል። ኣብ ገለ’ውን ብመላቐስቲ ጥራሕ ዝፍለጡ ናይ ኣፋዊ ግጥሚ ሰብ ሞያ ኣለው። ንኣብነት እቶም ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ዘለው ኣቦታት ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስን ኣቶ ኪዳነ ሕድሩን ብበበይኑ መጸውዒ ኢዮም ዘለዎም። ኣቶ ሓድሽ ብማሰኛ ክጽውዑ እንከለው ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ግን መላቓሳይ ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ተባሂሎም’ዮም ዝጽውዑ። ምኽንያቱ መጸውዒኦም ድማ ኣቶ ሓድሽ ዝያዳ ኣብ መርዓን ናይ ሓጎስ ኣጋጣሚታትን ክጸቕጡ እንከለው ኣቶ ኪዳነ ሕድሩ ከኣ ሓረስታይ ወራዲ ባሕሪ ምስ ምዃኖም ኣብ ቀብሪ ዝያዳ ዝርከቡ ኣብ መርዓ ግን ብዙሕ ዘይርከቡን ኣብ ሞት ተዘካሪ ዝኾነ መልቀሳት ስለዝገበሩን’ዩ።
ማሰን መልቀስን ትግርኛ ካብ ጥንቲ ዝነበረን ዝውትሩን ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ ብርግጽ ንኽንደይ ሚእቲ ዓመት ቀጺሉ ወይ ብትኽክል ብኸመይ ጀሚሩ ዝብል ሕቶ ክሳዕ ሕጂ ዘይተመለሰ ሕቶ’ዩ። ተማራማሪ ቋንቋ ትግርኛ ተጋዳላይ ሰለሙን ጸሃየ ብዛዕባ ማሰን መልቀስን ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ መጽናዕቲ እቶም ብሰባት ክዝከሩ ዝኽእሉ ዝጠንተው ማሰኛ ኣይተፈሊኪኖስ ኮይኖም ካብ 1765 ክሳዕ 1790 ማሰ ይብሉ ከም ዝነበሩ’ዩ ክፈልጥ ኪኢሉ። ኣይተ ፈለኪኖስ ኣብ ሎጎ ሳርዳ ይነብሩ ብምንባሮም ብዓል ሎጎ ሳርዳ’ዮም ዝብል እምንቶ ከም ዘሎ ዳሕራይ እዋን ግን ኣብ ትግራይ ከይዶም ስለዝሰፈሩ ብዛዕቦኦም ብዙሕ ዝፍለጥ የለን። ሎጎ ሳርዳ ከም ዝኾኑ ዓዶም ግን በታ ዲጊም ዓደይ ከይምለሳዶ እትብል ማሰኦም ይፈልጡ። ንሶም ምስ ደቂ ዓዶም ደቂ ሎጎ ሳርዳ ላሞም ስለዝሓረዱሎም ቂም ስለዝገበሩ ዓዲ ከም ዝለቐቑ ኣብቲ ማሰኦም ይገልጽዎም።
ዓድስ’ካ እንሄልኩም እገላ
ዳጉዶም ትነብር ምስ ዛዕጎላ
ጓል ቤቶም ትነብር ምስ ደገላ
ሓምሳ ኢሎም ዝጽዕኑ መሸላ
ብዘይ ጉርዲ ብዘይ ኣንፊጨላ
ጓለይ ሓዘትኒ ሕደር ኢላ
ኣብ ኣዶታ ክሰርሕ ገበላ።
ዓድስ’ንካ እንሄልኩም ደጉዛይ
ስጋ ዝቐለቦም ጉርዚ ጉርዛይ
ተንኮል ዘይፈልጡ ህጃይ ምጃይ
ኣብ ኣ’ባ ከይትኸውን ገዛይ።
ዓድስ እንሄልኩም ደሪጨን
ዘሪእካዮ ዝበቁል ሓርጨን
ናብ እምባ ክወጻ ተረቢጸን
ጥኑሳት ወደኣ ረረጊጸን።
ዓድስ እንሄልኩም ዘርኢ ሞሲ
ቀላይ ራዛ’ሞ ይገብሩ ማሕረሲ
ትንፋሶም ዘየርክባ ቐሺ።
ዓድስ እንሄልኩም ኣብ ደጊዐን
ብቕጭን ዝኸዳ ተሸኒዐን
ኣብ ጽላል ዝውዕላ ተጸጊዐን።
ዓድስ እንሄልኩም ሽመጃና
‘ታ ጎልጎሎም በጊዕ ዝኽዳና
ኣብ ጽላል መዓሎም ኣብ መሞና
መስተይቶም ንእሽቶ ቅምጫና
ኣብኣዶ’ታ ክንሰርሓ ገዛና።
ዓድናስ እንሄልኩም ወደከለ
ዘረባኦም ተሎ ዘይፍለ
ጊሓት ዒሉ ንምሸት ሂለለ።
ዓድስ እንሄልኩም ኣግዓ ጥርቀ
ሓሻኽሮም እኒ ጎሹ ወርቀ
ኣዳራሾም ብጠጂ ዝጠልቀ
ንሳቶም ገዲፍካ እንዳ መን ትዕቀ።
ዓድና እንሄልኩም ሰብዓ ዳሞ
ጾም ሓዲሮም መጸበቕቲ ህድሞ።
ዓድስ እንሄልኩም ስርኹሶ
ንኣታቶም ጥሕሎ ንጓል ቤቶም በሶ
ንኣታቶም ርግኦ ንጓል ቤቶም ዓውሶ
ሓደ ወደይዶ’ታ ኣብኣ ክሕውሶ።
ዓዲ’ሎና ክብሉ ድዮም ሎጎ
ጽቡቕ ዘይክደኑ ዘይ ኣደጎ
ጸብሒ ዘይፈልጡ ዘይማልጎ
ጥጥቖ ቀለቦም ወትሩ ምጎ
ምጎ ብምጎኡ በታ ድርጎ
ሓደ ወደይሲ ኣብዚ ነይሓድጎ
‘ቲ ድላየይ ዳሕዳኩዎኸ’ሞ
ንመልቀሳይ እንታይ ይግምገሞ
ፈረስ ማይ ረጊጽካስ ስግር ማይ ስገሞ
ደጊም ዓደይ ከይምለሳ ደሞ።
ስማት ማሰኛታት ኤርትራ ንምዝርዛሮም ሓደ መጽሓፍ’ውን ኣይ ኣክልን’ዩ። እንተኾነ እቶም ግኑናት ኣኣብ ግዚኡ ክሳዕ ብመራሕቲ ሃገር ዝፍለጡ ዝነበሩን ማዕረ ሽጉጥን ካልእን ዝስለሙ ዝነበሩ ማሰኛታትን መላቐስትን ማሰኛ ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስ ኣጠቓሊሎም ኣብ ሓደ ማሰ ዘኪሮሞም ኣለው።
ካሕሳይ ሰምዲ
ናይ ክኢላታት ዕርዲ
ክኢላ ኢኹም ቐንዲ
ኣቦ ኢኹም ወላዲ
ኣይግዛእን ‘ትብሉ ብባዕዲ።
ኣቦይ ወለድንግል ቀደም ንስኹም ሎሚ’ውን ንስኹም
ይንቁ ኣሎ ኣርሓኹም
ሰሲኑ ዘርእኹም
ይንገር ኣሎ ሞያኹም።
ብላታ ደበሳይ ወዲ ባሕረ ነጋሲ ጭሮም
ነዚኦም ኢዩ ታሪኽ ዝንገሮም
ፍሉጣት ደረስቲ መኽበርቲ ሃገሮም።
መልቀስ ናይ ኣቦይ ዑቕቢት
ማሰ ናይ ኣቦይ ዑቕቢት
ጸበል ኣቡነ ኣረጋዊ ፈውሲ ኣራዊት
ብእምኒ ዝስዕሩ ከም ቅዱስ ዳዊት።
ኣቶ ጭሮም ወዲ ኸንቲባ መዓሾ
ክቡር ኢኹም ዓቢ
ሰማእት ኢኹም ነቢ።
ኣቦይ እምነቱ በዓል ንዕልቶ
ሳጓኦም ወርሒ ለይቶ
ማሰኦም ክንደይ ይፍቶ
ሕማቕ ዘይዛረቡ ዒንቶ።
ካሕሳይ ሸፉ
መዓር ኣፉ
ታሪኽ ንዳሕረዎት ትውልዲ ዝገድፉ
ማሰኛታት እንተ ተቐይሞም ብቕኔ ኢዮም ዝጻረፉ።
ኣብርሃ መድህን ኣብ ድኻታት ኢዮም ማሰ ዝብሉ
ከም ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ዝቕበሉ
ሓቀኛ ንኣምላኽ ዘገልግሉ።
ኣቶ ገብረመድህን ወዲ ቐሪጫ
ብዘመን ጣልያን ዘልቀስኩማ መልቀስ ኣብ ሓንጎል ህዝቢ ተቐሪጻ
ኣብ ናጽነት ሎሚ እንተ ዝኸውን ምወሰድኩም ብልጫ
ኤርትራ ዓድኹም ኢዮርሳሌም መሲላ
መሲላ ቅዱስ ሰለሙን ዝሃነጻ።
ተመልሶ ቐለተ ዘልቀስዎ
ማሰ ዝበልዎ
ኣብ መጻሕፍቲ ተሓቲሙ
ብፈላጣት ተተርጒሙ።
ባሻይ በርሀ ኣሸራ
ኣቦታትኩም ኣብ ምዔም መሓዛ ሓገግቲ
ክቡር ኢኹም ከም ሰንበት መዓልቲ
ኮኾብ ኢኹም ናይ ሃገር መብራህቲ።
ተወልደ መዓሾ ከልቅስ ከሎ ኣትሪሩ
ማሰ ክብል ኣትሪሩ
ንሃገር እምበር ንጓና ዘይፈልጥ ኣቀባጢሩ።
ኣቶ ገብረኢየሱስ ካሕሳይ
ኪኢላ ከም ብላታ ደበሳይ
እንዳ ንጉስ ተዋሓሳይ
ክቡር ንሃገሮም ወዳሳይ።
ሕመድ ሓላይ
ዘይሕምበስ ብርቱዕ ቀላይ
ዓይኒ ማይ ፈልፋላይ
ፍሉጥ ከኣላይ
ከም መሓመድ ነቢ ንረቢ ኣገልጋላይ።
ኣቶ ክፍላት ስሑል ቀርኒ
ኣቦ ዜማ፡ በዓል ወኒ
ዓቢ እንግድዓ ጠፊእካኒ።
ኣቶ ይከኣሎ ካብ በረከቶም ዘውጽኡ ኣስራት ቦኽራት
ኣየ ክእለት ተኣምራት።
ሸቃ ምስግና ምኩር ክእለቶም
ጻዕዳ ዕፉን ምህርቶም
በዓል ቀጢን ዘንጊ ሓላዊ ርስቶም
ኣብ ሩባ በለሳ ኢየን ዝሰትያ ጥሪቶም
ሸውዓተ ለጎ ምስ ኣርሕአን ዘግዝምወን ነዋልዶም።
ኣቶ ክፍላት እንተ ሞቱ ብጉዑ
ኣቶ ይከኣሎ እንተ ሞቱ ብጉዑ
በዓል ኣቶ ገብረመድህን እንዶ’ለዉ
በዓል ነጋሽ ባርያኡ
ንሃገሮም፡ ጸኒዖም ዘጽንዑ።
* * *
ዝበዝሑ ማሰኛታት ከምዚ ኢሎም ማሰ ምባል ይጅምሩ ነበሩ፡-
ከም’ቲ ዝበልዎ ካሕሳይ ሰምዲ
እንጀራ ነይወጽእ ብዘይ ሞጉዲ
ኣበሱዳ ፈውሲ ሕማም ከብዲ
ቅጫ ዓተር መጸበቒ መኣዲ
ሓያል ማሕጎማ ዘይወጽእ ሰጉዲ።
ከም’ቲ ዝበልዎ ካሕሳይ ሰምዲ
ገለስ ኣሎ ብሴፍ ተጓማዲ
የውጽኣና ከኣ ካብ ነዊሕ ጎዳጉዲ
ከየዐስወና ብብርቱዕ ራህዲ
ከየዕውረና ብኩልመት ጋራዲ።
ከም ወዮ ዝበሎ ካሓሳይ ሰምዲ
ንፋስ ደጉዓ ብዘይ በረድ ኣኸርዳዲ
ዋዒ ቆላ ብዘይ ድምጺ ኣሰንባዲ
ሓይሊ ሕጊ ብዘይ ይግባይ ቐርዳዲ
ጥምየት እኽሊ ብዘይ ሓዊ ዘባዲ
ሞት ድማ ብዘይ ለበዋ ሰዳዲ።
ውሩይ ማሰኛን መላቓሳይን ኣቶ ተወልደ መዓሾ በዓል ዓዲ ጮማይ ኣውራጃ ሰራየ ወትሩ ማሰ ክብሉ እንከለው ፈለማ ነንብሶም ከምዚ ብምባልዮም ዝጅምሩ
ኣነ እንድየ ተመልሶ መዓሾ
ወዲቐ ዝትንስእ ከም ኩዕሶ
ከም ከኒና ጥልያን ፈውሲ ዓሶ
ንሕሙም ዘረባ ዝፍውሶ
ንዓይዶ ክጠፍ ኣኒ ዘረባ
ቀዲደ ዝሰፍዮ ከም ዓለባ።
ማሰኛታት ኣብ ክልተ’ዮም ዝኽፈሉ። ዕዱምን ወራዲ መርዓን ተባሂሎም ከኣ ይፈላለዩ። ወራዲ መርዓ ማሰኛ ንጉስ ናይታ ዳስ ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ክብሪ ማሰኛ ናይቲ ዕለት’ዩ። እንዳ ወዲ ነቲ መርዓ ከጸብቐሎም ቅድሚ ኣዋርሕ ብቖጸራ ዝሕዝዎ ማሰኛ ኮይኑ ዝበዝሑ ሰብ ሃብትን ሰብ መዓርግን ናብቶም ጓሎም ዝወስዱሎም ዘለው እንዳ ጓል ምስ ኣተው ከጽብቖምን ክንእዶምን ታሪኾም ክነግረሎምን መን ኣሎ ዝሓሸ ማሰኛ ተባሂሉ ዝምረጽ ኮይኑ ዝበዝሐ ግዜ ተቛጸርቲ ንማሰኛ ምሉእ ጻዕዳ ክዳን ከዲኖም ዝኣክል ገንዘብ ሂቦም’ዮም ምስኦም መርዓ ዘውርድዎም። ዕዱሙ ዝበሃል ማሰኛ ከም ሰቡ ኣብቲ መርዓ ተዓዲሙ ዝኸይድ ኮይኑ ቅድሚ ወራዲ መርዓ ማሰኛ ማሰ ክብል ዘይፍቀዶ ድሕሪ ወራዲ መርዓ’ውን ብሰናይ ፍቓድ ናይቲ ወራዲ መርዓ ማሰ ዝብልን ማሰኛ’ዩ። ሓደ እዋን ኣቶ ሓድሽ ገብረገርግስ ፍልልይ ወራዲ መርዓን ዕዱም ማሰኛን ከይፈለጡን ነቲ ኣገባቡ ከይተረድእዎን እንከለው ኣብ ሓደ ዳስ ቅድሚ ወራዲ መርዓ ማሰኛ ማሰ ኢሎም። ሽዑ ማሰኛ ወራዲ መርዓ ዝነበሩ ቤት ሰማዕቲ ዝዓዶም ኣቶ ሓድጉ ስዩም ነቶም መንእሰይን ህዉኽን ማሰኛን ሓድሽ ገብረገርግስ ኣብቲ ዳስ ከምዚ ክብሉ ማሰ በሉሎም።
ኣንታ ወዮም እንዳ ጋይም እንዳ ልቡስ
ወዮም እንዳ ጉዑላይ እንዳልብሱ
እንዳሳሩ እንዳሃብተሚካኤል እንዳልብሱ
ኣንታ ወዮም እንዳልቡስ
እዚኦምዶ ኸኣ ናብ ማሰ ተመልሱ
ኣቦታቱ መሪና ጸንቂቖም ነይሮም ይትኩሱ
እዚ ቆልዓ ተጋግ’ዩሎ ብጻሕ በልዎ ኣባት ነብሱ።
ኣቶ ሓድሽ ድሕሪ’ታ ማሰ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ዳስ ማሰ ከይበሉ ውዒሎም ናብ ዓዶም ተመልሱ።
መላቐስቲ ኣብ ቀብሪ ሱቕ ኢሎም ህሩግ ኢሎም ኣትዮም መልቀስ ኣይገብሩን’ዮም። ሽሕ’ኳ ዝኽፈሎም ገንዘብ ኣይሃሉ ፍሉጥ ሰብ ኣብ ዝሞቶሉ ግዜ ቅበሩና ተባሂሉ ንበይኖም ወረቐት ናይ ዕድመ ይለኣኸሎም’ዩ። ሓደ እዋን ማሰኛን መላቓሳይን ኣቶ ገብረመድህን ብስራት ካብ ሓደ ዘይፈልጥዎ ሰብ ቅብሩና ዝብል ወረቐት መጾም። መዋቲ ወዲ ደግያት ዛፍላ’ዩ ኔሩ። ሽዑ ኣብቲ ቀብሪ ምስ ከዱ ቅድሚ ንመዋቲ ዘቕርብዎ መልቀስ ምልቃሶም ከምዚ በሉ
ከመይ ኢኹም ደግያት ዛፍላ
ደቂ ሸውዓተ ኢሮብ ደቂ ሓሰበላ
ወረቐትኩም መጺኣትኒ “ይድረስ” ኢላ
እዛ ምጭሕጋር ወረቐትስ’ባ ኩሉ ከኣላ
ብዓንቶቦ ዘይጽናሕኩም ሌላ
ምስ ሞትካዶ ተደልዩ ኪኢላ።
፪ይ ክፋል ሰንበት ፪፭ መጋቢት