AMAN TEKESTE W.
ቦኽሪ ኣፍቃሪተይ፡ ብኣምሆ “መርዓን ሓዳርን ምምናይ ገዲፈዮ እየ፡ ብመትከል ባሕታዊ ምዃን እሕሸኒ፡” ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ዓንቀጽ ዘንበቡ መሓዙተይ፡ ሓንቲ ሕቶ ኣቕሪቦሙለይ። ምናልባት እቲ ጽሑፍ ዘየንበብክዮ ከይትኾኒ፡ ጾሚቐ ክጽሕፈልኪ።
“ክምርዖ ዝሓንጸጽኩዎ መደብ፡ እጠራጠረሉ ኣሎኹ። ከም መደብ ደኣ ሓንጺጸዮ ኣሎኹ’ምበር፡ ካብተን ንንእስነተይ ዝኸበባ ኣዋልድ ገና ኣይመረጽኩን ዘሎኹ። መርዓ ወይ ሓዳር፡ ናብ ጭው ዝበለ በረኻ ህይወት ስለ ዝስንድው፡ ካብ ሕልምታተይን ትምኒታተይን ከየታርፈኒ እሰግእ ኣሎኹ። በየን ከም ዝመጸ፡ ኣበይ ከም ዝበቈለ ዘይፈልጦ ገዚፍ ትምኒት ኣለኒ። ብቐደሙ’ውን መርዓ፡ ከም ሰብ መጠን፡ ሓደ ካብ ተራ ባህግታት ወይ ባህላዊ ግዴታይ ደኣ’ምበር፡ መትከላዊ ምርጫይ ኣይነበረን፡ ኣይኰነን ከኣ! ሓዳር ናብ ሃው ዝበለ ተራ ናብራ ከጥሕለኒ ዘሎዎ ተኽእሎ እምብዛ ርሒብ’ዩ፣ ነገር ግን፡ ተራ ህይወት ክመርሕ ኣይምነይን። ብውራይ መዓልታዊ ናብራ ተዋሒጠ ህልውናይ ከሽርፍ ዝብህግ መንእሰይ ኣይኰንኩን። ኣብ እንካን ሃባን፣ ኮነ – ተባህለ – ተገብረ፣ ዝምእከል ህይወት’ውን ክጓሲ ኣይሃርፍን። ከምዚ ዓይነት ህይወት፥ ካብ ሓቂ፡ ጽባቐ፡ ፍቕሪ፡ ሓርነት ንምእላሽ ከታርፈኒ ኣየፍቅድን። ዕንደራ ህይወተይ፡ ነዘን ቀዲመ ዝጠቐስኩወን ኣምራት ህልውና ንምድላይ፡ ንምንጽብራቕ፡ ንምፍጣር፡ ንምክፋልን ንምጭባጥን እዩ። ንሰብኣዊ ጸዓተይ/ንያተይ፡ ብሓዳርን ስጋዊ ጥምጥምን ከዳኽሞ ኣይደልን። ነተን ዘፍቀርኩወን ዝተመነኹወን ሄዋናት፤ ንስለ ብልጽግና ሰብኣውነት፡ ንኽብሪ ስነ-ጥበብን ፍልስፍናን፡ ንስለ ናጽነትን ፍትሕን፡ ንስለ ግርማውነት ጽባቐን ፍቕርን ክብል ክጾመን’የ፡ በቃ ክሕረመን’የ! ከምኡ’ሓይሽ! ንስለ ዝለዓለ ተበግሶ ህይወት፡ መስዋእቲ ክኸፍል ድማ ድሉው’የ። ካብ ድልያ ሓቂታት ናብ ምውናን ጥበባት፡ ቀጺለ ናብ ደረጃ ፈጠራ ጽባቐታት ክሓኹር፡ ብእኡ ኣቢለ ምስ ኣድማስ ክሓብር፣ ዩኒቨርሳላዊ ቅርጺ ክሕዝ፣ ከም ትኪ ዑድ ረቂቐ ክስወር ስለ ዝዀነ መትከለይ፡ ነዚ መትከል’ዚ ንኽተኽሎ ብመትከል ባሕታዊ ምዃን እዩ’ቲ ኣማራጺ።” … ከምዚ ኢለ እየ ጽሒፈ ነይረ።
ኣይደንጎዩን፡ ንድሕነተይ ድዩ ንኻልእ ዝተጓየዩ ክመስሉ ኣብ ቻይና፡ ዱባይ፡ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዘሎው መሓዙተይ፣ “ከማኻ ንስነ-ጥበብ፡ ፍልስፍናን ግርማውነትን ንምእላሽ ኣብ ጉዕዞ እትርከብ ሓንቲ፡ ጎፍ ምስ እትብለካ፡ እሞ ኻኣ ውቃበኣ ወቓሕ እንተ ኢላትካስ እንታይ ምወሰንካ?” ኢሎምኒ። ሕሉፍ ዛንታይ ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን፣ ግን ቁስለይ ጎዲኦምኒ፡ ኣሰኒፎምኒ። ንኸስተንትን ድማ ቀሲቦሙኒ።
ክምርዖ ዝሓንጸጽኩዎ መደብ፡ ንኸቛርጾ ውሽጣዊ ድፍኢት ከም ዝረኸብኩ ብመለኸት ምስ ኣወጅኩ፡ ሰሚዕኪ ዲኺ ኣይሰማዕክን? እንድዒ! ግን እዚ ጽሒፈልኪ ዘሎኹ እዩ ፍረ ነገሩ፡ ፍቕሪ ፈለማይ። ሓበነይ፡ ጸጋን ክብርን መርዓ ስሒተ ኣይኮንኩን፡ ከምዚ ዝመሰለ ምስጢር ህይወት ዝስሕት ዓይነት ሰብ’ውን ኣይኮንኩን። ካልእ ተረፈ እቲ ትእምርቲ ንእስነተይ ዝነበረ ፕላቶ፡ ኣብታ ‘ሲምፖዚዩም’ እትብል መጽሓፉ፡ ብመልክዕ ዝርርብ ሶቅራጠስን ዲዮጢማን ገይሩ ምስጢር ዘለኣለማውነት ኣውኪኡ ነይሩ። መላእኽቲ ዘይተዓደልዎ ህያብ፡ ኣዳምን ሄዋንን ዘሎዎም ጸጋ ፈሊጥክዮ’ዶ ኣሎኺ?! መላእኽቲ ሓደን ዘይቀያየርን ባህሪ ክህልዎም ከሎ፣ ኣዳም ግን ካብ መስርሕ ናብ መስርሕ ምስ ግዜ እናበረኸን እናበልጸገን ዝኸይድ ፍጡር’ዩ። ብመገዲ ምጽንባር ክልተ ኣንጻር ነፍስን ስጋን ድማ ቀጻልነቱ የውሕስ። ኣነ ደኣ ወሸሎ ነቲ ክትኮስ ከም ዝተቐረበ ኣርትለሪ ሚእትን ሰላሳን፡ ወትሩ ተወጢሩ ንስያፍ ቀኒዑ ዝነብር፡ ‘ቬንቲ-ኡኖ’ በትሪ ኣዳመይ ኣውጺአ፡ ኣብቲ ብህርፍርፎት ዝጽበ ሕምቦ ኣፍቃሪተይ፡ እናተፈሓፍሐ ሸተት ኣቢለ ኣእትየ፣ ውሽጢ ህልውናኣ በርቢረ፣ ባህርያዊ ጽማቚ ኣዳምነተይ ንውሻጣ ቀሊበ ክእብዳ፡ ከመይ ዘይሃርፎ?!
ሓበነይ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ወይ ኪንዩኡ፡ ምሳኺ ብፍቕሪ ዝነበርኩወን ወቅቲ ፍሉያት’የን። ንፋልማይ እዋን ገጽ ፈጣሪ ዝረኣኹለን እዋናት’የን። ፈጣሪ ካብቲ ንኣዋልድ ደቂ ከተማና ዝለገሶ ጽባቐ፡ ፍርቁ ኣባኺ ዓሊቡ፡ እቲ ፍርቁ ድማ ነተን ዝተረፋ ኣዋልድ እዩ ተመቓሪሑ ክብል ከለኹስ፡ ትዝክርዮ ዶ?! እንተዀነ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ እሳትን ቊጠባዊ ኣሰሓይታን፡ ዝሰዓበ ምዝንባላት ኣብ መስመር ሂወተይ፡ ዝተኸስተ ቀጨውጨውን ሰንፈላልን፡ ነቲ ትንፋስ ፈጣሪ ኮይኑ ብህይወት ዘንቀሳቕሰኒ ዝነበረ ፍቕርኪ ክስእኖ ተገዲደ። ከም ዝተመርዓኪ ምስ ሰማዕኩ፡ ዋላ’ኳ ኣይትዓድምኒ፡ ግደ ሓቂ ሰናይ ምንዮተይ ኣዕሪገ። “ኣብ ዝከደቶ ትኪድ፡ ብሰናይ ትንበር” ኢለ’የ፣ ምሓዛኺ ሰምሃር ምስክረይ እያ። ከማኺ ገይረ ዘፍቀርኩዋ ሄዋን የላን። ኣብ ልበይ ዝገደፍኪዮ ተምሳጥ ፍቕርኪ፡ እመኒ ኣይትእመኒ፡ ማዕረ ንቕርጽን ህርመትን ልበይ ቀይሩዎ’ዩ።
ቀዳመይቲ ፍቕረይ ኢኺ ኔርኪ። ድሕሪ መርዓኪ፡ ክንድ’ቲ ናትኪ ፍቕሪ ደኣ ኣይከውንን’ምበር ምስ ብዙሓት ብፍቕሪ ተሳልየ’የ። እታ ሰሓቒትን ቅጭንን ኤዱ፣ እታ ሰኣሊትን ደራፊትን ሸዊት-ስገም፣ እታ ቃላት ፈቲላ ኣሊማ ትገጥም ሶፊ፣ እታ መኸየፊተይ ሚዘር፣ እታ ነዋሕ ኵዕንንቲ ሰገን .. ዝኣመሰላ ኣፍቂረ’የ። ናትኪ ግና መዘና ኣይነበሮን፣ እምብዛ ሓያል ጥራይ ዘይኰነስ እምበረ-መጠን ባህርያተይ ዝቀየረ ፍቕሪ’ዩ ነይሩ። እታ ቀዳመይቲ ግጥመይ፡ ተመርዒኺ ንደገ ምስ ከድኪ ዝሸርጠጥኩዋ እያ። ድሕሪኣ ብዙሓት ገጢመን ጽሒፈን እያ፣ ክንዳኣ ትጽብቕ ግጥሚ ዝጸሓፍኩዋ የላን በሃሊ እየ። መጸናንዒተይ፡ ካብቲ ወዲቐዮ ዝነበርኩ ተንሲአ ንኽስጉም ዝገበረትኒ ጽሕፍቲ ብምንባራ ንበይነይ ገይረያ፣ ንንፋስ ኣየውቃዕኹዋን። ስስዐ ድዩ ወይስ ሓይሊ-ተምሳጣ ብኻልኦት ከይትመናናህ ፈሪሐስ ኣየርኣኹዋን ንዝኾነ። ቀዳመይቲ ግጥመይ ንቐዳመይቲ ኣፍቃሪተይ ምዃና’ያ!
ወላ’ኳ ተፈላሊና እንተ ተመርዓኺ፡ ንሓድሕድና ኢልና ዳርጋ ከም ዝተፈጠርና መዓሙቕኪ ይነግረኺ ይህሉ። ካብ ዝገጠማንን ዝረኣኹወንን ሓንቲ ንስኪ ፍልይቲ፤ ከማይ ንስነ-ጥበብ ኣምላኺት፣ ንፍልስፍና ህይወት ፋሕታሪት፣ ንዕንደራ ልቢ ይኹን ንጻውዒት ኣእምሮ ተገዛኢት ምንባርኪ ሕልፊ ዝኾነ ኣነ እፈልጦ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ‘ተኾነ ምሳይ ፍቕሪ ከም ዘይወዳእኪ ካብ የዒንትኪ አንብቦ፡ ካብ ድምጽኪ እሰምዖ፡ ካብ ስንባደኺ እርደኦ፣ ብሓጺሩ ካብ ኣካውናኺ እፈልጥ።
“ህይወት ናብ ዝደለኻዮ ብራኸ እተደይብ መሳልል’ያ ኣርከበ መዓሪኖ፣ ህይወት ክትመጣጠረላን ነብስኻ ዳግማይ ትፈጥረላን እተኽእል መድረኽ ተኽእሎታት’ያ፣ ህይወት ንጽባቐ – ንግርማውነት – ንዕብየትን እያ፡” ክትብልኒ እንከለኺ ይዝከረኺ’ዶ? ካን ናይ በይንና ታሪኽ፡ ተራ ጦብላሕታ ህይወት ኮይኑ ድዩ ኣብ ወረቐት ክሰፍር?! ትዝክርዮ ዶ እቲ ብዛዕባ ትፈጥርለይ መንፈሳዊ ትብዓትን ምልኣትን ከዕልለኪ ከለኹ?!
እስከ ክሓተኺ፡ ድሕሪ ሓዳርኪ፡ ምስቲ ብዓል-ቤትኪ ብምዃን፡ ጨቢጥኪዮ-ዶ እቲ ትሓልምዮ ዝነበርኪ ፍቕሪ? ቀሪብክዮ-ዶ እቲ ተምልኽዮ ደረት ጽባቐ? በጺሕኪዮ-ዶ እቲ ተኽእሎታት ህይወት? ኣስተማቒርኪዮ-ዶ ዝተመነኽዮ ደረጃ ዕብየት? ሓኹርኪዮ-ዶ መሳልል ህይወት? ወኒንክዮ’ዶ እቲ ኣድማሳዊ ግርማዊነት? ….. እንተ በልኩኺ ኸ፡ ይኣኽለኺ ኣብ ዕንክሊል ሓዳር-ጥራይ፡ ንዒ ምጺ ናባይ። ስምዕዮም ባህግታትኪ፡ ኣይትዕጸውዮ መሳኹቲ ልብኺ፣ ተረድእዮ ህንጡይነትኪ፡ ኣይትዕበጥዮ ብሓይሊ፣ ዘርግሕዮ ራእይታትኪ – ኣይትዓፍንዮ ብናብራን ጭርጭር ከተማን።
ሓቂ ናተይ፡ እዚ ኣብ ፍቕርን ህልውናን ዘለኒ ንጹር ግንዛበ እዩ። ፍቕሪ፡ ጽባቐ ህይወት’ዩ፣ ምስጢር ሓቂ ከኣ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰንክዮ ጉዳይ መርዓ፡ እዚ ዘለኽዮ ወሊዱ። ኣብ ህይወት ዕድል ሓንሳእ እዩ እኳ እንተበሉ፡ ኣነ ግና ካልኣይ ዕድል ክህበኪ። እቲ ምንታይ፡ ምሳኺ ኮይነ ዝተለምኩዎ፡ ዝተመነኹዎ፡ ዝበሃግኩዎ … ወዘተ. ኣብ ካልእ ኣይረኸብኩን። ናይ ክልቴና ምልፋን ንዝዓበየ መድረኽ ከዝልለና ከም ዝኽእል እፈልጥ። ስለዚስ፡ ብስጋ ተላፊና ህይወት የዕኵኽና ጸጋ ዘለኣለማውነት ክንካፈል፣ ሓባራዊ ዕንደራ ኣራእስናን ልብናን ዝጠነሶም ሓሳባት ስጋ ከነልብሶም፡ ኮታስ ‘ብኹሉ ኩሉ’ ምዕሩግን ግሩምን ህይወት ከነሕልፍ ንዒ ናባይ። እዛ ንሓደ እዋን እትወሃብ ህይወት፡ ብዘይነጽፍ ፍቕርን ውዕውዕ ስምዒትን ንኽንነብራስ ኣፋቲሐ’ዶ ክምርዓወኺ!!!
ናይ ኩሉ ግዜ ተመናዪኺ፡ ኣርከበ ዘ ማሳዋ።
(መጋቢት 08, 2014)
*******
“ፍቕሪ ክልቴና፡ ዘኢትነገር ኢዩ ኢልካ ደምድሞ!”
ሓበነይ፡ “ኣፋቲሐ-ዶ ክምርዓወኪ?!” ኢለ ብሕቡእ ዘይኮነስ ብቕሉዕ ኣብ ፈይስቡክ ብነጋሪት ዝሓተትኩኺ፡ ብፈይስቡክ /ኢ-መይል ዘይኮነስ፡ ተገዲስኪ ብዲ.ኤች.ኤል ደብዳቤ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ምስዳድኪ ልቦናኪ ዝገልጽ እዩ። እቲ ጽሑፍኪ ከምዚ ይንበብ (ቊሩብ’ኳ ናይ ቃላት ምስትኽካል እንተገበርኩሉ)፤
ኣርከበ፡ ክሳዕ ሕጂ ንፍቕርን ህይወትን ትምነየኒ ምዃንካ እምበረ-መጠን ደንጽዩኒ። ነታ ጻልጣ ንጽህቲ ከም ማይ ንግሆ ዝነበረት ልብኻ፡ ከም ዘይትምለስ ገይረ ዝመረዝኩዋ መሲሉኒ ነይሩ ብውሳኔ መርዓይ፣ ግና ቅርጻን ትርግታኣን ከም ዝቐየረት ነጊርካኒ። እዚ’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ፍሉይን ሓዳግን ኴንካ፡ ሰናይ ምንዮትካ ምግላጽካ ንደረጃ ኣተሓሳስባኻ ዘርኢ’ዩ። ተባረኽ! ኣምላኽ ድማ ምሳኻ ይኹን!
ፍቕሪ … ፍቕሪ ኢልካ ጽሒፍካ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓጺብካና። ህይወት ግን ፍቕሪ ጥራሕ ዘይኮነስ እምነት፡ ተስፋን ሓላፍነትን ዝብሃሉ ኣኽናፍ ኣሎውዋ። ኣብ ሓዳረይ … “ክቕጽል’የ … ወሳንነት ግዜ ኣስተብሂለ … ዝሓሸ መልክዕ ናይ ናብራ ኣሎ ኢለ … ግድን ዓቲረ / ናይ ህይወት ኣርዑት ተሰኪመ … ማዕረ ዓለም ሰጉመ ክወጻ ክፍትን’የ … መታን ጽባሕ ክሓይሽ ካብ ሎሚ” እዚ ነቲ ተስፋ ዝብል ክንፊ ኢለ ናይቲ ትፈትዎ ጂንየስ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ዝወሰድኩዋ’ያ።
እቲ ኳዕናን ኤርትራዊ ጽሓፋይ ሰመረ፡ ኣብ ሃገረ ብርጣንያ ኮይኑ ዘሕተማ ‘ኤርትራዊት መርከብ ኣብ ባሕሪ እምነትን ተስፋን’ እትብል መጽሓፉ ኣንቢብካያ እንዲኻ?! ካብቲ እቲ ደራሲ ዝጸሓፎ ክሽርጥጠልካ፥ “እምነት፡ መትከል ህይወትን እንታይነትን እዩ! እምነት፡ ማይ ህይወት’ዩ፣ እምነት ቀለብ/ጸዓት ህይወት’ዩ። ነቲ ምድረ-በዳ ህይወት፡ ነቲ ጸልማት ናብራ .. ነቲ ዘይጋደፍ ፍሽለት ዓለም .. ውድቐትካ፡ ዝሃሰሰ ራእይካ፡ ንጭቆና መግዛእቲ፡ ንዕግበት ውሽጢ .. ኮታ ንኣድላይነትን ቀጻልነትን ህይወት … እምነትን ተስፋን የድሊ፡” ይብል። መለይ እኮ’ዩ ኢሉዋ ነታ ኣብ ባሕሪ እምነትን ተስፋን እተንሳፍፍ ኤርትራዊት መርከብ! ኣነ ድማ ነዘን ኣምራት ህይወትን ሓዳረይን ሒዘ ምስ መለይ ምንስፋፍ እሕሸኒ። ብእምነት ክቀውም እደሊ! በቃ እምነት! ንዓይ፡ እምነት መላሲ ትርጒም ህይወት እዩ።
ኣነ ንዓለም በዛ ሓንቲ ስድራይ ገይረ ክቃለሳ’የ፣ ንስካ ግን ሓሳባትካ፡ ኣምራትካ ናብ ግሩም ስነ-ሓሳባትን መትከልን ቀይርካ ናብቲ ብሃንቀውታ ናይ ደቁ ጽቡቕ ዝጽበ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣቕንዓዮ። ጸሎት ኣቦታት ስማዕ፡ ምህለላ ኣዴታት ተረዳእ፡ ትምኒታት መንእሰያት ወድብ፡ ኣውያት ኣዋልድ ሃገርካ ፍታሕ፡ ጥሙይ ከብዲ ቈልዑ ኣዐንግል። ኣብ ዝባን ጎቦ ዓዲ-ኸፈለት ኴንካ ድምጺ ፍልስፍናኻ ከተቃልሕ ዘይኮንና ክንጽበየካስ፡ ነቲ ካብቲ ጎቦ ክውሕዝ ዝጅምር መረብ ናብ መዓላ ሃገር ቀይርካ፡ ንዝቓደረ መሬት በቲ ዛራ መረብ ጌርካ ኣጥልል እየ ክብለኻ ዝኽእል። ጸዓትካ፡ ነበልባላዊ ስምዒትካ .. ፍትሒ ንምንጋስ፡ ሚዛናዊ ስርዓት ንምፍጣር ተጠቐመሉ። ኣነ ክልተ ነገር እየን ደስ ዝብላኒ፣ ዘስርሕን ዘየስርሕን ሜላታት ኣለሊኻ ናይ ግብሪ ምዃንን ምግስጋስን። ኣኹርዓኒ፡ ሽዑ ኣፖሎ ውሽጠይ ክብለካ።
ጽባቐ፡ ሓቂ፡ ጥበብን ግርማውነትን ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ህይወት ጌርካ ጥራሕ ኣይትውሰደን፡ ኣርከበ መቕሰን። ናብ ዝበረኸ መድረኽ ከም ፍትሒ፡ ናጽነት፡ ኦርደር ኣሰጋግረን። ፖለቲከኛ ኩን ኣይብልን ዘሎኹ። ዘስርሕ ሓሳባት ፈጢርካ፡ መሰረት ዓደ’ቦኻ ጸግኖ፣ ተመናኒሆም ዘሎው ሓይልታት ህዝብኻ ትንፋስ ሃቦም። ሓገዝ ናይቲ ዓርክኻ የድልየካ ይኸውን’ምበር፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣረኣእያታት ኣብታ ዝፈልጣ ዕትሮኻ የእቲካ ሓድሽ ፍጠር።
ሓደራኻ ግን ነዚ ናተይ ናትካን ፍቕሪ፡ ‘ዘኢትነገር-ክዱን-ብኣፈ-ስላሴ’ ኢልና ንደምድሞ። ኣጋፐ ፍቕሪ እዩ ኢልና ገጉዕዞና ንግበር። ምስታ ውቃበኣ ወቓሕ ዝበለትካ ክትጻመድ ሰናይ ምንዮተይ እዩ። እንተኾነ ክምርዓው ድየ?! ባሕታዊ ምዃን’ዶ ምሓሸኒ?! እናበልካ ንያትካ ኣይተዳኽሞ። ከም ቃሕታኻ ኪድ! ጥራይ ምህለላን ጸሎትን ስማዕ፡ ትምኒታት ወድብ፡ ሕልምታት ጠርንፍ፡ ራእይታት ኣርቅቕ፡ ስነ-ሓሳባት ህነጽ፣ ነቢ ናይ ስነ-ሓሳባትን ራኢታትን ደኣ’ምበር ከምዞም ዘሎው መዘምራን ወይ ኣንፈቶም ዝሰሓቱ ፋሉላት ኣይትኹን።
እንተ’ቲ ‘ቨንቲ-ኡኖ’ ዝበልካዮ ስላዕ ኣዳምነትካ ግን ብሓቂ ለጀንዳሪ እዩ። ሰብኡት፡ በትሪ ኣዳሞም ካብ ሓደ ኢንች ንላዕሊ ስለ ዘይፈላለ፡ ናይ ኩሎም ያዊ ሓደ’ዩ ትብለኒ ዝነበርካ ግን ፍርቂ-ሸነኹ ኣይሰማማዓሉን’የ። ማለት፡ ምስ ምውሳኽ ዕድመ እቲ ክውንነት ይቀያየር እዩ። ምስጢር ዩኒቨርስ ዝገልጽ ቅማር ናይ ኣይንስታይን E=MC2 ከማን ኣብ ሓደ ኢንች እያ ተጻሒፋ። ስለዝስ ሓደ ኢንች ዝቃለል ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ፍሕፍሐ-ነገረ-ስጋ፡ ልዕሊ’ቲ ለጀንዳሪ በትሪ ኣዳምካ፡ እተን የዒንትኻ እምስጣኒ ነይረን። መሳኹቲ ኤግዚስተንስ እየን እብለካ ነይረ። ብዝኾነ፡ በትሪ ኣዳምካ ነዓና ነዋልድ ዘይኮንካ ተፈራርሓሉስ፡ ቀስትን ሰንጥን ኣእምሮኻ ናብቶም በተንቲ ጽሩይ ሕልምታት ኣብሎ።
ኣብ መወዳእታ ዝብለካ፤ ሓቂ ናተይ፡ እዚ ዘይንቅነቕ እምነተይ እዩ። በዚ ሓላፍነት ሓዳረይ (ዓለመይ)፡ በቲ ስጋ ዝለበሰ ጽባቐ ወደይ፡ በቲ ምዕሩግ ፍቕሪ ጓለይ፡ ብእምነት በዓል-ኪዳነይ ገይረ ክጭብጦ ዝደሊ ኣድማስ ኣሎኒ።
Let me put this way: my marriage is self-purposiveness; my marriage is my form of finality – sublimity.
እንታይነት ፍቕሪ ምርዳእን ምግላጽን ንባዕሉ መወዳእታ ዕላማ እዩ። ፍቕሪ ኣይውነንን እዩ፣ ግና ትካፈሎ። ክንድ’ዚ ፍቕሪ ኣብ ልዕለይ እንተ ሃልዩካ፡ ንሱ እኹል’ዩ በሃሊት እየ። ንዓይ ምውናን ዘድልየካ ኣይመስለንን። ሓቀኛ ፍቕሪ፡ ምሉእ ናጽነት ዝህብ ምዃኑ ኸኣ’ባ እኣምን።
“እተፍቅራ ፋልመይቲ ኣፍቃሪትካ ምርሳዕ እምብዛ መሪር እዩ፣ ምስ ካልእ ሰብኣይ ወዲኣ ክርእያ እሞ ማዕረ ቃንዛ ኦሞሬድዮ እዩ፡” ኢልካኒ ኔርካ ሓደ ግዜ። ኦሞሬድዮ’ውን ኦፐሬሽን ጌርካ ዝለግስ ቃንዛ እዩ። ስለዝስ እዋእ …!
ካብ፡ ናይ ሓደ ግዜ ዛርቲ ህይወትካ፡ ሓበን
ቻው ኣርከበ!
መጋቢት 11, 2014
*****
ድሕረ-ጽሑፍ፤
እቲ “ራእይታት ኣርቅቕ፡ ስነ-ሓሳባት ህነጽ፡ ፈጠራ ጽሓፍ እምበር፡ መዘምራን ናይ ገሊኦም ሓሳባት ኣይትኹን፡” ዝበለቶ ኣዝዩ ፍናነይ ኣበሪኹዎ። እንተ’ቲ “ኣነስ ብመገዲ መስሪተዮ ዘሎኹ ሓዳር ገይረ ክበጽሖም ዝረኣዩኒ ሰናይ ነገራት ኣሎው (the good beyond the beautiful and the sublime)፡ ብመትከል ኣብ ዘሎኹዎ ክምርሽ እየ” ምባላ፡ ሰብ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ማዕረ ክንደይ ከም ዝቕየር፡ ሕጂ ተቐጂሉኒ።