ንፈልጥዶ ህዝቢ ዓፋር ከም ዘይምሕሉ ?
መኮነን ተስፋይ
ማሕላ ማለት መፈጸምታ ነገር ወይ ናይ ሓሳብ መኸተሚ ኮይኑ እተዛረብናዮ ኮነ ዝሰማዕናዮ ነገር ከነረድእ እንከሎና ኩነታቱ ሓቂ ምዃኑ እነረጋግጸሉ ናይ ሓሳብ መኸተሚ ቃል ኢዩ። ማሕላ ኣብ መላእ ህዝቢ ዓለም ዝውቱር ኮይኑ ኣገባባቱ ግን ክፈለላ ይኽእል‘ዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንባዕሉ‘ውን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገባብ ማሕላታት ኣሎ። ቆልዑ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ንመዓልቲ ብውሑድ 10 ግዜ ክንምሕል ይዝከረኒ። ። እስከ መሓል ትብል ቃል መጻውትኻ ወይ ወዲ ትምህርትኻ ዳርጋ ልምድቲ‘ያ። ሓሶትን ሓቅን ከኣ ብማሕላ ነረጋግጽ ነበርና። እቲ ኣገባብ ኣመሓሕላ ኢድ እቲ ትምሕለሉ ዘለኻ ሰብ ብምጥቃዕ’ዩ፡ እስከ መሓል ኢሉ ኢዱ ይሰደልካ ሓቂ ምዃንካ ከተረጋግጸሉ ዝደለየ ሰብ፡ ንስኻ ኸኣ ሓሙሽተ ኣጻብዕትኻ ምስ ኣጻብዕቱ ብምርኻብ ጠቓዕ ኣቢላክ ትምሕል። ኣብ ግዜ ቁልዕነት ብሓሶት ክትምሕል ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ’ዩ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣመሓሕላ ስም ኣቦሓጎኻ ጠቒስካ ዝግበር ኮይኑ ስጋ ኩስቶ ብምባል ናይ ኣቦሓጎኻ ስም ረቑሕካ ትምሕል። እዚ ኣገባብ ኪኖ እቲ ማሕላ ስም ኣቦሓጎኻ ንኽትዝክርን ብዛዕባ ኣቦሓጎኻ ክትሓስብን ዝድርኽ ኮይኑ ይስመዓኒ። ገለ ሰብ’ውን ብስም መዋቲ ወላዲኦም ወይ ዝፈትውዎ መቕርቦም ዝምሕሉ ኣለው “ባባ ዝኣተዋ ” ወይ ድማ ስጋ ኣቦይ ኢለ ዝብል መምሓሊ ልሙድ‘ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ዕቱብ ጉዳያት ማሕላ ዓቢ ክብርን ተፈራሕነት‘ዩ ዘለዎ። ገለ ሰብ ሓቅነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ክምሕሉ‘ውን ኣይደልዩን‘ዮም። ኣብ ገለ ከባቢ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ማዕረ ጉድጓድ ኩዒቶም ነጸላ ከዲኖም ሓቂ እንተኾይንካ ነዚኣ ሰለስተ ተሳገራ ተባሂሎም ዝምሕሉ ሰባት‘ውን ኔሮም ይበሃል። ኣብ ገለ ገለ ዓዲ እውን እንዳ እከለ ዝበሃሉ ኔሮም ኣቦኦም ብሓሶት ምስ መሓለ ጸኒቶም‘ዮም ዝበሃል ዛንታ ጎፍ ይብለካ‘ዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ብሓሶት ሚሒሎም ዕውራት ጥራሕ ዝወለዱ ስድራ ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። እዚ ይኹን እምበር ማሕላ ንመን ቀተለ ዝብል ብሂል ከኣ ኣሎ።
ገጣሚ ብርሃነ ገብረሂወት ማሕላ ኣብ እትብል ሓጻር ግጥሙ እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ንረኽቦ
ማሕላ ብኸፈር
ብከንፈር
ብሓንቲ ቃል ብዘይመስፈር
ልዕሊ እኽሊ
እነሆ ሰብ ይስፈር።
ቃሉ ንከኽብር
ይምሕል ይጥሕል
ቃሉ ንክቕይር
ይምሕል ይጥሕል።
እናበለ
“ማሕላ ንመን ቀተለ”
ኣይእገም ኣይጽገም
ክኽሕድ’ውን
ማሕላ’ዩ ዝደግም።
ማሕላ ምስ እምነትን ሕልናን ተሳንዩ ዝኸይድ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ከኣ ኣብ ገጠራት ሰብ ነገር ናብ ዳኛ ምስ ቀረቡ ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ክታብ ክጠቕዑ ዝረኣዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ማሕላ ዘስፈሮ ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብል
ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።
ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡
ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ።
ካብ ጸጉሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
ህቡብ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም’ውን ኣብ 1993 ዝጻሓፋ ምሕል ጥልም ዘረእስታ ግጥሙ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ይርከባ
ኣነ ዝፈልጠካ ትማሊ ትማሊ
ዕንቅፍ ከይበልካ ኣብ ባይቶ መሓሊ
ዓፍራ ክሳብ ተውጽእ ኣብ መዳሪ መሓሊ
እቲ ኩሉ ፈዳሕ ዳሕ
ናይ ኣፍ መዳራጋሕ
እቲ ኩሉ ጎሳዕሳዕ
ዶ ኣበልካዮ ርስዕ
ምሕል ጥልም
ሓወይ ምሕል ጥልም
ማሕላስ ኣይቕተልካ ንመን ምስ ቀተለ
“ቕጭጭከ” ካብ በለካ ሰብ ዝበለ እንተበለ
ሕልናኻ ግን እይንታይ ይብለካ ገለ ?
ብዛዕባ ማሕላ ክለዓል እንከሎ ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ህዝቢ ዓፋር’ዮም። ህዝቢ ዓፋር ማሕላ ከም ዘይምሕሉን ምኽንያት ዘይመምሓሊኦም ከኣ ታሪኻዊ መበገሲ ከም ዘለዎ እዚ ዝስዕብ ዛንታ የረጋግጸልና። ብዛዕባ ሕግታት እንዳባ ኣብ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ንዝቐረበ ትሕዝቶ ኣመልኪቱ ርእይቱኡ ንኽገልጸለይ ብተሌፎን ዝረኸበኒ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ክፍለ ግ ዝ ኣት ካሊፎርኒያ ብስደት ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ካብ ሃገር ዝተፈልየ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ነበር ተኽለ ወዲ ሓንታይ እቲ ቀንዲ ዘደወሎ ሓሳባት ምስ ዛዘመ ሓደ መሳጢ ዕላል ኣካፈለኒ። ተኽለ ሓንታይ ምስ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት እንከሎ ኣብ ሰሜን ደንከል ከባቢ በዓል ባዳ ተመዲቡ’ዩ ዝጋደል ኔሩ ስርሑ ዝፈጠረሉ ኣጋጣሚ ድማ ምስ መነባብሮን ባህልን ህዝቢ ዓፋር ክላለ ዕድል ረኺቡ ነበረ ። ወዲ ሓንታይ ዘዕልለኒ ዝነበረ ቦታታት ካብ 1990 ክሳዕ 1993 ኣብ ደንካልያ ካብ ኢንገል ክሳብ ደሴት ሓሌብ ኣብ ዝዝርጋሕ ቦታ ስለዝነበርኩ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ስእሊ እቲ ከባቢ ዝቕጀለኒ ኔሩ። ይኹን እምበር ባህርያት ናይቲ ዝነጥፈሉ ዝነበርኩ ስራሕ ምስ ባሕርን ደሴታትን እምበር ምስቲ ህዝቢ ብዙሕ ዘራኽብ ስለዘይነበረ ብዛዕባ ህዝቢ ዓፋርን መነባብሩኡን ሕግታቱን ክንዲ ናይ ተኽለ ዝኸውን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይጸንሓንን።
ኣብ 1978 ዓም ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሰሜን ደንከል ባዳ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ክልተ ስድራ ተኻሲሶም ናብ ዳኛ ናይቲ ዓዲ ቀረቡ ዳኛ ነቲ ዝቐረበሉ ነገር ፈጺሙ ክገብረሉ ቁሩብ ከበዶ። ተኻሰስቲ እቲ ሓደ ካብ’ቶም ሕይል ዝበሉ ዓሌት ኮይኑ ብሓደ ካብቶም ቁሩብ ድኽም ዝበሉ ዓሌት ተኸሲሱ’ዩ ናብ ዳኛ ቀሪቡ። ከሳሳይ ነቲ ዝኸሶ ዝነበረ ሰብ “ኣጣለይ ሰሪቑ ናብ የመን ወሲዱ ሸይጡወን” ብምባል’ዩ ከሲሱዎ። ተኸሳሳይ ከኣ “ኣይፋል ኣነ ኣጣልካ ኣይወሰድኩልካን ናብ የመን ወሲደ’ውን ኣይሸጥኩወንን” በሎ። ዳኛ ዝህቦ ፍርዲ ንተኻሰስቲ ናብ ደም ምፍሳስን ካልእን ከየብጽሕ ስለዝሰገአ ነቲ ጉዳይ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ንዕብይ ዝበለ ጉዳያት ዝፈርዱ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ቤት ፍርዲ ከሕልፎ ወሰነ።
ተኻስስቲ ኣብ ፊት ነቲ ጉዳይ ክርእዪ ዝተቐረቡ ተጋደልቲ ደው ምስ በሉ ነገሮም ኣፍሲሶም እቶም ተጋደልቲ ዝብልዎም ንኽሰምዑ ምሕጽንተኦም ኣቕረቡ። ነቲ ጉዳይ ዝመርሖ ዝነበረ ሰብ “ሕራይ ኣጠለይ ሰሪቑ ናብ የመን ወሲዱ ሸይጡወን ትብል ኣለኻ መን ኣለካ ምስክር? ማለት ን ዕ ኡ ሰሪቑ ክሸይጥ ዝረኣዮ ወይ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ምስክር ኣለካዶ?”ብምባል ንኸሳሳይ ሓተቶ።
ከሳሳይ “ኣነ ምስክር የበለይን” በለ
“እሞ እንድሕሪ ምስክር ዘይብልካ ኮይንካ ተኸሳሳይ ነዚ ጉዳይ ከም ዘይወዓልካዮ ክትምሕል ኢኻ?” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ ዳኛ ተጋዳላይ ብሕልን ኡ ከኣ እቲ ጉዳይ ብማሕላ ክፍጸም’ዩ ዝብል ግምት ኣሕዲሩ ነበረ።
እቶም ነቲ ጉዳይ ክከታተሉን ከሳስን ተኸሳስን ከሰንዩ ዝመጹ ዓበይቲ ዓዲ ኣቦታት ነቲ ናይ ማሕላ ጠለብ ምስ ስምዑ ሰንበዱ። ንሓድሕዶም ከኣ ጉጅምጅም በሉ። ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ከስነዩ ዝመጹ ዕብይ ዝበሉ ኣቦ ግን ብዛዕባ ማሕላ ዝምልከት እቶም ተጋደልቲ ዝፈልጥዎ ከም ዘይብሎም ንኸብርሃሎም ጎረሩኡ ስሒሉ ባዛዕባ ማሕላ ከምዚ ብል ገለጸሎም።
ንሕና ኣይንምሕልን ኢና፡ ኣብ ሕብረትሰብና ከኣ ማሕላ ፍቑድ ኣይኮነን። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ እዚ ዝስዕብ ዛንታ ክነግረኩም ብምባል ንመበገሲ ናይቲ ህዝቢ ዓፋር ማሕላ ዘይምሕለሉን ኣብ ዓዳት ኣልዓፋር ዝብል ያታዊ ሕጊ እንዳባ ንዝሰፈረ ዓንቀጽን ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብርሃሎም።
ኣብ ብሄረ ዓፋር መርዓውን መርዓትን ክሕጸኑ እንከለው ንመሐጽኒኦም ዝኸውን ጸባ ምእንቲ ክሰትዩ ተሓላቢት ላም ትፍለየሎም ነበረት። ብጀካዚ ዓርኪ መርዓዊ ን45 መዓልታት ማለት ንወርሕን ክልተ ሰሙንን ካብ መርዓውን መርዓትን ከይተፈልየ’ዩ ምስ ኦም ዝሕጸን። እዞም መበገሲን መኸልከን ማሕልናን ዝኾኑ መርዓውቲ ዓፋር እምበር ሓደ መዓልቲ መርዓት ኣብ ሕጽኖታ እንከላ ናይ ኣጻብዕታ ናይ መርዓ ካትም ትጠፍኣ። መርዓት ካትማ ከም ዝጠፍኣታ ንመርዓዊ ምስ ነገረቶ መርዓዊ በቲ ኩነታት ሕርቃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነታ ካትም መን ክወስዳ ይኽእል ሓሰበ። መርዓውን መርዓትን ነታ ካትም ኣብቲ ገዛ ከይትህሉ ንኹሉ ፈቲሾም ምስ ቀበጹ ሰብ ወሲዱዋ ክኽውን ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። ክወስዳ ዝኽእል ከኣ ብጀካ ዓርኪ ርእሲ ካልእ ክኸውን ኣይክልእን’ዩ ብምባል ንዓርኪ ጸዊዖም ናይ መርዓት ካትም ወሲድካ ኣለኻ ኣምጻኣያ በልዎ። ዓርኪ መርዓዊ በቲ ዝተወንጀሎ ገበን ኣመና ሰንብደ። ወሳዲ ከም ዘይኮነ ከኣ ተዛረበ። ይኹን እምበር መርዓዊን መርዓትን ንስኻ ኢኻ ወሲድካያ ኢሎም ስለዝነቐጹ ናብ ሽማግለ ክቐርቡ ግድን ነበረ። ዓርኪ መርዓዊ ኣነ ካትም ሰበይቲ ዓርከይ ኣይወሰድኩን ብምባል ነቶም ሽማግለ ከረደኦም ፈተነ። ሽማግለ ዓርኪ መርዓዊ ይኹን መርዓዊ ምስክር ስለዘይብሎም ሓንቲ ክገብርዋ ዝኽእሉ ዓርኪ መርዓዊ ካትም ከይወሰደ ብማሕላ ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ወሰኑ። ዓርኪ መርዓዊ ድማ ብሕርቓንን ጓህን ሕርር ኩምትር እናበለ ካትም መርዓት ዓርኩ ከም ዘይወሰደ መሓለ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዓርኪ መርዓዊ ምስ መሓለ ሽዑ ንሽዑ ጣዕ ኢሉ ድሕሪ ምውዳቕ ህይወቱ ሓለፈት። ሞት ዓርኪ መርዓዊ ኣዚዩ ኣሰንባዲ ኮነ። ኩሎም እቶም ህዝቢ ከኣ ብሓሶት ስለዝመሓለ’ዩ ሞይቱ ማሕላ ከም ኡ ኢዩ ዝገብር ብሓሶት ዝምሕል ሰብ ሕማቕ ዕጫ’ዩ ዝጎንፎ ብምባል ነቲ ተረኽቦ ኣሳብሕዎ። ብሞት ዓርኩ ኣዚዩ ዝጎሃየን ክሳብ ሞት ይመጽእ’ዩ ውን ዘይበለ ሰብ መርዓዊ ነበረ። መርዓዊ ብሰንኪ ሞት ዓርኩ ካብ ሕርቃን ተላዒሉ ኣብቲ ሕጽኖቶም ጸባ ትልግሰሎም ንዝነበረት ላም ኣብ ሓዘን ዓርኩ ክትብላዕ ሃሪሙ ምስ ኣወደቓ ደቂ ተባዕትዩ እቲ ዓዲ ነታ ላም ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ጌሮም ክጠብሕዋ ጀመሩ። ላም ተጠቢሓ ምስ ወደአት ፈርሲ ክፍርስ ነቲ ስጋ ዘለዓለ ሰብ ኣብ መንጎ መስርሕ ምፍራስ ሓደ ዘደንጹ ነገር ረኸበ። ኣብ ከብዲ እታ ላም ዝጸንሐ ዘገርም ነገር ካትም መርዓት ኮይኑ ጸንሐ። ለካ እታ ተሓላቢት ላም’ያ ነታ ካትም ምስ ካልእ ዝብላዕ ለኪማ በሊዓታ። ለካ ዓርኪ መርዓዊ፡ ዓርከይ ጠርጢሩን ስመይ ኣጸሊሙዎ ኢሉ’ዩ ብሕርቃን ጣዕ ኢሉ ሞይቱ። ዓዲ ድሕሪ’ቲ ሞት ዓርኪ መርዓዊ ተኣኪቦም ድሕሪ ምምካር ማሕላ ክተርፍ ከም ዘለዎን ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ ክምሕሉ ከም ዘይብሎምን ወሰኑ ይበሃል።