ግርማይ የውሃንስ
“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ”
ኣርቲስት ኣይኮንኩን ኣነ። እንታይ ደኣ ኢላ ነብሰይ እንተዋጢራትኒ ግን ቲፎዞ ኢለ’የ ዝምልሰላ። ቲፎዞ ብቲፎዙኡ ሓያል ቲፎዞ።
ሓያል ኣስተማቓሪት ናይ ኣርት ኢኺ ኢለ’የ ዘቀባጥረላን ዘተባብዓን። ምኽንያቱ ሓያል ባህጊ ኣርት ኢዩ ዘለዋ ነብሰይ።
ካብ ቲፎዞነት ክትሓልፍ ግን ኣይካኣለትን ምስኪነይቲ ምስዚ ኹሉ ባህጋን ህንጡይነታን። ዓይኒ እያ’ኮ እናግፈሐት። ኣብ ኩሉ’ያ ትቐንእ።
ኣብ ደርፊ፣ ኣብ ግጥሚ፣ኣብ ድርሰት መጽሓፍ፣ ሙዚቃ. . . ዋይ እንታይ ከ ዘይትምነ? እንታይ ከ ዘይትብህግ? እንታይ ከ ዘይትህንጠ? እንታይ ከ ዘይትጥምት? ኣብ መወዳእታ ግን ሓንቲ ከይረኸበት ተሪፋ።
ሰብኣይ ክልተ ናብትን ናብትን ክብል መተ ይብሉ መሳሎ። ካብ ናብራ መሳሎን ቲፎዞን ምውጻእ ስኢና። ናይ እንጽርጽሮት ግዲ ኮይኑ ድማ ከም መግለጺ ኣድናቖት ኢላ’ያ ትሓስቦ መስለኒ መሬት ብጣቕዒትን ፋጻን ተናውጾ።
ብድሕሪኡ ድማ ብቕንኢ ክትልሎን ክትቅሎን መሬት ተውገሖ እዛ ኣዝያ እተደንግጸኒ መስኪነይቲ ነብሰይ።
ሕጂ ግን እንድዕላ ነብሰይ ናብ ምንቃፍ ገጻ ወፊራ ከይትህሉ ተሰክፈኒ ኣላ። ፎልት ፋይንደር ይብሉ ጸዓዱ። ፈላስፋ ፎልቲ ካብ ምዃንስ የድሕና ‘ባ ይኸውን ፈጣሪ። ዝተቐረበ መኣዲ እንዳማቶም ሃሰስ ካብዝብሉ የድሕነና ትብል ጸሎት ድማ ምስኣ ከም ኣልግብ ከብላ’የ።
ዝተቐረበ መኣዲ ምብልዑ ቀሊል’ዩ። እቲ ዝቕረብ መኣዲ ካበይ ይምጻእ ዝብል ሕቶ’ዩ እቲ ዝኸበደ። መኣዲ ተተቐሪቡ ደኣ ኢድካ ምስ መኣድን ኣፍን ምርኻብ ጥራይ እንዳኣሉ እቲ ዕዮ። ዘይዙርያኻ ወለል ዘይጠስምኻ ጸረር’ውን ይበሃለሉ’ዩ ነዚ ኸምዚ።
ምባል ምባሉ ጽቡቕ ጌርካ እንድሕር ኢልካሉ’ውን ኣይጽላእን ይኸውን መቸም።
ብዝኾነ ግን ነብሰይ ኣንጸርጺራ ግዲ ኮይና ክሕዛ ኣይከኣልኩን። ስለዝኾነ ድማ ከይፈተኹ በፍንጫ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዐ “ፎርሳ በሊ ሕራይ” ኢለያስ ሎምቅነ ዝተዓዘበቶ ነገር ቆለጭን ቆጭቆጭን ኣቢሉዋ።
“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ
ኣበይ ከም ዝኣተወት ደልየ ስኢነያ”
እትብል ኣፈይ ዘኽፈተትኒ ጣዕመ ዜማ፣ ዘጎበዘትኒ ዜማ፣ ኣቐዲማ ብዓይነ ሕልና ኣስመራ ዘዘረትኒ ዜማ፣ ነታ ዘይፈልጣ ቀያሕ ጓል ኣኽርያ ከምዝናፍቓ ዝገበረትኒ ዜማ፣ ነገር ንእስነት ግዲ ኮይኑ ኣብተን ዝተጠቕሳ ቦታታትን ኣብ ኣኽሪያን ዝራኣኹወን ቀያሕቲ ኣዋልድ
“መነአን ኮን ትኸውን?” እናበልኩ ከምዝሓስብ ዝገበረትኒ ደርፊ ንእስነተይ-“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽርያ. . .” እትብል ደርፊ ንሳን ሙዚቃኣን ኣብ ሓንጎለይ ዝተወቕረት ጣዕመ ዜማ-ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ ከም ኣደንግጽ ኣቢላትኒ።
ዘያሚኣ’ውን . . . ኒያላ ኣምባሳደር ሓደርኩ ኣብዘይሕደር እናበለ ምስኡ ኣብ ዘይሕደር ዘሕደረኒ ምልእቲ ኣስመራ ጸብጺቡ ብመንፈስ ዘኹለለኒ ደራፋይ’ውን ምስኪን ኣደንጊጹኒ።
ከምዚ’ኳ ኣዴታት ሕማቕ ክርእያ እንከለዋ ኣዴኻ ኣይትርአ ኢለን ዝድንግጻልና ዝነበራ፣ ኣነ ድማ ነዛ ዜማ ደንጊጸላስ ዋናኺ ኣይርአ ኢለላ። ከም ናይ ኣዴታት ድንጋጸ ውን ቅድሜኺ ይስጠሓኒ ኢለላ መስኪነይቲ ዝኽሪ ንእስነተይ።
ምስ ጎበዝኩ ነዛ ደርፊ እናዘከርኩ ሻሂ ክሰትየለን ዝጀመርኩ ቦታታት፣ካራቨል፣ ኒያላ፣ ኣምባሳደር፣ ሞካምቦ፣ ማተኣ. . . ነዛ ደርፊ እስእና ስለዝነበርኩ ብውሽጠይ እናዜምኩ ቀያሕቲ ቁሊሕ ተብለኒ ዝነበረት-ቀያሕ እያ ነይራ እትብል ጣዕመ ዜማ
ንኻልኣይ ግዚኣ ሓፍ ፈጠቕ ክትብል ተዓዚበያስ ሓፍ ኢለስ ኮፍ ኢለ። ፈጠቕ ግን ኣይበልኩን እዝጊሀር ኣውጺኡኒ።