ተስፊት ኣብርሃም
ካልኣይ ክፋል. . .
ዓራዪ ሰዓት፡ ብስፍሓት ሓሳባታን ኣነዳድቃን በቲ ሓደ ወገን፡ ብወሓዚ ሓሳባታን በቲ ስዲ ንባባዊ ግጥማን ድማ በቲ ካልእ፡ እትህቦ ወይ እተስምዖ ኣመት ዝያዳ ከም እትሓስብን እተስተንትንን ትገብር ዛንታ ኢያ።
ዛንታ ዓራዪ ሰዓት፡ ብትሕዝቶን ቅድን ዝተፈልየት ኰይና፡ ብትልሚ-ኣልቦ (Plotless story) ዝተዓየት ስራሕ ኢያ። ንስእሊ’ዚ ወለዶ ድማ፡ ምስቲ ናይ ቀደም ወለዶ ብምዝማድ፡ ‘ሓወልቲ ንእስነት ይህልዎዶ ይኸውን?’ ብምባል ክድህስሶ ኢዩ ዝፍትን። ዋላ’ኳ ኣብቲ ዝርርብ ‘ሰዓት’ዚ ወለዶን ሰዓት እቲ ሕሉፍ ወለዶን’ እናበለ፡ ብዛዕባ ብሉጽነት ወይ ነባርነት ሰዓታት እንተተዛረበ፡ ንወለዶ ሎሚን ንወለዶ ቐደምን፡ ካብ ምግንዛብን ምውድዳርን ግን ኣይተዓግተን።
ሓደ ዓራዪ ሰዓት፡ ዕድመ ድፍእ ዘበለ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዘዘውትር ፈጠራዊ ገጸ ባህሪ ኢዩ። ንሓደ መንእሰይ ናይ ስራሕ መንፈስ፡ ርኣይን ጠመተአን ኣብ ግዜ ብምልካዕ ደው ክብል ከም ዘይብሉ፡ ንሕማቕ ኣመል ባህሊ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ክጠፍእ ከም ዘለዎ፡ ተግሳጻዊ ማዕዳ እናኣመሓላለፈሉ ይርእ።
“ሰዓተይ ፡ ግዜ ምፍቃድ ምስ ኣበየት፡ ‘ሕራይ’ እንተ በለቶ ኢለ’የ፡ ናብኡ ዝወሰድኩዋ።”
ይብል እሞ፡ ግን ከኣ፡ ግዜ ከም ዝበልዕ ዘረባ ከም ዘብዝሕ፡ ትርጕም ሰዓትዶ ፍልስፍናዶ እና’ምጸአ ከየዋጥረኻ እምበር ገንዘብ’ኳ ድሓን’ዩ፡ ከም ዝበልዎ፡ ኣቐዲሙ ብምዝንታዉ፡ ናብቲ ኣራዪ ሰዓት ክኸይድ ከም ዝወሰነ፡ ኣስዒቡ የዘንይወልና።
“‘ናብኡ ይሕሸኒ…፡ ቅድሚ ሕጂ ሰዓተይ ዝኸፈተ ዓራዪ ሰዓት፡ ሰዓተይ ኣዘንቢሉለይ እዩ፡’ ምስ በልክዎ፡ ምሓሽን ዘይምሓሽን ዘይኰነስ፡ ዘረብኡ ከይከብደካ፡ ‘ሰዓት ንምንታይ እያ ተድልየካ…? ብዘይ ሰዓት ክትነብር ትኽእልዶ…? ሰዓት ዘይብሉ መንገዲ…?’እናበለ ብሰዓት እናተፈላሰፈ፡ ከዋጥረካ እዩ…’ ክብል ብወረ’ቲ ዓራዪ ሰዓት ዝሃጠረ ዓርከይ ነገረኒ።”
እቲ ኣዘንታዊ ከምዚ ቢሉ ምስ ኣዘንተዎ፡ ዓራዪ-ሰዓት ደኣ፡ ከመይ ዝበለ ፍልስፍና ወይ ስውጠተ-ሓሳባት ኢዩ ክሓትት? ዝስትንተን ትንፋስ ዘለዎ፡ ኣባህላ ንሰዓት ብመገዲ ህይወት ብምትስፋር ክዛረብ ዝሕእል? ኪንዮ ‘ፈንጣሕኹ፡ ኣዕረኹ?’
ኣዘንታዊ ብዕላል ዓርኩ ከይተሰከፈ፡ ዝያዳ እኳ ደኣ ፍልስፍና ዝዛረብ እንተዀይኑስ ‘ዘረብኡ ይንዋሕ ይብዛሕ’ ብምባል ናብ እንዳ ዓራዪ-ሰዓት ክኸይድ ተደፋፊኡ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ካብ ካልኦት ዕላላት ዝሰምዖ ኣብቲ ዝኽሩ ብኸምዚ ተጻሒፉ ኣሎ።
“. . . ንሱ. . . ክዛረብን ክሰምዕን እዩ ዝደሊ. . . ”
ኣንባቢ ኣቃልቦኡ ዝያዳ ደፋእ ኢሉ ከንብባን ንነብሱ ድማ፡ ‘ኣነ ኸ ክዛረብ ጥራይ ድየ ዝደሊ፡ ወይ እውን ክሰምዕ እውን እደሊ ኢየ?’ ንኽብል ትደፋፍእ። ካብቲ ድሑር ኣተሓሳስባ ብምግላል፡ ምስ ሰብ ግዜን ኣብ ሰብ ግዜን ዘለዎ ናይ ሓሳብ ምሃብን ምቕባልን ክፉት ጌሩ ዝሃነጾ ጠባይ፡ ብሞያኡ ኣቢሉ ንኹሉ መገዲታት ህይወት ኣብ ናይ ሰዓት ግዜ እናእተወ ክእልዮን ከማእዝኖን እረአ።
ንፍልስፍናኡን ሕልሙን እተብርህን እትመስል ድማ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይቲ ዝሰርሓሉ ገዛ ከምዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ይንበብ!
“ብሰዓቱ ዝበርህ መዓልቲ፡ ብሰዓቱ ዝሽፈን ለይቲ፡
ብሰዓቱ ዝምራሕ ህዝቢ፡ ግርማ ኵሉ ሕብርታት ሕጊ።”
ንሕጊ-ተፈጥሮ ኣብ መቓን ሰዓት ብምእታዉ፡ ንእብረታት ምድሪ ብሰዓታት ተማእኺሎም ከም ዝፍጸሙ እናኣመተ፡ ነቲ ፈጣሪ ሰዓት ዝኾነ ህዝቢ ድማ፡ ብስዓቱ ከም ዝምራሕ ኢዩ ዘብርህ። ንትልሚ ግዜኡ፡ ንመጻኢ ራኢኡ፡ ንተልእዀ ዕምሩ፡ ንሕሰመ-ጣዕሙ፡ ንምምራሑ ይኹን ምግራሑ እናኣማእዘነ፡ ናብታ ‘ግርማ ኵሉ’ ኢሉ ዝኣምነላ ዓለሙ ድማ፡ ‘ሕብርታት ሕጊ’ ዝያዳ ምኳኑ ይእምት።
(. . . )
“ናይ ቀደም ሰዓት ጽብቕቲ እያ።”
‘እወ ናይ ቀደም እያ. . . ‘
“ከምዚኣተን ሎሚ… ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ፡ ርግጸኛ እየ እዚኣ ብውሑዱ ካብ ኣቦሓጐኻ ዝወረስካያ መዘከርታ እያ…”
‘በቃ ናይ መዘከርታ ጥራይ እየን…፡ ኣሰርዶ ኣለወን እዩ?. . .’
“‘ሓርማዝ እናርኣዩስ ኣሰራ እደልዩ!’ ንዝብል ምስላ ዋናኡ ኢኻ ‘መስለኒ’ ካብ ኣሰሩ ሱሩ ዘሳፍሐ እንከሎስ፡ ኣሰርን መእሰርን ትሓትት…!”
ዓራዪ-ሰዓት፥ ኵሉ ዘረባኡን ኣጋውልኡን፡ ነቲ ዝሓለፈ ወለዶ ምስ’ዚ ዘሎ ወለዶ፡ ኣብ ቅማረ ሰዓት ብምእታዉ ገለ ክብል ዝደለየ እመስል። ስለምንታይ ግን ነቲ ገዲም ጽሩይ፡ ነቲ ዘመናዊ ዝራግ ጌሩ ዝቖጽሮ? ናይቲ ዝሓለፈ ወለዶ ዝነበራ ሰዓት ምጽራየን፡ ናይዚ ወለዶ ዘለዋ ሰዓት ድማ ዘይ ምጽራየን ከ ከመይ ኢዩ? ስዓታትን ወለዶታትን ከ ብኸመይ ኢዩ ክመሳሰል?
“ኵሉ’ኮ ነንግዜኡ እዩ ዝመስል። ናይዚ ወለዶ ሰዓት እንተ ርኢና ሕጂ ኣብቲ ወለዶ እየን ጠፊአን ዝተርፋ። . . . እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ዝሓልፍ መዘከርታ የብሉን፡ እንተ ደለየ እውን ጠፋሽ እዩ።”
ውህደት ተመስጦ ሓሳባት እናስምዐ፡ ገለ ምልክት (Symbolism) ኣብ ኣእምሮ ዝገድፍ ወሓዚ ድማ ኣለዎ። ሓሳቡ ኣይወድአን፡ ካብ መዘከርታ ኣልቦ እዚ ወለዶ ድማ፡ ሓወልቲ ዝኽሪ ኣለዎዶ የብሉን፥ ንምርግጋጽ ሃሰስ ክብል እርአ። ግን ነቲ ጠፋሽ ወለዶ ዝብሎ? ጠፋሽ ሓወልቲ ጥራይ’ዩ ክሃንጽ ዝኽእል ዝብሎ ከ ኣበየናይ መድረኽ ዘሎ ወለዶ’ዩ?
“ሎሚ. . . ንመዘከርታ ተባሂሉ ዝስራሕ ሓወልቲ ርኢኻ ትፈልጥ ዲኻ? . . . ሓወልቲ ቀደም ተሰሪሑ ተወዲኡ ኢዩ። ብግመን ዛዕዛዕታን ተነዲቑ፡ ክሳዕ ረፍዲ ዝሰትር እንተ ዘይ ኮይኑ፡ ዝነብር፡ ናብ ወለዶታት ዝሰግር ማለት ግን ፍጹም ሓሶት እዩ። ሓመድን ሓጺንን ጥራይ ተዀሚሩ እኮ ኣይኰነን ሓወልቲ ዘስርሕ። ብኸምዚ ዝርድኦም እቶም ዕቡያት እዮም። ብትዕቢት ዝተነድቀት ሓወልቲ ከኣ ኣብ ዛንታ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ሓወልቲ’ኮ . . .፡ መልክዑ፡ ጽባቐኡን ትርጕሙን ንቕድም ኣብ ውሽጥኻ እዩ ክህነጽ ዘለዎ። ንዓይ ሕጂ ሓወልቲ ሰዓት ኣሎ ኣብ ውሽጠይ፡ ገሊኡ ሰብ ሓወልቲ ሰልዲ ይህልዎ፡ ገሊኡ ሓወልቲ ኮረሻ፡ ገሊኡ ከኣ ቀበጥበጡ ዝዝክረሉ ሓወልቲ ይህልዎ እኸውን። እቲ ዝበዝሕ ግን ዓቕሚ ዝኽርን ውርሻን ስለ ዝሓጽሮ ሓወልቲ ውሽጢ የብሉን። ሎሚ. . .፡ ኣብ ኣደባባይ ወጺእኻ ‘ትርጕም ሓወልቲ?’ ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ ባቢሎን ጥራይ ዝርኣዮም ብዙሓት እዮም።”
ወግዒ ዓራዪ ሰዓትን በዓል ሰዓትን ካብ መስርሕ ሰዓትን ዙርያ ሰዓትን ኣይውጹኡ ደኣ እምበር፡ እቲ ጥልቀትን ዕምቆት እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ግን፡ ብንባብ ምስቶም ጠባያት ትረስን፡ ተሓወሶም እመጸካ። ንሓወልቲ ደገን ንሓወልቲ ውሽጢን ብምርኣይ ከኣ፡ ሓወልቲ ውሽጢ ይኹን ሓወልቲ ግዳም ብትዒቢት ከም ዘይህነጽን ከምዘይ ደምቕን ብምግላጽ፡ ትርጕም ሓወልቲ ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ብምትንባህ፡ ዓራዪ-ሰዓት ንነብሱ ሓዊሱ ክሳብ እቶም ናፈቕቲ ወምበርን ገበትቲ ወምበርን ዘለዎም ሓወልቲ ውሽጢ ብምጥቃስ ኣብዚ ሕጂ ‘ትርጕም ሓወልቲ’ ንምግላጽ፡ሓወልቲ ንምትካልን ጠፋሽ እምበር ትርጕም ዘለዎ ነባሪ ሓወልቲ ከም ዘይክኣል ኢዩ ዘእምት። ትርጕም ሓወልቲ እኒ ባቢሎን ዝጭበጥ ጥራይ ከም ዘይኰነ ከኣ የብርሃልና።
“. . . ናይ ሕጂ ሰብ፡ ዝዝከር ክሓድግስ ይትረፍ ንምንታይ ከም እተፈጥረ ዝገልጽ መዝገብ’ውን የብሉን። ንታሪኽ ምምጽኡ ኣብ ኣፍ-ደገ ልቡ’ውን ኣይሓደረሉን…! ታሪኽ ዘፍርሕ ግዲ ኰይኑስ፡ ታሪኽ ክሰርሕ ዝብገስ ይትረፍ ታሪኽ ዘንብብ’ውን ኣይሰማዕናን። . . . ”
“. . . ብጅምላ’ሞ ከመይ ኢልና፡ ‘ኣብዚ ወለዶ. . .፡ ሓይሊ ዝኽርን ሓወልትን ባዶ እዩ!’ ኢልና ክንደፍር ንኽእል?. . . ”
“ምፍራሕን ምድፋርን’ኮ ኣይኰነን. . . ፡ ዕርቃን ትሕዝቶ እነውጽኣሉ ትሕዝቶ’ምበር። ዓመጽ፥ ግብረ-እከይ፥ ስስዕቲ፡ ሸብዳዕዳዕ፡ ርኽሰት፡ ግብዝነት፡. . . እንታይ ዓይነት ሓወልቲ ኣለዎ ኢልና ኢና’ሞ ክንደፍር. . .? ካልእ’ሞ ግደፎ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ክስዋእ ዝብህግ ሰብ ኣሎ?”
ነቲ ዳሕረዋይ ወለዶ እናረፋተተ ነቲ ኣሰጋጋሪ ወለዶ እውን፥ ግብዝነቱ፡ ስስዐኡ፡ ሃርጐምጐሙ ብዘይ ምሕባእ ምስቲ መንእሰይ ክመላለስ ይርአይ። ገለ ነገር ኣብ ውሽጡ ዘሳጽዮ ከም ዘሎ ድማ፡ ኣብ ገለ ገለ በጨቕ ዝብሉ ሓሳባቱ እረኣዩ። ነቲ ዘሎ መንእሰይ ድማ ክስዋእ ክቃለስ ናይ ምባል ባህሊ ከምዘይብሉ ‘ዝጠፈሸ ወለዶ’ ምዃኑ አብርህ።
“… ትሰምዕ ኣለኻ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ሰዓት እንዳ ሰዓት ሰሪሐ፡ ገዛኢ ግዜ ዝበሃል ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን እየ። . . . ዘሰክፈኒ ግን እዞም ከምዚኦም ዓውደ-ዓመትን ዓውደ-ኣዋርሕን ጥራይ እምበር ዓውደ- ሰዓት ስለ ዘይፈልጡ እዩ። . . . ምዃን ኣብ ክሳዶም እውን መስቀሊ ሰዓት የብሎምን። ኣብ ምንታይ ክንሰቕለሎም ወሪዱና. . .! ቀደም’ኮ ንመዓተብካ ኢልካ ሓቀኛ ኩን! ቅኑዕ ኩን! ኣይትጥለም…! ተባሂሉ ማሕላ ይጽናዕ ነይሩ። ሎሚ. . . ከምኡ ትብሎም፡ ክላ . . . ማዕተብ ኣይንፈልጥ መዕተብ! እናበሉ እዮም ዘባጭዉልካ። . . . መጽንዒ ማሕላ ዝኸውን ማዕተብ ቀደም ተበቲኹስ፡ መስቀሊ ሰዓት ክርከብ ምጽባይ ሎሚ ጽሉል’ዩ ዘጸውዕ። ግድን እንተ ኢሎም ግን መስማር ሸኺልካ ምተፈተነ፡ ምፍታን መዓስ ነውሪ ኰይኑ፡ የግዳስ ይትረፍ’ቲ ልቦም፡ እቲ ኣፍ-ልቦም’ውን ጸዋር ኣይኮነን።”
ዓራዪ-ሰዓት ንጕዕዞ ስራሕ ዓለሙ ኣብ ክንዲ ብዓውደ ኣዋርሕ ወይ ዓውደ ዓመታት ዝድምሮ፡ ብዓውደ ሰዓት ተርጕሙ ከዘንቱ እስማዕ! እዚ ወለዶ እዚ ድማ፡ ኣብ ጕዕዞኡ፡ ኣብ ናብራኡ፡ ኣብ ንጥፈታቱ ንግዜኡ ብሰዓት ከማዕትቦን ኣዕቲቡ ክሕዞን ክሃንጾን ከም ዘለዎ እናኣመተ፡ ቃንዛኡ ግን ብዘይ ምህባእ ክድርጉሖ እርአ።
“ዝተወለድካሉ ሰዓት ትብሎም ኣይነግሩኻን እዮም። ከይሓቱ እውን ከፍርሖም መዓት እዩ። ሰዓት-ልደት፡ ደቒቕ-ልደት፡ ካልኢት-ልደት ኣብ መዛግብቶም ኣየስፍርዎን እዮም። . . . ዕድሚኡ ብሰዓት ክነግር ዝኽእል ሰብ ርኢኻ ትፈልጥ…?
“ካብ ዝውለድ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሰዓት ጌረ ኣለኹ እንተ ዝብለካ፡ ኣበይ ከም እተሽርፎ መሓርበተካ። ብግምተይ ናይ ሓደ ርብዒ ሚልዮን ሰዓት ዝኸውን ዕድመ ኣለካ፡ እንተ ዝብለካ እውን ኣይምሓሰብካሉን። ካብዚ ወጺእኻ ምስ ከማኻ ማሕቢርካ ግን ጽሉል መውጻእኻለይ ትኸውን. . . ሓቀይዶ. . .?”
እዛ ብትልሚ ኣልቦ ዝተዓየት ዛንታ፡ ነቲ ዛዕባን ጥልቀትን ዓራዪ ሰዓት እናኸተንብብ፡ ንስነ ጥበብ ምስ ሳይንስ ኣተሓናፊጹ ውቃበ ዘለዎ ዕዮ ከርኢ ይፍትን። ዓራዪ ሰዓት ዕድሚኡ ብሰዓታት ክነግረና ኣፍትም በዚ ድማ ኣብ ሓምሳታት (57) ከም ዘሎ፡ እቲ መናሰይ ድማ ኣብ ዕስራታት ከም ዘሎ እናግረና። ከምዚ ቢሉ ዓራዪ ሰዓት ንድሚኡ ምንጋሩ ግን ከም ጽላለ ከም ዝውሰድ ኣይሓበአን። እሞ ብልክዕ ጽላለዶ እኸውን ወይስ ልክዕለት?
“መንእሰያት እንከለና ‘ኣዝማሪኖ ሰዓት ኣይኣስርን እዩ!’ እናበልና ኢና ንፍክር ነይርና። ናይ ገለና ድኽነት ክኸውን እኽእል እዩ። ኵሉ ዓይነት ድኽነት። እቲ መብዛሕትኡ ወደ’ስመራ ግን ንካቴድራል ተኣማሚኑ እዩ ከም ፋሽን ወሲድዎ ከምኡ ዝብል ዝነበረ። ሎሚ፡ እቶም ቅኒት ደወል ካቴድራል ዘይውስተማቕሩ’ውን ከምኡ ክብል ትሰምዕ’ሞ ትሓፍር። ደቅና ከኣ ይወኣዮም እቲ ኵሉ ከይፈለጡስ ፈኸራ ጀሚሮም. . .፡ እንታይ ጌርካን ሰሚዕኻን ኢኻ በል ክትፍክር፡. . .”
‘ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቕሎ፥’ ዶኾን ኰይንዎም እኸውን? ኣንባቢ ክምልሶን ከስተንትኖን ክገድፈሉ።
“ኣነ ግን ትውረዲአዮዶ. . .? ሓይሊ ማዕበል ሓሳባቱ ኣህዲአ ከንሳፍፍ፡ ገፈጥ መፈጥ ንዝመልአ ውሽጠይ ዘጽሪ መዀስተር ክሓስብን ፋሕ-ብትን ንዘበሎ ጣቛ ገፋጊፈ ቀለበይ ክገብርን ክብል. . . ፡ ዕግርግር በለኒ።” ብምባል ዋና ኣዘንታዊ ዛንታ ዓራዪ ሰዓት። ነቲ ዛንታ እድምድም!
ብትልሚ ኣልቦ ዝተዓያ ሓጸርቲ ዛንታታት ብዙሓት ዝጥቀሳ’ኳ እንተ ዘይሃለዋ፡ “ጽሓፍ” እትብል ሓጻር ዛንታ መለስ ንጉሰ ግን፡ በዚ ቅዲ’ዚ ዝተዓየት ግርም ስራሕ ኢያ። ኣብ ኣቃውማን ዋሕዝን ምስቲ ስዲ ንባባዊ ግጥሚ ድማ ኣዝዩ ከብ ዘመሳስለን ኢዩ። (ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ተወከስ፥)
ዛንታ ዓራዪ ሰዓት ምስ ዛንታ “ዓራዪ ሰዓት ደንቤንፉ” ብዙሕ ዘመሳስል ኣለወን፡ ነናተን ጽባቐን ርቀትን ሒዘን ብምምጻእ፡ ከምኡ እውን ነናተን ባህልን ልምድን ስለ ዘንጸባርቓ እቲ ዘመሳስለን ብዙሕ ኣይከውንን!
ኣብ ዛንታ ኣኸደር ኣሕመዲን ጽልዋ ናይ በየነ ሃይለ ግን ተዓዚበ። ቍንቝኛን ቋንቋን ኣሰፋፍያ ሓሳባትን ኣጸቢቑ ናብ በየነ ዝቐረበ ኢዩ። ብፍላይ እኳ ንመጽሓፍ ‘ድኳን ትበርህን ትጽቢት ባህጉን’ ኣብቲ ቴክኒካዊ ኣተሃናንጻ ነዘን መጽሓፍቲ ዝቐረበት ኢያ።
እቕጽል. . .