ቃለ-መጠየቕ ገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም ምስ ዛራ ገጠምቲ 0 By Mekonnen T. on November 6, 2016 Home Share Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email * ዛራ ገጠምቲ፤ ብመጀመርታ ዕላማ ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ/ት ብምርዳእ፡ ምስ ነብስኽን ስነ-ጥበባዊ ተሞክሮኽን ከተላልይና ፍቓደኛ ብምዃንኪ፡ ብስም ኣዳለውትን ኣባላት ዛራ-ገጠምትን ኣዚና ነመስግን። ብምቕጻል፡ ብዛዕባ ወሓዚት ምስ ስነ-ጽሑፍ ብሓፈሻ፡ ምስ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ድማ ብፍላይ፡ ዘለዋ ምትእስሳርን ድሕረ-ባይታን እስከ ግለጽልና፧ *ወሓዚት፤ ብመጀመርታ ንኣዳለውቲ ዛራ-ገጠምቲ ስለቲ ዕድመኹም አመስግነኩም። ወሓዚት ኣብርሃም እብሃል። ኣብ ኣስመራ ተወሊደ፡ ኣብ ህጻንነተይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብየ። ድሕሪኡ ኣብ ኣስመራ፡ ስዒቡ ኸኣ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምቕማጥ፡ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ እነብር ኣለኹ። ኣብ ስነ-ጥበብ ነዊሕ ተመኵሮ ኣለኒ ክብል ኣይደፍርን። ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹ ምስ ስነ-ጥበብ፡ ብፍላይ ክኣ ምስ ግጥሚ፡ ኣደይ ከም ዘኣለለየትኒ እዝከረኒ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተና፡ ኣብ ናይ መዝሙር ትምህርቲ ክሳተፍ ጀሚረ። ኣደይ ዝገጠመታ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ከንብባ ብምባል፡ ምዕባየይ ሓወይ ኣሪሙ ይህበኒ’ሞ ኣብ ምዕጻው ትምህርቲ አንብቦ ነይረ። ኣደይ ከኣ ንምጽናዕ ምእንቲ ኽሕግዘኒ ነቲ ግጥሚ ተሸምድደኒ ነይራ። ብፍሉይ ካብ ዝዝክሮ፡ ግጥምታት ደርፊ እፈቱን አጽንዕን ነይረ። ናይ ኣምሓርኛን ትግርኛን ደርፍታት ሕደማ ዝምዝግበላ ጥራዝ’ውን ኔራትኒ። ስድራይ፡ መሰረት ክሕዝ ምስ ሓገዙኒ ዝጀመረ ፍቕሪ ግጥሚ፡ ስደት ምስ ተወሰኾ፡ ንሱ ንባዕሉ’ውን ግጥሚ ስለ ዝኾነ፥ ናፍቖተይ፡ ሕርቃነይ፡ ሓጎሰይ፡ ተስፋይ ዝገልጸሉ እንኮ መህድኢየይ ኰይኑ። * ግርማጽዮን ገብሩ፤ መጀመርታ ዛራ ገጠምቲ፡ ኣብ ምምዕባል ስነ-ጥበብ ቋንቋና (ትግርኛ) ትገብርዎ ዘለኹም ዓቢ ኣስተዋጽኦ፡ ብልቢ ከመስግነኩም እፈቱ። ሰላምታይ ብምሕላፍ፡ ቀጺለ ሕቶ ንገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም ከቕርብ። ማሰን መልቀስን ዋላ እኳ ብጽሑፍ ዝግለጽ ዓይነት ግጥሚ ኣይኹን እምበር፡ ከም ናይ ግጥሚ ረምታን ጣዕመ-ዜማን ሓዚሉ፡ ናይ ሰማዕቲ ስምዒት ከርዊ ዝኽእል መልእኽቲ ከመሓልፍ ንርእዮ ኢና። ብዓይኒ ስነ-ጥበብ፡ ግጥሚ ማለት ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ጥራይ ድዩ ዋላስ ብዘይ ጽሑፍ እውን ምስ ግጥሚ’ዩ ዝጽብጸብ፧ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣቐዲመ አመስግን። *ወሓዚት፤ ሰላም ሓዉ ግርማጼን፥ ብዛዕባ ማሰን መልቀስን ንዘቕረብካለይ ሕቶ ኣቐዲመ ክብሪ ይሃብካ ክብለካ እደሊ። ኣብ ማሰን መልቀስን ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ድሩት ኣፍልጦ እዩ ዘለኒ። ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት” እትብል መጽሓፍ ክዉንና ካብ ዝበቅዕ፡ እንታይ እዩ እቲ ፍልልያት ክርኣየኒ እጅምር ኣሎ። ከም ዝተረድኣኒ እንተድኣ ኾይኑ፡ ማሰ፡ መልቀስ፡ ኣዉሎ፡ ወዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ወግዕታትን ጽንብላትን ዝዝዉተሩ ኣፋዊ ያታ ኮይኖም፡ ከም ግጥሚ ብርዕን ወረቀትን ዘየካትቱ ንምሓዞምን ምዝካሮምን ፍሉይ ጥበብ ዝሓትት ግጥማዊ ኣቓዉማ ዘለዎም እዮም። ከም ግጥሚ ናይ ባዕሎም ናዕታን ምስኡ ዝኸይድ ረምታን ህርመትን ቀስቃሲ ዜማን ድማ ኣለዎም። ከምቲ ኣብ ግጥሚ ፍሉይ ኩርናዕ ሓሳባት ኣገዳሲ ዝኸዉን፡ ኣብ ማሰን መልቀስን እዉን ኣሎ። እዞም ኣፋዊ ያታ ሃገርና፡ ንሕብረተሰብ ፍቕርን ስኒትን ንምምሃር፡ ንዝተበደለ ፍትሒ ኣብ ምጽዋዕ፡ ንዝተጋገየ ንምእራም፡ ጅግና ንምምጓስ፡ ኣብ ሓዘን ንምጽንናዕ ዝተጻወትዎን ዝጻወትዎ ዘለዉ ተራ ዘይነዓቕ እዩ። ነቲ ምስ ግጥሚ ድዩ ዝጽብጸብ ዝበልካዮ ግን ነናቱ ኣዋድቓን ኣተሃናንጻን ኣሰራርዓን ኣብኡ ከይተሓጽረ እዉን ከከም ኣጫፍርኡን ኣቃዝሙኡን ነናቱ ዜማን ስለ ዘለዎ፡ ኣፈይ መሊአ ግጥሚ እዩ ኣይብልን፡ ኣይኮነን እዉን ኣይብልን። ኣብ ግጥሚ ነግሒ፡ ናዕታ፡ ረምታ፡ ህርመት፡ ኩርናዕ ጠመተ፡ ዉስጠዘ … ወዘተ. እናበልና ክንሕድም ከለና፡ ኣብ ማሰን መልቀስን ግን ብመጠኑ ፍኹስ ይብል። ከም ልምዲ ኣብ ማሰን መልቀስን ነግሕታትን ናዕታን ይደጋገሙ እዮም። ኣብ ገሊኡ እዉን ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ብሓደ ናዕታ ይኸይድ አዩ። መልእኽቱ ኣዝዩ ረዚን ብምዃኑ እናሻዕ ኣብ ኣእዛንኻ ከጋዉሕ እትሃርፎ እዩ። እሞ ኣብ መወዳእታ ገለዶ ኽብል ብዛዕባ መልቀስ ጠዓመ ደስታ (በዓል ገለባ) ኣስመራ ምስ መጸ ናፍቖቱ በዛ ጽዕብ መልቀስ ገሊጽዎ መጠራ ዘለኩም ዓድኹም ንዑናይ ማይ ሓባር ዘለኹም ዓድኩም ንዑናይ ራኼቶ ዘለኹም ዓድኩም ንዑናይ ዓድና ትብል ኣላ መር ወናይ ወዮ ዓዲ ስገም ዓዲ ስርናይ ዓዲ ጻዕዳ ጣፍ ዓዲ ስርናይ ያሒት እትተኩብ ንለማናይ ዓዲ ሰንጋል ኪደናይ ኪደናይ ዓዲ ማሕረስ ዓዲ ጎቦ ወይናይ ምስ ኣዳራሽ የሎንዶ ምግናይ ምስ ሕዛእቲ የሎንዶ ምግናይ ዓደይ ከመለኺ ዓዲ ናይ ቀደመ ከይ መጸኪ እግረይ ተቆርሚመ ከይ ሰምዓኪ ኣእዛነይ ጸሚመ ከመለኺ ታቦተይ ማርያመይ ከመለኺ ኣዉሊዐይ ለሓመይ ኣብ ዓይነይ ቦቂልክን ብዛ ሕልመይ ዓደይ ከመዓልኪ ገፋሕ ሜዳ ኩሉእዉን ክዉሕዶ ዘይ ዉሕዳ ሃቦ ሰዶ ዝነበረ ልማዳ ድኹምን ሓያልን ዝእንገዳ የማናይ ጸጋማይ ዝንእዳ ኣየእትነኦ’ታ ዝዉለዳ ፈታዊት ሾርክሶ ምስ ምኻዳ ፈታዊት ዓጋመ ምስ ምኻዳ ይናፍቕ እሞ ከመይ ኢለ ክኸዳ መርቁኒ ጸልዩለይ ግዳ ስጋን ነብስን ምስ ተፈራረዳ ማርያም ዓደይ ክዓርፍ ኣብ ኢዳ ከም ወለደይ ክጽቀት ሓመዳ * ተኽሊወይኒ ሓጎስ፤ ብመጀመርያ ሰላምታ ንወሓዚት፣ ቀጺለ ንኣዳለውቲ’ዚ መደብ ከመስግን እፈቱ። ፋልመይቲ ሕቶይ እምበኣር፡ ካብ ዝቀላቐል ነዊሕ ዝገበረ ናይ ደቂ ግዜ ትግርኛ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ብሓፈሻ፡ ኣብ ግጥሚ ድማ ብፍላይ፡ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎን ክጸልዎ ይኽእልን ትብሊ፧ ካልአይቲ ሕቶይ ከኣ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሰብ ኣብ ንባብ ከመይ ኣሎ፧ ምኽንያቱ እቲ መሰረታዊ ምዕባለ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምንባብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሰብ ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ዶ ኣድሂቡ ሓቀይ፧ ኣብዚ እንታይ ርእይቶኺ፧ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኸ ትብሊ፧ የቐንየለይ። *ወሓዚት፤ ኩቡር ሓው፡ ናይ ደቂ ግዜ ትግርኛ ኢልካዮ ኣለኻ፡ ኣነ ግን ናይ ደቂ ግዜ ቋንቋ ኢለ ከዐርያ ደስ ይብለኒ። እዚ ዘይወግዓዊ ቋንቋ (ስላንግ) ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘለዎ ጽልዋ ዓቢ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባና ተደጋጋሚ ካብ ምዝዉታር ዝተላዕለ ከም ‘ኖርማል’ ቅኑዕ ቋንቋ ጌርና ስለ ንርእዮ ክንጥቀመሉ ንጅምር። እዚ ከኣ እቲ ዘይወግዓዊ ቋንቋ (ስላንግ) ነቲ ቅኑዕ ቋንቋና ክዕብልል ባብ ነርሕወሉ ኣለና ማለት እዩ። ኣብ ኩሉ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቋንቋታት ናይ ደቂ ሹቕ ቃላት ኣሎ። እዚ ቃላት እዚ ምስ ግዜ ዝቀያየር ኮይኑ፡ መንእሰያት ምስ መዛንኦም ኮይኖም ዝፈጥርዎ ቃላት እዩ። ከምቲ ምስ ግዜ ዝመጹ ምስ ግዜ ዝወጹ ድማ፡ ኣብ ግዜ ሰማንያታት ዝጥቀምሉ ቃላት ሕጂ ዘለዉ መናእሰይ ኣይጥቀምሉን እዮም። ብሓፈሻ ግን ዘይወግዓዊ ቃላት ኣብ ግጥምታትና ምሕዋስ፡ ንቋንቋና የራኽሶ እዩ በሃሊት እየ። ትግርኛ ብጣዕሚ ሃብታም ቋንቋ እዩ። ኣዝዮም ገለጽቲ ዝኾኑ ወግዓዉያን ቃላት እንከለና ‘ሻለዉ’ ዝኾነ ቃላት ምጥቃም ነቲ ዕምቆት ናይቲ ንገልጾ ዘለና ይሃስዮ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ቋንቋ እናሰፍሐ ዝኸይድ እምበር ኣብ ዘለዎ ደዉ ዝብል ተኽሊ ገረብ ኣይኮነን። ወሰኽ ክህሉን ኣብ ድርሰት ወይ ጽሑፍ ምስ ናይ ደቂ ግዜ ዝኸይድ ባህርን ላህጃን ምስ ዝህሉ ከም ኣድላይነቱ ክንጥቀመሉ ይሰማማዕ እየ። ንንባብ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ከመይ ከም ዘሎ ርእይቶ ክህብ ክትከብደኒ እያ። ምኽባዳ ዘይተርፋ ግን ኣብ ክልተ ከፊለ ክምልሳ ክፍትን እየ። ቀዳማይ፥ ቴክኖሎጂ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ፍልጠት ንኽንድልብ መጻሕፍትን ብዙሕ ናይ ተመራመርቲ ጽሑፋትን እንከሎ፡ ንጥቀመሎም ሶሽያል መድያታት ግን ዉሱናት እዮም። እዚ ሽግር እዚ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሽግር እዩ። ካልኣይ፥ ዝበዝሐ ሰብ ኣብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣድሂቡ ይብሃል እንተሎ፡ እቲ መልሲ እወ እዩ። እቶም ሰራሕቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክሳብ ክንደይ ሱር በተኻዊ ለዉጢ ስለ ዝገበሩ እዮም ስርሓቶም ሸፈነ ክረክብ ክኢሉ ዘሎ። ንዝበዝሓ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ ሓደ መኣዝን ክጠዉይዎ ምኽኣሎም ክምጎሱ ይግብኦም እዩ። ሕጂ ኣብ ንባብ ከ እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኢልና ንሕተት። ምስቲ ነወዳድሮ ዘለና ዓዉዲ ዝዳረግ ጻዕሪ ተገይርሉ ድዩ፧ ብሓቂ ኣብቲ ሕብረተሰብ፡ ኣንባቢ ባህሪ ንምትእትታዉ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ ዶ፧ ንንባብ ንምዕንባብ ዝተገብረ ፉሉይ ጻዕርን ለዉጥን ኣሎ ድዩ፧ ክንደይ ዝኣክል ቤት ንባብ እዩ ዘሎ፧ ቀረባትከ ኣሎ ድዩ፧ ዝብሉ መሰረታዉያን ሕቶታት ቅድም ቀዳድም ይመለሱ። መጽሓፍትና ‘ብኣውድዮ’ እንተ ዝስነዩ ነይሮም፡ ዝሓሸ ጠለብ ምረኸቡ በሃሊት እየ። ዛራ ገጠምቲ፤ ኣመና ስለ ዘድነቕክያ ወይ’ውን ጽቡቕ ኩርናዕ ኣበጊሳ ስለ ዝረኸብክያ፡ እዚኣስ ኣነ ክገጥማ ነይሩኒ እትብልያ ግጥሚ ኣላትኪ ዶ፧ እወ እንተኾይኑ መልስኺ፡ ብዛዕባ’ታ ግጥሚ ከተዕልልና። ካብቲ ክሳዕ ሕጂ ገጢምክዮ ዘለኺ፡ ብፍሉይ እትርእይያ ግጥሚ እንተሃልያ እስከ ኣዕልልና። *ወሓዚት፤ ብሉጽ ስራሕ ክርኢ ኸለኹ፡ ኣነ እንተ ዝገጥሞ ኢለ እቐንእ እየ። ኣብ ኣእምሮይ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ግጥሚ ናይ መለስ ንጉሰ ‘ኣርማድዮና’ እያ። እዛ ግጥሚ እዚኣ ንቑልዕነተይ ኣብ ኣስመራ እያ ተዘኻኽረኒ። ከልበትበት ገዛ ኽራይ፡ ኤነትረ ኣርማድዮን ከረዴንሳን ጽዒነን ክመላለሳ ኸለዋ ከምዚ ሎሚ ዀይኑ እዩ ዝዝከረኒ። መለስ ንጉሰ ከምኡ ምርኣይ ምስ በዝሖን ተሰምዖን-ዶ ጽሒፍዋ ይኸውን እብል’የ። ካብ ግጥምታተይ ብፍሉይ ዝርእያ ‘ኣብ ሓዊ ብ ሓዊ’ እትብል እያ። ንመንፈሰይ ዘጨንቕን ወትሩ ዘሕስበንን ነገር፡ ብብርዐይ ኣቢለ ምስ ነባዕኩሉ ክሃድእ ዝኸኣልኩላ እያ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይ ሂወትና ብዙሕ ብድሆ እዩ ዘለና። ካብ ምጅማር ጽግያን ምቅይያር ኣካላትን ስምዒትን ክሳብ ምብታኽ ጽግያ (ንጽፈተ-ጽግያ) በዳሂ እዋናት የሕልፋ። ብፍላይ ምብታኽ ጽግያት ንደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ስምዒታት ንጠባየን ተነቃፊ፣ ናይ ምውላድ ዕድመ ከም ዝሓለፈን እዋን ብምዃኑ መጠን፡ ንስምዒታተን ዘህድእ ደገፍ ኣዝዩ የድልየን። ነዛ ግጥሚ ኽጽሕፋ ኸለኹ፡ ነተን ተኣሲረን ዘለዋ ኣሓትና ዘኪረ እየ ጽሒፈያ። ብሂወት እንተ ሃልየን ኣብዚ ዝበልክዎ ደረጃ ዕድመ እየን ዘለዋ። ዝወለድኦም ቈልዑት ርእየን ከይተጸናንዓን ከም ዝሓሰብኦ ከይወለዳን፡ ዕድሚአን ኣብ ማሕዩር ክሓልፍ ከሎ ዝስምዓኒ ጓሂ ክገልጾ የሸግረኒ። ኣብ ምድራዊ ገሃነም እየን ዘለዋ፣ ካብዚ ዝኸፍእ መቕጻዕቲ ከም ዘየለ እየ ዝኣምን። *ሰለመት ፓውሎስ፤ ኩርናዕ ጠመተ ኣብ ግጥሚ፡ ጾታዊ ዝንባለ ኣለዎ ዶ፧ ማለት ኣብ ዓለም ግጥሚ፡ ጠመተን ኣገላልጻን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ድዩ ፧ ኣብ ግጥሚ ስእላዊ ኣገላልጻ ዶ ወይስ ወስጠዛዊ ኣገላልጻ ይስሕበኪ (ትጥቀሚ)፧ *ወሓዚት፤ ክብርቲ ሓፍቲ ሰለመት፡ ኩርናዕ ጠመተ ኣብ ግጥሚ ጾታዊ ጠመተ ኣለዎ በሃሊት እየ። ደቂ ተባዕትዮ ዝጥምትዎን ጓል ኣንስተይቲ ትጥምቶን እትጥቀመሉ ኣገላልጻን ስእልን ይፈላለ እዩ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዛዕባ ክብደት ነገራት ክገልጽ ምስ ዝደሊ ብማሕረስ ገይሩ ከርእየና ይኽእል፡ ወይ ክኣ ብኸግድዖ ዝወዓለ ጎባይ ብዕራዩ ገይሩ ሃላኽ ናይ ሓደ ስራሕ ክገልጸልና ይኽእል። ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ግን ክብደት ነገራት ብሕርስን ጥንስን፡ ብምጥሓንን ምልንቃጥን ክነርእዮ ንፍትን። ደቂ ኣንስትዮ ብጣዕሚ ትኩራት ስለ ዝኾና ንደቀቕቲ ነገራት ግን ክኣ ኣገደስቲ ክንገልጽ ንፍትን ኢና። ብዙሕ ዘማእክል ክኣ ኣሎ፣ ንኣብነት ፍቕሪ። ኣብዚኣ ግን ክሰግራ ዘይደሊ ብኣወዳት ዝግጠሙ ግጥምታት ናይ ደርፊ ሰሚዐ፡ ጓል ዶ ከምዚ ትብል እያ እብል እየ። ናይ ጓል ስምዒት ጓል ጥራይ ክትገልጾ ስለ ትኽእል፡ ወዲ ግን ንሓደ ሓደ ረቀቕቲ ነገራት ናይ ጓል ክገልጽ ኣይክእልን እዩ። ጓል ክኣ ናይ ወዲ ስምዒት ክትገልጽ ይጽግማ እዩ። ስለዝስ ንኸምዚ ሕጽረታት ባዕላዊ ሓቂ ንምብዳህ፡ ረቂቕ መጽናዕቲ ወይ ምውካስ ካብ ሕድሕድ ከድሊ እዩ። ኣብ ግጥሚ ውስጠዘ ይብርሃኒ፣ ከምዚ ግድላት ምፍታሕ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ፡ ክመራመረሉ ከለኹ ባህታ ይፈጥረለይ። ምጥቃም እኳ ውስጠዘ’የ መብዛሕትኡ ግዜ ዝጥቀም። * ደንደን እስማዒል፤ ወሓዚት፡ ብመጀመርያ ኣባኺ ዘለኒ ኣድናቖት በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸልኪ እፈቱ። ብምቕጻል፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ዓለም ‘ሀ’ ኢልኪ ካብ ትፍልሚ፡ ከም ጓል-ኣንስተይቲ ገጣሚት መጠን፡ ዘጓነፈኪ መሰናኽላት ኣሎ ዶ፧ እንተሎ ኸ ብኸመይ በዲህክዮ፧ ብሰንኪ ናብራ ካብ ዓለም ስነ-ጥበብ ንዝርሕቃ ደቀንስትዮ እትብልዮ እንተሎ ድማ ወስ በልና። *ወሓዚት፤ ክቡር ሓው ደንደን ብመጀመርያ ብልቢ የመስግነካ። ሓደ ሓደ ኣብ ስነ-ጥበብ ዝነጥፉ ውልቀ-ሰባት ዝርአይ ክትገልጾ ዘሕፍር ብልሸውና ኣሎ። ኣብ ስነ-ጥበብ ሰጒምና ኢና ብምባል ከተባብዑን ክሕግዙን ኣብ ቤትካ ኳሕኲሖም ክነሶም፣ ብኻልእ ብልሹው ዝኾነ ዕላማ ዝቐርቡ ሰባት ይርከቡ እዮም። ንምንታይ ተላልየዮም ኢለ ኣይሓምምን እየ። እኳ ደኣ ከመስግኖም እደሊ። ካልእ ገጽ ሰባት ከም ዘሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይፈለጥክዎ ውሽጣዊ ብርታዐ ክድህስስ ሓጊዞምኒ እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘጕህየኒ ነገር ግን፡ ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ደቀንስትዮ ዘለዎም ኣርኣእያ ገና ኣዝዩ ድሑር ምህላው እዩ። ሓደ እዋን ሓንቲ ግጥሚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከይረኣያን ከይተንከያን፡ ንዝዀነ ሰብ ክርእያ ይኹን ክእርማ ከይሰደድኩ ኣብ ዛራ ዘውጻእክዋ፡ “ከም ዓባየይ” እትብል ግጥመይ ሓደ ሰብ ዘገርም ርእይቶ ጽሒፉላ። ወዲ ዝጸሓፋ ወይ ዝኣረማ እያ ንምባል “ናይ ወዲ ርሃጽ ጨንያ” ኢሉ ርእይቶኡ ኣቐሚጡ። ከምዚ ዓይነት ዓንቀፍቲ ዝመስሉ ግን ክኣ መትረርቲ ፈተነታት ኣለዉ። ኣብ ኩሉ ነገር ፈተና ኣሎ፣ ይስገር ከኣ እዩ። ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ጸብለል ክንብል ከም ንኽእል ይኣምን እየ። ከየሕሰበኒ ዘይተረፈ ነገር ግን ኣነ’ኳ በዛ ንእሽቶይ ዝሕንጥጣ ብዙሕ መሰናኽል ዘጋጠመንስ ቀንዲ ሞያአን ስነ-ጥበብ ዝኾነ ኣሕዋትናስ ማዕረ ኽንደይ ብርቱዕ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ። ዝያዳ ዘገድስ፡ ኣነ’ውን ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ብዙሓት ደለይቲ ጽቡቕ፡ ኣተባባዕትን ናብ ዕብየት ዝደፍኡን ብሉጻት ሰባት ምህላዎም እዩ። * መርሃዊ መራ፤ ዘይ ከም ካልኦት ኣብ ስደት ተወሊዶም፡ ቋንቊኦም ኣጥፍእዮም ቋንቋ ባዕዲ ዝዛረቡ፡ ኣብ ቋንቋኺ (ትግርኛ) ግድስቲ ኢኺ። ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኺ ተወሊድኪ፧ እንተ ዘይተጋግየ’ውን ንቊሩብ እዋን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምንባርኪ፡ ኣብ ስደት ኢኺ ዓቢኺ፣ ማለት ኣብ ኣውስትራልያ ኣለኺ። ዝተፈላለየ ጽሑፋት ብዝተፈላለየ ቋንቋ ክትጽሕፊ ብተደጋጋሚ ንዕዘበኪ ኢና። ኣብ ግጥሚኸ ከምቲ ብትግርኛ እንፈልጠልኪ /እንርኤኺ፡ ብኣምሓርኛ ይኹን ብኻልእ ጽሒፍኪ ትፈልጢ ዶ፧ ኣየናይ ቋንቋ ኢኺ ኸ ቀንዲ እተድምዕሉ፧ ትግርኛ እንተኾይኑ፡ ንሱ ድዩ እቲ ትኽክል ሕልምኺ፧ ሰላም ኢልና ዲና ዙዙ፧ ሕቶይን ሕቶ ጀምዓይን እያ፡ የቐንየልና። *ወሓዚት፤ መርሃዊ ሓወይ ብመጀመርታ ብልቢ አመስግነካ። ኣነ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ሰታንታኦቶ እየ ተወሊደ፣ ኣይጸናሕኩን ግን ኣብ ህጻንነተይ ናብ ኢትዮጵያ ኸይደ። ኲናት ምስ ኣርከበ፡ ምስ ስድራይ ናብ ኣስመራ ተመሊስና። ናብ ኣስመራ ምስ ተመለስኩ ቋንቋ ኣዝዩ ኸቢዱኒ፣ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ትግርኛ ድኽመት ነይሩኒ። ከንብብ ከለኹ ተመሃሮ ይስሕቁኒ፡ ምትእምማነይ ይጐድል ኔሩ። ትግርኛ፡ እታ ዝጸልኣ ክፍሊ ግዜ እያ ነይራ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። መምህር ማለት ወላዲት ስለ ዝዀነት፣ መምህር ኣበባ እምባየ ንዓይ ትግርኛ ከም ዘፍቅር ዝገበረትኒ እያ። ካብ ምሒር ብኣይ ምግዳስ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ተሪፋ ትምህረኒ ነይራ። ኣብ ኣደማምጻ ድኣ ቁሩብ ግዜ ወሲደ ‘ምበር ኣብ ጽሑፍ’ሲ ኣብ ሓጺር እዋን እየ ለውጢ ኣርእየ። እቲ ለውጢ ኣብ ኩሉ ክላሳት ክነፍዕ ሓጊዙኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚረ ብልጫ ንኽወስድ ሓጊዙኒ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዝየ ሕውስትን ተጻዋቲት ስለ ዝነበርኩ፡ ብሓፈሻ ምስቲ ሕብረተ-ሰብ ኣስመራ ክወሃሃድ ግዜ ኣይወሰደለይን። ፍቕሪ ትግርኛ ሽዑ እዩ ጀሚሩኒ እየ ዝብል። ካብ መወዳድርተይ ከይተርፍ ክብል ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ጻዕሪ እየ ዝገብር ነይረ። ኣምሓርኛ እዛረብን አንብብን እየ። ንዓይን ንዝፈልጡንን ዝገርሞም ነገር እንተሃልዩ ከመይ ዘይረሳዕዎ እዩ። ኣምሓርኛ ደርፍታትን ፊልምታትን ኣብ ገዛና ዝውቱር እዩ። ናይ ቀደም ደርፍታት ኣምሓርኛ ግጥሙ ጽሒፈ አጽንዖ ነይረ። ኣብ ገዛና ዝነበረ ጽሑፋት’ውን አንብብ ነይረ። እዚ ኣዝዩ ኸም ዝሓገዘኒ ሕጂ እዩ ዝርድኣኒ ዘሎ። ብኣምሓርኛ ግጥሚ ክጽሕፍ ፈቲነ ኣይፈልጥን እየ። ብዙሕ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍቲ እየ ዘንብብ። ኣብ ዓሰርተ ክልተ ኽፍሊ ከለኹ ዝጽሓፍክወን ግጥምታት እንተ ዘይኮይኑ ብእንግሊዝ’ውን ኣይጽሕፍን እየ። ብትግርኛ ዝበለጸ ኽገልጽ ይቐለኒ፣ ንሱ’ዩ ዝቕድመኒ፡ ንሱ ኸኣ’ዩ ትኽክል ሕልመይ። ተኽሊት ከሰተ፤ ሰላም ወሓዚ ዕድመን ጥዕናን እናተመነኹ፣ ሓደ ኻብቶም ብቀረባ ንጥበባዊ ስራሓትኪ ዝከታተልን ኣድነቕትኺ ምኻነይ ክሕብረኪ እፈቱ ። ሞዴል ናይ‘ተን ሰኣን ምውጻእ ምስ ጥበበን ተሓቢኤን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ክትኮኒ ድማ ተስፋይ ወሰን የበሉን። ናብ ሕቶይ ከኣቱ፣ ግጥሚ ክትጽሕፊ ከለኺ ኣርእስቲ ኣዋዲድኪ ድኺ ትጀምሪ ወይስ ድሕሪ ምጽፋፍኪ ኣርእስቲ ትመርጺ፧ ኣይናይ ኣገባብ እዩኸ ትመርጺ ፧ ግጥሚ ተውህቦ ድዩ ወይስ ካብ ምንባብ እዩ ዝመጽእ፧ *ወሓዚት፤ ክቡር ሓው ተኽሊት፡ ስለቲ ምትብባዕካ ብልቢ አመስግነካ። እዛ ሕቶኻ እኮ ኣብ ብዙሕ ግጥምታተይ ኣርእስቲ ከም ዘይገብር ኣስተብሂልካ ከም ዝጸሓፍካያ ተረዲእኒ ኣሎ። ካብ ዝገርመካ ንግጥሚ ኣርእስቲ ምሃብ’ዩ ኣዝዩ ዝኸብደኒ። ኣርእስቲ ኣዋዲደ ዝገጥምኩሉ ኣይዝከረንን። ንግጥሚ ዘድምቕ ኣርእስቲ ኣውጺእካ ምኽኣል መሳጢ እዩ፣ ንዓይ ግን ኣብኣ በጺሓ ኣብያትኒ፡ ዕጭ ሓንፊፋ’ያ። ግጥሚ ተውህቦ እዩ እየ ዝብል ኣነ፡ ግጥሚ ከም መሰረት እንተ ወሲድናዮ ምንባብ መትረሪኡን መዕበዪኡን እዩ። ምሳኻ ዝፍጠር መሰረት ኣብ ውሽጥኻ ኽህሉ ኣለዎ። ደፊእካ ተምጽኦ ኣይኮነን እብል። *ዓብዱልከሪም ኣሕመድ፤ ኣብ ከመይ ኩነታት ግጥሚ ምጽሓፍ ይብረሃኪ፧ ግጥሚ ጽሒፍኪ ምስ ዛዘምኪ ኸ ኣብ ቀረባኺ ምስ ዘለው ስነ-ጥበባውያን ክግምጉምዎ ትህብዮም ዶ፧ ወይስ ምስ ሰቦም ኣንቢቦም ርእይቶኦም ክህቡኺ ኢኺ ትመርጺ፧ ኣየናይ ኣገባብ ይበልጽ፧ ስለምንታይ፧ *ወሓዚት፤ ክቡር ሓው ዓብደልከሪም፡ ጥራይ ይምጽኣኒ እምበር ግጥሚ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኰይነ ኽጽሕፍ እኽእል እየ። እኩብ ሰብ ዘለዎ ቦታ’ውን እንተዀነ፡ ሓሳብ ብልጭ እንተኢሉኒ፡ እጽሕፍ እየ። ግጥሚ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ ገሊኡ ንቐረብተይ ስነ-ጥበባውያን ክርእይዎ እሰደሎም። መብዛሕትኡ እዋን’ውን ከም ዘለዎ አውጽኦ። ምስ ካልኦት ገጠምቲ ምምኽኻርን ርእይቶ ምውህሃብን ልሙድ እዩ፡፡ ካልኦት እቲ ግጥሚ ምስ ወጸ ዝመሰሎም ርእይቶ ይጽሕፉ እዮም። እዚ ይበልጽ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ናይ ኩሉ ሰብ ርእይቶን ምስትምቓርን ስለ ዝፈላለ፡ ሓደ ዝብሎ ካብቲ ኻልእ ይፈላለ እዩ። ኣየናይ ኣገባብ ይበልጽ ኢልካዮ ዘለኻ፡ በቲ ይኹን ኣብቲ፡ እቲ ዝህብዎ ርእይቶ ወይ ሂስ፡ መትከላት ስነ-ግጥሚ ዝሓለወ፡ ንስለ ስነ-ጥበባዊ ዕብየት ምስ ዝኸውን፡ ኩሉ ኣድማዒ እዩ። * ረዘነ ጻዕዳ ፈረስ፤ ሰላም ወሓዚት ሓፍትና፣ ዕድመን ጥዕናን እናተመነኹ ናብ ሕቶይ ከኣቱ። ካብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚርኪ፡ ኩሉ ከም ዝተኸታተሎን ንከታተሎ ዘለናን፡ ኣብ ክሊፕ ደርፊ ሕጽር ዝበለ ‘ውልቃዊ ርእይቶይ’ እናበልኪ፡ ምስቲ ክሊፕ ዝተሰነየ ሓሳባትኪ ተበርክቲ ኣለኺ። ‘ወልቃዊ ርእይቶይ’ ክትብሊ ከለኺ ብስነ-ጥበባዊ መገዲ ዝተደገፈ ትዕዝብቲ ድዩ፧ እንታይ ግበረ-መልሲ ኸ ትረኽብሉ ካብ ተኸታተልቲ ይኹኑ ካብ‘ቶም ስነ-ጥበባውያን፧ ብሕጂ ኸ ካባኺ እንታይ ክንጽበ ኢና፧ *ወሓዚት፤ ክቡር ሓዉ ረዘነ ፈረስ፥ ከምቲ ባዕልኻ ኣብ ሕቶኻ ‘ምስቲ ክሊፕ ዝተሰነየ ሓሳብኪ ተበርክቲ ኣለኺ’ ኢልካ ኣስሚርካሉ ዘለኻ፡ ንተራ ትዕዝብተይ ከም ተራ ኣስተማቓሪት ኮይነ ንዝተዓዘብክዎ እየ ከም ተራ ዉልቀ-ሰብ ወሃቢት ርእይቶ፡ ዉሽጢ ከይኣተኹ፡ ብዛዕባ’ቲ ርኡይ ተርእዮታት፡ ፍጻመታት ብዓቕመይ እዝን እትን ክብል ዝፍትን። እቶም ኣነ ዘልዕሎም ዛዕባታት፡ ኣወንታዊ ይኹኑ ኣሉታዊ ማንም ሰብ ከስተዉዕለሎም ዝኽእል ኣዝዮም ጉሉሓት ንዝኾኑ ተርእዮታት እየ ከብርህ ዝፍትን። ከምዚ ንምባል ከኣ ብሞጎታዊ እንበር “ብስነ-ጥበባዊ መንገዲ ዝተደገፈ ትዕዝብቲ” ዲኻ ዝበልካዮ፧ ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ሓዳምን ተሓዳምን ኣብዚ ዝበልካዮ ኣርእስቲ ኣይበጽሑን። ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑ ግን ኣነ’ዉን ብስነ-ጥበባዊ መንገዲ ዝተደገፈ ትዕዝብቲ ክምልሰልካስ ንስኻ’ዉን ብስነ-ጥበባዊ መንገዲ ዝተደገፈ ሕቶ ከተቕርበለይ ኣለካ። ሓፈሻዊ ርድኢት ብዛዕባይ ንክህሉ ግን፡ ኣነ ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ጥበብ ኣይወሰድኩን ወይ ኣይተመሃርኩን። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ጥበብ ዝነጥፉ ስነ-ጥበባዉያን መማህራና እዮም። ንሶም ዘንጸፍዎ መሰረት፡ ንሶም ዝሃነጽዎ ባይታ፡ ኢና ሕጂ ንሕና ነሽኮንድረሉ ዘለና። ምድጋም ደኣ ከይከዉን እንበር፡ ዝበለጸ ስራሕ ክትርእይ ትጸንሕ እሞ፡ ኣይብላዕ ኣይስላዕ ዝኾነ ስራሕ ክመጽእ ከሎ ግን ወላ እቲ ደቀቕቲ ጌጋታት ከተስተብህል ዓቕሚ ኣይሃልኻ፡ ነቲ ዓበይቲ ግን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ኸኣ ከም ኩሉ ሰብ ዓቕመይ ዝኾነ ናይ ምስትምቓር ክእለት ኣለኒ ይብል። ኣብ ናይ ሎሚ ክሊፓትናን ሕደማታትናን፡ ብኣይ ብጀማሪት ዝርኣዩ ሃጋፋት፡ ብኸምዚ ከማኻ ገዲም ዝጉሰዩን ተናዒቖም ዝሓልፉን፡ ርእየ ምእራም ግን ነቲ ዘፍሪ ዘሎ ኣካል፡ ተራ ሰባት ከምዚ ኸማይ ክርእይዎ ዝኽእሉ ዓበይቲ ጌጋታት ይስርሑ ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ። እዚ ኸኣ ዝፈርዩ ዘለዉ ደርፍታት ዘለኒ ስግኣት ብዓቕመይ ከርእይ ምፍታነይ ካብ ብዙሓት ስነ-ጥበባዉያን ኣወንታዊ ግብረ መልሲ እየ ረኺበሉ። ንገለ ዉሑዳት ብናይ ግሊ መልእኽቲ (ኢንቦክስ) ናይ ምሕረት ምልማንን ምምሽኻንን ገዲፍካ ማለት እዩ። ኮነ ኢልካ ንሓደ ስነ-ጥበባዊ ንምድኻም ወይ ንምክፋእ ቅቡል ኣይኮነን፣ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና እዉን ኣይኮነን። ጌጋታት ክትእርም፡ ግድን መምህር ክትከዉን ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ተምሃራይ እዉን እንተ ነፊዑ ንመምህር ክእርም ስለ ዝኽእል። * ወዲኣስመራ፤ ኣብ ግጥምታትኪ፡ መጎትን ኵንነታዊ ጭብጥን ዘይገልጾም ኢርትዓውያን ባእታታት የስተብህል‘የ። ብወገንኪ ተኣማኒ ኣቐራርባ ኣትሒዘዮም ኣለኹ ኢልኪ ብዚኣመንኪ፡ ናብ ኣንበብቲ ከም ‘ተቕርብዮም መብርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን። ግን፡ ኣብቲ ግጥሚ (ጽሑፍ) ዝሰፈረ መንፈስን ተምሳሌትን (ሞኦድ ኣንድ ኢማገርይ)፡ ምሳኺ ማለት ምስቲ ኣብ ርእሲ ዝተሃንጸ ሓሳብ ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ንዓኺ ጥራሕ አእማኒ ኮይኑ ክርኣየኪ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ካብ ነብስኺ ውጽእ ኢልኪ፡ ብዓይንን ርእይቶን ካልኦት ኣስተማቐርቲ፡ ንግጥምታትኪ ክትዕዘብዮም እንከለኺ፡ እቲ ኣብ ርእሲ ዘሎን ኣብቶም ግጥምታት ዝተሳእለ ኩለንትናዊ ትሕዝቶን ብምንጽጻር፡ ማዕረ ክንደይ ዕዉት ኮይኑ ትረኽብዮ፧ ጽቡቕ ትሕዝቶን ዓቕምን ኣለኪ፡ ቀጽልዮ። *ወሓዚት፤ ወዲ ኣስመራ ነብሲ፡ ነዛ ሕቶ ብዙሕ ግዜ እየ ኣንቢበያ። “መጎትን ኵንነታዊ ጭብጥን ዘይገልጾም ኢርትዓውያን ባእታታት ኣብ ግጥምኺ የስተብህል’የ” ኢልካዮ ዘለኻ፡ ብቐንዱ ሳይንስን ኣርትን ዝፈላለይሉ ነጥቢ፣ ኣብ ‘ኣርት’ እቲ ካብ ስእለ-ኣእምሮ ዝመንጨወ ስእላዊ ገለጻ ብኸመይ ኣብ ዓይንን እዝንን ልብን ኣንበብቲ ጽባቐ ይፈጥር ደኣ’ምበር፡ ኣብ ኩሎም ነግሒታት፡ ርትዓውን መጐታውን ሓቅታት ንምቕራብ ኣይኮነን። ከም ኣብነት፥ ኣዒንታ ከዋኽብቲ፡ ህድኣቱ ከም ህድኣት ባሕሪ፡ … ወዘተ. ክብሃል ከሎ’ውን መጐታውን ክውንነታውን ኣይኮነን፡ እቲ ውስጠዘ ወይ ምንጽጻር ወይ ተምሳሌት፡ ስእልን ስምዒትን ብሓፈሻ ጽባቐ (ኤስቴቲክ) ክፈጥር ስለ ዝኽእል’ዩ። ኣብ ግጥሚ፡ ካብ ተራ ኣበሃህላታት ንምርሓቕ፡ ኢርትዓውያን ዝመስሉ ባእታታት ግና ተደማሚሮም ስእሊ ዝፈጥሩ፡ መልእኽት ዘሕልፉ፡ ስምዒት ዝጽሕትሩ፡ ምስትምቓር ዝፈጥሩ … ወዘተ. ስሓብቲ ኢዮም፣ ንዓይ’ውን ይስሕቡኒ’ዮም። እቲ ስእለ-ኣእምሮ (ኢማጂነሽን) ብናጽነት ክዓይዪ ስለ ዘሎዎ ከኣ ግድነት ከምዚ ዓይነት ተመኲሮ ከጋጥመካ ይኽእል እዩ። ከም ርዱእ ጉዳይ መንፈስን ተምሳሌታትን ግጥምታት ይኹን ዝዀነ ይኹን ስነ-ጥበባዊ ውጽኢት፡ ነጸብራቕ ውሽጢ ገጣሚ እምበር ጸብጻብ ደጋዊ ዓለም ብዓይኒ ኣንበብቲ ኣይኰነን። ምስዚ ግና ገጣምን ኣንበብትን ዝነብሩሉ ዓለም ተመሳሳሊ ስለ ዝዀነ፡ ዝዛረብዎ ቋንቋ ስለ ዝረዳዳእ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ገጥማይ ዘሎ ምስልታት ክርድእዎ ኣይሽገሩን። ርእይቶኻ፡ ግጥምታተይ ዝውክልዎ መንፈስን ተምሳሌትን ካብቲ ንኻልኦት ሰባት ክርድኦም ዝኽእል ፈጺሙ ዝወጸ ከም ዝዀነ ትገልጽ ዘለኻ ኣይመስለንን። የቐንየለይ። * ዛራ ገጠምቲ፤ ንዝሃብክና መልስታት እናመስገና፡ ኣብ መወዳእታ ‘ኣሎ ዘይተባህለ’ ኢልኪ ክትብልዮ እትደልይ ሓፈሻዊ መዕጸዊ ናባኺ እዩ እቲ መድረኽ። ግዳ ሓንቲ ሕቶ ኣልግብ ከነብለልኪ። ሓፍትኺ’ውን (ሄለን ኣብርሃም) ዝንባለ ናይ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ኣብ ግጥሚ ክትነጥፍ ሕልፍ ኢልና ንዕዘባ ኢና። ኣብ ሓንቲ ስድራ ሓደ ዓይነት ዝንባለ ካበይ ዝነቐለ እዩ፧ ገለ ኣገጣሚታት ኣብ ሞንጎኹም ዝተኸስተ እንተሎ ኣዋግዕና። *ወሓዚት፤ ደምበ ዛራ ገጠምቲ ንብዙሓት ከምዚ ኸማይ ኣንፈት ዘለዎም’ሞ ኣፍልጦ ዘይብሎም ንኣሽቱ፡ መርወዪ ጽምኢ ጥበብ እያ ኰይና ስለ ዘላ ካብዚ ንላዕሊ ንኽትዓቢ፡ ዓበይቲ ስነ-ጥበባውያን ኣበርክትኦም ከዕዝዙን፡ ፍልጠቶም ከሰጋግሩን ይምሕጸን። ዛራ ንዓይ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ብዙሕ ዝተማሃርኩላን፡ ካብ ዝወሃብ ርኢቶታት ብዙሕ ጌጋታተይ ዝኣረምኩላን ገጽ እያ። እዋእ ‘ዞም ዛራስ ደርዘን ኢልኩም ሰለስተ ደርዘን ኢኹም ትሓቱ፡ ሕጂ ኽኣ ናብ ሓፍተይ ሰጊርኩም፧ ብዝኾነ ሄለን ኣብርሃም ካብ ቀደም ጀሚራ ትጽሕፍ ከም ዝነበረት ይፈልጥ እየ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርትታት ዝግበር ዝነበረ ውድድር’ውን ብቐጻሊ ትዕወት ከም ዝነበረት እፈልጥ። እንተዀነ ብሰንኪ ስደትን ምፍልላይን ነቲ ዘለና ናይ ሓባር ዝንባለ ክንሰርሓሉ ኣይከኣልናን። ኣብ መንጎይን መንጎ ሄለንን ዝተፈጥረ ኣጋጣሚታት እኳ ብዙሕ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ንሳ ትገጥሞ ንምንታይ ከም ዝገጠመቶን፡ እንታይ ምስ ተሰምዓ ከም ዝገጠመቶን እፈልጦ እየ። ንሳ ንግጥምታተይ ብኸምኡ ትርድኦም እያ። ብኸምዚ ብግጥሚ ንረዳዳእ ኢና። ተደዋዊልና ብዛዕባ እቲ ግጥምታት ዘንቀሎ ጉዳይ ኣልዒልና ነዋግዕ። ንሄለን ሓፍተይ ዘጋጠማ ብሰባት ዝተመስረሐ መሰናኽል ከትርራን ኣብ ግጥሚ ከዕምቛን እምበር ካብቲ ዓውዲ ክትክወል ክደፍኣ ከተፍቅደሉ ከምዘይብላ ከዘኻኽራ እደሊ። ስለቲ ከም ዝመሰለኒ ክጽሕፍ ዝተወሃበኒ ዕድል አመስግን። ንብዙሓት ምኩራት ነጢርኩም ንዓይ ዕድል ከም ዝሃብኩምኒ ይርድኣኒ እዩ፡ ስለዚ ድማ ክብረት ይሃበለይ። ስለቲ ምቕሉልን ገላጺን መልስታት፡ ብስም ኣንብብቲን ኣባላት ዛራ ገጠምቲ ደጊምና ነምስግን Wehazit Ab ዛራ ገጠምቲ ጥቅምቲ 2016