ዋላኳ ርእይ ኣቢልካ ወይ ስምዕ ኣቢልካ ትኽዕባ ግጥሚ እንተኾነት፡ ብወገነይ ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን። ካልእ ሓርነት የለን እትብል ግጥሚ ወይ ደርፊ ኣበይ ኰንካ ኢኻ’ሞ ትብላ ዘለኻ ኣብ ኣብ ዝብል ግምት ኣእትየ ክርእያ እንከለኹ፡ ክቕበላ የጸግመኒ። ጉዳይ ከምዝተሳእነ፡ ኣንጻር ዘሎ ክውንነት ክትሕንጽጽ ከመይ ኢሉ ኢድካ ብርዒ ከልዕልን ኣእምሮኻ ክእዘዝን ይኽእል? ብፍላይ ኣብ ስነ ጥበብ እሰርሕ ኣለኹ ኣብ ትብለሉ፡ ልዕሊ ኩሉ ዘገድስ እቲ ፈጠራውነትዩ፡ ነዚ ጐሲኻ ነቲ ዘሎ ከምቲ ዘለዎ ክብሎየ እንተኢልካውን ብኸመይ ትብሎ ዝያዳ ዓዚዙ ይርኤ። ካብዚ ወጻኢ ዘየሎ ጉዳይ ኣልዒልካ በቲ ኣንጻር ግብሪ ክትፍክርን ክትዋጥን ግን ኣይግባእን። ጥበብ ጸወታ ቖልዓ ኣይኮነን ክቡርዩ። ህዝቢ እውን ከምኡ። ሎሚ ኣብ ዓለም ንሓደ ኣደናጊርካ ንሓደ ወዲስካ ዝኽየዶ ኣይኮነን።
እዛ ግጥሚ እዚኣ ዋላውን ኣመንጊጎም ከውሕጡኒ እንተዝፍትኑ(ብዙሕ ማይ ጌሮም) ፍጹም መንፈስቅዱስ ኣይምወሓጥክዋን። “ገጣሚ”ኸ ክሳብ ክንደይ እዩ ዓዊሩ? ደራፊኸ ክሳብ ክንደይ ልቡ ተደፊኑ? ኢለ ድማ እሓስብ።
ስነ-ጥበበኛታትና ክሳብ ክንድዚ ድዮም ድሕሪት ተመሊሶም? ኢለ ድማ የስተንክር! ንምዃኑ እቲ ገጣሚ፡(ይቅረታ’ውን ገጣሚ ክብሎ ድፍረትዩ) እቲ ትፋእ ሕቱራት ዝልሕስ በይኑ ሓርነት ዝረኸበ ዝመስል ታቱላ ዝነፍሕ ዕንድኩር ፍጥረት ገለዶ ንሕልንኡ ኣይውከስን’ዩ? ምናልባት ሕልና የብሉን ይኸውን፡ ሕልና እንተዘይብሉ ካብ ርእሲ ትሕት ኢሉ ንኽሳዱ ወይ ንእግሩ ኣይውከስን ድዩ? እዚኮ ንምፍላጡ፡ ማለት ህላወ ሓርነትን ዘይ ሓርነትን ዘይኮነስ ናይ ሓርነትን ጊላነትን ንጽጽር እዩ። ሕልና ጥራይ ዘይኮነስ ዝኾነ ኣካል ሂወትና ክምስክሮ ዝኽእል’ዩ። ንሱ እቲ ገጣሚ ግን ኩሉ መንእሰይ ኣብ ግዱድ ዕስክርና እንከሎ ንበይኑ ኣብ ሓርነት ዘሎ እዩ ከይንብል ዝክኣል ኣይኮነን ግን ንሱ ልክዕ ከም መሓዮ ተረፍ መረፍ ጎይተቱ እናለሓሰ ስለዝዓቢ ንዕኡ እዚ ቁልማጾ እኹል ሓርነት ይህቦ ይኸውን እምበር ጥቃ ሓርነት ዝቐረበ ናጽነት እውን የለን። ከመይ ኢሉኸ ከምዚ ሓሳብ ይመጸልካ? ቃንዛ ህዝብኻ ዘየቐንዝወካ እንተኾይኑስ ከመይ ኢልካ ትስጉም? ቃንዛ ህዝቡ ዘየቐንዝዎ ጸሓፊኸ ኣሎ ድዩ? ዋላኳ፥
” ገጣሚ” ውሕጅ ዘምጽኦ፡ ኩሉ ምስተወድኤ( ዝእሰር ተኣሲሩ ዝስደት ምስ ተሰደ) ዝመጸ እንተኾነ እቲ ስራሕ፡ ኩሉ ዝተሰደን ዝተኣስረን ከምዝሰምዖን ከምዘንብቦንሲ ኣይፈልጥን ድዩ? ሎሚስ ደሓን ቅራርያ ኣቃሪሩ ዝልሓስ ልሒሱ ይሕለፎ ንጽባሕ ኣይስከፍን ድዩ? ወይ ኣይፈርህን ድዩ? ከመይ ኢሉ ደው ክብል እዩ? ኣዕኑድ ኣካላቱ ከይጠልምዎስ ኣይሓስብን ዶ? እንተዝሓስብ ከምዚ ዓይነት ዘውጊን ዘጉሂን ግጥሚ ኣይምጽሓፈን፡ ምናልባት ርእሱ ቆሪጹ ኣብ ጋህሲ ካብ ዘእትዎ ነዊሕ እንተጌሩ እንድዒ። ምስተመለሰ መሽሚሹ ጸኒሕዎ ይኸውን!
“እንታይ ንምባል’ዮምከ ምቑሓት ዝብሉና
ሰንሰለት ዘየለ ኣብ ኢደ እግርና”
እዚስ እንታይ ክብሃል ይክኣል? እቶም ካብ ኢደ እግሮም ንደቂቕ እኳ ዘይተፈልየ ብሓጺነመጺን ተሞቊሖም ዘለዉ ኤህ ኢሎም ኣየብጽሑንዶ?
እቶም ወለዶም ናፊቖም ብሃንቀውታ ዝጽበዩ ዘለዉኸ ኣይርኣይዎንዶ? ኣዕሩኽ የብሉን ድዩ? ብግፍዒ ዝተቀትሉ፡ ሓርነቶም ዝተመንጠሉ፡ ኣፎም ዝተሎግሙ፡ ፍትሒ ዝረሓቖም፡ ናጽነት ዝናፍቑ፡- – – ኣየጓነፍዎን ድዮም? ንምዃኑ ኣበይ እዩ ዝነብር? ዓለሙ መንያ? እታ ንእሽቶ ርእሱ ጥራይ ድያ ዓለሙ? ብኣኣ ጌሩኸ ንመንዩ ክነግር? ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ ዝጣበቐሉ ስነጥበበኛ ኣለዎ! ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ ናቱ ነቢ’ለዎ! ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ ሓላዊ ንብዓት ኣለዎ! ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ ካብኡ ሓርነት ኣይጽበንዩ! ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ መን’ዩ ሰቡ መን’ዩ ሓላይኡ መን’ዩ በዳሊኡ ይፈልጥ’ዩ። ድኸም ኢልዎ እምበር እዚ ህዝቢ ካብ ንእሽቶ ርእሲ ዝጽበዮ ሓርነት የለን። እዚ ህዝቢ ሓርነቱ ተመንጢሉ’ዩ’ሞ ሓርነቱ ድማ መንጢሉ ክረኽባ’ዩ! ስነጥበበኛ ነቢ ህዝቡ ክኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበር፡ እንተሓመቐ ድማ ዘመነ በረድ ኢሉ ትም ይብል። ትምኮ ተቓውሞ’ዩ፡ ትምኮ መልሲ’ዩ! እዚ ካልእ ሓርነት የለን ዝበለ ርእሲ ጫቚት ግን ስነጥበበኛ ኣይኮነን፡ ንስነ ጥበብ ዘራኽስ፡ ብስም ስነጥበብ ዝሽቅጥ ነቐዝዩ! ምእንቲ ሓርነት ህዝቡ ደው ዘይብል ስነጥበበኛ ኣብ ምንታይ’ዩ ጥበቡ? ወራዙ ከም ዓይበት ይቕደዱ እዚ ድማ እዚ ተራእይዎ! እሞ ድማ ብሞራልን ህይወትን ዝላገጽ፡ ብደም ኣሕዋቱ ዘባጩ ጭራ ኸልቢ ምዃን ዝመረጸ ሓሹል’ዩ! እዚ ዘለፋ ዝመስል ሂስ ልቢ ዘፈልፈሎ ንኣእምሮ ገንፊሉ ባዕሉ ዝወጸ ብምዃኑ ኣብቲ ዓለመ ሙድ ልሙድ’ዩ፡ ነዚ ጸሓፊ ኩኑን ከም ኣርዮስ ኢልካ ምሕላፉ እኹል ኣይኮነን በሃሊ’የ። እኳ ድኣ ከምቲ ደራሲ በየነ ሃይለ ሓደ ኣዋን ዝበሎ፡ ብነበልባላዊ ሴፍ ፍልጠት፡ ምስ ጣኦት ጸልማት ሓዊስካ ክመታተር ዘለዎ’ዩ። ብፍላይ እቲ ኣተሓሳስባኡ።
“ገጣሚ” ነቶም ተጣበቅቲ ሓርነት ድማ ከምዚ በለ፡
“ዝሓለዩ ክመስሉ ንህዝቢ
ጻዕዳ ከጸልሙ ይነብሑ ከም ከልቢ”
ከም ግጥሚኳ ፍጹም ስእልን ተምሳሌትን የብላን። ከልቢ ጻዕዳ ከጸልም ኣይነብሕን’ዩ። ከልቢ ንዋንኡ እሙን’ዩ። ኮን ደኾን ጭራ ከልቢ እዩ ምስ ከልቢ ዝዛረብ ዘሎ? ከምቲ ዶክተር ርእሶም ዝበሎ፡
” ጭራ ኸልቢ ምስ ከልቢ ተባኢሳ
ኣነ ፈልጥ ኣነ ‘ሓይሽ ትብል ንሳ
ወዮ ኸልቢ ካብ ሱራ መንቆሳ
እሞ ምስ መሬት ሓወሳ
ስቅ ግዳ ዘይትብል ንሳ”
ዝበሎ ጽባሕ እዚ ጭራ ኸልቢ ካብ ስሩ ብኸልቢ ክብንቆስ ምዃኑ ይፈልጥዶ ይኸውን? ሽዑ ካልእ ሓርነት የለን ኢሉዶ ይመውት ይኸውን ዋላስ ይጥዓስን ይናሳሕን ይኸውን? እታ ንእሽቶ ርእሱ ነዚ ተፍቅደሉዶ ትኸውን? ወዮ ድኣ ፍቀዶ ባራት ክነብሕ ግዜ የብሉን እምበር ባዕሉ ይመልሶ።
እቲ ደራፊኸ እንታይ ኮን የመኽኒ ይኸውን? እሞ ድማ ብህዝቢ ፍቱው ደራፊ ንመን ኢሉ ደሪፍዋ ይኸውን!?
ካልእ ሓርነት የለን ኢልካዶ ሓርነት ደልየ ኢልካ ይስደድዩ? ዶ ዋላስ ህዝቢ መጻወቲ ደቂ ንእሽቶ ርእሲ ኮይኑ እዩ ተሰሚዕዎ? ባዕሉ ይመልሶ።
ቃል ሓንሳብ እንተወጺኣ ዝመልሳ የብላን። ብህዝቢ ዝጻወት ድማ ኣንጻር ሕልና ይጻወት ስለዘሎ ህዝቢ ፎእ ክብሎዩ! ‘ንሕልንኡ ዘይምእዘዝ ሕልንኡ የዕውር’ ዝበለስ መን ኮን ይኸውን? ሕልና ኣዕሪብካ ዕንጋሎ የለን።
ተሓተትቲ ክልቲኦም እዮም! እቲ ነውናዊ እቲ ኣጽዳፊ። እዚስ ማንም ቆልዓ’ኳ ኣይምበሎን እትረፍዶ ምኩር ስነ-ጥበበኛ።
“እንታይ ንምባል’ዮምከ ምቑሓት ዝብሉና
ሰንሰለት ዘየለ ኣብ ኢደ እግርና
ከም ፍትሕቲ ብተይ እንሰራሰረላ
ኤርትራ ትብሃል ተፈጢራ እንከላ!” መን ኮንዩ ዝሰራሰር ዘሎ?
ሓደ ደራፊ ነዚ ንምንታይ ይደርፎ? ከጉሂ? ዋላስ ከሐጉስ? ሓጎስ ተኾይኑ ንመን ከሐጉስ? ህዝቢ እንተሓዘነስ እንታይ መኽሰቡ? ጽባሕ ንሱዶ ኣይኮነን ዘዕቁቦን ዝሕብሕቦን? እዛ ግጥሚ ሄኖክ ታደሰ ዝብሃል መንከማይ በሃሊ ባዶ ገጣሚ ይግጠማ ድኣምበአ ደራፊ ቖርጫጭ ንምንታይ ከይ ኣሰላሰለ ይደርፋ? እቲ ገጣሚ ዕሱብ ይኸውን፡ ጽሉል ይኸውን፡ ኩነታት ናይ ምንባብ ብቕዓቱ ባዶሽ ይኸውን ከይፈለጠ ድዩ ዝደርፍ? ደራፊኮ ሻምብቆ ኣይኮነን ወይ መጒልሒ ድምጺ ኣይኮነን። ድምጺ ህዝቢ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ። ጽባሕ ደምስሱለይ ኢልካ ዝድምሰስ ኣይኮነን፡ እታ ግጥሚ ግጥማዊ ብቕዓት እውን የብላን ኩሉ ሙላ ባዶሽ’ያ።
ባዶሽ ዝገብራ ኩነታት ዘይፈተሸት ብምዃና ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸሓፊ ከባጩ ምፍታኑ’ዩ።
“ይፈልጥዩ እዚ ህዝቢ
ይፈልጥዩ – – -“ይብለና፡ ኣብቲ ግጥሚ ግን ከምዘይፈልጥ ቆጺሩ፡ መከራታቱ ደፊኑ ሓርነቱ ኣቅሂሙስ ካልእ ሓርነት የለን ኢሉ ዓይኑ ከንቑሮ ተራእዩ። ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ብዛዕባ ናጽነትን ሓርነትን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ካብ ሓደ ጨሪቐ በላዕ ፍጹም ሃሱስ ዝኾነ ሰብ መግለጺ ኣየድልዮን እዩ። ልዕሊ ዝኾነ ዘሕዝን ጭላፍ ሓቂ ጥበብ ዘይብሉ ግጥሚ ንህዝቢ ምዝርግሑ እዩ። ስነጥበበኛ ንሓቂ ይቐውም እምበር ንኣንጻር ሓቂ ከሳሲ ምርኣይ እንታይ ስም ክውሃቦ ከምዝኽእል ዘተሓሳስብ’ዩ። እዚ ንድንቁርና ዘወዓውዕ ግጥሚ ብደርፊ ተሰንዩ ምቕራቡ ንህዝቢ ዓቢ ጸርፊዩ። ብልክዕ እዛ ደርፊ ጸርፊያ። ንህዝቢ ዝጣበቕ ኣካል ጽባሕ ብሕቶ ከዋጥሮ’ዩ። ወይ ድማ እቲ ጸሓፊ ጸርፊ፡ ክናሳሕን ተንበርኪኹ መዲድ ተሰኪሙ እቅሬታ ክሓትትን ይግባእ። ኩሎም ጸሓፍቲ ነዛ ግጥሚ ርእይቶኦም ክጽሕፉላ እምሕጸን። ንድምጻዊ ፍረሰላም ድማ ስለታ “ካልእ ሓርነት ኣሎ” ትብል መልሲ ደርፉ እናነኣድኩ ኣገናዕ እብሎ። መልሲ ስምዒትና ክንጽሕፍ ሞያዊ ሓላፍነት ኣለና።