2ይ ክፋል
# ዮሴፍ ዓንደብራሃን፤ ክቡር ሓው ተስፉ ሓጎስ፣ ብመጀመርታ ኣብ ሂወትካ ምሉእ ጥዕና፣ ኣብ ጉዕዞኻ ሰላም፣ ኣብ ስራሕካ ድማ ዓወት እምነየልካ። 1ይ) ንዛራ ገጠምቲ ምስ መኣድታት ስነ-ጥበብ ኤርትራ ኣነጻጽራ እንተ ትብሃል፡ እንታይ ኣሉታውን ኣወንታውን ጎኒ ኣለዋ ትብል፧ 2ይ) ኣይግበሮ ደኣ’ምበር፡ ብዓልቲ-ቤትካ፡ “ወይ ግጥምኻ ወይ ቃል-ኪዳንካ ምረጽ፧” እንተ ትብለካስ እንታይ ምመረጽካ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ኣሜን! ነቲ ሰናይ ትምኒትካ ዮሴፍ ሓወይ፥ ” ‘ንዛራ ገጠምቲ’ ምስ መኣድታት ስነጥበብ ኣነጻጺርካ…” እዛ ሕቶ ‘ንመኣዲታት ስነ-ጥበብ’፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ዝስራዕን ዝእንገድን፡ ዝነበረን ንማልባት ውን ዘሎን ንማለት እንተ ዀይኑ፥ እቲ ዕላማ ወይ ሸቶ ናይ ክልቲኡ’ኳ ማዕረ እንተ ዀነ፥ ንኽልቲኡ ነንበይኑ ኣገባብን ኣቃውማን ዘለዎ ክተነጻጽር ግን ክብድ ይብል እዩ።
ከም ኩነቱ ገሊጽካ በቢናቱ ብልጫታትን ሕጽረታትን ከም ዘለዎ ምጥቃስ ግን ይከኣል። ንኣብነት፥ ኣብቲ ቀዳማይ ተጠቒሱ ዘሎ ምስ እዋኑ ዝኸይድን ኣብ ዘለኻሉ ኩርናዕ ዓለም ኰንካ ርሕቀት ከይደረኸካ፡ ብዙሕ ግዜ ከየህለኽካ ክትሳተፍ ዘኽእለካ እዩ። ናይ ዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ክተስተማቕርን ከም ውጽኢቱ ድማ ሰፊሕ ተሳትፎ ዘለዎ ሰፊሕ ኣረኣእያን ተመኩሮን እትድልበሉ ዕድል ትረክብ። እዚ እቲ ዝዓበየ ብልጫኡ ክኸውን ከሎ፥ ሕጽረታቱ ድማ፥ ገጽ-ንገጽ ስለ ዘይትራኸብ፡ ብልክዕ ስምዒት ኣስተማቐርትን ተስተማቐርትን ንም’ንባብ፡ ኣብ ሓድሕድ ተሳተፍቲ ጥቡቕን ዓሚቚን ሌላ ዘይምህላው – ከም ሳዓቤኑ ከኣ ከምቲ ዝድለ ምሉእን ሓላፍነታውን ምብህሃል ዝጐደሎ ይኸውን። ኣብ’ቲ ካልኣይ ድማ፡ ብሰንኪ ርሕቀት ቦታ ንብዙሓት ካብ ብዙሕ ቦታ ንኽሳተፉ ዝኽእሉ ዝዕንቅጽ እኳ እንተ ዀነ፥ ብእቶም ዘለዉ ዓይነታዊ ብልጭኡ ሓልዩ ንተሳተፍቲ ኪኖ ሞያዊ ዝኸይድ ቅርበትን ኣፍልጦን ክፈጥር ተኽእሎ ኣለዎ።
ስለዚ ‘ዛራ ገጠምቲ’ ነቲ ዘለዋ ዕድል ተጠቂማ ዕድላት መኣዲ ጥበብ ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምስፋሕን ጽቡቕ ትስጉም ኣላ እየ ዝብል። ነዚ ዘለዋ ሕጽረታት እናሕጸረት ንዘዕንቅፋ ክትጸርግን ንስጉምታ ናህሪ ክትውስኸሉ ምኳና ድማ እምንቶይ እዩ። ናይ ኩልና ዕማምን ግዴታን ክኸውን ውን ደስ እብለኒ።
ናብታ ጉዳም ሕቶ ከኣ … ከመይ ዝበለ ሰንካም ሕቶ’ዩ በጃኻ! “ቱፍ በሎ” እዩ ዘብል፡ እ’እ’ም! ወረ ከመይ ኢሉኸ መጽአልካ …ግደ ሓቂ ፍቕሪ ግጥሚ፡ ምስ ሰብ ቃል ኪዳን ሰኒት ምበር ጽልኢ የብሉን። ስለዚ ንፍቁራት ፍቕሮም ዘራጉድ ‘ምበር ዝነጻጽል ክሳብ ዘይኰነ ይትረፍ እታ ናባይ እትመጽእሲ፣ ኣብ ዙርያ’ዛ ዓለም ውን እንተ ዀነ ከምኡ እትብል ክትህሉ ኣይምደለኹን። ንኣብ ‘እንተ’ ዝበቖለ ሕቶ ግድን ክብል እንተ ተደልዩ ግን… ” ‘ቃል ኪዳንካ ወይ ግጥምኻ ምረጽ’ እትብል ብዓልቲ ቤት ድኣ ከመይ ዝመሰልዋ’ያ ነውራም! ሰራም! ነግራም! ኰይና… ኣይኮነንዶ ኢላትኒ ክምልሰላስ፡ ክሰምዓ’ኳ ነይደሊ፡ ብኡ ኣቢሉ ውን ከይመጽአት የጥፍኣያ እዚኣስ … ስዲ!…ዋይ ኣነ ዘይረኽቦ ዘይብለይ…!” እናበልኩ ብውሽጠይ ክቆራጥማ ጸኒሐ’ሞ፣ እንተ ንእንተኡስ ስቕ ኢለኸ ዘይእንትት ብምባል ቀጺለ። ወይ ጉድ ድሕሪ ኣፍቃሪትን ተፈቃሪትን ምኳን ንቃል ኪዳን ምብቃዓስ ንመፈላለዪ ዝኸውን መመኽነይታ ተቐኒታ፡ “ኣነ ዕንጨይቲ ይኣሪ መድረሪና ንሳ ተመን ትሕዝ ቀታሊና”ዩ ነገሩ እናበልኩ፣ እንታይ ክብላ ከም ዝኽእል ኢለ እናሰላሰልኩስ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ሓሳብ መጺኣትለይ፣
መናብርተይ ከሎ – ዘፍቅሮ ዘፍቅረኒ
ኣውጺአ ዘየውጽኦ ከም ደም ስኒ
ኣብ ደመይ ዝሰረተ – ኣብ ሱር መትኒ
መከራ ኣይትብልዒ ህላወኡ ክትፈታትኒ
ክሕደት’ንተ ዘይኰይኑ ንእምነት ባጫ
እንታይ ማለት’ዩኸ ድሕሪ ምምራጽ ምርጫ!?
ኣይተርፍን እንተልኪ ግን ክህሉ መፍለዪ
እንሆልኪ ወስኒ ባዕልኺ ሕጠዪ
ብምባል መሊሰ እቲ ዕዳ ናብኣ ብምስካም ወይ ምሳይ (ምሳይን ምስ ግጥምን) ክትጸንሕ ሓደው ንበይና ንኽትከይድ ምሓተትኩዋ።
# ዛራ ገጠምቲ ፤ እንታይ ንምጭባጥ ኢኻ እትገጥም፧ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝተጠንሰ ስምዒትን ርድኢትን፡ ብሜላ ምስ ኣገጣጠምካዮ፡ “ትንፋስ ረኺቡ እዩ’ሞ ደጊምሲ ህያው ኮይኑለይ እዩ፡” ኢልካ እቲ ግጥሚ ምስ ሓረስካዮ፡ ብድሕሪኡ ማዕረ ክንደይ ውሽጣዊ ዕጋበት ይስመዓካ፧ ማለት ሩፍትኡ ዶ ይዓቢ ወይስ ሕማም-ደሓሩ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ጽባቐ ንምድላይ – ስነ-ጽባቐ ንምስትምቓር፡ ኣብ ገጽ ሓቂ ጥበብ ንምፍጣር ወይ ንሓቂ ምስ ጥበብ ንምርኻብን ርትዓዊ ትርጉም ነገራትን ህይወትን ንምጭባጥን እየ ዝገጥም። እዚ እንተ ሰሚሩለይ ድማ ንዓለም ዝጠመትኩዎ ከርእያ ዝተረዳእኩዎ ከስምዓ ዝጨበጥኩዎ ከዳህስሳ ኣይጸልእን።
“ግጥሚ ንዓይ መነጸር ስምዒታተይ እዩ፡ ንኽውንነትን ሓሳባትን ህይወት፡ ብመዂባዕቲ ትዕዝብቲ ጸሚቑ፡ ንተዛማድነት ተመስጦ ብፈጠራ ኣራቒቑ፡ ብሕብሪ ዘለዎ ትርኢት ዘስምዕ፡ ብቓና ዘለዎ ስምዒት ዘርኢ መነጸር …” (ካብ መቅድም መጽሓፍ ” ፈውሲ ናፍቖት” ዝተወስደዩ)
ግጥሚ ክፍጠር እንተ ዀይኑ፥ ኣቐዲሙ ግርጭት ወይ ፍሕፍሐ ናይ ሓሳባትን ርድኢትን ክኽሰት ኣለዎ። ውጽኢት ናይ’ቶም ተሓቚኖም ዝወሃዱ ድማ ማህጸን ኣእምሮ ብመስርሕ ጥበብ ስሩዕ ኣካላትን ህይወትን የልብሶ። ብሕርሲ ምስ ተወልደ ከኣ መንፈሱ፡ ጥዕናኡን ድልዳለኡን ይልለ። ብልክዕ ንምዝራብ ድሕሪ’ዚ ሕርሲ’ዚ ዘሎ ርኽበትን ዕግበትን መወዳድርቲ የብሉን። ስለ ዝዀነ’ዩ ድማ ብዘስዋዕውዕ ወኒ ንቐጻሊ ድቅን ሕርስን ግጥሚ ዘብህገካን ዘህርፈካን።
# ሚካኤል መዓሾ፤ ምስ ልዑል ኣኽብሮት! “ብኣፍልጦ ወይ ብርቀት ዝህይሱ፡ ብሞያ ህየሳ ዝሰልጠኑ ንፉዓት ሃየስቲ ዳርጋ የብልናን፡” ዝብል ውልቃዊ ርዲኢት ኣሎኒ። ብክኢላታት ዘይተዓየረ ግጥምታት እናተገጥመ፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ትግርኛ ገጥምቲ ኣለውና-ዶ ትብል፧ ሓደ ሃያሲ-ኸ እንታይ እዩ ከማልእ ዘለዎ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ወድ ሮማ ሓወይ፥ ኣብ ዲግሪ ንፈላለ ንኸውን ምበር ኣነ ውን ምስቲ ውልቃዊ ርእይቶኻ እሰማማዕ እየ። ድሓን እቲ “ዳርጋ የለውን” ዝብል ዝተጋነነ ከይኮነና ናብ “ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ዘለውና” ዝብል ውልቃዊ ርእይቶ ቀይረ ክምልስ ክፍትን። ቅድም ቀዳድም፡ ልክዕ ከምቲ ህየሳ ድሕሪ እቲ ስራሕ ዝመጽእ፡ ሃያሲ ዝህልው ውን ግጥሚ ምስ ዝህሉ ወይ ምስ ሃለወ እዩ። ንፉዓት ወይ ማያውያን ሃየስቲ የብልናን ማለት ግን ናይ ብሓቂ ግጥሚ ወይ ገጠምቲ የብልናን ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቶም ዘለውና ውሑዳት ሃየስቲ ውን ንኹሉ ይህይስዎ ማለት ስለ ዘይኰነ። ወይ ማዕረ እቲ ግጥምታትና ዘይከዱ ሃየስቲ ክህልውና ስለ ዝኽእሉ። ሓደ ሃያሲ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ብዙሕ ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣነ ውን ኣብ ሓንቲ ኣቐዲመ ዝጸሓፍኩዋ ኣርቲክል ገለ ክብል ፈቲነ ነይረ (ኣብ ኣሰር “ዛራ ጥበባት” ምውካስ ይክኣል)። ብሕጂ ወን ብቡዙሓተ ብዙሕ ክብሃል ይከኣል ይኸውን፥ ክስገር ዘይብሉ ግን ሓደ ሃያሲ ቅድሚ ዝተሰርሐ ፍርያት ጸሓፍቲ ምርኻሱ፡ ብቐዳምነት ርትዓውን እወታውን ክኸውን ኣለዎ እየ ዝብል። እቲ ዝቕጽል ኣብ ፍልጠቱን ርድኢቱን ከም ዓቕሙን ሜላኡን ዝምርኰስ እዩ። ካብዚ ዝተረፈ፥ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተበገሰ ንምድኻም፡ ኣቋናጺብካ ስም ንምርካብ ካልእን ዝግበር ፈተነ ህየሳ እንተ ሃልዩ ግን ንከንቱ ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ።
# ምሕረት ኣምላኽ፤ ኣብ መብዛሕትኡ ዝራእኽወን ግጥምታትካ፡ ግልጻዊ ግጥምን ፈኮስቲ ቃላትን ትግርኛ ኢኻ እትጥቐም። እዚ ደይ-መደይ ኢልካ እትገብሮ ዶ ይኸውን፧ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዕለታዊ ምብህሃላት እነዘውትሮም ቃላት፡ ኣብ ግጥሚ ርዝነት ኣይህቡን እዮም ይብሃል። ጸኒሑ ዝፍታሕ (ውስጠዘ) ግጥሚ ከ ትፈቱ-ዶ፧ ስለ‘ቶም ዝጠፍኡ ዘለው ረዘንቲ ኦሪታውያን ቃላት ብግጥሚ መልክዕ ትፍትኖም-ዶ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ዝኸበርካ ምሕረት ኣምላኽ፥ ኣንጻር እዚ ናትካ ከኣ ካልኦት ክብሉኒ ሰሚዐ ኣለኹ። (ኣጋጣሞዶ ድኣ እተን ‘ብፈኮስቲ ቃላት’ ዝተገጥማ ግጥምታት ገጢመናኻ ይኾና) ንማልባት ኣብ ርድኢት እንተ ዘይተፈላሊና፥ ገጣሚ ቃላት ይመርጽዩ ክበሃል ከሎ እኮ፡ እቲ ዘልዓሎ ሓሳብን ምስቶም ዝገጣጠሞም ቃላት ሰጢሞምዶ ኣይሰጠሙን ብምባል እዩ ምበር፡ ኣበይያ ኣለዉ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦም ቃላት እናበለ ዝእክብ ኣይመስለንን። ኣብቲ ፈኮስቲ ቃላትን ግልጻዊ ግጥምታትን ዝመስል ወይ ዝበሃል ውን ኣጸቢቕካ ክተስተማቕሮ ከለኻ ረዘንቲ ሓሳባትን ኪኖቲ ህሩግ ኢልካ ዝርከብ ርድኢት ካልእ ውን ዘይሰኣኖ ኣሎ።
ብልምዳዊ ኣባሃህላ ገዲፍና ግን ረዘንቲ ቃላት ማለት እቶም ኣብ መዓልታዊ ምብህሃልና ዘይነዘውትሮም ዘይንፈልጦም ንዓበይቲ ሰባት ወይ መዝገበ ቃላት ተወኪስካ ዝርከቡ ማለት ድዮም? ግጥሚ ማለት ግን ብዘለዉ ቃላት ኣጋጣጢሙ ብፍሉይ ሜላ ወይ ሓዱሽ ኣበሃህላ ከመይ ገይሩ ጭቡጥ ሓሳብ ይፈጥር ድኣ ‘ምበር ዝተደርደረ ቃላት ከም ዘይኰነ ብዘይ ውልውል እንተ እንግንዘቦ ንብዙሕ ምሓገዘና። ብመሰረቱ ፈኮስትን ረዘንትን ዝበሃሉ ቃላት ትግርኛ ኣለው ድዮም?” እንተ ኢልናኸ ኣዮኖት እዮም? እቶም ኣብ ዕለታዊ ምብህሃላትና እነዘውትሮም ቃላትዶ ይዀኑ እቶም ‘ፈኮስቲ’ ዝብሃሉ ዘለው? ካብ ሰብ ናብ ሰብ ስፍሓትን ዕምቆትን ኣፍልጦ ቋንቋ ይፈላለ እዩ።
ንኣብነት ንስኻ ወርትግ እትጥቀመላ ቃል ንኻልእ ግን ሓዳስ ክትከውን ትኽእል እያ። እሞ እቲ ካልእ ሰብ ነታ ቃል “ረዛን” እንተ በላ፡ ወይ ንስኻ ነታ ቃል “ፈኳስ” እንተ በልካያስ ርትዓዊ ዶ ክኸውን ይኽእል? ኣስፍሕ ኣቢልና እንተ ርኢናዮ ኣብ ኣጠቓቕማኦም እዩ እቲ ወሳኒ። ንዓይ ኩሎም ቃላት ትግርኛ ዝፈኩስን ዝረዝንን ዘይብሎም ብማዕረ ኣገደስቲ እዮም። ኣብ ሓሳባት ግን ልክዕዩ ፈኮስትን ረዘንትን ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ኣሳዃዂዓ እቶም ቃላት ድኣ ምበር ብባህሪኦ ፈኮስቲ ቃላት ስለ ዘለው ኣይኮኑን። ኣብ ናዕታዊ ኣናዳድቓ ግጥሚ እንተ ዀነ ውን እቶም ፈኲስ ህርመት ዝሰርሑ ቃላት ኣብ ዘይቦትኦም ስለ ዝስኩዑ ድኣ ‘ምበር ጠቕሊሎም ክኣትዉ ስለ ዘይብሎም ኣይኮኑን። ስለዚ ልምዳውን ዘይቅኑዕን ኣበሃህላ እንተ ዘይኮይኑ ብመሰረቱ ፈኲስ ቃል ዝብሃል የለን። ውስጠዘ በሎ ተምሳሌት ቅኔኣዊ ይኹን ቅርጻዊ ዋላ ሰባዊ ወዘተ ኩሉ ዓነታትን ቅድታትን ግጥሚ ድማ እፈቱን እፍትንን እየ።
# ሙሴ ሽምትዝይ፤ ብመጀመርታ ነዚ ዕድል ዝሃብኩምኒ ኣድሚናት ዛራ ገጠምቲ ከመስግነኩም ይፈቱ። ብምቕጻል ናብ ሕቶይ ከብል። ኣብ ጽሑፋዊ ግጥሚ፡ ስርዓተ-ነጥቢ ከም ኣገዳሲ ባእታ ይቁጸር እዩ። ምህላውን ዘይምህላውን ስርዓተ-ነጥቢ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ እንታይ/ከመይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ከም ገጣሚ-ኸ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
*ተስፉ ሓጎስ
እወ ልክዕ’ዩ: ስርዓተ-ነጥቢ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ግጥሚ ኣገዳሲ እዩ። ማዕረ’ቲ ኣብ ካልእ ሌጣ ጽሑፋት ኣብ ስነ-ግጥሚ ብስርዓተ-ነጥቢ እትእሰረሉ ምኽንያት ግን የለን። ስርዓተ-ነጥቢ ማለት ንትርጉምን ዲግሪ ስምዒትን ሓረጋት ይኹን ምሉእ ሓሳባት ብግቡእ ንምፍላጥ፡ ንምትእስሳርን ምፍልላይን ቃላት ንምልላይን ወዘተ… ዝሕግዝ ስርዓት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ቅርጺ ወይ ኣቃውማ ቃላት ናይቲ ግጥሚ ድማ ወሳኒ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ገሊኡ ስርዓተ-ነጥቢ ገዲፍካ ርዱእ እንተ ዀይኑ ሽግር ዘለዎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እቲ ቅርጺ ናይቲ ግጥሚ ባዕሉ ስለ ዝሕግዘካ።
# ዛራ ገጠምቲ ፤ ንዝሃብካና ሰፊሕ መልስታት ብስም ኣንበብቲ እናኣመስገና፣ ኣሎ ዘይተተንከፈ እትብሎ ኣርእስቲ ሓዊስካ ፣ ሓንቲ ሕቶ ክነልግበልካ። ኣብ ዛራ ገጠምቲ፡ ኣብ ሰለስቲአን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ወድድር ግጥሚ፡ ሃናጺ ርእይቶ ወይ ንጹር ነቕፈታ ቕረታ ፣ ከም ተሳታፋይ ኣብ ሰለስትኤን ወድድር ከም ምንባርካ መጠን ፣ ገለ ክትብለና፧
*ተስፉ ሓጎስ
ኣብ መወዳእታ ንኹልኹም ሓተትን ኣድሚናት ወይ ኣዳለውቲ እዚ መደብን፡ ስለ’ቲ ኣኽቢርኩም ዘቕረብኩምንን ዘቕረብኩምለይን ብልቢ አመስግን። #ክክክክ ናብ ውድድርዶ መለስኩምና ከኣ፡ ኣነ እኳ እቲ ውድድር ዝበሃል ዝያዳ ምስ ካልኦት ከማይ፡ ውድድር ምስ ባዕለይ እዩ ዝብርሃኒ። ብሓፈሻ እቲ ብምስታፍ ሰባት ትኸስበሉ፡ እቲ ስምዒትን ጽልዋን ግጥሚ ንኽህሉ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ተመኩሮ ብምልውዋጥ ዝርከብ ዕብየትን ስለ ዝርኣየኒ ግን ኣይጸልኦን እየ። ብካላእ መሰናኽልን እንተታትን ተዳሂለ ውን ንውድድር ፈሪሐዮ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣነ እቲ ዝዓበየን ዝጸቕጠሉን ህልኽ ውድድር ምስ ገዛእ ርእሰይ እዩ። እዚ እቲ ኣብ ውድድር ዘለኒ ውልቃዊ ኣረኣእያ እዩ።
ከም ተሳታፊ ጥራይ ዘይኮነ ከም ተዓዛቢ ኰይነ ውን ገለ ክብል ክፍትን፤ ብሓፈሻዊ ርድኢትን ትዕዝብትን ግን እቲ ድሕሪ ውድድር ምክያዱ ዘሎ ሰዓብ ርእይቶታትን ዘይዕግበትን፡ ውድድር ውን ብባህሪኡ ትፍንያታዊ(subjective) ብምዃኑን ንኹሉ ስለ ዘየዕግብን ባህርያዊ እዩ፡ ክብሃል እኳ እንተ ተኻእለ፡ ብኸምኡ ጥራይ ዝሕለፍ ግን ክኸውን የብሉን። ናብተን ዝተገብራ ሰለስተ ውድድራት ምስ እንምለስ፡ ኣብ ግዜኡ እኳ ተባሂሉ እንተ ነበረ፡ ካብ ኣምጻእኩሞ ግን ዝዝክሮን ዝጸቕጠሉን ክብል ክፍትን። ብሓፈሻ ኣብቲ ዝሓለፈ ውድድራት፥ # ናይ ኣወዳድባ ወይ ኣካውና እቲ ውድድር (ስርዓት)፥ ከመይ ዝበለ ግጥምን ብኸመይን ይሳተፍ
# ክፍተታት ኣብ ዳያኑ፥ ዘይሓላፍነታውያንን ፍልጠት እቲ ሞያ ዝሓጽሮምን ሰባት ከም ዳያኑ ምጽንባር ዝኣመሰለ ጭቡጥ ጉድለታት ነይሩ እብል። ንመጻኢ ውን ዳያኑ እንተ ወሓደ ነተን ቀዳሞት ብሉጸት ግጥምታት፤ ጉድለተንን ብልጫአንን ዝበልዎ ብዝርዝር ንተዓዛቢ እንተ ዝገልጹ ንብዙሕ ነገር ሓጋዚ ምዀነ ይመስለኒ። (ከምቲ ኣማን ተኸስተ ኣብ ቃለመሕተቱ ከም ኣብነት ኣምጺኡ ተንኪፍዎ ዝነበረ )
ብውለቃዊ ኒሕ ጀሚሩ ናብ ሓፋሽ ብምስግጋር፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ስለ ዝዀነ ግን ጽቡቕ ነገሩ እዩ። ዛራ ጥበብ ይዛሪ! ንቀጻልነቱ ብሓባር ከይተሓለልና ንስራሕ።
ስለ ሰፊሐን መሃሪን መልስታትካ ደጊምና ብስም ኣንበብቲ ነመስግን ።
ዛራ ገጠምቲ
ሰነ2016