ድሕሪ ዓጺድ
ካብቲ ዘኽረመካ ሓመድ
ካብ ንዳእቲ ናብ ቅሚጦ
ዓውዲ ቀውዒ ከየልገስካ ብሽንቋጦ
ናብ ቤት ከተምርሕ፡
ተተሻቚጥካ ከተዕርፍ
ኣብ ድኾን ኣብ ኩዶ
ገፈጥ መፈጥ ዓላኻ
ናብ ዋላ ይስንዶ።
ሓጋይ ምስ ደረሰ
እቲ ምስኪን ጕድካ ዘይፈለጠ
መሕትቶኻ ከፊቱ
ክጥቀም ምስ ተሃንጠየ፡
ጣዕ፡ ጠራዕ፡ ጠራዕራዕ
ኰይኑ ናትካ ጥቃብ
መን ከማይ ዘስምዕ
መግለጺ ጽጋብ።
ናበይ ኢኻ
ትነጥር ናብ ረመጽ?
እቶን ዝበኣሰ
ኣንጕዕካ ዝምጽምጽ፡
ሰኣን ቍሩብ ጽምም
ካን ሸለው ግስም!
ንኣኻ ብዘይጐድእ
ንዘይ ምሉእነትካ ብዘየኽፍእ
ብማእዶ ኣብ’ቲ መቝሎ
ብጥበብ ዘይትቝሎ!
በጃኻ!
ዓቕሊ ሸምት እንጣጢዕ
ከይተቘለኻ’ሞ
ከመይ ቢልካ ንመግቢ ክትበቅዕ?
ብርሃነ ገብረሂወት
09/2001
- “እንጣጢዕ” ኣብ እዋኑ ካብ ዝነበራ ህቡባት ግጥምታት መኣዲ ስነ-ጽሑፍ ዓዲቐይሕ ሓንቲ ኮይና: ነቲ ኣብቲ እዋን ኣጋጢሙ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ሓርጎጽጎጽ ብጽቡቕ ዝገለጸቶ ግጥሚ’ያ።