Tsegay Mehari (Temereo)
ገሊኡ ዛንታ ምስ ኣምበብካዮ ካልእ ዛንታ የጽሕፈካ፡ገሊኡ መጻሕፍቲ ምስ ኣምበብካ ካልኦት መጻሕፍቲ ንከተንብብ ይድርኸካ፡ ከምዚ fkrey ጽሒፍካዮ ዘለኻ ዝርዝራዊ ኣስተንቶኖኻ ዝሰነቐ ዓንቀጽ ከተንብብ ከለኻ ድማ ጽሑፋት ክትውከስ፡ መጻሕፍቲ ከተንብብን ሓሳብካ ክትህብን የተባብዕካ። ብዘይቀልዓለም ኣነቓቓሕን ነብሰ ዘተ ኣበጊሱ ምስ ካልኦት ደቂ ዓለምካ ክትዛተን ይድርኸካ’ዩ። ንቤተሰብ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ኤርትራ ዘሳትፍ ኣድማሳዊ ትዕዝብትታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ድማ ካልእ ብልጭኡ ‘ዩ። ነቲ ንውለቀ ሰብ ወይ ክልተ ሰልሰተ ሰብ ኣተኲርካ ሚንን ዝብሃሎ ዝነበረ ጥሒሱ ከም ጩራታት ጸሓይ ናብ ኩሉ ገጣምን ኣፍቃሪ ግጥምን ዝበጽሕ ጽሑፍ’ዩ ንዓይ። ልዝበቱ፡ ኣብ ዚ ትውፊት ንሰነ ጽሑፍ ዘዳኽም ድያስፖራ ኮይንካ ከምዚ ግዜ ሂብካ ዝጸሓፍካዮ ምዃኑ ካብ መልክዑ ይፍለጥ ‘ዩ። ብሓጺሩ ደስ ኢሉኒ ‘ሎ። ደስታይ ድማ ብዘለኒ ትዕዝብትታትን ኣብ ውሽጠይ ዝጸንሐ ጠቒስካዮ ንዘለኻ ገለ መደረኻት ዝትንክፍን ከድስቶ’የ። ሓቢርና ግጥሚ ብዝሓቖፈ ዘተ ክንድስት ድማ ተስፋይ ዩ። ኪኖ ዚ ድማ ከነስተንትንን ነብስና ስሒቕና ጽዋገ ግጥሚ ክንፈትሕን ኣለና ባሃላይ’የ።
በቲ ሳልሳይ መደረኽ (ካብ 1998 ዝጀምረ)ኢልካዮ ዘለኻ ክጅምር። ነዚ መድረኽዚ ኣብ ጽባሕ ምዕጻው’የ ናብ ደገሰላሙ ኣትየ። ኣብቲ ደገ ሰላም ግን ነቲ መደርኽ ዝኸፈቱን ቀለስቱን ዝነበሩ ገጠምትን ኣፍቀርቲ ግጥምን ስለዝጸንሑኒ፡ ተኻፋሊ ናይቲ ጸጋ ጥበብ ኮይነ’የ። ኣቡ ዓምራ ዘ ኣስመራ፡ ሞኬ፡መለሰ ፡ግርማይ፡ ሄኖክ፡ይርጋኣለምን ካልኦትን ካብቶም ፈጠርቲ’ቲ ጸጋ ኮይኖም ንዓይ ካብቲ ጸጋ ዘጸገውኒ’ዮም። ሞኬ፡መለሰን ግርማይን ድማ ብፍሉይ። ካብ 98 ክሳብ 2004 ዝተገጥመ ግጥምታት ናይዞም ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎም ናይ ስነ ግጥሚ ቤትሰብን ካልኦትን ከንብብ እንከለኹ፡ ሓደ ድሒረ ኣብ ግጥምታቶም ዝሰእንኩዎ ጽባቐ ይረክብ። ትብዓትን ግሉጽነትን ይስእነሉ። እዚ ዩ ድማ ናብዚ ዳሕረዋይ መድረኽ ዝተሰጋገረ ግን ክሰጋገር ዘይነብሮ። ብርግጽ ብርዱእ ምኽንያት’ዩ ጠፊኡ እዚ ጽባቐ ዚ። በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረስ ኤርትራ ዝወረደ ዕንወት ዩ ድማ ብናተይ ኣስተንትኖ። ነዚ ክስውእሉ ኔርዎም ዶ ኣይነበሮምን ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል፡ግን ሃንደራእ ኢልካ ዝፍረድን ዝምለስን ኣይኮነን። ኣነ ከም ጸጋይ ውን በቲ ቀዲሞም ዝጸሓፍዎ ግጥምታት ንዝእምነሉ ከምዘልዎ ብትብዓት ክብሎን ኪኖ ዚ ውን ከም ናይ ሰቁራውጦስ ሄምሎክ ክሰትየሉን ዝጸልውኒ ኣለው።እዚ ዳሓር ዝጠፍእ ጸባቐ ግጥሚ( ትብዓትን ግሉጽነትን) ግን ኣብ ዳሕረዋይ መድረኽ፡ኣብቲ ብዓል ኣነ ክንሕጥጠሉ ዝጀመርና ስለዝተቐብረ ግን ርኡይ ዝኾነ ምስሊ ግጥሚ ደዊኑ’ዩ። ካብቲ ኣብቲ መዲያ ዝነብሩ ውን ከምቲ ዝበልካዮ ንሶም ዮም። ግን ሕጂ ውን ብርዱእ ምኽንያት ግጥሚ ብድንግሉ ( ናታቶም ይኹን ናይ ካልኦት ገጠምቲ)ዘቃልሕሉን ዘሕትሙሉን ዕድል ኣይነብሮምን። ኣነ ንብዓለይ ንስለ ክሕተመለይን ኣብ ቲቪ ከንብቦን መታን ክንደይ ድንግልና ግጥምታተይ ዘይደፈርኩ። ካልኦት ውን ከምኡ።
ኣብ ምስናድን ምትሕልላፍን ጽባቐ ግጥምን ንግጥሚ ዝምልከቱ ጽሑፋትን ግን ኣነ ውን ምሳኻ ኣለኹ። ነዊሕ ብንግጥሚ ዝምልከቱ ጽሑፋቱ ዝመሰጠኒ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ክንደይ ግዜ ብመልክዕ መጽሓፍ ጌርካ ነዚ ረስኒ ምግጣም ጥራይ ዘለዎ ገጣሚ ኣነቓቓሓዮ ይብሎ ኔረ። ንካልኦት ውን ከምኡ። ኣብዚ ምናልባት እቲ ናይ ማሕተም ጉዳይን ብዓቢኡ ድማ ብትብዓት ናይ ምጽሓፍ ዕድል ኔርዎም ወይ ኣለዎም ዶ? እዚ ውን ቀሊል መልሲ ኣይኣኽሎን። ኪኖ ዚ ግን ዝበዝሑ ገጠምቲ ገጠምቲ ድኣ እምበር ናይ ግጥሚ መምህራን ኣይኮኑን። እረ ገሊኦምስ ይትረፍ ክምህሩ ከዕልሉ ውን ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ገሊኦም ድማ ኣብ ክፍሊ ክምህሩኻ ተውህቦ ዘይብሎም ብዕላሎም ግን እቲ ናይ ብሓቂ ዛንታ ግጥሚ ዘዘንትዉልካ ዮም። ኣብዚ ሕጂ ” ካብኦም ዘይሓለፈ ” ዝበልካዮ ሓቅኻ ኢኻ። እቲ ዕላሎም ልዕሊ ኣብ ክፍሊ እትምሃሮን ዘነቓቕሕን እንከሎ ግን ኣይስነድን። ብዘይካ እቲ ቀራቢኦም ድማ ካልኦት ዝበዝሒ ስነ ጥበባውያን ኣይረኽብዎን።
እዚ ሕጆ ጥረ ዝብሃል ዘሎ ግጥምን እቲ ኣብቲ ግዜ ቲ ዝነብረ ብሱል ዝብሃል ግጥምታትን ከነጻጽሮ ከለኹ ግን ንሶም ውን ብቀጥታ ብሱል ግጥሚ ይጽሕፉ ከም ዘይነብሩ እንታይ ዳኣ ኣብቲ ሓድሕዳዊ ዕላላትን ኣብተን ዝነበራ ምኣድታት ስነ ጽሑፍ በሲሉ ይሕተም ስለ ዝነበረ’ዩ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። እዚ ኣብዚ ገጽ መጽሓፍ ዝልጠፍ ግጥምታት ነቲ ጸጋ ቲ ኣይረኽቦን ዘሎ። ውልድ ምስ በለ ጌና ታተ ከይበለ ኣብ ዚ ገጽ መጽሓፍ ጉየ ንብሎ ሞ የንከራርወና ኣሎ። ኣብ ድኻም ናይ ዚ ዘለናዮ መደርኽ ዘሎ ግጥሚ እቶም ቀዳሞት ናይቲ ቀዳማይ( ሳልሳይ ) ውን ተሓተቲ’ዮም ዝበልካዮ ብኸፊል ኣነ ውን ይሰማማዕ’የ። ብውሕዱ ስለምንታይ ደኺሙ፡ ከመይ ጌሩ ኸ ይሕይል ንዝብል ሕቶታት ባዕሎም ሓቲቶም ምስዚ ናይ ዚ ዘለናዮ መድርኸ ገጣሚ ክምልስዎ ይግብኦም ኔሩ።እዚ ዘተ ከነቓቕሖም ተስፋ ይገብር። ብድብድቡ ግጥሚ ሎሚ የለን፡ ቀደም ኔሩ ግጥሚ ክብሉ ግን ከምዘየምልክዓሎም ኣነ ውን ከዘኻኽሮም ይደሊ። እቲ ዝነብሮም ዳሓር ዘጥፍእዎ ትብዓትን ግሉጽነትን ደጊሞም ነዚ ውልዶ ገጣሚ ከውርስዎን ኪኖ ፍልጠቶም ፍቕሮም ከስርጹሉን ድማ የዘኻኽሮም።
ከምቲ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዘለካ ትዕዝብቲ ኣነ ውን ናተይ ትዕዝብቲ ኣለኒ። ሽሕ ኳ ኣብ ዛ ኣደራሽ ግጥሚ ካብ ዝጽንበር ውሑድ እንተገርኩ፡ ኣብቲ ቃለ መሕትትን ውድድራትን ግን ከምቲ ዝትዓዘብካዮ ናተይ ትዕዝብቲ ከንብር።
እቲ ንቃለ መሕተት ዝዳሎ ሕቶታት ንኩሉ ኣብዛ ዛራ ዘሎ ገጣምን ኣስተማቓሪ ግትምን ብምዕዳም ዝእከብ ብምዃኑ ሓሚቑ ጸቢቑ ንኩሉ ሓታቲ ድኣምበር ንኣዳልውቲ ዝግደፍ ድኻም ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕቶታት ካብ ሓደ ሰብ ዝፍልፍል እንተዝኸውን እቲ ሰብ ዓይነ ስነ ጽሑፍ ዘይብሉ ከመይ ጌሩ ዩ ዋሓዝቲ ሕቶታት ፈልፊሉስ ንተሓታቲ ዋሓዝቲ መልስታት ከውሕዞ ዝኽእል ክንብል ንኽእል ኢና። ኪኖ ዚ ግን እቲ ንቃለ መሕተት ተዓዲሙ ዘሎ ገጣሚ ከምቲ ሓደ ገጣሚ ኣዕሊሉኒ ዝበልካዮ ርትዓዊ ወይ ናይ ገጣምን ኣፍቃሪ ግጥምን መልሲ ኣይኮነን። ነቲ ሕቶ መበገሲ ጌሩ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዕቑር ተመኮምኩሮ በሎ ተውህቦ ከዛርዮ ይኽእል ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ገጣሚ ግርህናን ግሉጽነትን ከጥፍእ እንከሎ ዩ ከምዚ ክብል ዝኽእል። እንተዘይኮይኑ ንቃለ መሕተት ዝጽበየሉ ምኽንያት ውን የብሉን። ስነ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ዘኪሩ ” እዚ ዩ ዓለመይ፡ ግጥሚ ዘስተንፍስ ዓለመ- ግጥመይ ” ኢሉ እምባሕ ክብለናን ስምባደ ሓጎስ ከሰምብደናን ይኽእል’ዩ። ነቶም ቀዳሞት ኮ ከምኡ ዘይገበሩ ኢና እንወቕሶም ዘለና። ብተበግስኦም ፍልጠቶም፡ ሕልሞም፡ ከይዲ ስነ ጽሑፋዊ ጉዕዝኦም፡ ፍቕሮምን ትብዓት ቀደሞምን ዘየለገሱልና እንዲና በቃቓት ንብሎም ዘለና።
ኣብቲ ውድድር ኣመኪትካ ዝሃብካዮ ትዕዝብቲ፡ ኣነ ኣብዛ ሳልሰይቲ ውድድር የ ኣርኪበ። ኣብ ዝኾነ ውድድር ደያኑ መዕቀኒታት ኣቐሚጦም’ዮም ዝመዝኑ ወይ ዘወዳድሩ። ኣብ ስነ ጽሑፋዊ ውድድር ዝግበር ምመያ ውን ከምኡ። ኣብዚ ሕጂ እንድሕር መዕቀኒታት ኣሎ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ዘይኮኑ እቲ መዕቀኒ’ዩ ዝፈርድ ዝብል እምነት ኣለኒ። ነቲ መዕቀኒታ ብዕምቆት ይፈልጥዎ ድዮም እቶም ደያኑ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ‘ዪ። ግን ብዕምቆት ዘይፈልጥዎ መዕቀኒታት ስነ ግጥሚ ከ ከም መዕቀኒ ከቐምጥዎ ይኽእሉ ዶ ? ። ኣብዚ ሕጂ ኣነ፡ንስኻ ወይ ካልኦት በቲ ዘውጻዎ መዕቀኒ እንተዘይፈሪዶም ብካልእ ኣዘራርባ እቲ መዕቀኒታት እንተዘይፈሪዱ ብርትዓዊ፡መገዲ ክንርትዕም ዩ ዘለና።ኪኖ ዚ ግን እቲ ተዓዊቱ ተባሂሉ ዝወርድ ግጥምታት ርእይ ምስ ኣበልናዮ ውን ንዓወት ዝበቅዕ ድዩ ኣይኮነን ክንግምግሞ ንኽእል መስለኒ። እቲ ብተደጋጋሞ ተመሳሳሊ ግጥምታት ተዓዊቱ ዝበልካዮ ግን ሓደ ገጣሚ ውን ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ክወጽእ ይኽእል’ዩ። እቲ ሕቶ ብቕዓት ናይቲ ግጥሚ ዪ ክዝረበሉ ዘለዎ። በቲ ምስኡ ዘ።ዝተወዳደረ ግጥምን በቲ መዕቀኒታትን። ንዓወት ዝኸውን ግጥሚ ኣይቀረበን ክብሉ ውን ይኽእሉ ዮም ዝበልካዮ ውን ምስዛ ነጥቢ ተኣሳሲራ ትኸይድ መስለኒ። ናይ ባሓቂ ከም ዕውታት ናይ ሓደ ውድድር ግጥሚ ከም መወከስን ኣነቓቓሕትን ክኾኑ ዘይክእሉ ግጥምታት እንድሕር ዕውታት ተባሂሎም ቀሪቦም ግን ቀዳማይ ሃስያ ንምዕባለ ስነ ግጥሚ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ውድድር ዘፍኩስ ብምዃኑ ዓገብ ዘይብሃለሉ ምኽንያት ኣይርእየንን። ጥራይ ርትዓዊ ብዝኾነ መርትዖታትን፡ ንኩላትና ኣየዕብየናን ዩ ብዝብል ልዙብ ልዝብን ክኸውን ይምረጽ።
ኣብቲ ኪኖ ምውድዳስ ሓቀኛ ነቕፌታ ዝበልካዮ ግን ንነቓፍን ተነቃፍን ዝንቀፍ ንቐፌታ ዩ። ንኩላትና። ከም ትዕዝብተይ ግን ግርህናን ቅንዕናን ዝመልኦ ኣነቓቕፋ ስለዘይንጥቀም ኮይኑ ይስምዓኒ። ኪኖ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ፍቕርን ብትዕቢትን ስምዒትን ንዕብለል ብምህላውና ዩ ዝብል ትዕዝብቲ ኣለኒ። ኪኖ እቲ ግጥሚ ኣብ ውልቃዊ ሂወት ናይቲ ገጣሚ ስለ ዕንክሊል ንብል ብምህላውና ዩ ዝብል ርኡይ ትዕዝብቲ ኣለኒ። ኪኖ ዚ ግን ብፍላይ እዞም ኣብዚ ዓዲ ሓርነት ዘለና ገጠምቲ ነቲ ብሰንኪ ርዱእ ምኽንያት ዝሰኣናዮ ትብዓትን ግሉጹንት ኣብ ግጥምታትና ክንስንዶን የዘኻኽር። ንfkrey ድማ ብድጋሜ ናይ ስነ ጥበባዊ ሓላፍነትካ ዘኪርካ፡ ነዚ ወርቃዊ ግዜ ድያስፖራዊ ሂወት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣዛታዪ፡ ኪኖ ዚ ድማ ናይ ባሓቂ ብውልቂን ብሓባርን ካብ ስምዒታዊ ኣካይዳ ናብ ርድኢታዊ ኣካይዳ ዝመርሕ ጽሑፍ ስለ ዘውዓልካዮ ሕልናዊ ዕግበት ክስምዓካ ከም ዘለዎ ከዘኻኽረካ። በቃ ከምዚ ጥራይ ጸሓፍ።