ዕንዱ ተወሊዱ
ምሕጻብ ወጮ ኣኺሉ፡
ኣንስቲ . . . . .
ገለ ኣዝማድ ገለ ጎረባብቲ፡
ገስጊሰን፡ ክዳን ገፋጊፈን
ሕጽቦኣን ጀሚረን::
ኣብ ማእከል ሓጸብቲ
ጋሻ ኔራ ኔራ ጋሻ ዕዝምቲ
ጋን ዝተሰርሐት ብዕላል’ቲ ወቕቲ፡
“ጋሻ ዓሻ . . . . .”
ምስማዕ’ዩ ዕጫኣ
ሰሚዓ ከኣ . . . . .
ልቢ ዝጠዊ ዕላል . . . .
“ሰበይቲ በርሀ ካን ሓሊፉላ
ወዳ፡ ሕኒን ዝበለ ገዛ ሰሪሑላ
ኣብ ሲና’ዩ ‘ሎሞ ሸቃጣይ ኮይኑላ
ወዮ መንግስቲ ኸኣ ዘየፍረሰላ፡
ወዲ መሪጫ’ውን እስራኤል ኣትዩላ
ወርቅን ጥልፍን ኮይና ሸነን ትብል ኣላ
ወዲ ትዕግስቲ ከኣ’ባ ኣውሮጳ ኣትዩላ
ኣይረብሐትን፡ ነብሱ ግዳ ኪኢሉላ፡
ሰይቲ ላይነ’ያ ተዋሪዳ ዘላ!
ከርተት ክትብል ዓዲ ኣቤቶ ዓዲ ዃላ
ስልጣንያ ከተብጽሕ ሞኽ ኢላ
ወዲ ተኽለ፡ እንድዒ ናብ ዘበለ
ሊብያ ምስ በጽሐ ደሃይ ዘይገበረ
ምንያ ኸኣ’ባ ሓማት ትኸውን ኣላ
ጓል ሒዛ ኡጋንዳ’ያ ዘላ
ካብ ኣማሪካ ወዳ ትጽበ ኣላ::
ኣንታ እዛ ጠዓመት’ያ
ዕድል ዘይገበረት!
ወዳ ‘ኽርትት ኣሎ ‘በኣገልግሎት:”
እዚ’ዩ ዝመስል ዕላል ናይ ኣዴታት
ከምኡ እናተባሃሃላ ይቐትላ መዓልታት።
መኮነን ተስፋይ
17 መጋቢት 2016