Bokre Gebreyesus
“ሊሎ ሊሎ መሸላ ጕላሎ፡ እንዳ (መን ዶ መን ከ) ‘ታይ ይውረ’ሎ? ይብሉ ነበሩ በዓል ኢንጅነረ፡፡ “ከምኡ ዩ ዘሎ ቲ ወረ” ድማ ይብሉ ደቂ ሎሚ ኣፎም መሊኦም። “ኢሳይያስ ወይ ሞት!” ብምባል ሓደ ክትመርጽ የናውጹኻ፡ ኢሳይያስ ማለት ሞት ማለት ኣብ ዝዀነሉ ግዜ፡፡ ንማኦን ስታሊንን ውን ምስ ኵሉ ጭካነኦም ሚልዮናት ኣህዛብ ብፍቕሮም ሓጠቕ ፈጠቕ ይብሉሎም ምንባሮም ብዝሰማዕካ ግን ምርጫ ናይ እዞም ወገናት ክተኽብረሎም ትቕሰብ፡፡ ሃገር ናበይ ገጻ ተኸይድ ምህላዋ ትጠራጠር፡፡ ትመውት ኣላ እናበልካያ ንኣመሪካን ቻይናን ሰንጢቓ ኣብ ብራኸ ብልጽግና ተዀርኒዓ ከይትረኣየካ’ሞ ብሕንከት ከይትደንን ትፈርህ፡፡
ደው ይበሉ፡ በቲ ሓደ ጫፍ ክምህ ዘይብሉ ተቓወምቲ ምስ ረኣኻ ተስፋ ትገብር፡፡ “እገለ ወይ ሞት” ፡ “ተበራበር መንእሰይ” ፡ “ሃገር ካብ ሞት ንምድሓን”…ወዘተ ብዝብል መፈክራት ምስ ደንቈርካ ነብስኻ ትጸልእ፡፡ ሃገር ዘድሕና ስኢና፡ ህግደፍ ድዩ ኢሳይያስ ብጅምላን ብሽርሻሮን ሸይጦም እናጠረሹዋ፡ ምናልባት ከም ክርስቶስ ዳግም እንተዘይተንሲኣ ሞይታ ምህላዋ እና ኣጕሃየካ፡ ሃገር ካብ ሞት ንምድሓን ክሸባሸቡ ብዝረኣኻ ጥዕናኦም የቕንኣካ፡፡
ንዓምና መእተዊ ምስ ሰኣኑሉ ዘርኡን 21 ወለዶኡን ማዕጾ ሽንቲ ቤት ተወኪሶም ይንስንሱልካ፡፡ ንፍትሒ ካብ ዘሎ ህንጡይነት ግዲ ኰይኑ፡ ሓደ ሓላፊ ከም ዝሞተ ይነግሩኻ፡፡ ንጽባሒቱ ኣኼባ ክመርሕ ምስ ተዓዘብካ ድማ ብውድዕነት ሓበሬታኦም ትተኣማመን፡፡ ኣብ ጐኖም ተሰሊፍካ ነዚ ናይ ለውጢ ብረት ተሓንገጦ ይመጻካ፡፡ ብስምዒት ሃገራውነት ትነድድ፡፡ ስነ-ሓሳብ ብብረት ከም ዝሰዓር ንምእማን ትማታእ፡፡ ኣብ ቅድሚታ ብሪቕሪቕ ትብል ኮኾብ ዘላታ ቆቢዕ ክትገዝእ ዕዳጋ ትኸይድ፡፡ ኣብ ርእስኻ ገጥ ብዘበልካያ ብቕጽበት ቸ ጉቬራ ትቕየር፡፡ ጐኒ-ጐኑ ድማ ካብ መራሕቲ ኣመሪካ ንጆን ኤፍ ኬነዲ ዘለካ ኣድናቖት ንምግላጽ ስእሉ ዝተሓትሞ ማልያ መሊስካ ትድርዖ፡፡ ናይ ኬነዲ ምስሊ ዘለዋ ማልያ ምስ ቆቢዕ ናይ ቸ ጽቡቕ ይሳነያልካ፡፡
ቸ ኣብ ኮለጅ ናይ ሕክምና ተማሃራይ ምንባሩ ንሰምዕ፡፡ ድሒሩ ግን ሓንቲ ንምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ኣሻፈረኝ ትብል መጽሓፍ ነቢቡ ይወድኣያ ኣይወድኣያ በታ መጽሓፍ ግን ይጥምዘዝ፡፡ ከም ናቱ ሓሳብ ዘዕኰኸ ፊደል ካስትሮ ዝብሃል ዘይበልየሉ ዕዋላ/ድሩየ ኣብ ከባቢኡ ከም ዘሎ ይሰምዕ’ሞ ምስኡ ክሓብር ሃጽ ኢሉ እግሪ ጉዕዞ ንሰሜን ይተሓሓዞ፡፡ ጃሎን ማይን ዕማኾ ሽኰርን ከም ዝተማልአ ግን ርግጸኛ ኣይኰንኩን፡፡ ምስ ካስትሮ ቃልሱ ጀሚሩ ንዓለም ብብረት ሓራ ከውጽኣ፡፡ ብሞያኡ ቀጺሉ እንተዝነብር ኣብ ሓንቲ ሆስፒታል ተቘጺሩ ህጻናትን ኣዴታትን ክሕክም ዕድሚኡ ከንቱ መሕለፎ ማለት’ዩ፡፡ ሓመዱ የቕልለሉ ቀልጢፉ ድኣ ተቘጽዩ’ምበር፡ እንተነፍዐ ንክዩባ ትመስል ኣርጀንቲና፡ ካንሰር ወይ ሽኰርያ ክሳብ ዘሕምቖ፡ መርኣየና ማለት እዩ፡፡ ሓድ-ሓደ እዋን፡ ሊዮ መሲ ወይ ደየጎ ማራዶና ዝመስሉ ከዋኽብቲ ትስለዝተወልዱዋ ዘይኰነስ ቸ ዝብሃል ቅንጡስ – ርጉም ውላድ ብጊሓቱ ስለዝረሓቐላ ጥራይ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝተቐደሰት ቦታ መካ ወይ ጀሩሳሌም ገዲፍካ ኣርጀንቲና እያ ቢልካ መጕት ይመጻካ፡፡ ንዘረባ ዘረባ ይምጽኦ፡ ሓደ ሰብ ትዝ ይብለኒ፡፡ ቀዳማይ ጸላኢኡ ህግደፍ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ ዕላል ክገብር ከሎ ክውርጽጽ ጉድ! ‘ቦም ባርሊ’ ምስ በለ መላሲ የብሉን፡፡ ንጋዕሲ ጸጕሩ ብተወሳኺ፡ ኣብ ጽሙእ ገጹ እተዘርወ ግራት ዳጉሻ ዝመስል ጭሕሙን ንደርፍታቱ ብምሉኦም ተረርርር ኣቢሉ ክዝምሮምን ርኢኻ ንቦብ ተላቢሱዎ እዩ፡፡ ድኸም ኢሉዎ እዩ’ምበር፡ ቦብ ማርሊ ንምምሳል ዘድልዩ ረቛሒታት ካብ ክልተ ኣይሓልፉን እዮም፡፡ ‘ኣፍሪካ ዩናይት’ ትብል ደርፉ እናደገምካ ጥር-ጥር ምባልን ሄሮይን ወይ ማሪዋና ዝብሉዎ ጸበል ምንሳዕን እኹል እዩ፡፡ ብዝዀነ፡ ቦብ ማርሊ ብሂወት ዋላ ኣይሃሉ ብመንፈስ ግን ተቓዋሚ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ተዓዚብካ ብሓበን ትስንጠቕ፡፡
ኣቐድም ኣቢሉ ደጋፊ ወይ ተቓዋሚ ንምዃን ትገብሮ ምርጫ ከቢድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፡፡ ህግደፍ እንተ ደጊፍካ ጥራይ ዘይኰን፡ ብዛዕባ ሃገርካን ህዝቢ ሃገርካን ሰናይ ነገር እንተ ተዛሪብካ “ዕሱብ” ትብል መዓርግ ብኽብሪ ትቕበላ፡፡ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስክር ዘየድልዮ ሃገራውን ሰብኣውን ብርሰት ክትቃወም እንተ ተሰሚዕካ ድማ “ከዳዕ” ዝብል ዘውዲ ትስለም፡፡ ስምካ ምስ ኢተዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ተተሓሒዙ ይለዓል፡፡ ንነባሪ ዝምድናን ጕርብትናን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንዓኻ ግዳይ እናገበሩ መጽረዪ ኣፎም ይጥቀሙሉ፡፡ ዝምድና ህዝብታት፡ ብውሑዳት በጋሚንዶ ከም ሳምቡእ ወይ ላልሽ ተቐንጢቡ ንድሙ ዝወሃብ ዝመስሎም ደለይቲ ፍቕርን ሰላምን ኣብ ሻቕሎት ስለዘእተዉ ዝተዓወቱ ይመስሎም ይኸውን፡፡ በብመኣዝኑ ነቲ ፍቕሪ ብተግባር ዝነብሩዎ ኣእላፍ እናሃለዉ፡ እቲ ዝምድና ከይበርስ ዝፍራሃሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን፡፡ ፍቕሪ ረቂቕን ብደርፊ ዘይግለጽን ምዃኑ፡ እቶም ዝፋቐሩ ነቶም ክኢላታት እከይ ክምጕቱ ግዜ ዘይምቕታሎም ንባዕሉ መዘና ዘይብሉ ልቦና ይመስለኒ፡፡ በዚ ዘሎ ግዝያዊ፡ ተሃዋጺ ወቕቲ ዝሰናበዱ ወገናት ምስ ትርኢ ግን ትሓዝን እንደገና፡፡
በእውቀቱ ስዩም ዝብሃል ናይ ኣምሓርኛ ጸሓፊ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብዛዕባ ዘሕተማ መጽሓፍ ብዕላል ምስ ጸገብኩ ካብ እንዳ ሸይጣን ረኺበ ክግንጽላ ከም ዘለኒ ቈሪጸ ተለዓልኩ። ኰነ ድማ። ኣብ ከባቢ ፍርቂ ናይ እታ መጽሓፍ ስሕበት ዝፈጠረለይ ምዕራፍ ጎፍ ኢሉኒ፡፡ ኣማርኛ ዝዛረብ ‘ናይ መወዳእታ’ ኤርትራዊ ምርኣዩ ይግረም፡፡ ኣብቲ ብሓድሽ ፖለቲካዊ ካሪክለም ተዀስኲሱ ዝዓቢ ዘሎ ወሎዶ ዘለዎ ዝሞተ ትጽቢት ንምግላጽ እዩ፡፡ ታሪኻዊ ዝምድናን ሕውነትን ናይ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንሓዋሩ ከይበርስ ስግኣቱ ብቕንዕና እናገለጸ ይትርኽ፡፡ ብሓፈሻዊ ስእሊ ናይ’ቲ መጽሓፍ ግን በእውቀቱ፡ ብዘይካ ፕሮፈሰር ኣስነሮም ለገሰን ተስፋየ ገብርኣብን ካልእ ብጥልቀት ዘጽንዖ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ ብኡ ድማ እዩ ሓደ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ብናፍቖት ከዋግዑን ክዝክሩን ክስሕቁን ከስተንትኑን ምስ ረኣየ ዝግረም፡፡ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ብዛዕባ ባህሊ ድዩ ህዝቢ ኦሮሞ ዝጸሓፎም ነገራት ኢድ ከፈንጂ ገጢሞምኒ ኣይፈልጡን፡፡ ናይ ተስፋየ ግን ሓንቲ ብገድሊ ዝወዳእኩዋን ካልእ ጀሚረ ንከይውድኣ ሞራለይ ዝጠለመንን ክልተ መጻሕፍቲ እዝክር፡፡ ንናቱ ውልቃዊ ወይ ተልእኾኣዊ ዕላማ ዝጸሓፎ ቀለም፡ ንኤርትራዊ ክብርን መንነትን ኣርኣያ/ሲምቦል ክኸውን ግን ዓቕሚ ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ ተሓላቒ ወጽዓ ደቂ ኦሮሞ መሲሉ ብዘዝጸሓፎ ነውጺ “ቾፕላ” ተባሂሎም ብተስፋይ ወይ ኣስመሮም ተመሪሖም ኣብ ሓዊ ክጥበሱ ዝህንጠዩ ኦሮሞ የለዉን፡፡ ታሪኾም ልዕሊኦም ክፈልጦን ክጽሕፎን ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ምስውስው ዝብሉ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ብፍቕሪ ተስፋይን ኣስመሮምን ተቓጺሎም እንተዀይኖም ሕማቕ ውዒሎም፡፡ ስነ-ልቦና ኤርትራውያን ብተስፋየን ፕሮፈሰር ኣስመሮምን ዝዕቅኑዎ እንተዀይኖም ውን ዝበኣሰ ሓጥያት! ለባማትን ትኩራት ተመራመርትን ኢዶም ኣጣሚሮም ኣብ ዝዕዘቡሉን እዋን እኒ ተስፋየ ዝሕንጥጡዎ ብስሩው ሰነድ ከም መወከሲ ከገልግል ዝገርም ኣይኰነን፡፡ እንሆ በእውቀቱን ካልኦት ኢትዮጵያውያን መንእሰያትን ኣብ ኤርትራውያን ዘለዎም ኣመለኻኸታ ረዳኢ ይጽበ፡፡
እንተዀነ፡ ሓቀኛ ስነ-ልቦና ኤርትራውያን ይትረፍ ካብ ርሑቕ ንዝምልከቱዎ፡ ካብ ውሽጡ ንዝፈለቑ ገለ ኤርትራውያን መንእሰያት’ኳ ክሕድሶም ንርኢ ኣለና፡፡ ዝተፈልየ መርገምን ድሕረትን ከም ዘለዎ እንታይ ከም ዝጥቀሙ እንድዒ፡ ክሰሃሉዎ ይውዕሉ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ማለት መመሰሊ ካንሰርን ድንቍርናን ገይሮሞ ብቕጽበት፡፡ “ኤርትራ ትብሃል ሃገር ነመሓድር ኣለና” ዝብልን ኣብ ስነ-ቕልጽም ዝኣምንን ስርዓት ዝፈድዮ ዘሎ ከይኣክል፡ እዞም ተወሳኺ ሕማም እና ኣልዓሉ ዝሰራሰሩ ኣሕዋት ረኽሲ ክዀኑዎ ምርኣይ ንዓይ ይገርመኒ ጥራይ እዩ – ካልእ ዓቕሚ የብለይን፡፡ ንዕኦም ውን ኮ ከም ሰቦም ህግደፍ ኣሰራጥይ ኣቢሉ እዩ ዓዶም ክሓድጉ ደፊኡዎም፡፡ ህዝቢ ዝብሃል ኣካል ግን ተጨባጢ ህዋስ ስለዘይብሉ ድዩ ምሳር ዝበዝሖ እንድዒ፡፡ ንደንቈሮ ውን ኮ ምሂርካን መኺርካን እምበር ኣደንቊርካ ክተምሓይሾ ከቢድ እዩ፡፡ ነነብስኻ ምኽኣልን ነብስኻ ምስ ነቓሕካ ንቕሓት ክተለቅሕ ምሕሳብን ምሓሸ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ግን ዳርጋ ኵሉ ክናናን ምናናን እንድኣሉ፡፡ እዚ ጽሑፍ ሓደ ምስክር ይመስለኒ፡፡ ቦታኡ ኣብ ብራኸ እዩ ዘሎ፡፡ ብዘይካ ንሱ ካልእ ለባም ዘሎ ኣይመስሎን። ክምዕድን ክጸርፍን እምበር ክጽረፍን ክምከርን ግን ቀጨውጨው ክብሎ ይኽእል፡፡ ካብዚ ዝኸፍአ ድማ ብጥሬኻ ምስ ከማኻ ተኣኪብካ ንፍትሕን ንለውጥን ዝቃለስ ዕቁብ ምምስራት እዩ፡፡ ሓደ ቀደም ጀብሃ ዓባይ ምስ ተበርጀነት ካብ ሱዳን ብቐይሕ መስቀል ኣመሪካ ወይ ካናዳ ይእቶ፡፡ ከምዚ ንርእዮ ዘዝተወልደ ህጻን ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ፡ ወዲ ሓፍቱ ካብ ሊብያ ይድውለሉ፡፡ “ገፊሑኒ ኣሎ” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡ ዳግም ከይድውለሉ ድማ ኣጠንቂቑ ይሰናበቶ፡፡ እቲ ቈልዓ ኣብ እስራኤል ናብ ዝርከብ በጽሒ ወዲ ሓውቦኡ ይድውል፡፡ ” ጽብብ ኢላትኒ ስለ ዘላ ኣይትሓዘለይ” ቢሉ ይፋነዎ፡፡ ክገፍሓካን ክጸበካን ኵሉ ወዮ ዝዀነሉ ምስጢር ድኣ እንታይ ኰን እዩ ዝብል ሕቶ የጨንቐካ፡፡ ለካ ዝጸበቦን ዝገፍሖን ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ እዮም፡፡ ቅድሚ ፍትሒ ዝስራዕ ዋላ ሓደ ነገር የሎን ለካ፡፡ ዘዝረኸቡዎ ጥሮታን መሃያን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ናብ ዝቃለሳ በርቃውያን ውድባቶም እዮም ጫሕ ኣቢሎም ዝውፍዩዎ። ወዲ ሓፍቲ ወዲ ሓትኖ ምባል ኣብ ጕዕዞ ፖላቲካዊ ቃልሲ ቦታ ዘይብሉ ጸቢብን ብርጅዋውን ኣተሓሳስባ እዩ ለካ፡፡ ግን ንፈውሲ ማሕላ ኣብ ቤተሰብካ፡ ኣብ ከባቢኻ፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታትካ ፍትሒ እንተመለቘካ እንታይ ክፉእ ኣለዎ? ህጻን ንዓበይቲ፡ ሕሙም ንሕሙም ወይ ንሓኪም፡ እሱር ንእሱር ወይ ንኣሳሪኡ ውን ኮ ፍትሒ የምልቑ እዮም።
ቀደም ዘመን እስክንድሪያ ኣብ ዝብሃል ናይ ግብጺ ከተማ ተኣሲርና ነበርና፡፡ ኣዝዩ ዝድንጽወኒ ነገር ክትእሰርን ምቁር ዕሸላዊ ባህርያት ክትላበስን ሓደ ይኸውን፡፡ ምስ መተኣስርትኻ ኣብ መዓልቲ 10 ግዜ ተባኢስካ 20 ግዜ ትዕረቕ፡፡ በዚ መንጽር እሱራትን ኣዋልድን ምሒር ይመሳሰሉኻ፡፡ ኵሉ ግዜ ብቐንጠ-መንጢ ይበኣሱ፡፡ ብዘይ ሽምግልና ድማ ይዕረቑ፡፡ መዘና ክርከቦ ዘይክእል ፍቕርን ሕውነትን ግን ተጥሪ፡፡
ሕልፍ ኢላ ፍትሒ ውን ትመልቈና ነይራ፡፡ ንኣብነት ኣብቲ እስርቤት ሓሳስያ/ሓካኪን ዝብሉዋ ግናይ ሕማም ነይራ፡፡ ኣበይን ንመንን ከም ተጥቅዕ ትፈልጥ እያ፡፡ ብብዝሒ ንረጐድቲ ስሞም እያ ዝነበረት – ሓካኪን፡፡ (እንታይ’ልካ? ፍርደይ ክውድእ ሓደ ወርሒ ምስ ተረፈኒ ዶ ኾን ኣብዚ ሸዀና እግረይ ክትጀማምረኒ ፈቲና’ምበር፡ ሸይጣን ኣይስማዕ ብሰላም’የ ወጺአ፡፡) ምስ ረፈደ ከባቢ ክልተ ሰዓት ናብ ኮሪደር ወጺእና ንፋስ ክንረክብ ይፍቀደልና ነበረ፡፡ እታ ጩራ ጸሓይ ንደቓይቕ ትረኽባ ቦታ ኣዝያ ውስንቲ ብምንባራ እታ ቦታ ነቶም ግዳያት ሓካኪን ቀዳምነት ትወሃብ፡፡ ጥዑያት ድማ ጩራ ጸሓይ ከይጠዓምና ንኣቱ፡፡ ብዝዀነ፡ ሕማም ኣየመኻኽሕን’ዩ ኣብታ ቦታ ተሰሪዖም በብልዕቶም ኣውጺኦም ጸሓይን ንፋስን የውቅዑ፡፡ ብልዕቶምን…ብልዙብ ኣዘራርባ፥ መሽየኒኦምን መሻየኒኦምን ክሳብ ማንታ ረቃቒቶኦም ይቘስልን ብዘይዕረፍቲ የሕክኾምን ነይሩ፡፡ ሕማሙ ከይጸውር ግን ኣቕሓኦም ተሰሪዑ ምስ ተተኽለ ብስያፍ ምስ ትርእዮ፡ ኣብ ዜናታት ኣልጀዚራ ወይ ቢቢሲ ትዕዘቦ ሮኬት ሰሜን ኮርያ የዘኻኸረካ፡፡ ዝዓበየ ፍልልዮን፡ ንብረት ኣሕዋት ናብ ምብራቕ ክኸውን ከሎ ሮኬት ሰሜን ኮርያ ግን ናብ ምዕራብ ዝቐንዐ እዩ፡፡ ዝዀነ ኰይኑ ንተሓላለ ኔርና፡፡ ንሕና ከም ፍታሕ ጩራ ጸሓይ ዝኣክል ርህራሄ ክንልግሰሎም፥ ኣሕዋትና ድማ እታ ጩራ ተባእሶም ነይራ፡፡ ገሊኣቶም ጉዳዮም ቀልጢፉ ይመሓየሽ’ሞ ነቶም ዘይጸገኑ የቕንኡዎም – ነንብረቶም እናተረኣኣዩ፡ ካልኦት ብጉልበት ነቲ ጸሓይ ትረኽቦ ቦታ ኦሞሮድዮ ከም ዝተደረበቶም ኣስፊሖም/ተገቲሮም የመሓድሩዎ፡ ካልኦት ድማ ነቲ ሓልዮት ብነብሰ-ምትሓት ተርጒሞምን ተጸባይነት ጸሊኦምን ሓንሳብ ምስ ነብሶም ሓንሳብ ድማ ምስ ገባሪ ጽቡቕ ይበኣሱ ነበሩ፡፡ ጥዕና ይኹብ ሕማም ዘይዓ’ጦም ጡሕንያ በበሊዖም ፑሽ-ኣፕ (ኩሽ ኣብ) ክሰርሑ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ብሩኻት ርእሲ ውን ነይሮምና፡ ብኻ ኵሉ ሰብ ከምኣቶም ነይሩ!
April 2016