“እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 – ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።”
ዮሓንስ መንግስተኣብ
ኣብ ምዕባሌኣዊ ታሪኽ ናይ ዓለምና፣ ሕርሻዊ ስውራ፤ ስነፍልጠታዊን ትካላዊ ሰውራ (እንዳስትሪያል ሩቮሉሽን)፤ ኤሌክትሮኒካዊ ተክኖሎጂካዊ ሰውራ እነዳበለ ኣብ ሓበሬታዊ ሰውራ (ኢንፎርመሽን ሮቮሉሽን) በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ መሳለጥያታትን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ጊዜ ከምቲ ዝድለ ዘይምጥቃም እንታይ ሳዕቤን ከምዘሎዎ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለው ወላውን ናይቲ ተደላዪ ዝኾነ ንዕለታዊ ግድነታዊ ዕማማት ከይተረፈ ከምቲ ዝድለ ክጥቀምሉ ኣይርኣዩን። ስለምንታይ? ኣብዛ ዓለምና ሓደስቲ ምህዞታትን ተክኖሎጂን ብሓፈሻ ኤለትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ወርሓዊ ተርእዮ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበዬ ረብሓ ኣብ ብቁጠባን ብተክነሎጂን ዝማዕበላ ሃገራት ምንባር ማለት ካብቲ በጺሔንኦ ዘለዋ ምዕቡል ናብራን ኣሳራርሓን፣ ምውድዳርን ምቁዳስን ብኡ መሰረት ድማ ፍልጠት ምስናቕ፤ ግዜኻ ኣብቲ ዝለዓለ ከተፍርየሎ እትኽእለሉ መንገዲ ምውዓል ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ካብቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ተክነሎጂካዊ ናውትታትን መሳለጥያታትን እቲ ኣብ ዕለታዊ ዕማማትካን ነዊሕ ዝጠመተ ነብሰ ምዕባለ ውጥናትካን ብዝሓሸ መንገዲ ንምትግባርን ኣብ ሽቶኡ ንምውቃዕን ክጠቕመካ ዝኽእል እንዳመረጽካ ምጥቃም ከድሊ እዩ።
ሓደ ህቡብ ኣቦ ኢንተርነት ዝጽዋዕ ናይጀርያዊ ሊቅ ከምዝበሎ፤ ኣውሮጳውያን ካብተን ጸበብትን ብባህርያዊ ጸጋታት ብዙሕ ዘይተዓደላ ሃገራቶም ብስደት የኹን ብጎነጽ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እንዳኸዱ ኣብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዕቑር ጸጋታትን በክሊማዊ ምቹእነትን ፍሉጥ ዝኾነ ሰፋሕቲ ክፋላት ዓለም ገቢቶም ክውንንዎን፣ መግዛእታዊ ኣርዑቶም ከሰክምዎ ዝኻኣሉ በቲ ሽዑ ዝተማህዘ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ሓቤሬታ ብምርካብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ትሕተ መሬታዊ (ትሕተ ባይታዊ) ኮነ ክሊማዊ ዕቘር ጸጋታት ኣበይናይ ኩርናዓት ዓለም ከም ዘሎን እንታይ ከምዘለዎን ኣቐዲሞም ብዝርዝር ከፈልጥዎን ከለልዩዎን ስለ ዝኸኣሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት እዘን ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣወስትራልያ፣ኒውዚላንድ፣ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ቺለ፤ ርጀንቲና፤ብራዚል፣…ወዘተ ተባሂለን ዝጽዋዓ ዘለዋ ዓርሞሸሽ ሃገራት እኮ ከካብዓዶም ተጻዋዊዖም ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ነቶም መሳኪን ኦሪታውያን ደቀባት (ኣቦሪጂንስ) ብምውጋንን ዝተረስተይውንን ከም ሃገራት ዘማዕበሎወንን እዩ። እነሆ እምበኣር ቀጻሊ ተባላሓትነት ደቂሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዓለምና ብመራኸቢ ኮነ ብኻልእ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለታት ኣጽቢቦማ ኣሎዉ። ገናውን ከጽብብዋ እዮም። ዘመናዊ ናይ ሓቤሬታ ተክኖሎጂ እንዳተጠቐምና ብዘይ ብዙሕ ወጻኢ ነንሕድሕድና ንራኸብን ንማሃሃርን ኣሎና። ኣብዬት ዝሰርሕን ዘድምዕን ሓንጎል ደቂሰባት ዝይምህዞ የብሉን።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና፣ ሰለይ ኢልና ነርክበሉ ዳሓን ደፋእ ኢልና ነርክበሉ ዝበሃሉ ጊዜ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሕና ኤሪትራውያን ትሰንፉ ኣለኹም፤ በጃኹም እባ ክሳድ ሓዙ ኣብዛ ንቕድሚት ትሕምበብን ትውንጨፍን ዘላ ዓለም ፤ ተባሂልና እንተተሓሚና ይግባኣና እዩ። እቲ ሕሉፍ ታሪኽናን ድሕረ ባይታናን እንተ ርኢና ብዙሕ ተወዳዳሪ ብልጹነት ምሃለወና። ኣብ ጎደቦ ኣስታት ሽሕ ዝተፈላለያ መራኽብ ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ህቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና ዘሎና። እቲ መበቆልና ዝኾነ ሃገረ ኤሪትራን ከባቢኡን ብኦሪተዊ ስልጣኔ ፍሉጥ ዝነበረሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብቲ ስትራትጂካዊ ዝኾነ ክፋል ኣፍሪቃ ስለዝርከብ እዩ። ብብዙሕ ምኽንያታት ነዚ ተወዳዳሪ ብሉጽነትና (Competitive Advantage) ዛጊት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ዘሎና። ግን ነባ በሎም ንኢታይ በለን እንዳበልና ናይ ሰለይ ናብራ ክንነብር ብዝኾነ መልኪዒ ምኽኑይ ኣይኮነን። ኣይግድን ኣዬዋጻኣናን ድማ። ሃዬ ድኣ ነዛ ብርኽቲ መሬት ዓደቦና ዓዲ መዓርን ጸባን፣ ፈልፋሊት ዘይደርቕ ጸጋዊ ዛራን ንግበራ። እቲ መፍትሕ ብርግጽ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ተፈቲንናዶ ኣይኮናን። ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽና ይመስክር። ነዚውን ክንገብሮን ክንዕወትሉን ክእለትን ትግሃትን ንውንን ኢና ከምህዝቢ።
ብፍላይ ንዓና ንኤሪትራውያን ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ ከም ጠለብ ተክነሎጂካዊ ምረሻ ናይ ሎሚ ዓለምና ብማዕረ ንኽንኸይድ ድኣ እንታይ እዩ ዘድለዬና ዘሎ? እወ እዚ ሕቶዚ ክሕተት እዋኑ ዝጠልቦ ቀንዲ ብደሆ እዩ። በቲ ውድዓዊ መንገዲን ስነ ፍልጠታዊ መነጽርን ክረኤ ከሎ ድማ፣ ኣብ ንቑሕነት ንተክኖሎጂካዊ ፍልጠትን ትግባረን እዩ። እቲ ዘይታኣደነ ጥቕሙ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ክምዝሰርጽ ምግባር ድማ ኣድላዪ እዩ ። እዚ ድማ ንተግባርዊ ንጡፍነትን ተኽእሎን ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት የወንጭፎ። ከመይ ጌረ እዚ ብቐሊሉ ክረኸቦን ክውንኖን ክኢለ ዘሎኹ ብዝሓየለ ዓቕሚ ዬድማዓሉ? ኣብ ምንታይ ዓውዲኸ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና። ብሓጺሩ እቲ ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን ዘሎናዮ ዓውለማዊ ኩነታት ዝእዝዞ ክንገብር ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ከነህጥር፤ ፍልጠትና ከነደንፍዕ፤ ብልጫታትና ክንዕቅብ ከምኡውን ከነስብሕ፤ ጉድለታትና
ከነውሕድ ወይ ከነማህምን (marginalize)፤ መጻኢ ዕድላትናን ጥቕምታትናን ብዝግባእ ክንምዝምዝ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ድማ ነቲ ምዕባለ ዘምጽኦ ተክኖሎጂ በቲ ክውንነታዊ ትግባሬኡን ዝያዳ ከርብሓና ዝካኣለሉ መንገዲን ኣብ ወልቃዊ ኮነ ማሕበራዊ መኣዲታት ብእንኽእለሉ መሃዝነታዊ መንገዲ ክንስልጥነሉን ክንረብሓሉን ይሕግዘና። እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ለይትን መዓልትን ክንሰርሕን፤ ክንውጥንን፤ ከምኡውን ከነድምዕን ግድነታዊ ዕለታዊ ተግባርና ክኽውን ኣሎዎ። ። ነዚ በቲ ዝጸፈፈን ዝተዓጻጸፈን መንገዲ ከነተግብር ድማ እንታይ ረቛሒታት ዬድልዩና ኢልናውን ኣብ ክሊ ነብሰ ብዱህነት ክንሓስብን ውልቃዊ ተራና ነድማዓሉ ኩነታት ክንፈጥርን እቲ ዝዓበዬ ሃገርዊ እጃምና ክኸውን አሎዎ። ብቑዓት ተዓጻጸፍትን ንኽንከውን፤ ረብሓታትና ንከነውሕስ፤ ተወዳዲርና ጸብለልትነት ንኸነርኢ ብዙሓት ረቛሒታት ብዝሰፍሔን ዝጠንከረን ሜላታት ክንብድህ ይግባኣና። ነዚ ናይ ተክኖሎጂካዊ ተጠቃምነት፤ ነወነዝፎ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልዑል ብቕዓትን ኣስተዋጽኦን ተድሚሩ ሃገራዊ ብቕዓትን ዕብየትን ክምዝፈጥር ክንርዳእ ኣሎና።
ሎሚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራትስ ይትረፍ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እቲ አብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ መርበብ ኢንተርነት ዘይኣተዎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ሓደ ከነስትውዕለሉ ዝግባኣና ግን ኣሎ። ኣብቲ ከም ማይ ባሕሪ ዝምብዝሑ ውህሉል ሓብሬታ ኢንተርኔት ኣዝዩ ብዙሕ ዘዬድሊን ጐዳእን ዝኾነ ሓበሬታን ተርእዮታትን ስለዝሎ፣ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ክንጥቅመሉ ይግባኣና። ብፍላይ ንመንእሰያት ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዝግባእ ክንመኽሮምን፣ ከነለብሞምን ክንምህሮምን ከምኡውን ክነንቀሖምን ይግባኣና እዩ። ርኣዩዎ‘ ሞ እቲ ዘሎና ጊዜ፣ ውሱን እዩ። ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት እዩ ዘሎና ንኹልና። እቲ ፍልልይ ድማ ከመይ ነድማዓሉ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሲንጋፖር ዝኣመሰላ ኣብነት ናይ ስልጣኔ ታኣምራታዊያን ወይ ኣናብር፣ ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ዝነበራሉ ድኽነትን ትሑት ምዕባሌኣዊ ደረጃን ወጺኤን ኣብ ዓርሞሸሽ ስልጣኔኣዊ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽኣላ ድማ ብውሕሉልን ሓፋሽ ኣሳታፊን ምሕደራ ብምትእትታውን ንዝትዋህበንን ዝሎወንን ጊዜ ብግቡእ ብምጥቃምን እዩ ካልእ ተኣምራታዊ ምኽንያት ዬብሉን።
ብምኽንያት ወንጫፊ ምዕባለ መራኸቢ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ መዳያዊ ስነፍልጠትን መሃዝነታዊ ኣሰራርሓ ብልሓታትን ናብ ዩኒቨርሲታት ከድካ ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ። ዕድመ ንሓበሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ስነፍልጠት ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሓሲሩ እዩ። ኣብ ዝኾን ቦታን ጊዜን ኮንካ ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን (ከም ባዓል ኣቦይ) ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምስናቕ ናብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝትጓዕዝሉ፣ ሎሚ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእ ሓቤሬታዊ መሳለጥያት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐሊሉ ይበጽሕ ኣሎ። ኣብዬት ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ወለዶ ከመይ ዝበለ ስቡሕን ጽቡሐን ዕድል እዩ ዘሎና? እቲ ዝድለ ድማ እቲ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ምውህሃድን እዩ ። ንኣብነት ኣብዚ ጊዜ ኢንተርነትን ካሎኦት ናይ ናይ ሓብሬታን ርክባትን መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ዓውድስራሓት ቁጠባ ይኹን ማሕበራዊ ናብራ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣግልግሎት ይህቡ ኣሎው። ሳላ እዚ ዘይተኣደነ ተክኖሎጂካዊ ጸጋታትን ተኸእሎታትን፣ ዝኾነ ብምያው ፍልጠትን ክእለትን ክምዕብል ዝደሊን ዝግደስን ሰብ ብዙሕ ዕድላት ክምዘሎዎ እዩ ብንጹር ዝእምት። ስለዚ ነዚ ዘመን ዘምጸኦ ፈጣን ውጽኢት ዓውሎማዊ (ግሎባል) ምዕባለ ብግቡእን በቲ ዝድል መቓንን ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና። ትግሃት፣ ተባላሓትነት፣ ዘይተኣደነ ድልዬት ከምኡውን ወሳንነት ጥራይ እዩ ዘድልዬና። እቲ ዘገርም ድማ ቅድሚ ቁሩበ ዓሰርተታት ዓመታት ሚልዮናት ከፊልካን ምህርታዊ ጊዜኻ ሰዊእካ ዝርክቡ ወይድማ ዝቕሰሙ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታት፣ ሞያታት ከምኡውን ተኽእሎታት፣ ሎሚ ኣብ ኣብ ኩሉ ትዘርጊሖም ይርከቡ ኣሎው። እቲ ዝድለ ድማ ብተዛማዲ ብውሕድ ወጻኢታት ኮምፕዩተርን ተዛማዲ ናውትን ወኒንካ፣ ዋይ ፋይ (ወይ ኢንተርነት) ምትእትታው አዩ። ነዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እንንብር ድማ ዘጸግመና ኣይኮነን። እቲ እንኮ ክንገብሮ ዘሎና ድማ ነቲ ዘሎና ግዜ ብግቡአ ምጥቃምን ምምሕዳርን እዩ፤
እዚ ንእሽቶ ክፋል ስነጽሑፍ ካብቲ ብነብስሄር መንእሰይ ዮሓንስ መንግስተኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ከሎ ካብ ዝገብሮ “ዳግማይ ክፍጠር አቲ ነብሪ፡ ድግማ ዕውት ቁጠባዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤሪትራ (Recreating the Tiger: Replicating the Economic Success of Singapore in Eritrea) ብዝብል አርእስቲ ንኡድ ምርምራዊ ስራሕ ዝተወስደ እዩ። ዮሓንስ ኣብ ሽዊት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ (ዝተወልደሉ ሕዳር 08, 1992 – ዝዓረፈሉ ጥቅምቲ፣ 09,2015)። ተርጓሚ ወላዲኡ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ።”