AMAN TEKESTE W.
ብጽሓፍቲ ብዙሕ እዋን ምስ ተገረምኩን ተራገምኩን እየ። ዘገርመኒ ነገሮም፡ ነቲ ዝኣልምዎ ዛንታ፣ ዝወሳስብዎ ታሪኽ፣ ዝፈጥርዎ ረቂቕ ጽባቐ ወይ መንፈስ ኣርት እዩ። እንተዀነ፡ ገለ ገለ ሰባት ብሳላ ስልጣነ ኢንተርነት ሓሳባቶም ክሕንጥጡ ዕድል ዝረኸቡ፡ ንጽባቐ ስነ-ጥበብ መናኒሆም ክበጃጅልዎ ከለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታት ዓገብ ክብሉ እጽበዮም’ሞ ኣይገብርዎን። ኣብዚ ፈይስቡክ፡ ብገለ ገርሀኛታት፡ ዓያሹን ኣምር ስነ-ጥበብ ዘየስተብህሉን … ዝጀመረ ነገር ካብ ዝተዓዘብኩዎ፡ ብዝሒ ‘ላይክ’ ወይ ‘ኮመንት’ ክረኽቡ ዝደልዩ (ርእይቶን ቆላሕታን ንምርካብ ዝገብርዎ እዩ መስለኒ)፡ ውህደት ጽባቐታት ክመናንሁ ተዓዚበ። ዓገብ ዝብል ዘይምህላዉ ድማ ዘተሓሳስብ’ዩ። ኤርትራዊት ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ ዶ ትሽኩር ወይስ ኢትዮጵያዊት ኩስቶ? …. ኢሉ ዝጀመረ፡ ቀጺሎም ናብ የማነ ገብረሚካኤል/ባርያን ኣብርሃም ኣፍወርቂን ሰጊሩ። ንመንእሰያትን ህዝብን ኤርትራ፡ ትእምርትን ኣርኣያን ዝኾኑ ስነ-ጥበበኛታት ውሒዶምና እናበልናስ ናብዞም “ብሌን ዓይኒ ኤርትራ” ዝኾኑ ክልተ ምስጋሮም ኣደንጊጾምኒ። ስለምንታይ ግን ሓደ ንበይኑ … ንደሊ? ንኽልተ ኣርኣያታት ስነ-ጥበበኛታት ብዝገበርዎ ንወለዶታት ዝሓቊፍ ዕዮ፡ ብሓደ ክብሪ ክህቡ ዘይምኽኣሎም፡ ጽበት ኣእምሮ ድዩ ዋሕዲ ፍልጠት ጥበብ? ወይስ ግርህነት?!
የማነ ባርያን ኣብርሃም ኣፍወርቂን ተወዳደርቲ ዶ ተመላላእቲ?
ነዚ ንምምላስ ገለ ካብቲ እዞም ክልተ ፍሩያት ስነ-ጥበበኛታት ዘፍረይዎ ልዕሊ ሚእቲ ደርፍታቶም፡ ቊንጣሮ ወሲደ፡ ብናተይ ኲርናዕ ርድኢት ክገልጽ ክፍትን። ካብ ደርፍታቶም ሓሓንቲ “ማይ-ቤታት” እናወስድኩ ክፍትሽ። ኣብ ሓንቲ ዓንቐጽ፡ ንኹሉ ግጥሞም ክጽሕፎ ኣይከኣልን፣ ዜማን ህርመትን ዘይብሉ ጻልጣ ማይ-ቤታት ደርፊ ብምዃኑ ነቲ ጣዕመ ሙዚቃ ይብርዞ ከም ዘለኹ እናተረድኣኒ፡ ነዞም ክቡራን ኣርኣያታትን ኣንበብትን ልባዊ ይቕሬታ ይሓትት።
መጀመርታ ገለ ካብ ናይ የማነ ገብረሚካኤል ደርፍታት ምስ ንርኢ፤
ባርያ ኣብታ “ሉላ” እትብል ደርፉ፥
ምሳይ ዝነበረት ብፍቕሪ ሓቢራ /ሓደ ወሲዱለይ፡ ረኺበ መከራ /ብሓይሉ ዘሪፉዋ ጭፍሩኡ ሰዲዱ /ምሳይ ዝነበረት ወሲዱዋ ዓዱ። እንታዋይ ደፋር’ዩ፡ መን’ዩ ዘሕድገኒ /ክንደይ ከ ይጭክን ዓይነይ ዘንቈረኒ … /ኣደ ስድራ ነይራ ብዓልቲ ቃል-ኪዳነይ /ተፈላሊና ግን ዘኽታማት ኮይኖም ደቀይ /በጃኹም ድለይዋ ደቃ ከተዕቢ /ሓላዊ ዘይብሎም ከይነኽሶም ከልቢ።
—> ኣብዚ ብሉላ መሲሉዋ ዘሎ ኣካል፡ ኤርትራ ምዃና’ያ። ሓደ ሓይሊ ጭፍርኡ ሰዲዱ ስለ ዝጎበጣ፡ ገሊኦም ደቃ ተበታቲኖም፡ ገሊኦም ዘኽቲሞምስ ኣብ መሬት ክድቅሱ ጀሚሮም ይብለና። ብሰንኪ ባዕዳዊ ገዛኢ ዝተፈጥረ ምብትታንን ምዝኽታምን ተብርሃልና። “በጃኹም ድለይዋ፡ ከይነኽሶም ከልቢ” ምባሉ፡ ሓርነትና ከይንምንዛዕ ቃልስና ክንጅምር ትገልጽ። ብናተይ ርድኢት፡ እዚ ነቲ ኣብ ሱሳታት ዝነበረ ምከና (ግዜ) የመልክት። ቅድሚ የማይ ባርያ፡ ብኸምዚ ውክልና ገይሩ ብዛዕባ ሃገር ዝደርፍ ዝነበረ፡ ኣቦ ዜማ ሃገር ክብሎ ዝደፍር፡ ኣቶብርሃን ሰጊድ ነይሩ። ጨብጨባ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ሓቂ፡ ስእለይ ነይራትኒ፡ ኣጉዶ ነይራትኒ፡ ኰኾብ ጽባሕ፡ ኩሉኹም ጀጋኑ … ወዘተ. ዘይሞም ሓሊፎም። ናብ የማነ ምስ ንምለስ፡ በቲ ኣብ ሉላ ዝበሎ፡ ንሱ ብዘስዓቦ ቀጺሉ ኣብታ “ዘመን” ደርፉ፥
ዘመን ተቐይርካኒ፡ ስደተኛ ኮይነ /ብስክፍታ ዝነብር፡ ክሳደይ ኣድኒነ /ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም፡ ሰነፍ መስተማሰሊ /‘ናተጎድአ ዝነብር፡ ኣሰኪምካኒ ቊስሊ … /መሬት ከም ዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ /ርእይቶ ዘይብሉ፡ ኣይምረጽ ኣይመርጽ /ስደተኛ ጌርካኒ፡ ኣይምረጽ ኣይመርጽ።
—–> ኤርትራዊ፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ምስ ተጸቕጠ፡ ተሰዲዱ፡ ኣደዳ ሽቊረራ ኮይኑ ፍትሕን ሓርነትን ዘይብሉ ንመከራ ተቓሊዑ። ሽሕ’ኳ ዝበዝሑ ደርፍታት የማነ ባርያ ሓውሲ ኣድማሳውን ሓውሲ ዘልኣለማውን ትርጉም እንተሎዎም፣ ብመንጽር ናይዚ ትልሚ፡ ብናይቲ ደርፊ ዝወጸሉ ኤርትራዊ ተመኲሮ ነቲ ኣብ ፋልማይ ሰብዓታት ዘጋጠመ ስደት ኮይኑ፡ ደራፊ ንግዜ በዲልካኒ ንዕዳጋ ኣውሪድካኒ ኢሉ የማርር። ካልእ ተረፈስ እቲ ‘ግዜ’ እውን ክጠልመካ ከሎ፡ ዘይተስተማስለሉ ምኽንያት የለን። ስደት ብዘስዓቦ ጠንቅን ካልእን ከኣ ንደቀ’ስመራ መተዓብይቱ፡ ትዕዝብቱ ብዘይ ሕብእብእ ገሊጽሎም ኣብታ “ደቀ’ስመራ” ዘሙኡ። ዋላ’ኳ ደቀ’ስመራ ይበል፡ ኩሉ’ቲ ሰማዒ ናይቲ ደርፊ፡ ናብ ነብሱን መተዓቢቱን ከቅንዖ ግዜ ኣይወስደሉን።
ከመዓልካ ሓወይ ዕባይ ናየ’ስመራ /ወዲ’ባሻውል ወደ’ርባዕተ’ስመራ /ብሓፈሻ ኩልኹም መንእሰያት ኤርትራ
ትዝክሩ ዲኹም ናይ ቀደም ጸወታ /ተኣኪብካ ምዛር ናይ ግርህነት ዋልታ /ከም ሎሚ ከይኮነ ብማዕዶ ሰላምታ
ተንኮል ከይነገሰ፡ ክፍኣት ከየስፋሕፍሐ /ኩሉ ከይጨከነ ከም ከልቢ ከይነብሐ /ጥዑም ግዜ ነይሩ ምሸቱ ዝወግሐ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ስደት ዘለኻ /ሓወይ ወዲ ዓደይ፡ ሰላም የውርደልካ።
—-> ኤርትራዊ ምስ ተበታተነ፡ ጽልዋ ስደት ዘበገሶ ክኸውን ይኽእል ወይ’ውን ጽልዋ ፖለቲካ ሰውራ፡ እቲ መለለዪ ዝነበረ ሕውነትን ፍቕርን ደቂ ሃገር ክቀጥንን ክብረዝን ከም ዝጀመረ የውክእ። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ንሓውኻ ምጒናይ እናገደደ ክመጽእ ንዕዘብ ኣለና (ብፍላይ ኣብ ስደት)። ምስ ምርሓቅ ካብ ሃገርካ፡ ነቲ ባህልን ወግዕን እንዳ’ባ እውን እናርሓቕካዮም ኢኻ ትኸይድ መስለኒ። ቀጺሉ፥ “ገለኹም ኣብ ባሕሪ፡ ገለኹም ኣብ ምድሪ /ትቓለሱ ዘሎኹም፡ ተዋሂብኩም ሕድሪ /ዓወት ንኽትረኽቡ፡ ንልምን ናብ ፈጣሪ”
—> ነቶም ዝቓለሱ ዘሎዉ ድማ ንኽዕወቱ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ ምህለልኡ የዕርግ። ሓደ ግዜ፡ እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ንመንእሰያት ደቀን ክዓርቃ ዝመጻ ኣዴታት፡ እታ “ናጽነት ብደምናን ኣዕጽምትና ዘምጻእናያ እያ” ትብል ዕውርቲ እምነት ስለ ዘላቶም፡ ነተን ኣዴታት ኤርትራ ኣብ ኣደባባያት ክሃርምወን ከለዉ ተዘኪሩኒ። ቀዳማይ ነገር እቲ ደምን ኣዕጽምትን ካበየናይ ማህጸን ዝወጸ’ዩ? ካልኣይ ነገር፡ ብቓልስና ብደምና ዘምጻእናያ ናጽነት ዝብልወንስ፡ ሰላሳ ዓመት ኣቦታት ዝጸለይዎ ኣዴታት ዝተማህለልኦ-ኸ? ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ኣየናይ ኢዩ ተሰሚዑ ንፈልጦ የብልና፣ ዘኢትነገር!
“ኣይረሳዕኩኽን /ኣንቢበዮ ደብዳቤኺ”፥
ሓቂ’ዩ ኹሉ ዘረባኺ ዝኾነ /እርድኣኒ’ዩ ኣይሰሓትኩን ኣነ /ኣይረሳዕኩኽን እንታይከ’ሞ ክብል /ኩነታት ሒዙኒ ካብ ወዲ-ሰብ ዝሕይል
ኣይጸላእኩኽን ምፈተኹ ብሓንሳብ /ዕድል’ዩ ኣብዩኒ፡ ተበቲኑኒ ሓሳብ!
—-> ልመና ናይ ኣማኒቱ ብደብዳቤ ምስ ኣንበበ፡ ደም እናጠዓሞ “ኩነታት ሒዙኒ ካብ ወዲ-ሰብ ዝሕይል” ኢሉ መሊሱላ። ካብ ወዲ-ሰብ ዝሕይል ኩነታት፡ ምናልባት ስደት ወይ ገድላዊ ቃልሲ ውይ’ውን ዓቢ ማሕበራዊ ብድሆ ክኸውን ይኽእል። ነቲ እዋን ሰብዓታት ይኹን ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ዋላ’ውን ንመዋእል ዚኸይድ ኣገላልጻ እቲ። ምዃን ኣብይዎ ብናፍቖትን ሃረርታ ክስነፍ ይቕጀለካ። እዚ ተራኺ ኤርትራዊ ሂወት፡ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ብዛዕባ መሬቱ /ሃገሩ ምስትንታን ኣየቋረጸን። ኣብታ “መሬተይ” ደርፉ፥
መሬተይ ዚበቊል ጽቡቕ ዕንበባታት /ዓበይትን ንኣሽቱን ኣኽራናት ጎቦታት … /ወርቂ እናፈልፈለ ካብ ለዋህ መሬተይ /ወደባት ከለኒ ምስ ክቡራት ዑንቈይ /ኣነዶ ምሰኣንኩ ምስዚ ኩሉ ሃብተይ ….
ዘይሃስስ ብርሃን ዘይድብን ጸሓይ /በብዓይነቱ ኣእካል ጣፍ ስገም ስርናይ /ካብቲ ልምሉም መሬት፡ ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ … ሃብታም’ዩ መሬተይ፡ ዕንባባ ዝተጐልበበ /ኣነዶ ምጠመኹ ጉድ’ምበር ረኺበ።
—-> ኣብዚኣ የማነ – ምስ ልሙዕ መሬት፡ ጽቡቕ ክራማት፡ ወደባት፡ ባህርያዊ ሃብቲ ወርቂ፡ ወሓይዝ፡ እኽሊ፡ ፍረታት፡ ጸባ-መዓር-ወለላ … ወዘተ. እናሃለወና ነብስና ኽኢልና ሃገር ከነቕውም ዝጽግመና ስለ ዘይብሉ “ጓኖት ክበልዕዎ መሶባት ኣደ” ኣይነፍቅድ ብምባል ስእሊ ሃገርን ሃብትን ኣርእዩና። ምስ’ዚ ኩሉ ሃብቱ ብሰንኪ ሕመቕ ምሕደራ ድዩ ጭቆና ውሑዳን፡ ጠምዩ ይነብር ምህላዉ ብዕምቈት ስለ ዝርደኦ ንሱ ተቆንዚ’ዩስ ንኻልእ የቐንዙ። እዛ ደርፊ ነቲ ናይ ሽዑ ግዜ ትውክል፣ ምስዚ ዘሎ ኩነታት ኣረኣኢና’ውን፡ ትንቢታዊት ደርፊ። ብሓጺሩ ነባርነታ ኣየወላውልን።
“እንታይ ይግበር”፥
ጠንቂ ጨካን ኲናት ሕድሕድ ደቂ ሃገር /ንፍትሒ ክኽውሉ፡ ገለ ዶብ ክሳገር /ሓራ ዝነበረ መቓለሲ ባይታና /መፍትኡ ጸላኢ ንግዳም ተደርቢና /ተስፋ ዝቈረጸ፡ ኮታ ዝቐበጸ /ኢዱ ንጸላኢ ምስላም መረጸ።
እምብዛ ሓሰውቲ፡ በዚሖም ስሱዓት /ድሕሪት መሊሶሞ መንኮርኮር ውጹዓት (ተስፋ ናይ ውጹዓት) /ኣብ ክንዲ ንጥምረት ሰሚሮም ዝቓለሱ /ባዶ ኣትሪፎምና ሓድሕድ ክናቆቱ፡ ሓድሕድ ክናኸሱ።
—-> ሽሕ’ኳ ባርያ ኣብዚኣ ደርፊ ነቲ ካብ ፋልማይ ሰብዓታት ክሳብ መጀመርያ ሰማንያታት ኣብ መንጐ ክልተ ውድባት ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ፡ “መን ካብ መን ይበልጽ /መን ካብ መን ይልብም / ኣብ ልዕሊ መን ክውርዚ” ዘበገሶ ኲናት ሕድሕድ እንተጠቐሰ፡ ክሳብ ሕጂ ዕንክሊል ዘብለና ዘሎ ሕሱም ተመኲሮ ኢዩ። ሽዑ ዝተዘርአ ሕጂ ንዓጽዶ ንህሉ ንኸውን?! ኣይ ንዝሓለፈ ይቕረ-ይቕረ ተበሃሂልና ሃገራዊ ዕርቂ ከይንገብር፣ ካን ኣኺሉና ተነካኢ ጎድንና ኮይኑ ክነብር ባዕልና ተሰማሚዕናሉ። የማነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ደቊ ዕሽነትን ትዕቢትን ከም ዝጓሃየ’ኳ ኣቐዲሙ ብዘይ ሕብእብእ እንተ ሓበረ፡ ኣብታ “ኣይኮነን ኦሮማይ”፥
ግዜ ፈሪድዎ ዝተበታተነ /ተወሊዱ ከብቅዕ ቦታ ዝሰኣነ /ተዝእከብ ነይሩ ግን ብሓደ ቃል ግብሪ /ኣይምሰኣነን መሬት ናየ’ቦታት ክብሪ
ኣይቀሰንካን’ወ ከማኻ’ውን ኣነ /ኣንታ ‘ተንፋቐር ሓወይ እንተ ንሳነ /ምተበትከ ነይሩ ናይ ሓጺን ሰንሰለት /ዝሰመረ የእዳው ግድን’ዩ ክዕወት ….. ሕልና ኣይተድክም ኣይኮነን ኦሮማይ /ጌና ግዜ’ለካ፡ ኣይዓረበትን ጸሓይ።
—-> ብሰንኪ ስስዐ መራሕቲ ውድባት ሰውራ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ 70ታት ህዝቢ ሃንቀው ዝበሎ ስምረት ክካየድ’ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሕልናኻ ኣይተዕርብ ህዝበይ፡ ኣይትበል ኦሮማይ ኢሉ ተስፋ ከስንቕ ፈቲኑ። ኣይተገብረን እምበር “ፈትሊ’ውን እንተዀነ ኣዝዩ ዝፈዀሰ /ኣንበሳ ይኣስር ሓቢሩ ምስተፋሕሰ”፣ ብስምረት ከኣ ሰንሰለት መግዛእቲ ኣብ ሓጺር እዋን ምተበትከ ኢሉ። ሓቂ እዩ፡ ምኾነ ከኣ። ተመኲሮ ሰውራ ከብልሓና ምተገብአ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ኣይሰመርናን። ከምቶም ለባም ኣቦ ዝበልዎ እዩ “ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና”። ነገር ግን፡ እቲ ዝኣረገ ወለዶስ ዝኣረገ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ዘሎዎ ደለ ምኾነ፡ እዚ ዘሎ ንኡስ ወለዶ (ተረካቢ ሃገር) ናቱ ሓድሽ መስመር ከይጥቀም፡ ከምቲ ናይቶም ኣረግቶት፡ ምስ ግዜ ናይ ዓለም ዘይከይድ ክልቼ ክኾኑ ኣስተብሂልካስ፡ ብዕጫና ትሓዝን።
“ሃገረይ”፥
ዓደየ ዓደየ፡ ዓደይ ሸዊት ለምለም /ግዜ ኮይኑ’ምበሪ ንሳዶ ትጥለም – ዓደይ ሸዊት ለምለም
ነጻነት ነጻነት፡ ብርሃን ናይ ባርነት (2) /ኤሪትሪያ ዓደይ ባይቶ ምሰ’ቆመት /ሽዑ’ዩ ዝጅምር ሃገራዊ ክብረት – ዓደይ ሸዊት ለምለም።
እንኳይ በዚ ሎሚ ሰውራኺ ተኺልኪ …… ከምቲ ናይ ሓምሳታት ዝተገብረ ጸሊም ዕዳጋ /መሬት ኣይሽየጥን’ዩ ብሕሱር ዋጋ /ኣየፍቅድን ከኣ ኤርትራዊ ዜጋ … /ኣየድልየናን’ዩ በሎም ጎደሎ መኣዲ /ለዋህ ኤርትራዊ ዘረባይ ስምዓኒ /ዓፍራ ከይትረግጽ መሲሉካ እምኒ።
—-> መሬት ክሽየጥ ኣየፍቅድን ኤርትራዊ ዜጋ!!! ሓይሊ ባርያ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ይኹን ኣብ ስደት ዝነበረ ህዝቢ፡ “ኤርትራ” እትብሃል ሃገር ክትህሉ ምዃና ክንኣምን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግድነት ክትቀውም ምዃና የእሚንና። ኣብ ዝሃለና ሃሊና ኣብ ዝኾነ ህሞት፡ ናጻ ኤርትራ ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ፡ ክብረት ከም ዘየለ ዘሚሩ። ግን፡ ዓፍራ ንኸንረግጽ ከኣ ኣይትተሃመሉ ኢሉ። ሓያል እምነትን ራእይን ዘበገሶ ሓይሊ ስነጥበበኛ፡ ንህዝቢ ቀንዴል ኮይኑ። ነዚ ንምጭባጥ ከኣ ኣብታ “ዕላማና” ደርፉ፥
ተዓጢቐሉ’የ ንኸዐውቶ /ህዝባዊ ቃልሲ፡ ሃገራዊ ሕቶ (2) … /ኣርዑት መግዛእቲ፡ ሓጺን ሰንሰለቱ /መን ዘይጠዓመ ሓጹር ቤት ማእሰርቱ /ኣደራዕ ጽፍዒት ተካል ስንብራቱ /ኣበደን ንመግዛእቲ ካብ ሱር መሰረቱ /ዕላማና፡ ዓወት ወይ ሞት /ኣይመረናን ሓሞት!
—-> ዓወት ወይ ሞት!!! ኣብ መንፈስ ህዝቢ ውሽጢ ዓዲ፡ ህዝቢ ወጻኢ፡ መንእሰያት …. ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ምውጋይ ዋጋ ዕዳጋ ዝብሃል ከም ዘየለ፣ ቃልስና ወይ ዓወት ወይ ሞት ምዃኑ ኣስሚሩ። እዚ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት፡ ብዝተፈላለዩ ወኪላት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ መንጐ ሰውራ ኤርትራን ገዛኢ ስርዓትን ዕርቂ (ፈደራስዮነ ወይ ኮንፈደራስዮነ) ንኽግበር ዝፈታተነሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ ይስምዓኒ። በዚ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት፣ ብንውሓት ግዜ ገድሊ፣ ብምረት ስደት … ወዘተ. ተንበርካኽነት መንፈስ ሓዲሩና ስዩም ከይንብል፡ ዕላማና ዓወት ወይ ሞት ይኹን ኢሉ። ሃገራዊ /ፖለቲካዊ ደርፍታት ባርያ፡ እቲ ምከኑኡ ካብ ፈለማ ሱሳታት ብ“ሉላ” ዝጀመረ፡ ክሳብ መወዳእታ ሰማንያታት ብ“ዕላማና” ኣሳልዩና ንረኽቦ። ኣይጸንሐን ከኣ ባርያ፡ ገለ ግዲ ተራእይዎ ኣብታ “ይሃርምዶ ይኸውን?”፥
ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና፡ ክሃርም’ዩ ግዲ ዓድና /እጽበ’ለኹ ብተስፋ፡ ክሪኣ ዓደይ ተሓቋቊፍና /ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና፡ ክሃርም ደኾን ዓድና /እጽበ’ለኹ ብተስፋ፡ ክሪኣ ነደይ ደቃ ሓቊፋ … /ኣብ ልዕሊ ቀላያት፡ ማያት ቀይሕ ባሕሪ /ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ሰማይ /ይሃርም ደኾን ንሓፍስ ስርናይ።
—-> ኣብ 88-90 ምስ ምብትታን ሕብረት ሶቭየት፡ ዓወት ስርሒት ናደው እዝ፡ ዓወት ስርሒት ፈንቅል ባጽዕ … ወዘተ. ተደማሚሩ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሓይሊ ሚዛን ናብ ሰውራ ኤርትራ (ሻዕብያ) ክዘዙ ዝተራእየሉ፡ ህዝቢ ባና ናጽነት ክረኣዮ ዝጀመረሉ’ዩ። ይሃርም ደኾን ኢሉ ዝተነበዮ ቃል፡ ስጋ ለቢሱስ ኣብታ “ናጽነት” እትብል ደርፉ፡ ናይ ቊዘማ ግጥምን ዜማን ብናይ ዕልልታ ዘበስር ዜማ ተኪኡ፥
ተቐንጢጡ’ዩ ጸልማት፡ እቲ ዓቢ ድነ /እንሆ ባና ብማዕዶ፡ ብርሃን ኰነ
ተኸፊሉ’ወ ንመገዲ ሂወት /ናጽነት ምዃኑ’ዩ ናይ ሰላም መሰረት
ናጽነት ክብረት’ዩ ንዘልኣለም /ዘይሃስስ ዘይድምሰስ ቀይሕ ደም /ዘይውዳእ ዘይነጽፍ ቀላይ (ደም) …..
ብሂወት ንምንባር ብሰላም /ናጽነት’ዩ መብራህቲ ጸላም /ንራህዋ ቅሳነት እፎይታ /ናጽነት የብላን መሰታ።
—-> ኰነ ድማ ድሕሪ’ቲ ምምንዛዕ መሬትና፡ ናጽነት ተጨበጠ። መርዓዊ (ህዝቢ ኤርትራ) ከኣ ዝተወስደት መርዓት “ሉላ” ዳግማይ ሓቊፉዋስ፡ ሓዳሩ ፈልዩ እንደገና። ብዘይነጽፍ ቀላይ ደም ከኣ፡ ተቐንጢጡ ጸልማታዊ ሂወት።
ድሕሪ’ቲ ከርፋሕ ስደት፣ ምብትታን ስድራ፣ ድሕሪ’ቲ መሪር ቃልሲ፣ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ምህለላ … ተሰሚዑስ ናጽነት ኮይኑ። ነገር ሰብ ግን፡ መን ኣትዩ፡ መንከ ወዲቊ? ንምፍላጥ፡ ወለዲ ደሃይ ደቆም ከጣይቊ ክሻቀሉ ንቡር ነገር ዓለም እዩ። ነዚ ንምድዕዓስ ከኣ ባርያ ኣብታ “ሰገናይ”፥
ኣንታ ብዓል ዝናር፡ ዝወዓልካ ምስኡ /ኣበይ ደኣ’በለ (ሰገናይ) ዘይተመልሰ ገዝኡ /ዝተሃንጠኹሉ ግንባሩ ክስዕሞ /ምሳኻ ዘይመጸ ገዝኡ ዝሕሰሞ? ….. ብመስዋእነትኩም ኣትሪርና ረጊጽና /በቲ ተሓጉስና በቲ ግን ጒሂና /ዘይከኣል ኮይኑ ክልቲኡ ደሊና /ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ቃል ንስውኣትና።
—–> በቲ ናጽነት ተመኒና በቲ ከኣ ደቅና ክኣትዉ ደሊና፡ ዘይከኣል ኮይኑ ክልቲኡ ብሂግና፣ ብዘይ መስዋእቲ ዝመጽእ ናጽነት የለን ኢሉና። “ዝተሃንጠኹሉ ግንባሩ ክስዕሞ” ክብል ከሎ ግን ከብድኻ ዝበልዕ ኣገላልጻ እዩ። ክብሪ ድማ ንስውኣት ሂቡ ማይቤቱ ይዛዝም። ቀጺሉ ኣብ ካልእ ደርፉ፥
ጽንዓት ይሃብኩም ወለዲ ጀጋኑ /ሕልና ከይደክም መሪር ኣይትሕዘኑ /ጸላኢና ይኮርመ ክሳድኩም ኣይተድንኑ /በንጻሩ’ኳ ደኣ ኩርዑ ተሓበኑ /ሳላ ደቅኹም’ዩ መሬት ብርሃን ኮይኑ /እወ ሰላም ኮይኑ!
—–> ኩርዑ ተሓበኑ፡ ሳላ ደቅኹም’ዩ ሰላም ኮይኑ!!! ንሓርነት፡ ቃልሲ ገድሊ ምስ መሪር ተመኲሮታቱ፡ ንኸርተትን ደበስን ዘይሙ። እዛ ብባርያ ዝተጀመረት ምዝያም ንተመኲሮ ኤርትራውያን ኣብኣ-ዶ ደው ኢላ ወይስ ቀጺላ?
***
ኣብርሃም ኣፍወርቂ፤ በታ “ወጋሕታ” ደርፉ ምስ እንጅምር፥
ኮይኑ ወጋሕታ፡ መጸ ወጋሕታ /ናይ ጸሓይ ፍሽኽታ፡ ደሚቊ /ናይ ጐደና ልምዓት ጀሚሩ /ናይ ህዝብና ድሌት ሰሚሩ /ነዊሕ ግዜ ንስቓይ ተቓሊዑ /ዝኸፍአ ሓሊፉ፡ ጸቢቚ መድረኹ /ሰላም ፍትሒ ተጨቢጡ።
—–> (ገለ ናይ ቃላት ጌጋታት ኣይሰኣኖን ኢዩ፣ ንምስምዑ ተሸጊረ’የ።) እቲ ፍረ ነገር ግን ኣብርሃም ኣፍወርቂ፡ ካብቲ የማነ ባርያ ዘዕረፎ መድረኽ ናጽነት ተቐቢሉ “ዝኸፍአ ተሓሊፉ፡ ኮይኑ ወጋሕታ” ኢሉና። ድምጺ ብስራት! እዚ ወጋሕታ ንኽምቅር ከኣ ብመገዲ “ዚኣምና ሃይማኖት”፥
ይበርህ ኣሎ፡ ይሰፍሕ ኣሎ ናይ ምዕባለ ጩራ /ብስኒት ክንሰፍራ ሃገር፡ ክንስሕን ኣብ ፍቕራ /ዘንጸላልወኒ ትኪ ድዩ ደበና /ብማዕዶ ትልለ ሰላም ባንዴራና /ዓይና ክደፍን ድዩ ዝተጻሕረ ደሮና
ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ዘይከሓድ ነገር /ፍቕሪ’ዩ ዝገብራ ዓለም ሓንቲ ሃገር /ረብሓና ክሕሎ ንፍትሒ ክምቀር /አእምነትና ኣጽኒዕና‘ወ ግዳ ንከባበር /ፍልልይና ጼርና’ወ እንተ ንከባበር …. /ዚኣምና ሃይማኖት ፍቕሪ’ዩ ስማ /ዚኣምና ሃይማኖት ስኒት’ዩ ስማ።
—–> የማነ ባርያ፡ ንመሰልን ናጽነትን ዘይሙ፣ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ዝያዳ ዝኾነ ዘያሚ ስእሊ ፈጢሩልና፡ ዓወት ወይ ሞት ኢሉ ከኣ ኣእሙኑና! ኣብርሃም ኣፍወርቂ ከኣ ነታ ዝተረኽበት ሃገር፡ ብስኒት ክንሰፍራ፣ ፍልልይና ጼርና ብፍቕሪ ንኽንነብራ ምዒዱ። “ዘንጸላልወኒ ትኪ ድዩ ደበና?” ምባሉ ነቲ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ፋልማይ 90ታት ዝረኣይ ዝነበረ ንኣሽቱ ዘይምጽውዋር የመልክት። ቀጺሉ ኣብታ “ናይ መብጽዓ ደሴት”፥
ናይ መብጽዓ ደሴት /ሓበን ዘርኣ መሬት፡ ‘ዛ ብህግቲ ስፍራ /ትኣምር ክትህቅን ብልጽግቲ ክትከውን ነቒላ ኤርትራ ….
ፍቕርኺ’ሎ ኣብ ሰራውረይ፡ ፈልስኺ ከሎ ኣብ ደመይ /ንዓለም ንእሽቶ ሃገረይ፡ ንዓይ ግን ንስኺ ዓለመይ /ኣብ ዝኸድኩዎ’ላ ኣብ ልበይ፡ ንቡር ረኺበ ከም ሰበይ ….. እንካብ ሕሰም ዘምጸኦ ሽበራ፡ እንካብ ጸይቂ ትወልዶ መከራ /ናጻ መታን ክትከውን ኤርትራ፡ ሓለዋ ተቐቢልና ሓደራ።
—–> ኣብታ “ሕሰም ዘምጸኦ ሽበራ – ጸይቂ ትወልዶ መከራ” እትብል ሓረግ ምስ ነድህብ፡ ሓደራ ዝወደቊ ጀጋኑ ክኽበር ማለት ኩሉ ዜጋ፥ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ሓርነትን ክረክብ ከም ዘሎዎ ተመልክት። ዋላ’ኳ እቲ ደርፊ ዘልኣለማዊ መልእኽቲ እንተዀነ (ብሰላም ንኽንበር፡ ሓርነት ህዝቢ ክኽበር)፡ ምስ ተመኲሮ ኤርትራዊ ኣነጻጺርካ ምዕዶ ነቲ ፋልማይ 90ታት ይመስል፣ ዋላ’ውን ንሕጂ። (ነዚ ዓንቀጽ ዝኾውን ምንጽጻር ደኣ’ምበር ዘልኣለማዊ ደርፎም ብውሱን መቃን ግዜ ክሕጸር ከም ዘይብሉ ይትስፎ፡ እምበርከ Prophetic ስለዝኾነ)
“ሸዊት ስገም”፥
እንታይ ትህብኒ ከይበለ /እንኪ ክህበኪ ሃገረይ ዝበለ /እቲ ሓደ ብጉልበት፡ ‘ቲ ሓደ ብፍልጠት፡ ‘ቲ ሓደ ብንብረት
እንተ ተጣሚርና ብናይ ሓባር ድሌት /ነልምዓያ መሬት ነለምልማ መሬት /እንተ ተዋፊርና ብናይ ሓባር ድሌት /ክትለምዕ’ያ መሬት ክትስለም’ያ መሬት።
—> በብዓቕምና ገለና ብጉልበት፡ ብፍልጠት፡ ብሃብቲ፡ ብሓድነት ንናይ ሓባር ዕላማ ሃገር ክንሃንጽ ኣዘኻኺሩ። ካብዚኣ ቴማ ዘይትፍለ ደርፉ ድማ ኣብ “ተሓንበለ”፥
ንሓዋሩ ከይንውጻዕ፡ ከይንኸውን መፍቶ ጓና /ዕቤት ክንጓናጻፍ፡ ዓቕሚ ክህልወና /ስውር ሰንሰለት ፍቕሪ ተራኺቡ ኢላ’ላ’ዴና /ብደም ብሉጻት ደቃ፡ ቃል እተው ኢላትና።
ቴማ ናይ ዝበዝሑ ደረፍቲ ዳርጋ ዘልኣለማውያን እዮም፣ ከምኡ’ውን ናይ ኣብርሃም ኣፍወርቂ። ምስ ዕላማ ጽሑፈይ ንኽሰማማዕ፡ ነቲ ኣብ መፋርቕ 90ታት ዚካየድ ዝነበረ ወፍሪ ልምዓት እትገልጽ ዝበልኩዋ ደርፉ “ኤረና”፥
ኪኖ ተሪር ዓቐብ፡ ማዕዶ ደረት ትርኢት /ስግር ኩሉ ጸገም፡ ኣሎ ርሁው መዋእል ….
ኤረና፡ ከም ትኣምር ናይ ናጽነት /ቅያ ልምዓት ከም ንዕወት /ተ ኣ ማ ሚ ነ
ኤረና፡ ተሓሪስኪ ክትልምልሚ /ቈጽሊ ኣልማዝ ክትስለሚ /ለዋህ መሬት
ኤረና፡ ዚሕበነሉ’ቲ ቅያኺ /ህንጡይ ናይ ዳግመ ህንጻኺ /ኣደ ህይወተይ
ኤረና፡ ዘሳፍሓላ ጽላለይ /‘ታ ዝጽዕረላ ሃገረይ /ለዋህ መሬት።
—-> ብኢደይ ኢድካ ንቅያ ልምዓት፡ ንዳግመ ህንጻ፡ ንዝያዳ ጻዕሪ መኺሩ። እንተዀነ ግን እዚ ዘመን ግርህነትን ሰላምን፡ ብደበና ኲናት 1998-2000 ምስ ተሸፈነ፡ ኣብታ “እምኒ ዓረ /ደቂ ኤረይ” ንዝሑልን ውዑይን ድልውነት ኤርትራዊ መንፈስ ኣቃሊሑ፥
ኣብ ዘለና’ሊና /ተራኽብና ተዘርዚሩ ብዘይውዳእ ፈትሊ /ሓደ ኹኑ’ልክና፡ ሰቲናዮ ተመኒኻ ዘይርከብ ማይ ፍቕሪ /ስቓይ ተፈቲንና፡ ተሰኪምና ንዘልኣለም ዘይወርድ ሕድሪ /ከም ሓደ ክንሓስብ፡ ከም ሓደ ክንሰርሕ እትገብሪ /ኣለናልኪ ሃገረይ ክበሪ!
ኣብቲ ሕማቕ ግዜ፡ ኣብቲ ጸገም፡ ኣብቲ እዋን ሓሳረ-መከራ /ኣብቲ ግዜ ሰላም፡ ኣብቲ ራህዋ፡ ኣብቲ ጠሊ ኣብ ልሙዕ ኣዝመራ /ኣብ ዘለኹ’ልየ ኣላትኒ ብመንፈሳ እተማሙቚ ስድራ /ይሕሰም ይጥዓም ግዜ፡ ይቕረብ ይርሓቕ ኣብ ዝኾነ ስፍራ /መንፈስካ ’ሎ ህዝቢ ናይ ኤርትራ።
“ምንባር”፥
በብመገድና ሂወት ንስጉማ /በብዝጥዕመና ዕድልና ንገጥማ /ምንባር ዕላማ ናይ ሓባር — ምንባር ከይረብረብካ ምጽዓር
ሸውዓት ግዜ ወዲቅካስ ሸሞንተ ግዜ ትትስእ /መሰታ ኩርባ ክትወጽእ /ኩሉ ንኽንኪ ዘይኮነስ ንኽውስኽ’ዩ ዝነብር
ዝጽዕር ዓቕሙ ዝገብር /ፍትሓዊት ድያ ዕድል /ንሳ ድያ ትህብ፡ ንሳ ድያ ትኽልክል /ዕድልካ ከተጸብቕ፡ ትበላሓት ዕድልካ ክትመርሕ
ጻማ’ሎዎ ጻዕሪ፡ ኣትሪርካ ትሰርሕ /ኣብየት ትጽመሞ፡ ነብስኻ ትገንሕ /ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ተምሲ ተውግሕ።
—–> ሂወት ንምምራሕ እንተ ብዕድል እንተ ብጽሑፍ ይኹን ብዘየገድስ፣ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ፡ ከይተሓለልካ ምትንሳእ፡ ምቕናዕ፡ ክንበላሓት ከም ዘለና ብምግላጽ፡ እቲ ሕመረት ህልውና “ምንባር” ምዃኑ ኣብታ “ምንባር ብዙሕ ኢዩ ዓይነቱ” ትብል ነግሑ ሓቢሩ። ነቲ ድሕሪ ፈታኒ ኲናት ምስ ተሓልፈ ዝነበረ ሃዋሁ ናይ ሰንፈላል፡ ቅልውላው፡ ተስፋ ምቊራጽ፡ ኰንትነት ንኽንስዕር ቀለብ መንፈስ ዚኾነ ዜማ ኮይኑ’ኳ ተራኣየኒ። ክብደት ናብራ እንተመረረ፡ ሰንፈላል ሂወት እንተዛየደ – ኣብታ “ሰማይ” ደርፉ ንፈትሽ፥
ኩሉ ሓላፋይ ኢለ ገሚተ /ስግር ጋሻ ውሑጅ ጠሚተ /እጽዕር ኣሎኹ ብተስፋ /ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ
እጽዕር ኣሎኹ ብዓቕመይ /ቃልስስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ /ንግዚኡ’ኳ እንተሓየለኒ፡ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ተስፋ’ዩ ደገፈይ፡ ተስፋ’ዩ ሓይለይ /ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ /ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ። ….
እወ ምዃን ሕስብ ‘ተበልኩዎ /ስፍሓት ሂወት ከም ዝተረዳእኩዎ /ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ’ሎዎ /ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ’ሎዎ /ጫፍ ጽቡቕን ሕማቕን እንተ ዓቒነ /ከለልዮ ዋላ ‘ተፈቲነ /ኣበይ ከይክእሎ፡ ኣነ ሰብ’ዚ ኣነ /ፍሽኽታ ኣመለይ፡ ኩሉ ጸይረ ፍሽኽታ ኣመለይ።
—–> ብዝገጠመና “ጋሻ ውሑጅ” ከይተዳሃልና፡ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ ብምባል፡ ተስፋ ተሓንጊጥና ፍሽኽታ ዚኣመልና፡ ብመሰናኽላት ሂወት ክንብዳህ /ተስፋና ክጠልመና ከም ዘይብሉ ዘሚሩልና፣ መንፈሳዊ ሕሹኽታ!! (ብሓቂ ብሓቂ፡ መንግስቲ ኣምላኽ የዋርሶ)
“መለይ”፥
መለይ ከይደ’የ ከይደ፡ ናበይ ኣይትሕተትኒ /ናይ ሂወት መርከብ ሒዛትኒ ነቒላ /‘ተወረድኩ ባሕሪ’ዩ፡ ውሽጣ ክቕይር ክፍትን ከመሳሰል፡ ከግፍሕ ጽላላ /ከናድየኪ መለይ ዕንባባ /ሩባ ሰጊረ ኣብ ኩርባ /ክረኽበኪ፡ ክትብልኒ መርሓባ
ኣብዚ ዘስተንትን ናብራ፡ ፍቕርኺ’ዩ ደገፈይ /ዘይርሳዕ ስንብራት ገዲፍኪ ኣብ ሂወተይ /ኣብ መንጐ ሰብ ከለኹ ኣይኮነን ከም ቀደም /ንስኺ ዘይብሉ መለይ፡ ጽምዋ’ያ ዓለም …..
ክቅጽል’የ ወሳንነት ግዜ ኣስተብሂለ /ዝሓሸ መልክዕ ናይ ናብራ ኣሎ’ለ / ግድን ዓቲረ፡ ናይ ፍቕርኺ ኣርዑት ተሰኪመ ማዕረኺ ሰጒመ ክወጾ ክፍትንየ።
ንኹሉ ናይ ህይወት ቃልሲ እትውክል ደርፊ፡ ሰብ ከም ዝመሰሎ ንኸስተማቕራ ክገድፈሉ’የ።
መዛዘሚ ጽሑፈይ፤
እምበኣርከስ ከምዚ ልዒሉ ዝተዘርዘረ፡ ደርፍታት የማነ ባርያን ኣብርሃም ኣፍወርቂን ነቲ ሰንሰለታዊ ታሪኽ ሰለስተ ወለዶ ኤርትራ ካብ ፈለማ ስሳታት ክሳብ’ዚ ግዜ እናሳለዩ ዝገልጹ እዮም፣ ክቅጽል’ዩ ድማ። እዚ ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ብየማነ ባርያ ዝጀመረት ገመድ፡ ብረቂቕ ስነ-ጥበባዊ ብልሒ ኣብርሃም ኣፍወርቂ፡ ተላጊባ ትቕጽል ኣላ። የማነ ባርያን ኣብርሃም ኣፍወርቂን፡ ከም ሓንቲ ሓረግ-ወይኒ ኢዮም። እቲ ንፖለቲካዊ፡ ሰውራዊ፡ ናጽነትን ሂወት ድሕረ-ናጽነትን ዝትንትን ደርፍታቶን ንወለዶታት ኤርትራ ብዘይ ጎደሎ ዝገልጽ ብምዃኑ፡ ስነ-ጥበባዊ ውህደት ዘሎዎም ተመላላእቲ ደኣ’ምበር ተወዳደርቲ ኣይኮኑን። ኣብ ነብስናን ሃገርናን፥ ተስፋ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ዘይተሓላልነት፡ ብርትዐ መንፈስ ከስፉኑ መዋእሎም ዝዘየሙ ትእምርቲ ወለዶታት ኤርትራ ኢዮም። የማነ ባርያን ኣብርሃምን፡ ሕላገት ናይ ውሱናት ወገናት ዘይኮኑስ፡ ትእምርቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም፣ ምልኣት ታሪኽና ኢዮም። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ መኖም ኰኾብ ዘይኮነስ፡ ክልቲኦም ከም ‘ኣልፋ ሰንቹሪ’ ዝደመቚ ከዋኽብቲ እዮም።
ነቶም ነዚ ጽባቐ ክመናንሁ፡ “መኖም ይበልጽ? መኖም’ዩ ኰኾብ?” እናበሉ ክብሪ ህዝቢ፡ ክብሪ ስነ-ጥበብ፡ ክብሪ ጽባቕ — ክደፍሩ፡ ከዋድቊ፡ ክመናንሁ ሒዂ ዝብሉ ዘሎዉ ሰባት፡ ሰብዓ ግዜ ሸውዓተ ዓገብ! ክብሎም እደሊ። ጽሑፍኩም ናብራ ኤርትራ ኢዩ ዝጥዕም፡ ዕረ፡ ስለዚ መቐረት/ላዛ ግበርሉ እብሎም። ምስሊ ጽሑፍኩም፡ ምስሊ ዘሎ ናብራ ኤርትራ፡ ከርፋሕ፡ ኢዩ ዝመስል እሞ ጽሑፍኩም ጥበብን ውርዝይናን ለግስሉ ክብሎም እደፍር። የማነ ባርያ (“ባርያ”፡ ኣገልጋሊ ህዝቢ ኤርትራ) ኣብ “ዕላማና” ደርፉ፥ “ዓወት ወይ ሞት!” — ኣብርሃም ኣፍወርቂ ኣብ “ኤረና”፥ “ስግር ኩሉ ጸገም፡ ኣሎ ርሁው መዋእል!” ኢሎም’ዮም። እዞም ክልተ ዘበገስዋ ሓረግ-ተኽሊ፡ ካልእ ክቅጽለልና ድማ ንፈጣሪ ንልምን።
ስለዚ እምበኣር ነዞም ክልተ ትእምርቲ በቲ ብላይ ኣተሓሳስባኹም ክትመናንህዎም ኣይትድለዩ። እዚኣቶም ከምቲ ሮናልዶ ዶ መሲ ዶ ተባሂሉ ዝወዳደሩ ዘይኮኑስ፥ ብኽቡር ታሪኽና፣ ብጽባቐ ስነ-ጥበብና፣ ብምልኣት ባህልና፣ ብሕመረት መንነትና ኣይትምጽኡና። እዚኣቶም፡ ፍልስፍና ተመኲሮታትናን ራእይ መጻኢ ምስልናን እዮም።
ነዞም ክልተ ድሙቓት ከዋኽብቲ ነንሕድሕዶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ካልእ ዝኾነ ደራፋይ (ናይ ኤርትራ ይኹን ናይ ኢትዮጵያ) ከይተወዳድሩ ሓደራኹም። እንታይ መምዘኒ ሒዝና ኢና ክንመዝን? ሓደ ንስለ ህዝቡ ዝደረፈ፡ እቶም ህዝቢ ከኣ ከም መግለጺ ህይወቶምን ክብረቶምን ዝወስድዎ ኰኾብ በየናይ መዐቀኒ ኢና ምስ ካልእ ነወዳድር? እንተ ዘይኮይኑ ብዘይምጻእ ትመጽኡና ከም ዘለኹም ኣይትዘንግዑ። ሕላገትና እዮም። ምልኣትና እዮም። ጥበቦም፡ ነጸብራቕ ተመኲሮታትናን ራኢናን እዮም። ኢድኩም ኣኩቡልና፡ ሓደራ!
AMAN TEKESTE W. (ንዝያዳ ምብህሃል aman.tekeste@facebook.com)
02/04/2016
1 Comment
Well said brother thank you!