መንደቕ ዝገሃጸ
ገጹ ዝመለሰ
ምርቅፍ!
ህፍፍ!
ቶባ ዘለ
ኩቦ ዝደርበየ
እናመሰሎ
ዝሃለሎ
ዝሃለሎ
ካባ ታኒካ ባሕሪ ፎኺሱ ዝተጾሮ!
ሻቡ
የማነ ጸጋሙ
ምስ መዓርግቱ
እናተጠማመቱ
ብመን ይበልጽ ክከራፈሱ
ሰማይ ተራቢዖም
ኣበይ ደኣ ክኣትዉ
‘ ቪያ !’ ምስ በሎም
ከም ኣመሉ
ጥብ ጥብ
ጥብ ጥብ ጥብ
ሸረብረብ!
ሻሕ ሻሕ
ሻሕ ሻሕ
ጅው ጅው
ምስ ኮነ
ከም ሰቡ
ገለ ‘መጸ መጸ’ኢሎም ክሃድሙ
ገለን መንገዱ ክጸርጉ
ገለን ስጡሕ ክውግኑ
ምስኦም ኔረ ምስቶም ዝደኣሉ
ንሱዶ ኩራ: ንሕናዶ ዳእላ
ከይንሰፍ!
ጸሓይ ተራስኖ: ይብል ምርቅፍ
ንሕና ጥዕስ…
ንሱ ንፍቕ!
ዕንክሊል ፍቅሪ
ድፍእ ድፍእ!
ከምኡ ዝዛህርና ሰብን ማይን
ሳባ ኪዳነ
31/ 03/ 2016
ፓሪስ