Habtoum Debessay
January 2014
ሽዑ ደርፍታት ኣረንጅ ምግባር ጀሚርካ ኣለካ ምሽ?
እወ ሽዑታት ኣረንጅመንት ጀሚረ፡ ጋይታኖ ዝበሃል ንፉዕ ሳክስፎኒስታ ኣብ ፒካዲሊ ይመጽእሞ ይሰምዓና፡ እቲ ናይ’ቲ ባንድ ኣሰራርሓና ደስ ስለ ዝበሎ፡ ብሽጣራና፧ እተሰርሐ ሙዚቃ እናሰማዕና ክንጻወት ስለ ዝጀመርና፡ ክሕግዘኩም’የ ኢሉ ኣረንጅ ክገብረልና ጀሚሩ። ሕጂ ሓደ ሰሙን ከምኡ ምስ ገበረልና፡ ንሕና ድማ ሓሲብና “እምበኣር ደሞዝ ክንገብረልካ ኢና ምጻእ ኣብ ዝኾነ ግዜ” ኢልና ደሞዝ ሰሊዕናሉ ማለት’ዩ፡ ንክሕግዘና እዚ ናይ ኢንግሊሽ ደርፍታት ገለመለ። ሕጂ ኣነ ዘመናዊ ሙዚቃ ካብኡ ብዙሕየ ተማሂረ፡ ብዙሕ ነገር፡ ኣለካ ምሽ። ምሳና ብዙሕ ኣይጸንሐን ግን፡ ምስ ገደፈና ባዕለይ ቀጺለዮ ነቲ ስራሕ ማለትዩ፡ እናሰማዕኩ ኣረንጅመንት ገለ ክገባብር ጀሚረ፡ እተን ዝሰማዕካየን ሙዚቃታት ክንሰርሓን ጀሚርና ማለትዩ። ሽዑ ክሳብ 1970 ኢና ንቐድሕ ኔርና ምኽንያቱ ዲስኮታት ውን ኣይነበረን ፡ ደሓር ናይ መጀመርያ ዲስኮ “ሃልሃልታ ፍቕርኺ” ትብል ናይ ሃይለ ገብሩ ደርፊ ተቐዲሓ ማለትዩ። ሃልሃልታ ክንቀድሕ ኦርጋን ኣይነበረትናን፡ ሽዕኡ ናይ “ቲኔኤጀርስ” ዝበሃሉ ናይ ጠላይን ባንድ ኦርጋን ተለቂሕናያ፡ ኦርጋኖም ኣብ ዲስኮ ብምዉጻኣ ናይ ብሓቂ ተሓጒሶም፡ሽዑ ንሃልሃልታ ብኣኣ ምስ ሰራሕና፡ ናትና ኣዚዝና ካብ ዓዲ ጥልያን መጺኣትና። በቃ ኣምፐሊፋየራት ሓድሽ እናገዛእና እንደገና እቲ ባንድ ማዕቢሉ። ሽዑ ኣነ ብደገደገ ምስ በዓል ተወልደ ረዳ ክሰርሕ ጀሚረ ማለትዩ ብጀካ ምስ ዘርኣይ ደረስ።
እሞ እዘን ናይ በዓል ዑስማን ዓቕሊ ጽበት ገለ ክትገብረን ከለኻ ብደገደገዩ?
ኖ ንሳ ዑስማን ናባና መጺኡ እዩ ምስ ዘርኣይ ደረስ ባንድ ኾይኑ ኣሬንጅ ጌርናያ። ሽዑ ሑሴን መሓመድ ዓሊ ድማ “ዓድና ዓመር ልግባእ ጀራድና” ትብል ቀዲሑ ምሳና፡ ተወልደ ረዳ’ውን “ኣይሮፕላነ” ትብል ዲስኮ ምሳና ቀዲሑ ማለትዩ ምስ ዘርኣይ ደረስ። ደሓር ግን ኣብ ገዙኡ (እንዳ ተወልደ ረዳ) ከይደ ድማ ናይ ጸሃይቱ በራኺ ቀዲሕና፣ ናይ ኣቶ ብርሃን ሰጊድ “ኣስላማይ ክስታናይ” ትብል ውን ምስ ኣቶ ብርሃን ቀዲሐ። ብደገደገ ድማ ምስ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) “ወደባት ዓደይ” ቀዲሐ ምስ ነጋሽ መሓመድ ብርሃን ኮይንና ፡ ምስ ቪቶርዮ ድማ “ኣላዒልኪ ኣላዕልዮ” ትብል ቀዲሕና
ሕጂ ኣብቲ ኣሬንጅመንት ዲኻ ትሕግዝ ኔርካ ፡ ዜማ ሒዞም ድዮም ዝመጹ ነይሮም?
ኖ እዚ ምስ ቪቶርዮ ዝገበርናዮ፣ ናይ ጸሃይቱ በራኺ ተወልደ ረዳዩ ጌርዎ። ኣነ ኣኮርድዮን ጥራሕየ ዝወቅዕ ምስኦም፡ የሰንዮም ማለትዩ ናቶ’ም ኣሬንጅመንትዩ። በዓል ዓቕሊ ጽበት ገለ ግን ናይ ዘርኣይ ደረስ ናትና ኣሬንጅመንትዩ፡ ባዕልና ዝገበርናዮዩ ማለትዩ፡ ዳሕራይ ዲስኮታት ክመጽእ ጀሚሩ። በዓል ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብኡ ዘለ ጊታራ ሕጂ ናይ ጋይታኖ’ዩ ንሱዩ ኣሬንጅ ጌርዎ፡
እዛ ናይ ዑስማንከ በዚ ሎሚ እዋን ብጻይ ዓርኪ እናተባህለ?
ንሱ ኣቲ ጊታሪስታ ሚኪኤል ወዲሪኮ’ዩ። ኣነ ኣለኹ፡ ኩልና ኣለና፡ ጊታሪስታ ጋይታኖ እዉን ኣሎ እቲ ሶሎ ዝገብር ጊታሪስታ ግን ሚኪኤል ወዲ ሪኮ እዩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለስና ኣምጺእናዮ ነይርና። ኢብራሂም ማሕመድ’ውን ምሳና ነይሩ ግን ስዊድን ከይዱ ገዲፉና፡ ኣብ 73 ንስዊድን ከይዱ። ኣዲስ ኣበባ ብሓንሳብ ኣብ ዋቢ ሸበሌ ንጻወት ኔርና ምስ ዘርኣይ ደረስ። ሽዑ ከይዱ ንስዊድን ንሱን ተኽለ በይዝ ዝጻወትን በቃ ሽዑ ሓደ ጆን ሳውዘር ዝበሃል ወዲ ርዋንዳ ጊታሪስት/ደራፋይ፡ ምስ ተኽለ ገብረመድህን ሳክስፎን ናብ ኣስመራ ኣምጺናዮም ማለትዩ። ደሓር ጆን ምሳና ምስ ወደአ ሚኪኤል ወዲሪኮ ኣእቲናዮ ማለትዩ። እናቀያየርና ክንከይድ ጀሚርና ማለትዩ፡……. እቲ ኩነታት ሰብ ይገይሽ ኣይምለስን ብኸምኡ’ያ ጀሚራ እታ ማሕበር …።
ካብኡ ኣብ ቃኘው ስቴሽን ድማ ጽቡቕ ሸው ኣርኢና ኢና ነይርና፡ ጽቡቕ ሽም ጌርና። ዝኾነ ዓይነት ሙዚቃ ሮክ ይኹን ሶል ምዩዚክ ይኹን፡ ስለው ይኹን ክላሲካል ፖፕ ይኹን ናይ ጥልያን ደርፍታት ኩሉ ስለንደርፍ ኣብ ቃኘው ጽቡቕ ጠለብ ረኺብና ነይርና። ኣብ ወርሒ ዳርጋ 8 -12 ሸው ነርኢ ነይርና ኣብ’ቲ ክለባት ናይ ቃኘው ስቴሽን ጽቡቕ ተፈታዉነት ነይሩና ከም ኡ እንዳበልና 75 ተወዲኣ ማለትዩ ባጽዕ ምስ ከድና እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ።
ሽዑ ኣብ ሱዑድያ ድዩ ቀጺሉ እቲ 2ይ እብረ ናይ ሙዚቃ?
ደሓር ኣነ ንኣዲስ ኣበባ ከይደ። ብኣዲስ ኣበባ ኣቢለ ድማ ንሱዑድያ ከይደ ማለትዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቬኑስ ዝበሃል ክለብ እጻወት ነይረ ፡ ጽቡቕ ባንድ ነይሩ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ድማ ኣብ ዋቢ ሸበሌ ተጻዊተ። ቡኡ ጌረ ንሱዑድያ ከይደ፡ ኣብ ሱዑድያ ንሓደ ሓሙሽተ ዓመት ሙዚቃ ኣቋሪጸ። ኦርጋን ኣይነበረንን፡ ጊታር ግን ኣብ ገዛ ስቕ ኢለ እጻወት ኔረ። ደሓር ግን ሓደ ባንድ ጌርና ነይርና፡ ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ሓደ እንግሊዛዊ ጊታሪስታ ምስ ሰበይቱ ደራፊት፡ ሓደ ንፉዕ ህንዲ ደራፋይ፡ ሓደ ህንዲ ኦርጋኒስታ፡ ሓደ ፊሊፒኖ ድራመር። ጽቡቕ ኔርና፡ ሓንቲ ሸው ኣብ ኣሜሪካን ኮንስለት ኣሪና።
ሽዑኡ ዑስማን መጺኡኒ። ቕድም መርዓ ኔርዎ ንመርዓ’ዩ ኣቁሑቱ ሒዙ መጺኡ። ሽዑ ሓደሽቲ ደርፍታት ዝቕድሓ ሂቡኒ። ሐራይ ኢለዮ ኣነ ኸኣ ፖርታስቱድዮ፡ ሪትም ማሽን፡ ገለ ናተይ ገዚኣ ጀሚረ ኣለኹ።
ሪትም ማሽንሲ ቅድሚኡ ኔራ ድያ ዋላስ ሽዑኡ ያ ጀሚራ?
ኣይነበረን፡ መጀመርያ ሪትም ማሽን ዝተጻወትናሉ፡ ኢንስትሩሜንታል ቮልዩም 1 ትብል 1980 ምስ ነጋሽ መሓመድብርሃን’ዩ። ሽዑ ነጋሽ፡ ኣሮን ካሳ ዝበሃል ጊታሪስታ፡ ካብ ርያድ መጺኦሙኒ። ንዓይ ከኣ ሃሞንድ ትበሃል ኦርጋን ኔራትኒ ናታ ሪትም ዘለዋ ማለትዩ። ናይ ጓይላ ግን ኣይነበራን፡ ዘመናዊ ሙዚቃ ጥራይ እዩ ኔርዋ። ንዓኣ ስለ ዝሰማዕኩ፡ ኣብ ከተማ ድራም ማሽን ትሽየጥ ምስ ረኣኹ ገዚኤያ ማለትዩ። ፕሮግራም ድማ ጌረያ።
ንመጀመርያ ንጓይላ ንስኻ ፕሮግራም ጌርካያ ማለትዩ?
ኣጋጣሚ ባርያ ድማ ሽዑ መጺኡ። ዘመናዊ ሙዚቃ ፕሮግራም እናገበርና ንቐድሕ ኔርና፡ ሕጂ ባርያ ይሓተኒ “እዚኣ እዚ ኩሉ ዘመናዊ ፕሮግራም ትገብሮ ዘለኻስ ጓይላ ክትወቅዕከ ትኽእል ድያ?” ይብለኒ፡ “እዋእ ከም ፕሮግራም ዝገበርካያ” እሞ ንፈትና ተበሃሂልና፡ ፈቲንናያ ቀዲሕናላ ቤላ መጺኣ። ሽዑ ኣጽኒዕና መስከረም ዕንባባ ትብል ደርፊ ናይ ባርያ ኣጽኒዕና፡ ኣብ ካሴት ኣይቀዳሕናያን ግን፡ ኣሜሪካ ክንከይድ ድሮ ምዝርራብ ጌርና ስለ ዝነበርና፡ ኣነ የማነ፡ ሃይለ ገብሩ፡ ዑደት ክንገብር ን ኣሜሪካ ምስ መጻእና፡ ኣብ ኣሜሪካ ንመጀመርታ ግዜ በታ ድራም ማሽን ጌርና ኢና ጓይላ ተጻዊትና። ፕሮግራም ጌርናያ በቃ። ሽዑ ቀጺላ ማለትዩ፡ ኩሎም ድራም ማሽን ገዚኦም፡ እቲ ሽግር ድራመር ስለ ዘይነበረ እዩ ሽዑ፡ ካልእ ድማ ድራመር ንጓይላ ኣየዐምሮንዩ ዝበሃል ዘረባ ኔሩ። ጓይላ ክወቅዕ ዝኽእል ድራመር ዉን ኣይነበረን፡ ዋላ ጻዕዳ ዋላ ካብ ጸለምቲ። ደሓር ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ሸው ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ 3 ኮቦሮ ዚወቕዑ ኣምጺና ንፉዓት፡ ኣብ ስቴጅ ክወቕዑ ማለትዩ፡ ሕጂ እንታይ ጌሮም፡ ሰብ እናሳዕሰዐ ኣብ ማእከሉ ኣትዮም ክወቕዑ ጀሚሮም እንዳዘሩ ማለትዩ ከም’ቲ ባህሊ። ካብ’ቲ ስፒከር እናራሓቑ ክኸዱ ከለዉ ግን ክናጎጽ ጀሚሩ እቲ ሙዚቃ፡ ኮቦሮ ጌጋ ኮይኑ ተሓኣዊሱ ኩሉ።
እታ ሪትም ማሽን ግን ትጻወት ኣላ?
እታ ሪትም ኣላ፡ ግን መቓልሕ ጌሩ፡ ሪሕቕዎም ካብ ሪትም ወጻኢ ከይዱ ፡ ሕጂ እንታይ ተባሂሉ፡ ኽትድይቡ ኣለኩም ኣብ’ዚ ማይክሮፎን ቀሪብኩም ክትወቕዑ ኣለኩም፡ ምሳና እምበር ኣብ ኔው ኮይንኩም ከመይ ኢልና ክንሰማማዕ፡ ኮቦሮ ኮቦሮ ትብሉ ኣብ’ዚ ኮይንኩም ውቕዑ። ዝዓይነቱ ካብዚ ኣይትኸይድንያ ተባሂሉ። ማይክሮፎን ጌርካ ኮቦሮ ኣብ ስቴጅ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ኢልና። ኣብ ታሕቲ ምስ ሳዕሳዕቲ እንተ ኮይኖምሲ ወይ ዋየርለስ ማይክሮፎን ክህልዎም ኣለዎ፡ እዚ ኩሉ ቴክኖሎጂ ግን ኣይነበረን ሽዑ ግን ቀጺልና ብድራም ማሽን።
ኣብ’ተን ናይ ሱዑድያ ክመልሰካ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ደርፋታት ኣወሃሂድካ ኢኻ፡ ከም ኣብነት “እዋን ምስ መሰየ” ናይ ሃይለ ገብሩ “ዘመን” ናይ ባርያ እንተ ወሲድና ኣረንጅመንት ወይ ምዉህሃድ ንዓኻ እንታይ እዩ? እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ናይ ምዉህሃድ? እቶም ሕጂ ዝጅምርዎ ዘለዉ እንታይ ክፈልጡ ኣለዎም ትብል? እቲ ወኒ ወይ ስምዒት ኣብ ግምት ኣእቲኻ?
ኣሬንጅመንት ክትብል ከለኻ ዝተወሃሃደ ነገር’ዩ። ሓደ እቲ ዝበልካዮ “ወኒ” ኣገዳሲ እዩ፡ ብስምዒት ነቲ ደርፊ ክትገብሮ ምእንቲ ድማ ብግቡእ ከተፍቅሮ ኣለካ፡ ክትፈትዎ ኣለካ። ነቲ ሜሎዲ ነቲ ስራሕ ብደንቢ ተረዲእካዮ ስምዒት ሒዙካ ከተቕርቦ’ሞ እቲ ህዝቢ ክፈትዎ እንድሕር ኮይኑ ንስኻ ቅድም ብፍቕሪ ክትሰርሖ የድሊ። እዚ እቲ መሰራታዊ ኮይኑ ብዛዕባ ኣረንጅመንት ወይ ቅመራ ክዛረብ እንተ ኴንና ድማ ግድን እዩ ሓደሓደ ኣፍልጦ ናይ ሃርሞኒ የድልየካ፡ ኣብ ሱታት ኣይተማሃርናዮን ኔርና፡ ደሓር ደገ ምስ ወጻና እዚ ዕድል ረኺብናዮ። ኣብ ሱዕድያ ካብ በዓል በርክሊ ኮለጅ መጻሕፍቲ ይመጻኒ ኔሩ። ነቲ ትዮሪ ከጽንዖ ጀሚረ።ነቲ ኣረንጅመንት ነቲ ሃርሞኒ ክሕግዘካ ዝኽእል፡ ምስ’ቲ ሃገራዊ ናይ ኤርትራ ሙዚቃ ዝኸይድ ስምዒት ድማ ኣሎ እንድዩ ንሱ ሓዋዊስካ ብፍላይ ሓደ ጊታሪስታ እንድሕር ኣሎ ምሳኻ፡ ዕድል ተጌርካ ማለት እዩ እምበር ሙሉእ ባንድ ዝበሃል ኣይነበረን ሓሳብ ንሓሳብ እናተዋሃሃብካ ደሓን ስራሕ ክስራሕ ይከኣል እዩ። በቲ ዝነበረ ዓቕሚ ግን ነቲ ዝሰማዕካዮ ሙዚቃ ክገብር ክኢለ ማለት’ዩ።
ብፍሉይ ትፈትዎ ካብ ስራሓትካ?
ስራሕካ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ብሓደ ኢኻ ትርእዮ። ደሓር ካብ’ቲ ዝገርም ነገራት፡ ንኣብነት ምስ ሓጎስ ብርሃነ ክንሰርሕ ከሎና፡ ንሕና “እዛ ኣረንጅመንት ዝበለጸት ክትከዉን እያ፡ ዓይኒ ናይ’ዛ ካሴት ክትከዉን እያ” ዝበልናያ ዘድነቕናያ ስራሕ ሰብ ከበራ ኣይወስድን። ነታ ኣብ መጨረሻ ዝሰራዕናያ ድማ ብዙሕ ሰብ ኪፈትዋ ኣስተብሂልና ኢና። ሕጂ ንስኻ ትፈትዎ ወይ ትሓስቦ ኣይኮነን ሰብ ከመይ ይቕበሎ እዩ። እተፈላለየ ደራፋይ ነናቱ ቅዲ ኣለዎ። ኩሉ ናቱ ቅዲ ሒዙ ይመጻካ፡ ንስኻ ድማ ናትካ ስታይል ምስኡ ሓዊስካ ምዉህሃድ፡ ካብ’ቲ ካልእ ዝገበርካዮ ክፍለ፡ ከይማሳሰል ኣብቲ ድምጺታት ትራቐቐሉ። ኣብዚኢታት ደሓን ኬድና። ናይ ሓጎስ ደርፊ ምስ ናይ የማነ ኣይራኸብን እዩ። ናይ የማነ ምስ ናይ ሃይለ፡ ናይ ሃይለ ምስ ናይ ኣልኣሚን ወይ ምስ ናይ ዑስማን ኣይራኸብን እዩ። እዚ ብሳላ እቲ ኣብ ኣረንጅመንት ትገብሮ ጥንቃቐ ዝመጽእ እዩ።
ሎሚ እቲ ኪቦርድ ንባዕሉ ብዙሕ ብዙሕ ዝተፈላለየ ድምጽታት ኣለዎ። ናይ ሻምብቆ፣ ቫዮሊን፣ ብራስ ገለ በብዓይነቱ፡ ንኩሉ ደራፋይ ዘዝሰማምዖ ድምጺ ስለ ትመርጸሉ ናቱ መቐረት ይህልዎ ማለት እዩ። ሕጂ “እዋን ምስ መሰየ” ትብል ናይ ሃይለ ደርፊ ንኣብነት ሃይለ ነታ ግጥሚ ሒዙለይ መጺኡ፡ ኣነ ድማ ነታ ግጥሚ እናኣንበብኩ ብፍቕሪ ናተይ ተራ እንታይ ክኸዉን ኣለዎ ኢለ፡ ብናተይ ስምዒት ማለት እዩ ኣብኡ እራቐቕ፡ ዝበለጸ ክገብሮ እፍትን።ደሓር ጽቡቕ ይመጽእ። ደሓር ሃይለ እዉን ተቐቢልዋ ደስ ኢላቶ፡ ኣብ ደገ እዉን ተቐባልነት ረኺባ። ከምኡ እናበለ እዩ ዝኸይድ፡ ኣሎካ ሙሽ።
ብዘይ ቃልዓለም ንዓብደላ ክትክኡ ዝኽእሉ፡ ተስፋ ተንብረሎም ኣወሃሃድቲ ሙዚቃ ኣልዉ ዶ? ምኽንያቱ ኩሎም ኪቦርድ ዝጻወቱ ዳርጋ ናትካ ጽልዋ ከምዘለዎም፡ ናትካ ቅዲ እናሰምዑ ከም ዝመጹ እዮም ዝዛረቡ።
ኣለዉ፡ ኣለዉ፡ ኣለዉ፡ ኣለዉ ብጣዕሚ ኣለዉ፡ ናይ ካሎኦት ስራሕ ከነድንቕ ክንክእል ኣሎና። እዞም ሕጂ መጺኦም ዘለዉ ሙዚቀኛታት ብጣዕሚ፡ ብጣዕሚ ብጣዕሚ ንፉዓት እዩም። ንምንታይ ንዓብደላ ኣቡበከር ሰሚዖም ይቕጽሉ ኔሮም እንተ’ልካኒ፡ ምኽንያቱ ቅድመይ ኦርጋኒስታ ኣይነበረን። ኣነ ንባዕለይ እኮ ሓደ ኦርጋኒስታ ከይራኣኹ እየ መጺኤ ክሳብ ሱዕድያ። ዝሕብረኒ ኣይነበረን ኪቦርድ ገዚኤ እወቕዕ ኔረ። ናይ’ቶም ቅድመይ ዝነበሩ ደርፍቲ ናይ በዓል ተወልደ ረዳ፣ ተወልደ ኣብራሃ፣ ናይ ዑስማን ዓ/ርሒም፡ ኣልኣሚን ደርፍትት እናወቓዕኩ፡ ኣብ ዘርኣይ ደረስ ባንድ ከለኹ መሳርሕተይ ዝነበሩ በዓል ጋይታኖ ኣውረልዮን፡ካልኦትን ጽልዋ ኔሩኒ። ባርቡይ እዉን ኔሩ ኣብ ሙዚቃ ሃገርና ብዙሕ ዝገበረ፡ ኣነ ብዙሕ ኣየርከብኩሉን ዳርጋ ኣብ ምኻዱ ንዓዲ ጥልያን እዩ ኔሩ ሓደ መዓልቲ ክወቅዕ ሰሚዑኒ ግን “ብጣዕሚ ንፉዕ” ኢሉ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ። ዘይርሳዓኒ ክኸይድ ከሎ መፋነዊ ኔሩ ንዓይ ሶፕራኖ ሳክስ ገዲፉለይ። እዞም ናይ ሕጂ ኣነ ኦርጋን እጻወት ስለ ዝነበርኩስ ንዓይ ክሰምዑ ግድን እዩ፡ ምኽንያቱ ቅድሜና ኦርጋን ዝጻወቱ ኣይነበሩን። ከምኡ ኢልና ንሕና ኣብ’ዚ ዘለናዮ በጺሕና።
እዞም ናይ ሕጂ ሙዚቀኛታት ኣዝዮም ንፉዓት እዮም ምስቲ ግዜ፡ ምስቲ ቴክኖሎጂ እዉን ይኸዱ ኣለዉ። ከም በዓል ዋሊድ፡ እብ ዓዲእንግሊዝ ዘሎ፡ ኤፍረም፡ ፑፓ፡ ዓወት ጽቡቕ ተስፋ ዘለዎ፡ ሰላሕ መሊኦም ኣለዉ ንፉዓት ሙዚቀኛታት። ኣብ ጊታራ እዉን ከም በዓል ልዊጂ፡ ረዘነ፡ ሰላም፡ የማነ፡ ካሌብ፡ ሓጎስ ኣሎ ጽቡቕ በይዝ እዩ ዝጻወት ሓጎስ፡ ኢብራሂም ማሕሙድ፡ ነጋሽ መሓመድብርሃን ናይ ሳክስ እዉን ተስፋማርያም ኣሎ፡ ተኽለ ገብረመድህን፡ ጊደዎን ምስ ሰበይቱ ኣሮን ሳጢር ብዙሓት እዮም። ብሓፈሽኡ ሙዚቃሲ እናተማሓየሽ ይኸይድ ኣሎ። ግን “ናይ ቀደም ደርፍታት ይጥዕም” ተተባህለ ኣብ ሙሉእ ዓለም ናይ ቀደም ይጥዕም። ስለምንታይ ጥዑም? ቅድሚኡ ካልእ ስለ ዘይነበረ። ካልእ እዉን ነቲ ናይ ቀደም ደርፊ ትዝታ፡ ተዘክሮታት ስለ ዘሎካ ንዕኡ ተስተማቕር። ስለ’ዚ ሕጂ ጥዑም ሙዚቃ የሎን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ኩሉ ዓለም ግን እቲ ናይ ቀደም እዩ ጥዑም፡ እዩ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ እዉን ከምኡ።
እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ኢኻ ትሰምዕ።
ኣነ ብዙሕ ግዜ ናይ እንግሊዝ ደርፋታት እሰምዕ፡ ጃዝ እሰምዕ ብዙሕ፡ ምኽንያቱ ኢንስትሩመንት ስለ ዝፈቱ እዚ ናይ ጃዝ ሙዚቃ ደስ ይብለኒ። ካልእ ደርፍታት እዉን ይሰምዕ እየ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ናይ ሱዳን፡ ኣብ ዩ-ትዩብ ኣትየ እዉን ትግርኛ እሰምዕ ንፉዓት ሓደሽቲ ጓይላ ዝጻወቱ ኣለዉ ዘኸይፉኒ። ሓዋዊሰ ኩሉ እየ ዝሰምዕ። ግን ብዙሕ ዌስተርን ሙዩዚክ እሰምዕ ምኽንያቱ ንዓይ ንስምዒተይ ስለ ዘዕግበኒ፡ ተክኒካሊ እዉን ስለ ዝመሃረሉ። ምስ መጻሕፍቲ እናገናዘብኩ የጽንዓሉ ድማ።
ወዲእና ኣሎና ብጣዕሚ አመስግነካ።
ሲዲኻ ሰሚዔያ ኣለኹ ሃብቶም ብዙሕ ተስፋ ኣሎ ጽቡቕ ኣረንጅመንት፡ ክትዕወተላ እምነ ቀጽሎ ኣብ ጎንኻ ኣለኹ።
የቐንየለይ ዓብደላ።