ስጋኡ ዝጸሮ መንፈሱ ዘይጠውር….
ኣብ ዝባን ዓለሙ ተሓዚሉ ዝዘውር
ሙኻነይ ዘንጊዐ ኣብ ዑደት ዝነብር፡
ጽልምት እንክብለኒ ተቐይሩ ኣንፈት
ሽዓ ‘ይለ ፈሪደ ፡ ቀቢጸ ንእለት….
ዓሪባ እብለኪ ፡ የልብሰኪ ጥልመት።
ድኽመተይ ዘንቀሎ ሕመቐይ መዝሚዘን
ዕስል ድማ ‘ብላኒ ጸላም ተጎልቢበን ፡
እልቢ ከዋኽብቲ ፡ ወርሒ ብዓባያ
ጭልምልም እንክብላ ከቢበን ብዙርያ
መረስዒ ‘ተኾና ካብ ጭንቀት ግልግል
እናቐያየርኩ ምስኩለን ከዕልል….
ንሕነ ድዩ ውነ ‘ስ ክቖጽር እሓድር ።
ብዙሓት ክነሰን ግን እልፍን አእላፍን
የሕሊፈን ይባኒ ‘ሞ ንፍርህን ጸላምን
ትግርፍ አምስየልኪ ብቁርን ኣስሓይታን!
ኮይነን ድማ ‘ረኽበን ጥቓኺ ዘይቀርባ
ሽዑ ‘ገድፋ ንነብሰይ ንድቃስ እህባ ።
እዛ ኮብላሊት ዓለም ድማ ኣብ ዝባና ጸይራ
ናባኺ እንከተምጸኒ ኣንፈታ ቀይራ….
ፍሽኽታ ቀደምኪ ፡ ዓሲሉ ብዙርያ
ኣብታ ናይ ቀደምኪ ፡ ከምታ ነበርክያ
እንክትጸንሕኒ ከምኣ ፡ ኣንፈት ከይቀየርኪ
ፍጹም ከይነከየ ናይ ወትሩ ፍቕርኺ
ብርሃንኪ ረኽቦ’ሞ ፍሽኽታ ‘ዓስለኒ
ኣብ ሕቑፎ ሙቐትኪ ሓይሊ ስምዓኒ ፡
ድቃሰይ እንክሃድም ውነይ ተበራቢሩ
ብድምጺ ወጋሕታ ህርመት ኣመቂሩ…
ናይ ጣዕሳ መዝሙረይ ይዝየም ከም ወትሩ
”ኣይትሓዝለይ ጸሓይ ፡ጸሓይ ፍቕሪ በይነይ”
ኣጉዲልካ ምምላእ ኮይኑ ‘ፈጣጥራይ ! ” ።
ማይኮ~ተኽለ