ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 124ን መወዳእታን ክፋል
ፍረወይኒ ምስ ጆን ሎሚዶ ጽባሕ ንምርዖ ኣብ ዝብል ኵነታት’ያ ነይራ። ስለዚ ርክቦም ኣብ ደብዳቤ ዝተሓጽረ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ብርሱን ፍቕሩ እናተሓመሰት ንኣዋርሕ ምስ ጸንሐት ግን ነቦኣ ክትርኢ ንዓራርብ ክትከይድ ተፈቒዱላ። ከም ሓቂ፡ ካብ ትስለፍ ከም ሽዑ መዓልቲ ተሓጒሳ ኣይትፈልጥን። ንጆን ክትከይድን ክትምለስን ረኺባቶ። ካብኡ ክትፍለ ዓንዴል ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ምስኡ ብድምሩ ሽዱሽተ መዓልታት ጸኒሓ። ዝተፈላለዩላ ለይቲ ክትነብዕ ሓዲራ ጥራይ ዘይኮነ መሬት ምስ ወግሐ፡ ክሳዕ ዝመሲ ካብታ ጸባብ ሶቬት ከይወጽአት መዛረቢ ሰብ ክሳብ እትኸውን ብሃሩር ክትልብለብ ውዒላ።
ዓይኒ ከይሓዘ መኪና ክትጽበ ምስ ጆን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ናብ ምዕዳል ነዳዲ ድሕሪ ምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ወሰን ኮፍ ኢሎም ንርብዒ ሰዓት ብዛዕባ ፍቕራዊ ህይወቶም ከዕልሉ ጀመሩ። ዕላሎም ከይወድኡ ሓንቲ ንባጽዕ እትኸይድ ቶዮታ ነዳዲ ክትመልእ ደበኽ በለት። ብመኪና ዝመጽአ ዕድለኛ’ያ። ሽዑ ግን መኪና ረኺበ ኢላ ኣብ ክንዲ ትሕጐስ ልባ ኣብ ክልተ ተመቕለ። ንብዓታ ቍጽርጽር እናበላ ንጆን ደጋጊማ ምስ ሰዓመቶ፡ “ቻው ጆኒ! እትው ምስ በልኩ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ እየ፡” ኢላ ካብ ዓይና ክሳዕ ዝኽወል ኢዳ ብምውዝዋዝ ተፋነወቶ። ከም ቃላ ኣብ ሳልስቱ፡ “ብሰላም የራኽበና፡” ብዝብላ ቃላት ዝተደምደመት መራር ናይ ናፍቖት ደብዳበ ጽሒፋትሉ።
ትምኒት ፍረወይኒ ግን ተፈጻምነት ኣይረኸበን። ኣብ ባጽዕ ከም ኦፐረተር እናሰርሐት ከላ፡ ሸሞንተ ወርሒ ድሕሪ ሓርነት ባጽዕ ምዃኑ እዩ፡ ሓላፊኣ ዝሃባ መልእኽቲ ክተብጽሕ ካብ ዕዳጋ ናብ እንዳ ምልክት ምስ ከደት፡ ሃንደበት ክልተ ሚጋት ብርቱዕ ደብዳብ ከካይዳ ጀመራ። ብኡንብኡ ክልተ ብጾት ኣብቲ ዝፈረሰ ገዛ ተደብዮም ክስውኡ ከለዉ፡ ሓንቲ ሽዑ መልእኽቲ ተመሓላልፍ ዝነበረት ገዲም ኣባል ምልክት ከኣ ብዓቢ ጅላድ ሰለፋ ተሃሪማ። ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናይ ጸረ ነፈርቲ ተቓውሞ፡ ናይ ዝፈረሰ ገዛውቲ ዶሮና፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩር ተደማሚሩ ነቲ ቦታ ሓያል እሳተጎመራ ዝተፍኦ ኣምሰሎ። እተን ክልተ ሚጋት ካልእ ክውስኻ ቦምባታት ምዝናብ ቀጸላ። ፍረወይኒ ህይወት ናይታ ደም ዝኸዳ ዝነበረ ብጸይታ ክተድሕን ብረሃጽ እናተሓጽበት ተጓየየት። እታ ፍትወት ነፍሲ ዘየጥቅዓ ውግእቲ ከይትልከም ፈሪሓታ፡ “ደሓን’የ ፍሬታ፡ ነፍስኺ ጥራይ ኣውጽኢ!’ ክትብል ኣትሪራ ገንሓታ።
ፍረወይኒ ግን ንዘረባኣ ግምት ከይሃበት ነቲ ተጀሊዑ ዝነበረ ሰለፋ ብኣደሬኣ ጀኒና፡ ሓዚላታ ንገለ ዓሰርተ ሜትሮ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ጽላል ዘለዎ ልጉስ ቦታ ኣጸግዓታ። ብድሕሪኡ ነታ ምጥዓም ስኢኑዋ ጭጭ እናበለት ዝሓደገታ ሬድዮ ርክብ ክተምጽእ ንድሕሪት ተመልሰት። ኣብቲ ቦታ በጺሓ ነታ ሬድዮ ኣልዒላ ኣብ ዝባና ክትሕንገጣን መሬት ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ክስማዕን ሓደ ኮነ። ፍረወይኒ ዱብ ኢላ ኣብ መሬት ወደቐት። ዝኾነ ህራም ወይ ሽንጣፍ ኣይነበራን። ነተን ፍሩያት ኣዒንታ ቋሕ ኢለን ዝረኣዩ ብጾታ ብህይወታ ዘላ ስለ ዝመሰሎም ክልተ ሰለስተ ግዜ “ፍሬታ!” እናበሉ ነቕኒቖማ። ክትሰምዖም ግን ኣይከኣለትን። እታ ብሕንቃቐ ዓብያ ኣብ ሰውራ ዝተሳሕለት ፍረወይኒ፡ ኣብ ሰዊት ዕድመኣ ብስንክ’ቲ ኣብ ጥቓኣ ዝወደቐ ዓቢ ቦምባ ፋሺስቲ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ጸቕጢ ጋዝ፡ ኣሰር’ቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ኣሽሓት ጀጋኑ ስዒባ።
ሮዛ፡ ወላ’ኳ ንጓላ ኣብ ምቕባጽ ደረጃ በጺሓ እንተ ነበረት፡ ሰለሙን ብህይወት ምምላሱን ነቲ ብወረ ጥራይ’ምበር ብዓይኒ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣቦኣ ብምርካባን ዓቢ ደበስ ኮይኑዋ። ካብተን ምቕሊ ዝረኸባ ኣደታት ስለ ዝኾነት ድማ ንኣምላኻ ብዙሕ ኣየማረረትን። ርግጽ’ዩ ፍቕሪ ውላድ ሕሱም’ዩ ቀልጢፉ ኣይሃስስን’ዩ። ሓሙሽተ ደቀን ኣፋንየን ጥራየ ኢደን ዝተረፋ፡ እንኮ ወደን ሰዲደን ቍርይ ዝበላ ኣደታት ምስ ረኣየት ግን ምስጢር ናይቲ ‘ምቕሊ ኣይትኽላእ’ ዝብል ዘረባ ተረዲኡዋ ዕድለኛ ምዃና ተገንዚባ። ሽግር ይጽወር ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንባዕላ ተጸናኒዓ ንኻልኦት ኣደ ሓርበኛታት ተጸናንዕን ትበጽሕን ነይራ።
ካስትሮ ነቲ ምስጢር ክሳዕ ሕጂ ዓቂቡዎ ይርከብ። እታ ብጸበባን ጽምዋን ተጠቒዓ ብተስፋ ትጽበ ዝነበረት ሮዛ፡ ድሕር’ቲ ኹሉ ስቓይ፡ ወላዲኣን በዓልቤታን ረኺባ፡ ኣብ ቲራቮሎ ሮዛ መዓሾ ወይ ጓልሓረካ እናተባህለት ብሰላምን ቅሳነትን ትነብር ኣላ።
ተፈጸመ!