ኣብ ጸጋማይ ጁባይ ኔረን ክልተ ቕርሺ
ሃሰስ’የ ዝብለን ክወግሕ ክመሲ
ቁጽረን ኣይቅይራ ቃለን ኣይቅይራ
ከምኣ ኢለን ይጸንሓ ኣይበዝሓ ኣይጎድላ።
ቅንይ ኢለ መለሳ ፈጢረ
ጁባ ቀይረለን ቅያር እንተተፈጥረ፣
ለካ የማን ብሩኽ’ዩ ብሓቂ
ሰለስተ ኮይነናለይ. .
ሓንቲ ምልእቲ፡ ክልተ በብፍርቂ።
ሽዑስ መኒነ. ..
ነተን “ብዙሓት” ኣብ ታስኪን ቀርቂረ
ነታ ምልእቲ ኣብ’ዛ ኢደይ ሒዘ
ክተኹበላ፡ ነታ እትልምን ኣብ ጎደና
ሓጻውን ኣብ ቅድሚኣ ፡ጥሙይ ቈልዓ ኣብ ጎድና
“ኤህ. . . ንዓኻኸ?” ኢላትኒ፡ ድንጋጸ ኣሰንያ
ኣሕርቕ ኣቢላትንስ፡ ፍትው ኣቢለያ።
ንኢደይ ገዲፋ ጁባይ ኣንቢባቶ
ልቢ ዝልባ ኒሐይ ኣዕሪባቶ
ልቢ ዝልባ ልበይ ሰሊባቶ።
ሽዓ ንሽዓ ጉልባበይ ቀሊዐ
ሽዓ ንሽዓ ውሽጠይ ተረቲዐ
እነኹ ኣብ ጎድና፡ እነኹ ኣብ ጎደና
ፍቕሪ ዝዝርኦ፡ ሳንቲም ዝሕፈሶ
እነኹ ኣብ ገደና።
ካብ timeline Emanuel Berhe