ስነ ግጥሚ ሓደ ጨንፈር ስነጽሑፍ ኮይኑ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ነዊሕ ዓመታት ሰረት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። እዚ ማሰን መልቀስን ጨፈራን ካልእን ሰረት ዝገበረ ዓውዲ ስነግጥሚ እናማዕበለ ምስ ከደ ናብ ጽሑፍ’ዩ ተሰጊሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ስደት ዝርከቡ ገጠምቲ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምጥቃም ግጥምታቶም ናብ ኣነበብቲ ከቕርቦ ምዕዛብ ልሙድ ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። እዞም ገጠምቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝተፈለላየ ጉጅለታት ብምቛም ንሓድሕዶም ይነቓቐፉን ግጥምታቶም ይናበቡን። ኣብዚ ግዜ ኣብ ስነግጥሚ ካብ ዝነጥፋ ናይ ፈይስቡክ ጉጅለታት ሓንቲ ዛራ ገጠምቲ ትበሃል። እዛ ካብ ትምስረት 3ይ ዓመታ መሊኣ ዘላ ጉጅለ ኣብ ውሽጣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስታት 9000 ኣብ ግጥሚ ዝግደሱ ሰባት፡ ገጠምትን ኣፍቀርቲ ግጥምን ሓቚፋ ትርከብ። ነታ ጉጅለ ዓመታዊ ብህዝቢ ዝምረጹ 5 ኣካየድቲ ይኣልዩዋ። እቶም ኣድሚናት ወይ ኣካየድቲ፡ ውድድር ግጥም ይዕድሙ፡ ምስ ገጠምቲ ቃላ መሕትት ብምግባር ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ ብዝብል ካብ ህዝቢ ዝመጸ ሕቶታት የአንግዱ፡ ዝመጽእ ሓደስቲ ግጥምታት ይቕበሉን ገጠምቲ ንሓድሕዶም ክነቓቐፉ ድማ የተባብዑን ይሕግዙን። ሎሚ ዓመት 2016 እዞም ኣለይቲ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ውድድር ግጥሚ ብምውዳብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ገጠምቲ ግጥምታቶም ናብ ውድድር ከም ዝሰዱ ብምግባር ውድድር ኣካየዶም ኔሮም። ኣብዚ ዓመት ብድምር 39 ግጥምታት ክቐርብ እንከሎ እቲ ውድድር ብዓይነቱን ብዝሒ ግጥምን ካብ ዓሚ ኣዚዩ ዝሓሸ ኔሩ። ወደብቲ እቲ ውድድር ንሓደ ወርሒ ዝተላእከሎም ግጥምታት ኣኪቦም ናብታ ነቲ ውድድር ክትመሚ ዝተመረጸት ጉጅለ ኣስማት ተወዳደርቲ ብምእላይ ነቲ ግጥምታት ጥራሕ ኣረኪቦም። እቶም ሓደ ካብ ሱዳን፡ ሓደ ካብ ዱባይ ክልተ ድማ ካብ ኣሜሪካ ዝተመረጹ ደያኑ ነቲ ዝመጾም ግጥምታት በቲ ንምምዛኑ ዘውጽእዎ ቅጥዒ ተመርኩሶም ንሓደ ወርሒ ምሉእ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ብሰንበት 14 ለካቲት 2016 ውጽኢት እቲ ውድድር ናብ ኣከየድቲ ኣረኪቦም።
ሎሚ ዓመት ቁጽሪ ተወዳደርቲ ካብ 26 ናብ 39፣ ወይ ድማ ብ 50% ምውሳኹ ከም ሓደ ዓቢ ዕብየት ኣብ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ስነ-ጥበባዊ ብቕዓት ናይቲ ዝቐረበ ስራሕ ምስ እንመጽእ፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ዝፍንተት ድኣ ኣይኩን እምበር ብሓፈሻ ግን ካብ ናይ 2015 ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎ ቁጽሪ ግጥምታት ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ዓመት መጸ ዝደጋገም ጉድለታትን ድኻማትን’ውን ንሎሚ ዘበን ተደጋጊሙ ተራእዩ ኢዩ። ዘይንጹር ወይ ዝተዘራረገ ሓሳባት/ ተራ ወይ ስነ-ግጥማዊ ድርሰት ዘይንጸባረቖ ሓሳባት/ ከምኡ’ውን ምብትታኽ ዋሕዚ – ኣብ መብዛሕትአን ግጥምታት ተደጋጊሙ ብጉሉሕ ዝተራእየ መሰረታዊ ኣበራት ነይሩ።
ብኻልእ መልክዑ፣ ልዕሊ ርብዒ ናይተን ዝቐረባ ግጥምታት፡ ዛንታን ምከናን ዘለወን ተረኽቲ (narrative poems) ብምንባረን፡ እዚ ቅዲ’ዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝያዳ እናተዘውተረ ይኸይድ ምህልዉ ክእምት ይኽእል። እቲ ሓሳብ ኣብ ወረቐት ንምውራዱ ኣብ ዝነበረ ፈተነታትን ዝነበረ ፍሽለታትን ገዲፍካ፣ ተወዳደርቲ ንግጥምታቶም ብዝተኻእሎም መጠን ስነ-ጥበባዊ ሕብሪ ከልብስዎ’ኳ ጻዕሪ ከም ዘካየዱ ክረኣይ እንተተኻእለ፡ ሓፈሻዊ ንስነ-ግጥሚ ኣንጸባሪቑ – ሓድሕድ ተፋጢጡ (ተወዳዲሩ) ንመማይት ጉጅለ ክብድሃ ዝኽእል ግጥምታት ነይሩ ክብሃል ኣይክኣልን ።
ደያኑ፡ ንትሕዝቶ ግጥሚ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣትኲሮም ፈቲሾም፡
- ቴክኒካዊ መዳይ፤
ሀ. ቅዶትን ረምታን (rhyme & rhythm)፤ ውሁዳትን ናይ ባዕሎም ዋሕዚ ተኸቲሎም’ዶ?
ለ. ባእታታት ግጥሚ፤ ካብ ዝዀነ ስዲ ጽሑፍ ከፍልዩዋ ዝኽእሉ’ዶ ነይሮም?
ሐ. ምውዳእን ምስባርን መስመራት፤ እዚኦም ብዓይኒ ዝረኣዩ ምልክታት፡ ኣተኵሮ ኣንባቢ’ታ ግጥሚ ብምስሓብ ናብ ቀንዲ ኣገዳስነት እቲ ስራሕ ንኸድህብ ይገብሩ’ዶ? ቅዶት ኣብ ዘይብላ ግጥሚ፡ ምስባር መስመራት ኣገዳሲ ዝዀነ ነዊሕ ዕረፍቲ ንምፍጣር ድዮም ተዘውቲሮም?
መ. ስርዓተ-ነጥቢ፡ ግድፈት ፊደላትን ስዋሱን፤ እታ ግጥሚ: ኣገባባት ጽሕፈትን ስርዓተ-ነጥብን ተጠቒማ ኣንባቢ ንኽርድኣ ሓገዝ ትገብር’ዶ? ግድፈት ቃላት ንዋሕዚ ቋንቋ’ታ ግጥሚ ይዀልፍ’ዶ? ዝንቡዕ ኣሰራርዓ ቃላት ዝተሰንዐን ንጻረ ትርጕም ዘጥፍእን ድዩ?
- መበቈላውነት፤ ኣብ ፍሉይ ምሃዝነት፡ መረጻ ቃላት፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ (ዘይተሓላለኸን ንጹርን ኣበሃህላታት) ዝተኰረ ኰይኑ፡
ሀ. መረጻ ቃላት (ዲክቲሽን) – እታ ግጥሚ ዕላማኣ ንኽትሃርም ኣኽኢሎማ’ዶ? ምኑዋት ኣገላልጻታትን ህርመታትን (ለኻታት) ዝድለ ትርጕም ኣብ ምሕላፍ ድኻም ፈጢሮምላ’ዶ?
ለ. ከበድቲ ቃላትን ዘይምትሕልላኽን – ኣብ’ታ ግጥሚ ንዕምቈት ትርጕም ዘየበርክቱ ከበድቲ ቃላት ተዘውቲሮም’ዶ? ዘይተሓላለኸ ኣገላልጻታት’ታ ግጥሚ ዕምቈት ኣለዎም’ዶ?
ሐ. ቍጥብነት – ንዕምቈት ሓሳባት ዝምጥን ቍጡብ ኣገላልጻ’ዶ ተጠቒማ እታ ግጥሚ? ነዋሕቲ ኣገላልጻታት ንዕምቈት ሓሳብ’ታ ግጥሚ ይንክዩሉ’ዶ?
- ዕላማ፤
ሀ. ትሕዝቶ ኣብ ግብሪ ምውዓል – እታ ግጥሚ ክትነቅል እንከላ ንዝዓለመቶ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ’ዶ? ብዘይ ምትእትታው ገጣማይ ናብ መደምደምታ ትበጽሕ’ዶ?
ለ. ትሕዝቶን ስጥመትን (Coherence) – ኣብ’ታ ግጥሚ ቀሪቦም ዝርከቡ ሓሳባት ብሓባር ሓደ ምልኣት ይፈጥሩ’ዶ? ሓደ ‘ትርጕም’ እንተሎ ኣብ’ታ ግጥሚ: እቲ ትርጕም ብግብሪ ተፈጺሙ’ዶ?
- ዝምድና ምስ ሕብረተ-ሰብ፤
ሀ. ኣገዳስነት (Significance/Scope) – እታ ግጥሚ ተመኵሮ ደቂ-ሰብ ተንጸባርቕ እንተዀይና: ርድኢትና ኣብ ምስፋሕ ክሳብ ክንደይ ተዓዊታ?
ለ. ኣድማሳውነት (Universality) – ርእሰ-ነገር እታ ግጥሚ ንገጣሚኣ ጥራይ ድዩ ዋላ ንኹነታት ደቂ-ሰብ ብሓፈሻ ዝምልከት’ዩ? ናብ ካልእ ቋንቋ ምስ እትትርጐም: ትሕዝቶኣ ንኣንበብታ ክርድኦም ይኽእል’ዶ?
- ስራይ፤
ሀ. መንፈስን ተምሳሌትን (Mood and Imagery) – ንመልእኽቲ’ታ ግጥሚ ብምርዳእ: ኣብኣ ዝርከቡ ስምዒታት ክስምዑና ይኽእሉ’ዶ? ወይ ነቶም ዝቐረቡ ምስልታት ብኣእምሮና ክንቀርጾም ክኢልና’ዶ?
ለ. ኢርትዓውያን ባእታታት – መጐትን ክውንነታዊ ጭብጢን ዘይገልጾም ባእታታት’ታ ግጥሚ ተኣማኒ ኣቀራርባ ኣለዎም’ዶ? ።
ካብዘን 39 ግጥምታት ዘልዓለኦ ቴማታት ወይ ዛዕባታት ምስ እንርኢ፤ ፍቕርን ዝኽሪ ፍቕርን፣ ናፍቆት ዓድን ቊዘማን፣ ዝኽሪ ሂወትን ዕንክሊል ሂወትን፣ ትርጉም ኣልቦነት፡ ተስፋን ብድሆ ንሓድሽ ጉዕዞን … ወዘተን ተንኪፈን ነይረን ክብሃል ይከኣል።
እዘን ንውድድር ዝቐረባ ግጥምታት፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ግጥምታት ከነነጻጽሮ ኸለና ዝሓሻ ነይረ ክንብል’ኳ እንተኸኣልና፡ ምስቲ ግጥሚ ክመስሎ ወይ ክኾኖ ዘሎዎ ዓይነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ግን ድኻማት ተራእዩለን ጥራሕ ዘይኮነ ፡ ጥልቀት ወይ ዕምቈት ዝተራእየሉ ግጥምታት ነይሩ ክብሃል ኣየድፍርን ።
ሽሕ’ኳ ግጥሚ እዝን እትን (ከም ረምታ፡ ህርመት፡ ውስጠዘ ወዘተ) ከጠቓልል ኣሎዎ እንተ ተባህለ፡ መልእኽትኻ ብብቊዕ መገዲ ከተንጸባርቆ እንተዘይ ተኻኢሉ ትርጉም የብሉን። ዕምቈት መልእኽቲ እንተ ተረፈስ እቲ መልእኽቲ/ ሓሳብ ብብቊዕ ወይ ፍሉይ መገዲ ክሰጋገር ክኽእል ኣሎዎ።
# ገለ ካብቲ ጎሊሑ ዝተንጸባረቐ ድኽመታት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይክኣል ።
~ ኣብ ክንዲ ብስእላዊ መገዲ ክግለጽ ዝጸዓር፡ ብተራ ዘረባታትን ሓረጋትን ጌርካ ግጥምኻ ምህናጽ፣ ተራ ሓሳባት ብተራ ኣገላልጻ ወይ ኣበሃህላ፣
~ቊጡብነት ዘይምህላውን ናብ ቀንዲ ቊምነገር ዘይምትኳርን፣
~ሓድሽ ስእላዊ ኣገላልጻታት ዘይምምሃዝ፣
~ጽቡቕ ዛዕባ /ሓሳብ ተበጊሱ ክነሱ፡ ስምዒት ዘይፈጥርን ተምሳጥ ዘይገድፍን፣
~ገሊኦም ግጥሚ ኣብ ክንዲ ምልክትን ስእልን ውስጠዘን፡ ብእምብዛ ሓበሬታታትን ሌጣ መግለጺታትን ሓቊፎም ትረኽቦም። ብቕዓት ውክልና ዘንጸባረቓ ግጥምታት ዳርጋ ኣይነበራን፣
~ምስባር ኣካል፣
~መልእኽቱ፡ መደምደምቱኡ፡ ዕላምኡ ዘይፍለጥ ዘይንጹር ግጥሚ፣ ንጹር ምከና ዘይምህላው (ዘይንጹር ኣበሃህላታት)፣
~ኣብ ገለ ብዲያሎግ ዚቆማ ግጥምታት፡ ተራ ዲያሎግ ምስ ምዃኑ ፍልልይ ናይ voice ኣይትርእየሉን። ኣብ ገጸ-ባህሪኦም ፍልልይ ኣይተሃንጸን፣
~ሕድገት ፊደላትን ዘይእሩም ኣጠቓቕማ ስርዓተ-ነጥብን፣
~ክንዲ ብረቂቕ መገዲ መልእኽቲ ተመሓላልፍ፡ ናይ ማዕዳ ሰፈር ምግባር፣
~ፍሉይ ኲርናዕ ጠመተ፡ ዕምቈት ዘሎዎ ፍሉይነት ሓሳብን ረቂቕነትን ኣይተራእየን፣
~ከምኡ’ውን ጉዳይ ኣድማሳውነት ኣብ ግምት ዘይምእታው፣
ሽሕ’ኳ መማይት ኮሚተ ብዙሕ ግዜ ተራኺባ ብዛዕባ’ዘን ግጥምታት እንተ ተዛተየት፡ ካብ 39 ናብ 10 ንምውራዱ ግና ኣየሸገራን። እቲ ምኽንያት፡ ዝዓበየ ጸገም ኣብ መብዛሕትአን ግጥምታት ዝተራእየ እንተነይሩ – ምፍራስ መልእኽቲ እዩ። እታ ግጥሚ ዘልዓለቶ ሓሳብ፥ መዓልቦ ከይገበረት፡ ዘይብቊዕ መርትዖ (ኣእማንነት ዝጎደሎ)፡ ንጹር ሓሳብን ኣበሃህላታትን ከይሃበትን ከይተጠቐመትን ብኡ ኣቢላ ትውዳእ። ቀንድን ወሳንን ከኣ መልእኽትኻ ብጥበባዊ መገዲ ምትሕልላፍ’ዩ። ብኸምዝን ብውሑድ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረን ብምጥቃም ናብ 10 ክንጸምቆን ክኢልና።
ካብዘን 10 ግጥምታት፡ 3 ዕውታት ተሸለምቲ ንምምራጽ ዝተጠቐምናሉ ሸነኻት~
1- ሓይሊ ሓሳብ /መልእኽቲ — ናይ ምትሕልላፍ ብቅዓት፣ ስጥመት ሓሳባት፣ ኣእማንነት
2- ማሃዝነት /ረቂቕነት — ዓሚቚን ቊጡብን ገለጻ፣ ፍሉይ መረጻ ኲርናዕ፣ ምስ መልእኽቲ፡ ምከና፡ ቃና … ወዘተ ዝኸይድ መረጻ ቃላት፣
3- ሓይሊ ስምዒት — ዝፈጥሮ ውዕዉዕ ስምዒት፡ ዝገድፈልካ ተምሳጥ ወይ ጦብላሕታ
4- ቴክኒካዊ ብቅዓት — ረምታ፡ ህርመት፡ ቀመማት ግጥሚ (ውስጠዘ፡ ምንጽጻር)፡ ስዋስው (ሕድገት ፊደላትን ስርዓተ-ነጥብን)፡ ምስባር መስመር ወይ ነግሒ፡ ኣካል ዘይምስባርን ጉዳይ ኣድማሳውነትን።
በዚ መሰረት ካብተን ዓሰርተ ሕሩያት ግጥምታት እዘን ሰለስተ ቀዳሞት ዕውታት ተረቑሐን ኣለዋ።
1~ ማይ ማህጸን ብክብሮም ደሞዝ ጀርመን
2~ ዝኽሪ ፍቕሪ ብዮናስ ገብራይ ኣመናይ ጁባ ደቡብ ሱዳን
3~ ሕልመይ ዝወለዶ ሕልሚ ጸጋይ መሓሪ ተመርዖ ሽወደን
ዝተረፋ 7 ደረጃታት ዘይብለን ኮይነን ፡ እዘን ዝስዕባ ድማ’የን፡
– ተገንጺሉ መዝገብ ብወዲ ኣቢብ
– ዕላል ክልተ ኣብዑር በረኸት ሓድሽ
– ኣእምሮ’ዩ ኣድማስ ኣዛርያ መሓሪ
– ማህጸነይ ትሕተታ ይርጋኣለም ኣብራሃ
– መጨረሽታ ቅላዕ ሚኪኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
– ኣብ ትካዘ’ለና ብዓይኒ ይብራህ
– መሊእኺ ምጽእኒ ወጊሑ ዋሕሶም
ደያኑ =
– ግርማይ ዮሃንስ ካርቱም ሱዳን
ኢንጂነር ኣማን ተኸስተ ዱባይ
ኢንጂነር ዮሃንስ ኣብርሃም ካሊፎርኒያ ኣሜሪካ
– ማይኮ ተኽለ ፐንሲልቨንያ ኣሜሪካ
መማይት ጉጅለ ሳልሳይ ውድድር ግጥሚ ጉጅለ ዛራ ገጠምቲ 2016 ።
ማይ ማህጸን
ወይ ወዲ ጋል!
ኣንቲ ሚለን ሓላል
እንታይ ወሪድዎም ‘ዞም ስድራ
ወዲ ጋል እና’ሉ ከሊኦምኒ ቃድራ
ብዓይኖም ይምጅሩጡኒ ‘ዘን ኣሓይ ክወፍራ
ነዛ ምንባር ክኸልኡኒ ስፍራ!
ብሒም ‘ ኳ ካበይ ኣበይ ዘሎ ሓሞት
ኣየኦም እንደየ ሰብኣዮም ንሰብኡት
ግዳ እታ ጋል፡ጋሎም ዶ ኣይኮነትን?
ከም ኩሉ ኸ፡ ካብ ስሰብ ዶ ኣይኮንኩን
መዓስ ተወሊደ ካብቲ ጽርዶም ጋኒን።
ንሱስ እኳ ደሓን እደለ ምኾነ
ቀርቂሮምኒ ካብ መኖም ቀጢነ
ረጊሞምኒ መሊሰ ሰሲነ
ኣኽቢቦምኒ መዓስ ተኸልኪለ
ትኪ ኮይነ ‘ንደየ ብማእከሎም ጠኒነ
ገደደኒ ሕጂ ናትኪ ሚለን
ዳስ ተኺለ ንቡር ከየካውን
ከም ቀደሞም ወዲ ጋል እናበሉ
ንዓይ ንሓደ ኣሽሓት ክብድሉ
እሞ ድማ ንዓኺ ንሚለን
ኣሕሊፎም ክህቡኽስ ስቕ ኢለ’ባ ኣይርእን።
ሕርቃን እንታይ ዘይገብር
ትማሊ እዝጊ ኣውጺኡኒ እምበር
ጎፍ ተባሂልና ምስ ‘ቦኺ ኣብ መንቀራቕር
“ከመዓልካ ኣያ” እንተልክዎ
ቅይዐ ጀሚሩ ደመይ ኣፍሊሕዎ።
ወስ ክብሎ ኢለ ኔረ ሻፍሽእፎይ ክርእያ
መሊሰያ ግና ንዓኺ ከይተሕምም ደም ኣቦኺ ክዕያ።
እሞ ሚለይ ኣካሎም ‘የ ናቶም
ወዲ’ታ ከማኺ ፈትዮም ዝሃብዋ ጋሎም
ብፍቕሪ ነቒጽና ክንስበር ከም ቀሸም
ብፍቕሪ ዓቢና ከይንጥሕስ ሕጎም
ንኻልእ ክህቡኺ ጭራስ ካብ ወሰኑ
ሰረት ናይ ፍቕርና ፈጺሙ ክዓኑ
እሞ ‘ኣ ንበርሀ! በርሀ ሓሽላኽ
በናፍራ ቖቛሕ ዝቕድሞ ጽሕጻሕ
ሚለን ሲ ናብዚ?
ማንታ ልሳኑ ሕንዚ
ከም ሰብኣይ ቀኒዑ ዘይጥምት
ከም መርዓት ምሉሶት መዋዕልቲ ደርሁት
ሚለን ነዚ!
ዘይ ሰባይ ዝደሃል ብልሕጺ
እትረፍ ብጎበዝ ብሰበይቲ ዝልዚ
ኣይከውን’ዩ ፈጺምካ ነዚ
ክብል ኢለስ
የግዳስ ፈሪሐልኪ ከኣ መርገም ከይትሰንቂ
ማህጸንኪ ከይሕንግድ ጽባሕ ከይንበኪ
ተመርዓዊ ጥራይ ከም ፈታዊ መሪቐ ክበኪ።
ቅድሚኡ ግን ሚለን
ምኽሪ ኣለኒ ንኽልቴና ዝኸውን።
“ዓሻ ተመሲልኪ ሐራይ በሊ
ቃሕ ከምዝብለኪ ‘ነ ኣይተዕልሊ
ይተዓለል ኣብ ዳስ ንቡርኪ ትኸሊ
ይፈተን፡ እቲ ዝመስሎም ዘሎ ናብ ቤት ሒማ
ሐራይ በሊ፡ ልብኺ ሓቲምኪ ኣብ ዘይርከብ ሳርማ።
ምስ ተዘየመልኪ መፋነዊ
ከምቲ ዘዳናፍቕ መቐንዘዊ
ኪድዮም[ 2] ዓዲ ጋና ኪድዮም
ፍሽኽ እናበልኪ ልቦም ተዓዘብዮም፡
ምስ ተደርፈ
ኩሉ ዘዘለዎ ምስ ነገፈ
ፍሽኽ ኣይትበሊ ደርግምዮ ካዕካዕ
ነቲ ክፈልየና ፈትሊ ሕሰም ዝትትዕ
ዘይከምተን ክፍለያ የዒንተን ዝዝቖቕ
ኣስምዕዮ ኣስተሓቃር ይደሃል ብሰሓቕ
ጥቐስለይ ዓይንኺ ልቡ ክብሎ ምሉቕ።
ኣብ ዳሶም ግን
ከዓ መጸት መጸት
ኣብዚ ቤት ሔማ ሰቲ ረገጸት
ሚለይ መጸት መጸት
ኣብዚ ደንበና ሰቲ ረገጸት፡
ምስ በሉልኪ ሰብ ዋጦት ከራሮ
ዳስ ምስ ‘ዳሮኖ ወናም በዓል ከበሮ
ኣይትንሓፍዮ ንብዓትኪ ይዘሮ
ምእባድኪ ይሕሰሞም ይምሰሉ ቀባሮ።
እቲ ምንታይ ኣነ ኣብኡ የለኹን
እንተስሓቕኪ ንዕኡ ከይመስሎ እቲ በሃም
ቅርጽ ይበል ኣብ ጋምኡ ይሕመም።
ምስ ደየብኩም ከኣ ኣብ ንእዲ
እንተፈተነ፡ ከምቲ ንቡር ፈተነ ናይ ወዲ
“መፍትሒ ስረ እንታይ ኢኻ ትዓዲ?”
ኢልኪ ኣዝዝዮ ጥዑም ጨና ቃዲ
ኣሸበሸብ ዘይረኽቦ ኣብቲ ዓዲ።
ክጥብረኪ እንተለ ጥፍኺ መሊኡ
“ኣይንሱን” በልዮ ስረኺ መፍትሒኡ
ወስ ‘ንተለ ከኣ ከም ገለ ክፍትን
ኣብልሕኪዮም ኪዲ ጽፋርኽን ኣስናንክን።
ምስ ሓሰሞ ግና ዓቕሉ ምስ ጸበቦ
ክኹለል እየ በሊ ከምቲ ናይ ዓደቦ
እተን ኣዲኡ ክኾላኺ እንተመጽኣ ሽዑ
ኣስምዕየን ዓቐኑ ልክዑ
መትርኦ ንብረትክን ምግፍሑ
ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክንዲ ምንታይ ንውሑ
እታ ናተይ ከኣ ኣብኣ ከላ ንሳ
ፍልልይና፡
‘ዛ ናተይ ዝኣተዋ እምበር
ናብ ዓለም ዝመጸ ዘይተመልሳ
‘ታ ናትክን በዚ ደላይየ ተመዊሳ
ደጋጊማ ሓያሎ ሓሪሳ
ኣበስርልና፡
ጨው ከም ዝተጻዕና ክልኽሰሳ
ዳምዳም ክብላ ነዓኺ ክመልሳ።
ሽዑ ንቡር ኣብ ዘይብሉ ንቡር እንተፈትና
“ወንጮ ካባይ!” በልየን ብንብረተን ከይሓማ።
ክትምለሲ ከለኺ ንገዛ ብኣድጊ
ገና ምስ ንቡርኪ ከም ዘፍረስኪ ሕጊ
ክደርፋልኪ ‘የን
“ክልተ ዕንጉለ ሳልሳዮም ዝብጦ
ኩሉ ውሒጣቶ
ሚለና ሽሉ
ንእዲ ‘ዲኣ ባዕሊጋትሉ”
እንተበላኺ፡
ካባኺ ሓሊፈን ናብ ኣዴኺ
“ጽርሃ በሰሮ
ኣበይ ኔርኪ እቲ ንእድኺ ጎበዝ ክሓኹሮ”
እንተ ደገማ ፡
እዝኒ ኣይትሃብየን
ወንጮ ተጎልቢኪ ጥራይ ሰሓቕየን።
ሽዑ ሚለይ!
ብድንግልኪ ምስ ሓየምክለይ
ሕኛ ዒላም ኣውቢአ
ኢደ እግርኺ ኣቕይሐ
ብዘይ ጋይላ ብዘይ ዓላሎ
ብዘይ ኩዳ ብዘይ ደባሎ
ክወስደኪ እየ ሰብ ዘይገበሮ
ስለ ንፈልጦ ኣብ ልብና ዘሎ።”
እምበር ሚለን
ብዘይ በኣኺ ዓለም
ማይ ከም ዘይብሉ ማህጸን
እቲ ህጻን ኣይውለድ
እታ ኣደ ኣይትድሕን።
ክብሮም ደሞዝ
1ይቲ ዕውትቲ ዝኾነት ግጥሚ ‘ማይ ማህጸን’
ሽልማት፡ $ 250.00
ዝኽሪ ፍቅሪ
ክገርመኪ …..
ኣብ መስትያት ናይ ዝኽሪ
ንሕሉፍ ምስልና
ናይ ፍቅሪ መነጸር ዘጉልሕ ዛንታና
ፊት ንፊት ገጢመ ሎሚ እንክሪኦ
ነቲ ሕማቅ ክብልሲ …..
ይፈርህ ነቲ ጽቡቅ ከይርስዖ
ግን ዘይኩሉ ዛንታ’ዩ
ሕማቑ ጽቡቑ
በደሉ ዓለቑ
የግዳስ ንቂምታ ከካውን
ድሕሪት ከይተመልሰ
ዚ’ንጹህ ሕልናይ
ክሳብ ዘይተጣዕሰ
ሕጂ ደሞ ንኣምላኽ ከቖጥዕ
ኩሉ ኣብ ከብደይ ገሬ
ቲ’ጽቡቅ እየ ዘውግዕ
በሊ’ባ ! መን’ዩ ዳኝኦም
ግዜን ኣጋጣምን
መን ‘ከ ኣራኸቦም
ንፍቅርን ኩናትን
ከመይ’ዩ ኔሩ ወዝቢ ድዩ ኣጋጢሙ
ወይስ ካልእ ኣሎ
ዘይልዓል ስሙ!
ትንፋስ ኣብ ዘይብሉ ዑንቂ ከሎ ምድሪ
ዕሸል ንእስነትና ከይሰነቐ ምኽሪ
ኣሳቅይ ኣቢሉ ዘጽረየና ሳዕሪ
ዕቡድ’ዶ ጥዑይ ትብልዮ ዝሓዘና ፍቅሪ
ወሪዱና እምበሪ ኣይቦትኡን ኔሩ
ዕዉር ክብልዎ ፍቅሪ ግን
እግሪ እግርና ወፊሩ
ዝግባሩ ጌሩ.
ዝመረረ ግዜ ዝመቀረ ህሞት
ፍቅሪ ተሓንጊጥና እናኸድና ናብ ሞት
ግዲ ኣምላኽ ፍቅሪ ክጭነቅ ሪኡኒ
ኣብቲ ጉዕዞ ኣብቲ ነዊሕ መስርዕ
ድሕሪት ተመሊስክስ ብሬን ኣብሪኽኒ
ጾረይ ግዳ መንኮበይ ምጸሮ
ኣፍኺስክለይ ግዳ እቲ ካልእ ጾር
ብዘይካኺ ንኻልእ ዘይነግሮ
ወሪዱና እምበር ኣይበትኡን ኔሩ
መን እሞ ይጽዓዶ ልቢ እንተፍቂሩ
ከይኣኽለና ኩነት ዝፈጠሮ ጭንቂ
ኣብ ፈታውን ጸላኢን ጌሩና መሳሓቂ
እብልዎ’ዶ ኣይነበሩን
ቆለ ኣለዎ ፍቅሪ
ጽምዋ’ዩ ዝፈቱ ብለይቲ ብቀትሪ
ዕላል ዝባሓቶ ኣሳፊሕካ ኣብ ሳዕሪ
ከመይ ድኣ’ዩ ናትና
ዝመጸ ናብ ድፋዕ ዝመጸ ናብ ወጥሪ?
ትዝክሪ ……!
……,…….ቲ’ኣነ ክኹሪ !
ቲ’ሃራሚ ክራር ቲ’ወዲገዛውትኺ
ሓበነይ ዝብለኪ
ኩናት ፋልዩና እምበር ተሓምኺ ኔርኪ
ዘይከምኡ እንከለኺ
ኣነ ኽኣ…….
ግብረእምነት ከሎ ፍቅሪ ዝሰረተ
እንካን ሃባን ዝብሉ ናይ ቃላት ሸመተ
ክብሉ ሰሚዐ ኢለስ ሕምስ ኢለ ሞይተ
ሽዑ ከምኡ ከምዘይኮነ ከተረድእኒ
ዝነባዕክዮ ንብዓት! ሕጂ ይርኣየኒ
ይዝክረኪ’ዶ……..?
በቲ ወገን ደቡብ ኣጻድፍ ተረተር
ተዋግእ ዊዕልና ማይ-ሽኮር ክንድረር
ታ’ዝርካባ ኩባያ እጃምኪ
ናባይ ሰዲድክያ ብመጋባይ ገርኪ
እፈልጦ እንድየ ለውሃትኪ ልግስኺ
ሓራስ ኣድጊ እንድኺ
ግን ግደፊ እናልኩኺ
ዓይነይ ጸጸቂጠ
ዝመጸኒ ፈሊጠ
ኣንካ ገበርክኒ ኣደዳ ሓሜታ
መሕለፍ ግዜ ናይ ሓለዋ ቀጽል
ኣብ ኣጋ ወጋሕታ
ተስሕቀኒ ክኣ’ባ እታ ናይ ሓደ መዓልቲ
ኣብታ እንዳዋርድያ እብታ በላሕ እምኒ
ከም መን ኣመኖ ቆቢዕኪ ሰቂልኪ
ነዛ ንኻሊኢት ንዓይ ንክትሪኢ እልክስ
ንድሕሪት መጺእኪ
ኣብኡ ተረኺብኪ ዛ’ዳርኪ ርኢኺ
ንስኺ ትሓርቂ ኣነ ይስሕቐኪ
ንስኺ ትነብዒ ኣነ እብደኪ
ሓይሊ-ጉራዕ ቀራናት ገዲፍክስ
ምሳይ ተባእስኪ
ብቐዳማይ ምስ ወዲ ጅምዕ
ምስኣዋጋዕናኪ
ዝክርኺ ገንፊሉስ
ንብዓት ጥራይ ኮንኪ
ሓቅኪ’ኮ ኢኺ…….
በቲ ሓደ እምነት ሕድሪ ከነጽንዕ
በቲ ካልእ ልብና ዘብቆሎ ፍቅሪ ከነጠጥዕ
ገምገም ጸድፊ ምንባር ናይ ፈተነ ስሕለት
ስቅ ኢልና እምበር …….
ካላእ ትዘክሮ ዘሕለፍናዮ ሂወት!
ግን ክኣ….
ኣብ ዝኽሪ ኣሎ ክብሪ !
ኣብ ዝኽሪ ኣሎ ፍቅሪ!
ንሑሉፍ እናጋማድሐ ሕልና ዘጽሪ
ገጣሚ፡ ዮናስ ገብራይ ሚነይ
2ይ ደረጃ ሒዛ ዝተዓወተት ግጥሚ።
ሽልማት፡ $ 200.00
ሕልመይ ዝወለዶ ሕልሚ
ሓደ ንግሆ ጸሓይ ኣብ ምብራቓ
ኣነ ኣብቲ ሚዳ
ሕልመይ ኣብቲ እምባ
ፊት ንፊት ተጥእማሚትና።
እቲ ቀስተ ደመናዊ ትርኢቱ
እቲ ኣብ ስቕታ ዝዝይሞ መዝምሩ
እቲ ሓደ እንከሎ ምብዝሑ
እቲ ኣብ ሓደ እንከሎ
ናብ ኣርባዕቲኡ ማእዝናት ኣማዕድዩ፣
ካብ እምነትን ተስፋን
ካብ ጥበብን ፍቕርን
ኣኽናፍ ፈጢሩ
ንኣድማስ ብሰፊሑ
ክዘሮ ምድላዩ፣
ግብሪ ዝደሊ ቃላት ዘይገልጽዎ ሓይሊ
ኣብ ውሽጠይ ተቃጺሉ ፋሕ ፋሕ ዝብል ወኒ
ኣላዓዒሉ ፣
ካብቲ ሜዳ ናብቲ እግሪ እምባ
ኣብጺሑኒ።
ትርኢቱ ዝፈጠሮ ወኒ
ሓይሊ እናሃበኒ
እቲ ረቂቕ ጥበባዊ ዓይኒ
ነቲ ዘይረአ’ናርኣየኒ
ነቲ ሓባጥጎባጥ እምባ ክሓኹሮ
ብህድኣት ተታሓሓዝኩዎ።
ኣብ’ቲ ለማጽ መርገጺ ዘይብሉ
እናሓርፈፍኩ
ኣብ’ቲ ጸቢብ መርፍእ ትሓልፈሉ
እናቐጠንኩ
ኣብቲ ጸልማት ዓይኒ ዘይርእየሉ
ውሽጠይ ኣብሪሀ ፍሽኽ እናበልኩ
ኣብቲ ጽሙእ ከውሒንጣብ ማይ ዘይብሉ
ርሃጸይ እናሰተኹ
እናወደቕኩ እናተንሳእኩ…..እናተንሳእኩ
ብኹሉሙላ ቀስቲ ህይወተይ
ወርዊረ ናብቲ ሕልመይ
መሰስ ምስ በልኩዎ ነቲ ጠላዕ እምባ
ተሰሓሒቕና ምስ ሕልመይ ብቀረባ።
ተፈሲሀ ሽዑ ብሓጎስ ሰኺረ
ካብ ውነይ ናብ ትሕቲ ውነይ ጥሒለ
ፍሽኽ ኢሉ ‘ናነብዐ ዝተቀርጸ
ሓወልቲ መሲለ።
ጽንሕ ኢለ…
ሕሽኩታ ሰሚዐ ።
ብኡ ብኡ እናዘለልኩ ኢራብ ዘይትዘሎ
ከምቲ ኣደ ንዕሸላ ትሓቑፎ
እተሐንቅቆ እተሳራስሮ፣
ነቲ ሕልመይ ነቲ ዝበሃግክዎ
ኡፍ ኢለ አስተንፋሰይ ህይወት ዝሃብኩዋ
ሓቖፍኩዋ ሰዓምኩዎ
ሕልሚ ልበይ በልኩዎ።
ኣብ’ቲ ህሞት’ቲ ሓደ ተዘካሪ
ክዝክር ነይሩኒ
ጽንብል ሓጎሰይ ኣመንጉየ
ኣብ ፍርቂ
ኣዒንተይ ሰም ኣቢለ ኣንቃዕሪረ ንላዕሊ
ናብ ጽርሀ ኣርያም ናብ ፈጣሪ።
ተመስገን ‘ናበልኩ ስለ ፍቕሩ
ስለ’ቲ ዝሃበኒ ረቂቕ ሓይለ – ጥበቡ
ካብቲ ዝሓቖፍኩዎ ሕልሚ ዝጸበቐ
ሓደ ጸሓይ መሰል ሕልሚ ‘ናብረቕረቐ
ከም ርግቢት ኣኽናፉ ዘርጊሑ
ሰዓበኒ በለኒ ኣብቲ ጠፈር ኮይኑ።
ሰሓበኒ ሽዑ መዝምሩ መሰጠኒ
ዓብሊልኒ ሽዑ ተምሳጥ ዓብለለኒ
ብረር መጸኒ
ናብኡ…
ናብቲ ዝጸወዓኒ
ናብቲ ሕልመይ ዝወለዶ
ሕልሚ!።
ገጣሚ፡ ጸጋይ መሓሪ(ተመርዖ)
3ይ ደረጃ ሒዛ ዝተዓወተት ግጥሚ።
ሽልማት፡ $150.00