ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 119 ክፋል
ፍረወይኒ ካብ ገዛ ምስ ተሸርበት መበል ሻሙናይ ወርሓ ካስትሮ ደሃይ ጓሉ ክሓትት ናብ ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት ዓንበርበብ ተበገሰ። ንእግረ መንገዱ ግን ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኮሚሽን ቍጠባ ክእለ እዩ ነይሩ መደቡ። ብባህሪኡ መገሻ ብዙሕ ዘይፈቱ’ኳ እንተ ነበረ ንሂምቦል ዘበግስ ጕዳይ ክረክብ ከሎ ግን ከበሮ ሓምሓሙ’ዩ ዝሃርም ነይሩ። ሂምቦል ሳላ ምእኩል ኣቀማምጣኣ ዳርጋ ንኹላተን ኣሃዱታት ቍጠባ ውድብ’ያ ትሓቍፍ። ዝበዝሕ ምንቅስቓስ መካይን ካብኣ ስለ ዝብገስ ድማ ብጦፍ ዝንቀሳቐሱ ተጋዳልቲ ኣብ ፍሉይ ጕዳይ ሂምቦል ይውዕሉን ይሓድሩን። እዞም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጺኦም ንዛራ፡ ዓራርብ ወይ ናቕፋ ዝቕጽሉ ተጋደልቲ ገለ መዋዕልቲ ዝኾኖም ዝፈልጡዎ ብጻይ ክረኽቡ ግድነት’ዩ። ዕድለኛታት እንተኾይኖም ድማ ኣብ ገለ ኣሃዱታት ናብ ዘለዉ ብጾቶም ብምኻድ ሓዊ ኣጕዶም ቅጫ ካብ ምስንካትን ዶሮና ክሰትዩ ካብ ምውዓልን ይድሕኑ። ንምሸቱ ድማ መኪና ክጽበዩ ምስ ካልኦት ብጾቶም ኣብ ምውፋር ይራኸቡ’ሞ ኣውቶቡስ ክሳዕ ትመጽኦም ወጃዕ ክብሉ የምስዩ።
ካስትሮ ዓይኒ ሕዝ ከብል ከሎ ካብ ዓራርብ ተበገሰ። ጋራጅን ምዕዳል ስንቅን ሓሊፉ፡ ቤትትምህርቲ ሰውራ ንጸጋም ገዲፉ እንዳ ንብረት ከይበጽሐ ሓንቲ ኣደ ቈልዓ ደው ኣበለቶ። ከምቲ ልሙድ መንቀሳቐሲ ወረቐታ ሓቲቱ ተማሊኡዋ መንገዱ ቀጸለ። መዕበያ ሕጻናት ክፍለ ሰራዊት ሰብዓ ንየማን ሓዲጉ ኣብ ጫፍ ክሳድ ሸንኮለት ተቐልቀለ። ጽርግያ ሸንኮለት ኣዶብሓ፡ ልዑል ክእለት መሃንድሳት ህዝባዊ ግንባር ዘመስከረ፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኵር ወተሃደራዊ ኵነታት ዝተሰርሐ መስመር ኮይኑ፡ እቲ መሬት ብሓደ ግዜ ሰብዓ ዲግሪ ዝጸድፍ ከውሒ ዝበዝሖ ብምዃኑ፡ ከምኡ ዝዓይነቱ ጽርግያ ክስርሖ ዘይሕለም ሸታሕትሖ እዩ። ክስራሕ ንዘይረኣዮ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ዘመናዊ መሳርሒታት፡ ብኣፍራዛን ባዴላን ጥራይ ኢዩ ተሰሪሑ ክትብሎ ከለኻ ክኣምነካ ኣዝዩ እዩ ዝሽገር።
ካስትሮ ንቝልቍለት ሸንኮለት ሸለውለው እናበለ ብምውራድ መዕበያ ሕጻናት ክፍለ ሰራዊት ዓሰርተ ሽዱሽተን ጐልጎል ኣዶብሓን ወዲኡ፡ ዒላባቡ ክሳብ ዝሓልፍ ዝኾነት መኪና ወይ ተማልኣኒ ዝብል ሰብ ኣየጓነፎን። ዓቐበት ሂምቦል ከይሓዘ ሓንቲ ከፋት ቶዮታ ጐማ ኣንፊሳ ኣብ ማእከል መንገዲ ተገቲራ ጸንሓቶ። ንመራሕ መኪና ደኒኑ ቸርክዮ ክፈትሕ ምስ ርኣዮ፡ ካብ መኪና ከይወረደ ርእሱ ብመስኮት ኣቐልቂሉ፡ “ኢሂ’ታ ብጻይ ጐማ’ለካ ድዩ? እንታይ ክሕግዘካ?” በሎ።
መራሕ መኪና ሕቘኡ ኣቕኒዑ፡ “ሕለፍ ጥራይ እንታይ ገበርካ፡ ጐማ’ሎ ክሪክ ኣሎ፡” ዝብል መልሲ ሃቦ።
“ናበይ ገጽካ ኢኻ፡ ተብጽሓካ ዲያ’ዛ ጐማ?”
“ንዛራ’የ፡ ግን ኣብዚ እንዳ ሕርሻ ከዕርያ’የ ደሓን።”
ካስትሮ፡ “ቻው በል፡ መንገዲ ሰላም።” ኢሉዎ መንገዱ ብምቕጻል ነታ ዝተማልኣ ኣደ ቈልዓ ኣብ መዕበያ ሕጻናት እንዳ ተሰዓን ሽዱሽተን ኣውሪዱ ላዕላይ ሂምቦል ኣተወ። ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ ኣብ እንዳ ቍጠባ ዝነበሮ ስራሕ ወዲኡ ምስ ጫረ ክሓድር ንታሕታይ ሂምቦል ተበገሰ። መኪና ኣተሲኡ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ብምሕዋስ ደደሕሪ’ተን ብዓራርብ እኽሊ ጽዒነን ዓጠጥ እናበላ መንገደን ዝቕጽላ ዝነበራ ኣደታት ዝብሃላ መርቸደሳት ሰዓበ። መንገዲ ዓጊተንኦ ዶሮና እናተዓብለኸ ደድሕሪአን ክኸይድ ጸኒሑ፡ ጋራጅ ሂምቦል ሓሊፍካ ኣብ ዘሎ ጐልጎል ምስ በጽሐ ሓዲጉወን ብናህሪ ተወንጨፈ። ብየማነ ጸጋም ዝነበረ ኣሃዱታት ኮሚሽን ህንጻን፡ ንግድን ሓሊፉ ምውፋር ከይበጽሐ ንጸጋም ተዐውዩ ብቐስታ ቀጸለ። መኪናኡ ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ደው ኣቢሉ ድማ ካብቲ ስንጭሮ ንየማን ናብ ዝነበረት ቤትጽሕፈት ጫረ ገጹ ኣምርሐ። ብማዕዶ መብራህቲ ጠፊኡ ምስ ረኣየ፡ “ደቂሱዶ ኾይኑ?” እናበለ ናብ ናይ ጫረ ሶቬት ቀጸለ።
ጫረ ሽዑ’ዩ ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ናብ ሶቬቱ ኣምሪሑ። ማዕጾ እናኸፈተ ከሎ ደርገፍ ሰሚዑ፡ “መኒኻ ብጻይ?” በሎ ለይቲ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ቦታ ዝጠፍኦ ጋሻ ከይከውን እናተጠራጠረ።
“መን ትደሊ?” ክብል መለሰሉ ካስትሮ።
ብድምጹ ኣለልዩዎ፡ “ካስትሮ ዲኻ? በየን በሪቕካ’ታ!” እናበለ ብደርገፍገፍ ንቝልቍል ብምውራድ ሓቚፉ ሰዓሞ።
“ከመይ ኣለኻ’ታ ጫረ?”
“ሓሪፍ ኣለና። ሕጂ ትመጽእ ኣለኻ?”
“ብእዋኑ’ባ መጺአ። ዝወዳዳእ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ ግን ኣብቲ እንዳ ቍጠባ ኣምስየ። ድሕሪኡ ገለ ናይ ቀደም ብጾት ረኺበ ምስኦም ከዕልል ደንጕየ።”
“ኣሕ! እንታይ ዝበለ ዕድል’ዩ ወደይ! ላዕላይ ሂምቦል ኣምሲኻስ መጺአ ኣለኹ’ኳ ኣይትብለንን፡ ሕማቕ ጌርካ።”
“ከመይ ከመይ ድዩ ኮይኑ ሎምስ? ምሕዳረይ ክመጽኣካ ስለ ዝመደብኩ ከሎ ገና ፕሮቶኮል ከብዝሓልካ ኣይደለኹን። እንታይ ሓድሽ ነገር ስለ ዘሎ ኢኻ ግን ክሳዕ ክንድዚ ተሽኵኸለይ ዘለኻ? እግረይ ከይኣተወ እዚ ዅሉ ታህዲድ እንታይ ይብሃል ደቀይ?” ኢሉ ሰሓቐ ካስትሮ።
ጫረ ማዕጾ ሶቬቱ እናኸፈተ፡ “ምስ ካምቦድያ ኣብ ዕረፍቲ’ንዲና ወሪሕና። ኣይትራኸቡ ኢሉኩም’ምበር ንጽባሕ ክትብገስ’ዩ ነይሩ መደባ። ደሓን ኣይትእተው በዚኣ መጽአት ከይበልናያ ሓንቲ ንምዕራብ ትኸይድ ቶዮታ ደበኽ ምስ በለት፡ “ቈልዓ ሒዘ ምስዘን ኣደታት ገፈፍ ክብል ኣይጥዕመንን’ዩ፡ ምስዛ ቶዮታ ክኸይድ ይሕሸኒ፡” ኢላ ተበቍጻ፡” ብምባል ነቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ገለጸሉ።
ካስትሮ በቲ ጕዳይ ኣዝዩ እናሓዘነ ስዒቡዎ ናብ ሶቬት ብምእታው፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ናይ እንዳ ሕርሻ ቶዮታ ድያ ነይራ?” ክብል ሓተቶ።
“ትኸውን’ያ። ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር እንተ ናይ ነፍሪ እንተ ናይ ጕልሓይ መድሃኒት ከብጽሕ’የ ይብል ነይሩ’ቲ መራሕ መኪና። ብኸመይ ፈሊጥካ ግን?”
ካስትሮ ኣብ ዝነበሮ ቀዘዝ በለ። “ሺት! ጸላም ነይሩ’ምበር ኣብ ስእሊ ስለ ዝረኣኹዋ መለለኹዋ ነይረ። ዓሚ ነቑርደት ክኸይድ ከለኹ ኣብ ዛራ ምስ በጻሕኩ ሰላም ክብላ ናብ ኣሃዱኣ ተኣልየ ነይረ። ዕድል ኣይገበርኩን ክተዕርፍ ትማሊ ናብ ሰብኣያ ከይዳ ኢሎምኒ ከይረኸብኩዋ መንገደይ ቀጺለ፡” ድሕሪ ምባል ሽዑ ምሸት ኣብ እግሪ ዓቐብ ሂምቦል ዘጋጠሞ ኵነታት ብሰፊሑ ሓበሮ።
ጫረ፡ “ኤእ! እንታይ ይግበር ኮይኑ ኣምላኽ ተራኸቡ ኣይበለኩምን፡” እናበለ ሻሂ ከፍልሕ በራድ ለቕሊቑ ዳፉር ወልዐ። “ቅድሚ ሻሂ ግን ተረፍ ድራርና ጥዕምቲ ጸብሒ’ላ ከውዕየልካ እየ። ገለ ኣይትብለካን’ያ። ኣብ እንዳ ኮሚሽን ብዘይካ ዓደስ ኣየናይ ዝጠቅም ድራር ረኺብካ ክትከውን ኢልካ፡” በሎ ዝባና ብጸሎሎ ዝጠቀረት ድስቲ እናሰኽተተ።
“ክላ! ኣብኡ ግዳ ብዙሕ ኮፍ ኣይበልኩን። ግን ትም ኢለ ምስ ገለ ብጾት ኣብቲ እንዳ ፋይናንስ ከይደልካስ፡ እንድዒ ጽቡቕ ኣይበላዕኩን።”
ጫረ ንደገ ወጺኡ፡ ሓንቲ ኣብ ገረብ ተንጠልጢላ ዝጸንሐት ብኽሻ ዝተጀነነት ጃሎን ሒዙ ብምምላስ፡ “እንካ በል፡ ሓንቲ ንዕረፍቲ ኢልና ናይ ዝጸመቝናያ ስዋ ኣሰርውሃ እያ። ገለ ኣይትብለካን’ያ፡” እናበለ ኩባያ ኣቐበሎ። “ኣብ ዛሕሊ ስለ ዘምሰየት ከትከት’ያ ትብል ዘላ፡” እናበለ ክቐድሓሉ ነታ ተፋሪቓ ዝነበረት ጃሎን ኣቕነና።
ካስትሮ ነታ ዝተቐድሓትሉ ኩባያ ምስ ረኣያ፡ “ኤእ! ጫረ ዓርከይ እዚኣስ ድሙ ድሙ ከይትኸውን ኬን በላ፡” ኢሉ ነታ ኩባያ ካብ መሬት ኣልዓላ።
“ኖርማል ስዋ’ዩ ኣንታ ካስትሮ፡ እንተ ዘይኣመንካ ኸኣ ጥዒምካ ትገድፎ፡” ብምባል ሓይሊ ሓዊሱ ክሰቲ ኣገደዶ። እታ ስዋ ካብ ክቱር ምሕታም ናብ ብጫ ዝዘንበለ ጽሩይ ሕብርን ኣፍንጫኻ ዝስርስር ጥዑም ሽታን’ዩ ነይሩዋ። ኣብ ብርጭቆ ተቐዲሓ እንተ ትነብር ብሕብራ ምስ ነቢት መጋገየት ነይራ።
ካስትሮ ጥዕም ኣቢሉ፡ “እዚኣ ደኣ ነብሲ’ንድያ! ጫረ መቸም ዒራ ኵሉ ኣብ ኢድካ ኮይኑልካ ዘይትገብሮ የብልካን። መዓስ መዓስ ተርክበሉ በጃኻ! ካብ ምንታይከ ሰሪሕካያ?” ክብል ተወከሶ።
ጫረ ነታ ድሮ ውዕያ ክትተክኽ ዝጀመረት ንእሽቶ ድስቲ እናዀሰ፡ “እዚኣ ብተምርን ሩዝን፡ ለቢቶን ሽኮርን’ያ ተሰሪሓ። ካብቲ ዝወሰደቶ ጥረ ነገር ግን ጣጣኣ’ዩ ዝኸፍኣካ። ንወርሒ መመላእታ ክትቅጠፍን ክትጻረን’ያ ሓግያ። ኮታ ካምቦድያ ከይመጽአት ከላ ዝተጸምቊት ቅድሚ ትማሊ መዕጸዊ ዕረፍቲ ጌርናያ። ክልተ ጀሪካን ጸሚቝ ከብቅዕ ሓንቲ ናይ ዕስራ ጀሪካን ጥራይ ጸርያትለይ። ከምዚ ዓይነት ስዋ ርእየ ኣይፈልጥን በይና እያ። ትሰቲ ትሸይን፡ ትሰቲ ትሸይን፡ እንተ ገደደ ኸኣ ትድቅስ። ኣይትጐድኣካን’ያ ቀስ ኢልካ ጥራይ ስተያ” በሎ።
“እሞ ጫረ ዓርከይ ሓደ መዓልቲ ክፍትና እታ ፎርሙላ ክትህበኒ ኢኻ’ምበር። ንእግረ መንገደይ ክሕብረካ ግን ገለ ኣብዚ እንዳ ኬሚስትሪ እንተ ወዝዑኻ ከም ፍሉይ ክእለት ኣመዝግባ ኢኻ።”
“ንዓይ ደኣ ምሓሸኒ። ክሰርሓሎም ዘይኮነ ግን መታን ትምህርቲ ክኸስብ። መንግስተይ ኣይግድሳን’ዩ እልፊ ኣብ ሩስያን ኣመሪካን ሰላሳ ክፍሊ ዝተማህሩ ብሓደ ኣኪባቶም ኣላ። ሓደ መዓልቲ ዓለም ዘይፈለጠቶ ነገር ከይምህዙ ኢኻ ትፈርሕ፡” ድሕሪ ምባል፡ ድስቲ ኣውሪዱ ሻሂ ክስኽትት ማይ ኣብ በራድ ገበረ። ካስትሮ ሻሂ ከም ዘይሰቲ ምስ ሓበሮ ግን እንጌራ ኣብ ምብላዕ ኣተዉ። ጫረ ክልተ ግዜ ዀሊሱ፡ “እሞ እንታይ ኣኽባር ትህበና?” በሎ።
“ባጽዕ ብወንበዴታት ብምትሓዛ፡ መስርሕ ሰላም ይኹን ንጥፈታት ረዲአት ተዓናቒፉ ኣሎ’ ዝብል ናይ ደርግ ቆሎ ጥጥቖ’ምበር ካልእ ዝረብሕ ዜና የሎን። ንሱ ኸኣ ብሴሚናር ከይተረፈ ስለ ዝተገሊጸ ምድጋም’ዩ ክኸውን።”
“ካስትሮ ኸኣ ጸውዕ እንተ በሉዎ በዓል በለስ ኢኻ’ባ! ኣነ ናይ መታሕት ኣኽባር ክትህበኒ’የ ዝጽበየካ ዘለኹ’ምበር ናይ በዓል ካርተርን ደርግን ውዲት ደኣ ቀደም ዝኣረገ ዜና ኮይኑ’ንድዩ፡” ኢሉ ቍሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ስማዕንዶ፡ ካርተር ኣብ ናይሮቢ ክዘርየና ክፍትን ከሎ ንኣመሪካ ወኪሉ ድዩ ፈጺሙዎ ብውልቁ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ? ኣብ ሴሚናር ክሓተላ እናበልኩ ህልም ኣቢለ ረሲዐያ። ከመይ ዝበለ ፈገር’ዩ በጃኻ? ዓራቓይ ተባሂሉስ ውዲት ክኣልም ይፍትን? ቍሩብ ኣይሓፍርን ድዩኸ?” ክብል ተወከሶ።
“ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ብውልቁ ዝብሃል ነገር የሎን። መራሒ ሃገር ከም ዝነበረ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ንሱ እዚ ዅሉ ላዕልን ታሕትን ክብል ከሎ ካብ ናይ ኣመሪካ ፖሊሲ ክንዲ ጭጫፍ ከም ዘይወጽእ ክትፈልጥ ኣለካ። ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ኣመሪካ ጥር ኢላ ብደረጃ መንግስቲ ናብቲ ጕዳይ ክትኣቱ ስለ ዝጸገማ ብድሕሪ መጋረጃ ክተካይዶ ዝፈተነት ጥበብ’ዩ።”
“ኣመሪካ’ኳ ናይ ቀደም ከይኣኽላ ጠሪሻ ካብ ርእስና ምውራድ’ያ ኣብያ ዘላ! ደሓን ግን ኣብ ትበጽሖ የብላን።”
“ክገርመካ ንባጽዕ ኣብ ዝወረድኩሉ እዋን ኣብ ሓደ እንዳ ጥምቀት ተዓዲምና ኬድናልካስ እተን ኣደታት፡ “ጂሚ ካርተሪ ዘሪኻና’ምበሪ ሃየ ላሎ!” እናበላ ክደርፋ ምስ ሰማዕኩወን ካርተር ተዋሪዱ ኢለ። ካብዚ ዝዓቢ ፖለቲካ’ኮ የሎን ጫረ። ኣደታት ኤርትራ እተን ዝዓበያ ኣጐሳጐስቲ ናይዚ ቃልሲ ምዃነን ካብዚ ብጭቡጥ ክትርዳእ ትኽእል።”
“ጽቡቕ ኣለኻ። ኣደታት ኤርትራ እታ ማህጸነን ጥራይ ኣይኮነትን ጀጋኑ ወሊዳ፡ ንባዕለን ሕጹባት መዓንጣ እየን። ኣነ ግን እዚ ናይ በዓል ካርተር ማርተር ዘይኮንኩ ኣኽባር ሰበይትኻ’የ ክፈልጥ ደልየ። ንባጽዕ ክትወርድ ወይ ክትምለስ ከለኻ ትእለየኒ’ሞ ኣዕልል ንሓድር መሲሉኒ ነይሩ። ጠባይ ቀዪርካ ኣብ ክልቲኡ እግርኻ ወረ ባህነ ከይንብለካ ግዲ ዄንካ ጠጥሒስካና ኬድካ።”
“ከምኡ ኣይኮነን ጫረ። ክኸይድን ክምለስን ተሳፈርቲ ነይሮምኒ’ምበር ክእለ ሓሲበ ነይረ። ምስ ሮዛ ከም ዝተራኸብና’ምበኣር ፈሊጥካ ኢኻ?” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ ናይ ኣቑርደት መገሻኡ ኣስፊሑ ኣዕለሎ። ድሮ ሳልሰይቲ ኩባያ ጸንፊፉ ስለ ዝነበረ ደስ ኢሉዎ’ዩ ዘዕልል ነይሩ። እቲ ስዋ ብሓቂ ሕንዚዝ’ዩ ነይሩ።
“ኣቕሲንካኒ ካስትሮ! ብኡነት እብለካ’ለኹ እዚ ዅሉ እዋን ክተምጽኣ ዘይምሕሳብካ እጠራጠር ነይረ። ምድፋርካ ስኢነ እየ’ምበር ምስ ገለ ብጾት ኢድን ጓንትን ዝኾንካ ጥራይ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ቀዳድ ግን ስኢነልካ፡” በሎ። ጫረ ናይ ብሓቁ ይዛረብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሰሓቕ ይሕውሰሉ ስለ ዝነበረ ንመልእኽቱ ቁምነገር ዘይኮነ ጭርቃን ኣምሰሎ።
“ኣየ ጫረ! ካልእ ምስጢር እንተ ረኸብካ ክትፍሕር ደሊኻ’ምበር ከምዚ ዓይነት ተግባር ምሳይ ከም ዘይሳነ ጠፊኡካ’ኮ ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና ቃልኪዳን ክቡር ምዃኑ ተረዳእ። ዓላ ኬፈክ ትስርሖን ትፍንጥሖን ነገር ኣይኮነነ። ብመትከል ትኣምነሉ እንተዄንካ ኸኣ ንሓንቲ ምሸት መታን ክድረር ብዅርናኡ ከም ዝሸጠ ኢሳው፡ ንግዚያዊ ደስታ ክትብል ኣብ ጨምለቕለቕ እንተ ኣቲኻ ክብርኻ ምንካይ ጥራይ እዩ ትርፉ’የ ዝብል።”
ዘረባ ካስትሮ ስለ ዘይተዋሕጠሉ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ እሞ ከም ገለ ናይ ወዲተባዕታይ ነገር ኮይኑ ድሕሪ ሰበይተይ ተባዕታዊ ስምዒተይ ምቍጽጻር ስኢነ ምስ ሓንቲ ጓልሰብ እንተ ተራኺበስ ምስ በዓልቲቤትካ ፍቕሪ የብልካን ወይ ኪዳን ኣፍሪስካ ማለት’ዩ ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ? ኣዝስ ዘረባ ኣይኮነን!”
“ግደፈናንዶ ጫረ! ቀዳማይ ነገር ጌጋ ዘይኮነ ገበንየ ዝብሎ ኣነ። ዝሙት ብገበን ከም ዘቕጽዕ ትፈልጥዶ? ስለዚ፡ ነቲ ገበን እናፈለጥካ ትፍጽሞ ስለ ዘለኻ፡ ከም ጥልመት’ዩ ዝቝጸር። ቃልኪዳን ከኣ ከም ስሙ ንወዲተባዕታይ ይኹን ጓልኣንስተይቲ ማዕረ’ዩ ዝብጽሖም። ስለዝኾነ፡ ነታ ጓልሄዋን ይኹን ንዓኻ ከምኡ ዓይነት ናይ ምዕንዳር መሰል ዘፍቅድ ኣይኮነን። ስምዒተይ ምቍጽጻር ስኢነ ዝብል ዘረባ ብወገነይ ምኽኑይ’ዩ ኣይብሎን’የ። ብኸምዚ ወዲ ኸምዚ’ዩ ኸኣ ሓዳር ዝብተንን ብወሰን ዝወለዱ ቈልዑ ዝበዝሑን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ምስ በዓልቲቤትካ ዘሎካ ፍቕሪ ፈሪሱ ማለተይ ኣይኮንኩን። ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ሕብረተሰብና ጽዩፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ሓዳር ሕርኽራኽ ይፈጥር፡ ፍትሕ ስለ ዘስዕብ ድማ መንሽሮ ሓዳር’ዩ።”
“መቸም ሓደሓደ ግዜ ካህን ክትከውን ኢኻ ትደሊ። እዚ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ፡ እቲ ነገር ቅጥዒ እንተ ስኢኑ፡ ማለት ክሳዕ ደረጃ ውሽምነት ወይ ውላድ እንተ በጺሑ፡ ናብ ካልእ ነገር ከምርሕ ስለ ዝኽእል ጽቡቕ ኣለኻ ቅሱን ሓዳር ክህልው ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ዓው ኢልካ ኣይትዛረበሉን ኢኻ’ምበር ሰብኣይ ክዘውር ንቡር’ዩ። ንበዓልቲቤቱ ዘድልያ ዘበለ እንተ ኣማሊኡላን ደቁ ብግቡእ ተኸናኺኑ የዕቢ እንተ’ልዩን ኣበይ’ዩ ዘሎ’ቲ ጸገም? ንሰበይቲ ገጽ ምሃብ ከኣ ብወገነይ ኣይድግፎን’የ። ካብ ኣቦታትና ዝልብም ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣነ ብግብሪ ፈቲነዮ ስለ ዝኾንኩ ኣብ ሓዳር ደሞክራሲ በሎ ማዕርነት ኣይሰርሕን’ዩ። ይትረፍ ኣባና፡ ኣብተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት ከይተረፈ ሰብኣይ ሰብኣይ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ። ካስትሮ ግን ነቲ ጕዳይ ማራ ኣከቢድካ ብምርኣይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሚዛን ትህቦ ዘለኻ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ምዃን ከኣ ሓቕኻ ኢኻ ስለ ዘይበጽሓካ ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ።”
ካስትሮ ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ብኻልእ መንገዲ’ኮ ወዲተባዕታይ ብባህሪኡ ዓመጸኛ ምዃኑ ኢኻ ትገልጸለይ ዘለኻ። ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ግን ምስ ኣሚንካ ፍቕሪ እንተ’ልዩካ ብኣካል ምሳኻ ትሃሉ ኣይትሃሉ፡ ሃልሃልታ ፍቕራ ኵሉ ግዜ ኣብ ልብኻ’ሎ። ስለዚ ወላ’ኳ ብኣካል ምሳኻ እንተ ዘይሃለወት ብመንፈስ ወትሩ ምሳኻ’ላ ማለት’ዩ። ቃልኪዳን ድማ ከም ግራት ፈረቓ ማዕረ’ዩ ዝብጽሓካ። ንኸይትጠልም ከኣ ምሒልካ ኢኻ። ሕጂ ሰበይትኻ ከም መሰል ወሲዳቶ፡ ንስኻ ካብ ዘርካ ኣነ’ውን ክዘውር’የ እንተ ትብለካ እንታይ ምገበርካ? ንኣብነት’የ ዝሓተካ ዘለኹ፡” ኢሉ ከዋጥሮ ፈተነ ካስትሮ።
“ማዕርነት’ዩ ኢለ ደኣ ሓቝፈያ ክሓድር ትጽበየኒ? እንታይ ኣምሲለ! ኣብዚ ንቕሓት ዝብሃል ነገር ኣይሰርሕን’ዩ፡ ሓንቲ ለይቲ’ኳ ኣየሕድራን! መጅኑን ኢኻ’መስለኒ። ነቲ ሕቶ ምሕታትካ ከማን ገሪሙኒ’ሎ።”
“በል ንሱ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ከሕጽረልካ ግን ንስኻ ካብ ዘርካ ንሳ’ውን ሄል ትበል ማለተይ ዘይኮነ፡ ነፍስወከፍኩም ኣብ ኪዳንኩም ጸኒዕኩም ክትነብሩ ከም ዘለኩም’የ ዝጸቅጥ ዘለኹ። እዚ ድማ ብመሰረት ዝኣተኻዮ ቃል፡ ምስ ማሕበራዊ ግቡእካ ምፍጻምን ናይ ሕልናኻ ግዙእ ምዃንን’ምበር ምስ ንቕሓት ዝተኣሳሰር ጕዳይ ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ጥልመት’ዩ።”
ጫረ ኢዱ ጸግ ኣቢሉ፡ “ግደፈና በጃኻ! ቀሺ መን ትብሃል ወደይ ንስኻ? እዚ ትብሎ ዘለኻ ክግበር እንተኾይኑ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ትምርዕው ኣቢሎም ክቘርቡ ኣለዎም ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ምስ ህሉው ኵነታት ሕብረተሰብና ዝኸይድ ኣይኮነን። ከም ዝርእየካ ዘለኹ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝብሎ ሓንቲ ቃል ክንወጽእ የብልናን በሃላይ ኢኻ። ኣበይ ከም ዘለኻ’ባ ፍለጥ፡” ክብል ኣትሪሩ ተቓወሞ።
“ካብ ነጥቢ ኣይትውጻእ ጫረ። ናይ ቍርባን ጅኒ ዕፍሪት እንታይ ኣምጽኦ? እንተ ቘረቡኸ ነውሪ ድዩ? እቲ ዘዛርበኒ ዘሎ ግን ስምዒትካ ክትቈጻጸር ክትክእል ኣለካ ዝብል ነጥቢ’ዩ። እቲ ሕቶ ኸኣ ነዚ ከም ሕልናን ኣተሓሳስባን ትኣምነሉ ዲኻ ኣይትኣምነሉን? ዝብል’ዩ።”
“ከም ክልሰሓሳብ ክኣምነሉ እኽእል’የ፡ ኣብ ግብሪ ክትርጐም ይኽእል ድዩ? ዝብል ሕቶ ከም ዝስዕብ ግን ክትርዳእ ኣለካ፡” ድሕሪ ምባል፡ ብኢዱ ናብ ካስትሮ እናመልከተ፡ “ቢላሂ ንስኻ ሕጂ እዚ ዅሉ ዓመታት ኣብ ደጀን ክትነብር ከለኻ ከም ሰብኣይ መጠን ንዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ተንኪፈ ኣይፈልጥን ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ? ብዛዕባ’ዚ ኣዕሊልና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ካብ ተላዕለ ግን ነጺህካ ግለጸለይ፡” ብምባል ሃንደበታዊ ሕቶ ደርበየሉ፡ ኣብ መዋጥር ዘእተዎ ኮይኑ እናተሰምዖ። ከም ሓቂ ጫረ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ’ባ ተረኪሰ ነይረ፡ ዝብል መልሲ ክሰምዕ ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበ ነይሩ።
ብርግጽ ከኣ ዘይተጸበዮ ሕቶ’ዩ ኣቕሪቡሉ። ካብታ ኣብ እግሩ ኣንቢሩዋ ዝነበረ ኩባያ ምዑግ ኣቢሉ፡ “እንታይ ይመስለካ ጫረ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። ብሰንክ’ቲ ስዋ ተበሪሁዎን ፈዅሱዎን ብዘይ ገለ ዕቃበ’ዩ ቃላቱ ከውሕዝ ኣምስዩ። ‘ምስ ገለ ብጾት ከምዚ ዓይነት ኣርእስቲ ተላዒሉ ክዝረብ ከሎ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣፈይ ሒዘ ትም ምባል’የ ዝመርጽ ነየረ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ እንተ ነገርካዮም ትጥቅወሎም ዘለኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዖም። እንተኾነ ካብቲ ጭቡጥ ሓሊፍካ ትዛረቦ ነገር ክህልው ኣይክእልን’ዩ። ብዝኾነ ግን ናብ ሕቶኻ ክምለስ፡ ይትረፍ ኣብ ሰውራ፡ ንሮዛ ካብ ዝምርዖ ኣብ ሕብረተሰብ’ውን ቀንጠብጠብ ኢለ ኣይፈልጥን። ክትኣምን ዘይክትኣምን ግን ናትካ ጕዳይ’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ሓንሳብ’ሞ ሽንቲ ማየይ ክኽዕው፡” ኢሉ ንደገ ወጽአ።
ጫረ ብወገኑ መብራህቲ ከይትጠፍኦም ተሰኪፉ ክርቢትን ፋኑስን ክቕርብ ተስአ። ካስትሮ ኣይደንጐየን፡ “ሔው! ክንደይ ቍሪ እዩ ዘሎ በጃኻ?” እናበለ ብምምላስ ኣብ ንእዲ ተጸጊዑ ኮፍ በለ።
“ናይ ሕብረተሰብ ጕዳይ’ኮ ዘዛርብ ኣይኮነን። ርዱእ እዩ’መስለኒ። ምኽንያቱ ኣብኡ ሰበይትኻ ኵሉ ግዜ ምሳኻ ስለ ዘላ ናይ ወሲብ ጸገም የብልካን። እዚ ዅሉ ኣብ ሱዳን ከለኻ ግን ከም ወዲተባዕታይ መጠን ዜርካ ከም ዘይትፈልጥ ክትምሕለለይ ኣይትኽእልን ኢኻ።”
ካስትሮ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ሓንቲ ፍጻሜ ስለ ዝዘከረ ንበይኑ ሰሓቐ። በል ናይ ሱዳን ካብ ኣልዓልካ ሓንቲ ሕካያ ኣላትኒ፡ ከይሓባእኩ ከም ዘላታ ከዕልለካ እየ፡” በሎ ብፍሱህ መንፈስ።
ጫረ ሕቶኡ ብእወታ ክምለሰሉ እናተራእዮ፡ “ኮይሶም ቀጽል ጥራይ፡” ኢሉ ማይ ዘይነጠቦ ዕላል ክሰምዕ ኮፍ መበሊኡ ኣመቻችአ።
“መራፊት ድሕሪ ምውዝዐይ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ንፖርትሱዳን ኣብ ዝኸድኩሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ቀትሪ ስርሐይ ከሳልጥ ውዒለ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ቴለቪዥን ክርኢ’የ ዝፈቱ ነይረ። ኣጋጣሚ ሓደ ምሸት ነብሰይ ተሓጺበ ቴለቪዥን ክሳዕ ትጅምር፡ ክሹኸይ ተዓጢቐ ኣብ ሰገነት ቤትጽሕፈት ንፋስ እናተቐበልኩ ከለኹ ሓደ ጽቡቕ ዝቐርበኒ ኣባል ቤትጽሕፈት ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ “ክዳንካ ግበር ካስትሮ ኣብዚ ከተማ ዘወር ኢልና ክንምለስ ኢና” ይብለኒ።
“ኣነ ድማ ሓጃ ባርዳ ንስተ ክብል’ዩ ዝኸውን ኢለ ክዳነይ ቀይረ ምስኡ ተበጊሰ። ክሳብ እንዳ ኣውቶቡስ ኣብ ሓንቲ ቶዮታ ፒክኣፕ ናይ ቤትጽሕፈት ተጻዒንና ጕዕዞና ቀጺልና። ነቲ ሪጋ ተሰሪዑ ዘሎ ብጣዋሉ ዝተሰርሐ ንኣሽቱ ክዮስክታት ናይ ሓጃ ባርዳ ሓሊፍና ኣብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ሕምብርቲ ትመስል ሎሪ ንድይበልካ። ክገርመካ ሱዳን ጥዑያት ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት የብሎምን። ኣብ ፈቐዶ ጋራጃት ላሜራ ወዲላሜራ ጠቓቒዖም ዝሰርሑወን ገርማዓት ዓይነት’የን ዘለዎኦም። ብዝኾነ ገልጠምጠም እናበልና ኣብ ሓደ ዴምራምላ ዝብሃል ደቦቕቦቓ ዝበዝሖ ከባቢ በጺሕና ንወርድ። ካብ ቀንዲ ጽርግያ ተኣሊና ቍሩብ ምስ ከድና ኣብ ሓደ ኤለትሪክ ዘይብሉ፡ ገዛ ታኒካ ዝመስል ብጣውላ ወዲጣውላ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ዝበዝሖ፡ ረጊጸዮ ዘይፈልጥ ከባቢ ንበጽሓልካ። ለካ ኣነ ኣይፈለጥኩን እቲ ቦታ እንዳ ፋይቶት’ዩ ነይሩ።
“ኣብ ሓንቲ ብፋኑስ ዝበርሀት ደኒንካ እትእቶ ገዛ ምስ ኣተና፡ ሓደ ኣብኡ ዝተቛጸሮም ካብ ስዑዲያ ዝመጽአ ሓፋሽ ውድባት ይጸንሓና’ሞ፡ ናይ ታኒካ ቢራ ወሪዱ ክንሰቲ ንጅምር። እቲ ሃሩርን ጨና ናይቲ ቦታን ተደማሚሩ ነብስኻ’ዩ ዘጽልኣካ። ህርፋን ቢራ ስለ ዝነበረኒ ግን ብዙሕ ግምት ኣይሃብኩዎን። ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ቢራ እናጨለጥና ምሰ’ዕለልና፡ ዋና ገዛ ትግራወይቲ እያ ነይራ ንደገ ትወጽእ’ሞ፡ ድሕሪ ገለ ካልኢታት ንሓንቲ ቀያሕ ሕጽር ዝበለት ልውየት ዝተኸድነት መሓዛኣ ኣፍሮ ለኪማ ትምለስ። እቲ ሓደ ብጻይ ብሕሽዅታ፡ “እዚኣ ከመይ? ትዓጅበካ ድያ?” ይበለኒ ከይሰምዓና ተሰኪፉ ብእንግሊዝኛ።
“እቲ ጕዳይ ክውሓጠለይ ኣይከኣለን። ንዓይ ከሕጕሱ ኢሎም ዝገበሩዎ ነገር ስለ ዝኾነ ግን ‘ደሓን ብኣይ ብዙሕ ኣይትሰከፉ’ ኢለዮም። ዝሓፈርኩ ግዲ መሲሉዎም፡ ‘ኩላትና ንገብሮ ነገር’ዩ፡ እንታይ ዘሕፍር ኣለካ? ትም ኢልካ ጥራይ ተኸየፍ፡’ ኢሎምኒ። ከመይ ኢሉ እዩ’ሞ ክወርደለይ። ክሕሰብ ዘይክእል ነገር ኮይኑኒ ኣይትሓዙለይ ብነብሰይ’የ ንዓይ ኣብ ግምት ኣይተእትዉኒ ኢለ ምስ ኣቕበጽኩዎም፡ “ኵነታተይ ክርድኦም ስለ ዘይከኣለ እቲ ብጻይ ንደገ ሒዙኒ ብምውጻእ፡ ‘ስምዓኒ ወዲ ተባዕታይ’ንዲኻ? ነዚ ወዲ ገባር’ዩ ኢልካ ሓፊርካዮ እንተዄንካ ገለ ምኽንያት ፈጢረ ከርሕቖ እኽእል’የ። ንዓኻ ኢልና ኢና’ምበር ንሕና ደኣ ኵሉ ግዜ ምሳና’ንድዩ ዘሎ፡’ ብምባል ከርግጸኒ ፈቲኑ። ፈጺመ ግን ኣቕቢጸዮ። ብንጽህና ክነግረካ ጫረ፡ ካብ ሰውራውነት ተበጊሰ ወይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ወረጃ ክመስል ኢለ ዝገበርኩዎ ዘይኮነ፡ ከምኡ ነገር ደስ ኣይብለንን ስለ ዝኾነ ጥራይ። ብዝኾነ እቲ ብጻይ ኵነታተይ ኣስደሚሙዎ፡ “ደሓን በል፡ ንስኻ ኣብዚ ተጸበየና ኣይንድ ንጒን ኢና፡’ ኢሉ ኣብ ሓንቲ ኵርናዕ ክጸንሖም ሓቢሩኒ ጕዳዩ ክፍጽም ናብታ ዝጸናሕናያ ገዛ ተመሊሱ። እቲ ዝጋበዘና ሓፋሽ ውድባት ኣብታ ገዛ ክተርፍ ከሎ፡ እቶም ክልተ ብጾት ድማ ካብታ ገዛ ብምውጻእ ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረ ደኒንካ ዝእቶ ክልተ መዓጹ ኣትዮም።
“መቸም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ግዕዙይ ቦታ ዘዘው ክትብል ናይ ብሓቂ መፈጠርካ ኢኻ ትጸልእ። ዘይሓሰብካዮ ነገር ኣይመርገም ኣይምርቓ ከም ዝብሃል ግን ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ገይሮምኒ። ናይ ጋሻ ነገር ኮይኑ ግን ናበይ ከብል። እተን ዝተጸበኹወን ዓሰርተ ደቓይቕ ዓመት ኮይነን ተሰሚዐናኒ። ብኡነት እብለካ ኣለኹ ኣብ ህይወተይ ከም ሽዑ ተበሳጭየ ኣይፈልጥን። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለኹ ክልተ ኣብ ፈረስ ዝተወጥሑን ኵርማጅ ዝሓዙን ወተሃደራት፡ ‘ተዓል ያዞል!’ ይብሉኒ። ሽዑ ድማ ዓረብኛ ኣይፈልጥን’የ፡ ‘ዋእ! ናይ ደሓን ድዮም?’ ኢለ ቅርብ እብሎም። ዘይተረዳእኩዎ ቃላት መጅሙዕ ምስ ፈነውለይ፡ ኣብዚ ዲኻ ጸኒሕካ? ዝበሉኒ መሲሉኒ፡ ኣይዋ ኢለ እምልሰሎም። ነንሕድሕዶም ገለ ዘይተረድኣኒ ቃላት ተዘራሪቦም፡ ‘ሕለፍ ቀቅድሜና’ ኢሎም በእዳዎም ኣመልኪቶምለይ። ዝገብሮ ነገር ስለ ዘይነበረኒ ከም ሓደ ሰራቒ ኣብ መንጎኦም ኣትየ ብጸልማት ቍሩብ መንገዲ ተጓዒዘ። ኣብቲ ብርሃን ዝነበሮ ጽርግያ ምስ በጻሕና ድማ ኣብ ሓንቲ ኣረጊት ላንድሮቨር ብላዕሊ ጽዒኖምኒ ጕዕዞኦም ናብ መደበር ፖሊስ ኣቕኒዖም።
“ከሕጽረልካ ኣብኡ ፈጺምና ብቛንቋ ምርድዳእ ስኢንና ዳርጋ ዕግርግር ኣትዩና። ድሕሪ ነዊሕ ሓደ ብእንግሊዝኛ ክረዳዳእ ዝኽእል ሓለቓ ሚእቲ መጺኡኒ። ‘ክትዝምው ዲኻ ጸኒሕካ እንተ በሉኻ ስለ ምንታይ እወ ኢልካዮም?’ ኢሉ ይሓተኒ። ኣነ ከምኡ ከም ዘይበልኩ ብሕርቃን መሊሰሉ። እቲ ዘምጽኣኒ ፖሊስ፡ ‘እሞ ስኺሩ’ሎ ማለት’ዩ፡ እምበር ንዓና ከምኡ ኢሉና ነይሩ’ዩ፡” ኢሉ ሰትየ ከም ዘለኹ መታን ከረድኦም ወረቐት ኣምጺኡ ከምዚ ናይ ድኳን ኣጣቓልላ ድሕሪ ምጥቕላል፡ ‘ኡፍ በል’ ይብለኒ። ብሕርቃን ተቓጺለ ‘ኡፍ!’ ምባል ምስ ኣበኹዎ መሊሱ ህውከት ይኣትወና።
እነ ድሒረ እየ ክፈልጥ ንሱ ግን፡ ‘ወላሂ ኣል ሓበሺ ዳ መጅኑን፡’ እናበለ ብዝምውና ክሲ ክምስርተለይ ወረቐት ክሓናጥጥ ጀሚሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለና ካብ ቤትጽሕፈት ሓደ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ከተፍ ኢሉ። ደሓን ይእተው ተጋዳላይ ምዃነይ፡ ቋንቋን ዓድን ከም ዘይፈልጥ ምስ ኣረድኦም ድማ ማዕለሽ፡ ማዕለሽ ኮይኑ ንቦታና ተመሊስና እብለካ፡” ብምባል ዛንታኡ ደምደመ።
መወዳእታኡ እንታይ ክኸውን’ዩ ኢሉ ብኣንክሮ ክሰምዖ ጸዝጸንሐ ጫረ፡ “ኦይ! ናትካስ ንበይኑ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ሽዑ ደኣ ሸሪዓ ነይሩ ድዩ ወደይ? ናይ ሱዳን ነገርኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ ኣነ! ቍሩብ ኣስትሕያ የብሎምን ድዩ? ተጋዳላይ ከለኻ’ኸ ስለምንታይ ክንድዚ የካላብቱኻ?” ክብል ሓተቶ።
“ሸሪዓ ኣይነበረን። ንሳቶም’ውን ብመስተ ኣይኮኑን ክኣስሩኒ ደልዮም። ኣብ ሱዳን ሽርሙጥና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ብወግዒ ፍቑድ ስለ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ጠጠው መጠው ክብል እንተ ጸኒሑዎም ሰረቕቲ ክንቈጻጸር ኢና ብዝብል ምስምስ ኣሳቢቦም ንዝኾነ ኣብኡ ዝጸንሐ ሰብ ይኣስሩዎ። ናይ ሱዳን ነገርዶ ጠፊኡካ። እቶም ንመብልዒ ጉቦ ኢሎም ክኣስሩኒ ዝፈተኑ ፖሊስ ንባዕሎም ኣብኡ ክሰትዩ ዘምስዩን ወሻሽማ ዘለዎኦምን እዮም’ኮ። እቲ ሕጊ ግን ንዓታቶም ከም ዘይምልከት’ዩ ዝርድኦም። ብዛዕባ ናይ ተጋዳላይ ገለ ትብሎ ዘለኻ ግን ኣይሰርሕን’ዩ። ኣብኡ ተጋዳላይ ምዃንካ ዝኾነ ምልክት የብልካን። ደሓር ከኣ ሱዳን ብዛዕባ ተጋዳላይ ዘለዎም መረዳእታ ከም ናትና ጌርካ ኣይትውሰዶ።”
“ካስትሮ ግን ክንደይ ትሰትር ኢኻ? በጋጣሚ እንተ ዘየዋጥረካስ እዚ ዅሉ ታሪኽ ኣይመዕለልካንን ኔርካ ማለት እዩ’ኮ። ኣነ ደኣ ዘይክእል። ኣይ ትም ኢለ’ንድየ ሃለውለው ዝብል። ኣብ ግንባር ዓዲሓውሻ ከለና ሳላ ዕሽነተይ ብቈልዑና ከለና ኣብ እንዳ ሓሰር ዝገበርናዮ ጸይቅታት ከይተረፈ’ንድየ አዕልለካ ከም ዝነበርኩ ትዝክርንዲኻ።”
ካስትሮ ሰዓቱ ርእዩ፡ “እዚ’ሞ ኣየናይ ቁምነገር ኮይኑ’ዩ ተገዲሰ ከዕልለካ ኣንታ ጫረ። ኣደቅሰና ጥራይ፡ ሳርማኻ እንተኾይና ኣንቂጽናያ ኢና፡” እናበለ ካብታ ኮፍ ኢሉዋ ዝነበረ መደብ ንድድ በለ። ከምዚ እናበሉ ከዕልሉ ጸኒሖም መደቀሲኦም ከይሓዙ መብራህቲ ጠፍአት።
ጫረ ነታ ዝወልዓ ፋኑስ ካብ ሳንዱቕ ኣልዒሉ ኣብ ርእሲ ንእዲ ምስ ኣቐመጣ፡ “ክገርመካ ከምዚ ዓይነት ዕላል ኬፍ ክህበኒ መዓት’ዩ። ምኽንያቱ ምስ ዝኾነ ሰብ ሰለ ዘይተዕልሎ ኵሉ ግዜ ኣይትረኽቦን ኢኻ። ካስትሮ ዓርከይ ግን ዕላልካ ተበሃጋይ ከሎ መስተ ከይሰተኻ ስለ ዘይተዕልል ስለ ተረካባይ ኣይኮነን። ሕጂ ግን ደኺምካ’ለኻ ንደቅስ፡” ኢሉ ንእዲ ኣነጻጸፈ።
ካስትሮ ኣብ ውሽጢ ኮቦርታ እናኣተወ፡ “ስዋ ኣስቲኻ ኣረሲዕካኒ ከይነገርኩኻ ጸኒሐ። ሓቆም እንተኾይንም፡ ቦታኡ ኣይሓዝኩዎን’ምበር ፍረወይኒ ጓለይ ኣብዚ እንዳ ስንቂ ኣላ ኢሎምኒ ኣለዉ፡” በሎ።
“መዓስ ዝመጽአት?” ዋዛ’ምበር ሓቂ ኣይመሰሎን።
“ባጽዕ ወሪደ ከለኹ ገለ ንንግደት ኣስተርእዮ ኢለን ዝመጽኣ ብርሑቕ ዝብጽሓና ኣንስቲ፡ ንሱዳን ከይዳ ዝብል ተባራሪ ወረ ኣስሚዐናኒ ነይረን። ካብ ባጽዕ ክመጽእ ከለኹ፡ ‘ኣበይ ኮን ትህሉ? ሱዳንዶ ኣትያ ትኸውን?’ እናበልኩ ብጎቦ ልበይ’የ ተመሊሰ። ቅድሚ ሰሙን ካብ ሓደ በዚ ግርማይካታት ዝነግድ ዘማይ፡ ‘ጓልካ ንሱዳን ገጻ ጠፊኣ ኣላ፡ ብወገነይ ኣብ ከሰላ ከጣይቕ’የ ንስኻ ድማ ኣብ መደበር ታዕሊም ከይትህሉ ኣመታ ግበር’ ክብል ደብዳበ ምስ ጸሓፈለይ ግን ቀሲነ። ይገርመካ እዩ እታ ደብዳበ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ’ያ ተጻሒፋ። እቲ መራሕ መኪና ግን ካብ ግርማይካ ንሂምቦል እናመጽአ ከሎ ኣብ ዛራ ምስ በጽሐ፡ ከም ብሓድሽ ንምዕራብ ተመለስ ተባሂሉ። ኣብኡ ነዋርሕ ስለ ዝሰርሐ ድማ ኣብ ክሪስከቶ መኪናኡ ረሲዑዋ ንባጽዕን ነፍዓበትን ይመላለስ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ መኪና ኣባላሽዩ ናብ ጋራጅ ሂምቦል ምስ መጽአ፡ ነታ ደብዳበ ረኺቡ ቅድሚ ሳልስቲ ምስ ሓደ ኣባልና ንቦታና ሰዲዱለይ።”
“ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር ኣብ ቦታናስ የላን።”
“ትጋገ ኣለኻ። ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብል? ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት ባዕሎም’ንድ’ዮም ኣብ ኮሚሽን ስንቂ ኣላ ኢሎም ሓቢሮምኒ።”
“እሞ ኮሚሽን ስንቂ ክብሃል ከሎ ሂምቦል ማለት ጥራይ’ኮ ኣይኮነን። ኣብዚ ማእከላይ ቦታና መቸም ፍረወይኒ ትብሃል ሰብ ከም ዘየላ ርግጸና እየ። ምናልባሽ ግን ኣብዘን መደበራት ስንቂ ክትህሉ ትኸእል ትኸውን። መን ይፍለጥ ከኣ ብሳጓ ትጽዋዕ እንተኾይና።”
“ብዝኾነ ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት ከምኡ ምስ በሉኒ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣባና ንዝተወዝዓ ሓደስቲ ኦፐረተራት፡ ‘ፍረወይኒ ትብሃል ምሳኻትክን ነይራዶ?’ ኢለ ሓቲተየን። ንሳተን ከኣ ‘ኣብ ኮሚሽን ስንቂ ኣላ’ ኢለናኒ ነይረን። ካልእ ፍረወይኒ ደኣ እንተኾይና እንድዒ?”
“እሞ እዛ ትብላ ዘለኻ ምስዚ ሓላፊ ጨንፈርና ወዲ ትርፈ ንባጽዕ ወሪዳ ዘላ ጓልማማ ዝብሉዋ ጽብቕቲ ጓል ክትከውን ኣለዋ። ካብተን ሽዑ ዝተወዝዓና፡ ኩላተን ናብ መደበራት ክኸዳ ከለዋ ንሳ ጥራይ ኢያ ኣብዚ ማእከላይ ቦታ ተሪፋ። ክገርመካ ከመይ ዝበለት ሽኮሪና ቈልዓ እያ።”
“ንሳ ክትከውን ኣለዋ! ንባጽዕ ወሪዳ ኢልካያ?”
“ክገርመካ ካልኦት ጦፍ ክኸዳ ይደልያ፡ ንሳ ግን ኣብዚ ኢምዳድ ሓደ መማጽእታ ዓርኪ ስለ ዝነበራ፡ ካብኡ መታን ከይትፍለ ዒሚም እናበለት’ያ ንባጽዕ ተበጊሳ ኢሎም ከዕልሉላ ሰሚዐ ነይረ።’
“እሞ ንሳ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ፍረወይኒ ጓለይ ገና ኣብቲ ዅሉ ኣይበጽሐትን። ንእሽቶ ቈልዓ እያ’ኮ።”
“እዚኣ ደኣ እንታይ ቈልዓ! ሓቂ ዘረባ ቀሪበ ኣይረኣኹዋን። ሓደ መዓልቲ ካብ ኣኼባ ውጽእ ምስ በልና ብማዕዶ ከም ዘስተብሃልኩላ ግን ሰገን ትመስል ወደል’ያ። ንሳ እንተኾይና ቈልዓ ኣይኮነትን። ክንደይ ዓመት ገይራ’ላ?”
“እስኪ ጽናሕ፡ ሕጂ ዓሰርተ ሸውዓተ ረጊጻ’ላ።”
“ካብኡ ንላዕሊ ደኣ እንታይ ደሊኻ? ቀርኒ ክተውጽእ ደሊኻያ?”
“እሞ እግራ ከይኣተወ ናብ ዝምድናን መርዓን?”
“ስማዕ’ስኪ ባዕልኻ ከም ዘዕለልካኒ ንበዓልቲቤትካ ጓል ዓሰርተ ሸውዓተ ከላ ተመርዕየያ ትብል ኔርካ። ሕጂ ኣብ ጓልካ ምስ በጻሕካ ስለምንታይ ከምኡ ክትብል ምድፋርካ ዝገርምዩ!”
“እሞ ኣእምሮኣ ገና ከይበሰለ! ብዛዕባ መርዓ ትፈልጦ ነገር ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ ጫረ። እቲ ግዜ ኸኣ ሎምን ቀደምን በበይኑ እዩ። ንሳ ግን ኣብዚ ኵሉ ትበጽሕ ኣይብላን’የ። ተጸሊላዶ ኮይና!”
“ኣታ ወዲ፡ እታ ቈልዓ ብሓቂ ንሳ እንተኾይና ግደፋ ድላያ ትግበር። ምኽንያቱ ካብ ኣስመራ ኣትሒዞም ዝጀመሩዎ ፍቕሪ ምዃኑ እዘን ኦፐረተራት ከዕልላ ሰሚዐየን ነይረ። ኣብ መንጎ ፍቑራት ክትኣቱ ኸኣ ጽቡቕ ኣይኮነን። ጽባሕ ንግሆ ሓደ ሽላ ምንጥል እንተ’በላ ኣብ ጣዕሳ ከይትኣቱ። ክንደይ ኣባላትና ምጽእ ምስ በለት ዝምድና ክገብሩላ ተቐዳዲሞም ነይሮም። ምስኣ ብዕድመ ዘይመጣጠኑ ዓበይቲ ከይተረፉ። ቈልዓ ግን ንኹላቶም ሸንዲሓ ወዲኣቶም። ጆን ምስ በለት ካልእ ዘረባ ኣይትፈልጥን’ያ፡ ከመይ ዝበለ ሰብ ድዩ እዚ ጆን? ኢሎም ከዕልሉላ ሰሚዐ ነይረ። ስለዚ ከምዚ ግዝያዊ ናይ በለጽ ዝምድና ኣይትሕሰቦ።”
“እንታይ ትብል ወደይ? ፍረወይንስ ድሮ ክንዲ ሰብ ኣኺላስ ኣብ መርዓን ገለን ኣትያ! ምዃን ግዜ ከይዱ’ንድዩ!”
“ንሳ እንተኾይና ከምዚ ዝብለካ እዩ’ቲ ነገር።”
“ጽቡቕ ኣለኻ። ንደረጃ ንቕሓት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝግበር ዝነበረ ዝምድና ቀደም ተሪፉ እዩ። የጸብቆ ጥራይ’ዩ ዝብሃል።” “ኦይ ናይ ሽዑ ደኣ ግደፎ’ባ! ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ግርም’ዩ ዝብለካ። ዝምድና ክትገብር እንተዄንካ ኣብ ክንዲ መልክዕ፡ ጠባይ ወይ ኣቃውማ ትርኢ ተቐዳዲምካ ‘መትከላዊት ድያ? ዝምድናኣ ምስ ሓፋሽ ከመይ’ዩ? ደረጃ ንቕሓታኸ ከመይ እዩ?’ ኢኻ ትብል።’
“ዘረባኻ ንሓደ ብጻይና ኣዘኪሩኒ። ቀቅድሚ ሻዱሻይ ወራር ንጀልሃንቲ እናኸድና ከለና ብዕላል ዕላል ጕዳይ ዝምድና ምስ ተላዕለ፡ “ንሓንቲ ጓል ንኽትምርዓዋ መልክዓን ጠባያንዶ ክቕድም ኣለዎ ደረጃ ንቕሓታ?” ክብል ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ ዘጋጠሞ ኵነታት ከይፈለጥኩ ደረጃ ንቕሓት ኣብ ፍቕሪ እንታይ ኣእተዎ? ክትዛመዳ እንተ ደሊኻ ንመልክዓን ጠባያን መዚንካ ኢኻ ትኣትዋ ኢለዮ። ወዲ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። “ሕጂ ንሓንቲ ዝምብልቲ ከመይ ኢለ እምርዖ? ኣነ ዝምርዓዋ ግድነት ሓንቲ ደሞክራስያዊት፡ ደረጃ ንቕሓታ ክብ ዝበለ ክትከውን’የ ዝደልያ፡” ኢሉ ድርቕ ኢሉ። ለካ ኣነ ዘይፈለጥኩ ምስ ሓንቲ ተዛሚዱ ከብቅዕ፡ እዚኣ ደኣ ኣብ ዝምባሌ ኣትያ ነይራ’ንድያ ምስ በሉዎ ዘንሳሓበ’ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ቀደም የዋህነትን ጕድለት ንቕሓትን ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ዘስሕቕ’ዩ።”
“ኩላትና ዝነበርናዮ መድረኽ እዩ’ኮ ካስትሮ። በዛ ነብሰይ ሕጂ ነዛ ቀዳመይቲ ሰበይተይ ኣብ ኣብ ውግእ ብዝነበራ ትብዓትን ቈራጽነትን’የ ቀሪበያ። ካልኦት ነይረን ኣብ ሕልመይ ክርኣያኒ ዝሓድራ ማርያም ዝመስላ። ሽዑ ግን ቀራናት ኢና ኔርና በጃኻ። ብፖለቲካ ስለ ዝተመረዝና ብፍቕሪ ዝመጽአ አዚና ጠማዓት ኢና ኔርና። ሕጂ ድማ በዓል ፍረወይኒ ጓልካ ኣብ ጽቡቕ እዋን ዝተፈጥራ ስለ ዝኾና፡ ድሮ ኣቦ ኴንካ ካብ ፍቕራዊ ህይወታ ክትዕንቅፋ ምፍታን ጌጋ እዩ።”
ዘረባ ጫረ፡ ንካስትሮ ነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት መለሶ። ኣቦኡ ንሮዛ ኣይትመርዖን ኢኻ ኢሎም ክዕንቅፉዎ ከም ዝፈተኑ ዘኪሩ ነቲ ጕዳይ ሸለል ክብሎ ብምውሳን፡ “ኣታ ትም ኢለ ክዛረብ ጸኒሐ’ምበር ቅድም ንሳን ዘይንሳን ነረጋግጽ፡ ብድሕሪኡ ንሓስበሉ፡” ኢሉ ኣምባሃቘ።
“ንሳ ምዃናን ዘይምዃናን ከይደኸምካ ጽባሕ ንግሆ ክነረጋግጾ ኢና። ብድሕሪኡ ዝመሰለካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።”
ብኡ ተሰማሚዖም ሩፍ ኢሎም ድሕሪ ምሕዳር፡ ጫረ ኣንጊሁ ኵነታት ፍረወይኒ ሓተተ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ ጓል ካስትሮ ምዃናን ምስ ሓላፊ ጨንፈር ስንቂ ባጽዕ ከም ዘላን ተረጋገጸ። ካስትሮ ንጓሉ ክረኽባ ብዘይ ምኽኣሉ እናሓዘነ ንእሽቶ ደብዳቤ ሓንጢጡ ንጫረ ድሕሪ ምሃብ ኣማስያኡ ንቦታኡ ተመልሰ።
ምዕራፍ 17
መበል 120 ክፋል ይቕጽል