ነቐፌታን ነቐፍትን
ተስፉ ሓጎስ
ብስም ጥበብ ብስም ፍቕሪ ጽባቐ፡ ዎ መንፈስ ሜላ – መንፈስ ቁም ነገር፡ ንዓ ኣናብረና ኣብ ልብና ስፈር! ኢለ’የ ዝጅምር ዘለኹ። ኣብ ሞንጎና ነዚ ከይበለ ኣብ መኣዲ ጥበብ ዝቕርብ እንተልዩ ከኣ ዘየጠራጥር መንፈስ እከይን ጸይቅን ሰሪሩዎ ኣሎ ማለት እዩ’ሞ ተኸታታሊ ክትባት ልቦናን ማይ ጥዕናን ኣዚዙ፡ ባዕሉ መልኣኽ ጥበብ ይምሓረልና። ኣሜን በሉ ኣሜን ንኹላትና። ሓርፋፍ መብረድ ደኣ ኣይረኸብኩን እምበር ዝጎደመ ብርዐይ እየ ክስሕል ኣምስየ ዘለኹ። ንምንታይ ዝብል ህዉኽ ሕቶ እንተልዩ ርጉእ መልሲ ይጽበዮ ኣሎ ርግእ ይበል። ሰዓቡኒ ጥራሕ ኣይሰእንን’ዩ ኩሉ ዝምተር ዝጥባሕ። እቲ ምርጫ ድማ ንኹላትና እዩ። ዝድርበ ክድርበ፡ ዝብላዕ ክብላዕ ድማ ሓቢርና ንርእዮ። መንዩ ጠባሒ መን ወይ እንታይ ከ ተጠባሒ ዝብል ውን ኣብኡ እዩ ክርአ። ‘መጥባሕቲ’ ዝብል ሰሚዑ ነታ ቃል ምስቲ መስርሕ ብምትእስሳር ኣብ ምብጋስ ዝብህርርን ዝብርግግን እንተልዩ፡ ክትተብዕ ኣለካ ኢሉ ዘገድድ ኣካል የለን። እቲ ኣጠባብሓ ሰላማውን ቃንዛ ኣልቦን ምዃኑ ግን ከበስር እፈቱ። ግዳ ጉዕዞና ካብ ከፍታ ናብ ለጠቕታ ብምዃኑ፡ መዕለቢናን ስራሕናን ውን ክጸብብዩ እሞ ዓቕሊ ዝውሕደኩምን ምቖት ዘይትጻወሩን ዘበልኩም ካብ ሕጂኹም ተዳለዉ። ድርዕቶ ወዲ ድርዕቶ ወጊድኩም መናፊት ሸውሃትኩምን ቆርበት መንፈስኩምን ፈታትሕዎ። ኣቃሊለ እየ ዝነግረኩም ዘለኹ ኣይተካብዱዎ። እንተ ኣካቢድኩሞ ግን ክኸብደኩም ምዃኑ እዩ። ኣነ ድማ ተሓታቲ ኣይክኸውንን ። ኣብዚ ጽሑፍ እገለን እገሊትን እናተባህሉ ዝጥቀሱ ኣካላት ዘይምሕቋፉ ኪኖ ድሩትነት ተሓንቢቡ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ስለዝተደልየ እዩ። ሰብ ብገዛእ ፍቓዱ ዘዝስመዖ እንተዘይሓኺኹ ድማ እዚ ጽሑፍ ባዕሉ ክሓኮ እዩ። ከመሓላልፎ ዝደለኹ ሓሳብ ድሮ ቆብ እንተዘየቢልኩምኒ ካብ ኣርእስተይ ዝወጽእ ኣይኮነን። ኣብ ዛዕባ ነቐፌታን ነቐፍትን እዩ እቲ ዑደት። ብቐዳምነት ኣብዚ እንተዓረድና ድማ ንጽሑፍን ጸሓፍትን ኣዝዩ ዘገድስ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይመስለንን። ንቐጽል ደኣ … እንታይ እሞ ብዛዕባ ነቐፍትን ነቐፈታን? ሕቶ ክለዓልን ክወርድን ባህርያዊ እዩ። መጀመርታ ነቐፈታን ነቐፍትን ክብል እንከለኹ ካብ ሓፈሻዊ እኳ ዝብገስ እንተኾነ ኣውራ ግን ንኤርትራዊ ነቐፈታ ምስ ነቐፍቱ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ኣብ መርበባት ኢንተርነት [ገጻት ፈይስቡክ] ዝውክል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ከነጽብቦ ተመራጺ ስለዝኾን ድኣ ‘ምበር እዞም ንቕጽና ይኹን ግርህና፡ ሕስድና ንበሎ ድንቁርና ሓሊኹ ዝጻወተሎም ዘሎ፡ ኣብ ጨናፍር መርበብ ሓበሬታታት ዘይእዱብ ስምዒቶም እናሸንበቡ ንዘዝረኣይዎ ርሰሓት ስጡሕ፡ ብጭቃ ምዕያን ኣብቲ ዝሓለፉዎ ክፍልን ድሕረ-መጋረጃን ሕሜታኦም ብምድህሳስ ብዙሕ ምተባህለ ። ድሓን ንሎምስ ኣብዚ ናይ ቀረባ ድኣ ነድህብ። ዙርያታት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ውልቃዊ ተሃኖም ጥራሕ ሕምብሊል ዝብሉ ኣዕለቕሊቑዎዩ ዘሎ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ‘ጸሓፍቲ የለዉን’ ዝብል እምነት ስለ ዘይብለይ፡ ‘ነቐፍቲ የለዉን’ ንማለት ኣይኮነን። ደረጀኦምን ዕምቆት ፍልጠቶምን ዋላ ይፈላለ፡ ሓላፍነቶም ክይዘንግዑ ኣወጻጽኣ ሓቆም ጥበብን ልቦናን ዘቐድሙ ከምዘለዉ መስክሩለይ ኣይብለኩምን። ንዓይ ኣጽሊኡኒ ዘሎ እቶም ሃነጽትን ደበስትን ዘይኮኑስ እቶም ጸፋራትን ባሕጨርትን ምብዛሖም እዩ። ዝበኣሰ ድማ ‘ስነ-ጥበብ ኤርትራ’፡ ‘ስነ ጽሑፍ ኤርትራ’፡ ስነ …. ገለመለ እናተባህለ ኣሐፊሽካ ምፍራድን ኣልሚምካ መግለጺ ምሃብን እዩ። “ብዕጹዉ ዘይኣምንዎ ብርሑዉ ይገድፍዎ” ይብሉ ቀዳሞት ክምስሉ፡ ኣብ ሓንቲ ኩርናዕ ዝሓዝዎ ኣማኒ ዘረኸበ ደኣ ኣብ ዙርያ ምሉእ እንተ ሃውተቱ መን እዩ ክስዕቦምን ክሰምዖምን? ኣበይ ምስ ተኣመኑ? እንታይ ክረክብ እዩኸ ክርድኦምን ከርተዓሎምን ዝህቅን? እሞ እዚ ኣብ ሓንቲ ተኾርሚኻ ንዘይበጻሕካዮን ዘይዳህሰስካዮን ብሃውራውን ግምታውን ኣሕፊሽካ ምጽላም ኮነ ምጽዕዳው ኣጠቓሊልካ ምሕማድ ኮነ ምብጫው ደኣ እንታይ እዩ ጣቛኡ? ንሳቶም ዝብልዎ እንድዒ እምበር እቲ ሓቂሲ ዋላሓንቲ እዩ መልሱ። ዘሰክፈካ ግን ኣካልካ ምዃኖም እዩ። ተቛሲሎም ከቋስሉ እናክትርእዮም የጉሁዩኻ። ናብ ዕብዳን ዘድሃበ ምኽንያታውን ዘይምኽንያታውን ኣውያቶም ዋጭዋጭትኦምን የተሓሳስበካ። ብወገነይ ከምዚ መዓር፡ ገዓትን ፍትፍትን ኣብ ሓደ ጻሕሊ ወይ ቁራዕ ሓዋዊስካ ብምቕራብን ጣዕሙ ድሕሪ ምስትምቓርን ዝስዕብ ፍርዲ መመሳሰልክዎ። ውጽኢት እቲ ምስጥምቓር በቢኣንፈቱ ዝኸይድ ቀራና ፍርዲ ክህልዎ ከኣ ይኽእል። ንሱ ድማ ነቲ ብግጉይ ርድኢት ባዕሉ ንዘይሳነ መግብታት ኣብ ሓደ ዘቋማጠዐ፣ ንበዓል ገዓትን ፍትፍትን ኣናሽዩን ተማዒቱን ባህላዊ መግብታት ኣይጥዑምን እዩ ኢሉ ክድምድም እንከሎ፡ ነቲ ተቋማጢዖም ዝጸንሕዎ ግን ነቀራርባን ኣስተማቕራን እቲ ተቕላሊ ዘይጥቕለል እዩ ዝመዓት። ኣስተውዕሉ፣ < ጠቕላሊ ዝብል ቃል ከም ቅጽል እዩ ኣትዩ ዘሎ። ከም ስም ውን እንተ ኣገልጊሉ ግን ምስቲ ኣብ ጽሑፍ ኣብራሃም ተስፋልኡል ዘሎ (እንተንቢብኩሞ) ጠቕለሎም ከየደናግረኩም።> ናብዚ ዒላ ነቐፈታን ነቐፍትን ካብ ጥርዚ ትዕዝብቲ እየ ቲፎ ኣትየ ዘለኹ። ኣብ ውሽጢ ዝጸናሕኩም ኩኑ ኣብ ገምገም ትዕዝብቲ፡ ናህረይ ዝፈጠሮ ንሁር ማይ እንተ ገጨበኩም ኣይትጽልእዎ። ኣብቲ ምሕንባስ ነቐፍትን ነቐፈታን ካብ ኩርዓተይ ስክፍታይ ከም ዝዛየደ ዝነግር እዩ። ነቐፍቲ ኣካል እቲ ክውንነት ክነሶም፡ እሞ ድማ ብዝተጋነነን ዘይሃናጽን ነቐፈታ እናፈንጀሩ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ጠንቅን ግዳይን ቃጸሎ ይኾኑ ከም ዘለዉ ንምሕባር እዩ። ኣቐዲሙ ብብርሃነ ገብረሂወት ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ዙርያ እዚ ዛዕባ ዝድህስስ ምዃኑ ዝዓበየ መልእኽቱን ዝበዝሐ ትሕዝቶኡን ኣንቢበ ደስ ኢሉኒ። ስምዒትካ ዘስመዓልካ ክትረክብ ከለኻ ክንደይ ባህ ይብለካ። ኣብቲ ጽሑፍ ዘይተቐበልክዎን ክሓልፎ ዘይደልን ዝገጠመኒ እንተ ኔሩ ግን “…. ንጽሕፈሉ እምበር ንነቕፈሉ እዋን ዝኣኸለ ዘይምዃኑ እዩ።” ዝብል ከም ኣነ ነቓፊ ይኹን ተነቃፊ ስራሕ፡ ፍጹም ኮይኑ ክሳብ ዘይተፈጥረ ማዕረ ማዕረ እናዓበየን እናማዕበለን ዝኸይድ ድኣ ‘ምበር፡ በበይኑ እዋን ዘለዎ ኣይመስለንን። ከምኡ እንተዘይኰይኑ ደኣ ከምቲ ‘ጸሓፍቲ እንተዘየልዮም ነቐፍቲ ውን የለዉን’ ዝተባህለ፡ ነቐፍቲ እንተ ዘየልዮም ከ ደኣ ጸሓፍቲ ከመይ ጌሮም ክህልዉ? (ከመይ ጌሮም ክህልዉ፡ ከመይ ጌሮም ክዓብዩን ክህነጹን ዘስምዕዩ) ንህላወን ዕብየትን ንጽፉፉነትን ቀጻልነትን እንተ ተደልዩኸ ሓቢሮም ክጎዓዙ ዶ ኣይኮነን ዘለዎም? ንምዃኑ እቲ ዘሎ ሃልዩ፡ ጸሓፍቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ክበጽሑ እንተ ተጸቢና፡ ነቐፍቲ ኸ ኣበይ ጸኒሖም በየናይ መሳልል እዮም ኣብቲ መድረኽ ክድይቡ? ዛዕባና ኣብ ነቐፍትን ነቐፌታን እዩ ዘሎ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ጸሓፊ ማለት ሃያሲ፡ ሃያሲ ማለት ድማ ጸሓፊ ክከውን ልሙድ ወይ ግድን ዘይምዃኑ እዩ። ኣድማዕነት ስለ ዘይብሉ ድማ ዘይምዃን ይምረጽ። ኣብ መንጎ ርእይቶን ህየሳን ዘሎ ፍልልይ ውን ብግቡእ ምንጻር ከድሊ እዩ። ርኢቶ፣ ውልቃዊ፡ ስምዒታዊ፡ ጭልፋውን ዘይወግዓውን ክኸውን ይኽእል። ህየሳ ግን ዛንጡን መዓንጡን፡ ልቢን ኩሊትን ብጥበብ ጠባቢሑ ብምጉርጓር ጭቡጥ ርትዓዊ ፍርዲ ምሃብ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ግን ነቐፌታ ከመይ እዩ? ነቓፊኸ ከመይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብልን እዩ። ነቐፈታ ወይ ነቓፊ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ከምዚ ክገብር ኣለዎ ተባሂሉ እኳ እንተ ዘይተሓጽረ ብመስርሕ ጉድለት ምርኣይን ኣበር ምእራይን ሓሊፉ ንምልኣት ክሳብ ዝዓለመ ግን እንተ ወሓደ ክብሪ ጸሓፍን ጽሑፍን ክሕሉ ይድለ። ጥበብ ንኹሉ ኸይዲ ከም ዘድሊ ኣየካትዕን። ኣብ ነቐፈታ ድማ ጥበብ ምስ ዝህሉ እዩ ዝጽብቕ። እንታይ ዓይነት ጥበብ ንዋናኡ ይምልከት። ብሓፈሻ ህየሳ ንምምሃርን ንምህናጽን ዝተበገሰ እንተዘይኮይኑ ከንቱ እዩ። ይዝከረኒ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ዜጋ ሓደ ጽሑፍ ንሕትመት ኣብቂዓስ ጸሓፊት ተባሂላ። ነቐፍቲ ድማ ሸሽንካሮም ሒዞም ከቢቦማ። ንጽሑፋ በቢኢዶም ሽንክርክር ከብልዎ ምስ ረኣየት ድማ እያ ጸሓፊት ኣይኮንኩን ካብ ምባል ሓሊፋ፡ ነዚኣ ዝጸሓፍኩላ ስሕተት መዓልቲ እንዳ ደጋገመት ድምጻን ድምጽማጻን ናብ ዘይስመዓሉ ሸጓሹግ ክትሽረብ ዝተራእየት። ክሳብ ሕጂ ውን ደሃያ የብለይን። ኣብቲ ዝተሓብኣትሉ ከውሊ ንቕሓት ትዕዝብታን ስምዒት ምጽሓፋን ሓኒቓ ትነብር እንተልያ ኣይፈልጥን። ካብ ከምኡ ይሰውረና። ዘቕረብኩዎ ኣብነት ነቐፈታ ናይ ነቐፍቲ ንኽልተ ነገር ምዃኑ ንምስማር ዘርኢ ሓቂ እዩ። ንህንጸት ወይ ንዕንወት። ንዕንወት ደኣ እንታይ ክዓብስ? ካብ ዕንወት ከ እንታይ ይርከብ? ደሓር ከኣ ዘዕኑስ ኣይሰኣንን። ኣይተሳእነን ከኣ። ዘይተማህረ ደንቆሮ ውን ብሃሰሰ ለባም ክገብሮ ዝኽእል እዩ። ብተደጋጋሚ እዩ ዝበሃል ሕጂ ውን ንደጋግሞ። ዘድሊ ዘሎ ንዘይቅርዑው ስራሕ ብቅርዑው ጠመተ ሓላፍነት ወሲዱ ዝሃንጽ እምበር ንዝረኣዮ ሓበላ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዘንቁርስ ምስኡ ይደፈን እዩ ዘሎ እቲ ሓሳብ። እዛ ከም ኣብነት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት ውን እኮ ብጥበብ ዝነቕፋ ስለ ዝሰኣነት እያ ጽሑፋን ምጽሓፋን ራሕሪሓ ንነብሳ ኣውጽእኒ ዝበለታ። ደሓን ትእቶ ወረ ኣብቲ ምንቛር ዘይወዓለት። ክንደይ እንድዮም ነቐፈታ ወይ ህየሳ ካብ እወታዊ ሓሳብ ስለዘይመጽኦም ናብ ሓድሕድ ምቁንጻብን ምጥቕቓዕን ኣትዮም ኣብ ሓደገኛ ክስተት ተሰኽቲቶም ዘለዉ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣዩ ከምቲ ኣብ “አእጃምና” ተገሊጹ ዘሎ “ …. ህየሳ ወይ ለበዋ መሲሉ ዝቐርብ ጸፋዕፋዕ ግን ዘራፍ በዚሕዎስ ብኣቀራርባኡ ኣሰልችዩኒ” ዝኾን ክውንነቱ። ሃስያኡ ድማ ንሓያሎ ጸሓፍቲ ብፍላይ ድማ እኹል ተመኩሮ ዘይብሎም፡ ንዝመጾም ነቐፈታ እናተጸየኑ ዋልታ ምክልኻልን ምኽዋልን ከም ዘማዕብሉ ይገብሮም እሞ ሕጽረት ዉሕሉል ጽሑፍ የኸትል። ጌጋ ወይ ጉድለት መፋጥርትናን ኣብ ኩላትና ዘሎን እዩ። “ዝንቀሳቐስ ይዕንቀፍ ዝሰርሕ ከኣ ይንቀፍ” ኣብ ዝብል ኣሚንና እንተ ንሰርሕ ከኣ ነቐፈታና ሸቶኡ ሃሪሙ ተሃያሲ ስራሕ ሕውየት ምረኸበ። ጸሓፍቲ ውን ብኡ ኣቢሎም ምተሳሕሉ እሞ ጎደሎኦም ምጸበበ። ስለዝኾነ ድማ እዮም ነቐፍቲ ፍርዶምን ትጽቢቶምን ካብ ክውንነት ከየግለሉ ብሕውነታውን ምሕዝነታውን እናቐረቡን እናቅረቡን ክጎዓዙ ዝሕተቱ ዘለዉ። ከምዚ ጥራሕ ድማ እዩ ንዕብየት ኩሉ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ መወዳእታ ዕላማ ነቐፈታን ነቐፍትን ንህንጸትን ዕብየትን ጽሑፍን ጸሓፍትን ምዃኑ እንተ ተሰማሚዕና፡ በዛ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ነቐፍትን ጸሓፍትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ነንሕድሕዶም ኣብ ስነ ምግባር ዘይብሉ ዝማጎቱን መናጨቱን እንተ ዀይኖም ተተሓሒዞም እዮም ዝድቅሱ።” ዝበላ ንግዜኡ ስሙ ዘይዘከርክዎ ኤርትራዊ ጋዘጠኛ ጠቒሰ ጽሑፈይ ክዓጹ።