ደራሲ፡ ኦ ሄንሪ
ተረርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ
ግዜ ተዛማዲ እዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ዝዝውተር፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ፍጻመ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተዘኪሩ ክትንተን ስለ ዝኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ኢዱ ንዝወደዮ ጓንቲ ኣውጺኡ እንከቕምጥ ሕሉፍ ታሪኹ ኽቕጀሎ ይኽእል እዩ።
ትሪስደለ ከምዚ ዓይነት ኵነት ኣጋጠሞ። ንሱ፡ ኣብታ ከም መጠን ነጨበረር ንበይኑ ዝነብረላ ቤቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ተኽሊ ዝበቘላ፡ ብቀይሕ ካይላ እተሰርሐት ዕትሮ ተገቲሩ፡ ሕሉፍ ፍጻመ እናዘከረ ኣስተንተነ።
እታ ተኽሊ ሓንቲ ካብ ዓሌታት ቈልቋል እያ። ንሳ፡ ከምቶም ዘስፋሕፍሕ መሓውር ዝውንኑ እንስሳታት ተጋሕቲና ከም ዘላ ረኣየ። ኣቝጽልታ’ውን እናተነነዉ፡ ‘ንዓ ናብዚ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ኽመስሉ ተንቀሳቐሱ።
ኣብኡ ዝተረኽበ ዓርኪ ትሪስደለን ሓዋ ነታ መርዓቱ ክትከውን ሓሲቡዋ ዝነበረት ጐርዞን፡ ንበይኑ ይሰቲ ብምህላዉ፡ ኣብ ኵርናዕ ጣውላ ዀይኑ ቅሬታኡ ኣስምዐ። ክልተ ኣዕሩኽ ክዳን ኣጋ ምሸቶም ለቢሶም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጁባኦም ዘለዋ መላጕም ከም ከዋኽብቲ ኣብለጨለጫ።
ትሪስደለ፡ ጓንቲኡ እናውጽአ፡ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ንዝተፈጸመ ሓደ ዘርዕድ ርእዮተ-ሕሉፍ ብሓንጐሉ ኣቢሉ ብፍጥነት ሓለፈ። ፈለማ፡ ኣፍንጫኡ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተነስኒሱ ንዝነበረ ምኡዝ ጨና ዕንባባታት ዘሸተታ ዀይኑ ተሰምዖ።
ኣእዛኑ’ውን ዜማ ኻህናትን ሓሸሽታ ቐሚሾምን ዝሰምዓ ዘለዋ መሰሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ድምጺ ሓደ ንዘረባኡ እናጐተት ዘቃልሕ ካህን ውትፍ በሎ። ኣብቲ ህሞትቲ ዝኸፍአ ስእሊ ኣብ ሓንጐሉ ተሳእለ። እቲ ስእሊ መርዓቱ ኽትከውን ዝሓሰባ ጐርዞ ብኻልእ ሰብኣይ እናተወስደት ከላ ኣርኣዮ።
ካብዚ ተስፋ ዘቝርጽ ስእለ ኣእምሮ ዘስረጸትሉ መኣዝን ተበጊሱ፡ ኵነታት እናገጣጠም ክግምግም ጀመረ። ፈለማ፡ ሓቂ’ዩ ዝበሎ ሓደ ኽስተት ህሩግ በሎ። ብመሰረት፡ እዚ ሃንደበት ዝተቐጀሎ ሓሳብ ንውሽጡ መርመረ።
ንውሽጡ መርሚሩ፡ ንስብእናኡ ኣቃልዓ። ብኡንብኡ ኸኣ ኣቃለላ። ባዶነት ተሰምዖ። ብዅሉ ምሉ ምስሉይነት ተጐልቢቡ ዝንቀሳቐስ እምበር ሓቀኛ መለለዪ ዘለዎ ፍጥረት ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ባእታታት ህይወቱ ዝዀና ትዕቢትን ጃህራን ቐንዲ ምኽኒት ውድቀቱ ምዃነን ገምገመ።
ንሳ እዚ ዅሉ ኣሉታዊ ባህሪ የባላን። ግን ስለ ምንታይ ነጺጋቶ፧ ካብ ምምርማር ዓዲ ኣይወዓለን። ካብቲ ምእመናን ጠጠው ዝብሉሉ ስፍራ ተበጊሶም ብመተሓላለፊ መረባ ኣቢሎም፡ ኣብቲ መንበረ ታቦት ዝርከበሉ በሪኽ ስፍራ እንክበጽሑ ንዝነበረ ቕዙን ኣጠማምታኣ ዘከሮ።
ሽዑኡ፡ ፈሳምን ጽምሉውን ገጽ ከም ዝረአየላ ተዘከሮ። ድሕሪኡ ንዝሰዓበ ምልውዋጥ እናገምገመ ድማ ትርጕም ሃቦ። ካብኡ ተበጊሱ ድማ ብዛዕባይ ትሓስብ ስለ ዘላ እያ ክትፍስምን፡ ክትጽምልውን ክኢላ ክብል ደምደመ።
ኣብ መወዳእታ፡ እናዘከራ ምእንቲ ኽነብር መደዓዓሲ ዝኸውን ብሩህ ገጽ ዝኸልአቶ ዀይኑ ተሰምዖ። ከምኡ ኽብል ዝኸኣለ፡ ንሳ ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ተረኺቡ ከም ዘሎ ርእያ ኽንሳ፡ ብቘላሕታ ርእይ ኣቢላ፡ ንጠመተኣ ካብኡ ስለ ዝኣለየቶ እዩ።
በዚ ተግባራ ብዙሕ ከይደንጐየት፡ ክትርስዖ ከም እትኽእል ገይሩ ወሰዶ። እዚ ናይ መወዳእታ ሓሳብ ነቲ ከም ደጋፊኡ ዀይኑ ዘንብሮ ሕሉፍ ነፍሰ ምትእምማኑ ሓማሸሾ። ገረሞ ግን። ስለ ምንታይ እያ ክትነጽጎ ወሲና። ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዝበሃል ኣይተኸስተን።
ከምቲ ዝፈለሞ፡ ካብ ምምርማር ዓዲ ኣይወዓለን። ንመበል ሓደ ሽሕ ግዜ ኽበሃል ብዝኽእል መገዲ ድማ፡ እዚ ማዕበል መጺኡ ኽሳዕ ዝገማጥሎም ንዝነበረ ርክቦም መሊሱ ፈተሾ። ብመሰረቱ፡ ከም ጣኦት ተኽብሮ ከም ዝነበረት ኣይረስዖን።
ንሱ፡ ትሕትናኣ ምስሉይ መሰረት ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ከምኡ እንክትገብር ከመይ ጽቡቕ ይስምዖ ነይሩ! ምቕሉልነት ዝመልኦ ኣተሓሕዛኣ ማሪኹዎ እዩ። ብኣቀራርባኣ’ውን ብዙሕ ተመሲጡ ነይሩ እዩ።
ንሳ፡ ከም ፈላጥ ክኢላን ጥበበኛን እናሓሰበት፡ ካብ ልባ ኣኽቢራቶ እያ። ንሱ ግን ልክዕ ከምቲ ማእለያ ዘይብሉ ዝናብ ረኺቡ ፍረ ዘይህብ ምድረ-በዳ፡ ነቲ ኵሉ ናእዳኣ ተተቐቢሉ ዘምከኖ ዀይኑ እዩ ቈጺሩዎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ትርስደለ፡ ነቲ ጓንቲኡ ብትሪ ጐቲቱ ካብ ኢዱ እናፈላለዮ ኸሎ፡ ፍትወተ-ነፍሱ ኸም ብሓዲሽ ብንጹር ተቐጀሎ። ብኡንብኡ ሓደ ምሸት ንዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ ምግምጋም ኣተወ። ፈለማ ንዘረባኣ ዘከሮ።
“ካፒታኖ ካሩዘርስ፡ እስፓኒኛ ልክዕ ከም ቋንቋ ኣደኻ ከም እትዛረበሉ ሓቢሩኒ። ስለ ምንታይ ደኣልካ ነዚ ኽእለትካ ሓቢእካለይ። ንምዃኑ ንስኻ ዘይትፈልጦ ነገር ኣሎ ድዩ፧” ኢላ ሓተተቶ።
ነዚ ነጥቢዚ እንከልዕል ካሩዘርስ ዳንደ ኽኸውን ኣለዎ ኽብል ሓሰበ። ብመሰረቱ፡ ካራቲዘርስ፡ ትሪዳለ ሓደ ኽልተ ዝተሓናፈጻ ቓላት ብምዝራቡ እስፓኒኛ ዝፈልጥ መሲሉዎ እዩ ተጋግዩ። ተጋግዩ ኸኣ ነታ ጐርዞ ኣጋግዩዋ።
ብዝዀነ፡ ሓቂ መሲሉዋ ኣድነቐቶ። ንሱ’ውን ነቲ ስምዕታኣ ብዘይ ዕሚምታ ተቐበሎ። እዚ ሓቂ ናይ ምኽዋል ተግባሩ፡ ድሕሪ ቝሩብ እሾኽ ኰይኑ ከም ዝወግኦ ኣይተሰቈሮን። ብዝዀነ ኣብቲ ህሞትቲ ምዩቕ እናበለትን እናሓፈረትን ከም ዘዘራረበቶ ተፈለጦ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ እግራ ተደፊኡ ‘ትምርዐውኒዶ፧’ ክብላ ኸሎ፡ ንዝነበረ ኵነታት ዘከረ። ሽዑ ንሳ፡ ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣተወት ጭሩ ኣንገፍገፈት። ወላ’ኳ ኣብ ዓይና መልሲ እወታ እንተ ተነብበ፡ ብሕፍረት ተጐቢኣ ትኽ ዝበለ መልሲ ክትህቦ ኣይከኣለትን።
“ደሓን፡ ንሕቶኻ ጽባሕ ክምልሶ እየ።” ስለ ዝበለቶ ኸኣ፡ እሺታ ከም ዘይትነፍጎ ከይተጠራጠረ፡ እናኽመስመሰ ተሰናበታ። ሽዑ፡ ቃላ ኽሳዕ ዝረክብ ብተስፋ ተጸበየ። ነቲ ተስፋ ዝገበረሉ መልሲ ኽጽበ ጥራይ ግን ሓደ መዓልቲ ኣሕለፈ።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ካብ ቤቱ ኸይወጸ ብልዑል ሃንቀውታ መልሲ ኽመጾ ተጸበየ። ኣብ ግዜ ፋዱስ፡ ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ኣፍራሳ ዝዀነ ኣገልጋሊኣ፡ ብዘይ ዘረባ ናብ ክፍሉ ኣትዩ ነዛ ኣብ ቀዪሕ ካይላ ዝበቘለት ተኽሊ ቘልቋል ኣቐሚጡ ኸደ።
ምስታ ተኽሊ ዝተላእከ መልእኽቲ ዀነ ኻልእ መዘኻኸሪ የለን። ንመንነት እታ ቝልቋል ዝገልጽ ስነ ኣታኽልታዊ መጸውዒ ግን ከም ላቔባ ኣብ ጫፍ እታ ኻይላ ተጻሒፉ ነበረ። ብኡንብኡ ኽሳዕ ምሸት ካብ ገዛኡ ከይወጸ ንመልሳ ኽጽበ ወዓለ።
መልሲ ዝበሃል ግን ፈጺማ ኣይለኣኸትሉን። ብሰንኪ ኵርዕ ባህሪኡን ዝተጐድአ ትምክሕቱን ኣብ ልዕለኣ ዘለዎ ባህጊ ጐደለ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ስነ ኣእምሮኣዊ ዅነት ኣብ ርእሱ ሰፊሩ እናሃለወ ኸኣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ናይ ድራር ስፍራ ተራኸቡ።
ሰላምታኦም ካብቲ ልሙድ ኣይሓለፈን። ንሳ፡ ካብኡ ብሃንቀውታ ብዙሕ ተጸበየት። ንሱ ብወገኑ ተመቕሊሉ፡ ግን ከኣ ደሪቑ ቐረባ። ኣብቲ ህሞትቲ፡ ንሳ ኣይተረደኣን እምበር፡ ነቲ ኽነግረካ እየ ዝበለቶ መልሳ ኣብ ምጽባይ እዩ ተጸሚዱ ዝነበረ።
ንሳ ብወገና በቲ ዝሑል ስምዒቱ ተመሪሓ፡ ከም መጠን ጓል ኣንስተይቲ፡ ብቕልጡፍ ከም በረድ ዘሓለት። ድሕሪ እዚ ህሞትዚ እዩ እምበኣር፡ ኣብ መንጎኦም፡ ብጋህዲ ነቓዕ ዝተፈጥረ። እናተቐራረቡ ኽንዲ ዝኸዱ ደማ ተረሓሓቑ።
ኣበይ እዩ እቲ ጌጋ፧ መን እዩ በቲ ጌጋ ዝውቀስ፧ ርግእ ኢሉን ተመቕሊሉን እንክሓስቦ፡ ኣቲ ጌጋ ትዕቢተኛነቱ ዘምጽኦ ምዃኑ ተፈለጦ። ኣብ ውሽጢ ኽፍሉ ኰይኑ ነዚ እናሓሰበ ኸሎ፡ ሓደ ሃዋኺ ድምጺ ውትፍ በሎ። ብኡንብኡ ሓሳብ ትረስዳለ በቲ ጋሻ ድምጺ ተበቲኑ፡ ኣቓልቦኡ ተቐየረ።
“ስማዕ እስከ፡ ትሪስደለ፡ እንታይ ሰይጣኑ እዩ ሰሪሩካ ዘሎ፧ ፍጺምካ ዝተሓጐስካ ኣይትመስልን ዘለኻ! ኣብ ቦታይ ኰይንካ እስከ ረኣዮ። ኣነ ንዓኻ ከደዓዕስ፡ ነቲ ኵሉ ሽጕርቲን ሙዝን ጠንጢነ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ መጺአ። ሕጂ ንዓ ተዛነ።”
“ኣነስ ፈጹመ ኣይሰቲን እየ። ሕጂ መስተ ዝበሃል ደስ ኣይበለንን ዘሎ።” ሓሳብ ኣቕረበ ትሪስደለ።
“እንሀ ብራንዲኻ!” ናብኡ ገጹ እናቐረበ ኸኣ “ስማዕ እዚ ንስኻ እትመርጾ መስተ የጽልእ እዩ። ንዓንዶ ግዳ እንሓንሳዕ ንዓይ ክትርኢ ኢልካ ናብ ፑንታ ረዶንዳ እተባህለ ስፍራ ምጻእ። ኣብኡ፡ ሽማግለ ጋርሽያ ኣስቲዅ ዘእትዎ ዘይሕጋዊ መስተ ምስ ረኸብካ ኽትሕጐስ ኢኻ።” ድሕሪ ምባል ቍሩብ ኣስተንፈሰ’ሞ ዘረባኡ ብምቕጻል።
“ስማዕስከ ነዚ ተኽሊ ቝልቋልዚ ኻበይ ኣምጺእካዮ፧” ክብል ሓተተ።
“ካብ ዓርከይ፡ ህያብ እዩ።” በለ ትሪስደለ፡ ኣስዒቡ ድማ “ብዛዕባ ዓሌት እዚ ተኽሊ ትፈልጥ ዲኻ፧”
“ከመይ ደኣ፡ ትሮፒካዊ ተኽሊ እዩ። ኣብዚ ፑንታ ዝበልኩኻ ስፍራ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዓሌት ኣለዎ። እንሀልካ መጸውዒኡ። ትሪስደለ፡ ንምዃኑ ቋንቋ እስፓኛ ትዛረብ ዲኻ፧”
“ብፍጹም!” በለ ትሪስደለ ብምረት ግን እናኽመስመስመሰ። “እምበኣር እስፓኒሻዊ ተኽሊ እዩ፧”
“እወ፡ ብኣተሓሳስባ ተወለድቲ ስፓኛ፡ ኣቝጽልቱ፡ ኢዳ ኸም ዝዘርግሐት ዓዳሚት እዮም ዝቘጸሩዎ። ጸዋዒት እያ ትበሃል። ስሙ ቨንቶማርመ፡ እዩ። እንክትርጐም “ንዓ’ሞ ውሰደኒ ማለት እዩ።’” ክብል ዘጣዕሶ ሓበሬታ ነገሮ።