ታሕሳስ ይጐዪ’ሎ
ጥሪ ይመጽእ ኣሎ
እኽሊ ዝሸማምት
ሕሩድ ዝገዛዝእ
ኣነ’ለኹ ዝብል
’ታይ ክንሕግዝ ዝብል
ስድራ፣ ዘመድ፣ መቕርብ
ሸበድበድ ’ዩ ዘሎ
ገዛኹም ከ ከም ገዛና ዶ’ሎ?
ታሕሳስ ይጐዪ’ሎ
ጥሪ ’መጽእ ኣሎ
ከምዚ ኸማይ ይኸብደኪ ዶ’ሎ?
ሓላለይ ንዓይስ ጽዕን ኢሉኒ’ሎ
ደድሕሪ ’ባት-ነብሲ ንደግሞ ቃል ኣሎ
ኣብቲ ቃለ-ማሕላ መሰናኽል ኣሎ
“ዘይናተይ ከይምነ፣ ከይምንዝር፣ ከይዝሙ”
ዝብል ኵርኳሕ ኣሎ፤
ታሕሳስ ይሃድም ኣሎ
ጥሪ ይቐርብ ኣሎ
ሓድሽ ህይወት ንሓዲኡ
ሓድሽ ዓመት ንገሊኡ
ንዓይን ንዓኽን ክልቲኡ፤
ሕርይቲ ህይወተይ ብዓቢኡ
ልበይ ዝሓዝኣልኪ ብሙሉኡ
እና ፈተኹኺ ከክንድኡ
እንሆልኪ ውነይ ተጠሊዑ
’ዛ ‘ዝሙት’ ትብል ቃል ሰሚዑ
ኣዳቒቑ ሓሲቡ ዀምሲዑ
ይምሕጸነኪ’ሎ ብኣግኡ።
ግጥምታተይ ካብ ቀደሙ – ብባህሪኡ
ሄዋን’ያ ትንፋሱ – ሄዋን’ያ መልክዑ
ትዕድልታ ምስኣል’ዩ ዘይምኖ ዓለሙ
ስቓያ ምጽሓፍ’ዩ ሓረጋት መቕድሙ።
ቀለም ጸጋታታ በብሕብርታቱ
ገጻት ባህግታታ በብዅርናዓቱ
ዘልኣለም ክነብር ክጽሕፎ – ክስእሎ
ሓንሳብ ወሲነ’የ ንጽባቐ ዓለም ሄዋን ክትውከሎ።
ምናልባት ከም ፍታሕ ሽግረይ ርኢኺ
ከይተቐምጥለይ ‘ገደብ’ ዝብል ቅጥዒ፣
ብመከራ ፍጹም ከይጃጀዋ
ንጽባቐታተን ሓድሕድ ’ናጋጨዋ
ኣብ ጣሻ ኣእምሮይ ስለዝራባሓ
ብሕጂ ዝስእለን፣ ዝጽሕፈን ኣዋልድ
ካብ ከዋኽብቲ ብዕጽፍታት ይበዝሓ።
ደሓር ከኣ….ጠፊኡኪ ዶ
ኣብ ደም ዝሰረጸ ብምንታይ ትኽሕዶ?
ብሕልሚ፣ ብስምዒት፣ ብዝኽሪ፣ ብናፍቖት
ጽባቐአን ምስ ደመይ እልዕጥጦ
ስእለን፣ ሕብረን ግዜ ከየህስሶ
ኣብ ከብሒ ትዝታይ ብኽብሪ አቐምጦ፤
ባህገይ ተመንዩ ሓንሳብ ከይጸገበን
ስኢለ፣ ጽሒፈ
ግድን ብምዃኑ ንምርኢት፣ ንንባብ ከቕርበን
ዕረ ’ናጠዓመኒ ኣሕሊፈ ንበላዒ’ህበን።
እዚ ’ናሃለወ ናይ ብሕተይ ሕጊ
“ኣይትመነ፣ ኣይትዘሙ……” ካልእ ተሪር ሕጊ
ከም ዘይንቕነቕ ገይሩ ኦሪት ካብ ሃንደሶ
ዝኽእሎ’ይመስለንን ፈልየ ክድምስሶ፤
ክላ…..ኣበይ ዘሎ ሕጊ እዩ ኸ!!
መሪሕ ’ናመሰለ ንቕኑዕ ዘጋጊ
መን ኣሎ ብገበን ዝዳረግ ምስ ሕጊ!?
ብሰማይ ይተኣወጅ ብምድሪ
ሕጊ ’ዚመስሓቲ
እዚ መወናወኒ – መዘከሪ!
ክገርመኪ….
ኵሉ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕጊ
መቓብር ማለት’ዩ ናይ ዘዝሞተት ሓቂ።
እምበኣር ዝብለኪ ብተደጋጋሚ
‘ቃል-መቕቱል’ ሰሚዕኪ
ንማሕላ ኣሚንኪ ንኸይትቕየሚ
ብርዒ መምስ ሓዝኩ መታን ከይትሓ’ሚ
ዘንተእለት ኣእላፍ ክምነ’የ
ምስ ብዙሓት ክምንዝር ኣብ ግጥሚ።
ቦኽረ ገብረየሱስ
ታሕሳስ 2015