ራብዓይ ክፋል
ብፍስሃየ ኪዳነ (ወዲ ፖሊስ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ)
4.3 ጽልዋ መጽሓፍ ‘ስዋስው ቋንቋ ትግርኛ’ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡-
ኩሉ ከም ዝግንዘቦ፡ ኣውራ ስርዓተ-ትምህርቲ ሓደ ሃገር ኣብ ምሉእ ህይወት ዜጋታት ዝለዓለ ጽልዋን ስንብራትን ዝገድፍ ዓንዲ-ማእከል እዩ። ቀንዲ ማእከል ስርዓተ-ትምህርቲ ድማ ብወግዒ ዝግልገለሉን ዝጥቀመሉን ቋንቋ እዩ። ኣብ ሃገርና ብፍላይ ክሳብ መባእታ ደረጃ ኩሉ ዓይነታት ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ይወሃብ። ቋንቋ ትግርኛ ከም ቋንቋ ኣደ ድማ ንሓሙሽተ ተኻታተልቲ ዓመታት ክሳብ መጨረሽታ ክሊ መባእታ ደረጃ ይቕጽል። ኣብ ቋንቋ ኣደ ዝርካቡ ዝወሃብ ሰዋስው ቋንቋ’ውን ክሳብ’ዚ ደረጃ ጥራይ ይበጽሕ። ትምህርቲ ሰዋስዉ ቋንቋ ትግርኛ ክሳብ’ዚ ክሊ ደረጃ’ዚ ጥራይ ዝዝርጋሕ እንተኮይኑ ድማ፡ ኣሰር ሰውስው ቋንቋ ትግርኛ ድማ ኣብዚ የዐርፍ። ኣብ ጫፍ ክሊ መባእታ ዝርከቡ ህጻናት ካብ 10-12 ዝዕድመኦም ጥራይ እንተኮይኖም፡ ኪኖ ቀለልትን ፈኰስትን ኣምራትን ቃላትን ክርድኡ ዓቕሞም ይድረት’ዩ። መጻሕፍቲ ቋንቋ ትግርኛ’ውን በዚ መጠን ተመዚኖም ዝተዳለዉ ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ካብዚ ዝነቅል፡ ዝኾነ ኣብ ቋንቋ ሰዋስው ቋንቋ ኣደ (ትግርኛ) ዝነጥፍ ክኢላ ንዕላማ ስርዓተ-ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ንትሕዝቶ መጻሕፍቲ ቋንቋ ድማ ብፍላይ ተወኪሱ ኪመራመር ይግባእ።
በዚ መጠን፡ መጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሕፉን ትግርኛ” ንስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ምርኩስ ገይራ ክትዳሎ ምተገብአ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ እምብዛ ምብርትዓ ጥራይ ከይኣክል፡ ኣብ ከርሳ ዝርከቡ ኣምራት ይኹኑ ትሕዝቶ ምስ ስርዓተ-ትምህርትና ዝጥቀመሎም ኣምራትን ቃላትን ከም ዘይቃደዉ ትግምገም። በዚ ምኽንያት፡ ይትረፍዶ ንዘይበሰሉ ህጻናት ተመሃሮ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ኣብ ጫፍ ብቕዓት ንባብን (High Profile Readers) ዝርከቡ እኹላት መንእሰያት’ውን ንክጥቀሙላ ክብደትን ጊንጢ ኣቀራርባኣን ኣሰካፊ ይመስል። ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ዝገብራ በሃር ነጥቢ ድማ፡ ብውሕዱ ነዚ ካብ ድርኩኺት ልኡላውነት ኤርትራ ንደሓር ዝተወልደ መንእሰይ ወለዶ’ኳ ንትግርኛዊ ዝንባለኡን ወለንታኡን ግምት ዝሃበት ኣይትመስልን። ምናልባት፡ ብፍሉይ ነየናይ ወለዶ ሽቶ ገይራ ኣላ ግን ንጹርነቱ ገና ብሩህ የለን።
ብቐንዱ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንመንግስቲ ዝውክል ንፖሊሲ ስርዓተ-ትምህርቲ ዘተግብርን ዝግምግምን ዝለዓለ በዓል-ስልጣን ምዃኑ ዘይሰማማዕ የልቦን። ኣብ ፖሊሲ ቋንቋ ኣደ ተመርኵሱ ንኩሎም ቋንቋታትና መጽናዕትታት የካይድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስልጠና መማህራንን ንትምህርትን ዝመርሑ ስሩዓት መጻሕፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ምድላው ኮነ ምኽላስ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ቋንቋ ኣደ ጥራይ ዝነጥፉ ሞያውያን ክኢላታቱ’ውን ኣብ ቦታኦምን ሞያኦምን ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ቀዳማይ መመልመሊ ቋንቋ ኣደ (ትግርኛ)’ውን ትካል ምስልጣን መማህራን’ዩ። ብዓቢኡ፡ እዚ ትካል’ዚ ይኹን ጨንፈር ካሪክለም ሚ/ትምህርቲ ዝግልገለሎም መጻሕፍቲ ሰዋስው ከይተወከስካ ናትካ ክልሰ-ሓሳባዊ ኣምራት ክተንግስ ምህቃን እምበኣር ንተጠቃምነትን ዕዙዝነትን’ዛ መጽሓፍ ይሃስያ ከይከውን ክዝንጋዕ የብሉን። ብሓጺሩ፡ ካልእ ንምባል ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ-ወከፍ ተመሃራይ ዘሎ መጽሓፍ ተወኪስካ መበገሲ ባይታ (Benchmark) ክትወስድ ዘይምህቃን፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ሸለል ከም ምባል’ውን ክውሰድ ይከኣል።
4.4 ተዛማድነት ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ መጻሕፍቲ፡-
ኣብ ሃገርና፡ ምናልባት ብዓቐን ኮነ ብዓይነት ደኣ ኣየዕግቡን ይኾኑ’ምበር፡ ኣመና ሒደት መጻሕፍቲ ሰዋስው’ሲ ንድርሰትን ማሕተምን በቒዖም’ዮም። ሓደ ካብቲ ዝምስገን ዕቱብነትን ጻዕርን ደራሲ’ውን ንዝርካቦም ተወኪስዎም ምዃኑ ኣብ ዝርዝር መወከሲታቱ ብግቡእ ሰፊሮም ይርከቡ። ብልክዕ፡ ነዞም መወከሲታት’ዚኣቶም ዝተወከሰ ግዱስ ኣንባባቢ እንተሎ ግን፡ ደራሲ ዳርጋ ሓራ መስመር ብሕቱ ወሲዱ ነዚ መጽሓፍ’ዚ ንከዳሉ ከም ዝመረጸ ጥራይ ምተገንዘበ። ምናልባት፡ ኣብ መቕድምን ገለ ክፋል ሕንብርቲ መጽሓፉ ከም ዘውክኦ’ውን፡ ብነቕፌታዊ ዓይኒ ዝረኣዮ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ምናልባት፡ ገለ ዝተለቅሖ ኣምራት ወይ ሓሳባት እንተሎ ኮይኑ ግን፡ ብግምት ብከፊል ኣብ 1955 ኣብ እዋኖም ተመራመርቲ ቋንቋ ዝነበሩ ከም ኣባ ማቲዎስ ሓጎስ ዝተኸተልዎ ቅዲ፡ ትንታነን ስርዓተ-ቋንቋንዶ ዝይዳ መሪጽዎ ከይከውን ኢልካ ግን ንነብስኻ ትጥይቕ። ኣብ ስርዓተ-ኣሰያይማ ግን ዋላ ምስ ኣገዳሲ ዕዮ ኣባ ማቲዎስ ሓጎስ ስኒት ኣይትረኽበሉን።
እንድዒ’ምበር፡ ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ካብ ጻት ንጻት ክኾላ ዝፈተነ ግዱስ፡ ዓቕሚ ደራሲ ንጎኒ ገዲፍካ፡ ዋላ ብዝነኣሰ ደረጃ ደራሲ ከም ሞዴል ኣሚኑ ብፍላይ ኣብ ኣሰያይማ ዝተለቅሖ ነገር የልቦን። ሐራይ፡ ምሒር ንብቕዓትካ ምእማን’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ፡ ካብ ኣመና ጊንጥነት ምርሓቕ ግን ሓጋዚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንተቐባልነት መጽሓፍካ’ውን ክብሪ ክድርዕ ይኽእል።
ብተዛማዲ ግን፡ ኣብ ዝርዝር መወከሲታቱ ደኣ ኣይሰፈረትን’ምበር፡ እታ “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን” ንመወከስን መምርሕን ዘርእስታ ብ2006 ብሚኒስትሪ ዜና ዝተሓትመት ክሳብ 73 ገጻት ዝሓዘለት ንእሽቶ መጽሓፍ (booklet) ግን ምስ ትሕዝቶ መጽሓፍ ደራሲ ዝሳነ ኮይኑ ትርእዮ። ኣብ ድሕሪት ገጽ’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ ስም ደራሲ መሪሕ ቦታ ሒዙ ስለዘሎ ድማ፡ ምናልባት ዕዮን ጽልዋን ደራሲ ምሒር ዝዓብለለ ነይሩ ከይከውን ባዕልኻ ትሓስብ። እዛ መጽሓፍ ሚ/ዜና ንባዕላ’ውን፡ ከም “ኣራሚት መወከሲት” ንዝውትራት ጌጋታት ሰዋስው ደኣ ሓጋዚ ኣበርክቶ ኣይሰኣናን ይኸውን’ምበር፡ ደራሲ ኣብ መጽሓፉ ዝደገሞም ገለ ‘ስያሜታትን ሕጽረታትን’ ግን ኣብኣ’ውን ብህየቶም ኮፍ ኢሎም ትረኽቦም።
4.5 ጽበት መጽናዕትን መወከሲታትን፡-
ኩሉ ከም ዘይስሕቶ፡ ዳርጋ ኩሎም ቋንቋታት ዓለም ኣብ ዝበዝሕ መዳዮም ካብ ኣድማሳዊ ሓቅታት ኣይርሕቁን ኢዮም። ኣውራ ኣብ መበል 16-18 ክፍለ-ዘመናት ምዕባለ ቋንቋታት ላቲን ዝለዓለ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይነግር። ዋላ’ዚ ሕጂ መሪሕ ቦታ ሒዙ ዘሎ ቋንቋ እንግሊዝኛ ድሕሪ ቋንቋታት ላቲን ከም ዝማዕበለ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት የረጋግጹ። ምንጪ ዕቤት ቋንቋ እንግሊዝኛ ንባዕሉ ካብ ቋንቋታት ላቲን ብምልቃሕን ምርዓምን ምዃኑ ይፍለጥ። ብባህሪኦም፡ ቋንቋታት ብፍላይ ኣብቲ ኣድማሳዊ ሸነኾም ካብ ተወራራሲ ባህርያቶም ኣይፍንትቱን ምዃኖም ብፍላይ ነቶም ሸሞንተ ክፋላት ሰዋስው ምርኣይን ምግንዛብን ይከኣል። ስለዚ፡ ካብ ኣድማሳዊ ባህርያት ቋንቋታት ትመልኮም ቋንቋታት ኣገናዚብካ ምርዓምን ምልቃሕን ነውሪ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኩሎም ተመራመርቲ ቋንቋ ኣደ ንቋንቋኦም ንምምዕባል ዝሕግዞም ኣሰራርሓ እዚ ሜላ ኣጸናንዓ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ውሽጢ’ዚ’ውን ካብ ውሻጠኻ ዝፈረዩ ጸጋታት ሃገርካ ምርዓም’ውን ኪጽላእ የብሉን። እንተተኻኢሉ፡ ንመጽናዕታዊ ሞያኻ ዝያዳ ዘዳብሩ መወከሲታት ምስፋሕ ቦታ ክትከልእ የብልካን። ዋላ እቶም ዘይትኣምነሎም መጽናዕትታትን መወከሲታትን እንተኪእልካ ገለ ክትኣርየሎም፡ ምናልባት እንተዘይ ኣፍቂድካ ድማ፡ ብውሕዱ ኣብ መወከሲታትካ ክተርእዮም ኣገዳሲ ነይሩ።
ይኹን’ምበር፡ ደራሲ ብፍላይ ኣብ ዘበነ ብረታዊ ቃልሲ ንዝተኻየዱ ምርምራዊ መጽናዕትታት ቋንቋ ቦታ ምኽላኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብውሕዱ ከም ዝተወከሶም ኣብ ዝርዝር መወከሲታቱ ዘይምንጽብራቑ ግን ገና ዘይተመለሰ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ይድንጽወካ። ምናልባት፡ ካልኦት ከም ብኣባ ያቆብ ገብረእየሱስ (ሰዋስው ትግርኛ፡ 1926-1940) ይኹኑ ካልኦት ብውልቀ ተመራመርቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝተኻየዱ ሓገዝቲ መጽናዕትታት ከይርከቡ ይኽእሉ’ዮም።
ብፍላይ፡ ኣብ ሰውራ ብክ/ሃገራዊ መርሓ (ክ/ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ) ይኹን ኣውራ ብጨ/ትምህርቲ ህግሓኤ እንተላይ ብሚ/ትምህርቲ ብትካላዊ መልክዕ ዝተኻየዱ ዕምቆት ዝነበሮም መጽናዕትታት ቋንቋ ግን ገና ብህየቶም ኣለዉ። ከም ኣካል ገድላዊ ህይወቶም ምሉእ ዕማሞምን ግዜኦምን ኣብ ምርምር ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ጥራይ ከበርክቱ ዝተሰለፉ ኣዚዮም ብዙሓት ክኢላታት’ውን ገና ኣብ ዓውዲ ቋንቋን ምርምርን ኣብ ምንጣፍ ይርከቡ። ንኣብነት፡ ጎይታ ስነ-ጽሑፍ ሰውራ ዝነበረ ተመራማሪ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንመምሃሪ መጽሓፍቲ ሰውራ ኣብ መጽናዕቲ ተመርኩሶም ዘዳለዉ ኣባላት ኣካል ካሪክለም ህግሓኤ ዝነበሩ ከም ኣቶ ማና ተስፋዝጊ፡ ተስፋይ ባርያጋብር’ውን ይትረፍዶ ምርምራዊ ዕዮኦም፡ ህሉው ልሳናቶም’ውን ኪምዝመዝ ኣይምተጸልአን።
ብሓጺሩ፡ ሎሚ ከም ማእከላይ መራኸቢ ልሳናት መንግስቲ ይኹን ሚዛናዊ መምሃሪ ቋንቋ ስርዓተ-ትምህርቲ (Standard Language) ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኣርማ ቋንቋ’ውን ብትካላት ሰውራን ክኢላታቱን ዝተገርሐ ምዃኑ ምግንዛብ ኣይጽላእን። ስለዚ፡ ነዚ ጸጋን ቅርሲን ሰውራ ዝኾነ መጽናዕታዊ ምርምራት ምጉሳይ ድማ፡ ንጽበት ዘካየድካዮ መጽናዕቲ ርሒብ ይገብሮ። ብድብዱቡ፡ ኣድህቦ ሂብካ ብምሁራዊ ዓይኒ መሚኻ እንተስ ክትንሓፎ እንተስ ክትግልፎ ግን ውሑስ መሰልካ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።
1) መደምደምታ
ኣብ ሃገርና፡ ንሚዛን ብቕዓትን መሰልን ቋንቋ ዝጣበቕ ትካል ዛጊት ኣይተመስረተን። ኣድላይነት’ዚ ትካል’ዚ ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ግዜ ምስ በሰለ ክምስረት ምዃኑ ግን ትጽቢት ኩሉ ኢዩ። ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብ መእተዊ ዋዕላ “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን’’ ሚ/ዜና ኣውኪእዎ ነይሩ። ብውሑድ ብቕዓትን ዓቐንን ደኣ ኮይኑ’ምበር፡ ኣብ እግረ-ተኽሉ ዝርከብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚ/ዜና ዝነጥፍ ትካል ምምማይ ጽሑፋት (Censorship Unit) ግን ብዓቕሙ ይሰርሕ ኣሎ። ከም ብቑዕ ትካል ብቅርጺን ኣወዳድባን እንተላይ ብምኩራት ሞያውያን ክኢላታት ብዓቕሚ ኮነ ብብቕዓት ክድልድልን ክድልብን ግን ኣቓልቦ ኪወሃቦ ይግባእ። ተልእኾኡን ዕማማቱን’ውን ብሕግን ብስርዓትን ኪንጸርን ኪድረትን ከኣ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ኣካል’ዚ፡ ዓይነት ዝመምዮም ጽሑፋት ከይተሓዋወሱ፡ ብውሕዱ ንታሪኽ፡ ፖለቲካ፡ ካልኦት ምስ ማሕበራዊ ክብርታት ዝዛመዱ ወዘተ ጽሑፋት ኣማእኪሉ ጥራይ ንዕማማቱ ከሰላስል ተመራጺ ኮይኑ ይረኣየካ።
ብካልእ መዳይ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኣካዳሚያውያን መጻሕፍቲ ጥራይ ብሞያዊ ዓይኒ ዝምርምር ኣካል ምርምርን ምምማይ ጽሑፋትን ከቕውም ኣይምተጸልአን። ኣብ ኣድላዪ እዋን ድማ ዝምድናታቶም ተነጺሩ ኪመላልኡ ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲኦም ኣካላት ኪኖ’ዚ ብምስጓም ክሳብ ኣገደስቲ ንቋንቋ ዘማዕብሉን ዝቕይዱን መምርሒታት ይኹኑ ምርምራት ንምድላውን ንምክያድን ክመጣጠሩ’ውን ተልእኾታቶምን ሓላፍነቶምን ዘሰክሞም ኪኸውን ይኽእል።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ትካል ኣሕተምቲ ሕድሪ ህግደፍ ንኣገደስቲ ሃገራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ድርሰታት ብምትብባዕ፡ ብዝከኣሎ ይድጉምን ንሕትመት የብቅዕን ኣሎ። እዚ ቅዱስ ጉዕዞ’ዚ ኪቕጽል ይግባእ። ይኹን’ምበር፡ ንዝግደሰሎም መጻሕፍቲ ኣብ ምንታይ መምዘኒታት ከም ዝምርኮስ ንግዜኡ ደባን ይመስል። ብሓልዮት’ዚ ትካል’ዚ ተደጉሞም ንማሕተም ዚፍቀዶም መጻሕፍቲ ብመንጽር ብቕዓት ጥራይ ዘይኮነ ዝሽነኑ፡ ዕላውነቶም ንባዕሉ’ውን ሓውሲ ትካላዊ የምስሎም’ዩ። ካብዚ ዝብገስ፡ ርዝነቶም ይኹን ፍኹሰቶም’ውን ምስ ኣሕታሚ ትካል ኣተሓሒዝካ ክረአ ተስተብህል። ብመንገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ንማሕተም ዝበቕዐት መጽሓፍ ‘ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015’’ውን ሓንቲ ካብተን ሚዛናውያን መጻሕፍቲ ምዃና ዘመስክር መምዘኒታት ኣማሊኣ ትኸውንዶ፧ ትካል ኣሕተምቲ ሕድሪ ስግር ዝናን ህቡብነትን ደራሲ ኣማዕድዩ ዝቐመሮ ብልጫታት እንተሎ ድማ ሓላል ትኹነልና ጥራይ ኢና ንብል!
ብዝተረፈ፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ምስ ካልኦት መሰልታ ተቛሪና ንጽምኢ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ ክተርዊ ዘሎ ትጽቢት እምብዛ በሪኽ ኢዩ። በዚ መጠን፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹን ንኣማተር ደርስቲ’ውን ከም ሓጋዚት መጽሓፍ (Supplementary Reference) ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኣይሰኣናን ይኸውን። ይኹን’ምበር፡ ብሓቂ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ “ማእከል ልዝብ ዲያ ክትከውን ወይስ ክርክር” ግን ንግዜ ዝግደፍ መልሲ እዩ