ዘበን ገበል ዝሃበካ ተቐበል
ካብታ ብዶክተር ኣባ ኢሳቕ ገብረየሱስ ዝተጻሕፈት ፍረዱ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝተረኽበ ጽሑፍ
ንግስነት ኣርወ ብኻልእ ኣዘራርባ ንግስነት ገበል ማለት እዩ። “ብዘበን ገበል፡ ዝሃበካ ተቐበል” ዚብል ምስላ ቀዳሞት ከኣ ነዚ ዚዝክር ይመስል። ኣብ ምድረ ሓበሻ ሓደ ከም ኣምላኽ ዝስገደሉ ሓያልን ዓብን ገበል ያኢ ነበረ። ሓንቲ ጽብቕቲ ጎርዞ ጓል ንጉስ ከኣ ነበረት። እቲ ንጉስ ኣቦ እታ ጓል፡ ስሙ ኣብቲ ታሪኽ የሎን። እታ ጓል ግን ትውልዳ ካብ መደባይ ዝተባህለ ኣብዚ ናይ ሎሚ መደባይ ታቦር ዝነበረ ብርቱዕ ህዝቢ ያኢ ነበረት። ስም ናይ’ታ ጓል’ውን ኣይጠቅስን።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ገምገም ሓደ ዓቢ ዛራ ንበይና ብዕራቕ ጸሓይ ክትጽሎ እታ ጽብቕቲ ድንግል ዝኾነት ጎርዞ፡ ሓደ ንሱ’ውን ስሙ ዘይጠቅስ፡ ዝቃጸያ ዝነበረ ወዲ ኻልእ ንጉስ ንኽብረ ንጽህናኣ ብዓመጽ ደፈራ። እዚ ኩነታት’ዚ ክፍጸም እንከሎ ወዮ ገበል በቲ ሓደ ማዕጾ ገምገም ሩባ ኮይኑ ብኸምኡ ስምዒት ይጥምታን ይዕዘባን ነበረ’ሞ። ንሱ’ውን ብምትህርራፍ ዝኣክል ጾታዊ ዘርኡ ያኢ ናብቲ ማይ ከዓወ።
ዓመጸይና ወዲ ንጉስ ተግባሩ ፈጺሙ ነታ ጓል ገዲፉዋ ከደ። እታ ጓል ነቲ ዝወረዳ ምምርኻስ በቲ ፈልፋሊ ማይ ተሓጺባ ከተንጽሆ ምእንቲ፡ ኣብቲ ሩባ ተሓጽበት ፡ ከይፈለጠት በቲ ጾታዊ ዘርኢ ናይቲ ገበል ከኣ ተለኽፈት። ካብቲ ጥንሲ ከኣ ኣየምለጠትን።
መከይረይና ጓል በቲ ዝውረዳ ሕሰም ካብ ህዝቢ ምእንቲ ክትክወል ኣብ በረኻ ሰፈረት። ኣብ መጠረሽታ ከኣ ሓንቲ ጓልን ሓደ ገበልን ወለደት። ነቲ ገበል ክትሓርስ ከላ ግን ህይወታ ሓለፈት።
ኣሕዋት ገበልን ጓልን ከኣ ኣብ በረኻ ብሓባር ይዓብዩ ነበሩ’ሞ ጓሶት ርእዮም’ዎም ምስ ነገሩ፡ ህዝቢ ተኣከበ። ህዝቢ ነታ ጓል፡ ነቲ ውላድ ገበል ቀቲላ ናብ ሰብ ክትጽምበር ምስ ሓተታ ግን “ሓወይን ወዲ ኣምላኸይን’ሞ ከመይ ጌረ ክቐትል” ኢላ ኣበየት። እቲ ውላድ ገበል ኣጋቦስ ወይ ኣንጋቦስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።
ኣጋቦስ ዓበየ። 70 እመት ዝንውሓቱ ከኣ ኮነ። ነብሰ-ወከፍ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ሰብዓ ኣስናን ዘለዎ ዘስካሕክሕ ግናይ ከኣ ኮነ እሞ። ኣረርኪቡ እናሃደነ ንህዝቢ ኪለቅም ጀመረ። ንኣጋቦስ ክዓግት ዝኾነ ተቛውሞ ከኣ ከንቱ ነበረ። ህዝቢ ንኣጋቦስ ተቛዊሙ ኪንክዮ ዚኽእል ምዓት ስለ ዘይነበረ። ምስታ ጓል ኪራዳዳእ መረጸ። ኣብ መወዳእታ እታ ጓል ምስቲ ገበል በቲ ቋንቁኡ ብዘሰማምዓቶ ሰጥ ኢሉ ኪግብር ከምዝኾነ እቱ ህዝቢ ምስታ ጓል ተረዳድአ።
ኣጋቦስ ድሕሪ ክንደይ ናይ ሓውቱ ልማኖ
ዓሰርተ ብዕራይ
ዓሰርተ ላም
ሓምሳ በጊዕ
ሓምሳ ጤል
ሓደ ገንኢ ምዓር
ሓደ ገንኢ ጸባ
ሓንቲ መንእሰይ ድንግል ጓል
ዕለት ዕለት እንድሕሪ ዚኸፍልዎ ኮይኖም፡ ኪሰማማዕ ሕራይ በለ። ብኸምዚ ከኣ ኣጋቦስ እቲ ዓቢይ ገበል ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ዝኣክል ያኢ ገዝአ። ነተን ዕለት ዕለት ዝውፈያኦ ዝነበራ ኣዋልድ ከኣ ድሒሪ ምዕማጽ ይቑርጥመን ነበረ።
እቲ ብርቱዕ ዝብሃል ዝነበረ ህዝቢ መደባይ ብኸምዚ በቲ ሕሱም ኣራዊት (ኣርወ) እናተገዝአ ምስ ጸንሐ ግን ሓደ ግብጋቦ ዝበሃል ጅግና ሓማሴናይ ወዲ መስፍንቶ ንመደባይ መጸ እሞ፡ ህዝቢ መደባይ ምስ ግብጋቦ ተሰማምዐ፡ ካብ መግዛእቲ ገበል ነጻ እንድሕሪ ኣውጺኡዎ ንግብጋቦን ንትውልዱን ኪግዛእ ተወዓዓለ።
ግብጋቦ ኣብ ዙርይ እንዳ ገበል፡በጉናድን ገመልን ዝደልደለ ሸውዓተ ናይ ዕንጨይቲ ቀጽሪ ሰርሐ። ነታ ማእከለይቲ ቀጽሪ በርባዕተ መኣዝን ሓዊ ረኩዓላ። ብሓዊ ይልብለብ ምስ ዝነበረ ገበል እናተዋግአ፡ ነታ ካልኣይቲ፡ ድሕሪኣ ከኣ ነታ ሳልሰይቲ ኣንደዳ። ከምኡ እናበለ ከኣ ገበል ካብ ዝቐደመ ቀጽሪ ተኾልሲሱ እንተምለጠ በቲ ዝደሓረ እናተደግመ ብኩናት ግብጋቦ’ውን እናተሸንድሐ ኣብ ሻብዓይቲ ቀጽሪ ጻሕ ኢሉ ወደቐ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ግብጋቦ ነቲ ግናይ ብማሕጸ ርእሱ ፈግኦ እሞ፡ ካብቲ ዝተፈግአ ርእሲ ገበል፡ ምስ ደም ዝተሓወሰ ደቂቕ ዘርኢ ያኢ ናብ መሬት ፈሰሰ። ዝናብ ምስ ሃረመ ከኣ Eragrostis Abissinica ዝተባህለ ጣፍ ያኢ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክምገብ ንመፈለምታ ግዜ በቖለ። “ወቀተልኮ ለከይሲ መወሃብኩሙ ሲሳዮመ ለኢትዮጵያ” ንተመን ቀቲልካ ንኢትዮጵይ ከኣ ሽሻዮም ሃብካዮም” ዝተባህለ ከኣ በዚ ምኽንያቲ እዚ እዩ ያኢ።
ገብጋቦ ነታ ጓል ተመርዕዩ ብምንጋስ፡ እቲ ፈለማዊ ስርወ ንግስነት ዓድሓበሻ፡ ማለት ስርወ ንግስነት ኣርወ ምስ መስረተ ኣብ ኣኽሱም እዉን ተቐብረ። ደቁ ጸኒሖም እዉን ደቅ-ደቁ ከኣ ነገስታት ኣኽሱም ኮኑ። መበል ሻብዓይ ወሎዶኡ ንገብጋቦ፡ ስም ኣባሓጎኡ ብምውሳድ ኣጋቦስ ይበሃል ነበረ።
ባህሊ ብባህሊ ስለዝትካእ ወይ ስለዚዝረግ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃሲሱ ካብ ዝኽርታት ሕብረተ-ሰባት ሓበሻ እዉን በኒኑ እምበር ቅድም ዝበሉ ሓበሻውያን ኣቦታትስ “ቀዳማይ ንጉስ ሓበሻ ኣርወ(ገበል) ነበረ። መግዛእቲ ኣርወ ከኣ ዘስካሕክሕ ነበረ” ዝብል ያታ ነበሮም። ናይ ዘበን ኣርወ ትዝታ ከኣ ምስ ኣስማት ናይ ቦታን ናይ ሰባትን ባህርያውያን ኣምራት ብርቀት ተኣሳሲሩ እናተዘርዘረ ዚኸይድ ያታ ነበረ። እቲ ርሑቕ ናይ መከራ መዋእል “ዘበን ገበል ዝሃበካ ተቐበል” ዚብል ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ንትዝታ ናይ’ዚ ያታ’ዚ ጥራይ’ዩ ዝወሃብ።
ስለምንታይ ህዝቢ “ንእንስሳ” እሞ ከኣ ንገበል (ኣርወ) ብዝበለ ኣራዊት ንግዛእ ኔርና ዚብል ትዝታ ዝቕበል ስለምንታይስ እቲ ቀዳማይ ስርወ-ንግስነት ሓበሻ “ስርወ-ንግስነት ኣርወ” ዚበሃል?
ኣእምሮ ዘይብሉ እንስሳ ነእምሮ ዘለዎ ወዲ ሰብ ኪገዝእን ኬመሓድርን ከም ዘይክእል ዘየካትዕ’ኳ እንተኾነ ከምኡ መበልን ብኡ ቢሉ ከኣ ንኸምኡ መእመንን ጭቡጥ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበረን ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ገለ ካብቲ ምኽንያት
ብዙሓት ወይ ኩሎም ህዝብታት ጥንታዊ ዓለም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጣኦታት የምልኹ ነበሩ። ሓደ ካብቶም ግኑናት ናይ ጥንቲ ጣኦታት ኣምልኾ ከኣ ኣብ ገበል ወይ ተመን(ኣርወ) ነበረ። ካልእ ኣጸዋውዓ ኣርወ ኣብ ግእዝ (ከይሲ)ዝብል እዉን እዩ።
ቀዳም 5 ታሕሳስ ኣብ ሬድዮ ኤስቢኤስ መደብ ሞዛይክ ባህሊ ዝተፈነወ ጽሑፍ