Maico Tekle
• ዛራገጠምቲ~
ብመጀመርታ ዕላማ ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ ብምርዳእ ፡ ነዚ ቃልመሕተት ፍቃደኛ ብሙዃን ምስ ነብስኻን ስነጥበባዊ ተሞክሮኻን ከተላልየና ንከተካፍለናን ፍቓደኛ ኮይንካ ብምርካብካ ብስም ኣዳለውቲን ኣባላት ዛራገጠምቲን ኣዚና ነመስግን ። ብምቕጻል ፡ ብዛዕባ ኣማኑኤል በርሀ እስከ ገለበለና ፡ ኣማኑኤልመን’ዩ ፡ ምስ ስነጽሑፍሃ ገርና ብሓፈሻ ምስ ስነግጥሚ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ምትእስሳርን ተሞክሮን ።
*ኣማኑኤል~
ንዓደምቲ ሓንሳብ የቐንየለይ እብል ኣለኹ’ሞ፡ ድግማ ዘረባ ስለዘይፈቱ ደጊመ ከመስግን ኣይኮንኩን። እንተ ሓታቶ ግን፡ ክምርቕ ድየ ክማርር ሕቶኹም ክርኢ ቅድም። ምስ ኣማኑኤል ሌላ እንተተደልዩ ግን፡ ዕድመኡ ብርግጽ ኣይፈልጦን’የ። ሓቲተሉ’ውን ኣይፈልጥን። ኣብ ባጅላኡ፡ ታሴራኡን ካልእ ኦርኒኩን ነንበይኑ ዕድመ’ዩ ዘመዝግብ። ዋላ’ኳ ቴፕ ኣይትንበሮም’ምበር፡ small axe እትብል ደርፊ ናይ ቦብ ማርሊ ኣብ እተዘርግሓትሉ ዓ.ም ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ቀዳማይ ዓመቱ ከብዕል ግን እዝክሮ ወይ ከይዘከርኩ እፈልጥ’የ። ሽዕኡ ዓቢ ሓዉ ንክብሪ ልደቱ ቆቓሕ ከምዝሓረደሉ ደጋጊሙ ባዕሉ’ቲ ሓዉ ይነግሮ’ዩ።
ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ህይወቱ’ውን ከዕልል ምደለኹ። ኣብ መባእታ ሓደ መማህርቱ ቀዳማይ እናወጽአ ምሕላፍ ከሊእዎ ኔሩ። ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ግን ዋላ’ኳ ብፍርቂ ነጥቢ ትኹን፡ ኣማኑኤል ሓነግ ኣቢልዎ። ነቶም ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር 2ይ ተርታ ሒዙ ከምዘይነበረ፡ ደሓር ናብ ሆቴል ቁ.6 ዝጓሓፍዎ ሰባት ግን ስሞም ከልዕሎም ኣይደልን’ዩ። ተግባረ – ኢድ ኣብ ናቕፋ ኤለክትሪሲቲ እናተማህረ ከሎ፡ ካብ 19 ተማሃሮ መበል 17 ተርታ ንዝሰርዖ ሳም ዝበሃል ህንዳዊ መምህሩ ይግባይ ክሓቶ ከሎ ከኣ’ባ ትዝ ይብለኒ። ደሓር ግን ኣስካላ ምስካምን ፓሎ ምድያብን ስለ ዝተሃከዮ ነቲ ናይ ኤለትሪክ ሞያ ኣይቀጸሎን። ካልእ ንዕላል ዝበቅዕ ዛንታ’ኳ ክንደየናይ ከይህልዎ።
ምስ ስነ ጽሑፍ ካብ ብቆልዓኡ’ዩ ዝላኸፍ ኔሩ። ካብ መባእታ ኣትሒዙ ኣብ መዕጸዊ ቤ/ት ምስ ግጥሚ ክጓራፈጥ ከሎ ቅጅል ይብለኒ’ዩ። ኣብ ’99 ኢዩ ከኣ መስለኒ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሓንቲ ግጥሚ ወጺኣትሉ ነዛ መሬት፡ “ኣይትጽርኒ” ክብላ ከሎ ፈጺመ ኣይርስዖን። ደሓር ግን፡ ኣብ’ታ ዩኒቨርስቲ ኣእትዮም፡ በትን በትን ህንዳውያን ኣኽቢቦም ሊትረይቸር ምስ ኣዕለልዎ ክጃጁ ጀሚሩ። ርግጸኛ’የ ብኻ ምተረፍኦ እተን ቁንጣሮ ቀለም፡ ሎሚ ገጣማይ ኮይኑ ምኾነ። ዘዝመቀረ ናይ እንግሊዝኛ ግጥምታት ከንብብ፡ ፍርሒ ንፍርሒ ኮይኑ ምስ ናይ ግጥሚ ሽርጣጦ ጎፍ ዝበሃልሉ ጎደናታት ውሒዱ። “ኣጆኻ” ዝብል መንፈስ ጉጥይ ከብሎ ከሎ ግን ንሱ’ውን ነቲ ግጥሚ ጉጥይ ኣቢልዎ ይሓልፍ’ዩ። ኪኖ’ዚ ዝኸይድ ናይ ስነ ጽሑፍ ዛንታን ሌላን የብሉን። ሓጺር ዛንታ’ባ ከኣ ይፈታትን ኔሩ፡ ደሓር ግን ዘተባብዖ ድዩ ስኢኑ ወይ’ውን ፈሪሕዎ፡ ኣይቀጸሎን።
• ሮቢ ወዲኣሰራት~
ብመጀመርታ ንዝተገብረለይ ዕድመ ብጣዕሚ የመስጊን፡ ቀጺለ ንኣማኑኤል ሓደ ካብቶም ዘድንቆም ጸሓፍቲ ምኳኑ ወስ ከብለሉይደሊ። ትመርጾም ኩርንዓትን ዛዕባታትን ብጣዕሚ’ዮም ዝምስጡኒ፡ ኪንዮ ይዒንተይን ኣእምሮይን ብልበይ ከንብቦምን ኣብ ማዕከኑ ክዓቁረምን ይጽዕት። ንሙካኑ ንስካ ንጽሑፍን መዓስ ኢዩ ሌላኹም፡ ነዚ ሒዝካዮ ዘለካ ብቅዓትን ክትሕዝ ካብ ዝሓገዙካ መድረኻትን ውልቀሰባትንከ ገለዶ መውጋዕካና።
*ኣማኑኤል~
ኣብ ካምፓስ ከለኹ ምስ ዘይዓቕመይ ሰባት’የ ዝቐርብ ኔረ። በዓል መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ መም/ ተኽለ ተኸስተ፡ ኣብርሃም ተስፋልኡል፡ ሄኖክ ተስፋብሩኽ፡ምሉእብርሃን ሃ/ገብርኤል፡ ይርግኣለም ፍስሃ. . . ፡ ኔርና ኔርና’ውን ምስ መም/ መኮነን፡ ምስኦም ሻሂ እሰቲ ኔረ። ካልእ ዕላል የለን ብዘይካ ስነ ጽሑፍ፡ ብዓቢኡ ከኣ ግጥሚ። ምስ በዓል ብርሃነ ገ.ህይወትን ጀምዓኡን ድማ ድሒረ ተላልየ። እዚኣቶምን መሰልቶምን ኣብ ግጥሚ ንዝነበረኒ ተገዳስነት ኣዝዮም’ዮም ወሲኾምለይ። ቁሩብ ብቂ ወይ ስስዐ ግዲ ኔርዎም ግን፡ ካብ’ቲ ምስትምቓሮም’ምበር ካብ’ቲ ናይ ምጽሓፍ ክእለቶም ኣይመቐሉንን። ናይ በዓል በየነ ሃይለማርያም፡ ወዲ ኣስራት፡ ዶተረ፡ ዝኣመሰሉ ግጥምታት ትግርኛ ደጋጊመ ንኸስተማቕር ግን ኣመና’ዮም ሓጊዞሙኒ። ሽዑ ዘየመስገንክዎም ሕጂ ኣጋጣሚ ተረኺባ ኢለ የቐንየለይ ዘብል ምኽንያት ግን የብለይን።
•ገጣሚት ሂማንኢዮብ~
ንግጥሚ ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ክስዕብዎ ዝርኣዩ፡ ብቕዓቶም ከፍልጦም ዝኽእል ረቛሒታት እንታይ ክሕግዞም ይኽእል፡ ግጥሚ እንታይ መዕቀኒታት ምስ ኣማልአ እዩ ግጥሚ ዝብሃል፡ ግጥሚ ከም ህንጻ ምሕዳስ የድልዮዶ፡ ወይ ሓንሳብ ምስ ተጻሕፈ ከምኡ ኢሉ ክነብር ኣለዎ፧ ዘይዓለማያን ውክልናታት ንግጥሚ ኣብ ትርጉም (ክትርጎምከሎ) ሃስያኣለዎዶ፧
ንኣብነት፡(ሕቖኻ ሰፊሕ ከም ሰተታ፡ ኣዴኻ ስለ ዘጽገባኻ ጸባሃይኮታ )።
ዝብሉ ሕቶታት ኣተኣሳሲርካ ብናትካ ኣጠማምታ ከመይ ትምልሶም፧ የቐንየለይ !
*ኣማኑኤል~
~ወይለይ፡ ወይለይ. . .እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ጥራይ’ያ ዓቕመይ ኔራ መስለኒ። ንግጥሚ ብዙሓት ሰባት ዝስዕብዎ ስለ ዘይፈልጥዎ’ዮም፡ ገለ ድማ ስለ ዘፍቅርዎ። ግጥሚ ምጽሓፍ ቀሊል ጌሮም ዝቆጽርዎ ሰባት ኣመና ብዙሓት’ዮም። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ግን፡ ንግጥሚ ክትቀትሎ ብዙሕ ግዜን ድኻምን ዘይሓትት ምዃኑ’ዩ። ልቢ ወለድ ይጽሕፍ ኣለኹ ኢልካ ኣዋርሕ ላሕ ምስ በልካ፡ ዘይልብ ወለድ ኮይኑ እንተጸኒሑካ ናይ ግዜን ጉልበትን ክሳራ ኣለካ። ግጥሚ እጽሕፍ ኣለኹ ኢልካ ዘይግጥሚ እንተሸርጠጥካ ግን ሃልኪ የብሉን። ምልኩዕ ግጥሚ ንምውላድ ደኣ’ዩ ሃልኪ ዘለዎ’ምበር፡ ምዉት ግጥሚ ንምውላድ ሃልኪ የብሉን። ህየሳን ናጻ ምብህሃልን እንተዝበዝሕ ብዙሓት ኣጸቢቖም ምተላለይዎ’ሞ፡ ሽዑ ገለ ፍቕሪ ምሓዞም ገለ ድማ ገዲፎሞ ምኸዱ።
ግጥሚ ምሕዳስ የድልዮዶ ድማ በልኪ። ምስ ግዜ ሕብሩ እንተሃሲሱ’ሞ እቲ ሕብሩ ድማ ቅርሲ እንተዘይኮነ እንተተሓደሰ ጽቡቕ’ዩ። ዘልኣለማዊ ጽባቐ ሒዙ እንተተፈጢሩ ግን ምሕዳስ ኣየድልዮን። እታ ግጥሚ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ምስ ግዜ ፍልስፍናኣ ስለ ዘብቅዐ ክትሕደስ ኣለዋ ኣይብልን። ብእዋና’ያ ክትምዘን ዘለዋ። እቲ ኣሪጉ ዘሎ ፍልስፍናዊ ጽባቐኣ ከም ቅርሲ ክትሓዝ ይግባእ። ኣብ ኣነዳድቓኣ እንተኾይኑ እቲ ምሕዳስ ግን፡ ገጣሚኣ ባዕሉ እንተሐደሳ ኣይጽላእን – ንስለ ጽባቐ ክብል።
ዘይዓለማውያን (ዩኒቨርሳል ዘይኮኑ ማለት እንተኾይኑ) ውክልናታት ኣብ ትርጉም ሃስያ ኣለዎ’ወ። ንባዕሉ ግጥሚ ዩኒቨርሳል ክኸውን’ዩ ዘለዎ። ኣብ’ዚ ግን ጽቡቕ ጌርኪ ሓዝኒ። ሰተታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ስለዘየላ’ሞ ብእንግሊዝኛ ምትርጓማ ከይከብድ ቢልካ ኣይትገድፋን ኢኻ። ብዓቢኡ መንፈስ’ምበር፡ ቃላት ኣይኮንካን ትትርጉም። ስለ’ዚ፡ እቲ ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ምስላታት ይኹኑ መግለጺታት ሕላገቱ ስለ ዝኾኑ ሃስያ ኣየምጽእሉን እብል። እታ “ኣዴኻ ስለዘጽገባኻ ጸባ ሃይኮታ” ግን፡ ጸባ ሃይኮታ ዩኒቨርሳል ኣፍልጦ ክሳብ ዘይሃለዎ፡ እታ ግጥሚ ዶብ ሰጊራ ከምዘይተስተንፍስ’ዩ ዝገብራ። ድሩትነት ይፈጥረላ።
ኣንቲ ክንደይ ሕቶ ደኣኺ ሓቲትክኒ? ናይ በይንኺ ደርዘን ኣኺሉ። ንኺድ በሊ ደሓን. . .ግጥሚ ከተንብቦ ወይ ክትሰምዖ ከለኻ ባዕሉ ዝፍንወልካ ግጥማውነቱ ዝገልጽ መንፈስ ኣሎ። “ግጥሚ ኣይኮንካን” ክትብሎ፡ ዘየማልኦም ነጥብታት ክትዝርዝረሉ ትኽእል ኢኻ። ግጥሚ ኮይኑ እንተመጺኡካ ግን፡ ብኸመይ’ዩ ገጢሙ እቲ ዘይርአ መንፈሱ ጥራይ’ዩ ዝነግረካ። ንሓደ ሰብ ብኸመይ ሰብ ኮይኑ’ሎ ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኣድጊ ግን ሰብ ከምዘይኮነ ዝርዝራት ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ረምታን ናዕታን፡ ሜትርን ቶንን ስለ ዘካተትካ ግጥሚ ኣይውለድን’ዩ። ምስ ተወለደ ጥራይ ኢኻ በዞም ቀመማትን ባእታታትን እናወሳሰኽካ ምጩው ክትገብሮ ትኽእል።
• ዛራገጠምቲ~
ሕራይ ኣማኑኤል፡ እስከ ናብ መሰረታዊ ፍልልይን ተመሳሳልነትን ናይ ሕደማን ግጥምን ንእቶ፡ ኣብ ሞንጎ ተነባቢ ግጥምን ንደርፊ ተባሂሉ ዝጸሓፍ ግጥም(ሕደማ) ዘሎ ናይ ጥበብ ጋግ ከመይ ትርእዮ፧ ንፉዕ ገጣሚ ስለ ዝኾነ ንፉዕ ሓዳሚ ክኸወን ይከእልዶ ሓደ ገጣሚ ግጥሚ ስነጽሑፍ ፧ ወይ ድማ ብኣንጻሩ፡ ንፉዕ ሓዳሚ ንፉዕ ገጣሚ ግጥሚ ስነጽሑፍ ክኽወን’ዩ እቲ ዝቐልል፧
*ኣማኑኤል~
ሕደማ ኣብ ወረቐት ከንብቦ ከለኹ፡ ዘይተዛዘመ ግጥሚ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ሕደማ ስዒቦም ንዝመጽኡ ናይ ዜማ፡ ሙዚቃን ድምጻውን ሓገዛት ኣሚኑ’ዩ ዝብገስ። ስለዝኾነ ድማ፡ ፍኹስ ዝበለ ኣተሃናንጻ’ዩ ዘለዎ። ግጥሚ ግን ርእሱ ኣሚኑ ስለ ዝብገስ ልዕሊ ሕደማ ዕምቆት ኣለዎ።
ሕደማ ነቲ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ትኽ ብትኽ’ዩ ዘመሓላልፎ። ግጥሚ ግን ናብ መልእኽቲ ኣይጓየን’ዩ። ምሉእ ቅነ ደጋጊምካ ኣንቢብካዮ’ውን መልእኽቱ ከይንጽረልካ ይኽእል’ዩ። ሕደማ ብጽባቐ ዜማ’ዩ መልእኽቱ ዘመሓላልፍ። ግጥሚ ግን ብስእለ ኣእምሮ ጥራይ’ዩ ኣብ ጽባቐ ጽዒኑ መልእኽቱ ዝሰድድ። ስለ ዝኾነ ከኣ ንሓንቲ ትፈትዋ ዝነበርካ ሕደማ፡ ካብ ዜማ ኣውጺእካ ኣብ ወረቐት ጽሒፍካ ከተንብባ ከለኻ፡ ገለ ጽባቐ ዝጎደላ ኮይና’ያ ትስምዓካ። ንሕደማ ብዓይኒ ግጥሚ ከተንብቦ የብልካን። ክትግምግሞ ወይ ክትህይሶ ከለኻ’ውን ብዓይኒ ግጥሚ ክኸውን ኣይግባእን። ሕደማ ናብ ተራ ዘረባ ገጹ ዝኸደ ኮይኑ እንተተሰምዓካ’ውን ብመልእኽቱ ጌሩ ናብ ውሽጥኻ ክኣቱ ይኽእል’ዩ። ዋላ’ኳ ብዙሕ ዘመሳስሎም ነጥብታት እንተሃለወ፡ ግጥሚ ግጥሚ’ዩ – ሕደማ ድማ ሕደማ። ሕደማ ፈጺሙ ምስ ዓይነታት ግጥሚ ክጽብጸብ ኣይግባእን። ናቱ መንነት ኣለዎ።
ክልቲኦም ዓው ኢልካ ከተንብቦም ከለኻ፡ ሕደማ ዝያዳ ዜማ ይፈጥር። ኣብ ሕደማ ንሓሳባት ከም ውልቃዊ ስምዒታትካ ወይ ተሞክሮኻ ጌርካ ኢኻ ተቕርቦ። ኣብ ግጥሚ ግን እቶም ገጸባህርያትካ ወላ ግኡዛት ነገራት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ሕደማ መን’ዩ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ገጸ ባህሪ ብቐሊሉ ኢኻ ተለልዮ። ኣብ ግጥሚ ግን ጸጸር ድዩ ደንጎላ፡ ፈለግ ድዩ ውቅያኖስ ምፍላዩ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓተሉ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን።
ግጥሚ ዋላ 100 ሽሕ ነግሕታት ክሕዝ ይኽእል’ዩ፡ ሕደማ ግን ይውሰን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ቅርጺ፡ ትሕዝቶ፡ ሜላ ምምሕልላፍ መላኽቲ፡ ድሩትነት ነግሕታት በበይኖም’ዮም። ናይ ሕደማ ክኢላ ኮንካ፡ ግጥሚ “ዕጭ” ክብለካ ይኽእል’ዩ – ጥዕና ዘለዎ ግጥሚ ማለተይ’የ። ገጣማይ ኮንካ’ውን ሕደማ ዘይመባልዕትኻ ክትከውን ተኽእሎ’ሎ። ዝበዝሕ ግዜ ግን፡ ንሓዲኡ ዝመልኽ፡ ንክልቲኡ ክመልኽ ይረአ።
• ፊሊሞን ምሕረተትኣብ~
ሰላም ኣማኑኤል፡ ካብ ትዕዝብጥኻ ንኣፍልጦኻን ተበጊስካ፡ ኣብ መንጎ ግጥምን ፍልስፍናን ዘሎ ምትእስሳር ከመይትርእዮ፧ ነዞም ክልተ ነገራት ዘመሳስሎም ንዝፈላልዮምን ባእታታት ኣለዉ’ዶትብል፡ እስከ ብዛዕባ እዚ ገለበለና።የቐነለይ !
*ኣማኑኤል~
ኣንታ እዞም ገለ ሕቶታሲ ንኻልእ ሰብ ተሓሰቡ’ዮም መጺኦሙኒ ግዲ። ደሓን ግን እምንቶኻ ምግላጽ እንታይ ሓጢኣት ከይህልዎ – ክከራፈሶም’የ።
ፍልስፍና ጽልዋ ንክህልዎ ምጽብባቕ ኣየድልዮን’ዩ፣ ግጥሚ ግን ኣብ’ቶም መጸባበቕቲ ቀመማትን ባእታታትን’ዩ ዝምርኮስ። ግጥሚ ዝተዃሓሓለ ፍልስፍና’ዩ፡ ፍልስፍና ግን ግጥሚ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ግጥሚ ከም ሓደ መልክዕ ወይ ጨንፈር ናይ ፍልስፍና’ዩ ኢልካ ክድምደም ኣይክኣልን። እቲ ምንታይሲ፡ ፍልስፍና ዘየብልዎ ኣካይዳ’ውን ስለ ዘለዎ።
ፍልስፍና ኣብ ንጹርነት’ዩ ዝኣምን። ሓንቲ ፍልስፍናዊት ስነ ሓሳብ ሓንቲ ትርጉም’ዩ ዘለዋ። ግጥሚ ግን ኩሉ ብሓደ ኩርናዕ ዝጥምቶ ትሕዝቶ ኣይኮነን ዘለዎ። ፍላስፋ ዕቡጥ ሓቅታት ከይህሉ’ዩ ዝፍሕር። ገጣማይ ግን ንሳቶም ዝፈጥርሉ ስምዒታት’ዩ ዝገልጽ። ይኣክል፡ ቃለ ምልልስ ቢልካ ናብ ኣስተምህሮ ከተእትወኒ ኣይኮንካን።
• ገጣሚት ኣኽቢር ጓል ሃገረሰብ~
ንኣማኑኤል ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ከሎ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ህየሳ ደርፊታት ። ሕደማ ምስ ዜማ ከመይ ተዋሃሂዱ ወዘተ… እናኣቕረበ ይከታተሊ ነይረ ። ኣብ ልዕሊኡ ዘለኒ ኣድናቆት በዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ኣድናቆተይ ክገልጸሉ ። እንባኣር ናብ ሕቶይ ከብል ። ገጣሚ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ስሚዒቱ ብግቡእ እንተገሊጹ ኣኻሊዶ ኣይኮነን ። ናይ ግድን ንኣንባብቲ ወይ ንሃየስቲ ከም ዝጥዕም ገይሩ ባእታታት ግጥሚ ኣካቲቱ ክጽሕፎ ዘለዎ ?
*ኣማኑኤል
ግጥሚ ብብዙሕ መልክዓት’ዩ ዝጽሓፍ። እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ፡ “ንፋስ ኣውቅዓኒ” ኢሉ ምስተዃተኾካ ዝጽሓፍ’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ብጠለብ ሓደ ትካል ወይ ውልቀ ሰብ ዝጽሓፍ’ዩ። ካልእ’ውን ንውድድር ተባሂሉ ዝጽሓፍ ግጥሚ ኣሎ። ኣብ’ቲ ቀዳማይ ህሞት ኣጸሓሕፋ፡ ንቅጥዕታት ይኹን ንሃየስቲ ኣብ ግምት ከየእተኻ፣ ንተሃን ውሽጥኻ ጥራይ እናሰማዕካ ኢኻ እትጽሕፍ። ሃየስቲ ይኹኑ ቅጥዕታት ግጥሚ፡ ንጽባቐ ደኣ’ምበር ንክዕንቅፉኻ ወይ ንዕኦም እናዘከርካ ንክትጃጁ ዝመጽኡ ኣይኮኑን። ስለ’ዚ፡ ንክልቲኦም ፍጽም ረስዓዮም። ድሕሪ ምጽሓፍካ ግን፡ ግጥምኻ ንኣንበብትኻ ወይ ሰማዕትኻ’ውን ክንድ’ቲ ዝዓኻ ፈጢሩልካ ዘሎ ስምዒት ዝገማገም ምእንቲ ጽልዋ ኸሐድር፡ ዝተጠቐምካሎም ባእታታትን ቀመማትን፡ “ብዝግባእ ተሰዂዖምዶ ኣይተሰኹዑን?” ደጊምካ ፈትሾም። ክንደይ ባእታታትን ቀመማትን ካልኦት መማላኽዒታትን ተጠቂምካ ኣለኻ ዘይኮነ ዘገድስ ግን፣ ይውሓዱ ይብዝሑ፡ ኣብ ግቡእ መዓላ ድዮም ዘለዉ ወይሲ ንስለ ኩሕለ ምሕሊ’ዮም ብዘይ ዋጋ ተዓዲጎም ተጨሪሖም ዘለዉ’ዩ እቲ መዐቀኒ። እዞም ቅጥዕታት ተባሂሎም ዘለዉ ግን፡ መሕለፍን መትረፍን ነጥብታት’ኳ እንተ ዘይኮኑ፣ ንዝያዳ ጽባቐ ዝቘሙ ስለ ዝኾኑ ምፍላጦም ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብ’ቲ ብጠለብ ካልኦት ዝጽሓፍ ዓይነት ግጥሚ፡ (ንኣብነት ብጠለብ ደራፋይ ዝስራሕ ሕደማ)፡ ንድልየታት እቲ ኣፍራዪ ወይ ንኩነታት ዕዳጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለ ዝኾነ፣ ነቲ ወሃቢ ስራሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኢኻ ክትቅበሎ ወይ ክትነጽጎ ዘለካ። እንተተቐቢልካዮ ግን ብከፊል ብጠለባቱ ክትቅየድ ትግደድ ኢኻ።
እቲ ሳልሳይ ንውድድር ተባሂሉ ዝጽሓፍ’ውን እንተኾነ፡ ምሉእ ናጽነት ዘለዎ ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ንደያኑ ኣብ ግምት ከተእትዎም ኣድላዪ እንተዘይኮነ (ክትዝክሮም’ውን የብልካን)፣ ዝብዝሕ ግዜ ብትልሚ ስለ ዝቕይደካን ናይ ግዜ ገደብ ስለዝውስነልካን፣ እዚ’ውን ንገለ ረቛሒታት ኣብ ግምት እናእተኻ ኢዩ ዝጽሓፍ።
ብሓፈሻ ግን፣ ሓደ ገጣማይ ክጽሕፍ ክብገስ ከሎ ኣውራ ኣውራ ንሃየስትን ነቶም ቅጥዕታትን ፈጺሙ ክዝክሮም የብሉን። አረ ንሃየስትስ ርእይቶኦም ምስ ኣቕረቡ ደኣ ቁም ነገር እንተለዎ ፈትሾ’ምበር፡ ቅድሚ ፍርያት ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣይግባእን።
• ኤፍረ ምጎቦና~
ነዚ ዕድል ዝሃብክሙኒ ተጠቂመ ንኣዳለውቲ እዚ መደብን ንኣማኑኤልን ልባዊ ሰላምታይን ምስጋናይን ከብጽሕ እፈቱ፡ ቀጺለካ ብውህሉል ትዕዝብታተይ ዝተበገሰ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ርዝነት ግጥሚ ብዋንነት ክዕየር ዘስተብሃልኩ ይመስለኒ። እስከ ኣማኑኤል ኣብ ህሉው ኩነታት ስነግጥሚ ትግርኛ ተመሳሳሊ ትዕዝብቲ እንተድኣ ኣገጢምካ ሃልዩ ጽቡቕ እንተዘይኮነ ድማ ካብ ትዕዝብትታተይ እሞተለቓሕ፡ እዚ ተርእዮእዚ፡ ኣብ ስነግጥሚ ብሓፈሻ ኣብ ጀመርቲ ግጥሚ ድማ ብፍላይ ዘስዕቦ ሃስያ ከመይ ትርእዮ፧ ነቶም ሰብ ዝና ገጠምቲ ውን እንተኾነ፡ ንዕብየት ሞያ ዊብቕዓቶም ይጠቕምዶ ትብል፧
*ኣማኑኤልን~
ኣንታ እዚ ሕቶታት ኩሉ ኬፍ ኣለዎ’ሞ፡ እዚኣስ ንበይና’ያ። እዚ ደኣ ጊሓት ጊሓት ንርእዮ ዘለና’ንድዩ። ምርምር ምክያድ’ኳ ዘየድልዮ። ንባዕሉ ኣብ’ዛ ዛራ ገጠምቲ ንሓድሽ ስምን ንዝውቱር ስም ገጣምን ዝወሃብ ርእይቶታት ንርእዮዶ ኣየለናን። ኤፍረም፡ “ኣቐዲመ ክንደይ ኮመንት ወይ ላይክ ከምዘለዋ ምስ ርኣኹ’የ ዘንብባ” ምስ ዝበለኒ ዓርከይ ዶኾን ኢኻ ከተናቑተኒ ደሊኻ። ንኣብነት፡ (ምስ በየነ ሃይለማርያም ሎሚ ቅነ ቆጸራ ኣላትና ደኣ ፋሕ ከይተእትወለይ’ምበር)፡ “ኣትከኾም ተግባሩ” ትብል ግጥሙ፡ ካብ መልክዓ ዝናኣ ዝዛይድ ኮይና’ያ ትስምዓኒ – ብሕሉፍ ዝና በየነ። ኬፍ የብላን ግን ኣይበልኩኻን። እምበር ኣነ እንተዝጽሕፋ መን ቁሊሕ ምበላ። ሃየ’ንዶ ንስኻ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝለጠፍካያ ግጥሚ እንተሃልያትካ፡ ሎሚ ኣዘንግዕ ኣቢልካ ብስም ዶክተር ርእሶም ኣውጽኣያ ክትርእዮ እቲ ፍልልይ። እዚ ከኣ ንኣማተር ኣይጽቡቕ ዋላ ነቶም ሰብ ዝና ኣይጽቡቕ! ግደፈና’ስከ መቀያየሚ ከተዛርበና ኢኻ ከኣ ደሊኻ።
• ገጣሚ ፊሻለ ተስፋይ~
ሰላም ኣማኑኤል፡ ከም ኣድናቒኻን ኣፍቃሪጽሑፋትካን፡ ሓደ ካብቶም ከፋቲ ሸውሃት ስነ – ጥበብ (ኣስተማቓርን ማእዛንን) ብምኳንካ፡ ኣዳላውቲ’ዛ መደብ ንዘለና ጽምኢ ተረዲኦም ናይ ቀረባዕዱምና ብምግበሮም ከመስግኖም እደሊ።
ቀጺለ፡ ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ልዕሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ውን ክብሃል ይኽእል፡ብዙሓት ገጠምቲ ፈርዮም ንፍርያቶም ‘ውን ኣብ መጽሓፍገጽ(ፈይስ~ቡክ) ከዕለቕልቕን ርእዮ ኣለና። ኮይኑ ግን ኣብ ነሓድሕድ ገጠምትን ኣስተማቐርትን ብዙሕ ግዜ ዘይምስምማዕ ይርአ። ካብ ተመክሮኻን ውልቃዊ ትዕዝብትኻንን፡ስነ-ግጥሚ ኣብዚ ሓዱሽ ወለዶ ከመይ ይስጉም ኣሎትብል፧ ጠንቂ ‘ዚ ዘይምስምማዕን ዝርአ ናይ ቃላት ክርፍስን ካብ ምንታይ’ዩ ትብል፧ በዚ ኣካይዳ እዚ’ኸ ብርግጽ ኣብ ስነ-ግጥሚ ክንስጉምን ክንዓብይን ንኽእል ኢና ዶትብል፧ ኣብ መንጎ እዚ ሰለስተ ወለዶ ግጥሚ ኤርትራኸ’ እንታይ ትዕዝብቲ ኣለካ፧ ንትገብሮ ሰፊሕ መብርሂ ኣዝየ የመስግን፡የቐንየለይ።
* ኣማኑኤልን~
ወይለይ ወይለይ. . . ደርዘን ሕቶ ቢልኩም ኣዘንጊዕኩምና’ምበር እዚ ደኣ “ዶዘር ዘይተልዕሎ ሕቶ” ዘይትብልዎ። ሓዝ በል ፊሻለ ክሳብ ዝስልችወካ ከስፍሓልካ’የ – ንካልኦት ደኣ ክትልክመለይ ኢኻ’ምበር።
ዘይምስምማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ርእይቶ ስለ ዝሃብካ ኣፍንጫኻ ምድርዓም’ውን ኣሎ። ኣነ ኣብ’ቲ ጋዜጣ ብግሩህ ኣዘረራባ “ነቐፌታ” ንብሎ ዝነበርና ጽሑፋት አቕርብ ኔረ’ንድየ፡ ሽዑ ከኣ ከም’ዚ ሕጂ ጉብዝና ስለ ዘይነበረኒ፡ ፈቐዶ ኣንጎሎ’ዮም ከጓዩዩኒ ዝውዕሉ ኔሮም። ነቲ ዘጉሰጠኒ ኣብ ክንዲ ዝደግሞ ከኣ መሊሰ ንካልእ “ጥበበይና” ስርሑ እትንክፈሉ’ሞ፡ መሊሰ እስሕና። ምልኻፍ ስርሓቶም ኣይገደፍና፡ ቂምን ጉስጥን ኣይወሓደና፡ እነና ከምኣ ኢልና።
ከይተግፍሓለይ ብዛዕባ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዝርአ ዘይምቅዳው ጥራይ ፡ ሪሰርች ዘይገበርኩሉ ትዕዝብታተይ ከዕልለካ። መጀመርታ ስለምንታይ ኢኻ ኮመንት እትጽሕፍ’ዩ ክንጸር ዘለዎ። ሕልና ሰብ ንምስባር? ሰባት ኣባህሪርካ ኢደ-እግሮም ከምዝእክቡ ንምግባር? ፈላጥ ተመሲልካ ንክትርአ? ከም’ዚ ሕብሪ ዘለዎም ርእይቶታት እዕዘብ’የ። እዚኣቶም ቆይቂ ክፈጥሩ ከኣ ግድን’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ “ኬፍ ሂባትኒ’ሞ፡ እዚኣ እንተትውሰኻ ወይ እንተትጽረባስ ዝያዳ ኬፍ ምሃለዋ” ንምባል ዝወሃብ ርእይቶታት ኣሎ። ነቲ ገጣሚ ስለ ዝሓለኻሉ ዘይኮነ፡ ነታ ግጥምን ስነ ግጥምን ስለ ዝሓለኻሎም ገለ ንከተበርክት ኢልካ ዝጸሓፍ ርእይቶ’ውን ኣሎ። ከም’ዚ ኣብ ዝሕብሮም ርእይቶታት እቲ ገጣሚ እንተተቐይሙ፡ “መን ምሳኻ ተዛሪቡ፡ አረ እዛ ግጥሚ’ውን ንስኻ ወላዲኣ’ምበር ዋናኣስ ሓፋሽ’ዩ” ቢልካ ምሕላፉ’ዩ። ነዚ ከዐግሱ ኣድሚናት ምስ ወሃብቲ ርእይቶ ምምልላስ ኣይፍቀድን ዝበልዎ ከኣ፡ ብዙሓት ቁሪምሪም ክብልሉ ሰሚዐ’ለኹ። ብዝኾነ፡ ዋላ እቲ ክርፍስ ሰማይ ይብጻሕ ገለ ረብሓስ ኣይሰኣኖን ይኸውን በሃላይ’የ። ቁሩብ ናይ ምምዓድ ባህሪ ከኣ ኣላትኒ’ንድያ፡ ኣቱም ገጣሞ ተጻወሩ፡ ኣንቱም ወሃብቲ ርእይቶ ድማ ኣይትተሓለሉ፡ ግን ልዝብ በሉ በሎም መጺኡኒ’ሎ። ኣይፍለጥን’ዩ፡ “ኣብ መወዳእታ ክትብሎ ትደሊ” ትብል ሕቶ እንተዘየላስ፡ ተበሊጸላ’ለኹ ባዕለይ። ፊሻለ፡ “ኣብ ሞንጎ’ዚ ሰለስተ ወለዶ ግጥሚ ኤርትራ. . . “ ኣብ እትብል ሕቶ፡ ድምጸይ ናይ ምዕቃብ መሰለይ ይተሓለወለይ።
• ዛራገጠምቲ~
ሕራይ ኣማኑኤል፡ እስከ ምስ ስነግጥሚ ብዝተተሓሓዘ ናብ ጉዳይ ህየሳክንኣቱ፡
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ስነጥበብ ሃገርና ካብቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ውሑዳት ሃየስቲ ሓደ ኢኻ። መቸም ኣሽንካይዶ ናይ ሓደ ገጣማይ ሓፈሻዊ ግጥሙ ብውሑድ ቃላት ክትግምግም ምኽኣል፡ ንሓንቲ ንጽል ግጥሚ ውን ብውሑድ ቃላት ክትገልጽ ምፍታን ኣጸጋሚ ሙኻኑ ርዱእ’ዩ። ግዳ ከም ሃያሲ መጠን ብመልክዕ ቕዲብ ምጥማት፡ እስከ ንግጥምታት ገጣሚ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ብሓፈሻ፡ ብዓይኒ ህየሳ ሓያልን ድኹምን ጎንታቶም ጾሚቕካ ክትገልጸልና ፈትን።
* ኣማኑኤል~
ኣንታ እዞም ገሊኦም ሓታቶስ ርህራሀ ዝበሃል የብሎምን። ሕቶ መጺኡለይ ኢልካስ፡ መስኪን ኣማኑኤል ልዕሊ ዓቕሙ ጽዒንካ ሕቖኡ ክትሰብሮ። ነዚኣ ከተጋግዩኒ ደሊኹም ኢኹም፡ “ሃያሲ” ዝብል መዓርግ ከተሰክሙኒ ዝሓሰብኩም። እዛ ሕቶ ግዜ ስለ ዘድልያ፡ ብዕምቆት ጠሚተ ኣብ’ዛ ደንበ ብዛዕባ ናይ ዶተረ ግጥምታት ርእይቶይ ከስፍር ቃል ኣትየ ምስንባት ትሕሸኒ። እዋእ. . .! ተባዕ እናመሰለትኒ እዛ ነብሰይ’ምበር ከጃጅዉኒ ደልዮም።
• ገጣሚ ሲስማሳዋ~
ሰላም ኤማ፡ ግጥሚን ምጽሓፍ ተውህቦ ክህልወካ ኣለዎ ይባሃል። ሃያሲ ንምዃንከ፧ ናይ ህየሳ ፍሉይ ተውህቦ ኣሎዶ፧ ሓደ ጽቡቕ ግጥሚ ዝጽሕፍ ሰብን ግጥሚ ብዓይኒ ህየሳ ርእዩ ክትንትን ኣይክእልን ይኸውን፡ ብኣንጻሩ ድማ ግጥሚ ኣብ ምጽሓፍ፡ ክንዲ ‘ቲንፉዕ ገጣሚ ግን ከኣ ዘይሃያሲ፣ ዘይኮነሰብ፡ ንፉዕ ሃይሲ ኮይኑ ንግጥሚ ከጻውቶይ ኽእል። ስለዚስ ንፉዕ ሃያሲ ንምዃን ብተውህቦ ድዩ፡ ወይስ ብዛዕባ ስነ-ግጥሚ ትምህርቲ ምውሳድ ጥራይእ ኩል’ዩ፧ (ተውህቦ ኣወንዚፍና፡ ብዛዕባ ስነ-ግጥሚ ብትምህርቲ ኣጽኒዕካ ጥራይ ንግጥሚ ክትህይሶ ይከኣልዶ፧) ንዝኾነ ተውህቦ ብትምህርቲ ከተሀብትሞ ምኽኣል ኣብ ቦትኡ ከሎ ማለተይ’ዩ ። የቐንየለይ !
* ኣማኑኤል~
ህየሳ’ኳ ፍልጠት ዘይኮነ ምስትብሃል’ዩ። ንፉዕ መስተብሃሊ ክትከውን ኣለካ’ምበር፡ ባእታታት ግጥሚ ስለ ዝሸምደድካ ሃያሲ ክኽወን ኣይክኣልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ወረቐት እናገንጸልካ ወይ’ውን ካብ ርእስኻ ፈትሽካ፡ “ቅጥዕታትን ኣገባባትን ስነ ግጥሚ ተማሊኡዶ ኣይተማልአን” እናበልካ ክትህይስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ባዕሎም እቶም ኣብ’ታ ግጥሚ ተወጺዕም ወይ ተወሪቖም ዘለዉ ኣገባባት ብልጭ ክብሉኻ ኣለዎም። እዚ ከኣ ሓይሊ ምስትብሃል’ምበር ፍልጠት ንበይኑ ዝውስኖ ኣይኮነን። ዳኛ ቤት ፍርዲ ጥራይ’ዩ ወረቐት ወይ ጽሑፍ ሒዙ ክፈርደካ ዝኽእል።
ኣብ ምጽሓፍ ግጥሚ ነፊዕካ’ውን ህየሳ ዘይመባልዕትኻ ክትከውን ትኽእል’ያ። ህይስ ከሪምካ ሓንቲ ግጥሚ ክትሽርጥጥ ዘይምኽኣል’ውን ኣሎ። ከም’ዚ ከማኻ ክልቲኡ እንተተዓዲልካዮ ከኣ ግርም። ግደፍ ደኣ፡ “ተውህቦ” ዝብልዋ ቃል ክፈትዋ መዓት’የ። ብዘይ ተውህቦ ጠምጠም ትብሎ ቀለም ኣይብርሃንን።
•ገጣሚ ሬድዋን መሓመድ~
መብዛሕትኡ እዋን ሃየስቲ፡ ገጣሚ ዘየስተብሃለሉ ነገር፡ ውይ ክኸውን ይግብኦ ነይሩ ንዝብልዎ ከም ነጥቢ ወሲዶም፡ ትንተና ብምቕራብ እዮም ዝነቕፉ። ንስኻ ኣማኑኤል ከም ገጣሚን ሃያስን መጠን፡ ንግጥምታትካ ብኸመይ መስርሕ የሕሊፍካ ኢኻ ናብ ህዝቢ እተቕርቦም፧ የቐነለይ!
* ኣማኑኤል~
“ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ፡ እንተሒዝካ. . . “ ኮይና ነገር። ሕጂ ደሞ “ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ” ኣብ ዝብል ውራይ ብፍታወይ ወረቐት ዕድመ ሒዘ ኣትየ፡ “ሃያሲ ኣይኮንኩን፡ ገጣሚ ኣይኮንኩን” ኣብ ዝብል ጓል መንገዲ ትሕትናታት ክኣቱ ኮይነ።
ኣነስ ነተን ቁንጣሮ ምስ ኣንባቢ ፊተ ፊት ዝተጋጠማ ዓሌት ግጥምታተይ ኤዲት ጌረየን ወይ ምምዕርራይ ጌረለን ኣይፈልጥን’የ። በታ ፈላማ ዝመጽኣትኒ’የ ፈንየ ዝገድፈን። ክደማስስ እንተፈቲነ ድማ ናብ ካልእ ኣርእስቲ’የ ዝህውትት። እዛ ጠባየይ ፈሊጠ ግን ቅድም ኣብ ውሽጠይ ኤዲት ጌረ’የ ምስ ብርዒ ዘላልዮም። ድሕሪ ርእይቶ ብሩኻት ግን የማዕራርዮም’የ።
• ዛራ~ገጠምቲ~
ኤማ ‘ንዝሃብካና ሰፊሒን መሃርን መልስታት ብስም ዛራ እናመስገና። ምሰቲ ኣብ መወዳእታ ዘይበልክዎ ዝተረፈ ኣሎ ኢልካ እትብሎ እትደሊ ሓዊስካ እትምልሳ ብሓንቲ ሕቶ ከነፋንወካ፡ ብጥበባዊ ኣረኣእያኻ፡ ግጥሚ ንሓድሕዱ ክወዳደር ይክኣል’ዩ ዶትብል፧ ከምኡ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብ ብቕዓትን ኸተወዳድር ካብ ቕዲ ናብ ቕዲ ዘሎ ፍልልያት ኣለሊኻ ከተመዛዝን ወይ ከተወዳድር ኣየሸግርንዶ፧ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝግበር ውድድራት ግጥሚ ከመይ ትቕበሎ ወይ ትርእዮ፧
*ኣማኑኤል~ ዝውስኾ የብለይን። ሕቶታትኩም ስለ ዝወዳእኩም ግን ተመስገን ወሲኸ ኣለኹ። ወይለይ ዝኸበደት’ባ ከኣ ተሪፋ’ላ። ኣብ ትግርኛና እንተመጺእና፡ ኣብ ዘመናዊ ስነ ግጥሚ ቅዲ ተፈጢሩ’ሎ ቢለ ስለዘይኣምን፡ ግጥምታትና ኣሕፍሽካ ምውድዳሮም ዘኮራሪ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ኡፍፍፍ. . . ኣገሪሆም’ኳ ሽሕንን ኣቢሎምኒ!
ኣዚና ነመስግን ስነጥበባዊ ኣማኑኤል በርሀ
የቐንየልና !
ዛራ~ገጠምቲ
12~2015