ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 97 ክፋል
ጸላኢ ሓርነት ባረንቱ ጠሪሹ ስለ ዘይተዋሕጠሉ ኣሎ ዝብሃል ሰራዊቱ ገፋፊጡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንኽመልሳ ዝከኣሎ ፈተነ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ንምፍሻል መሪር ምርብራብ እናካየደ ከሎ መዓስከር መራፊት ኣብ ተዛማዲ ህድኣት ነበረት። ብሰንኪ ኣብቲ ወርሓት’ቲ ዝኽሰት ነበልባላዊ ሙቐት፡ ብፍላይ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ቀትሪ ዘሎ ግዜ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ካብ ሰብነቱ ዝነዝዕ ዘይተኣደነ ረሃጽ ንኽትክእ ዘይተኣደነ ማይ ኣብ ርእሲ ምስታይ፡ ካብቲ መፈጠርካ ዘጽልእ መግሃር ዝኾነ ሙቐት ንኽድሕን ኣብ ዝረኸቦ ጽላል ይዕቈብ።
ካስትሮ፡ ወርሓት ሃሩር ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኣንጊሁ ብምትሳእ ስርሑ ይጅምር። እዋን ቍርሲ ምስ ኣኸለ፡ ሻህን ባንን ኣረማሲሱ ኣብ ስርሑ ብምምላስ፡ ቤትጽሕፈቱ ማይ ባህቢሁ ከም ብሓድሽ ስርሑ ይቕጽል። ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ገበላ ምግብና ንርብዒ ሰዓት የዕልል። ብፍላይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ካብ ባሕሪ ዝብገስ ጥዑም ንፋስ ስለ ዘሎ ብዙሓት ኣባላት’ዮም ኣብ በረንዳ ምግብና ኣጣጢሖም ዘዕልሉ። ኣብቲ ቦታ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ፡ ሓደስቲ ፍጻሜታት ዓለም፡ ዋዛ ምስ ቁምነገር ዝምርኰስ ዕላላት ስለ ዝለዓል እንተ ዘይገይሾም ኵሉ ግዜ ካብቲ ቦታ ዘይፍለዩ ፍሉጣት ሰባት ነይሮም። ካስትሮ’ውን ሓደ ካብኣቶም ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ተረካብ ዘረባታትን ዋዛታትን ሰሚዑ ሓንጐሉ ከሕድስ ከሎ፡ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ ይጽመድ። ጸጸኒሑ ድማ ንሓፈሻዊ ፍልጠት ዝምልከት ክትዓት ክለዓል ከሎ ሓበሬታ ብምልጋስ እጃሙ የበርክት።
እቲ ግዜ ግን ኵሉ ግዜ ብኸም’ዚ ይሓልፍ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። በጋጣሚ ብዛዕባ ውላድ ወይ ስድራቤታዊ ሕቶ ክለዓል ከሎ፡ ሮዛን ፍረወይኒ ጓሉን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኵድም ስለ ዝብሎኦ ብሓሳብ ሃጽ ኢሉ ይገይሽ። ዓሰርተ ዓመት ካብ ተፍቅራ በዓልቲቤትካን ርኢኻ ዘይጸገብካያ ውላድካን ተፈሊኻ ምንባር ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን። ከም ሰውራ መጠን ትጽመም፡ ክትርስዖ ትፍትን። ጸጸኒሑ ብልጭ ምባሉ ስለ ዘይተርፍ ግን ነፍስኻ ምትላል’ዩ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ብድድ ኢሉ ንሶቬቱ ብምኻድ ኣብ ፖርትሱዳን ዝነብሩ ገለ ብጾት ዝሰደዱሉ መጽሓፍ እናንበበ ክድቅስ ይፍትን። መጽሓፍ ገንጺሉ ከንብብ ምስ ጀመረ ግን ኣብ ሓንቲ መስመር ጥራይ ካልኢታት የጥፍእ። ኣእምሮኡ ሕምብሊል እናበለ ሓሳቡ ምጥርናፍ ስለ ዝኣብዮ፡ ከይፈተወ ሬድዮ ወሊዑ ይድቅስ። መሬት ጠለስ ምስ በለ፡ ከም ሰቡ ሻሂ ክሰቲ ንምግብና የምርሕ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ንድራር ጥራይ ተሲኡ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ስርሑ ይቕጽል። ንፖርትሱዳን ወይ ንሜዳ ጦፍ እንተ ዘይከይዱ፡ ወይ ብፍሉይ ኵነታት ናይ መርዓ፡ ናይ ሓባር ምሸት፡ ኣኼባ ወይ ሰሚናር እንተ ዘይተዘናቢሉ እዚ ከም ልሙድ ወይ ንቡር ህይወቱ ክግለጽ ይከኣል።
ካስትሮ፡ ከም ባህሪ ብዛዕባ ነፍሱ ዘይዛረብ፡ ዕላላቱን ዋዛታቱን ድሩት፡ ያዕያዕን ፋይዳ ዘይብሉ ክትዕን ዘይፈቱ፡ ዝበዝሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ኣብ ምንባብን ሬድዮ ምስማዕን ከሕልፎ ዝፈቱ ሰብ ብምንባሩ፡ ኣብቲ መዓስከር ብዘይካ ወዲሸቃ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኵነታቱ ወይ ደርባዊ መበቈሉ ዝፈልጡ ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም ክብሃል ይከኣል። ካልእ ይትረፍ ኣብ ቤትትምህርቲ ፖይንትፎር ከም ዝተመረቐ ዝፈልጡ በጻብዕ ዝቝጸሩ ጥራይ ይቝጸሩ ነይሮም።
ኣብቲ ቅንያት’ቲ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ገበላ ምግብና እናዕለለ፡ ከሎ ሓደ ኣብ ከተማ ዝፈልጦ ተዋዛያይ ወዲ ዓዶም፡ “ኣታ ወዲግራዝማች! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ?” እናበለ ሰዓሞ። “እዋይ ማርያም ኣደይ! እኒ’ስኻ ደኣ ደቂ ቡርጅዋ በረኻ ክትወጽኡ መን ሓሲቡኩም! ሰውራ ንገለ ስደት ንገለ ልደት ክብል ወዲበርሀ ዓርከይ ሓቁን’ድዩ፡” በለ ብዓውታ። እቲ ዝሰምዖ ዝነበረ እኩብ ሰብ ኵሉ ብሓባር ሰሓቐ። ክዛረብ ከሎ ብፍጥረቱ ዓውዓው በሃላይ’ዩ ነይሩ።
“ኣየ ሰውራ! እዚ ትርእዩዎ ዘለኹም ነስመራ ብቦሊስባገን ክረግጻ ኸሎ እንተ ትርእዩዎ! ሕጂ ክሹኽ ተዓጢቑ ክትርእዮ ከለኻ ሓደ ሕሉስ ይመስል፡” ኢሉ ንበይኑ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ። “ኣልመኖ እኒ’ነ ፈሳዊት ደርሆ ዘይብልና እንተ ተሰለፍናስ የምሕረልና ይኸውን። ናይ በዓል ንስኻኸ እንታይ ክበሃል’ዩ? ብዝኾነ ብመውጋእቲ ዝሓለፈልካ ዕድለኛ ኢኻ። መራፊት ከኣ ኣየር ኣይትመጽኦ ፈንጂ የብሉ፡ ኣብዚኣ ክልተ ፊሎ እናላገብካ ኮፍ በል፡” በሎ። ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ክሰምዑዎ ዝጸንሑ ካብ ደርዘን ዘይውሕዱ ብጾት ብሰሓቕ ተተኰሱ። እቲ ብጻይ መኪና ከዕሪ ንመራፊት ስለ ዝመላለስ ጽቡቕ ገይይሮም’ዮም ዝፈልጡዎ።
“ስማዕ’ስኪ ተፋናተት፡ ንሰበይትኻ ናይ ክልተ ወርሒ ቀለብ ገዲፍካላ ከም ዘይመጻእካ ከመይ ኢልካ ኢኻ ሕጂ ሰውራ ተረዲኡካ ዝተሰለፍካ ሸቃላይ ክትመስል ትፍትን ዘለኻ?” በሎ ሓደ ካብ ሰማዕቲ። ቅድሚ ኣብ ኮሚሽን ህንጻ ምምዳቡ ኣብ ሓይልታት ዝፈልጦ እዩ።
“ወዲጥሮታ ኸኣ ግደኻ’ምበኣር ጌርካ? ኣነስ ሕራይ ኣይሕስወልካን’የ፡ ወዲገብሩ፡ ‘ብቶከር ሓሊፉ ኢሎማ ሻሽ ተዓሚማ፡’ ምስ በለ እየ ተሰሊፈ። ንስኻ ግን ኣቦኻ፡ ‘እዞም ደቅና ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት እንተ ተዋጊኦም እዘን ሕቡራት መንግስታት መጺአን ንሃይለስላሴ ዓድኻ ተመለስ ክብሎኦ’የን፡’ ኢሉ ከዕልል ምስ ሰማዕካዮ’ንዲኻ ተሃንዲድካ ዝወጻእካ። ክተዛርበኒ ኢኻ ደሊኻ? ግደፍ ንሰታተር። ኣብ ሓይልታት መገብኩ፡ ሓመምኩ እናበልካ ሓሊፍካያስ ኣንኮራ ትዛረብ ኣለኻ’ታ ሓምቦቝጣ!” ንበይኑ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ።
“ኣየ ተፋናተት! እዛ ኣብ ጭርቃን እትነውሕ መልሓስካ ኣብ ፖለቲካ ከምኡ እንተ ትኸውን ነይራ ናይ ክፍሊ ህንጻ ኮሚሽነር ምኾንካ ኔርካ። መሳቱኻ ደኣ’ሞ ሰውራ’ንድዮም ዝመርሑ ዘለዉ፡ ከምኣ ኢልካ ክትድእል ጥራይ መሬት ዓሪቡካ፡” በለቶ ብሓደ ጫፍ ኮይና ክትሰምዖ ዝጸንሐት ጓልመሓሪ። ኣብ መደበር ስንኩላን ከላ እትፈልጦ ኾይና ኣስናኑ ዝርው ኢለን ምስ ረኣየቶ ተፋናተት ዝብል ሳጓ ዘውጽኣትሉ ርጥብቲ ብጸይቲ’ያ።
“ንስኺ ደኣ ኣበይ ዘለኺ ሸንጓሕ ኢኺ ከምኡ ትብሊ? እዛ ትርእዩዋ ዘለኹም ኣብ እንዳ ባራቶሎ ብሰብዓን ሓሙሽተን ሳንቲም ንመዓልቲ እያ ትሰርሕ ነይራ። ሕጂ ገለ ውዱባት ናይ ጀብሃ ኣብ ኤርትራ፡ ‘ላምባ’ሎ፡ ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአት ካብ ናይ ወደባትና ኣታዊ ጥራይ ነፍወከፍ ሰብ ከይሰርሐ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ንወርሒ ክኽፈልዩ፡” ምስ በሉዋ ሓቂ መሲሉዋ ሃፍ ኢላ ናብ ጀብሃኣ። ኣብ ጀብሃ ግን ኣይጠዓማን። ጽብቕቲ እንተ ትኸውን ነይራ ወይ ሓለፍቲ ምተመርዓዉዋ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምሃለወት። ኣብ ጀብሃ ክንደይ ማርያም ዝመስላ ደቂኣንስትዮ እየን ነይረን። እዚኣ ግን ጀበና ኣደይ መዘንግዕ ትመስል ኮይናቶም ቍሊሕ ምባል ምስ ኣበዩዋ፡ ‘ሻዕቢያ ትብሃል መሰል ደቂኣንስትዮ ትሕሉ ገስጋሲት ውድብ ኣላ፡’ ክብሉ ሰሚዓ ምስ’ዞም ፋሉል መጺኣ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ብፖለቲካ እንተ መጺእኪ ኸኣ ስጋ’ቦይ ኢለ ካባኺ ዘይሓምቕ!” በላ።
ዘረባኡ ቅጭጭ ኣይበላን። “ስለምንታይ ክልተ ኮሪያ?” ምስ በለቶ እቲ ዘረባኦም ክሰምዕ ሆጭ ኢሉ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰብ ሰሓቑ ፈነዎ። ተፋናተት ከም ዘይክእላ ፈሊጡ፡ “ኦፋ! ንኺድ በጃኻ፡ ምስ ክንደይ መልሓሰን ካብ ዒላ ማይ ዘገልል ለውላዋት ክንዛረብ ኢና። ብፍላይ እዛ ጓል’ዚኣ እኩብ ሰብ እንተ ርእያ ዘረባ ካብ ገለ’ያ ተምጽኦ!” እናበለ ንካስትሮ ብጕምቦ ኢዱ ሒዙዎ ከደ።
ገለ ካብቶም ኣብ ገበላ ተኣኪቦም ሻሂ ዝሰትዩ ዝነበሩ ብዘረባኡ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ተፋናተት፡ ስለምንታይ ክልተ ጀርመን፡ ስለምንታይ ክልተ ቬትናም?” በሉዎ። ተፋናተት ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ስለምንታይ ክልተ ጀርመን ወይ ክልተ ኮርያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ከምዚ ሽማንጉስ ታሕታይን ሽማንጉስ ላዕላይን እዩ ኢሉ ስለ ዝመለሰ ብዙሓት ሰባት’ዮም ዝጨርቁሉ።
ኣብ ናይ ካስትሮ ሶቬት ምስ ኣተው፡ ኣብ እንዳ ህዝቢ ተዓቝቦም ዘለዉ ደቂዓዶም፡ ዘለዉን ዝተሰውኡን ተጋደልቲ፡ ገለ ካብኦም ካስትሮ ዝፈልጦም ገለ ዘይፈልጦም ክዝርዝረሉ ጀመረ። ቀጺሉ ንወጻኢ ዝኸዱ፡ ዝሃብተሙ፡ ዝደኸዩ፡ ዝተኣስሩ፡ ዝሞቱ. . . ኣዕለሎ። ካስትሮ ነቲ ዅሉ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝኣከቦ ገሪሙ ዎ፡ “እዚ ዅሉ ኣኽባር ግን ካበይ ረኺብካዮ?” ክብል ሓተቶ።
“ሰበይተይ ኣብ እንዳ ህዝቢ እያ’ኮ ዘላ። ካብ ሓይልታት ይኹን ካብ ክፍልታት ዝመጽአ፡ በስመራ ዝመጽአን ብደገ ዝኣተወን ኣብኡ ከይተኣልየ ስለ ዘይሓልፍ ዝኾነ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዜና ኣብኡ እዩ ዝጸንሓካ።”
ዕላሎም ከይወድኡ፡ “ተፋናተት!” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። “በል ጽዊዖምኒ፡ ደሃይ መኪናይ ክገብር። ኣብ ምላሸይ ብሰፊሑ ከዕልለካ’የ፡” ኢሉ ተፋነዎ።
መበል 98 ክፋል