ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 95 ክፋል
ጕዳይ ኣብርሃም ንሮዛ ድቃስ ከልኣ። ሕስብ ሓዲራ ሺፈራው ‘ዝኾነ ሽግር እንተ’ሎ ኸኣ ዘይምስካፍ፡’ ኢሉዋ ከም ዝነበረ ዘኪራ፡ ‘ዘይፍትኖኸ’ ኣብ ዝብል ሓሳብ ወደቐት። ሰንበት ንግሆ ናብ ቀበሌ ምስ ከደት ግን ክትረኽቦ ኣይከኣለትን። ብወረወረ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ተመዲቡ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠት፡ ድሕሪ ናይ ቀበሌ ኣኼባ ናብኡ ኣምርሐት።
ሺፈራው ቡን ሒዙ ሽጋራ እናትከኸ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ጸንሓ። ቅልቅል ምስ በለት፡ ካብ ኵርሱ ብድድ ኢሉ ብሸቐልቀል ተቐበላ። ካብ ንቡር ንላዕሊ ሰላምታ ምስ ኣጽገባ፡ “ክገርመኪ በጋጣሚ ቴለፎን ክድውልለኪ እናሓሰብኩ ከለኹ ኢኺ መጺእኪ። ተጣፊእናዶ? ስራሕ በዚሑ’ንድዩ። ኣብ ቀበሌ ብዙሕ ይመጽእ ዘየለኹ ኣይተራኸብናን፡” ድሕሪ ምባል፡ “ይቕሬታ ቡንዶ ሻሂ ክእዝዘልኪ ሮዝየ?” በላ ምስሉይነት ብዝመልኦ ኣቀራርባ።
ዘምጽኣ ጕዳይ ወዲኣ ቀልጢፋ ክትምለስ ስለ ዝሓሰበት፡ “ሕጂ ሻሂ ክሰቲ ጸኒሐ የቐንየለይ፡” ክትብል መለሰትሉ ተመቕሊላ።
“ተገዲስኪ ምምጻእኪ ደስ ዘብል’ዩ። ከይተረኣኣና ኣዋርሕ ሓሊፉዶ ሓቀይ? ስራሕ መደበር ምስዳድ ከሊኡና በጃኺ፡” እናበለ ብኢዱ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛኡ ናብ ዝነበረ ድርዳር ወረቓቕቲ ኣመልከተላ። ኣብርሃም ካብ ዝእሰር ኣትሒዙ ክትመጽእ ምዃና ፈሊጡ ክጽበያ እዩ ቀንዩ።
ሮዛ ንዘምጽኣ ጕዳይ ብኸመይ ከም ተቕርቦ ኣዳቒቓ ከይሓሰበትሉ ሃንደፍ ኢላ ብምምጻኣ ነፍሳ ነቐፈት። ሺፈራው ብወገኑ ቴለፎን ከይደወለት ብምምጻኣ ንኽዳሎ ዕድል’ኳ እንተ ዘይሃበቶ ብታሕጓስ ፍሽኽ ፍሽኽ ይብል ነበረ። ንገለ ካልኢታት ተጠማሚቶም ትም በሉ። ነዒንታን ከናፍራን እንተ ጠመተ መሊሳ ዝጸበቐት ኮይኑ ተሰምዖ። ሮዛ ነግፈረግ ክትብል ጸኒሓ፡ ሓሳባታ ብምጥርናፍ፡ “እንታይ ይመስለኩም ሓለቓ ሚእቲ፡” ኢላ ዘረባኣ ጀመረት።
ዘረባኣ ከይወድአት፡ “ይቕሬታ ግበርለይ ሮዛ ኣቱምን ሓለቓ ሚእትን ገዲፍኪ ሺፈራው እንተ በልክኒ ይሓይሽ፡” ኢሉ ኰለፋ።
ንርእይቶኡ ብኽምስታ ተቐቢላ፡ “እወ እንታይ ይመስለካ ሺፈራው፡ ዶቶር ኣብርሃም ዝብሃል ሰብኣይ መሓዛይ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ማርያምግቢ ተኣሲሩ’ሎ። ምናልባሽ ኣይትፈልጦን ትኸውን’ምበር ከመይ ዝበለ ወረጃ ሓኪም እዩ ነይሩ፡” ድሕሪ ምባል ርእሳ ኣቕኒዓ ጠመተቶ። ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ኳ እንተ ነበረ፡ መልሲ ከህባ ከይተረበጸ ሽጋራኡ እናሰሓበ ብህድኣት ምስማዓ ቀጸለ።
“ንዓይ ከኣ ገባር ጽቡቐይ’ዩ። ብዓቢኡ ድማ መስኪነይቲ እታ መሓዛይ ዝኾነት በዓልቲቤቱ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወዲቓ’ላ። መእሰሪኡ ዛጊት ኣይፈለጥናዮን ዘለና፡ ብዝኾነ ግን እንተ ብዋሕስ እንተ ብጕዳይ ጥዕና ኣመኽኒኻ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኣሉ ዝኽእል መንገዲ እንተሎ ክትተሓባበረኒ እየ መጺአካ ዘለኹ፡” ብምባል መልእኽታ ኣመሓላለፈት። ብኸመይ ከም ትገልጸሉ ተጨኒቓ ከም ዘይጸንሐት ዘረባ ምስ ጀመረት ግን ቃላታ ከም ዝዛሪ ዘሎ ፈለግ ወሓዙላ።
“ኣወታዊ መልሲ ክህባ እናተጸበየት ከላ፡ “ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ! ነዚ ክትብሊ ክንድዚ ትደኽሚ!” ምስ በላ ብጌጋ ስለ ዝተረድኣቶ ልባ ተሰቕለት።
“ዋይ ኣነ! ንብላሽ መልሓሰይ ጸዪቐ፡” ኢላ ምስ ነፍሳ ኣንጸርጸረት። ንሱ ግን ክሕግዛ ዘይኮነ ይሽሕጣ ስለ ዝነበረ፡ “ነዚ ቀሊል ጕዳይ ክትብሊ ኣብ ክንዲ ምድካም ስለምንታይ ብቴለፎን ዘይሓበርክኒ? ምዃን እቲ ምርእኣይ ናይ መን ኮይኑ፡ እንቋዕ ብኣካል መጻእኪ። ሕጂ ግን እቲ ጕዳይ ብቐሊል ዝፍታሕ ስለ ዝኾነ ላዕልን ታሕትን ኣይትበሊ ኵሉ ናባይ ግደፍዮ። ኣብ ማርያም ግቢ ዘሎ ሓላፊ ናይ ቀረባ ዓርከይ’ዩ። ስለዚ ነቲ ነገር ኣጻርየ መታን ክነግረኪ ረቡዕ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ኣብ ቀበሌ ንራኸብ” በላ። ገጹ በሪሁ መንፈሱ ተሓዲሱ ነበረ። ሮዛ ብሰምዓቶ ተስፋ ዝህብ ዘረባ መንፈሳ ተሓደሰ። ኣብርሃም ድማ ይንዋሕ ይሕጸር ክወጽእ ምዃኑ ምሉእ ምትእምማን ኣሕደረት።
ብዛዕባ በላይ ንጉሰ ከየልዕለላ እናተሰከፈት ድማ ክትብገስ ሓፍ በለት። ካብ ኵርሱ ተሲኡ ብመንኩባ ሒዙዋ ክሳብ ኣፍደገ ወጽአ። ኢዱ እሾኽ ኮይኑ ተሰምዓ። ብዘይካ ሰለሙን፡ ዝኾነ ወዲተባዕታይ ኢዱ ኣብ ዝባና ኣንቢሩላ ኣይፈልጥን ነይሩ። ብኢዳ ጸግ ክተብሎ ሓሰበት። ኣብርሃም ቅጅል ስለ ዝበላ ግን ነቲ ጕዳይ ኣብ መዕለቢኡ ክሳዕ ተብጽሕ ክትጽመም ብምምራጽ ሸለል ክትብሎ ተገደደት። ሺፈራው፡ ምስዋር በላይ ንጉሰ ፈሊጡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሮዛ ሽግራ ክትፈትሕ ብኣካል ንቤትጽሕፈቱ ምምጻኣ ከም ዓቢ ዓወት ስለ ዝቘጸሮ ንጕዳይ በላይ ንጉሰ ንኻልእ እዋን ኣመሓላለፎ። ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኮይኑ ሮዛ ውዒላ ሓዲራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ትኣቱ ብንጹር ተጋህደሉ። እቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝወጠኖ መደቡ ክዕወት ምርኣዩ እናተሓጐሰ ድማ ኣብ ልዳት’ቲ መደበር ምስ ሮዛ ጠጠው ኢሉ ከም ኣንበሳ ተነፋፍሐ።
ሮዛ፡ ብፍሕሹው ገጽ ተፋንያቶ ድኻማ ከይጸብጸበት ናብ ኤልሳ ከይዳ ሺፈራው ዝሃባ ተስፋ ኣበሰረታ። ንኤልሳ ቀሊል ብስራት ኣይነበረን። ብሰንካ ኣብ ሽግር ክትወድቕ ግን ኣይደለየታን። “በሊ ሮዛ ጥንቅቕ ደኣ በሊ። ጓልኣንስተይቲ ምዃንኪ ኣይትረስዒ። እዚኣቶም ይትረፍ ኬድካዮም ብርሑቕ’ኳ ንሰብ ድቃስ ከሊኦሞ ኣለዉ፡” ብምባል ከኣ ምኽራ ለገሰትላ።
ሮዛ ብዘረባ ኤልሳ ክንድ’ቲ ኣይሰግአትን፡ “ደሓን፡ ኣይትሰከፊ ኤልሳ ሓውተይ። ኣብርሃም ካብ ማእሰርቲ ዝወጽኣሉ ጥራይ ይኹን’ምበር ጸገም የሎን። ደሓር ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ዓሻ ዘለኹ ድዩ ዝመስለኪ ዘሎ? ሽዑ ደኣ ሓንቲ ባሃም’ንድየ ነይረ። ኣብርሃም’ኮ ሰብ ገይሩኒ’ዩ። ሳላ ቀበሌ ድማ ኵሉ ተንኮሎምን ሽሕጣኖምን ኣጽኒዐዮ እየ። ካብ ክፉእ ዝገብሩኻ፡ ክፉእ ዝምህሩኻ ተባሂሉ’ንድዩ። ስለዚ ብዛዕባይ ኣይትሻቐሊ ኣጆኺ፡ ዝኾኖ የብለይን። ደሓር ከኣ ሰብዶ ሃይሊ ኣልዩዎ ኵሉ ካብ ኣምላኽ’ዩ፡’ ብምባል ዘተኣማምን መልሲ ሃበታ።
“ናትኪ ነገር’ኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ። እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትመጽኢ ከለኺ’ኮ ከምዚ ዝበልክዮ ካን በጊዕ ኢኺ ኔርኪ። ጸጸኒሐ እንተ ሓሰብኩዎ ኣጥሪኽዮ ዘለኺ ብልሒ ድንጽው’ዩ ዝብለኒ።”
“ይትረፍ ንዓኺ ሓንሳብ ሓንሳብ ንዓይ’ውን ይገርመኒ’ዩ። ሰለሙን እንተ ዝርእየኒ ፈጺሙ ኣይምኣመነን ነይሩ። ብዘይካ ሃህ! ኢልካ ምዝራብ እንታይ እፈልጥ ነይረ። ሳላ ኣብርሃም ግን ሰብ ኮይነ። ቀበሌ’ውን ምስቲ ኵሉ ጣጣኣ ብዙሕ ነገር ምሂራትኒ’ያ። ብዝኾነ፡ ኣብ ግዜ መከራን ጸበባን፡ ወዲሰብ ኣብ ክንዲ ዓቕሊ ዘጽብብ ክዕገስን ሓቦ ክቕነትን’ዩ ዘለዎ ኤልሳ ሓውተይ። ሽግር ከኣ ብዙሕ ነገር’ዩ ዝምህረካ። ኵሉ ክሓልፍ’ዩ ኣጆኺ!” ኢላ ተፋነወታ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ቍሪቍሪ ኣቢሉኒ ኢለን ኣብ ዓራት ደቂሰን ምስ ጸንሓኣ፡ “ደሓን ዲኺ ማማ፡ ተጸሊኡኪ ድዩ?” እናበለት ኣብ ግንባረን ሓዘተን።
“እንድዕለይ ሰዓል ግዲ ደልያትኒ ምሉእ ኣካላተይ ክቐራጥመኒ እዩ ኣርፊዱ። ምስ ኤልሳዶ ደኣ ጸኒሕኪ?’
“እወ፡ ካብ ቀበሌ ምስ ወጻእኩስ ከይጽምዋ ኢለ ተኣልየያ፡” ኢላ፡ “ረስኒ ገርኪ’ለኺ ማማ! ዓሶ ደልያትኪ ደኣ ከይትኸውን?” በለተን። ቅድሚ መርዓአን ኣብ ባሕሪ ዝሓዘተን ዓሶ ክደኽማ ከለዋ ትመላለስን’ያ።
“ደሓን’የ ሮዛ ጓለይ፡ ፈውሲ ርእሲ ጥራይ’ሞ ሃብኒ፡ ተደብዲበ እንተ ደቂሰ ክትገድፈኒ እያ። እንተ ዘይሓሸኒ ግን ናይ ኣጋምሸት ናይ ዓሶ ከኒና ክወስድ ይሕሸኒ፡” በልኣ’ሞ፡ ኣስፒሪን ውሒጠን ደቀሳ።
ሰዓት ሓሙሽተ መሓዝአን ኣደይ መብራት በቲ ከባቢ ጸኒሐን ስለ ዝተኣልየአን ካብ ዓራተን ተስኣ። ቡን ፈሊሑ ዕላል ምስ ዓመረ ቍሩብ ፈዅስ በለን። ብሰንኪ ድኻም ልቢ ክልተ ግዜ ስለ ዝወደቓ፡ ሓኪም ቡን ከይሰትያ ከልኪሉወን’ዩ። ይትረፍ ካብ ቡን፡ ካብ ጨው፡ በርበረ፡ ቀመም ዝበዝሖ መግቢ’ውን ተሓሪመን’የን ነይረን። ሽዑ መዓልቲ ግን ሮዛ እናተቓወመተን ሓንቲ ፍንጃል ሰትየን። ኣደይ መብራት ዝሕበአን ወረ የሎን። ካብ ድምጺ ሓፋሽ ዝሰምዖኦን ካብ ሰብ ዝረኸብኦ ቤላ ቤለውን ሓዋዊሰን ቡን ክሳዕ ትውዳእ ድሕሪ ምዕላል፡ “በላ ከይደ፡ እዞም ደቅና ከምዛ ናይ ባረንቱ ዓወቶም ኣቑርደት፡ ከረን እናበሉ ነስመራ ህሩግ ክብሉና ጸሎት ኣይትሕመቓ፡” ኢለን ነጸላአን ኣልዓላ።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ኣፍክን ይስዓር መብራተይ። ንስኽን ኵሉ ግዜ በዓልቲ ጽቡቕ ፋል ኢኽን። ጸሎት ከኣ ኣይንሓምቕን ኢና። ንደቅና ዘይኮነ ጸሎት ንመን ክኸውን ኢልክንኦ፡” እናበላ ከፋንወአን ተስኣ።
ሮዛ፡ ኣደይ መብራት ማእሰርቲ ዶክተር ኣብርሃም ከም ገለ ሰሚዐን ከይኮና’ሞ ከየስትኾኦ ከብዳ ሓቚፋ’ያ ጸኒሓ። ኣብ ኣጋ ምኻደን ከይሓታሉ ሰጊኣ ንወ/ሮ ገብሪኤላ፡ ‘ንፋስ ከይትወስዲ በጃኺ ንደገ ኣይትውጽኢ፡” በለተን። ብዙሕ ኣይተኻራኸራኣን፡ “ሓቅኺ’ለኺ ብዘይ ንሱ’ኳ ቍሪ ቍሪ የብለኒ’ሎ። ደሓን ሕደራ መብራተየ፡” ኢለን ኣብ ዓራተን ተገምሰሳ።
ሮዛ ምስ ኣደይ መብራት ክሳብ ኣፍደገ በጽሐት። ዘጋጠመ ሽግር ድሕሪ ምግላጽ ተገሪሀን ብዛዕባ ኣብርሃም ከይዛረባ ኣትሪራ ኣጠንቀቐተን።
ኣደይ መብራት ከይሰምዓ ስለ ዝጸንሓ ኣመና ጐሃያ። “በሊ እንታይ ይብሃል ኮይኑ። ኣዋጽኦ ጥራይ ይፍጠረሉ፡” ኢለን ከኣ ተፋነዋኣ።
ድሕሪ ድራር ምስ ደቃ ኣብ ሳሎን ተሌቪዥን እናተዓዘበት ከላ፡ መለስ ወዳ ኣብ ጥቓኣ ሕስይስይ ክብል ጸኒሑ፡ ንዓወታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዝምልከት ዜና ምስ ስእሉ ምስ ረኣየ ሓደ ነገር ዘኪሩ፡ “ማማ’ቲ፡ ሎሚ እቲ ኣለባቸውሲ፡ ‘ጦር ሰራዊትዶ ወንበዴታት የሕምቑ?’ ኢሉንስ፡ ኣነ ኸኣ ተጋደልቲ የሕምቑ ኢለዮ። ደሓር እቲ ወደቦይ . .” በላ ኣቓልቦኣ ክስሕብ ብመንከሳ እናሓዛ።
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “ኣታ ቈልዓ ኣብ ዘይመዓተይ ክተእትወኒ ኢኻ፡ እንታዋይ ኣለባቸው’ዩ እዚኸ?” በለቶ ብሓውሲ ስግኣትን ቍጥዐን።
“እቶም ረጒድ ኮነሬል ኣይትፈልጥዮምን? ሞስኮቪች መኪና ሒዞም በዚ ቅድሚ ገዛና ዝሓልፉ?” በለታ ፍረወይኒ ኣድህቦኣ ካብ ቲቪ ናብ ሮዛ እናቕንዐት።
መልሲ ፍረወይኒ ዝገደደ ኣሰንበዳ። “መለስ ወደይ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ እንተ ኢሉካ ‘እወ ጦር የሕምቑ’ ጥራይ በሎ። ሕራይዶ?” በለቶ።
“እሞ ነዞም ጦር ጸሊአዮም’ንድየ፡” በላ ተዀርኒፉ።
“ብመልሱ ተገሪማ ማዕረ ክንደይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ መታን ክትርዳእ፡ “እንታይ ገይሮምኻ ደኣ ጸሊእካዮም?” ክትብል ደጊማ ሓተተቶ።
“ዓባየይ ከማን ትማሊ ምስ ኣደይ መብራት ክትዛረብ ከላ፡ ነዞም ጦር፡ ‘እዞም ርጕማት ኮስታሪቶም ትምጻእ’ ምሽ ትብሎም ነይራ።”
ብመልሱ እናሰሓቐት፡ “መለስ ወደይ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ እንተ ኢሉካ ኣይትዛረቦ ኢኻ። ንጦር ወላ እንተ ጸላእካዮም ሱቕ’ዩ ዝብሃል። ከምኡ እንተ ጌርካ ኣምላኽ ክፈትወካ’ዩ፡” በለቶ ርእሱ እናደራረዘት።
ገጹ ናብኣ ኣቕኒዑ፡ “ኣቲ ማማ፡ እዚ ኣምላኽስ ነዞም ጦር ርጉማት ከለው ንኹላቶም ብሓንሳብ ቅትል! ቅትል! ዘየብሎም’ዩ?” ክብል ሓተታ።
“ኣይተርፎምን’ዩ ክቐትሎም’ዩ። ግን ምስ ካልእ ሰብ ከምኡ ኢልካ ከም ዘይዝረብ ፍለጥ’ዚ ወደይ። ሰሚዕካኒዶ?”
“እሞ ምስ ቀተሎም ኣብ ሓዊ ከንድዶም ድዩ?”
“ኣብ ካልእ ዋጢጥ ከየእትዋ ተሰኪፋ ንሕቶኡ መልሲ ከይሃበት፡ “መለስ ወደይ፡ ሕጂ ደኺመ ስለ ዘለኹ ሓንሳብ ከዕርፍ፡ ንስኻ ድማ ጽባሕ ትምህርቲ ስለ ትኸይድ ደቅስ፡” ኢላ ካብ ሕቶኡ ኣረሳስዓቶ። ከም ልማዱ ኣብ ጐድኒ ኣደኡ ሕስይስይ ድሕሪ ምባል ነዊሕ ከይጸንሐ ቲቪ እናርኣየ ኣብ ሕቝፊ ኣደኡ ደቀሰ።
ይቕጽል
መበል 96 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ