ደራሲ እስጢፋኖስ ገበረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 90 ክፋል
ሮዛ፡ ካብ ስራሕ ብቐጥታ ናብ ዶክተር ኣብርሃም ኣምርሐት። በዓልቲቤቱ ናብ እንዳ ዓለቦኣ ወጺኣ ስለ ዝጸንሐት ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ መጽሓፍ ከንብብ ጸንሓ። ድሕሪ ሰላምታ፡ ኣብ ፊቱ ኮፍ ኢላ ኣብ ቀበሌ ዝወዓለ ነገራት ብምሉኡ ገለጸትሉ። መጽሓፉ ኣብ ጠረጴዛ ኣንቢሩ፡ “ኣብ ቀበሌ ተሓዚት ገንዘብ ምዃን ዝፈጥረልኪ ሽግር የሎን። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኺ ኣብ ቀበሌ እንታይ ከም ዝግበር፡ እንታይ ከም ዝበሃል፡ እንታይ ይሕሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥ ንባዕሉ ቀሊል ነገር ከም ዘይኮነ ተረድኢ። እቲ ጕዳይ ዓሻ ተመሲልካ ድራሮም ወድኣሎም ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብግቡእ ክትጥቀምሉ’ለኪ፡” ክብል መዓዳ።
“እዚ ትብሎ ዘለኻስ ሕራይ ተረዲኡኒ። እዚ ሺፈራው ዝብሃል ሰብ ጸገም እንተ ፈጠረለይከ እንታይ እየ ክገብር?”
“ኣብ ከፍተኛ ዝፈልጡዎ ሰባት ከም ዘዕለሉኒ ብደቂኣንስትዮ ጽሉል’ዩ። እዚ ግን መፍትሒ’ለዎ። ስራሕ ቀበሌ ኣብ ትውድእሉ እዋን፡ ሓደ ምሸት በላይ ንጉሰ መጺኡ ንገዛኺ እንተ ኣብጺሑኪ፡ ደፊሩ ክዛረበኪ ወይ ዕላጅ ክገብረልኪ ከም ዘይክእል ፍለጢ። ስለዚ ብዙሕ ኣይትሰከፊ። ደሓር ከኣ ብስራሕ ይኹን ብኻልእ ጕዳይ ከዘራርበኪ ክፍትን ከሎ ምሽክንክን ኣይትበልሉ። ዝኾነ ነገር ክሓተኪ ከሎ ድማ ክትጥንቀቒ’ለኪ። ኣብ ክንዲ ሃንደፍ ኢልኪ ምምላስ ሓሲብክን መሚኽን መልስሉ፡” ክብል ኣድላዪ ሓበሬታ ሃባ።
ሮዛ ጽን ኢላ ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባቱ ምርዳእ ስኢኑዋ፡ “ወላ ሓሲኺ መልስሉ ማለትካ ድዩ?” ክትብል ተወከሰቶ።
ብግርህነታ እናተገረመ፡ “ኣየ ሮዛ ክሳብ መዓስ ብዓሻኺ ክትነብሪ ኢኺ? ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከም ዘለና’ባ ኣስተውዕሊ። ሓጢያት ከይቍጸረኪ ዲኺ ፈሪሕኪ?” ሓተታ ብክምስታ።
ክምስ እናበለት ብእወታ ርእሳ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ “ሓቁ’ሎ፡ ብድሕሪኡ ጥራይ ክናዘዝ’ዩ ዘለኒ፡” በለት ብውሽጣ።
“ንረብሓ ሃገር ትፍጽሞ ኵሉ ሓጢያት የብሉን። ቍሩብ’ስኪ ሕሰቢ። ንኣብነት ዝግብ በጺሕኪ ኔርኪ፡ ምስ ሰብኣይኪ ተራኺብኪዶ? ኢሉ እንተ ዝሓተኪ እወ ክትብልዮ ማለት ድዩ?” ኢሉ ኣዋጠራ።
ብፍኑው ዘውጽኣተን ቃላት ኣጣዓስኣ። ኣብታ ሓጻር ህሞት፡ “ብዛዕባ ሓጢያት እንተኾይኑ ካብ በላይ ንጉሰ ከም ዝጠነስኩ ካብ ምዝራብ ዝዓቢ ሓሶት ክህልው ኣይክእልን’ዩ። ንደቀይን ንነፍሰይን ንምድሓን ስለ ዝገበርኩዎ ግን ከም ሓጢያት ኣይቍጸረንን’ዩ። ኩላቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሕማቕ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት መሳርሒ ሰይጣን ስለዝኾኑ፡ ንዓታቶም እቲ ሓቂ ዘይምንጋር ሓጢያት ኣይኮነን፡’ ኣብ ዝብል መደምደምታ ብምብጻሕ፡ “ምኽርኻ ተረዲኡኒ’ሎ ዶቶረ። ንስኻ ክሳዕ ዘለኻ’ውን ዘሰክፍ ነገር የብለይን። ደሓር ከኣ፡ ዝኾነ ነገር ከጋጥመኒ ከሎ ናባኻ ምጕያይ ኣመል ገይረዮ’ምበር ብዙሕ ዘሸግር የብለይን፡” በለቶ።
“ድሕሪ’ቦኻ ሞት ግደኻ ክብሃል ሰሚዕኪዶ ትፈልጢ? ድሕሪ ሰለሙን ኵሉ ነገር ኣብ ዝባንኪ ከም ዝወደቐ ተረድኢ። ስለዚ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ይምረር ይጥዓም፡ ንዘጋጠመኪ ነገር ኵሉ መዓንጣኺ ሸጥ ኣቢልኪ ክትገጥምዮ ኣለኪ። ጓልኣንስተይቲ ስለ ዝኾንኪ ነፍስኺ ኣይተነኣእሲ። ከማኺ ደቂኣንስትዮ’የን ብረት ዓጢቐን ጎቦን ስንጭሮን፡ ሩባን ኩርባን ዝምርሻ ዘለዋ፡ ኣጆኺ ጥራይ። ደሓር ከኣ ኩሉ ግዜ ብሓደ ስለ ዘለና፡ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ከሎ ተመያዪጥና ክንፈትሖ ንኽእል ኢና፡” ኢሉ ምኽሩ ብምድምዳም ገዛኣ ከብጽሓ መፍትሕ መኪና ኣልዓለ።
ኣብ ምላሹ፡ ሮዛ ማዕረ ክንደይ ትቕየር ከም ዘላ፡ ዕቝር ዓቕማ ክትጥቀመሉ እንተ ሓጊዙዋ፡ ዝኾነ ነገር ዘይዓጅባ ተራር ሰብ ክትከውን ከም እትኽእል፡ ናብኡ ንኽትበጽሕ ግን ቀጻሊ ምትብባዕ ከም ዘድልያ እናሓሰበ ገዝኡ በጽሐ። ኣብ ሳሎን ኣትዩ፡ ኣብ ሶፋ ኮፍ ብምባል መጽሓፉ ከንብብ ጀመረ። ሰለስተ ገጽ ከየንበበ ግን ቴለፎን ጭር በለት። ኤልሳ መሲሉዎ እንተልዓላ በላይ ንጉሰ ኮይኑ ጸንሖ። ዘደወሎ ጕዳይ ብዛዕባ ሓኪም ሰራዊት ሌ/ኮሎነል ቦጋለ ነይሩ። “ኣብ እንዳ ኣልማዝ ሰዓት ሸሞንተ ንራኸብ፡” ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ነገሮ፡ ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ጕዳይ ሮዛን ሺፈራውን ገለጸሉ።
ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙን፡ ሮዛ ኣብ ፈላሚ ስራሕ ቀበሌ ንምስታፍ፡ በላይ ንጉሰ ኣሰንዩዋ ሌ/ኮሎነል ቦጋለ ብዝመርሓ ሞዝኮቪች መኪና ኣብ ቀበሌ ከተፍ በለት። ሺፈራው ብዛዕባ መንነት ሮዛ ኣዳቒቑ መጽናዕቲ ከየካየደ ከሎ ንሽዑ ምሸት ምስኡ ክተምሲ ክዕድማ’ዩ ነይሩ መደቡ። ድምጺ መኪና ሰሚዑ ብጕያ ንደገ እንተ ተቐልቀለ ድማ ካብ መኪና ክትወርድ ረኣያ። ክሕጐስን ተስፋ ክቘርጽን ሓደ ነይሩ። ሮዛ ብሓንቲ ናይ ጦርሰራዊት ሞስኮቪች ክትመጽእ ምስ ረኣያ ኣእምሮኡ ኣይተቐበሎን። ነቲ ሰብ ከለሊ ብቐዳድ ናይ መስኮት ድንን በለ። ሌ/ኮሎነል ቦጋለ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ስክፍታኡን ሕርቃኑን ዝያዳ ወሰኸ።
ሮዛ፡ ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ ብዘይ ገለ ጸገም ንጥፈታት ቀበሌ ቀጸለት። ሺፈራው ጸጸኒሑ ምቕልቃል እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ኣኼባ ኣይሳተፍን’ዩ፡ ስርሑ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ከኣ ንቡር ሰላምታ ካብ ምልጋስ ሓሊፉ ተወሳኺ ዘረባ ኣምሊቝላ ኣይፈልጥን ነይሩ። ድሒሩ ብዘካየዶ ስለያዊ መጽናዕቲ በላይ ንጉሰ ከም ዝወለደላ፡ ምስ ሌ/ኮሎነል ቦጋለ ኸኣ ጽቡቕ ዕርክነት ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ። ንሮዛ ግን ካብ ልቡ ኣየውጻኣን። ምቹእ ግዜን ኵነታትን ክጽበ ስለ ዝመረጸ ኣብ ተጣራቓሚ ሕሳብ ናይ ባንክ ከም ዘሎ ውሑስ ገንዘብ ሓሰባ።
ኣብ ውሽጢ ቀበሌ ዝነበሩ ውዱባት ህዝባዊ ግንባር፡ ሮዛ ሰይቲ ተጋዳላይ ምዃና ምስ ፈለጡ፡ ወላ’ኳ ብዋህዮ መልክዕ እንተ ዘይወደቡዋ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብዙሕ ተሞክሮ ከም ትቐስምን ኣብ ቃልሲ ከም ትበልሕን ገይሮማ እዮም። ዳርጋ ናብ ሓንቲ ዘይወግዓዊት ውድብቲ ተቐይራ ነይራ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንሳ’ውን ኣይሓመቐትን ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ንዅሉ ሕልኽላኻት ቀበሌ ጽቡቕ ገይራ ክትፈክጦ ክኢላ። ኣብ መበል ሓሙሻይ ወርሒ፡ ሓፈሻዊ ስርሓት ቀበሌ ዝግምግም ኣኼባ ተወዲኡ ንገዛኣ እናተበገሰት ከላ ሺፈራው ናብታ እናኽመጽእ ዝጥቀመላ ቤትጽሕፈት ጸውዓ። ንሓያሎ ግዜ ጠፊኡ ብምንባሩ ንበይና’ያ ትመላለስ ነይራ። ኣብ ፊቱ ኮፍ ኢላ ብዓቕሊ ተጸበየቶ። ብዛዕባ ጥዕናኣን ስርሓት ቀበሌን ድሕሪ ምሕታት፡ “ሮዛ ብዛዕባ ኣብዮት ዘለኪ ኣተሓሳስባ ከምዚ ይመስለኒ ኣይነበረን። ከም ዝተዓዘብኩወን ዝበዝሓ መንእሰያት ደቂ’ስመራ ኣብ ኣብዮትና ዘሎወን ኣርኣእያ ድኹም’ዩ። ኣብዮት ግን ርሱን ሓይሊ መንእሰይ የድልዮ እዩ። ብፍላይ ከኣ ከማኺ ዝኣመሰላ ዘይብዳህ መንፈስ ዘሎወን ደቂኣንስትዮ ኣገደስቲ እየን፡” ኢሉ ወዳደሳ።
“መንፈስካ ትርሓቕ! ናይ እንዳመን ቀርናዕ!” በለቶ ብውሽጣ። በላይ ንጉሰ ከም ዘይመጽእ እናፈለጠት፡ “በል በዓልቤተይ ከይመጽእ ቀልጥፈኒ፡” ኢላ ስዓታ ርኣየት። ንሱ ግን ብዘረባኣ ብዙሕ ከይተገደሰ በተን ትኪ ሽጋራ ቍሩብ ዝጸለማ ስሙራት ኣስናኑ ክምስታ እናርኣየ፡ “በላይ ንጉሰ’ኮ ሓደ ኣብዮታዊ እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኵነታት ቃልሲ ስለ ዝርዳእ፡ ምስ ሺፈራው ብጕዳይ ቀበሌ ክዘራረብ ጸኒሐ እንተ’ልክዮ ዝያዳ ከም ዘተባብዓኪ ርግጸኛ’የ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ሮዛ እዚ ዝመስል ቍንጅና ሒዝኪ ንዝወንበደ ሰብ ክትጽበዪ ዕድልኪ ዘይምስባርኪ ሕጕስ ምዃነይ ክገልጸልኪ እፈቱ። ጓድ በላይ ንዓኺ ምርካቡ ዕድለኛ እዩ፡” በላ ነቲ ናይ ሳልስቲ ጭሕሚ ዝነበሮ ምዕጕርቱ እናራረዘ።
ምስጢራ ዘይምፍላጡ’ኳ እንተ ኣሕጐሳ፡ ንበዓልኪዳና ጠሊማ ንመንም ዝኣከበት ፈኳስ ገይሩ ስለ ዝገመታ ቅጭ ኣምጽኣላ። ዝግ ኢላን ኣስተውዒላን ክትምልሰሉ ከም ዘለዋ ዘኪራ ግን ዕረ እናጠዓማ፡ “ደቂተባዕትዮ ጠላማት ኢኹም። ኣነ ኸኣ ጓል ሰብ’የ፡ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ደርብዩኒ ንዝኸደ ሰብኣይ ዝጽበ ጽልልቲ ኣይኮንኩን። ካብ ምቾት መከራ፡ ካብ ራህዋ ድማ ጸበባ መሪጹ፡ ንውላዱ ጠንጢኑ ካብ ብምኻድ ኣብ ልዕለይ ዓቢ በደል ካብ ፈጸመ ካብኡ እንታይ ክጽበ እኽእል? ሽግር ግን ሓላፋይ’ዩ። ዕድመ ንጕልበተይ እሰርሕ ኣለኹ። ሳላ በላይ ከኣ ዝተሳእነ ነገር የሎን፡ ኣይጠመኹ ኣይጸማእኩ። ኵሉ ነገር ከኣ ካብ ኣምላኽ’ምበር ካብ ሰብ ኣይኮነን፡” በለቶ ገጻ ኣሲራ።
ብዕቱብነት ምዝራባ ንሓቅነታ ዝምስክር ኮይኑ ስለ ዝተረድኦ፡ ብትብዓታ ተሓጒሱ፡ “ጎሽ ሮዛ! ብኡነት ጐበዝ ኢኺ። ብዙሕ ነዕልሎ ነገራት ነይሩ፡ ትህወኺ ስለ ዘለኺ ግን ካልእ እዋን ክነዕልል፡” ኢሉ ብሰላም ኣፋነዋ።
ገዛኣ ክሳብ ትበጽሕ ምስኡ ብዛዕባ ዝተዘራረበቶ ቃላት ጥራይ ትሓስብ ነበረት። ቅኑዕነት ናይ ዝሃበቶ መልሲ ኣጠራጠራ። ንሰለሙን ዝጠለመቶ ኮይኑ ድማ ተሰምዓ። ምስ ሰለሙን ዘሕለፈቶ ፍቕሪ ዝመልኦ ህይወት፡ ዝተፈላለዩላ ተካል መዓልቲ፡ ኣብ ዝግብ ዝተራኸቡላ ምሸት ኵሉ ከም ስእሊ ተራእያ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ናብ ዝተፈላለዩላ መዓልቲ ዘውግሐት ለይቲ፡ “ሮዛ፡ እምነት ኣብ ቃልኪዳን፡ ጽንዓት ኣብ ቃልሲ ወሳኒ እዩ፡” ዝብላ ቃላቱ ኣብ ሓንጐላ ሕምብሊል ክብላ ስለ ዝጀመራ ብዛዕባ ትርጕመን ብደቂቕ ተመራመረት። ‘ልበይን ቀልበይን ምስ ሰሌ ሓወይ’ዩ ዘሎ፡ ንሺፈራው ከምኡ ስለ ዝበልኩዎ ንሰሌ ክሒደዮ ማለት ኣይኮነን። ኣምላኽ ድማ ናይ ኣፍ ዘይኮነ ናይ ልቢ’ዩ ዝርኢ። ንሺፈራው ከኣ ካብኡ ንላዕሊ እንተ ጐሪሐ ጥራይ’የ ዝዕወተሉ’ በለት። ሺፈራው ከም ናይ ሰለያ ሰብ መጠን ካብኣ ንላዕሊ ከም ዝጐርሕን ንዓኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታው ብምሉእ ዓቕሙ ከም ዝጽዕርን ግን ድሒራ ኢያ ክትርድኦ።
ይቕጽል
ምዕራፍ 12 መበል 91 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት