• ዛራ ገጠምቲ ~
ሰላም ሳባ: ብመጀመርታ ዕድመና ኣኽቢርኪ ነዚ ቃለመሕተት ፍቃደኛ ብምዃንኪ ብስም ዛራን ኣባላታን ምስጋናና ተቐበሊ: ብምቕጻል እስከ ኣስፊሕ ኣቢልኪ ድሕረ ባይታኺ ኣብ ሰነጥበብ ብፍላይ ኣብ ስነ ግጥሚ የዕልልና።
*ሳባ~
ብመጀመርታ ኣዳለውቲ’ዚ መደብ ንዝገበርኩምለይ ዕድመ ‘ናመስገንኩ ። ቀጺለ . . .
ሓደ ኤርሚያስ ካሕሳይ ዝበሃል መማህርቲ ነይሩኒ ፡ ኣዝዩ ህቡብ ፡ ውዑይ ፡ ምልኩዕ ፡ ረባሺ ( ሓደ ነዲኡ እዩ ኔሩ መስለኒ) ጌና ኣብ ቁልዕነት እናሃለኹ ንሱ ድማ ኣብ ድርኩኺት ጉብዝና ነይሩ። ክፍልታት እናነደጋገመ ሓደ እዋን ደቂ ክፍሊ ክንከውን በቂዕና። ኣብ ክፍሊምህላዉ ጥራይ ፍንጭሕ ዘብለኒ ወዲ’ዩ ።
ብዙሕ ሻዕ ክቐጽዕ ከሎ (ካብ ክፍሊ ክቦክር )ድማ ጥራውዝቱ ምሳይ የማልኦ እሞ ጎኒ ጎኒ ናተይ ይጽሕፈሉን የአርመሉን ድማ ነይረ ። ሓደ መዓልቲ ብዘይ ወዓሎ በደል ከም ሕሱም ኣብ ቅድሚ ኩላትና ተቀጸዐ፡ ሽዑ ንሱ ዝተረፎ ኣነ ፊቕ ኢለ በኸየ። እቲ ዝምሕሮ ዘይመስል ዝነበረ መምህር ድማ በቲ ብድምጺ ብኽያት ተመሪሑ ጠመተኒ ፡ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ዝብል ዝነኣሽኩ ናይቲ ክፍሊ ጥራይ ዘይኮንኩስ ካብቶም ዝፍትዎም ተመሃሮ ብምንባረይ ከኣ እዩ መስለኒ እንድዒ ።ንኤርሚያስ ገደፎ ። ኤርሚያስ ኣብ ጎነይ መጽዩ ኮፍ ኢሉ ሓቢርና በኸና። ድሓር ከም ንእሽቶ ሓፍቱ ዓይነት ኣባበደኒ ። ንጽባሒቱ ኣብቲ ጥራዙ ግጥሚ ጽሒፈ ኣምጻእኩሉ ። እታ ግጥሚ ውን ይዝክራ እየ።
ብኻ ንግደት ኔሩ
ቦኺርካ ውዒልካ
ብኻ ድኳን ትሕሉ ኔርካ
ራሓ ኢድካ ከም ዝባህገ
ፈረስና እናተገረፈ
ንዓይ ኣሕሚሙኒስ
ከም ደርሆና ኣንገፍጊፈ
ወድነት ዓጢጥካ አናገረመኒ
እነሀኹ ይበኽየልካ
ገለ ብኸይሉ ኢሉኒ
ካልእ ሕጂ ዘይዝክሮን ቡዙሕ ግጥምታት ጽሓፍኩሉ ። ይርኦ ዝነበረ ግን ኣይመስለንን ። ምኽንያቱ ዝኾነ ግብረ መልሲ ኣይህበኒን ነይሩ። ይዝክረኒ ሓደ መዓልቲ ድፍረተይ ኣኻኺበ፤ የንብቦዶ ኣሎ የሎን ሓተትክዎ። ኣብ ቅድመይ ጥራውዝቱ ፈተሸ ።ተሓጋጊዝና ነቲ ግጥምታት ኣንበብናዮ።” መን ዝጽሓፎ እዩ ፧ ዓበይቲ የሕዋትኪ፧” በለኒ።” ባዕለይ አምበር ” በልክዎ ” ንስኺ፧! “ገሪምዎ ። ኣነ ድማ ስለ ዘንበበለይ ደስ በለኒ ካልኦት ሰባት ከንብብዎ ውን ተመነኹ። ብሽክለታ ኣጓራቢቱ እንዳወሰደኒ ድማ ፡ በታ ቃጭል ናይ ብሽክለታ ናይ ትምህርትናን እና ሓሰብኩ ክከይድ ይዝከረኒ።
ድሕሪኡ ማለት ቕድሚ ናጽነት ተመሃሪት ሽድሻይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሊ እዋን። ናይ ኣምሓርኛ መምህርና ዝነበሩ መምህር ገብረሚካኤል ( ኣምበሳ)ንፈተና ትከውን ግጥሚ ጽሓፉ ምስ በሉና፥ ጥበብ ትብል ግጥሚ ጸሓፍኩ ፤ ግጥሚ ክጽሕፍ ከም ዝኽእልን ከም ዝግብንኣኒን ደጋጊሞም ተማሕጽኑኒ።
ኣብ ከባቢ ተስዓን ሓሙሽተን ኣብ ሃማመተኤ ብበዓል መምሃራንና ኣብ ጥበብ፥ ኣብርሃም ሃብተኣብ ዑመር መሓመድ ሑስን ( ኣቡ ዓምራ)ዓብደልቃድር ኣሕመድ፡ ወዲ ኳዳ፡ የማነ ሊሎ( ነብሱ ይምሓር) ሳምሶም ተኪኤ ( ነብሱ ይምሕር)ካልኦትን ተመልሚለ፡ ብፍቅሪ በዓል ኣማኑኤል ኣስራት ፡ መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ ይርግኣለምን መምህር ተኽለ ተኸስተን ( ነብሱ ይምሓር) ተሳልየ ፣ ሕጂ ድማ ምትብባዕ ናይ በዓል፡ ቢንያም ስሞኦን፡ ኣማንኤል ግርማይ ፡ መኮንን ተስፋይ ፡ ደሳላ በረኸት፡ (ሲስ ማሳዋ፡ ኪዳነ በዓል ሓቂ ጋሽ ፡ ሰመረ ቺና፥ ናይ ፈይስ ቡክ ስሞም እዩ) በየነ ሰመረ ፡ ዶክተር ሙሴ ተስፋገርግሽ ኣብርሃም ተስፋልኡንን ካልኦትን ዝግበረለይ ምትብባዕ ፤ ከምኡ ውን ብምሉእኩም ናይ ፊይስ ቡክ ኣንበብተይን ብዝህቡኒ ግብረ መልስታት ። ድሕሪ ናይ ዝተወሰነ እዋን ዝግታ ሕጂ ናብ ጽሕፈት ዓለም ተመሊስ ድሮ ምንባር ይፍትኖ ኣለኹ።
*******************
• ጸጋይ ማሓሪ(ተመርዖ)~
ኩርናዕ ዛንታኺ ይምስጠኒ’ዩ ። ፍቕሪ ሳባን ግጥምን እባ ኣውግዕና ሳባ !።
* ሳባ ~
ተመርዖ ሓወይ የቀነለይ ፥ ኩርናዕ ምምራጽ ባህ እዩ ዝብለኒ ጥራይ ዘይኮነ ካብቶም ጽሓፍና ጽሓፍና ዝብሉ ግጥምታት ነዐኦም የቐድም። ብዛዕባ ፍቕሪ ግጥምን ሳባን ክገልጾ ቦታ ናይዚ 12 ብእኡ ጥራይ ክመልኦ ምፈተኹ : ንግዚኡ ግን ከምዚ ክብል ::
ዕዳጋሓሙስ ዝማእከሉ ካብ ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ክሳብ እንዳ ስላሴ ካብ ጨርሒ ክሳብ ጣባ እግሪ ሓዝሓዝን ውዕዉዕ ናይ ንግዲን ማሕበራዊ ቦታን እዩ ዝነበረ :: ኣብቲ መንገዲ ንመጻወቲና ዝኸውን መጠቕለሊ ካሪመለን :ካልእን ክንኣሪ እንከሎና ኣኣልዒለ ዘንብቦብ ጭርምራም ወረቃቅቲ ፍሉይ ባህታ ይፈጥሩለይ ኔሮም :: ብዛዕባ እቲ ጭርኡ ጥራይ ዝሓዝክዎ ዛንታ ምስትንታን ድማ :: ብዕድል ዝረከብክዎም ግጥምት ብውሑዳት ኣብ ጭራም ወረቀት ግን ከኣ ጭቡጥ ስእሊ ይህቡኒ ስለ ዝነበሩ ናዕኦም ኣሻርየ እየ ዝብል::
ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ ኣብ ካንቸሎ እንዳ ኣሞይ : [እንዳ መምህር ተኽለ ተኸስተ : ነብሱ ይምሓር ወደሞይ እዩ ] ሓንቲ ሓራስ ኣንጭዋ ርብሽ ኣቢላቶም ንዓኣን ጭፍራኣን ንምቕታል ኣብ ዝተገብረ ምብትባት ትሕቲ ዓራውቲ;: ሓያሎ መጽሓፍቲ ተቃሊዖም:: ሽዑ እንዳሓለፍኩ ምንባብ ተተሓሒዘዮ :: እቲ ሳባ እዚኣ ግበሪ : ሳባ እዚኣ ግበሪ : ክበሃል ከለኹ : ዕዮ ገዛ ኣሎኒ ብ የንብብ ኣለኹ ተዓብሊሉ:: ሽዑ ተኽለ ምስ ዓበኹ ተርክብሉ : እንዳበለ መጽሓፍቱ ከይትንክፈሉን ወትሩ ክቋየቐኒ ጀሚሩ : ድሒሩ ኣብ ዝቀጸለ ዓመታት ግን እቲ ተኽለን ካልኦት ጎረባብትን ንመጠቕለሊ ኢሎም ዘምጽእዎ ተነባቢ ጹሑፍ ዘለዎ ተሃነይ ኣውጻእኩሉ ::ኣብ ትምህርቲ ቤት ሳሕቲ ዝርከባ ዝነበራ ግጥምታት ድማ : ከም ማይ ጠምጠም ክብሎ ጀሚረ:: ግጥሚ ክሓስቦ እንከለኹ ጥራይ ደስ ዝብለኒ ኣምር እዩ::ስለምንታይ እንድዒ ::ኣብ ሂወት ክህልወኒን ክኾኖ ዝደሊን ነገር ዝብሎ ንግጥሚ እዩ:: ኣቕሪበ ዘዕልሎ ብጻየይ :ኣብ መንኮቡ ንብዓተይ ዘፍስሰሉ ብጻየይ:: ከም መፍተል ተፈቲለ በይነይ ክስዕስዕ ከለኹ : ጽልልቲ እናበለ ዘጣቀዓለይ ፋታውያይ:: ነብሰይ ክሕጸብ ከለኹ ሕቆይ እባ ፋሕፍሓኒ ክብሎ ቁሩብ ዝተርፈኒ ወላዲየይ ክብሎ ይደፍር።
**********************
• ሳይሞን ማሳ~
ሰላም ኣምላኽ ምሳኺ ይኹን ፍትውቲ ሓፍትና ሳባ። ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣድነቕትኺ ብምዃነይ ንነፍሰይ ከም ዕድለኛ እየ ዝቖጽራ። ኪንኡ ግን፣ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ግን ከኣ ብርኩታት፣ ገጠምቲ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ምዃንኪ፣ ከም ኣብ ማእከል ዱር ዝቦቐለት ፍልይቲ፣ ዕንበባ ገይረ እንተመሰልኩኺ፣ ካብ ሓቂ ስለ ዘይረሓቕኩ ዓይንኻ ተደፈን ዝብለኒ ሰብ ኣይህልውን ኢዩ ኢለ ይግምት። ዘልኩ ደኣ፣ ምናልባት ዝተሓተተ ሕቶ ይደግም ከይህሉ እምበር፣ ብዛዕባ ግጥሚ እንተ ተላዒሉ፣ ኣብ ብዙሕ ከም ዝተዓዘብኩዎ፣ ገሊኦም “ግጥሚ ምጽሓፍ፣ ስርዓትን ኣገባብን ኣለዎ፣ ኣካዳምያዊ ኢዩ” ይብሉ። ገለ ኸኣ፣ “ግጥሚ ኣካዳምያዊ ኣይኮነን፣ ተሞኩሮ እዩ። መጠን ዝተሞኮርካሉ፣ መጠኑ ኸኣ ናይ ምጽሓፍ ባህሪ እናሓደረካ ምሳኻ ተዕብዮ” ይብሉ። ሳባ ሓፍትና ኸ፣ ካብዚ ሓሳብ እዚ ኣበየናይ ምረዓምኪ። ዶ ወላስ፣ ንኣጸሓሕፋ ግጥሚ ዝምልከት፣ ካልእ ሓዲሽ ሓሳብ ምመጠውክና። ምስ ኩሉ ኣኽብሮትን ምስጋናን።
* ሳባ ~
ሳይሞን ፡ ክብረት ይሃበለይ እሞ ቅድም ። ኣይተብዝሓለይ ድማ ክይዝቕብብ ። እዛ ሕቶ እዚኣ ዘይበጽሕቶን ጤል ዘይጣጠመቶን ዶ ይህሉ? ቶስታስያ ። ሓንቲ መዓልቲ’ዛ ሕቶኻ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ቀሪባትለይ ከምዚ ኣቢላትኒ ኔራ። ኣብ ኩነት ፍልጠት ምስ እነስተውዕል ውሁብን ውህሉልን: Innate knowledge and Aquaierde ውሁብ ማለት ብዘይ መወከሲ እትእክቦ ክኽውን እንከሎ ውልሉል ድማ ብትምህቲን ጻዕርን ይጥረ። ሰብ ብተፈጥርኡ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልዎ ዝውለድ ህያባት: ክእለትን ዓቕሚን ኣለዎ…. ስነጥበባዊ ድማ ኣብዚ ዓንኬል እዚ ንኽዝንቢ ናይ ተፈጥሮ ግዱድ ክሳብ ዝኾነ ነቲ መልኣከ ጥበብ ጥሹኽ ዝበሎ ጸጋ ጥበብ [ ቁልዒ ናይ ሚስጢረ ጥበብ ]ናብ ጭቡጥ ወይ ረቂቕ ጥበብ ንኽምስርሖ ጻዕሪ ይሕተት :: ስለዝኾነ ድማ ሓደ ብዛዕባ ጥበብ ገለ ነገር ከይሃለዎ ከመይ ኣቢሉን እንታይ ሒዙን እሞ ክጽዕር፧ ስልዚስ ዝተዋህቦ ነገር ኣሎ ማለት እዩ :: ተውህቦ ከይሃለዎ ኣብ ስነጥበብ እንተጸዓረ ምናልባት ኣብ ስነፍልጠትን ስነ ህይወትን ወይ ውን ኣብ ካልእ ከድምዓሉ ዝነበሮ ግዜን ሃልኪን ምብኻን ጥራይ እዩ::
ብኣንጻሩ ዒራ ተውህቦ ኣሎኒ ኢልካ ኣንተዘይ ጽዒርካሉ ጥቡጥ ወይ ረቂቕ ኮይኑ ክገሃድ ዝነበሮ ነገር ትተህልኽ ወይ ኣመሪትካ ትተፍር ማለት እዩ ። ቀላል ኣብነት ንውሰድ :: ንዕንጸይቲ ወሲድና ከራ ክንሰርሓ እንተንሕተት ንለዓት ደኣ እምበር ነቲ በሊሕ ክፋል ናይ ካራ ከተድምዕሲ ተውህቦኣ ኣይኮነን “ግን ኣነ እቲ በሊሕ ክፋል ናይቲ ካራ እየ “ኢላ እንተነቂጻ ምስሊ ወይ ባንቡላ ናይ ካራ ካብ ምካን ዝዓግታ የሎን።
ሳይሞን ሓወይ ሓደ ሓቂ ኣሎ: ነቲ ዝፈረየ ግጥምታት ኣብ ብዝተፈላለየ ገጻቱ እንዳረኣኻ ዝግበር ዓሙቕ ትምህርቲ ብዛዕባ ግጥሚን ገጠምቲን ኣሎ :: ተመክሮ ከም ዘግሃዶ ድማ ተማሃሮ ናይ ሊትራቸር ግጥሚ ተማሂሮም ገጠምቲ ነይ ምኻን መሳልል ካብ ዝተተሓሓዝዎ እቶም ብዘይ ትምህርቲ ብተውህቦን ጻዕሪን ገጠምቲ ዝኾኑ ከም ዝበዝሑ እዩ:: ግጥሚ ቕድሚ ኣካዳሚ ከም ዝነበረ ኣብነታት ምድርዳር ከም ዘየድሊ ርዱእ እዩ መስለኒ :: እቲ ኣካዳምያዊ ሸነኽ ናይ ግጥሚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ ዓውዲ ፍቕሪን ተገዳስነትን ዘለዎም ምሁራት ይካየድ :: ከምኒ ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ዶክተር ሙሴ ተስፋገርግሽን : ከማኡ ውን ኣብርሃም ተስፋላኡልን ከምኡ ውን ኣብቲ ዓውዲ ብ ተውለ ዝነጥፍ ዘሎ መምህር መኮንን ተስፋይን ካልኦትን ናይ ትግርኛ ማለት እዩ።
*******************
• ደንደን ኢስማዒል~
ብመጀመርያ ሕቶ ንኸቕርብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣዝየ የመስግን፡ ብምቕጻል~ ሳባ ፡ ሓፈሻዊ ኣብ ግጥምታትኪ ዘለኒ ኣድናቆት መጠን ኣልቦ ምኻኑ ክገልጸልኪ ይፈቱ፡ ብፍላይ ድማ “ተጸለልለይ እባ” እትብል ግጥምኺ ። ናብ ሕቶይ ክኣቱ ትጽሕፍዮም ግጥምታትኪ ካብ ትዕዝብትታትኪ ድዮም ዝነቅሉ ወይስ ካብ ውሽጣዊ ስምዒታትኪ፧
*ሳባ ~
ኣዝየ የመስግንካ ደንደን ሓወይ ። እዛ ፈቲኻያ ዘሎካ ግጥሚ ብዙሓት ሰባት እዮም ዝፈትውዋ ባሊጋታት ኣብዚሓ ኣላ እንድዕላ: ሓደ ተዛራባይ ኔሩ ገለ ዝበለኒ ብዛዕባኣ ። ኣብ ዓድናስ ጥዑያትዶ ይበዝሑ ጽሉላት ምስ ተባህለስ ፡ንተጸለልለይ ኣባ ዘንበቡ ሓዊስካ ዳኣ ጽሉላት ይበዝሑ ኢለዮም ኢሉኒ ዕድለኛ እያ::
ናብ መልስኻ ክሓልፍ ፡ኣብ ክልቲኡ ይብል ኣነ። ሓደ ሓደ እዋን ነቲ ዝተዓዘብክዎ ይትንከፍ እሞ: ግጥሚ ድማ ከምዚ ኢልካ ኣዩ ስምዒታትካ ዝግለጽ ኢሉ የተሓሕዘኒ : ልክዕ ከም እቲ ስምዒት እንዳ ብኽያት እንተኸይዱ ንብዓት ዝመጸኒ ማለት እዩ :: ሓደ ሓደ እዋን ድማ ኣሎ ዝተዓዘብክዎ ዘይብለይ ዝኾንክንዎ ዘይብለይ ከምዚ በሊ ጥራይ ስለ ዝበለኒ ይብለሉ እቲ ዝገርም ድማ ንገለ ኣሕዋት ካባይ ንላዕሊ ይስመዖም ኣነ ድማ ንግጥሚ ተላኢኸዮ ኢለ ፍንጭሕ ይብል ።
******************
• ሳምሶም ትካቦ~
ብመጀመርያ ሓንቲ ካብ እተን ኣዝየ ዘድንቀን ገጣሚት ምኻንኪ ክነግር ይፈቱ፡፡ ናብ ሕቶይ ክኣቱ ፡ግጥሚ ርእሱ ዝኽኣለ ዜማዊ ኣናብባ ኣለዎ ፡ንስኪ ድማ ሓንቲ ካብተን ነዚ ጸጋ ዝተዓድልኪ ኢኺ ። ነዚ ብልጽ ትዕድልትኺ ብከመይ ኣጥሪኽዮ ፧ ብድምጽኺ ዝተቐርጸ ግጥሚታት ከተቕርቢ’ኸ መደብ ኣለኺዶ፧
* ሳባ~
ወዲ ትካቦ ሓወይ ኣየብዛሕካለይን ደኣ:: ኣነስ ንከጥርዮ እየ ሒኹ ዝብል ዘለኩ ምበልኩ ፡ ምኽንያቱ ምፍጣር ዜማ ኣብ ግጥሚ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸብክዎን ። ኣብ ጎንካ ኣለኹ ዝብለካ መሳርሒ ሙዚቃ ወይ ዘማእዝነካ ጣቕዒት የለን ፡ራስ ብራስ እያ። እዚ ኮይኑ ክንሱ ድማ ደሓን ይእቶ መብዛሕቲኡ ግጥምታት ምስ ዜማኡ እዩ ዝመጸኒ :: እዚ ሓደ ካብ መዐቀኒታት ብቅዓት ናይታ ግጥሚ እውን እዩ ንዓይ :: መብዛሕቲኡ እዋን ኣብ መወዳእታ መስርሕ ናይቲ ምዕራፍ ብዜማኣ ጌረ ኣንቢበያ ሕርክርኽ እንተላትኒ ክሳብ እቲ ዝኣምነሉ ውህደት ዝመጽእ ይቃለሳ::: ብኸመይ ኣጥሬዮ እንድዒ ግን ከምኡ ግበሪ መጺኡኒ ምስ ገበርክዎ ብኣኡ ጌረ ርዒመዮ ‘መስለኒ። ካልእ ኣብ ምንባብ ግጥሚ ሓደ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣሎ ፡ ንሱ ድማ እቲ ግጥምታተይ ተነባቢ ክሳብ ዝኾነ እስከ ሰብ ባዕሉ ይንበቦ ይብል እየ። ባዕሉ ርእሱ ክኢሉ ደው መታን ክብል። ሕጂ ግን ሓደ ሓደ እዋንሲ ከነቦ እየ : ብዙሓት ጠለብቲ ኣላዉ ፡ኣነ ውን ክቱር ባህጊ ኣሎኒ ። ብድምጸይ ኣንቢበ ኣሰተማቀርቲ ከሐጉስ ክፍትን እየ ።
ኣብ ኣስመራ እንአለኹ ን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም(asmarino.com) ክንዝርገሓልኪ ዝበሉኒ ናይ ግጥምታት ሲዲ ሰዲደሎም ኔረ ።ደሓር ግን ነዴኺ ማይ ውረድላ ኮይኑ :: ሳሕቲ ድማ ገለ ገለ እዋ የቕርብዎ እዮም ። ከዘራርቦም ውን ፈቲነ ነይረ እየ ፡ ግዳ ኣይመለሱን ። ከየሕዘነኒ ኣይተረፈን ምኽንያቱ ክምኡ ስለ ዘይነበረ እቲ መብጽዓ።
****************
• ካሕሳይ ሽኮር~
ሳባ ብጀመርታ ዕዙዝ ሰላምታይ ይብጻሕኪ። ብምቅጻል ኣድናቒኺ እየ፡ ማለት ግጥምታትኪ ንዉሕ ኢሎምን ዳርጋ ፍሉይ ቅዲ ዘለዎምን ብምዃኖም ይፈትዎም። ናብ ሕቶይ ክምለስ፡ንግጥሚ ትነብርዮ ዲኺ ወይ ግጥሚ እዩ ኣባኺ ዝነብር፧ ግጥሚ ክትገጥሚ ከለኺ ኸ ንምንታይ ትገጥሚ ፧ታሃንኪ ከተውጽኢ ዲኺ ትገጥሚ ወይ ‘ሲ ንዝና ፧ወይስ ብመልክዕ ግጥምኺ ንሕብረተሰብ ገለ ኣስተምህሮ ወይ ምንቕቓሕ ከተሕልፊ ስለ እትደልዪ ኢኺ፧
* ሳባ~
ሰላም ካሕሳይ ሓወይ ። ነቲ ሕብረተሰብ ከመሓላልፎ ዘሎኒ መልእኽቲ ሃልዩኒ እየ ዝጽሕፍ ክብል እኳ ኣይደፍር እየ : ግን ስለ ዝተሰመዓኒ ኣየ ዝገጥም : መምህር ምዃን ቀሊል ነገር ኣይኮነን : ዓውደይ ውን ስለ ዘይኮነ ብግጥሚ ጌረ በቇራጭ ክኣትዎ ኣይደልን’የ። ግን እታ ንግጥሚ ከም ሓንቲ ጃልባ ጌረ ስለ ዝሪኣስ ካብ ትም ኢለ ሓንቲ ጽብቕቲ ጃልባ ጥራይ ዝሰርሕ ፡እግሪ መንገደይ ድማ ገለ ነገር ክጽዕና ይደሊ ፡ ሽዑ እቲ ነቲ ጽዕነት ዝረኽቦ ከከም ዝምእምኦ ይጥቀመሉ : ክመሃረሉ ድዩ : ክሕጎሰሉ ድዩ ዋላስ ካልኦት ሓሳባት ንኸመንጩ ከነቃቅሖ እንድዒ : ምኽንያቱ ነዝታት እንዳሓሰብኩ እንተጽሒፈ ከም ልበይ ኣብ ውቕያኖስ ናይ ስምዒት ኣይክኣቱን እየ ማለት እዩ።
ኣብ ግጥሚ ዲኺ ትነብሪ ዋላስ ንሱ እዩ ዝመጸኪ ዝበልካያ ድማ : ኣይተህርፈኒ ኣብኡ ክነብር ደኣ መዓስ ጓል ዓይኒ መዓር ኮንኪ ኢሉ ኣብዩኒስ ጥቕኡ እየ ዝነብር:: ሓደ ሓደ ኣዋን መንገዲ ርሕቀት ብርሃን ተጓዒዘ ይኸዶ: ሓደ ሓደ እዋን ድማ ካብ ደም ሱረይ ንላዕሊ ቀሪቡ ይጸንሓኒ:: ተሃን ዝተባህለ ዓስቢ ጎኒዑ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኢሉኒ ይሽረብ ።
*****************
• ዩኤል ተወልደ~
ዳርጋ ኩሉ ግጥሚ ዝጽሕፍ ጽቡቅ ግጥሚ ከቅርብ እዩ ዝፍትን። በታ ዓቅሙ ማለት እዩ። ክድነቅ፡ ክነኣድ ፡ ክንቀፍን ፡ ክእረምን ክኣ ንቡር እዩ። ኣብ ገለ ኣቀራርብ ነቀፌታ/ህየሳ ግና ሓደ ሓደ ግዜ የሰንብደካ እዩ። ካብ ዓበይቲ ገጠምቲ ከይተረፈ “እዝስ ግጥሚ ክበሃል ድዩ ፥ እታ ዝርካባ እኳ . . .፥ ኣንፈት ዘይብላ ስራሕ፥ ከም ሻማ . . . ወዘት ዝብል ዓንቓፊ ርእይቶታት ሕልፍ ክትብል ትረክብ ኢካ። እዚ ሓደ ካብ ናይ ህየሳ ቅዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘድሊ ግና ኣይመስለንን። ዘይንኣድ ስራሕ ከሎ ንንኣዶ ወይ እውን ሸለል ንበሎ ንምባል ኣይኮንኩን። መእረምታ ብኸመይ ይኹን ንምባል እየ። ምቕሉል ዝኾነ ህየሳ! ስለ`ዚ ሳባ ፡ዓበይቲ ገጠምቲ ንጀመርቲ ገጠምቲ ብግቡእ ይሕብሕብዎም ዶ ኣለዉ ትብሊ፧ ወይ እውን ሓደሽቲ ገጠምቲ ንኽንምዕብል ብምኹራት ገጠምቲ እንታይ ክግበር ኣለዎ ወይ ክግበር የብሉን ትብሊ፧
* ሳባ~
ሰላም ዮኤል ሓወይ፡ ሓቅኻ ኩሉ ብዝተኻእሎ መጠን ከጸብቕ እዩ ዝፍትን። ኣንተኾነ ግን ኩሉ የጸብቕ ማለት ድማ ኣይኮነን። ካልእ ውን ኩሉ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ስለ ዝጸበቐሉ ኣይኮነን ዝጽሕፍ ግን ክሕሎ ዘለዎ ጥበባዊ ናይ ሓሳብ መስመር ኣሎ:: እቲ ናይ ሓሳብ መስመር ይፍለጠካ እዩ። ቅድሚ ናብ ንፋስ ምውጽኡ ምስ ውሽጥኻ ምልዛብ ኣሎ ፡ሓደ ሓደ እዋን እዚ ተጣሒሱ ይረአ፡ ከም ዘለዋ ተቀበሉና ዝብሉ ውን ኣይሰኣኑን ። ጸብሒ ዓደስ እንዳበላዕካ ሓንቲ ጸጸር እንተረኪብካላ ስትር ተብል ኢኻ ።እቲ ማእረ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኩላሶ እንተኮይኑ ግን ፡ኤእ ወይ ውን ባእቃዓ ጠስሚ ወይ ውን ጨው እተተነግሐት ከ ፧ ናይ ሓድሽ ነገር ኣይመስለንን ። ስለዚስ ኩልና ኣብ መንገዲ ትምህርቲን ትሕትናን ምጉዓዝ ከድልየና’ዩ ። ንኡሽቶ ክውስኽ ህየሳ ርእሱ ዝኸኣለ ጥበብ እዩ ፡ቶም ዓበይቲ ገጠምቲ ሃየስቲ ክኾኑ ግድን እኮ ኣይኮነን ስለዚ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኢሎም ኢልካ ዘይምድሃል ከኣ ካልእ ነገር እዩ :: ካልእ ኣብ መስርሕ ምንቕቓፍ ምትሕልላይ ከድልየና እዩ ፡ምክንያቱ ብልዝበት ዝተበሃሉ ዝያዳ ነቲ ክትብሎ ዝደለኻ ትርጉም ስለ ዘልብስዎ:: ከም ሰብ ድማ ኣከባቢሩ የነባብረካ:: ሕጂ ዘለናዮ ሁመት እቶም ጀመርቲን ምኩራት ከምኡ ውን ሃየስቲን ዘራኽብ ኢሂን ምሂን ዘበሃህልን ኣይኮነን : በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ተስፋ ኣሎ ፡ብቴክኖሎጂ ተሰኒና ተረባሕቲ ናይ ኢህን ምሂን ምብህሃል ዓውዲ ክንከፍት ንኣብነት ከም ፓልቶክ ሩምስ ሓጋዚ ምኮነ መስለኒ ።
*********************
• ኣባል ዛራ ካበስመራ~
ሰላምታይ ንዓኺ ሳባ፡ ኣብ ኤርትራ እንከለኺ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝወጽኡ ዝነበሩ ግጥምታትኪ፡ ኣዝዮም ንጹራትን ተፈተውትን ኔሮም። ን ዎርክ ሾፕ ናይ ኣፍሪቃውያን ገጠምቲ ኣንስቶ፡ ናብ ሰኔጋል በጺሕኪ ድሕሪ ምምላስኪ ግን ፡ ገለ ዘይርድኡኻ ግጥምታት ምጽሓፍ ጀሚርኪ። እዞም ግጥምታት መትሓዚ ይስኣኖም። ገለ ካብቶም ኣብ ስደት ኮንኪ ትጽሕፍዮም ‘ውን ከምኡ ይመስሉ። ሓንሳእ ሓንሳእ’ሲ ወረ “እዞም ግጥምታት ንዓይሲ ድሓን ንገጣሚቶም’ከ ይርድእዋ’ዶ ይኾኑ’ እብል። እንታይ’ዩ ምስጢሮም ሳባ ፧
* ሳባ~
ዝኸበርካ ኣባል ዛራ ካብ ኣስመራ :: ምስጋና ይኹንካ ፡ኣብቲ ናይ ሰኔጋል መገሻ : ማሕበር ስነጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ ንምምስራር ዝዓለመ ትንፋስ ዘይህብ ኣኼባታትን ዑደታት እዩ ዝነበረ እምበር ናይ ቴክኒክ ኣጸሓሕፋታት ምልውዋት ኣይነበረን ። ቅድመን ድሕረን ተባሂሉ ተቀሚጡ ዘሎ ናይ ግዜ መቓንን : ብዛዕባ ውልቃዊ ርኢቶ እዚን እዚን ክብል ኣይደልን’የ ። እቲ ዝጽሕፎ ዘለኹ ግጥምታት ግን ኣዳዕዲዑ ይርደኣኒ እዩ ፡ የቐንየለይ ።
*******************
• ሚኪ ፒፖ ~
መጀመርታ ንዘሃብኩምኒ ዕድል ‘ናኣመስገንኩ ። ናብ ሕቶይ ከብል እቲ ዓሚቕ ጥበብ ማለት ግጥሚ ፡ምስ ሓቅን ሕልናን ዘትኣሳስር ምስጢር ኣለዎ’ዶ ፧እንታይ ከ’ዩ ንሱ፧ ከምኡ ውን ዘየቃዱ ጎድኒ እንተሃልይዎ ገለ በልና ሳባ ። የቐንየለይ !
* ሳባ~
ሰላም ሚኪ ፒፓ ኣዝየ የመስግን እሞ ቕድም። እዛ ሕቶካ ግን ከባድ እያ ፡ ለጢጥካኒ! ግን ከም ዝመስለኒ ፡
ምትእስሳር ሕልናን ግጥምን ግሉሕ እዩ ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ከምዚ ግጠም ወይ ምስ እትበሃል ድማ ኣዩ ዝፍለጠካ:: ከም ብዙሕ ሳዕ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናይ ፕሮፖጋንዳ ዝጸሓፉ ግጥምታት ንጽህነት ስለ ዝጎድሎም ሰብ እምበር ንሕልናኻ ሰሚዕካ ስለ ዘይሰራሕካዮም ስኽፍክፍ ይብሉካ ኣዮም ፡ስለዚ ድማ ብዙሕ ሻዕ ካብ ከምዚ ነገራት ክሃድም ይመርጽ ። ሓደ እዋንሲ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ፡ንትካል ሽርፊን ሓዋላን ናይ ሂምቦል ዝኸውን ኣድቨርታይዝ ብግጥሚ ደልዩ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ዓዲምኒ:: ሽዑ ከም ኡ ከም ዘይገብር ነጊረዮ:: ትካልና ንገለ ከብ ዝጸሓፍክዮ ግጥምታት እንተ ወሰደኸ ምስ በለኒ ካባኡ መሪጽና ተረዳዲእና ። ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ውን ካፕቴን ኣስረስ ተሰማ ንንግስቲ ንህቢ እባ ግጠምላ ኢሉኒ ሽዑ ኣዋርሕ ወሲደ : ኣብ ናይ ባህሊ ኣገጣሚታትን ካልእን ድማ ቀጻሊ ይሓቱኒ ሽዑ: ሓደ እዋን ዋላ ሓደ ኢለ ክጽሕፈላ ኣይከኣልኩን ኢለዮ ተረዳዲእና :: ሕልናኺ ዘይበለኪ ንዘሎኪ ጽቡቕ ባህሪ ዓቅብዮ ዝበለኒ ድማ ወትሩ ትዝ ትብለኒ። ብዛዕባ እዛ ጉዳይ እዚኣ ካብዚኣ ንላዕሊ ክብል ብዘይ ምኽኣለይ ይቕሬታ።
**********************
• ንሰናይ ፍቃድካ;… ~
መጀመርታ ሰላም ንዓኺ ክብርቲ ሳባ። ብምቕጻል፡ ግጥሚ ድዩ ናባኺ ዝመጽእ ዋላስ ንስኺ ኢኺ ትከድዮ፧ ካልእ ንስኺ ከም ሳባ ፡ግጥሚ ውስጠዝኣዊ መልክዕ እንተሓዘ ዶ ይምረጽ ወይስ በንጻሩ እንተኾነ ይሓይሽ ትብሊ ፧ ንጽባቐን ኣድማዕነትን እቲ ጥበብ ዝኣክል ።
* ሳባ~
ዝኸበርካ ንሰናይ ፍቃድካ ፡ ምስጋናይ ንዓኻ ይኹን ።ግጥሚ ደኣ ሓንሳብ ይመጸኒ ሓንሳብ ይኸዶ እየ ዝብል እንዒ ከኣ ንሱ ዝብሎ እምበር :: ብዝኾነ ከከም ኣድላይነቱ ሚዛን ክሕሉ ኣለዎ:: ገለኦም ግጥምታት ኣለዉ ምቅላዕ ዘምሕረሎም ገሊኦም ድማ ምጉልባብ፡ ገለኦም ድማ ክልቲኡ ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን ጥበብ ኣንተዘይ ተሓዊስዎ ኣንባቢ ወይ እንታይ ክትብል ደሊኻ ፈሊጡ ስጋብ መወዳእታ ኣየንብበልካን ወይ ድማ ውላ ወዲእዋ ቕጭ ከይተምጽኣሉ ምጥንቓቕ የድሊ ።
**********************
• ኣማን ፍላስፋ~
እቲ ንግጥሚ ካብ ካልእ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ፍልይ ዘብሎን ጽባቐን ዝፈጥረሉን ኢልኪ እትኣምንሎም ባእታታት እስኪ ኣስፍሕ ኣቢልኪ ገለ በልና ሳባ ።
* ሳባ~
ሰላም ኣማን ፈላስፋ ፡ ጥበበኛ ሰለሙን “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የሎን ” ኢሉ ፡ ይኹን እምበር ነዛ ዓለም ኩሉ ወለዶ ነናቱ ዓንኬል ኣለዎ ። ስለዚ ግጥሚ ድማ ብመልክዕ ረቂቕ ወይ ዘይተጨባጢ ክስተት ወይ ፈጠራ ጌሩ ንሂወትና መታን ክንዕዘባ ገለ ባእታታ ይጠልብ እዩ ፡ብተዛማዲ ሓድሽ ኩርናዕ ምፍታሽ ፡ ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ምልእቲ ባኮ ናይ ክርቢት ክንደይ ኩርናዓት ኣሎ እንተኢልና ፡8 ፡ 6 ፡ 12 …….
እታ መሸርጠጢትን መሰከሚትን ምስ ከፋፈልናየን: ናይ ነብሲ ወከፍ ዕንጸይቲ እንተደሚርናዮ ‘ኸ፧! ንግጥሚ ዝኸውን መሰጥቲ ኩርንዓት ኣይሰኣናን እዩ ። ከከም ኣተሓናብሳኻ ድማ ዝተፈላለዩ ሉላት ትረክብ ፡ ብተምሳጥ ምጥላቕ! ። ጽባቐ ~ ጽባቐ ንጥበብ ናብቲ ዘየቋርጽ ጎደና ምዕባለ : ኣድማዕነትን ይወስዶ ፡ትፍስህቲ ኣእምሮ ኣበራቢሩን ኣስተርሕዩን ድማ እጃሙ ኣብ ምምሕያሽ ዘርኢ ወዲ~ሰብን :ምኽንያት መፈጠሩ ዝኾነ ደጊታት ከማዕብል ይሕግዞ ። ስለዚስ ተመኒኻ ምጽሓፉ ። ቁጥቡነት : ኣብ ዓለመ ስነጥበብ ግጥሚ ከም ጌጽ እንተመሰልናዮ እንታይ ይመስለካ ? ስልማታትን ጌጽን ክብደት ኣይምእምኦምን እዩ:: ግጥሚ ውን ከምኡ:: ከም ለሚን ድማ እዩ:: ንጨና ኢልካ ብሓምስኡ ኣይትኸፍቶን፡ ካልእ ኣገዳሲ ነገር ፡ ውጹእ ስእሊ ምሓዝ ፡ ዋላ እቲ ግጥሚ ኣብስትራክት ይኹን ዋላ ቅሉዕ ሓደ ቅርጺ እንተሒዙ ብተኣማማንነት ይኹዕንን ።
*******************
• ዛራ ገጠምቲ~
ንዝሃብክና ኣዕጋቢ መልስታት ኣዚና እናመስገንና፡ ምስ ካልእ ክትብልዮ እትደልዪ ኣተሓሒዝኪ ክትምልስልና እንደልያ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣላትና ገጣሚት ሳባ ፡
~ካብቲ ቅድሚ ገለ እዋን ኣቢሉ ምስ ሬድዮ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበርክዮ ቃለ~መሕትት ብዝተበገሰ ኣብ ጉጅለ ኢሪትሪያን ሊትሬቸር ካብ ገለ ኣድነቕትኺ ብዛዕባ ዘይንጹርነት መልስታትኪ ሓደ ጽሑፍ ቀሪቡስ ብዝተፈላለዩ ኣባላት እታ ጉጅለ(ፈለጥትኽን ኣድነቕትኽን) ውን ዝተፈላለየ ርይቶታት ተዋሂብሉ ነይሩ ፡ ካብዚ ብምብጋስ ፡ ብዛዕባ ግጥምታትኪ ኣብ እትሕተትሉ እዋን ፡ ነቶም ዝቐርቡልኪ ሕቶታት ግቡእ መልስታት ይህበሎም(ይረኽበሎም’የ)ዶ ተብሊ ሳባ ፧
* ሳባ~
ኣብ ኢሪትሪያን ሊትሬቸር ብዛዕባ እቲ ምስ ራድዮ sbs ዘገበርክዎ ቃልመሕተት ዝተባህለ ዘረባ ክሰግሮ እንተዝኽእል ባህ ምበለኒ ። ሰለ ክብረትኩም ግን ሸፈፍ ክብላ ክፍትን ። ግደ ሓቂ ፡ኣነ ከም ሳባ ንኸዕልል ኢለ ዘይኣነ ክኸውን ኣይደልን’የ ። ስለምንታይ” ምስ ግጥሚ ጎፍ ንጎፍ ተራኺብና” ኢላ ሳባ ፧ ብዝብል ኣዘራርባ ብዝተላዕለ ምብህሃል፡ ንወሃብቲ ርእይቶ ንሓድሕዶም ኣዛራራቢ ክኸውን ይኽእል’ዩ ፡ ንዓይ ግን ስምዒት ዝፈጥር ኣይኮነን ። ምኽንያቱ ንሱ ስለ ዝነበረ እቲ ሓቂ፡ ጎፍ ንጎፍ ምስ ግጥሚ ከም ዝተራኸብና ፡ንዝቐረበለይ ሕቶ ብመልሰይ ከረድእ ፈቲነ ። ካልእ ፡ጽቡቕ ግጥምታት ንኸፍሪ ኣብ ምጽዓር እምበር ፡ ነንዝተባህለ ኣብ ብምምልላስ ግዜ ንከየባኽን ክጥንቀቕ ይመርጽ ።
ከምኡ ድማ ፡ናይ ግጥምታተይ ምሉእ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ኣሎኒ። እዚ ማለት ግን ስለምንታይ ጽላሎትካ ሸሊሑ ንዝብሉ ሓተትቲ ፡መጎት[ ሎጂክ] ምትሕሓዝ ኣይእጃመይን’ዩ ።
ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ባቡር ምሓዘይ ፡ ሺሕ ምስጋና ንመስራቲ ዛራ ገጠምቲ መም/መኮነን ተስፋይ ፡ ሰለቲ ከምዚ ገይሩ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ዘኣከብና ።ሓቂ ዘረባ ኣሕዋት ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ ከም ገጠምትን ኣብ ዙርያ ግጥሚ ዝዓስሉ ኣስተማቐርትን ጌሩ ዝተሓቋቆፈ የለን ። ኣሽሓት like ንኩሎም ኣባላት ዛራ : ከምኡ ውን ኣዳለውቲ እዛ መደብን ንብምልኦም ኣድሚናት ዛራን ። ደጊመ የቀነለይ ።
****************************
ኣዚና ነመስግን ገጣሚት ሳባ
ዛራ~ገጠምቲ
09~2015