እነሀኹልካ ከምዛ ቆጽሊ
ኔው ነጀው የብለኒ ባህሪ
እወ እዚ ንፋስ ትብሎ ንስኻ
ጸፊዑ ጸፊዑስ ናብ ከርስኻ
ኣምጺኡኒ ‘ሎ ‘ሞ ሓደራኻ፡
መሬትስኳ ዋና ረኺቡ
ናተይ ኢኻ ኢልዎ መንግስቲ
ቅድመይ ብምፍጣሩ ረኺቡ ወሓጢ
እንተ ኣነ ዋና ስኢነ ተማጓቲ፡
ወሓጠኒ ባሕሪ
ወይ ሕተተለይ ንፈጣሪ
ናይ መንየ ኣነ ኣብዛ ምድሪ!?
ሰብ እኮየ እንተበዛሕኩ ህዝቢ
ኣይተጋፍዓኒ ብማዕበላት ነውጺ
ዘጋፍዕሲ፡ እኳ ዒቅ ኢሉኒ!
ኣይተሻሩ ዑቅባ ፍለጥ ባሕሪ
ናባኻ ምምጽአይ ጠሊምኒ ምድሪ
ንስኻ ክኣ እዝጊ ኹን መሓሪ!
እንታይ’ዩ እዚ ነገር ዕንኪላሎ
ነዚ ፍጡር ኣብ ከርስኻ ዘሎ
ኣማሚቕካ ክንዲ ትዕንግሎ
ተረካቢ ዓድዮ!
ማዕበላት ሰዲድካ ትስሃሎ?
ኣንታ ባሕሪ ግደፍ ከይትዕሎ
ንዕኡ ዝጽበ ኤህ ዝብል ኣሎ
ንብዓት ህጻን ቁሊሕ እባ በሎ
ምጉርምራምካ ኣብ ውሽጥኻ ኣዝሕሎ፡፡
እንተጠመተ ኩሉ ተጻይ ኮይኑ
ካብቲ ረመጽ ንዓኻ ኣሚኑ
ዑቕባ ክብል ናባኻ ጠኒኑ
ከምዚ ከማይ ዝተጻዕነ ግኑ!
እንተመጸስ ኣይትድንግጽንዶ
ምስ ማዕበለ ንፋስ ካብ ትገብር ጽምዶ
ዶልፊናት ሰዲድካስ ኣይተማዕቁብን ዶ?!
ብርንሂጎ ጓል ባሕሪ
ነሓሰ 2015