እርጋን ዝወለዶ ዕብዳን
ሽሕጣን እናምጽአ ሸይጣን
ንቕዳሴ ነቲ ርኽበት ነብሲ
ብልማኖ ምሕጽንታ ፈላሲ
ጉዳም! ንኽትቅደስ ክትከውን ወራሲ
ነቲ ምድሓን ምርካብ ውሉድነት
ኣጉል ” ኣነ” ተዓጢቕካ ምማት
ክምስሉ ጋዶ! ናይ ዘመን ለባማት
“ርኽበት ነብሲ ዝግንፍል ካብ ውሽጢ
ንሱ ይበልጽ ካብ ንደገ ሽብጢ!”
ሓቆም ከኣ ‘ቲ ናቶም ጭርሖ
ርእሲ እንተ ቐዲሙ የእዳው እናመርሖ
ህያው ጫቒት ትፈጥር ሸላሕ እንቃቑሖ
ኣበር ግዳ ምግንፋል ከም ዓፍራ
ኣብ ዘይብልካ ነብሲ ክትጥብራ
ንፋስ ኣሎ ንዓፍራ መህፈፊ
ጸሓይ ኣሎ ንጋብላ መንጸፊ
ሳሬት ‘ካ ዓለባ ክትሰፊ
እሙር ጥቡብ ናይ ወሓለ ንድፊ
ኣብቲ ናታ ጎልጎል ንኻልኦት ጸድፊ
ብዘይ ገለ ፍርሓት ውሉዳ ትጸፊ
እንተ ጎነፋ ከኣ ሸሓጢ ዓማጺ
ንእሽቶይ ትኣኽሎ ካብቲ ናታ ልሕጺ
‘ሞ ይኣክል ‘ባ ሽሕጣን ነብሲ
ጎራጉሮ ደኣ ውሽጢ ርእሲ
ሓጻጽቦ ነቲ ማእከል ከርሲ
ሓንሳብ ዕረፍ ተላመድ ድኣ ስቕ
ነቲ ዘይኮንካዮ እናክትናፍቕ
ገምርኻ ኩሒልካ ኣይትንፈቕፈቕ
ተላመዶ ስቕ ደኣ ከኣል ስቕ!
Kibrom Demoz
17/08/2015.